ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቅድሚ ተስዓ ዓመት ‘ንፈጣርየይ ክዝክሮ’ ጀመርኩ

ቅድሚ ተስዓ ዓመት ‘ንፈጣርየይ ክዝክሮ’ ጀመርኩ

ቅድሚ ተስዓ ዓመት ‘ንፈጣርየይ ክዝክሮ’ ጀመርኩ

ኤድዊን ሪጅወል ዘዘንተዎ

ኣብታ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ እተገብረላ፡ ማለት ብ11 ሕዳር 1918 ኣብቲ ዝመሃረሉ ቤት ትምህርቲ ዝነበሩ ቘልዑ፡ እቲ ደሓር ቀዳማይ ውግእ ዓለም እተባህለ ዓብዪ ውግእ ስለ እተዛዘመ፡ በዓል ኬብዕሉ ብሃንደበት ተኣከቡ። ገና ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ስለ ዝነበርኩ፡ እንታይ ይኸውን ከም ዝነበረ ኣይተረድኣንን። ብመሰረት እቲ ወለደይ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝመሃሩኒ ግን፡ ምስቶም ቈልዑ ኸብዕል ከም ዘይብለይ እፈልጥ ነበርኩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ናብ ኣምላኽ ጸለኹ፡ ስምዒተይ ክቈጻጸር ስለ ዘይከኣልኩ ግን በኸኹ። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ በዓል ኣይተኻፈልኩን። ‘ንፈጣሪየይ ክዝክሮ’ ዝጀመርኩ ኣብዚ እዋን እዚ እዩ ነይሩ።—መክ. 12:1

እዚ ፍጻመ እዚ ኸየጋጠመ ኸሎ ገለ ኣዋርሕ ኣቐዲሙ፡ ስድራ ቤትና ናብታ ኣብ ስኮትላንድ እትርከብ ግላስኮ ገዓዘት። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣቦይ ነቲ “ሚልዮናት ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ፈጺሞም ኣይኪሞቱን እዮም!” ዚብል ህዝባዊ መደረ ሰምዐ። እዚ ድማ ንህይወቱ ቐየሮ። ኣቦይን ኣደይን መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ጀመሩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን እተምጽኦ በረኸትን ይዘራረቡ ነበሩ። ወለደይ ንኣምላኽ ከም ዘፍቅሮን ኣብኡ ኸም ዝውከልን ገይሮም ስለ ዘዕበዩኒ፡ ንኣምላኽ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ።—ምሳ. 22:6

ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመርኩ

ወዲ 15 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ዝለዓለ ትምህርቲ ኽመሃር ብቑዕ ኰንኩ፣ ኰይኑ ግን፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ክኸውን እየ ዝደሊ ነይረ። ይኹን እምበር፡ ኣቦይ ብዕድመ ገና ንእሽቶ ዘለኹ ዀይኑ ስለ እተሰምዖ፡ ንእተወሰነ ግዜ ኣብ ሓደ ቤት ጽሕፈት እሰርሕ ነበርኩ። እንተዀነ ግን፡ ንየሆዋ ብምሉእ ግዜይ ኸገልግሎ እደሊ ስለ ዝነበርኩ፡ ነቲ ሽዑ ዚግበር ዝነበረ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ብሓላፍነት ዚመርሕ ዝነበረ ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ ደብዳበ ጸሓፍኩሉ። ብዛዕባ እቲ ዘውጻእክዎ መደባት ርእይቶኡ ኺህበኒ ኸኣ ሓተትክዎ። ሓው ራዘርፎርድ ድማ፡ “ንኽትሰርሕ ዕድሜኻ እንተ ኣኺሉ፡ ኣብ ዕዮ ጐይታ ኽትሳተፍ እውን ዕድሜኻ ኣኺሉ እዩ ማለት እዩ። . . . ብተኣማንነት ንዕኡ ኸተገልግል ጻዕሪ እንተ ጌርካ፡ ጐይታ ኸም ዚባርኸካ እኣምን እየ” ኢሉ ጸሓፈለይ። እዛ ብ10 መጋቢት 1928 እተጻሕፈት ደብዳበ፡ ኣብ ስድራ ቤትና ዓብዪ ጽልዋ ነበራ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣነን ኣቦይን ኣደይን ምዕባየይ ሓብተይን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዄንና ኸነገልግል ጀመርና።

