ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”

“ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”

“ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”

“ነቲ ናብ ሕይወት ዘለዓለም ዜብጽሕ ምሕረት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እናተጸቤኹም ከኣ ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ።”—ይሁ. 21 ትርጕም 1990።

1, 2. የሆዋ ፍቕሩ ዘርኣየና ብኸመይ እዩ፧ ቃሕ ዝበለና እናገበርና፡ ብፍቕሩ ኺሕልወና እዩ ኢልና ኽንጽበ ኸም ዘይብልናኸ ብኸመይ ንፈልጥ፧

 የሆዋ ኣምላኽ ንዓና ዘላቶ ፍቕሪ ቘጺርካ ብዘይውዳእ መገድታት ኣርእዩና እዩ። ንዓና ዘላቶ ፍቕሪ ዘርኣየሉ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ መርኣያ፡ መሰናድዎ መስዋእታዊ በጃ ምዃኑ ዜተሓታትት ኣይኰነን። ንደቂ ሰብ ዘላቶ ፍቕሪ ኣዝያ ዓባይ ካብ ምዃና እተላዕለ፡ ነቲ ዜፍቅሮ ወዱ ኣብ ክንዳና ኺመውት ናብ ምድሪ ለኣኾ። (ዮሃ. 3:16) የሆዋ ኸምዚ ዝገበረ፡ ንዘለኣለም ክንነብርን ወትሩ ኻብታ ፍቕሩ ጥቕሚ ኽንረክብን ስለ ዚደልየና እዩ።

2 ይኹን እምበር፡ ቃሕ ዝበለና እናገበርና፡ የሆዋ ብፍቕሩ ኸም ዚሕልወና ጌርና ኽንጽበ ንኽእልዶ፧ ኣይፋሉን። ምኽንያቱ ኣብ ይሁዳ ቝጽሪ 21፡ “ነቲ ናብ ህይወት ዘለኣለም ዜብጽሕ ምሕረት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እናተጸቤኹምሲ፡ ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሐልውዋ” ዚብል ምሕጽንታ ተዋሂቡና ኣሎ። እታ “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሐልውዋ” እትብል መግለጺት ንሕና ኽንገብሮ ዘሎና ተግባር እያ እተጕልሕ። ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኽንጸንዕ ደኣ እሞ እንታይ ክንገብር የድልየና፧

ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ክንጸንዕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

3. የሱስ ኣብ ፍቕሪ ኣቦኡ ንኺጸንዕ እንታይ ከም ዜድልዮ እዩ እተዛረበ፧

3 መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብታ የሱስ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት እተዛረቦ ቓላት ንረኽቦ ኢና። ከምዚ በለ፦ “ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ዝሐሎኹ፡ ኣብ ፍቕሩውን ጸኒዔ ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሐሎኹም፡ ኣብ ፍቕረይ ክትጸንዑ ኢኹም።” (ዮሃ. 15:10) የሱስ ምስ ኣቦኡ ጽቡቕ ርክብ ንኺህልዎ፡ ትእዛዛቱ ኺሕሉ ኸም ዜድልዮ ኣስተውዒሉ ኸም ዝነበረ ርዱእ እዩ። እቲ ፍጹም ወዲ ኣምላኽ እኳ ኸምኡ ኺገብር ካብ ኣድለዮ፡ ንሕናኸ ኸምኡ ኽንገብርዶ ኣየድልየናን፧

4, 5. (ሀ) ንየሆዋ ኸም እነፍቅሮ እነርእየሉ ቐዳማይ መገዲ እንታይ እዩ፧ (ለ) ነቲ ትእዛዛት የሆዋ ምሕላው ዚብልዎ ሓሳብ እንጸልኣሉ ምኽንያት ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

4 ብቐዳምነት፡ ትእዛዛቱ ብምሕላው ንየሆዋ ኸም እነፍቅሮ ነርኢ ኢና። ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ፡ ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ” በለ። (1 ዮሃ. 5:3) እዛ ሎሚ ዘላ ዓለም፡ ተኣዛዝነት ትጸልእ እያ። ኰይኑ ግን፡ ነታ “ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ” እትብል ሓረግ ነስተብህለላ። የሆዋ፡ ምግባሩ ኣዝዩ ዜጸግመና ነገር ክንገብር ኣይኰነን ዚሓተና ዘሎ።

