ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንየሱስ ምሰሎ—ብትብዓት ስበኽ

ንየሱስ ምሰሎ—ብትብዓት ስበኽ

ንየሱስ ምሰሎ—ብትብዓት ስበኽ

“ንኣኻትኩም ወንጌል ኣምላኽ ንምንጋር ብኣምላኽና ተባዕና።”—1 ተሰ. 2:2

1. እቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ ብስራት ባህ ዜብል ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

 ብስራት ምስማዕ ክሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ! እቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ ብስራት እሞ ኸኣ ካብ ኵሉ ዝበለጸ እዩ። እዚ ብስራት እዚ፡ መከራ፡ ሕማም፡ ስቓይ፡ ጓሂ፡ ከምኡውን ሞት ከም ዚተርፍ የረጋግጸልና። ብዘይካዚ፡ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚመርሕ መገዲ ይኸፍት፡ ዕላማ ኣምላኽ ድማ ይገልጽ፣ ኣብ ርእሲኡ ኸኣ ብኸመይ ምስ የሆዋ ፍቕራዊ ርክብ ክንምስርት ከም እንኽእል የርእየና። ኵሎም ሰባት ነዚ የሱስ ንደቂ ሰብ ዝሰበኾ ብስራት ኪሰምዑ ኸለዉ ኸም ዚሕጐሱ ጌርና ንሓስብ ንኸውን። እቲ ዜሕዝን ግን፡ ከምኡ ኣይኰነን።

2. “ዕርቂ ኸምጽእ ኣይመጻእኩን” ዚብል ቃላት የሱስ እንታይ ማለት ምዃኑ ግለጽ።

2 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ናብ ምድሪ ዕርቂ ኸምጽእ ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም። ሰይፊ ደኣ እምበር፡ ዕርቂ ኸምጽእ ኣይመጻእኩን። ወዲ ኻብ ኣቦኡ፡ ጓል ካብ ኣዲኣ፡ መርዓት ካብ ሓማታ ደኣ ኽፈሊ መጻእኩ እምበር፡ ንሰብ እቶም ቤተሰቡ ጸላእቱ ኪዀኑ እዮም” በሎም። (ማቴ. 10:34-36) መብዛሕትኦም ሰባት ነቲ ብስራት ኣብ ክንዲ ባህ ኢልዎም ዚቕበልዎ፡ ይነጽግዎ እዮም። ገሊኦም እሞ ኸኣ ናይ ቀረባ ኣዝማድ እቶም ሰበኽቲ ብስራት ኽነሶም፡ ጸላእቶም እዮም ዚዀኑ።

3. ነቲ ንኽንሰብኽ እተዋህበና ዕዮ ንምፍጻም እንታይ የድልየና፧

3 ነቲ የሱስ ዝሰበኾ ሓቅታት ስለ እንሰብኽ፡ ሰባት ነዚ ኺሰምዑ ኸለዉ ልክዕ ከምቶም ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ዝሃብዎ ዓይነት ምላሽ እዮም ዚህቡ። ነዚ ድማ ንጽበዮ ኢና። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዐብን እዩ፡ . . . ንኣይ ሰጒጎምኒ እንተ ዀይኖም፡ ንኣኻትኩምውን ኪሰጉኹም እዮም” በሎም። (ዮሃ. 15:20) ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብቐጥታ መስጐጕቲ ዘየጋጥመና እኳ እንተ ዀነ፡ ላግጽን ዘይተገዳስነትን ግን የጋጥመና እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ነቲ ብስራት ብትብዓት ኣብ ምስባኽ ንኽንጸንዕ፡ እምነትን ድፍረትን የድልየና እዩ።—2 ጴጥሮስ 1:5-8 ኣንብብ።