ብ1931 ሓው ራዘርፎርድ ኣብቲ ኣብ ለንደን እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ከይዶም ነቲ ብስራት ኪሰብኩ ንዚደልዩ ፍቓደኛታት ጻውዒት ኣቕረበሎም። ነቲ ጻውዒት ተቐበልክዎ፡ ምስ ኣንድሪው ጃክ ኴንና ድማ ኣብታ ርእሲ ኸተማ ሊትወይንያ ዝነበረት ካውናስ ተመደብና። ሽዑ ወዲ 18 ዓመት ነበርኩ።

ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ወጻኢ ሃገር ሰበኽኩ

ኣብቲ እዋን እቲ፡ ሊትወይንያ ብሕርሻ ዚመሓደር ድኻ ህዝቢ እዩ ነይርዋ፣ ኣብ ገጠር ምስባኽ ከኣ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ነበረ። እንሓድረሉ ቦታ ንምርካብ ኣዚና ንሽገር ነበርና፣ ንገሊኡ ዝሓደርናሉ ቦታ እሞ ኸኣ ኣይንርስዖን ኢና። ንኣብነት፡ ሓደ ለይቲ ኣነን ኣንድሪውን ድቃስ ኣብዩና ተንሳእና። ነታ ብዘይቲ እትዓዪ መብራህቲ ምስ ወላዕናያ፡ እቲ ዓራት ብትዃን መሊኡ ጸንሓና። ካብ ርእስና ኽሳዕ እግርና ኸኣ በልዑና! ንግሆ ንግሆ ነቲ ቓንዛ ምእንቲ ኼህድኣለይ ኢለ ኣብቲ ኣብ ጥቓና ዚርከብ ቈራሪ ሩባ ኽሳዕ ክሳደይ እእለኽ ነበርኩ። ኰይኑ ግን፡ ኣገልግሎትና ኽንቅጽል ቈሪጽና ኢና ኔርና። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምስ እተቐበሉ መንእሰያት ሰብ ሓዳር ተራኸብና፡ እቲ ጸገምና ድማ ተፈትሐ። ናብታ ጸባብ ግን ከኣ ጽርይቲ ዝዀነት ቤቶም ተቐበሉና። ባህ ኢሉና ድማ ኣብ መሬት ንድቅስ ነበርና።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሊትወይንያ ብካህናት ናይ ሮማ ካቶሊክ ከምኡውን ብኣቕሽሽቲ ናይ ሩስያ ኦርቶዶክስ ተዓብሊላ ነበረት። እቶም ሃብታማት ጥራይ እዮም ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ኪረኽቡ ዚኽእሉ ነይሮም። ቀንዲ ዕላማና፡ ብዙሕ ክሊ ኽንሽፍን፡ ነቶም ተገዳስነት ዝነበሮም ሰባት ድማ ብዙሕ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ከነበርክተሎም እዩ ነይሩ። ፈለማ፡ ኣብታ ዝኣተናያ ኸተማ መሕደሪ ነናዲ። ድሕሪኡ፡ ንወሰናስን እታ ኸተማ ንሽፍኖ፣ ካብኡ ቐጺሉ ኸኣ ነታ ኸተማ ብምልእታ ንሽፍና። በዚ ኸምዚ፡ እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዘለዉ ኣቕሽሽቲ ጸገም ቅድሚ ምፍጣሮም ንዕዮና ንዛዝም ነበርና።