5 ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፦ ንእትፈትውዎ ዓርክኹም ልዕሊ ዓቕሙ ዝዀነ ሰኸም ከም ዚስከም ምገበርኩምዎዶ፧ ፈጺምኩም ከምኡ ኣይትገብሩን ኢኹም! የሆዋ እውን ካባና ዝያዳ ለዋህን ዓቕምና ዚፈልጥን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ፡ “ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ” ይብል። (መዝ. 103:14) ልዕሊ ዓቕምና ኽንገብር፡ ከቶ ኣይሓተናን እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ትእዛዛት የሆዋ ምሕላው ዚብልዎ ሓሳብ እንጸልኣሉ ምኽንያት የብልናን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣስ፡ ንተኣዛዝነት ከም ሓደ ንሰማያዊ ኣቦና ብሓቂ ኸም እነፍቅሮ እነርእየሉን ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ እንጸንዓሉን ብሉጽ ኣጋጣሚ ጌርና ኢና እንቕበሎ።

የሆዋ ዝሃበና ፍሉይ ውህበት

6, 7. (ሀ) ሕልና እንታይ እዩ፧ (ለ) ሕልና ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኽንጸንዕ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ብምሳሌ ኣረድእ።

6 ኣብዛ እተሓላለኸት ዓለም፡ ንኣምላኽ ዘለና ተኣዛዝነት እነርእየሉ ብዙሕ ውሳነታት ንገብር ኢና። እቲ እንገብሮ ውሳነታት ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዚሰማማዕ ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ የሆዋ ንተኣዛዝነት ብዚምልከት ብዙሕ ኪሕግዘና ዚኽእል ውህበት ሂቡና እዩ። እዚ ኸኣ ሕልና እዩ። ንምዃኑ ሕልና እንታይ እዩ፧ ሕልና ብዛዕባ ርእስና ኸም ዚፍለጠና ዚገብር ፍሉይ ክእለት እዩ። ከም ውሽጣዊ ዳኛ ዀይኑ ይዓዪ፣ ማለት ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥመና ምርጫታት ንኽንሓስብ የኽእለና፡ ወይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ድሮ ዝገበርናዮ ውሳነ ብምስትንታን ጽቡቕን ሕማቕን፡ ቅኑዕን ጌጋን ንኽንግምግም የኽእለና።—ሮሜ 2:14, 15 ኣንብብ።

7 ንሕልናና ኸመይ ጌርና ኢና ብጽቡቕ ክንጥቀመሉ እንኽእል፧ ነዚ ዚስዕብ ምሳሌ እስከ ንርአ። ሓደ ብእግሩ ዚጐዓዝ ሰብ ኣብ ጽምዊ በረኻ ይጐዓዝ ኣሎ ንበል። መገዲ ዀነ፡ ጽርግያ ዀነ፡ መሐበሪ ምልክት ኣይረኸበን። ኰይኑ ግን፡ መገዱ ኸይሰሓተ ናብቲ ኺበጽሖ ዚደሊ ቦታ ይጐዓዝ። ከመይ ገይሩ ኸምኡ ኺገብር ይኽእል፧ ኮምፓስ ኣላቶ። እታ ኮምፓስ ኣርባዕቲኡ መኣዝናት ዚሕብር ምልክት ዝሓዘት ንሰዓት እትመስል ኣቕሓ ዀይና፡ ናብ ሰሜን እትሕብር ማግነታዊ መርፍእ እውን ኣላታ። ብዘይ እታ ኮምፓስ እቲኣ፡ እቲ ተጓዓዛይ ምጠፍአ። ሰብ ብዘይ ሕልና እውን፡ ኣብ ህይወቱ ስነ-ምግባራውን ጽድቃውን ምርጫታት ኪገብር ኣይምኸኣለን ነይሩ።

8, 9. (ሀ) ነየናይ ሕልናና ዘለዎ ድሩትነት ኢና ኽንርስዖ ዘይብልና፧ (ለ) ሕልናና ብሓቂ ኸም ዚጠቕመና ምእንቲ ኸነረጋግጽ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

