ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ እሙን መጋብን ኣመሓዳሪ ኣካሉን

እቲ እሙን መጋብን ኣመሓዳሪ ኣካሉን

እቲ እሙን መጋብን ኣመሓዳሪ ኣካሉን

“እቲ እሙንን ኣስተውዓልን መጋቢ፡ ቀለቦም በብጊዜኡ ኺህቦም፡ ጐይታኡ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞስ መን እዩ፧” —ሉቃ. 12:42

1, 2. የሱስ ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት ዚሕብር ብዙሕ ነገራት ዝሓቘፈ ትእምርቲ ኺገልጽ ከሎ፡ እንታይ ኣገዳሲ ሕቶ እዩ ዘበገሰ፧

 የሱስ ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት ዚሕብር ብዙሕ ነገራት ዝሓቘፈ ትእምርቲ ኺገልጽ ከሎ፡ “እቲ ጐይታኡ ምግቦም በብጊዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ መን ኰን እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ እዚ ባርያ እዚ ስለቲ ተኣማንነቱ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ገንዘብ እቲ ጐይታ ኸም ዚሽየም ገለጸ።—ማቴ. 24:45-47

2 የሱስ እተወሰነ ኣዋርሕ ኣቐዲሙ፡ ተመሳሳሊ ሕቶ ኣበጊሱ ነይሩ። (ሉቃስ 12:42-44 ኣንብብ።) ነቲ ባርያ፡ “መጋቢ” ኢሉ ጸውዖ፡ ን“ስድራ ቤቱ” ድማ “ኣገልገልቱ” (NW) ኢሉ ጸውዖም። መጋቢ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ ዚሽየም ኣካያዲ ወይ ኣመሓዳሪ ቤት እዩ። ኰይኑ ግን፡ እቲ መጋቢ ንባዕሉ ኣገልጋሊ እዩ። እዚ ባርያ ወይ መጋቢ እዚ መን እዩ፧ ‘ምግቢ በብግዜኡ’ ዚህብከ ብኸመይ እዩ፧ መንፈሳዊ ምግቢ ዚዕደለሉ መትረብ ምፍላጥና፡ ንዓና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

3. (ሀ) ወሃብቲ ርእይቶ ህዝበ-ክርስትያን ነቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ “ባርያ” እተዛረቦ ነገር ብኸመይ ኪገልጽዎ ፈቲኖም፧ (ለ) እቲ “መጋቢ” ወይ “ባርያ” መን እዩ፧ እቶም “ኣገልገልቲ” ወይ “ስድራ ቤት”ከ መን እዮም፧

3 መብዛሕትኡ ግዜ ወሃብቲ ርእይቶ ህዝበ-ክርስትያን፡ እቲ የሱስ እተዛረቦ ቓላት ነቶም ኣብ ልዕሊ እቶም ክርስትያን ኢና በሃልቲ ቦታታት ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ከም ዜመልክት ገይሮም ይርእይዎ እዮም። ኰይኑ ግን፡ እቲ ኣብቲ ምሳሌ “ጐይታ” ተባሂሉ ተጠቒሱ ዘሎ የሱስ፡ ኣብ እተፈላለየ ጕጅለታት ህዝበ-ክርስትያን ፋሕ ኢሎም ዚርከቡ ብዙሓት ባሮት ከም ዚህልዉ ኣይተዛረበን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንሓደ “መጋቢ” ወይ “ባርያ” ጥራይ ኣብ ብዘሎ ጥሪቱ ወይ ኣብ ኵሉ ገንዘቡ ኸም ዚሸሞ እዩ ገሊጹ። ስለዚ፡ ከምቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ብዙሕ ግዜ ዝገለጸቶ፡ እቲ መጋቢ ነቶም “ሒደት መጓሰ” ዚበሃሉ ቕቡኣት ደቀ መዛሙርቲ ብጕጅለ እዩ ዜመልክት። ኣብ ወንጌል ሉቃስ፡ የሱስ ነቲ መጋቢ ቐቅድሚ ምጥቃሱ፡ ነቲ “ሒደት መጓሰ” ጠቒስዎ ነይሩ። (ሉቃ. 12:32) እቶም “ኣገልገልቲ” ወይ “ስድራ ቤት” ከኣ፡ እዞም ቅቡኣት ደቀ መዛሙርቲ እዚኣቶም ኪዀኑ ኸለዉ፡ እዚ ኣጸዋውዓ እዚ ግን ብውልቂ ኺረኣዩ ኸለዉ ዘለዎም ግደ እዩ ዜጕልሕ። እምበኣር፡ ነዚ ዚስዕብ ኣገዳሲ ሕቶ ኸነበግስ ንኽእል ኢና፦ ነፍሲ ወከፍ ኣባል እዚ ብጕጅለ ዝቘመ ባርያ እዚ በብግዜኡ መንፈሳዊ ምግቢ ኣብ ምድላው እጃም ኣለዎ ድዩ፧ ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ ከም ዚብል ተጠንቂቕና ምስ መርመርና፡ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኺንጽረልና እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝነበሩ ኣገልገልቲ የሆዋ

