ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያን ስድራቤታት—ኣብነት የሱስ ስዓባ!

ክርስትያን ስድራቤታት—ኣብነት የሱስ ስዓባ!

ክርስትያን ስድራቤታት—ኣብነት የሱስ ስዓባ!

“ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሐዲጉልኩም።” —1 ጴጥ. 2:21

1. (ሀ) ወዲ ኣምላኽ ንፍጥረታት ኣብ ምፍጣር እንታይ ግደ ነበሮ፧ (ለ) የሱስ ብዛዕባ ደቂ ሰብ እንታይ ይስምዖ ነበረ፧

 ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ኪፈጥር ከሎ፡ እቲ በዅሪ ወዱ ኸም ወሓለ “ሰራሕተኛ” ዀይኑ ምስ ኣቦኡ ይዓዪ ነበረ። የሆዋ ናይቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ እተፈላለዩ እንስሳታትን ህያዋን ፍጥረታትን ንድፊ ኼውጽእ ኰነ ኺፈጥር ከሎ፡ ከምኡውን ነቶም ብመልክዑ እተፈጥሩ እትኸውን መንበሪት ገነት ኬዳሉ ኸሎ፡ እቲ ወዲ ምስ ኣቦኡ ይተሓባበር ነበረ። እቲ ጸኒሑ የሱስ እተባህለ ወዲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዓባይ ፍቕሪ ነበረቶ። “ተድላይ ከኣ ብደቂ ሰብ ነበረ” እውን በለ።—ምሳ. 8:27-31፣ ዘፍ. 1:26, 27

2. (ሀ) የሆዋ ንዘይፍጹማት ሰባት እንታይ እዩ ሂብዎም፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒ ዚህበሉ ሓደ መዳይ ህይወት እንታይ እዩ፧

2 እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ሓጥኡ፡ ድሕነት እቶም ሓጢኣተኛታት ደቂ ሰብ፡ ኣገዳሲ ኽፋል ዕላማ የሆዋ ዀነ። እዚ ድሕነት እዚ ምእንቲ ኺርከብ ከኣ የሆዋ መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ ኣዳለወ። (ሮሜ 5:8) ብዘይካዚ፡ ሰባት ነቲ ዝወረስዎ ዘይፍጽምና ኺዋጽእሉ ዜኽእሎም መምርሒ ዝሓዘ ቓሉ መጽሓፍ ቅዱስ ሃበ። (መዝ. 119:105) የሆዋ ኣብዚ ቓሉ፡ ሰባት ድልዱልን ሕጉስን ስድራ ቤት ኪምስርቱ ዚሕግዞም መምርሒ ሂቡ ኣሎ። ኦሪት ዘፍጥረት ብዛዕባ መውስቦ ኽትገልጽ ከላ፡ ሰብኣይ ‘ምስ ሰበይቱ ኺጠብቕ ከም ዘለዎን ሓደ ስጋ ኸም ዚዀኑን’ ትገልጽ።—ዘፍ. 2:24

3. (ሀ) የሱስ ብዛዕባ መውስቦ እንታይ እዩ ምሂሩ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

3 የሱስ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ መውስቦ ነባሪ ኪኸውን ከም ዘለዎ ኣጕልሐ። ኣባላት ስድራ ቤት ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒሎምዎ፡ ንሓዳሮም ኰነ ንሓጐስ ስድራ ቤቶም ኣብ ሓደጋ ኻብ ዜእቱ ኣረኣእያን ተግባራትን ኪርሕቑ ዚሕግዝ ስርዓታት እውን መሃረ። (ማቴ. 5:27-37፣ 7:12) እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ትምህርትታት የሱስን ኣብ ምድሪ ኸሎ ዝሓደጎ ኣብነትን፡ ሰብኡት፡ ኣንስቲ፡ ወለዲ፡ ከምኡውን ውሉዳት ዜሐጕስን ዜዕግብን ህይወት ንኺነብሩ ብኸመይ ከም ዚሕግዞም ክትገልጽ እያ።