መዛረቢ ዀንና፡ ተፈላጥነት ከኣ ረኸብና

ብ1934 ኣንድሪው ኣብቲ ኣብ ካውናስ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪዓዪ ተመደበ፣ ጆን ሰምፒ ድማ መገላግልተይ ኰነ። ክልቴና ዘይርሳዕ ተመክሮታት ኢና ኣሕሊፍና። ሓደ መዓልቲ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ኸተማ ናብ ዚርከብ ናይ ሓደ ጠበቓ ቤት ጽሕፈት ከድኩ። እቲ ሰብኣይ ኣዝዩ ስለ ዝሓረቐ፡ ሽጉጡ መዚዙ ኽወጽኣሉ ኣዘዘኒ። ብልበይ ድማ ጸለኹ፣ “ልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦ” ንዚብል ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ዘከርኩ። (ምሳ. 15:1) “ከም ፈታዊ መጠን፡ ብስራት ዝሓዘ መልእኽቲ ሒዘ እየ መጺአ። ስለቲ ትዕግስትኻ ድማ አመስግነካ” በልክዎ። ድሕሪኡ፡ ንኣጻብዑ ኻብ ቃታ እታ ሽጉጥ ምስ ኣልገሳ፡ ንድሕሪት ገጸይ ከይተጠወኹ ሰላሕ ኢለ ኻብታ ቤት ጽሕፈት ወጻእኩ።

ምስ ጆን ምስ ተራኸብና፡ ንዕኡ እውን ብዛዕባ ዘጋጠሞ ዜሰንብድ ተመክሮ ነገረኒ። ካብ ሓንቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝረኸባ ሰበይቲ ብዙሕ ገንዘብ ዘለዎ ናይ ባንክ ደብተር ሕሳብ ሰሪቕካ ተባሂሉ ናብ መደብር ፖሊስ ተወስደ። ኣብኡ ኸኣ ንብምሉኡ ኽዳኑ ኣውጺኦም ፈተሽዎ። ኰይኑ ግን፡ እቲ ናይ ባንክ ደብተር ሕሳብ ምስኡ ኣይተረኽበን። ጸኒሑ ነቲ ናይ ሓቂ ሰራቒ ሓዝዎ።

እዚ ኽልተ ፍጻመታት እዚ፡ ኣብዛ ህድእቲ ኸተማ መዛረቢ ዀነ፣ ዕዮና ኸኣ ኣብ ኵሉ ተፈልጠ።

ምስጢራዊ ዕዮ

ናብታ ስብከትና ተኣጊዱላ ዝነበረ ላትቭያ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምእታው ሓደገኛ ዕዮ ንዓዪ ነበርና። ኣብ ወርሒ ሓንሳእ፡ ለይቲ ብባቡር ናብ ላትቭያ ንጐዓዝ ነበርና። ሓድሓደ ግዜ፡ ነቲ ጽሑፋት ምስ ኣብጻሕናዮ፡ ናብ ኤስቶንያ ንኸይድ፣ ክንምለስ ከለና ኸኣ ነቲ ሒዝናዮ ዝመጻእና ጽሑፋት ኣብ ላትቭያ ንሓድጎ።

ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ሓደ ሰራሕተኛ ጉምሩኽ ብዛዕባ እቲ እንገብሮ ዝነበርና ስለ ዝፈለጠ፡ ካብታ ባቡር ክንወርድን ነቲ ጽሑፋት ናብ ሓለቓኡ ኽንወስዶን ኣዘዘና። ኣነን ጆንን፡ የሆዋ ምእንቲ ኺሕግዘና ጸለና። እቲ ዜገርም ድማ፡ እቲ ሰራሕተኛ ነቲ ሓለቓኡ እንታይ ሒዝና ኸም ዝነበርና ኣይነገሮን፣ የግዳስ፡ “እዞም ሰባት እዚኣቶም ዚነግሩኻ ነገር ኣለዎም” ጥራይ በሎ። ኣነ ኸኣ እቶም ኣብ ቤት ትምህርትን ኮለጅን ዘለዉ ሰባት ንኣገዳስነት እቲ ኣብዛ ጸገም ዝመልኣ ዓለም ዜጋጥም ዘሎ ነገራት ንኺርድእዎ ዚሕግዝ ጽሑፋት ምሓዝና ነገርክዎ። ክንሓልፍ ፈቐደልና፡ ነቲ ጽሑፋት ድማ ብሰላም ኣብጻሕናዮ።