4. የሆዋ ንጥንታውያን ህዝቢ እስራኤል ብኸመይ እዩ ጸዊዕዎም፧ ብዛዕባ እቲ ህዝቢኸ እንታይ ምስትብሃልና እዩ ኣገዳሲ ዝዀነ፧

4 የሆዋ ነቶም ህዝቡ ዝነበሩ ጥንታውያን እስራኤላውያን ከም ሓደ ጕጅለ ባርያ ገይሩ ኺዛረበሎም ከሎ፡ “ንስኻትኩም [ብዙሕ] ምስክረይን [ኣብ በዅሪ ቛንቋ ብዙሕ] እቲ ዝሐሬኽዎ ባርያን [ንጽል] ኢኹም” በለ። (ኢሳ. 43:10) ኵሎም ኣባላት እቲ ህዝቢ፡ ኣብቲ ሓደ ጕጅለ ባርያ ይጠቓለሉ ነበሩ። ይኹን እምበር፡ እቶም ካህናትን እቶም ካህናት ዘይኰኑ ሌዋውያንን ጥራይ ነቲ ህዝቢ ናይ ምምሃር ሓላፍነት ከም ዘለዎም ከነስተብህለሉ ይግባእ።—2 ዜና 35:3፣ ሚል. 2:7

5. የሱስ እንታይ ዓብዪ ለውጢ ኸም ዚግበር እዩ ዝሓበረ፧

5 የሱስ እተዛረበሉ ባርያ፡ ህዝቢ እስራኤል ድዮም ነይሮም፧ ኣይኰኑን። ንሱ ባዕሉ ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ “እታ መንግስቲ ኣምላኽ ካባኻትኩም ክትውሰድ፡ ፍሪኣ ንዚፈሪ ህዝቢውን ክትውሀብ እያ” ስለ ዘበሎም፡ ንሳቶም ዘይምዃኖም ንፈልጥ ኢና። (ማቴ. 21:43) ለውጢ ኸም ዚህሉ ንጹር እዩ ነይሩ። የሆዋ ሓድሽ ህዝቢ ኺጥቀም መዲቡ ነበረ። ንመንፈሳዊ መምርሒ ብዚምልከት ግን፡ ዕዮ እቲ የሱስ ኣብ ምሳሌኡ ዝጠቐሶ ባርያ ምስቲ ጥንታውያን እስራኤላውያን ከም “ባርያ” ኣምላኽ ዝዓየይዎ ዕዮ ይመሳሰል እዩ።

እቲ እሙን ባርያ ተቐልቀለ

6. ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. እንታይ ሓድሽ ህዝቢ እዩ ናብ ህልውና ዝመጸ፧ መንከ እዮም ክፍሊ እቲ ሓድሽ ህዝቢ ዝዀኑ፧