ክርስትያን ሰብኣይ ንሰበይቱ ዜኽብረሉ መገዲ

4. የሱስን ክርስትያን ሰብኡትን እንታይ ተመሳሳሊ ግደ እዩ ዘለዎም፧

4 ልክዕ ከምቲ ኣምላኽ ንየሱስ ርእሲ እታ ጉባኤ ዝገበሮ፡ ንሰብኣይ እውን ከም ርእሲ ስድራ ቤት ገይሩ ሸይምዎ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ፡ ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ፡ ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ . . . ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ፡ ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ” በለ። (ኤፌ. 5:23, 25) ስለዚ፡ እቲ የሱስ ንሰዓብቱ ዝሓዘሉ መገዲ፡ ክርስትያን ሰብኡት ንኣንስቶም ብኸመይ ኪሕዙ ኸም ዘለዎም ዚሕብር ስርዓት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንገለ ኻብቲ የሱስ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ስልጣን እተጠቕመሉ መገድታት እስከ ቐጺልና ንርአ።

5. የሱስ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቀ መዛሙርቱ ዝነበሮ ስልጣን ብኸመይ ተጠቕመሉ፧

5 የሱስ፡ “ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት” በለ። (ማቴ. 11:29) ብዘይካዚ፡ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ስጕምቲ ይወስድ ነበረ። ኣብ ሓላፍነቱ እውን ሸለልትነት ኣየርእይን እዩ ነይሩ። (ማር. 6:34፣ ዮሃ. 2:14-17) ተደጋጋሚ ምኽሪ ምሃብ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን እውን ከይተረፈ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ብሕያውነት መኸሮም። (ማቴ. 20:21-28፣ ማር. 9:33-37፣ ሉቃ. 22:24-27) ኰይኑ ግን፡ ኣይወቐሶምን ወይ ኣየዋረዶምን፣ ዘይፍቀሩ ወይ ነቲ ዚምህሮም ዝነበረ ኺፍጽሙ ዘይክእሉ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም እውን ኣይገበረን። የግዳስ፡ ይንእዶምን የተባብዖምን ነበረ። (ሉቃ. 10:17-21) ኣብ ኣተሓሕዛኡ ፈቃርን ርሕሩሕን ብምንባሩ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኣኽቢሮም እንተ ረኣይዎ ዜገርም ኣይኰነን።

6. (ሀ) ሓደ ሰብኣይ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኻብ ዝሓዘሉ መገዲ እንታይ ኪመሃር ይኽእል፧ (ለ) ጴጥሮስ ንሰብኡት እንታይ ምኽሪ እዩ ሂብዎም፧

6 ኣብነት የሱስ፡ ክርስትያናዊ ርእስነት ጨቋኒ ኸም ዘይኰነ ንሰብኡት ይምህሮም እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ክርስትያናዊ ርእስነት፡ መስዋእቲ ምግባር እትሓትት ፍቕርን ኣኽብሮትን ዘጠቓለለ እዩ። ሰብኡት ነቲ ፍቕራዊ መገድታት የሱስ ብምቕዳሕ ንኣንስቶም ‘ኬኽብርወን’ ከም ዘለዎም ሃዋርያ ጴጥሮስ ምኽሪ ሃበ። (1 ጴጥሮስ 3:7 ኣንብብ።) ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኽብሪ ኸም ዚግብኣ ገይሩ ብምሓዝ ንስልጣኑ ኺጥቀመሉ ዘለዎ ብኸመይ እዩ፧

7. ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ ብኸመይ ኬኽብራ ይኽእል፧ ብኣብነት ኣረድእ።

7 ሓደ ኻብቲ ሰብኣይ ንሰበይቱ ዜኽብረሉ መገዲ፡ ነታ ስድራ ቤት ዚምልከት ውሳነታት ቅድሚ ምግባሩ ንርእይቶኣን ንስምዒታን ኣብ ግምት ብምእታው እዩ። ምናልባት ብዛዕባ ናብ ካልእ ቦታ ምግዓዝ ወይ ስራሕ ምቕያር ውሳነ ምግባር የድሊ ይኸውን፣ ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ መዓልታዊ ጕዳያት፡ ማለት ንዕረፍቲ ናበይ ኪኸዱ ኸም ዘለዎም ወይ ከኣ ብምኽንያት ምንሃር ዋጋታት ባጀት ንምትዕርራይ እውን ውሳነ ምግባር ኣድላዪ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እታ ስድራ ቤት በዚ ስለ እትጽሎ፡ ሰብኣይ ውሳነ ኺገብር ከሎ ነቲ ሚዛናውን ሓላዪን ውሳነታት ኪገብር ኪሕግዞ ዚኽእል ርእይቶ ሰበይቱ ኣብ ግምት እንተ ኣእትይዎ፡ ጠቓምን ሕያውነት ዜርእን እዩ፣ ንሳ ኸኣ ንኽትድግፎ ዝቐለለ ይዀነላ። (ምሳ. 15:22) ንኣንስቶም ዜኽብሩ ክርስትያን ሰብኡት፡ ፍቕርን ኣኽብሮትን ኣንስቶም ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ስምረት የሆዋ ይረኽቡ እዮም።—ኤፌ. 5:28, 29