እቲ ኣብ ሃገራት ባልቲክ ዝነበረ ፖለቲካዊ ዅነታት እናኸፍአ ስለ ዝኸደ፡ እቶም ህዝቢ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪጻረርዎም ጀመሩ፣ ዕዮ ስብከትና ድማ ኣብ ሊትወይንያ እውን ተኣገደ። ኣንድሪውን ጆንን ተጠረዙ፣ ካልኣይ ውግእ ዓለም የንጸላሉ ብምንባሩ ኸኣ ኵሎም እንግሊዛውያን ካብታ ዓዲ ኺወጹ ተነግሮም። ኣነ እውን እናጐሃኹ ኻብታ ሃገር ወጻእኩ።

ኣብ ሰሜናዊ ኣየርላንድ ዝረኸብክዎ ፍሉይ መሰልን በረኸትን

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ወለደይ ናብ ሰሜናዊ ኣየርላንድ ግዒዞም ነበሩ፣ ብ1937 ከኣ ኣነ እውን ምስኦም ተጸምበርኩ። ብምኽንያት እቲ ኣብ ግዜ ውግእ ዝጐሃሃር ውዕዉዕ ስምዒት፡ ጽሑፋትና ኣብ ሰሜናዊ ኣየርላንድ ተኣጊዱ እኳ እንተ ነበረ፡ ስብከትና ግን ቀጸልና። ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ግን፡ ዕዮና ብዘይ ሕጋዊ ቐይዲ ኸነካይድ ከኣልና። እቲ ደሓር ኣብ ቻይና ሚስዮናዊ ዀይኑ ዘገልገለ ሃሮልድ ኪንግ ዝስሙ ተመክሮ ዝነበሮ ፈላሚ፡ ነቲ ኣብ ግዳም ዚወሃብ ህዝባዊ መደረ ብሓላፍነት ይመርሖን ይውድቦን ነበረ። “ኣብዛ እትመጽእ ቀዳም፡ ኣነ ኣብ ግዳም መደረ ከቕርብ እየ” በለ። ናባይ እናጠመተ ድማ፡ “ኣብታ ቐጺላ ዘላ ቐዳም ከኣ ንስኻ ኸተቕርብ ኢኻ” በለኒ። ከምኡ ምስ በለኒ ኣዝየ ሰንበድኩ።

ነታ ፈለማ ዘቕረብክዋ መደረ ፈጺመ ኣይርስዓን እየ። ብኣማእታት ዚቝጸሩ ሰባት መጺኦም ነበሩ። ኣብ ልዕሊ ሓደ ሳንዱቕ ደው ኢለ ብዘይ ዝዀነ ይኹን ናይ ድምጺ መሳርሒ እየ ነታ መደረ ኣቕሪበያ። ምስ ወዳእኩ፡ ሓደ ሰብኣይ ናባይ መጺኡ ሰላም በለኒ፣ ቢል ስሚዝ ከም ዝበሃል ከኣ ነገረኒ። ነቶም እኩባት ሰብ ከም ዝረኣዮምን እንታይ ይገብሩ ኸም ዘለዉ ንምፍላጥ ከም ዝመጸን ከኣ ገለጸለይ። ቅድሚኡ ምስ ኣቦይ ተራኺቡ ነበረ፡ ኣቦይን ሰበይቲ ኣቦይን ፈለምቲ ዀይኖም ንኼገልግሉ ናብ ዳብሊን ምስ ከዱ ግን ርክቦም ኣቋረጸ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ጀመርና። ድሕሪ ግዜ፡ ትሽዓተ ኣባላት ስድራ ቤቱ ኣገልገልቲ የሆዋ ዀኑ።