6 እቲ ሓድሽ ህዝቢ፡ ማለት “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ብመንፈሳውያን እስራኤላውያን ዝቘመ እዩ። (ገላ. 6:16፣ ሮሜ 2:28, 29፣ 9:6) ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. መንፈስ ኣምላኽ ምስ ፈሰሰ ኸኣ፡ ናብ ህልውና መጸ። ድሕሪኡ፡ ኵሎም ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ክፍሊ እቲ ሕጂ በቲ ጐይታ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እተሸመ ብጕጅለ ዝቘመ ባርያ ዀኑ። ነፍሲ ወከፍ ኣባል እቲ ህዝቢ፡ ብስራት ኪሰብኽን ደቀ መዛሙርቲ ኺገብርን መዝነት ተዋህቦ። (ማቴ. 28:19, 20) ኰይኑ ግን፡ ኵሉ ኣባል እቲ ጕጅለ መንፈሳዊ ምግቢ በብግዜኡ ኣብ ምድላው ኪሳተፍ ነይርዎ ድዩ፧ ቅዱሳት ጽሑፋት ነዚ ብኸመይ ከም ዚምልሶ እስከ ንርአ።

7. ኣብ ፈለማ ቐንዲ ዕዮ ሃዋርያት እንታይ እዩ ነይሩ፧ ጸኒሑ ዕዮኦም ዝሰፍሐኸ ብኸመይ እዩ፧

7 የሱስ ነቶም 12 ሃዋርያቱ ምስ ሸሞም፡ ቀንዲ ዕዮኦም ኪህቦም ከሎ፡ ብስራት ንኻልኦት ኪሰብኩ እዩ ልኢኽዎም። (ማርቆስ 3:13-15 ኣንብብ።) እዚ ዕዮ እዚ ምስቲ መሰረታዊ ትርጕም እታ ኣፖስቶሎስ (ሃዋርያ) እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል ዚሰማማዕ እዩ፣ እዛ ቓል እዚኣ ኻብ ሓንቲ “ምልኣኽ” ዝትርጕማ ግሲ ዝመጸት እያ። ይኹን እምበር፡ ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደን ክርስትያናዊት ጉባኤ ኽትምስረት ቍሩብ ምስ ተረፋን፡ ሃዋርያ ኺበሃል ከሎ “ሽመት” ወይ ከም ሓላዊ መጠን ዚወሃብ ሓላፍነት ኰነ።—ግብ. 1:20-26

8, 9. (ሀ) ነቶም 12 ሃዋርያት ቀንዲ ዜገድሶም ዝነበረ ነገር እንታይ እዩ ነይሩ፧ (ለ) ተወሳኺ ሓላፍነት እተዋህቦምን ሓላፍነቶም ብኣመሓዳሪ ኣካል ዝጸደቐሎምን እንመን እዮም፧

8 ነቶም 12 ሃዋርያት ቀንዲ ዜገድሶም ዝነበረ ነገር እንታይ እዩ ነይሩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብቲ ደድሕሪ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ እተገብረ ፍጻመታት ክንርእዮ ንኽእል ኢና። ብዛዕባ እቲ ንመበለታት ዚግበር ምምቃል ምግቢ ዕለት ዘይምስምማዕ ምስ ተፈጥረ፡ እቶም 12 ሃዋርያት ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣኪቦም፡ “ንሕና ቓል ኣምላኽ ሐዲግናስ ኣብ መኣዲ ኸነገልግል ዚግባእ ኣይኰነን” በልዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 6:1-6 ኣንብብ።) ድሕሪኡ፡ ሃዋርያት፡ “ኣገልግሎት እዚ ቓል እዚ” ኸየብኰሩ ምእንቲ ኺሕዙ፡ ነቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ “ጕዳይ” ዚኣልዩ መንፈሳዊ ብቕዓት ዘለዎም ኣሕዋት መዘዙ። እዚ መሰናድዎ እዚ በረኸት የሆዋ ኣምጽአ፡ “ቃል ኣምላኽ ድማ ተዘርግሔ፡ ቍጽሪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ኣዝዩ እናበዝሔ ኸደ።” (ግብ. 6:7) ስለዚ፡ ቀንዲ ሓላፍነት ሃዋርያት፡ ብመንፈስ ምምጋብ ኰነ።—ግብ. 2:42

