ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ቕድሚ ሕጂ ዝነበረካ ፍሉይ መሰል መሊስካ ኽትረኽቦ ትኽእልዶ፧

ነቲ ቕድሚ ሕጂ ዝነበረካ ፍሉይ መሰል መሊስካ ኽትረኽቦ ትኽእልዶ፧

ነቲ ቕድሚ ሕጂ ዝነበረካ ፍሉይ መሰል መሊስካ ኽትረኽቦ ትኽእልዶ፧

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ፍሉይ መሰል ነይሩካዶ፧ ምናልባት ኣገልጋሊ ጉባኤ ወይ ሽማግለ ኔርካ ትኸውን። ኣብ ገሊኡ ዓይነት ዕዮ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እውን ትካፈል ኔርካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ካብቲ ዝነበረካ መዝነት ሓጐስን ዓሚቝ ዕግበትን ትረክብ ከም ዝነበርካ ዜጠራጥር ኣይኰነን፣ ሕጂ ግን ብገለ ምኽንያት ኣቋሪጽካ ትኸውን ኢኻ።

ምናልባት ንኣባላት ስድራ ቤትካ ምእንቲ ኽትኣሊ ነቲ ፍሉይ መሰላት ሓዲግካዮ ትኸውን። እቲ ኻልእ ምኽንያት ከኣ እርጋን ወይ ጥዕና ምስኣን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነ ምግባርካ፡ ምልክት መንፈሳዊ ድኽመት ኣይኰነን። (1 ጢሞ. 5:8) ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ፊልጶስ ሚስዮናዊ ዀይኑ ይዓዪ እኳ እንተ ነበረ፡ ጸኒሑ ግን ንስድራ ቤቱ ምእንቲ ኺኣሊ ኣብ ቂሳርያ ኺነብር ጀመረ። (ግብ. 21:8, 9) እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት፡ ኣብ ግዜ እርጋኑ ወዱ ሰሎሞን ንዕኡ ተኪኡ ኸም ዚነግስ ገበረ። (1 ነገ. 1:1, 32-35) እንተዀነ ግን፡ የሆዋ ንፊልጶስን ዳዊትን የፍቅሮምን ክብ ኣቢሉ ይርእዮምን ነበረ፣ ክሳዕ ሎሚ ድማ ኣኽብሮት ይወሃቦም እዩ።

ይኹን እምበር፡ ካብቲ ዝነበረካ ፍሉይ መሰል ወሪድካ እውን ክትከውን ትኽእል ኢኻ። እቲ ኻብ ሓላፍነት ከም እትወርድ ዝገበረካ ምኽንያት፡ ሕማቕ ጠባይ ወይ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ዘጋጠመካ ጸገምዶ ይኸውን፧ (1 ጢሞ. 3:2, 4, 10, 12) ምናልባት ካብ ሓላፍነትካ ምውራድካ ዘይፍትሓዊ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ክሳዕ ሕጂ ቒም ሒዝካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ።

ነቲ ዝነበረካ ፍሉይ መሰል ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ

እዚ ፍሉይ መሰላት እዚ መሊስካ ኽትረኽቦ ዘይከኣል ድዩ፧ ዝበዝሕ ግዜ ኸምኡ ኣይኰነን። እንደገና ምእንቲ ኽትረኽቦ ግን ጻዕሪ ኽትገብር ኣሎካ። (1 ጢሞ. 3:1) ከምዚ ኽትገብር እትደፋፍኣካ፡ እታ ህይወትካ ንኣምላኽ ክትውፊ ኸለኻ ንየሆዋን ንኣገልገልቱን ዝነበረትካ ፍቕሪ እያ። ዳግማይ ንኸተገልግል ፍቓደኛ ብምዃን ፍቕርኻ እንተ ደኣ ኣርኢኻ፡ የሆዋ ነቲ ኻብ ሓላፍነትካ ቕድሚ ምውራድካን ብድሕሪኡን ዘዋህለልካዮ ተመክሮ ኺጥቀመሉ እዩ።

ህዝቢ እስራኤል ንኣምላኽ ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ምስ ሰኣኑ፡ የሆዋ ዝሃቦም መረጋገጺ ዘክር። ቃሉ፡ “ኣነ እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እየ እሞ፡ ኣቱም ደቂ ያእቆብ፡ ስለዚ ኣይጠፋእኩምን” ይብል። (ሚል. 3:6) የሆዋ ንእስራኤላውያን የፍቅሮም ነበረ፡ ዝያዳ ኺጥቀመሎም ከኣ ባህጊ ነበሮ። ንዓኻ እውን ኣብ መጻኢ ኺጥቀመልካ ይደሊ እዩ። ኣብዚ ሕጂ ዘለኻዮ ዅነታት ግን እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ኣብ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ምግልጋል ብዝያዳ ኣብ መንፈሳዊ ጥዕና ደኣ እምበር፡ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ኽእለት እተመርኰሰ ኣይኰነን። ስለዚ፡ ኣብ ጉባኤኻ ተወሳኺ ሓላፍነታት ኣብ ዘይህልወካ እዋን፡ መንፈሳውነትካ ኣብ ምድልዳል ዝያዳ ትዅረት ግበር።