ሰበይቲ ንሰብኣያ እተኽብረሉ መገዲ

8. ካብቲ ሄዋን ዝሓደገቶ ሕማቕ ኣብነት ክንርሕቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

8 ክርስትያን ኣንስቲ ንስልጣን ተገዛእቲ ብምዃን ዝመጸ፡ የሱስ ፍጹም ኣብነት ኪዀነን ይኽእል እዩ። ኣብ መንጎ እቲ የሱስ ንስልጣን ዝነበሮ ኣረኣእያን እታ ናይ መጀመርታ ሰበይቲ ዝነበራ ኣመለኻኽታን ከመይ ዝበለ ፍልልይ ኰን እዩ ዘሎ! ሄዋን ንኣንስቲ ዚኸውን ጽቡቕ ኣብነት ኣይሓደገትን። ንመምርሒታት የሆዋ ዜመሓላልፍ ብኣምላኽ እተመዘዘ ርእሲ እኳ እንተ ነበራ፡ ነዚ መሰናድዎ እዚ ግን ኣኽቢራ ኣይረኣየቶን። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ነቲ ኣዳም ዝነገራ መምርሒ ኣይተቐበለቶን። (ዘፍ. 2:16, 17፣ 3:3፣ 1 ቈረ. 11:3) ሄዋን ከም እተታለለት ዜጠራጥር እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ነቲ ብዛዕባ ‘ኣምላኽ ዚፈልጦ’ ነገራት ዚነግራ ዝነበረ ድምጺ ኽትኣምኖ ይግባእ እንተ ዀይኑ ንሰብኣያ ኸተማኽሮ ነበራ። ንሳ ግን ብትዕቢት ንሰብኣያ መርሓቶ።—ዘፍ. 3:5, 6፣ 1 ጢሞ. 2:14

9. ብተገዛእነት ዝመጸ የሱስ እንታይ ኣብነት እዩ ዝሓደገ፧

9 ብኣንጻሩ ግን፡ የሱስ ነቲ ርእሱ ዝዀነ የሆዋ ተኣዛዝነት ብምርኣይ ፍጹም ኣርኣያ ሓደገ። ብኣረኣእያኡን ብኣነባብራኡን፡ “ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረአዮን።” ኣብ ክንዳኡስ፡ “መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ።” (ፊል. 2:5-7) ሎሚ፡ ከም ዚገዝእ ዘሎ ንጉስ መጠን፡ ተመሳሳሊ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ። ኣብ ኵሉ ነገራት ንኣቦኡ ይእዘዝን ንርእስነቱ ይድግፍን እዩ።—ማቴ. 20:23፣ ዮሃ. 5:30፣ 1 ቈረ. 15:28

10. ሓንቲ ሰበይቲ ንርእስነት ሰብኣያ እትድግፍ ብኸመይ እያ፧

10 ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ንርእስነት ሰብኣያ ብምድጋፍ ንየሱስ ክትመስሎ ኣለዋ። (1 ጴጥሮስ 2:21፣ 3:1, 2 ኣንብብ።) ከምዚ ኽትገብረሉ እትኽእል ኵነታት እስከ ንርአ። ንኣብነት፡ ወዳ ፍቓድ ወለዱ ዜድልዮ ነገር ኪገብር ኪደሊ ኸሎ፡ ንዓኣ ይሓታ ይኸውን። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ክልቲኦም ወለዲ ኣቐዲሞም ዘይተመያየጥሉ እንተ ዀይኖም፡ እታ ኣደ፡ “ንኣቦኻኸ ሓቲትካዮዶ፧” ኢላ ንወዳ ምሕታታ ግቡእ እዩ። እቲ ወዳ ፍቓድ ኣቦኡ ዘይሓተተ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ዝዀነ ይኹን ውሳነ ቕድሚ ምግባራ ንሰብኣያ ኸተማኽሮ ይግባእ። ብተወሳኺ፡ ክርስትያን ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ ደቃ ምስ ሰብኣያ ኽትካታዕ ወይ ንሓሳቡ ኽትቃወሞ የብላን። ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ምስ ሰብኣያ እንተ ደኣ ዘይተሰማሚዓ፡ በይኑ ኪኸውን ከሎ እያ ኸተዘራርቦ ዘለዋ።—ኤፌ. 6:4