4. ጳውሎስ ንኺሰብኽ ‘ትብዓት’ ዘድለዮ ስለምንታይ እዩ፧

4 ምናልባት ሓድሓደ ግዜ ኣብ ኣገልግሎት ምክፋል የጸግመካ ይኸውን፡ ወይ ከኣ ገሊኡ መዳያቱ የፍርሃካ ይኸውን። ኰይኑ ግን፡ ንስኻ ጥራይ ኣይኰንካን ከምኡ ዚስምዓካ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ሓቂ ጽቡቕ ምርዳእ ዝነበሮ ደፋርን ተባዕን ሰባኺ እኳ እንተ ነበረ፡ ንምስባኽ ኣጸጋሚ ዝዀኖ እዋናት ግን ነይሩ እዩ። ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ከምቲ እትፈልጥዎ ግና፡ ቅድም ኣብ ፊልጲ መከራ ምስ ጸገብናን ምስ ተዋረድናን፡ ብሓይለ ገደል ንኣኻትኩም ወንጌል ኣምላኽ ንምንጋር ብኣምላኽና ተባዕና” ኢሉ ጸሓፈሎም። (1 ተሰ. 2:2) ኣብ ፊልጲ እቶም ሰበ-ስልጣን ንጳውሎስን ነቲ መገላግልቱ ዝነበረ ሲላስን ብሽመል ዘበጥዎም፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትዮም ከኣ ኣብ ጕንዲ ኣሰርዎም። (ግብ. 16:16-24) ይኹን እምበር፡ ጳውሎስን ሲላስን ‘ብትብዓት’ ስብከቶም ቀጸሉ። ንሕናኸ ብኸመይ ከምኡ ኽንገብር ንኽእል፧ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ ብዛዕባ የሆዋ ዚገልጽ ሓቂ ብትብዓት ኪዛረቡ ዘኽኣሎም እንታይ ምዃኑ ንመርምር እሞ ብኸመይ ክንመስሎም ከም እንኽእል ክንመሃር ኢና።

ምስ ጽልኢ ንምግጣም ትብዓት የድሊ

5. እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ወትሩ ትብዓት ዜድልዮም ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

5 ብድፍረትን ትብዓትን ዝመጸ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ኣብነት ዚዀነና፡ የሱስ ክርስቶስ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ካብ መጀመርታ ታሪኽ ወዲ ሰብ ኣትሒዙ፡ ኵሎም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ወትሩ ትብዓት የድልዮም ነበረ። ስለምንታይ፧ ነቲ ኣብ ኤድን ዘጋጠመ ዕልወት ስዒቡ፡ ኣብ መንጎ ኣገልገልቲ ኣምላኽን ኣገልገልቲ ሰይጣንን ጽልኢ ኸም ዚህሉ የሆዋ ተነብዩ ነበረ። (ዘፍ. 3:15) እቲ ጻድቕ ዝነበረ ኣቤል ብሓዉ ምስ ተቐትለ ድማ እዚ ጽልኢ እዚ ብግህዶ ተራእየ። ድሕርዚ እውን፡ ነቲ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዚነብር ዝነበረ ሄኖክ ዝስሙ ኻልእ እሙን ሰብኣይ ጽልኢ ኣጋጠሞ። ሄኖክ፡ የሆዋ ምስ ቅዱሳት መላእኽቱ መጺኡ ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ከም ዚፈርዶም ተነበየ። (ይሁ. 14, 15) ብዙሓት ሰባት ነዚ መልእኽቲ እዚ ኣይቅበልዎን እዮም ነይሮም። እቶም ሰባት ንሄኖክ ይጸልእዎ ነበሩ፡ የሆዋ ንህይወቱ እንተ ዘይወስዳ ነይሩ ድማ ምቐተልዎ ነይሮም። ሄኖክ ከመይ ዝበለት ትብዓት ኰን እያ ነይራቶ!—ዘፍ. 5:21-24