8 ይኹን እምበር፡ ከምቲ ኮምፓስ ኪጋገ ዚኽእል፡ ሕልና እውን ሓድሓደ ግዜ ኺጋገ ይኽእል እዩ። እቲ ተጓዓዛይ ኣብ ጥቓ እታ ኮምፓስ ማግነት እንተ ኣቐሚጡ፡ እታ መርፍኣ ናብ ሰሜን ዘይኰነስ፡ ናብ ካልእ ኣንፈት ከተመልክት ትኽእል እያ። ብተመሳሳሊ፡ ባህጊ ልብና ንውሳነታትና ኸም ዚጸልዎ እንተ ጌርና፡ እንታይ እዩ ዜጋጥም፧ ስሱዕ ባህጊ ልብና ንሕልናና ኺጸልዎ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ልቢ ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ” ብምባል የጠንቅቐና። (ኤር. 17:9፣ ምሳ. 4:23) ብተወሳኺ፡ እቲ ተጓዓዛይ ቅኑዕን ዜተኣማምንን ካርታ እንተ ዘይብሉ፡ እታ ኮምፓሱ ብዙሕ ኣይትጠቕሞን እያ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብቲ ርግጽን ዘይለዋወጥን መሪሕነት እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ዘይተጸጊዕና፡ ሕልናና ዳርጋ ረብሓ ኣይህልዎን እዩ። (መዝ. 119:105) እቲ ዜሕዝን ግን፡ ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መለክዒታት ዘይኰነስ፡ ኣብ ባህጊ ልቦም እዮም ዜተኵሩ። (ኤፌሶን 4:17-19 ኣንብብ።) ስለዚ ኸኣ እዮም ብዙሓት ሰባት ሕልና እናሃለዎም ክነሱ፡ ኣዝዩ ዜስካሕክሕ ነገር ዚፍጽሙ።—1 ጢሞ. 4:2

9 ከማታቶም ክንከውን የብልናን! ኣብ ክንዳኡስ፡ ሕልናና ብሓቂ ምእንቲ ኺጠቕመና፡ ብቓል ኣምላኽ ንምሃሮን ነሰልጥኖን። ስሱዕ ባህግና ኺቈጻጸረና ኣብ ክንዲ እነፍቅደሉ ንሕልናና ንስምዓዮ። ብዘይካዚ፡ ንእነፍቅሮም መንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ሕልናኦም ከነኽብረሎም ንጽዓር። ሕልና ሓውና ዝያዳ ተነቃፊ ወይ ቀያዲ ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ዜዐንቅፎም ከይንገብር ክንጽር ኣሎና።—1 ቈረ. 8:12፣ 2 ቈረ. 4:2፣ 1 ጴጥ. 3:16

10. ብዛዕባ ኣየናይ ሰለስተ መዳያት ህይወት ኢና ሕጂ ኽንመያየጥ፧

10 ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ብተኣዛዝነት ኣቢልና ኸነርእየሉ እንኽእል ሰለስተ መዳያት ህይወት እስከ ንርአ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዚ መዳያት እዚ፡ ሕልና ግደ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ቅድም ቀዳድም በቲ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪምራሕ የድሊ። እቲ ንየሆዋ ብፍቕሪ እንእዘዘሉ ሰለስተ መዳያት፦ (1) ነቶም የሆዋ ዜፍቅሮም ነፍቅር ኢና፡ (2) ንስልጣን ነኽብር ኢና፡ (3) ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጽህናና ኽንሕሉ ንጽዕር ኢና።

ነቶም የሆዋ ዜፍቅሮም ነፍቅር

11. ነቶም የሆዋ ዜፍቅሮም ከነፍቅር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

11 ቀዳማይ፡ ነቶም የሆዋ ዜፍቅሮም ከነፍቅር ኣሎና። ብዕርክነት ዝመጸ ሰባት ከም ሰፍነግ ኢና። ኣብ ከባቢና ዚርከብ ዝዀነ ይኹን ነገር ናይ ምምጻይ ዝንባለ ኣሎና። ፈጣሪና፡ ዕርክነት ንዘይፍጹማት ሰባት ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ወይ ሓጋዚ ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን፡ ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን” ዚብል ጥበባዊ ምኽሪ ሂቡና ኣሎ። (ምሳ. 13:20፣ 1 ቈረ. 15:33) ኵላትና ‘ጠቢባን’ ክንከውን ኢና እንደሊ እምበር፡ ‘ሕሱማት’ ክንከውን ኣይንደልን ኢና። የሆዋ ጥበብ ኪውስኽ ዜድልዮ ኣይኰነን፡ ብዋላ ሓደ እውን ኪበላሾ ኣይክእልን እዩ። ኰይኑ ግን፡ ንዕርክነት ብዚምልከት ጽቡቕ ኣብነት ይዀነና እዩ። ሕስብ እሞ ኣብልዎ፡ የሆዋ ነየኖት ዘይፍጹማት ሰባት እዩ ኣዕሩኹ ኪዀንዎ ዚመርጽ፧

