ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንየሆዋ እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧

ንየሆዋ እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧

ንየሆዋ እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧

ሩት ዳኔይ ዘዘንተወቶ

ኣደይ ነታ ሂትለር ስልጣን ዝሓዘላ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅድስቲ ዓመት ኢሉ ዝኣወጀላ፡ ኣነ ድማ እተወለድኩላ ዓመተ 1933፡ ተካል ዓመት ምንባራ ዋዛ ብእተሓወሶ ዘረባ ትዛረብ ነበረት።

ወለደይ ኣብታ ኣብ ጥቓ ዶብ ጀርመን እትርከብ ታሪኻዊት ቦታ ፈረንሳ ዝዀነት ከተማ ዩትስ፡ ሎሬን ይነብሩ ነበሩ። ብ1921 እታ ውፍይቲ ካቶሊክ ዝነበረት ኣደይ ነቲ ሰዓቢ እምነት ፕሮተስታንት ዝነበረ ኣቦይ ተመርዓወቶ። ብ1922 እታ ምዕባየይ ሓብተይ ዝዀነት ሄለን ተወልደት፡ ወለደይ ከኣ ገና ሕጻን ከላ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ኣጠመቕዋ።

ብ1925 ሓደ መዓልቲ፡ ኣቦይ ነታ ዘ ሃርፕ ኦቭ ጎድ ዘርእስታ ብጀርመንኛ እተዳለወት መጽሓፍ ተቐበለ። ነታ መጽሓፍ ምስ ኣንበባ፡ ሓቂ ኸም ዝረኸበ ኣመነ። ንሓተምቲ እታ መጽሓፍ ደብዳበ ጸሓፈሎም፡ ንሳቶም ድማ ምስቶም ሽዑ ኣብ ጀርመን ቢበልፎርሸር ተባሂሎም ዚጽውዑ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣራኸብዎ። ብኡንብኡ ኣቦይ ነቲ ዝፈለጦ ንኻልኦት ኪሰብኽ ጀመረ። ኣደይ ግን ነዚ ነገር እዚ ኣይፈተወቶን። በቲ ዚስሕብ ናይ ጀርመንኛ ኣዘራርባኣ ድማ፡ “ዝደለኻዮ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ፣ እንተዀነ ግን፡ ምስቶም ቢበልፎርሸር ኣይትኺድ” በለቶ። ይኹን እምበር፡ ብ1927 ኣቦይ ናቱ ውሳነ ገበረ፡ ሓደ ኻባታቶም ብምዃን ከኣ ተጠምቀ።

ከም ውጽኢቱ ድማ ኣደይ ንኣቦይ ክትፈትሖ ኣዲኣ ትደፋፍኣ ነበረት። ሓደ መዓልቲ ሓደ ቐሺ ነቶም ምእመናን ኣብ ቕዳሰ፡ “ምስቲ ነብዪ ሓሶት ዝዀነ ዳኔይ ከይትሓብሩ” ኢሉ ኣጠንቀቖም። ኣዲኣ ነደይ ካብቲ ቕዳሰ ምስ ተመልሰት፡ ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ገዛና ዘሎ ደርቢ ዀይና ንኣቦይ ናይ ዕምባባ ባዞ ደርበየትሉ። እቲ ባዞ ድማ ንርእሲ ኣቦይ ስሒቱ ንመንኩቡ ወቕዖ። እዚ ኣጋጣሚ እዚ፡ ኣደይ፡ ‘ሓደ ሃይማኖት ንሰባት ቀተልቲ ዚገብሮም እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ጽቡቕ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ’ ኢላ ኸም እትሓስብ ገበራ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘዳለውዎ ጽሑፋት ከተንብብ ጀመረት። ነዊሕ ከይጸንሐት፡ ሓቂ ኸም ዝረኸበት ኣመነት፡ ብ1929 ከኣ ተጠምቀት።