6. ሙሴ ንፈርኦን ኪዛረቦ ኸሎ ትብዓት ዘድለዮ ስለምንታይ እዩ፧

6 ሙሴ ነቲ ንኣማልኽቲ ዚውክል ዝነበረ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኺዛረብ ከሎ ዘርኣዮ ትብዓት እውን እሞ ሕስብ ኣብሎ። ፈርኦን ሓደ ኻብቶም ኣማልኽቲ ምዃኑን ወዲ እቲ ራ ዚበሃል ኣምላኽ ጸሓይ ከም ዝዀነን ጌርካ ይርአ ነበረ። ልክዕ ከምቶም ካልኦት ድማ ንምስሉ የምልኽ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ንሱ ዜውስኦ ቓል ከም ሕጊ ይርአ ነበረ፣ ገባርን ሓዳግን ከኣ እዩ ነይሩ። ሓያልን ትዕቢተኛን ነቓጽን ብምንባሩ፡ ካልኦት ሓደ ነገር ኪገብር ኣይነግርዎን እዮም ነይሮም። እቲ ጓሳ ዝነበረ ሙሴ ኣብ ቅድሚ እዚ ሰብኣይ እዚ ብተደጋጋሚ እናቐረበ ብዛዕባ ኣዕናዊ መዓት ብትብዓት ይዛረብ ነበረ። እንታይ ኪፍቀደሉ እዩ ግን ዝሓተተ፧ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ባሮት ፈርኦን ካብታ ሃገር ንኺወጹ እዩ ፍቓድ ዚሓትት ነይሩ። ከምዚ ኺገብር ከሎ ትብዓት ኣድልይዎዶ፧ እሂናይ ደኣ!—ዘሁ. 12:3፣ እብ. 11:27

7, 8. (ሀ) እቶም ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ሰባት ከመይ ዝበለ መስጐጕቲ ወረዶም፧ (ለ) እቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ ሰባት ንንጹህ ኣምልኾ ኣብ ምድጋፍን ኣብ ምትብባዕን ትብዓት ኬርእዩ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧

7 ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ ዘመናት፡ ነብያትን ካልኦት እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽን ኣብ ጐድኒ ንጹህ ኣምልኾ ደው ብምባል ትብዓት ዝመልኦ መትከል ወሰዱ። እታ ናይ ሰይጣን ዓለም ከኣ መስጐጕቲ ኣውረደትሎም። ጳውሎስ፡ “ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ፡ ተመገዙ፡ ተፈተኑ፡ ተሰይፎም ሞቱ፡ ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኸዲኖም ዞሩ፡ ሰአኑ፡ ጸበቦም፡ ሓሳረ መከራ ጸገቡ” በለ። (እብ. 11:37) እዞም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ጸኒዖም ንኪቕጽሉ ዘኽኣሎም እንታይ እዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዘሎ ጥቕስታት፡ ኣቤልን ኣብርሃምን ሳራን ካልኦትን ንኺጸንዑ ዘኽኣሎም እንታይ ምዃኑ ጠቒሱ ኣሎ። “እዚኦም ኵላቶም ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን፡ ግናኸ [ብእምነት] ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን” በለ። (እብ. 11:13) ከም ብዓል ኤልያስን ኤርምያስን ዝኣመሰሉ ነብያት ከምኡውን እቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ ኣብ ጐድኒ ሓቂ ብትብዓት ዝቘሙ ኻልኦት እሙናት ሰባት፡ ኣዒንቶም ናብ መብጽዓታት የሆዋ ኸም ዘተኵራ ብምግባር ኪጸንዑ ኸም ዝኸኣሉ ዜጠራጥር ኣይኰነን።—ቲቶ. 1:2