ብእምነት ምእንቲ ‘ኽትብርትዕ’ ‘ንእግዚኣብሄርን ሓይሉን ክትደሊ’ ኣሎካ። (1 ቈረ. 16:13፣ መዝ. 105:4) ከምዚ ኽትገብር እትኽእለሉ ሓደ መገዲ፡ ልባዊ ጸሎት ምቕራብ እዩ። ንየሆዋ ብዛዕባ ዅነታትካ ኽትገልጸሉ ኸለኻ፡ ብዛዕባ ዚስምዓካ ነገራት ተዛረቦ ኸምኡውን መንፈሱ ኺህበካ ሕተቶ። ከምዚ እንተ ጌርካ ናብ የሆዋ ኽትቀርብ ኢኻ፡ እዚ ኸኣ ኬጽንዓካ እዩ። (መዝ. 62:8፣ ፊል. 4:6, 13) መንፈሳውነትካ ኸተመሓይሽ እትኽእለሉ ኻልእ መገዲ ድማ ቃል ኣምላኽ ናይ ምጽናዕ ክእለትካ ምምሕያሽ እዩ። ሒደት ሓላፍነት ጥራይ ዘሎካ ምዃኑ፡ ብሕታዊ መጽናዕቲ ዀነ መጽናዕቲ ስድራ ቤት ብዝበለጸ ኽትገብር የኽእለካ፡ ምናልባት እውን ነቲ ቕድሚ ሕጂ ንምዕቃቡ ኣጸጋሚ ዀይኑካ ዝነበረ መንፈሳዊ ልማዳትካ እንደገና ኽትሕድሶ ይሕግዘካ ይኸውን።

ልክዕ እዩ፡ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ኸም ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኴንካ ንየሆዋ ትውክል ኢኻ። (ኢሳ. 43:10-12) “መዓይይቲ ኣምላኽ” ምዃን ኵላትና ኺህልወና ዚኽእል ኣዝዩ ኽቡር መሰል እዩ። (1 ቈረ. 3:9) ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዘለካ ተሳትፎ ምሕያል፡ ንስኻን እቲ መገላግልትኻን መንፈሳውነትኩም ከተደልድሉ እትኽእሉሉ መገዲ እዩ።

ምስ ስምዒታትካ ምቅላስ

ዝነበረካ ፍሉይ መሰል ምስ ሰኣንካ፡ ሕፍረት ወይ ሓዘን ይስምዓካ ይኸውን። ነቲ ተግባራትካ መመኽነይታ ተቕርብ ትኸውን። ይኹን እምበር፡ ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ነቲ ምኽንያትካ ሰሚዖም ሕጂ እውን ገና ነዚ ፍሉይ መሰል እዚ ኸም ዘይትበቅዕ ኰይኑ እንተ ተሰሚዕዎምከ፧ እቲ ዚምስዓካ ኣሉታዊ ስምዒታት፡ ናብ መንፈሳዊ ሸቶታት ከይትበጽሕ ኪዓግተካን ካብ ሕሉፍ ተመክሮ ኸም ዘይትመሃር ኪገብረካን ይኽእል እዩ። ሓደ ሰብ ንኣሉታዊ ስምዒታት ንኺዋጽኣሉ እቲ እዮብን ምናሴን ዮሴፍን ዘሕለፍዎ ተመክሮ፡ ብኸመይ ከም ዚሕግዞ እስከ ንርአ።

እዮብ ንኻልኦት ወኪሉ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይቐርብ፡ ኣበው ኣብ ዝነበሩሉ ሕብረተሰብ ከኣ ከም ሽማግለን ፈራድን ኰይኑ የገልግል ነበረ። (እዮ. 1:5፣ 29:7-17, 21-25) ድሕርዚ፡ ኣብ ሓደ ጽንኩር እዋን፡ ሃብቱን ደቁን ጥዕናኡን ሰኣነ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ዝነበሮ ጽቡቕ ስም ጠፍአ። “እቶም ብዕድመ ዚንእሱኒ፡ . . . ይንዕቁኒ አለዉ” በለ።—እዮ. 30:1