ወለደይ፡ የሆዋ ንዓይን ንሓብተይን ጋህዲ ምእንቲ ኪዀነልና ኢሎም ዝከኣሎም ዘበለ እዮም ገይሮም። ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ የንብቡልናን ኣብኡ ዚርከቡ ገጸ-ባህርያት ብዛዕባ ዝወሰድዎ ስጕምቲ ኽንገልጸሎም ይሓቱናን ነበሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣቦይ ዋላ እኳ እቲ ዚገብሮ ውሳነ ንናይ ስድራ ቤትና ኣታዊ ኸም ዜጕድሎ እንተ ፈለጠ፡ ለይቲ ወይ ኣጋ ምሸት ምስራሕ ኣበየ። ከምዚ ዝገበረሉ ምኽንያት፡ ንክርስትያናዊ ኣኼባታት፡ ንኣገልግሎት፡ ከምኡውን ምስ ደቁ ንዚገብሮ መጽናዕቲ ግዜ ምእንቲ ኺረክብ ኢሉ እዩ።

እዋን ጸበባ ኣንጸላለወ

ወለደይ ነቶም ካብ ስዊዘርላንድን ፈረንሳይን ዝመጹ ገየሽቲ ሓለውትን ቤትኤላውያንን ይዕድምዎም ነበሩ፡ ንሳቶም ድማ ብዛዕባ እቶም ካብ ቤትና ሒደት ኪሎ ሜተራት ርሒቖም፡ ኣብ ጀርመን መከራ ዚወርዶም ዝነበረ ኣመንቲ ብጾትና የዘንትዉልና ነበሩ። መንግስቲ ናዚ ንደቆም ብምምንዛዕ ናብ መዳጐኒ ደምበታት ይሰዶም ነበረ።

ኣነን ሄለንን ነቲ ኼጋጥመና ዚኽእል ፈተናታት ተዳሊና ነበርና። ወለድና መምርሒ ኺህበና ዚኽእል ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንዝክር ይሕግዙና ነበሩ። ከምዚ ዚስዕብ ከኣ በሉና፦ “እንታይ ክትገብራ ኸም ዘሎክን ሕርብት ምስ ዚብለክን፡ ምሳሌ 3:5, 6 ዘክራ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ፈተና ኼጋጥመክን ከሎ እንተ ፈሪህክን፡ 1 ቈረንቶስ 10:13 ተጠቐማ። ካባና እንተ ደኣ ተፈሊኽን፡ ንምሳሌ 18:10 ኣስተንትናላ።” ንመዝሙር 23 ኰነ ንመዝሙር 91 ብቓለይ ሸምደድክወን፡ የሆዋ ወትሩ ኸም ዜዕቍበኒ ድማ እምነት ኣሕደርኩ።

ብ1940 ስርዓት ናዚ ንኣልሳስ-ሎሬይን ጐበጠን፡ እዚ ሓድሽ ስርዓት እዚ ድማ ኵሎም ዕድሚኦም ዝኣኸለ ሰባት ኣባላት ሰልፊ ናዚ ኪዀኑ ይጠልብ ነበረ። ኣቦይ ግን ኣበየ፡ እቶም ጌስታፖ ድማ ከም ዚእሰር ኣፈራርህዎ። ኣደይ ወተሃደራዊ ኽዳን ምስራሕ ምስ ኣበየት፡ ንዓኣ እውን ኬፈራርህዋ ጀመሩ።

ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ሕማም ርእሲ ዀነኒ። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፡ ትምህርቲ ቕድሚ ምጅማርና ንሂትለር ይጽለየሉ፡ እቲ “ሀይል ሂትለር” ዚብል ሰላምታ ይቐርብ፡ የማነይቲ ኢድካ ዘርጊሕካ ድማ ሃገራዊ መዝሙር ይዝመር ነበረ። ወለደይ ንሂትለር ሰላምታ ኸይህብ ካብ ምኽልካል፡ ባዕለይ ንሕልናይ ከሰልጥን እዮም ሓጊዞምኒ። በዚ ኸምዚ ድማ ንሂትለር ሰላምታ ኽህብ ከም ዘይብለይ ባዕለይ ወሰንኩ። እቶም መምህራን ይጸፍዑንን ካብ ቤት ትምህርቲ ኸም ዝስጐጕ የፈራርሁንን ነበሩ። ሓደ መዓልቲ ጓል ሸውዓት ዓመት ከለኹ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሎም እቶም ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝነበሩ 12 መምህራን ደው ኣበሉኒ። ንሂትለር ሰላምታ ኽህብ ኬገድዱኒ ድማ ፈተኑ። ይኹን እምበር፡ ብሓገዝ የሆዋ ጸኒዐ ደው በልኩ።