8 እዞም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ እሙናት ሰባት፡ ነቲ ብሩህን ዚስሕብን መጻኢ ኣማዕድዮም ይርእዩ ነበሩ። ካብ ሞት ምስ ተንስኡ፡ ሳላ እቲ ብየሱስ ክርስቶስን በቶም 144,000 ካህናትን ዚረኽብዎ ኣገልግሎት ክህነት፡ ኣብ ፍጽምና ኺበጽሑን “ካብ ባርነት ጥፍኣት” ናጻ ኪዀኑን እዮም። (ሮሜ 8:21) ብዘይካዚ፡ ኤርምያስን ካልኦት ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ደፋራት ኣገልገልቲ ኣምላኽን ሳላ እቲ፡ “ኪዋግኡኻ እዮም፡ ግናኸ ምእንቲ ኸናግፈካ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይኪስዕሩኻን እዮም” ዚብል የሆዋ ንኤርምያስ ዝሃቦ መረጋገጺ ኺተብዑ ኽኢሎም እዮም። (ኤር. 1:19) ሎሚ እውን ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ተመባጺዑልና ዘሎ መብጽዓ ዀነ ብዛዕባ እቲ መንፈሳዊ ዕቝባ ዚገልጽ መረጋገጺ ኸነስተንትን ከለና፡ ንተባባዕ ኢና።—ምሳ. 2:7፣ 2 ቈረንቶስ 4:17, 18 ኣንብብ።

የሱስ ብፍቕሪ ተደሪኹ ብትብዓት ሰበኸ

9, 10. የሱስ ኣብ ቅድሚ (ሀ) መራሕቲ ሃይማኖት፡ (ለ) ጭፍራ ወተሃደራት፡ (ሐ) ሊቀ ኻህናት፡ (መ) ጲላጦስ ትብዓት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

9 እቲ ኣርኣያና ዝዀነ የሱስ ብእተፈላለየ መገዲ ትብዓት ኣርእዩ እዩ። ንኣብነት፡ እቶም ተሰማዕነትን ጽልዋን ዝነበሮም ሰባት እኳ እንተ ጸልእዎ፡ ንመልእኽቲ ኣምላኽ ኣየፍኰሶን። እቶም ተሰማዕነት ዝነበሮም መራሕቲ ሃይማኖት ንርእሶም የመጻድቑን ናይ ሓሶት ትምህርትታት ይምህሩን ብምንባሮም፡ ብትብዓት ኣቃልዖም። የሱስ ነዞም ሰብኡት እዚኣቶም ከም እተዀነኑ ብግህዶን ብንጹር ቃላትን ነገሮም። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ “ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ወጻኢኡ ጽቡቕ ኰይኑ ዚርኤ፡ ውሽጡ ግና ኣዕጽምቲ ምዉታትን ርኽሰትን ዝመልኤ ልቕሉቕ መቓብር ትመስሉ አሎኹም እሞ፡ ወይለኹም። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ብላዕሊ ንሰብ ጻድቃን መሲልኩም ትረአይዎ፡ እቲ ውሽጥኹም ግና ግብዝናን ዓመጻን ምሉእ እዩ” በሎም።—ማቴ. 23:27, 28

10 የሱስ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ጭፍራ ወተሃደራት ምስ ከበብዎ፡ ብትብዓት መንነቱ ነገሮም። (ዮሃ. 18:3-8) ድሕሪኡ ናብ ዋዕላ ኣይሁድ ተወሲዱ በቲ ሊቀ ኻህናት ሕቶታት ቀረበሉ። የሱስ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ንኪቐትሎ ምኽንያት ይደሊ ኸም ዝነበረ እኳ እንተ ፈለጠ፡ ክርስቶስን ወዲ ኣምላኽን ምዃኑ ብትብዓት ተዛረበ። ብዘይካዚ፡ “ንወዲ ሰብ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ፡ ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኽትርእይዎ ኢኹም” በሎም። (ማር. 14:53, 57-65) ድሕሪኡ ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኺፈትሖ ዚኽእል ዝነበረ ጲላጦስ ቀረበ። ኰይኑ ግን፡ ይኸስዎ እኳ እንተ ነበሩ፡ ስቕ በለ። (ማር. 15:1-5) እዚ ዅሉ ትብዓት ዚሓትት እዩ ነይሩ።