ንወለዲ ዚኸውን ኣብነት የሱስ

11. የሱስ ንወለዲ እንታይ ኣብነት እዩ ሓዲጉሎም፧

11 የሱስ ዘይተመርዓወ ወይ ውሉዳት ዘይነበርዎ እኳ እንተ ነበረ፡ ንክርስትያን ወለዲ ግን ብሉጽ ኣብነት ይዀኖም እዩ። ብኸመይ፧ ንደቀ መዛሙርቱ ብቓሉን ብኣብነቱን ገይሩ ብፍቕርን ብትዕግስትን ምሂርዎም እዩ። ነቲ ዝሃቦም መዝነት ብኸመይ ኪፍጽምዎ ኸም ዘለዎም ኣርእይዎም እዩ። (ሉቃ. 8:1) እቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሓዘሉ መገድን ንዕኦም ዝነበሮ ኣርኣእያን፡ ኣብ ንሓድሕዶም እንታይ ዓይነት ርክብ ኪህልዎም ከም ዚግባእ ምሂርዎም እዩ።—ዮሃንስ 13:14-17 ኣንብብ።

12, 13. ወለዲ ንኣምላኽ ዚፈርሁ ውሉዳት ኬዕብዩ እንተ ደልዮም እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧

12 ውሉዳት ብጽቡቕ ይኹን ብሕማቕ ንወለዶም ይቐድሑ እዮም። ስለዚ፡ ወለዲ ንርእሶም ከምዚ ዚስዕብ ኢሎም ኪሓቱ ኣለዎም፦ ‘ቲቪ ብምርኣይን ብምዝንጋዕን ከምኡውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባርን ኣብ ወፍሪ ኣገልግሎት ብምክፋልን ብዛዕባ እነሕልፎ ግዜ፡ ንደቅና እንታይ ኢና እንምህሮም ዘለና፧ ኣብ ስድራ ቤትና ቐዳምነት ዚወሃቦ እንታይ እዩ፧ ናብራናን ውሳነታትናን ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዘማእከለ ብምግባር ዝመጸ ጽቡቕ ኣብነት ዲና እንኸውን ዘለና፧’ ወለዲ ንኣምላኽ ዚፈርሁ ውሉዳት ኬዕብዩ እንተ ደልዮም፡ ፈለማ ሕጊ ኣምላኽ ኣብ ልቦም ኪህሉ ኣለዎ።—ዘዳ. 6:6

13 ወለዲ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ኣብ ግብሪ ዜውዕልዎ እንተ ዀይኖም፡ ውሉዳት ነዚ ኼስተብህሉሉ እዮም። ቃላትን ትምህርትታትን እቶም ወለዲ ኸኣ ርዝነት ይህልዎ። ይኹን እምበር፡ ውሉዳት ክልተ ዓይነት መለክዒ ዚርእዩ እንተ ደኣ ዀይኖም፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ኣገዳሲ ወይ ግብራዊ ኸም ዘይኰነ ገይሮም ኪድምድሙ ይኽእሉ እዮም። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ካብዛ ዓለም ጸቕጢ ኺወርዶም ከሎ ብቐሊሉ ኢዶም ይህቡ።

14, 15. ወለዲ ኣብ ደቆም እንታይ ባህጊ እዮም ኬሕድሩ ዘለዎም፧ ሓደ ኻብቲ ኸምዚ ኺገብሩ ዚኽእሉሉ መገዲኸ እንታይ እዩ፧

14 ውሉድ ምዕባይ፡ ስጋዊ ነገራት ካብ ምቕራብ ንላዕሊ ኸም ዚሓትት ክርስትያን ወለዲ ይፈልጡ እዮም። ስለዚ፡ ንውሉድ ናብ ስጋዊ ረብሓ ጥራይ ኪመርሖ ዚኽእል ሸቶታት ኪስዕብ ምምሃር ዕሽነት እዩ። (መክ. 7:12) የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ንመንፈሳዊ ስርዓታትን ሸቶታትን ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ኪህቡ መሃሮም። (ማቴ. 6:33) ስለዚ፡ ክርስትያን ወለዲ ንየሱስ ብምቕዳሕ፡ ንደቆም መንፈሳዊ ሸቶታት ናይ ምስዓብ ባህጊ ኼሕድሩሎም ጻዕሪ ኺገብሩ ኣለዎም።