ሓንቲ መምህር ብስምዒታተይ ክትጻወት ጀመረት። ንፍዕቲ ኸም ዝዀንኩ፡ ኣዝያ ኸም እትፈትወኒ፡ ካብ ቤት ትምህርቲ እንተ ተሰጒጐ ድማ ብዙሕ ከም እትሓዝን ነገረትኒ። “ኢድኪ ኽሳዕ ክንድቲ ኽትዝርግሕዮ የብልክን። ንማለቱ ጥራይ ቍሩብ ሓፍ ኣብልዮ። ‘ሀይል ሂትለር!’ ትብሊ ኸም ዘለኺ ንምምሳል ጥራይ ከናፍርኪ ኣንቀሳቕሲ” ኸኣ በለትኒ።

እታ መምህረይ እትገብሮ ዝነበረት ነገር ንኣደይ ነገርክዋ፣ ንሳ ድማ እቶም ሰለስተ እብራውያን መንእሰያት ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ባቢሎን ዘቖሞ ምስሊ ምስ ቆሙ እንታይ ከም ዝገበሩ ንዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘኻኸረትኒ። “እንታይ ኪገብሩ እዩ ትጽቢት ዚግበረሎም ነይሩ፧” ኢላ ሓተተትኒ። ኣነ ድማ፡ “ክሰግዱ” ኢለ መለስኩላ። “ኣብታ ኣብ ቅድሚ እቲ ምስሊ ኺሰግዱላ ዘለዎም ህሞት፡ ሳእኖም ኪኣስሩ ድንን ኪብሉ ግቡእ ድዩ፧ ባዕልኺ ወስኒ፡ ቅኑዕ መሲሉ እተራእየኪ ድማ ግበሪ” በለትኒ። ኣነ ኸኣ ልክዕ ከምቲ ሲድራቅ፡ ሚሳቅ፡ ዓብድ-ኔጎ ዝገበርዎ ንየሆዋ ጥራይ እምንቲ ክኸውን ወሰንኩ።—ዳን. 3:1፣ 13-18።

እቶም መምህራን ብዙሕ ግዜ ኻብ ቤት ትምህርቲ ይሰጉኒ፡ ካብ ወለደይ ከም ዚፈልዩኒ ድማ የፈራርሁኒ ነበሩ። ብዙሕ እጭነቕ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ወለደይ ግን ብቐጻሊ የተባብዑኒ ነበሩ። ናብ ቤት ትምህርቲ ቕድሚ ምኻደይ፡ የሆዋ ምእንቲ ኺሕልወኒ ኣደይ ምሳይ ኰይና ትጽሊ ነበረት። ኣብ ሓቂ ጸኒዐ ደው ንኽብል ከም ዜበርትዓኒ ድማ እፈልጥ ነበርኩ። (2 ቈረ. 4:7) እቲ ጸቕጢ እንተ ደኣ በርቲዑኒ፡ ናብ ገዛይ ካብ ምምጻእ ድሕር ከይብል ኣቦይ ነገረኒ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ነፍቅረኪ ኢና፡ ወትሩ ጓልና ኢኺ። እቲ ጕዳይ ግን ኣብ መንጎኽን ኣብ መንጎ የሆዋን እዩ” በለኒ። እዘን ቃላት እዚኣተን ንጽህናይ ክሕሉ ንዝነበረኒ ድሌት ኣደልደላለይ።—እዮ. 27:5

እቶም ጌስታፖ፡ ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምንዳይን ንወለደይ ንምምርማርን ብተደጋጋሚ ናብ ቤትና ይመጹ ነበሩ። ንኣደይ ንሰዓታት ዚኣክል ይወስድዋ፡ ንኣቦይን ንሓብተይ ድማ ካብ ስርሖም ኣውጺኦም ይወስድዎም ነበሩ። ካብ ቤት ትምህርቲ ምስ ተመለስኩ፡ ኣደይ ኣብ ገዛና ኽትጸንሓኒ እንተ ደኣ ዀይና ፈጺመ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ሓድሓደ እዋን ሓንቲ ጐረቤትና፡ “ንኣዴኺ ወሲዶምዋ እዮም” ትብለኒ ነበረት። ካብኡ ኣብ ገዛ ተሓቢኤ፡ ‘የሳቕይዋዶ ይህልዉ ይዀኑ፧ እንደገና እርእያዶ እኸውን፧’ ኢለ ንርእሰይ እሓትት ነበርኩ።