እዮብ ምሉእ ብምሉእ ንጹህ ኰይኑ ስለ እተሰምዖ፡ ንርእሱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪጣበቐላ ደለየ። (እዮ. 13:15) እንተዀነ ግን፡ ንየሆዋ ኺጽበዮ ፍቓደኛ ነበረ፡ እዚ ኸኣ ጽቡቕ ፍረ ኣፍረየሉ። ብፍላይ ነቲ ዘሕለፎ ፈተና ምላሽ ብዛዕባ ዝሃበሉ መገዲ መአረምታ ኸም ዜድልዮ ተማህረ። (እዮ. 40:6-8፣ 42:3, 6) እቲ ዘርኣዮ ትሕትና፡ ካብ ኣምላኽ ብዙሕ በረኸት ኣምጽኣሉ።—እዮ. 42:10-13

ብሰሪ ናትካ ጌጋ ነቲ ዝነበረካ ፍሉይ መሰል እንተ ስኢንካ፡ የሆዋን ክርስትያናት ብጾትካን ብሓቂ ይቕረታ ኺገብሩልካን ነቲ ነገር ኪርስዕዎን እንተ ዀይኖም ትሓስብ ትኸውን። ነቲ ንጉስ ይሁዳ ዝነበረ ምናሴ ዘጋጠሞ ዅነታት እስከ ንርአ። “ምእንቲ ኬዀርዮስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዙሕ ክፉእ ገበረ።” (2 ነገ. 21:6) ይኹን እምበር፡ ምናሴ ንጉስ ኰይኑ እናገዝአ ብተኣማንነት እዩ ሞይቱ። ከምዚ ዘጋጠመ ብኸመይ እዩ፧

ድሕሪ ግዜ፡ ምናሴ ነቲ እተዋህቦ ተግሳጽ ተቐበለ። ኣብ መጀመርታ ግን ነቲ እተዋህቦ መጠንቀቕታ ምስማዕ ኣብዩ ስለ ዝነበረ፡ የሆዋ ንኣሶራውያን ኣብ ልዕሊኡ ኣተንስኣሉ፣ ንሳቶም ከኣ ብመቑሕ ኣሲሮም ናብ ባቢሎን ወሰድዎ። ድሕርዚ፡ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ጸለየ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣቦታቱውን ኣዝዩ ርእሱ ኣትሐተ። ናብኡ ኸአ ተማህለለ።” ነቲ ኻብ ልቡ ዝነቐለ ንስሓ ብተግባር ኣርኣዮ፡ ይቕረታ ድማ ተገብረሉ።—2 ዜና 33:12, 13

እቲ ዝነበረካ ፍሉይ መሰላት ብሓንሳእ ዚምለሰልካ ሳሕቲ ጥራይ እዩ። ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ግዜ እተወሰነ ሓላፍነታት ይወሃበካ ይኸውን። ነዚ ተቐቢልካ ብእተኻእለካ መጠን ከተገልግል ምጽዓር፡ ተወሳኺ ዕዮታት ንኺወሃበካ መገዲ ይኸፍት እዩ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን፡ ኵሉ ነገር ከምቲ ዝሓሰብካዮ ኪኸውን እዩ ማለት ኣይኰነን። ዕንቅፋታት ኬጋጥመካ ይኽእል እዩ። ፍቓደኛን ጽኑዕን እንተ ዄንካ ግን፡ ጽቡቕ ፍረ ኽትረክብ ኢኻ።

ንዮሴፍ ወዲ ያእቆብ እስከ ኸም ኣብነት ንርአ። ወዲ 17 ዓመት ከሎ፡ ኣሕዋቱ ብዘይፍትሓዊ መገዲ ናብ ባርነት ሸጥዎ። (ዘፍ. 37:2, 26-28) እቶም ደቂ ኣቦኡ ኸምኡ ኺገብርዎ ኸም ዘይተጸበየ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ምስ ኵነታቱ ተሰማሚዑ ኺዓዪ ፍቓደኛ ነበረ፡ ሳላ በረኸት የሆዋ ኸኣ ‘ኣብ ልዕሊ ቤት እቲ ግብጻዊ ጐይታኡ ነበረ።’ (ዘፍ. 39:2) ጸኒሑ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተደርበየ። ኰይኑ ግን፡ እሙን ምዃኑ ኣርኣየ፡ የሆዋ ኸኣ ምስኡ ነበረ፣ ደሓር ድማ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ሓላፍነት ተዋህቦ።—ዘፍ. 39:21-23