ጸኒሐ፡ ኣብቲ ኣብ ወሰናስን በልፋስት ዚርከብ ዓበይቲ ቪላታት ከገልግል ከለኹ፡ ኣብ ሊትወይንያ ትነብር ምስ ዝነበረት ሩስያዊት ሰበይቲ ተራኸብኩ። እተወሰነ ጽሑፋት ምስ ኣርኣኹዋ፡ ናብ ሓንቲ መጽሓፍ እናኣመልከተት፡ “እዚኣ ኣላትኒ። ኣብ ካውናስ ኣብ ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ዚምህር ፕሮፌሰር ዝዀነ ሓወቦይ እዩ ሂቡኒ” በለትኒ። ነታ ብፖላንድኛ እተዳለወት ክርኤሽን ዘርእስታ መጽሓፍ ድማ ኣርኣየትኒ። እቲ ሕድጋት ብጽሑፍ መሊኡ ነበረ። ነታ ጽሕፍቲ ንሓወቦኣ ዝሃብክዎ ኣነ ኸም ዝዀንኩ ምስ ፈለጠት፡ ኣዝያ ተገረመት።—መክ. 11:1

ጆን ሰምፒ ናብ ሰሜናዊ ኣየርላንድ ከም ዝኸይድ ምስ ሰምዐ፡ እታ ነሊ ዝስማ ምንኣሱ ሓብቱ ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተገዳስነት ስለ ዝነበራ፡ ከይደ ኽረኽባ ሓተተኒ። ኣነን ካኒ ሓብተይን ከኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንመርሓላ ነበርና። ነሊ ቕልጡፍ ዕቤት ብምግባር ርእሳ ንየሆዋ ወፈየት። ድሕሪ ግዜ ኸኣ ተመርዓና።

ኣነን ነሊን ን56 ዓመት ሓቢርና ንየሆዋ ኣገልገልናዮ፣ ልዕሊ ሚእቲ ዝዀኑ ሰባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኺፈልጡ ናይ ምሕጋዝ ፍሉይ መሰል ከኣ ረኸብና። ንኣርማጌዶን ሓሊፍና ኣብታ የሆዋ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም ብሓደ ናይ ምንባር ተስፋ እኳ እንተ ነበረና፡ እቲ ጨካን ጸላኢ ዝዀነ ሞት ግን ብ1998 ንነሊ መንጠለኒ። ኣብ ህይወተይ ካብ ዘጋጠመኒ እቲ ዝዓበየ ፈተና ብምንባሩ ኣዝየ ተጐዳእኩ።

ናብ ሃገራት ባልቲክ ተመለስኩ

ነሊ ኻብ እትመውት ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ኣዝዩ ዜደንቕ በረኸት ረኸብኩ። ነቲ ኣብ ታሊን፡ ኤስቶንያ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ክበጽሕ ጻውዒት ቀረበለይ። እቶም ኣብ ኤስቶንያ ዚነብሩ ኣሕዋት፡ “ካብቶም ኣብ መወዳእታ 1920ታትን ኣብ መጀመርታ 1930ታትን ናብ ሃገራት ባልቲክ እተመደቡ ዓሰርተ ኣሕዋት፡ ንስኻ ጥራይ ኢኻ ብህይወት ዘለኻ” እትብል ደብዳበ ለኣኹለይ። እታ ደብዳበ ቐጺላ፡ እቲ ጨንፈር ኣብ ኤስቶንያ፡ ላትቭያ፡ ከምኡውን ኣብ ሊትወይንያ ብዛዕባ እተገብረ ዕዮ ዚገልጽ ታሪኽ የዳሉ ምህላው ትገልጽ ነበረት፣ “ክትመጽእ ትኽእልዶ፧” ዚብል ሕቶ ኸኣ ነበራ።