ካብ ዓድና ተመዛበልና

ብ28 ጥሪ 1943 እቶም ጌስታፖ ለይቲ ሰዓት ሰለስተን ፈረቓን ኣተንስኡና። ኣነን ወለደይን ሓብተይን ኣብ ሰልፊ ናዚ እንተ ደኣ ተጸምቢርና ኻብ ዓድና ኸም ዘይንመዛበል ሓበሩና። ንኽንዳሎ ድማ ሰለስተ ሰዓት ተዋህበና። ኣደይ ግን ኣቐዲማ ቕያር ክዳውንትን መጽሓፍ ቅዱስን ዝሓዘ ሳንጣ ኣዳልያ ስለ ዝነበረት፡ ነዚ ግዜ እዚ ንጸሎትን ንሓድሕድና ንምብርታዕን ተጠቐምናሉ። ኣቦይ ድማ ዝዀነ ይኹን ነገር ካብ “ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ” ኣዘኻኸረና።—ሮሜ 8:35-39

እቶም ጌስታፖ ድማ መጹ። ኣንግላድ እትበሃል ብዕድመ ዝደፍአት ሓብትና ኣእዳዋ እናወዛወዘትን እናነብዐትን ክትሰናበተና ኸላ ፈጺመ ኣይርስዖን እየ። እቶም ጌስታፖ ናብቲ ኣብ መትስ ዚርከብ መደበር ባቡር ወሰዱና። ንሰለስተ መዓልቲ ብባቡር ምስ ተጐዓዝና፡ ኣብቲ ኮኽዎቪትሰ ዚበሃል በቲ ኣብ ፖላንድ ዚርከብ ኦሽዊትዝ ዚመሓደር መዳጐኒ ደምበ በጻሕና። ድሕሪ ኽልተ ወርሒ፡ ናብቲ ሓደ እዋን ገዳም ዝነበረ፡ ደሓር ግን ናብ ደምበ ሸቕሊ እተቐየረ ግለቪትሰ ተዛወርና። እቶም ኣባላት ናዚ፡ ነፍሲ ወከፍና እምነትና ኸም ዝኸሓድና ዚገልጽ ሰነድ እንተ ደኣ ፈሪምና፡ ከም ዚፈትሑናን ንብረትና ኸም ዚመልሱልናን ሓበሩና። ኣቦይን ኣደይን ምፍራም ኣበዩ፡ እቶም ወተሃደራት ድማ፡ “ናብ ገዛኹም ፈጺምኩም ኣይትምለሱን ኢኹም” በሉና።

ኣብ ሰነ ናብ ሽፊንቶኽዎቨትሰ ምስ ተዛወርና፡ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ዜሳቕየኒ ዘሎ ሕማም ርእሲ ጀመረኒ። ኣጻብዕተይ እውን ቈሰለ፡ ሓደ ሓኪም ድማ ብዘይ መደንዘዚ ንመብዛሕትኡ ኣጽፋረይ ኣወገዶ። እቲ ዜሐጕስ ግን፡ ነቶም ሓለውቲ ናይ ምልእኣኽ ኣጋጣሚ ብምርካበይ ናብቲ ባኒ ዝስርሓሉ ዝነበረ ቦታ እኸይድ ነበርኩ። ኣብኡ ዝነበረት ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ ዚብላዕ ትህበኒ ነበረት።

ንእተወሰነ እዋን፡ ስድራ ቤትና ምስ ካልኦት እሱራት ኣይተጸምበረትን። ኣብ ጥቅምቲ 1943 ናብቲ ኣብ ዞምፕኮቨትሰ ዚርከብ ደምበ ተለኣኽና። ኣብኡ ድማ ምስ ኣስታት 60 ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን፡ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ኣብ ዚርከብ ቤት ኣብ ተደራራቢ ዓራውቲ ንድቅስ ነበርና። እቶም ኤስ.ኤስ. ረሳሕን ሒደትን ምግቢ ኸም ዚወሃበና ይገብሩ ነበሩ።