11. ትብዓት ምስ ፍቕሪ እትተሓሓዝ ብኸመይ እያ፧

11 የሱስ ንጲላጦስ፡ “ኣነ ንሓቂ ኽምስክር፡ ምእንትዚ ተወለድኩ፡ ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ” በሎ። (ዮሃ. 18:37) የሆዋ፡ ነቲ ብስራት ኪሰብኽ ንየሱስ መዘዞ፣ የሱስ ከኣ ንሰማያዊ ኣቦኡ ስለ ዜፍቅሮ፡ ከምኡ ምግባር ባህ የብሎ ነበረ። (ሉቃ. 4:18, 19) ንሰባት እውን የፍቅር ነይሩ እዩ። ህይወቶም ኣብ ሽግር ምንባሩ ይፈልጥ ነበረ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ ንኣምላኽን ንብጻይናን ፍቕሪ ስለ ዘሎና ኢና ብትብዓትን ብድፍረትን እንምስክር።—ማቴ. 22:36-40

መንፈስ ቅዱስ ብትብዓት ክንሰብኽ ሓይሊ ይህበና

12. ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ሓጐስ ዘምጽኣሎም እንታይ እዩ፧

12 ንሞት የሱስ ስዒቡ ኣብ ዝነበረ ሰሙናት፡ የሆዋ ዚድሕኑ ሰባት ስለ ዝወሰኸሎም፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣዝዮም ተሓጐሱ። ንጴንጠቆስጠ ወይ ንበዓላት ሓምሳ ኼብዕሉ ኢሎም ካብ እተፈላለየ ቦታታት ናብ የሩሳሌም ዝመጹ ዳርጋ 3,000 ዝዀኑ ኣይሁድን ጵሮሰሊትን ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ተጠምቁ። እዚ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም መዛረቢ ዀነ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብ ኵሉ ነፍሲ ፍርሃት ኰነ፡ ብዙሕ ተኣምራትን ትእምርትን ድማ ብሃዋርያት ተገብረ” ይብል።—ግብ. 2:41, 43

13. እቶም ኣሕዋት ትብዓት ኪረኽቡ ዝጸለዩ ስለምንታይ እዮም፧ እንታይ ውጽኢትከ ተረኽበ፧

13 እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣዝዮም ስለ እተቘጥዑ፡ ንጴጥሮስን ዮሃንስን ሒዞም ምሉእ ለይቲ ኣሰርዎም፣ ብዛዕባ የሱስ ከይዛረቡ ኸኣ ኣዘዝዎም። ጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ተፈትሑ፡ እንታይ ከም ዘጋጠሞም ንኣሕዋት ነገርዎም፣ ብሓደ ተኣኪቦም ከኣ፡ “ጐይታይ፡ . . . ንባሮትካ ድማ ብዅሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ሀቦም” ኢሎም ብዛዕባ እቲ ምጽራር ጸለዩ። እቲ ውጽኢትከ እንታይ ነበረ፧ “ኵላቶም ከኣ መንፈስ ቅዱስ መልኡ፡ ቃል ኣምላኽውን ብትብዓት ተዛረቡ።”—ግብ. 4:24-31

14. መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዕዮ ስብከት ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

14 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንቓል ኣምላኽ ብትብዓት ኪዛረቡ ዝኸኣሉ፡ ሳላ እቲ የሆዋ ዝሃቦም መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ኣስተብህል። ነቶም ንመልእኽትና ዚጻረርዎ እውን እንተ ዀነ ብዛዕባ ሓቂ ኽንነግሮም እንረኽቦ ትብዓት፡ ኣብ ኣምላኽ እተመርኰሰ እዩ። ንየሆዋ እንተ ለሚንናዮ፡ መንፈስ ቅዱሱ ኺህበና እዩ። ብሓገዝ የሆዋ ንዝዀነ ይኹን ምጽራር ክንዋጽኣሉ ዜኽእለና ትብዓት ከነርኢ ንኽእል ኢና።—መዝሙር 138:3 ኣንብብ።