9 ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ንኻልኦት ከቢድ ሓላፍነት ተዋህቦም። እታ ኣብ ኣንጾክያ ዝነበረት ጉባኤ፡ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ፡ ንጳውሎስን በርናባስን ከም ሚስዮናውያን ገይራ ለኣኸቶም። ዋላ እውን ምስቶም 12 ቐዳሞት ሃዋርያት እኳ እንተ ዘይተጠቓለሉ፡ ንሳቶም እውን ሃዋርያት ተባሂሎም ተጸውዑ። (ግብ. 13:1-3፣ 14:14፣ ገላ. 1:19) እዚ ሽመቶም እዚ፡ ጸኒሑ በቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ጸደቐ። (ገላ. 2:7-10) ደድሕሪኡ ድማ፡ ጳውሎስ መንፈሳዊ ምግቢ ኣብ ምዕዳል ግደ ኺህልዎ ጀመረ። ነታ ናይ መጀመርታ መልእኽቱ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ጸሓፋ።

10. ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ኵሎም ቅቡኣት ክርስትያናት መንፈሳዊ ምግቢ ኣብ ምድላው ይሳተፉ ነይሮም ድዮም፧ ግለጽ።

10 እንተዀነ ግን፡ ኵሎም እቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ነቲ ዕዮ ስብከት ሓለውቲ ዀይኖም ኣብ ምምራሕን መንፈሳዊ ምግቢ ኣብ ምድላውን ይሳተፉ ነይሮም ድዮም፧ ኣይፋልን። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኵላቶምዶ ሃዋርያት እዮም፧ ኵላቶምዶ ነብያት እዮም፧ ኵላቶምዶ መምህራን እዮም፧ ኵላቶምዶኸ ገበርቲ ተኣምራት እዮም፧” በለ። (1 ቈረ. 12:29) ኵሎም ብመንፈስ እተወልዱ ክርስትያናት ኣብ ዕዮ ስብከት ዚጽመዱ እኳ እንተ ዀኑ፡ እተወሰኑ፡ ማለት ሸሞንተ ሰባት ጥራይ እዮም ነተን 27 መጻሕፍቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ኣብ ምጽሓፍ ዘገልገሉ።

ኣብዚ ግዜና ዘሎ እሙን ባርያ

11. እቲ ባርያ ኣበየናይ “ጥሪት” እዩ ተሸይሙ፧

11 ኣብ ግዜ መወዳእታ፡ ብጕጅለ ዝቘመ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ኣብ ምድሪ ኸም ዚህሉ፡ ኣብ ማቴዎስ 24:45 እተመዝገበ ቓላት የሱስ ብንጹር ይሕብር እዩ። ኣብ ራእይ 12:17፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም “ዝተረፉ” ዘርኢ እታ ሰበይቲ ምዃኖም ተገሊጹ ኣሎ። እዞም ተረፍ እዚኣቶም ብደረጃ ጕጅለ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ጥሪት ወይ ገንዘብ ክርስቶስ ተሸይሞም እዮም። እቲ እሙን መጋቢ ብሓላፍነት ኪኣልዮ እተሸመሉ ጥሪት፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ረብሓታት ጐይታ እዩ፣ እዚ ኸኣ ንምድራውያን ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽን ንዕዮ ስብከት ብስራት ዜገልግል መሳለጥያታትን የጠቓልል።