ዮሴፍ ኵሉ እቲ ዜጋጥሞ ዝነበረ ነገራት ዕላማ ኸም ዘለዎ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ ኪገብሮ ዚኽእል ዘበለ ምግባር ቀጸለ። ስለዚ ኸኣ የሆዋ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ዚመጸሉ መስመር ወለዶ ንምዕቃብ ንዮሴፍ ተጠቕመሉ። (ዘፍ. 3:15፣ 45:5-8) ከምቲ ዮሴፍ ዝነበሮ ዓይነት ኣገዳሲ ቦታ ኺህልወና ዘይንጽበ እኳ እንተ ዀንና፡ እዚ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ እዚ ግን እቲ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዚረኽብዎ ፍሉይ መሰላት ኢድ የሆዋ ኸም ዘለዎ ዜርኢ እዩ። እምበኣር፡ ኣብነት ዮሴፍ ብምስዓብ የሆዋ ንኺጥቀመልካ ፍቓደኛ ኹን።

ካብ ኣጸጋሚ ዅነታት ትምህርቲ ምርካብ

እዮብን ምናሴን ዮሴፍን ዜሕዝን ተመክሮታት ኣሕሊፎም እዮም። ሰለስቲኦም ነቲ የሆዋ ኼጋጥሞም ዝፈቐዶ ነገራት ብጸጋ ተቐቢሎም ካብኡ ጠቓሚ ትምህርትታት ረኸቡ። ካብዚ እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧

የሆዋ እንታይ ኪምህረካ ኸም ዝደለየ ኣስተብህል። እዮብ ምስቲ ዘጋጠሞ ጸገማት ኪቃለስ ከሎ፡ ብዛዕባ ርእሱ ጥራይ ይሓስብ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ተላዒሉ ዝነበረ ዓበይቲ ጕዳያት ኣየስተብሃለሉን። ይኹን እምበር፡ ብሳላ ፍቕራዊ ተግሳጽ የሆዋ ኣረኣእያኡ ኣዐረየ፣ “ዘየስተውዐልክዎ . . . ተዛሪበ” ብምባል ድማ ተኣመነ። (እዮ. 42:3) ነቲ ዝነበረካ ፍሉይ መሰላት ምስ ሰኣንካ ኸም እተጐዳእካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ‘ብዛዕባ ርእስኻ ብልክዕ ሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዚግብኣካ ኣዕዚዝካ ኣይትሕሰብ።’ (ሮሜ 12:3) የሆዋ በቲ ምሉእ ብምሉእ ዘይተረዳእካዮ መገዲ ገይሩ ኼስተኻኽለካ ይፍትን ይህሉ ይኸውን።

ተግሳጽ ተቐበል። ምናሴ ኣብ ፈለማ እቲ እተዋህቦ ኸቢድ ተግሳጽ ንዕኡ ኸም ዘይግባእ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ነቲ መአረምታ ተቐቢሉ ተነስሐ፡ ካብቲ ግጉይ መገዱ ድማ ተመልሰ። ብዛዕባ እቲ እተዋህበካ ተግሳጽ ዚስምዓካ ስምዒት ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ‘ኣብ ቅድሚ የሆዋ ትሕት በል፡ ንሱ እውን ልዕል ኬብለካ እዩ።’—1 ጴጥ. 5:6፣ ያእ. 4:10

ዕጉስን ፍቓደኛን ኩን። ዮሴፍ ብምኽንያት እቲ ዘጋጠሞ ዅነታት ብቐሊሉ ናይ ጽልኢ ስምዒት ኬሕድርን ሕነ ኺፈድን ይኽእል ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ምስትውዓልን ምሕረትን ኣማዕበለ። (ዘፍ. 50:15-21) ንስኻ እውን ጓሂ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ዕጉስ ኩን። የሆዋ ንኼሰልጥነካ ድማ ፍቓደኛ ኹን።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ፍሉይ መሰል ነይሩካዶ፧ የሆዋ ኣብ መጻኢ ፍሉይ መሰላት ንኺህበካ ኣጋጣሚ ኽፈተሉ። መንፈሳውነትካ ኣደልድል። ብትዕግስትን ብትሕትናን ንስምዒታትካ ተቘጻጸሮ። ንእተኸፍተልካ ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚ ብወለንታ ተቐበል። ‘የሆዋ ነቶም ብቕንዕና ዚመላለሱ ሰናይ ዘበለ ኸም ዘይከልኦም’ ርግጸኛ ኹን።—መዝ. 84:11

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ልባዊ ጸሎት ብምቕራብ ብእምነት በርትዕ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዘለካ ተሳትፎ ምሕያል፡ መንፈሳውነትካ ኸተደልድል እትኽእለሉ መገዲ እዩ

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ኣብ መጻኢ ፍሉይ መሰላት ንኺህበካ ኣጋጣሚ ኽፈተሉ