12. የሆዋ ኸመይ ዝበሉ ኣዕሩኽ እዩ ዚመርጽ፧

12 የሆዋ ነቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ ኣብርሃም፡ “ፈታውየይ” ኢሉ ጸውዖ። (ኢሳ. 41:8) እዚ ሰብኣይ እዚ እሙንን ጻድቕን እዙዝን ናይ እምነት ሰብ እዩ ነይሩ። (ያእ. 2:21-23) የሆዋ ኸምኡ ዓይነት ዓርኪ እዩ ዚመርጽ። ሎሚ እውን ምስ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ይተዓራረኽ እዩ። የሆዋ ኸምዚ ዝኣመሰሉ ኣዕሩኽ ዚመርጽ ካብ ኰነ፡ ንሕና ዘይፍጹማት ሰባትከ ተጠንቂቕና ኽንመርጽ፡ ማለት ምስ ጠቢባን ብምምልላስ ጠቢብ ክንከውንዶ ኣይግባእን፧

13. ኣዕሩኽ ብምምራጽ ዝመጸ፡ ጽቡቕ ምርጫ ንኽንገብር ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

13 ኣብዚ መዳይ እዚ ጽቡቕ ምርጫ ንኽትገብሩ ኺሕግዘኩም ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣብነታት ምጽናዑ፡ ኪሕግዘኩም ይኽእል እዩ። ኣብ መንጎ ሩትን ሓማታ ናእሚን፡ ኣብ መንጎ ዳዊትን ዮናታንን፡ ወይ ኣብ መንጎ ጢሞቴዎስን ጳውሎስን ዝነበረ ዕርክነት እሞ ንርአ። (ሩት 1:16, 17፣ 1 ሳሙ. 23:16-18፣ ፊል. 2:19-22) ኣብ መንጎ እዞም ሰባት እዚኣቶም ጽቡቕ ዕርክነት ኪህሉ ዝኸኣለ፡ ዕርክነቶም ኣብታ ንየሆዋ ዝነበረቶም ናይ ሓቂ ፍቕሪ እተመስረተ ስለ ዝነበረ እዩ። ከምቲ ንስኻትኩም ንየሆዋ እተፍቅርዎ ገይሮም ዜፍቅርዎ ኣዕሩኽ ክትረኽቡ ትኽእሉዶ፧ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸምዚ ዓይነት ኣዕሩኽ ክትረኽቡ ኸም እትኽእሉ ርግጸኛታት ኩኑ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ብመንፈሳዊ መዳይ ሕሱማት ከም እትዀኑ ኣይገብሩኹምን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንየሆዋ ንኽትእዘዝዎን ብመንፈሳዊ መዳይ ንኽትዓብዩን ንመንፈስ ኢልኩም ንኽትዘርኡን ኪሕግዙኹም እዮም። (ገላትያ 6:7, 8 ኣንብብ።) እወ፡ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኽትጸንዑ ኺሕግዙኹም እዮም።

ንስልጣን ነኽብር

14. መብዛሕትኡ እዋን፡ ንስልጣን ምኽባር ኣጸጋሚ ዚዀነና ስለምንታይ እዩ፧

14 ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ እነርእየሉ ኻልኣይ መገዲ፡ ንስልጣን ብዚምልከት እዩ። ንስልጣን ከነኽብር ኣሎና። ሓድሓደ ግዜ ንስልጣን ምኽባር ኣጸጋሚ ዚዀነና ግን ስለምንታይ እዩ፧ ብቐዳምነት፡ እቶም ስልጣን እተዋህቦም ሰባት ዘይፍጹማት እዮም። ብተወሳኺ ኸኣ፡ ንሕና ንባዕልና ዘይፍጹማት ኢና። ምስቲ ዝወረስናዮ ናይ ዕልወት ዝንባለ ንቃለስ ኢና።

15, 16. (ሀ) ነቶም የሆዋ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ሓላፍነት ዝሃቦም ከነኽብር ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ካብቲ የሆዋ ነቶም ኣብ ልዕሊ ሙሴ ዝዓለዉ እስራኤላውያን ዝረኣየሉ መገዲ፡ እንታይ ጠቓሚ ትምህርቲ ንመሃር፧

15 ‘ንስልጣን ምኽባር ክሳዕ ክንድዚ በዳሂ እንተ ዀይኑ፡ ስለምንታይ ኢና ንስልጣን ከነኽብር ዘሎና፧’ ኢልና ንሓትት ንኸውን። መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ምስ ልዑላውነት እተተሓሓዘ እዩ። ልዑላዊ ገዛኢኹም ኪኸውን እትመርጽዎ መን እዩ፧ ንየሆዋ ኸም ልዑላዊ ገዛኢና ኪኸውን እንተ መሪጽናዮ፡ ንስልጣኑ ኣኽብሮት ከነርኢ ኣሎና። ንስልጣኑ ዘይነኽብር እንተ ዄንና ግን፡ ብሓቂዶ ገዛኢና ኽንብሎ ንኽእል ኢና፧ ብተወሳኺ፡ የሆዋ መብዛሕትኡ ግዜ ንስልጣኑ በቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ሓላፍነት እተዋህቦም ዘይፍጹማት ሰባት ገይሩ እዩ ዚጥቀመሉ። ካብ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት እንተ ዓሊና፡ የሆዋ ንተግባራትና ብኸመይ እዩ ዚርእዮ፧—1 ተሰሎንቄ 5:12, 13 ኣንብብ።