12, 13. ሓደ ክርስትያን ሰማያዊ ጽውዓ ኸም ዘለዎ ኸመይ ገይሩ ይፈልጥ፧

12 ሓደ ክርስትያን ሰማያዊ ተስፋ ኸም ዘለዎን ምስቶም ተረፍ መንፈሳውያን እስራኤላውያን ከም ዚጠቓለልን ከመይ ገይሩ ይፈልጥ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ከምኡ ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም ኣብ ዝጸሓፎ ቓላት ክንረኽቦ ንኽእል ኢና፦ “ንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ጌርና ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኩም እምበር፡ መንፈስ ባርነት ከም ብሓድሽ ንፍርሃት ኣይተቐበልኩምን፡ ስለዚ እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዘበሉ፡ ንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ እዮም። ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኸኣ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር። ውሉድ ካብ ኰንናኸ፡ ወረስቲ ድማ ኢና፡ ንኣምላኽ ወረስቱ፡ ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብናስ፡ ምስኡውን ክንከብር ኢና።”—ሮሜ 8:14-17

13 ብሓጺሩ፡ እዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ እዮም ዚቕብኡ፡ ሰማያዊ “ጽውዓ” ወይ “መጸዋዕታ” ድማ ይቕበሉ። (እብ. 3:1ትርጕም 1990) እዚ ብብሕቲ ዚቐርብ መጸዋዕታ፡ ካብ ኣምላኽ እዩ ዚቐርበሎም። ንሳቶም እውን ብግዲኦም፡ ውሉዳት ኣምላኽ ንምዃን ከይተጠራጠሩ ወይ ከይፈርሁ ይቕበልዎ። (1 ዮሃንስ 2:20, 21 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ነዚ ተስፋ እዚ ንሳቶም ኣይኰኑን ዚሓርይዎ፣ የግዳስ፡ የሆዋ እዩ ዚሓትሞም ወይ መንፈስ ቅዱሱ ዚህቦም።—2 ቈረ. 1:21, 22፣ 1 ጴጥ. 1:3, 4

ቅኑዕ ኣረኣእያ

14. እቶም ቅቡኣት ንጽውዓኦም ብኸመይ እዮም ዚርእይዎ፧

14 እቶም ቅቡኣት ንሰማያዊ ዓስቦም ኣብ ዚጽበዩሉ እዋን፡ ብዛዕባ ርእሶም እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልዎም ይግባእ፧ ዜደንቕ መጸዋዕታ እኳ እንተ ቐረበሎም፡ መጸዋዕታ ጥራይ ምዃኑ የስተውዕሉ እዮም። ነቲ ሽልማት ንምርካብ፡ ክሳዕ ሞት እሙናት ኪዀኑ ኣለዎም። ብትሕትና ነቲ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል እተዛረቦ ቓላት የቃልሑ እዮም፦ “ኣሕዋተየ፡ ኣነ ብርእሰይ ከም ዝረኸብክዎ ኣይመስለንን አሎ። ሓደ ነገር ደኣ አሎኒ፤ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ፡ ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፡ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እጐዪ አሎኹ።” (ፊል. 3:13, 14) እቶም ተረፍ ቅቡኣት ‘ብትሕትና ነቲ እተጸውዑሉ ጽውዓ ብቑዓት ኰይኖም ኪመላለሱ፡’ ነዚ እውን “ብፍርሃትን ራዕድን” ዚከኣሎም ዘበለ ዅሉ ኺገብሩ ኣለዎም።—ኤፌ. 4:1, 2፣ ፊል. 2:12፣ 1 ተሰ. 2:12

15. ክርስትያናት ነቶም ካብቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ዚወስዱ ብኸመይ ኪርእይዎም ኣለዎም፧ ቅቡኣት ዘበሉኸ ንርእሶም ብኸመይ እዮም ዚርእዩ፧