ሎሚ ክርስትያናት ብትብዓት ይሰብኩ

15. ሎሚ እታ ሓቂ ንሰባት ብኸመይ እያ ትኸፋፍሎም ዘላ፧

15 ሎሚ እውን ከም ጥንቲ፡ ሓቂ ንሰባት ትኸፋፍሎም ኣላ። ገሊኦም ጽቡቕ ምላሽ ኪህቡ ኸለዉ፡ ገሊኦም ግን ንኣምልኾና ኣይርድእዎን ከምኡውን ኣየድንቕዎን እዮም። ገሊኦም ከኣ ልክዕ ከምቲ የሱስ እተነበዮ ይነቕፉና፡ የላግጹልና፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ይጸልኡና እዮም። (ማቴ. 10:22) ሓድሓደ ግዜ መራኸቢ ብዙሓን ብዛዕባና ቔናን ሓበሬታ ይህብ፡ ሃሳዪ ፕሮፓጋንዳ እውን ይነዝሕ እዩ። (መዝ. 109:1-3) ኰይኑ ግን፡ ህዝቢ የሆዋ ነቲ ብስራት ኣብ መላእ ምድሪ ብትብዓት ይሰብክዎ ኣለዉ።

16. ትብዓት ንኣረኣእያ እቶም እንሰብከሎም ሰባት ኪቕይር ከም ዚኽእል ዜርኢ እንታይ ተመክሮ ኣሎ፧

16 እቲ እነርእዮ ትብዓት፡ ሰባት ብዛዕባ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝነበሮም ኣረኣእያ ኸም ዚቕይሩ ኺገብሮም ይኽእል እዩ። ሓንቲ ኣብ ኪርግዝስታን እትነብር ሓብቲ ኸምዚ በለት፦ “ኣብ ኣገልግሎት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ሓደ ሰብኣይ፡ ‘ኣብ ኣምላኽ እኣምን እኳ እንተ ዀንኩ፡ ኣብ ናይ ክርስትያናት ኣምላኽ ግን ኣይኣምንን እየ። ካልኣይ ሳዕ ናብዛ ገዛ እንተ መጺእኪ፡ ነዚ ኸልቢ ኽፍንወልኪ እየ’ በለኒ። ብድሕሪ እቲ ሰብኣይ ሓደ ገዚፍ ከልቢ ብሰንሰለት ተኣሲሩ ነበረ። ነታ “ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ቀሪቡ!” ዘርእስታ ዜና መንግስቲ ቍ. 37 ንዕድል ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ንኻልኦት ኣባላት እታ ስድራ ቤት እንተ ረኸብኩ ኢለ ናብታ ገዛ ክኸይድ ወሰንኩ። ኰይኑ ግን፡ ባዕሉ እቲ ሰብኣይ ነቲ ማዕጾ ኸፈቶ። ቀልጢፈ ናብ የሆዋ ጸለኹ፣ ‘ሰላም፡ ከመይ ቀኒኻ፣ ነቲ ቕድሚ ሰለስተ መዓልቲ ዝገበርናዮ ዝርርብ ከምኡውን ነቲ ኸልብኻ እዝክሮ እየ። ኣነ እውን ከማኻ ኣብ ሓደ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ስለ ዝኣምን ግን፡ ነዚ ገዛኻ ሰጊረዮ ክኸይድ ኣይደለኹን። ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ኣምላኽ ነተን ዘየኽብራኦ ሃይማኖታት ኬጥፍአን እዩ። ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ብምንባብ ብዛዕባኡ ዝያዳ ኽትፈልጥ ትኽእል ኢኻ’ በልክዎ። እቲ ዜገርም ድማ እቲ ሰብኣይ ነታ ዜና መንግስቲ ተቐበለኒ። ድሕሪኡ፡ ናብታ ቐጺላ ዝነበረት ገዛ ኸድኩ። ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ፡ እቲ ሰብኣይ ነታ ዜና መንግስቲ ሒዙ እናጐየየ ናባይ ገጹ መጸ። ‘ኣንቢበያ እየ። ካብ ቍጥዓ ኣምላኽ ንኽድሕን እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧’ ኢሉ ኸኣ ሓተትኒ።” እዚ ሰብኣይ እዚ መጽናዕቲ ኺገብርን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኪካፈልን ጀመረ።