ብዛዕባ እቲ ኣነን መገላግልተይን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዘሕለፍናዮ ተመክሮታት ምዝንታው ክሳዕ ክንደይ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ ነይሩ! ኣብ ላትቭያ ነታ ኸም ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ጌርና እንጥቀመላ ዝነበርና ኣፓርታማ ኸምኡውን ነታ ጽሑፋትና እንሓብኣላ ዝነበርና ፖሊስ ዘይረኸብዋ ኣብ ናሕሲ እትርከብ ቦታ ነቶም ኣሕዋት ኣርኣኽዎም። ኣብ ሊትወይንያ ናብ ሓንቲ ሻውሊ እትበሃል ፈላሚ ዀይነ ዘገልገልኩላ ኸተማ ኸድኩ። ኣብኡ ድማ ሓደ ሓው፡ “ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት፡ ኣነን ኣደይን ኣብዛ ኸተማ ገዛ ዓደግና። ነቲ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ እተሰርሐ ቤት ከነጽሪ ኸለና ኸኣ ነተን ዘ ዲቫይን ፕላን ኦቭ ዘ ኤጅስ ከምኡውን ዘ ሃርፕ ኦቭ ጎድ ዘርእስተን መጻሕፍቲ ረኸብና። ምስ ኣንበብክወን፡ ሓቂ ኸም ዝረኸብኩ ተረዳእኩ። ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ነዘን መጻሕፍቲ ኣብዛ ገዛ ዝሓደግካየን ንስኻ ኽትከውን ኣሎካ” በለኒ።

ኣብ ሓንቲ ፈላሚ ዀይነ ዘገልገልኩላ ኸተማ ኣብ እተገብረ ኣኼባ ወረዳ እውን ተኻፈልኩ። ቅድሚ 65 ዓመት ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ እተገብረ ሓደ ዓብዪ ኣኼባ ተኻፊለ ነይረ እየ። ሽዑ ግን 35 ተኣከብቲ ጥራይ እዮም ነይሮም። ሕጂ ልዕሊ 1,500 ዝዀኑ ተኣከብቲ ምርኣየይ ኣዝዩ ኣሐጐሰኒ። የሆዋ ነቲ ዕዮ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ባሪኽዎ!

‘የሆዋ ኣይሓደገንን’

ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ሓንቲ ቢ እትበሃል ፍቕርቲ ክርስትያን ሓብቲ ኽትምርዓወኒ ምስ ተሰማምዐት፡ ፈጺመ ዘይተጸበኽዎ በረኸት ረኸብኩ። ኣብ ሕዳር 2006 ከኣ ተመርዓና።

ነቲ “ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ” ዚብል መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት ምቕላብ ኣዝዩ ጥበባዊ ምዃኑ ንዝዀነ ይኹን ንህይወቱ ኣብ ምንታይ መዓላ ኸም ዜውዕላ ዚሓስብ ዘሎ መንእሰይ ከረጋግጸሉ እኽእል እየ። ሕጂ ልክዕ ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር እተሰምዖ ሓጐስ ይስምዓኒ እዩ፣ ንሱ፡ “ዎ ኣምላኽ፡ ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ መሀርካኒ፡ ክሳዕ ሕጂውን ተኣምራትካ ኣወጅኩ። ነዚ ወለዶዚ ቕልጽምካ፡ ነቲ ዚመጽእውን ስልጣንካ ኽሳዕ ዘበስሮምሲ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ብእርግናይ ምስ ሸየብኩ እኳ ኣይትሕደገኒ” በለ።—መዝ. 71:17, 18

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ጽሑፋት ናብ ላትቭያ ምእታው ሓደገኛ ዕዮ እዩ ነይሩ

ኤስቶንያ

ታሊን

ወሽመጥ ሪጋ

ላትቭያ

ሪጋ

ሊትወይንያ

ቪልንየስ

ካውናስ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ወዲ 15 ዓመት ከለኹ ኣብ ስኮትላንድ ኮልፖርተር (ፈላሚ) ዀይነ ኸገልግል ጀመርኩ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ብ1942 ምስ ነሊ ኣብ መዓልቲ መርዓና