15 ሓደ ኻብቲ ወለዲ ኸምዚ ኺገብሩ ዚኽእሉሉ መገዲ፡ ደቆም ምስ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኸም ዚሓብሩ ዚገብሮም ኣጋጣሚ ብምፍጣር እዩ። ደቅኻ ምስ ፈለምቲ ኸምኡውን ምስ ሓለውቲ ወረዳን ምስ ኣንስቶምን ምቅርራቦም ኣዝዩ ኼተባብዖም ይኽእል እዩ። ሚስዮናውያንን ቤትኤላውያንን እቶም ኣብ ኣህጉራዊ ዕዮ ህንጸት ዚካፈሉን ንየሆዋ ብምግልጋል ብዛዕባ ዚርከብ ሓጐስ ብውዕዉዕ ስምዒት ይዛረቡ እዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ባህ ዜብል ተመክሮታት ከም ዚህልዎም ኣየጠራጥርን እዩ። እቲ ጥቕሚ ርእስኻ ምስዋእ ዚሓትት ኣገልግሎቶም፡ ደቅኻ ጥበባዊ ውሳነን ዚነኣድ ሸቶታትን ኪገብሩ ኸምኡውን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪድግፎም ዚኽእል ትምህርቲ ኺመሃሩ ይሕግዞም ይኸውን።

ኣቱም ውሉዳት፡ ኣብነት የሱስ ንኽትስዕቡ እንታይ ኪሕግዘኩም ይኽእል፧

16. የሱስ ንምድራውያን ወለዱን ንሰማያዊ ኣቦኡን ዘኽበሮም ብኸመይ እዩ፧

16 ኣቱም ውሉዳት፡ የሱስ ንዓኻትኩም እውን ብሉጽ ኣብነት ሓዲጉልኩም እዩ። ዮሴፍን ማርያምን ንየሱስ ይኣልይዎ ነበሩ፡ ንሱ ኸኣ ይእዘዞም ነበረ። (ሉቃስ 2:51 ኣንብብ።) ፍጹማት እኳ እንተ ዘይኰኑ፡ ኣምላኽ ንዕኡ ናይ ምክንኻን ሓላፍነት ብምሃብ ከም ዝመዘዞም ይፈልጥ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ የሱስ ኬኽብሮም ነበሮ። (ዘዳ. 5:16፣ ማቴ. 15:4) የሱስ ምስ ዓበየ እውን እንተ ዀነ፡ ወትሩ ነቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ዜሐጕሶ ነገር ይገብር ነበረ። እዚ ኸኣ ንፈተና ምቅዋም እውን ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። (ማቴ. 4:1-10) ኣቱም መንእሰያት፡ ንስኻትኩም እውን ሓድሓደ ግዜ ንወለድኹም ከይትእዘዙ ትፍተኑ ትዀኑ ኢኹም። ኣብነት የሱስ ንኽትስዕቡ እንታይ ኪሕግዘኩም ይኽእል፧

17, 18. (ሀ) መንእሰያት ኣብ ቤት ትምህርቲ ኸመይ ዝኣመሰለ ጸቕጢ እዩ ዜጋጥሞም፧ (ለ) መንእሰያት እንታይ ምዝካሮም እዩ ንፈተናታት ኪዋጽኡሉ ኺሕግዞም ዚኽእል፧

17 መብዛሕትኦም መማህርትኹም ንመለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ከም ዘይግደሱሉ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ኣብ ዜተሓታትት ንጥፈታት ንኽትካፈሉ ኺደፋፍኡኹም፡ እንተ ኣቢኹም ከኣ መስሓቕ ሰብ ኪገብሩኹም ይፍትኑ ይዀኑ። መማህርትኹም ኣብ ገሊኡ ንጥፈታት ምስኦም ምክፋል ስለ ዝኣበኹም፡ ጸሪፎምኹም ይፈልጡዶ፧ ሽዑ እንታይ ጌርኩም፧ ብሰሪ ፍርሃት ምስ መዛኑኹም እንተ ተሰማሚዕኩም፡ ንወለድኹምን ንየሆዋን ከም እተጕህይዎም ትፈልጡ ኢኹም። ንመማህርትኹም እንተ ስዒብኩም፡ እንታይ ኬጋጥመኩም እዩ፧ ምናልባት ፈላሚ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኽትኰኑ ኸምኡውን ኣብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ኽልታት ንምግልጋል ወይ ቤትኤላዊ ንምዃን ሸቶታት ኣውጺእኩም ትዀኑ። እሞኸ ምስ መማህርትኹም ምሕባርኩም ኣብዚ ሸቶታት እዚ ንኽትበጽሑ ይሕግዘኩም ድዩ፧