17. ሓንቲ ሓብቲ ዘርኣየቶ ትብዓት ንሓንቲ ፍርሂ ዝነበራ ተመሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ ዘበርትዓ ብኸመይ እዩ፧

17 ትብዓትና ንኻልኦት እውን ኬትብዖም ይኽእል እዩ። ኣብ ሩስያ እትነብር ሓንቲ ሓብቲ ብኣውቶቡስ ክትጐዓዝ ከላ ንሓንቲ ሰበይቲ መጽሔት ተበርክተላ ነበረት። ሽዑ ሓደ ሰብኣይ ካብ ኮፍ መበሊኡ ብድድ ኢሉ ነቲ መጽሔት ካብ ኢድ እታ ሓብቲ መንጢሉ ወሰዶ፣ ጨማዲዱ ድማ ደርበዮ። ዓው ኢሉ ነታ ሓብቲ ጸረፋ፡ ኣድራሻኣ ኽትህቦ ሓተታ፡ ኣብታ ቝሸት ከይትሰብኽ ከኣ ኣጠንቀቓ። እታ ሓብቲ፡ የሆዋ ንኺሕግዛ ጸለየት፣ “ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ . . . ኣይትፍርህዎም” ዚብል ቃላት የሱስ ድማ ዘከረት። (ማቴ. 10:28) ካብ ኮፍ መበሊኣ ተንሲኣ ኸኣ ብህድኣት፡ “ኣድራሻይ ኣይህበካን እየ፡ ኣብዛ ቝሸት ምስባኸይ ከኣ ክቕጽል እየ” በለቶ። ድሕሪኡ ኻብታ ኣውቶቡስ ወረደት። እታ ሓብቲ ኣይፈለጠትን እምበር፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትመርሓላ ሰበይቲ ኣብኡ ነበረት። እዛ ሰበይቲ እዚኣ ብምኽንያት ፍርሂ ሰብ ካብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ትተርፍ ነበረት። ንትብዓት እታ ሓብቲ ምስ ረኣየት ግን፡ ናብ ኣኼባታት ክትከይድ ወሰነት።

18. ልክዕ ከም የሱስ ብትብዓት ንኽትሰብኽ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

18 ኣብዛ ኻብ ኣምላኽ ርሒቓ ዘላ ዓለም ልክዕ ከም የሱስ ብትብዓት ክትሰብኽ ኣሎካ። ከምኡ ንምግባር እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ናብ መጻኢ ጠምት። ንኣምላኽን ንብጻይካን ዘላትካ ፍቕሪ ኣደልድል። ትብዓት ንኺህበካ ናብ የሆዋ ጸሊ። የሱስ ምሳኻ ስለ ዝዀነ፡ በይንኻ ዘይምዃንካ ዘክር። (ማቴ. 28:20) መንፈስ ቅዱስ ኬተባብዓካ እዩ። የሆዋ እውን ኪባርኸካን ኪድግፈካን እዩ። “ስለዚ ተቢዕና፤ [“የሆዋ፡” NW] ረዳእየይ እዩ እሞ፡ ኣይክፈርህን እየ፡ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧ ንበል።”—እብ. 13:6

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ኣገልገልቲ ኣምላኽ ትብዓት ዜድልዮም ስለምንታይ እዩ፧

• ትብዓት ብምርኣይ ዝመጸ ኻብዞም ዚስዕቡ እንታይ ንመሃር፧

ቅድሚ ክርስቶስ ዝነበሩ እሙናት ሰባት

የሱስ ክርስቶስ

ቀዳሞት ክርስትያናት

ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ብጾትና

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት ብትብዓት ኣቃልዖም

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ንኽንሰብኽ ዜኽእለና ትብዓት ይህበና