ምስ እዚ ዅሉ መከራ ግን ፈጺምና ተስፋ ኣይቈረጽናን። ድሕሪ እቲ ውግእ ዓብዪ ናይ ስብከት ዕዮ ኸም ዚካየድ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ኣንቢብና ነበርና። ስለዚ፡ ስለምንታይ ንሳቐ ኸም ዝነበርናን እቲ ዜጋጥመና ዝነበረ መከራ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኸም ዜብቅዕን ንፈልጥ ነበርና።

ስርዓት ናዚ ኣብቲ ውግእ ብሰራዊት ጥሙራት ሓይልታት ይሰዓር ምህላዉ ሰማዕና። ኣብ መጀመርታ 1945 እቶም ኤስ.ኤስ. ነቲ ዝነበርናሉ ደምበ ሓዲጎምዎ ኪኸዱ ወሰኑ። ኣብ 19 ለካቲት ነቲ 240 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ጕዕዞ ጀመርናዮ። ድሕሪ ኣርባዕተ ሰሙን፡ ኣብታ ኣብ ጀርመን እትርከብ ሽቲንፊልስ በጻሕና፡ እቶም ሓለውቲ ኸኣ ነቶም እሱራት ናብ መዓደኒ ኣእተውዎም። ብዙሓት ካባና ኽንቅተል ንኸውን ኢና ኢሎም ሓሰቡ። እንተዀነ ግን፡ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቶም ጥሙራት ሓይልታት መጹ፡ እቶም ኤስ.ኤስ. ድማ ሃደሙ፡ መከራና ኸኣ ኣብቅዐ።

ኣብ ሸቶታተይ በጻሕኩ

ድሕሪ ኽልተ ዓመትን መንፈቕን፡ ብ5 ግንቦት 1945 ረሲሕናን ቈሚልናን ኣብታ ኣብ ዩትስ እትርከብ ቤትና በጻሕና። ካብ ለካቲት ኣትሒዝና ኽዳን ስለ ዘይቀየርና፡ ነቲ ዝኣረገ ኽዳውንቲ ኸነንድዶ ወሰንና። ኣደይ፡ “እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ኣብ ህይወትኩም እታ ዝበለጸት ዕለት ትኹነልኩም። ዋላ ሓንቲ የብልናን። እዚ ተኸዲንናዮ ዘሎና ኽዳን እውን ከይተረፈ ናትና ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ኣርባዕቴና እሙናት ኴንና ናብ ቤትና ተመለስና፣ ፈጺምና ኣይተለማለምናን” ኢላ ኽትዛረብ ከላ ኣይርስዖን እየ።

ጥዕናና ኽሳዕ ዚመሓየሽ ንሰለስተ ወርሒ ኣብ ስዊዘርላንድ ጸናሕና፣ ድሕሪኡ ናብ ቤት ትምህርቲ ተመለስኩ፡ ከይስጐጕ ግን ኣይፈራህኩን። ምስ መንፈሳውያን ኣሕዋትና ኽንእከብን ብግህዶ ኽንሰብኽን ከኣልና። ብ28 ነሓሰ 1947፡ ጓል 13 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ብማይ ብምጥማቕ ነቲ ቕድሚ ዓመታት ንየሆዋ እተመባጻዕክዎ መብጽዓ ኣብ ቅድሚ ሰባት ኣርኣኹ። ኣቦይ ድማ ኣብ ሩባ ሞዘል ኣጠመቐኒ። ብኡንብኡ ፈላሚት ክኸውን እኳ እንተ ደለኹ፡ ኣቦይ ግን ሓደ ዓይነት ሞያ ንኽመሃር ደፋፍኣኒ። ስለዚ ኸኣ ክዳን ምስፋይ ተመሃርኩ። ብ1951 ጓል 17 ምስ ኰንኩ፡ ፈላሚት ኰይነ ኣብ ትዮንቨል ከገልግል ተመደብኩ።

ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ኣብ ፓሪስ ኣብ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ተኻፈልኩ፡ ሚስዮናዊ ንክኸውን ድማ ኣመልከትኩ። ዕድመይ ዘይኣኸለ እኳ እንተ ነበረ፡ ሓው ናታን ኖር ነቲ መመልከቲ ወረቐተይ “ንመጻኢ” ኪኸውን ኢሉ ኸም ዚሕዞ ነገረኒ። ኣብ ሰነ 1952፡ ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ ላንሲንግ፡ ኒው ዮርክ ሕ.መ.ኣ. ዚርከብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ ኣብ መበል 21 ክፍሊ ንኽካፈል ጻውዒት ቀረበለይ።