18 ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለኹም መንእሰያት፡ ንእምነትኩም ዚፍትን ኵነታት ኣጋጢምኩም ይፈልጥዶ፧ ነቲ ዅነታት ብኸመይ ተዋጺእኩምሉ፧ ነቲ ኣርኣያኹም ዝዀነ የሱስ ዘክርዎ። በቲ ዘጋጠሞ ፈተና ኣይተምበርክኸን፡ ኣብ ጐድኒ እቲ ቕኑዕ ምዃኑ ዝኣመነሉ ነገራት ከኣ ደው በለ። መንእሰያት ነዚ ምዝካርኩም፡ ኣብ ሕማቕ ነገራት ከም ዘይትካፈሉ ንመማህርትኹም ብንጹር ንኽትነግርዎም ዜኽእለኩም ትብዓት ከተጥርዩ ኺሕግዘኩም ይኽእል እዩ። ልክዕ ከም የሱስ፡ ኣብቲ ንየሆዋ ብምግልጋልን ተኣዛዝነት ብምርኣይን ዚርከብ ነባሪ ሓጐስ ኣተኵሩ።—እብ. 12:2

መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት

19. ናይ ሓቂ ሓጐስ ዜምጽእ ከመይ ዝበለ መገዲ ህይወት እዩ፧

19 የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን፡ ደቂ ሰብ ዝሓሸ ነገር ኪረኽቡ እዮም ዚደልዩ። ፍጹማት እኳ እንተ ዘይኰንና፡ እተወሰነ ሓጐስ ግን ክንረክብ ንኽእል ኢና። (ኢሳ. 48:17, 18፣ ማቴ. 5:3) የሱስ ንሓጐስ ደቂ ሰብ መሰረት ኪኸውን ዚኽእል ሃይማኖታዊ ሓቅታት ምሂሩ እዩ፣ ንደቀ መዛሙርቱ ዝነገሮም ግን እዚ ጥራይ ኣይኰነን። ዝበለጸ መገዲ ህይወት እውን ኣርእይዎም እዩ። ብዘይካዚ፡ ንሚዛናዊ ህይወትን ኣረኣእያን ዚምልከት ግብራዊ ኣብነት ሓደገ። ኣብ ስድራ ቤት ዘሎና ግደ ብዘየገድስ፡ ኵልና ንኣብነቱ ብምስዓብ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ስለዚ እምበኣር፡ ኣቱም ሰብኡትን ኣንስትን ወለድን ውሉዳትን፡ ንኣብነት የሱስ ስዓቡ! ንትምህርትታት የሱስ ምቕባልን ንኣብነቱ ምቕዳሕን፡ ዕግበትን ሓጐስን ዘለዎ ናብራ ስድራ ቤት ከም ዚህሉ ዚገብር ቀንዲ ረቛሒ እዩ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ሰብኡት ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ስልጣን ብኸመይ ኪጥቀሙሉ ኣለዎም፧

• ሓንቲ ሰበይቲ ንኣብነት የሱስ ክትቀድሖ እትኽእል ብኸመይ እያ፧

• ወለዲ ኻብቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሓዘሉ መገዲ እንታይ ኪመሃሩ ይኽእሉ፧

• መንእሰያት ካብ ኣብነት የሱስ እንታይ ኪመሃሩ ይኽእሉ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ ፈቃር ሰብኣይ፡ ነታ ስድራ ቤት ዚጸሉ ውሳነታት ቅድሚ ምውሳኑ እንታይ እዩ ዚገብር፧

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ዅነታት እያ ንርእስነት ሰብኣያ ኽትድግፍ እትኽእል፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ውሉዳት ንጽቡቕ ልማድ ወለዶም ይቐድሑ