15 በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ካልኦት ክርስትያናት ንሓደ ኸም እተቐብአ ዚኣምንን ኣብ በዓል ዝኽሪ ኻብቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ዚወስድን ሰብ ብኸመይ እዮም ኪርእይዎ ዘለዎም፧ ኪፈርድዎ የብሎምን። እቲ ጕዳይ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ የሆዋን እዩ። (ሮሜ 14:12) ኰይኑ ግን፡ ብሓቂ ነዚ ቕብኣት እዚ እተቐበሉ ክርስትያናት ፍሉይ ቈላሕታ ኺግበረሎም ኣይሓቱን እዮም። ካብ ቅቡኣት ብምዃኖም፡ ካብ ገሊኦም ምኩራት ኣባላት “ብዙሓት ሰብ” ንላዕሊ ፍሉይ ምስትውዓል ከም ዚረኽቡ ኣይኣምኑን እዮም። (ራእ. 7:9) ናይ ግድን ካብ ብጾቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ንላዕሊ መንፈስ ቅዱስ ከም እተዋህቦም ኣይኣምኑን እዮም። (ዮሃ. 10:16) ፍሉይ ኣተሓሕዛ ኺግበረሎም ኣይጽበዩን እዮም። ካብቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ብምውሳዶም ከኣ፡ ልዕሊ እቶም ኣብ ጉባኤ እተሸሙ ሽማግለታት ከም ዚገብሮም ኣይኣምኑን እዮም።

16-18. (ሀ) ኵሎም ቅቡኣት ሓድሽ መንፈሳዊ ሓቅታት ኣብ ምድላው ይሳተፉ ድዮም፧ ብምሳሌ ኣረድእ። (ለ) ኣመሓዳሪ ኣካል ንዅሎም ቅቡኣት ኢና ዚብሉ ኼማኽር ዘየድልዮ ስለምንታይ እዩ፧

16 ኣብ ብዘላ ምድሪ ዘለዉ ዅሎም ቅቡኣት፡ መንፈሳዊ ሓቅታት ኣብ ምግላጽ ዚሳተፉ ኽፍሊ ዓለምለኻዊ ኣካል ድዮም፧ ኣይኰኑን። እቲ ብጕጅለ ዝቘመ ባርያ ንመንፈሳዊ ስድራ ቤት ክርስቶስ ናይ ምምጋብ ሓላፍነት እኳ እንተ ኣለዎ፡ ኵሎም እቶም ኣባላት እቲ ባርያ ሕደ ሓላፍነት ወይ ዕዮ የብሎምን። (1 ቈረንቶስ 12:14-18 ኣንብብ።) ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ኵላቶም ኣብቲ ኣገዳሲ ዕዮ ስብከት ይሳተፉ ነይሮም እዮም። መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጽሓፍን ሓለውቲ ዀይኖም ንክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብ ምእላይ ዘገልገሉን ግን፡ እተወሰኑ ሰባት እዮም።

17 ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፦ “ማሕበር” ወይ ጉባኤ ኣብ ፍርዳዊ ጕዳያት እተወሰነ ስጕምቲ ኸም እትወስድ ገይሩ ቅዱሳት ጽሑፋት ገሊጹ ኣሎ። (ማቴ. 18:17) ከም ሓቂ ግን፡ ነዚ ስጕምቲ እዚ ኸም ተወከልቲ እታ ጉባኤ ዀይኖም ዚወስዱ፡ ሽማግለታት ጥራይ እዮም። ውሳነ ቕድሚ ምግባሮም፡ እተፈላለየ ኣማራጺታቶም ንኺፈልጡ ኢሎም ንዅሎም ኣባላት እታ ጉባኤ ኣየዘራርቡን እዮም። ብቲኦክራስያዊ መገዲ ነቲ እተመደበሎም ሓላፍነት ይፍጽሙ፣ ኣብ ክንዲ ብምልእታ እታ ጉባኤ ዀይኖም ድማ ይዓዩ።