ጊልዓድን ድሕሪኡን

ኣብ ጊልዓድ ኣየ ኸመይ ዝበለ ተመክሮ ዀን እየ ረኺበ! መብዛሕትኡ ግዜ ብቛንቋይ ኣብ ቅድሚ ሰባት ምዝራብ ይኸብደኒ እዩ፣ እዚ ኸይኣኽለኒ ግን ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ብእንግሊዝኛ ኽዛረብ ነበረኒ። እንተዀነ ግን፡ እቶም መምህራን ብፍቕሪ ተደሪኾም ሓገዙኒ። ክሓፍር ከለኹ ፍሽኽ ይብል ስለ ዝነበርኩ፡ ሓደ ሓው ሳጓ ኣውጽኣለይ።

ብ19 ሓምለ 1953 ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዚርከብ ያንኪ ስታድዩም ተመረቕና፡ ምስ ኣይዳ ካንዱሶ (ደሓር ኣይዳ ሳኒቦስ) ከኣ ኣብ ፓሪስ ተመደብና። ነቶም ሃብታማት ተቐማጦ ፓሪስ ምስባኽ ኣዝዩ ዜፍርህ እዩ ነይሩ፡ እንተዀነ ግን ንብዙሓት ትሑታት ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክመርሕ ክኢለ እየ። ኣይዳ ተመርዓወት፡ ብ1956 ድማ ናብ ኣፍሪቃ ኸደት፣ ኣነ ግን ኣብ ፓሪስ ተረፍኩ።

ብ1960 ንሓደ ቤትኤላዊ ተመርዓኹ፡ ኣብ ሾሞንን ቪሺን ከኣ ፍሉያት ፈለምቲ ዄንና ኣገልገልና። ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት፡ ሕማም ዓባይ ሰዓል ስለ ዝሓመምኩ፡ ዕዮ ፈላምነት ኣቋረጽኩ። ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክሳተፍን ኣብኡ ክቕጽልን እደሊ ስለ ዝነበርኩ፡ ብዙሕ እየ ሓዚነ። እተወሰነ እዋን ጸኒሑ፡ ሰብኣየይ ንኻልእ ሰበይቲ ኣፍቂሩ ሓዲጉኒ ኸደ። ኣብቲ ምድረ-ሰማይ ጽልምት ኢሉኒ ዝነበረ ዓመታት፡ እቶም መንፈሳውያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ዝገበሩለይ ሓገዝ ብዙሕ እዩ ጠቒሙኒ። የሆዋ ድማ ጾረይ ተሰኪሙለይ እዩ።—መዝ. 68:19

ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ኣብ ሉቭየ፡ ኖርማንዲ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ፈረንሳ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር እነብር ኣለኹ። ናይ ጥዕና ጸገም እኳ እንተ ሃለወኒ፡ ኣብ ህይወተይ ኢድ የሆዋ ብምርኣየይ ሕጕስቲ እየ። ኣተዓባብያይ ሎሚ እውን ከይተረፈ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኺህልወኒ ሓጊዙኒ እዩ። የሆዋ ኸፍቅሮን ከዘራርቦን ዝኽእል ከምኡውን ጸሎተይ ዚምልስ ናይ ሓቂ ኣካል ከም ዝዀነ ወለደይ ምሂሮምኒ እዮም። ብርግጽ፡ “ኣብ ክንዲ እቲ ሰናይ ዝገበረለይ ኵሉስ፡ [“ንየሆዋ፡” NW] እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧”—መዝ. 116:12

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ፍረ ነገር]

“ኣብ ህይወተይ ኢድ የሆዋ ብምርኣየይ ሕጕስቲ እየ”

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ጓል ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ካብ ሓደገኛ ጋዝ ዚከላኸል ማስኬራ ሒዘ ኸለኹ

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ጓል 16 ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ምስ ሚስዮናውያንን ፈለምትን ንፍሉይ ወፈራ ስብከት ኣብ ላክሰምበርግ ከለኹ

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ብ1953 ምስ ኣቦይን ኣደይን ኣብ ዓብዪ ኣኼባ ኸለኹ