18 ብተመሳሳሊ፡ ሎሚ እተወሰኑ ቕቡኣት ነቲ ብጕጅለ ዝቘመ ባርያ ናይ ምውካል ሓላፍነት ኣለዎም። እዚኣቶም ድማ ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር የቝሙ። እዞም ብመንፈስ እተቐብኡ ሰባት ኣብ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽን መንፈሳዊ ምግቢ ኣብ ምድላውን ከም ሓለውቲ ዀይኖም ይመርሑ። ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚግበር ዝነበረ ግን፡ ሕጂ እውን ኣመሓዳሪ ኣካል ውሳነታት ቅድሚ ምግባሩ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል እቲ ባርያ ኣየማኽርን እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:4, 5 ኣንብብ።) ይኹን እምበር፡ ኵሎም ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብቲ ሎሚ ዚግበር ዘሎ ኣገዳሲ ዕዮ ቐውዒ ኣጸቢቖም ይሳተፉ እዮም። እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ብጕጅለ ኺርአ ኸሎ ሓደ ሰብነት እዩ፣ ብውልቂ ኺረኣዩ ኸለዉ ግን እተፈላለየ ዕዮ እዩ ዘለዎም።—1 ቈረ. 12:19-26

19, 20. እቶም ብዙሓት ሰብ ብዛዕባ እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዀነ ብዛዕባ ኣመሓዳሪ ኣካሉ እንታይ ሚዛናዊ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም፧

19 እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሓቅታት ኣብቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ተስፋ ዘለዎም ቍጽሮም እናወሰኸ ዚኸይድ ብዙሓት ሰብ እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ይግባእ፧ ገንዘብ እቲ ንጉስ ከም ምዃኖም መጠን፡ ምስቲ ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ብዚውክል ኣመሓዳሪ ኣካል ዚግበር መሰናድዎታት ተሓጒሶም ምሉእ ብምሉእ ይተሓባበሩ እዮም። ኣባላት እቶም ብዙሓት ሰብ ነቲ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣመሓዳሪ ኣካል ዚዳሎ መንፈሳዊ ምግቢ የማስዉሉ እዮም። ኰይኑ ግን፡ ነቲ ባርያ ብደረጃ ጕጅለ ዜኽብርዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንዋላ ሓደ ኽፍሊ እቲ ባርያ ምዃኑ ዚኣምን ውልቀ-ሰብ ክብ ንኸየብሉ ይጥንቀቑ እዮም። ብመንፈስ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ቕብኣት እተቐበለ ዝዀነ ይኹን ክርስትያን፡ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሕዛ ኺግበረሉ ኣይደልን ወይ ኣይጽበን እዩ።—ግብ. 10:25, 26፣ 14:14, 15

20 ክፍሊ እቶም ተረፍ ቅቡኣት ዝዀንና “ስድራ ቤት” ንኹን፡ ወይ ኣባላት እቶም ብዙሓት ሰብ ብዘየገድስ፡ ምስቲ እሙን መጋብን ኣመሓዳሪ ኣካሉን ምሉእ ብምሉእ ንምትሕብባር ቈራጽነት ንግበር። ነፍሲ ወከፍና ኽሳዕ መወዳእታ ‘ንቑሓትን’ እሙናትን ንኹን።—ማቴ. 24:13, 42

ትዝክሮዶ፧

• “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” መን እዩ፧ እቶም ስድራ ቤትከ መን እዮም፧

• ሓደ ሰብ ሰማያዊ ጽውዓ ኸም ዘለዎ ኸመይ ገይሩ ይፈልጥ፧

• ሓድሽ መንፈሳዊ ምግቢ ናይ ምድላው ቀንዲ ሓላፍነት ዘለዎ መን እዩ፧

• ሓደ ቕቡእ ብዛዕባ ርእሱ እንታይ ኣረኣእያ ኺህልዎ ይግባእ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ሎሚ ኣመሓዳሪ ኣካል ነቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ይውክል። ኣብ ቀዳማይ ዘመን እውን ተመሳሳሊ መሰናድዎ እዩ ነይሩ