16 ንኣብነት፡ እስራኤላውያን ንሙሴ ምስ ኣጕረምረሙሉን ምስ ዓለዉን፡ የሆዋ ኻብኡ ኸም ዝዓለዉ ገይሩ ረኣዮም። (ዘሁ. 14:26, 27) ኣምላኽ ኣይተለወጠን። ካብቶም ስልጣን ዝሃቦም ሰባት እንተ ዓሊና፡ ካብ ኣምላኽ ኢና እንዓሉ!

17. ብዛዕባ እቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ኪህልወና ዘለዎ ግቡእ ኣረኣእያ እንታይ እዩ፧

17 ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ኪህልወና ዘለዎ ግቡእ ኣረኣእያ ገሊጹ ኣሎ። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ጸሓፈ፦ “ንመራሕትኹም ተአዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም፡ ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ እሞ፡ ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር፡ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንኣኻትኩም ኣይጠቅምን እዩ።” (እብ. 13:17) ልክዕ እዩ፡ እዙዛትን ተገዛእትን ንኽንከውን፡ ናይ ሓቂ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። ኰይኑ ግን፡ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ክንጸንዕ ንጽዕር ከም ዘለና ኣይንረስዕ። ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ ዚከኣለና ዘበለ ኽንጽዕርዶ ኣይግባእን፧

ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጽህናና ንሓሉ

18. የሆዋ ንጽህናና ኽንሕሉ ዚደልየና ስለምንታይ እዩ፧

18 ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ እነርእየሉ ሳልሳይ መገዲ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጽህናና ኽንሕሉ ብምጽዓር እዩ። ሓደ ሓላዪ ወላዲ ንንእሽቶ ውሉዱ ንጹህ ከም ዚኸውን ንምግባር ኣበርቲዑ ዚጽዕር ስለምንታይ እዩ፧ ብቐዳምነት፡ ንጽህና ምሕላው ንጥዕና እቲ ቘልዓ ይጠቅም እዩ። ብዘይካዚ፡ ንጹህ ውሉድ ካብ ወለዱ ፍቕርን ቈላሕታን ከም ዚግበረሉ ስለ ዚሕብር፡ ነታ ስድራ ቤት ናእዳ ኼምጽኣላ ይኽእል እዩ። የሆዋ እውን ብተመሳሳሊ፡ ንጹሃት ክንከውን ይደልየና እዩ። ንጽህና ንጥቕምና ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ሰማያዊ ኣቦና ስለ ዝዀነ፡ ንጽህናና ናእዳ ኸም ዜምጽኣሉ እውን ይፈልጥ እዩ። ሰባት ካብዛ ርኽስቲ ዓለም ክሳዕ ክንደይ እተፈለና ኸም ዝዀንና ምስ ረኣዩ፡ ናብቲ እነገልግሎ ኣምላኽ ኪሰሓቡ ስለ ዚኽእሉ፡ እዚ ብዙሕ ኣገዳስነት ኣለዎ።

19. ኣካላዊ ንጽህና ኣገዳሲ ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧

19 ኣበየናይ መዳያት ኢና ንጽህናና ኽንሕሉ ዜድልየና፧ ኣብ ኵሉ መዳያት። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ የሆዋ ንህዝቡ፡ ኣካላዊ ንጽህና ኣገዳሲ ምዃኑ ንጹር ገይሩሎም ነበረ። (ዘሌ. 15:31) ኣብ ሕጊ ሙሴ ብዛዕባ ርስሓት ዚውገደሉ መገዲ፡ ብዛዕባ ጽሬት ኣቕሑ፡ ከምኡውን ብዛዕባ ምሕጻብ ኣእዳውን ኣእጋርን ክዳውንትን ዚገልጽ ሕግታት ነይሩ። (ዘጸ. 30:17-21፣ ዘሌ. 11:32፣ ዘሁ. 19:17-20፣ ዘዳ. 23:13, 14) የሆዋ ኣምላኾም ቅዱስ ወይ ንጹህ ምዃኑ ንእስራኤላውያን መዘኻኸሪ ተዋሂብዎም ነበረ። ኣገልገልቲ እቲ ቕዱስ ኣምላኽ እውን ቅዱሳት ኪዀኑ ነበሮም።—ዘሌዋውያን 11:44, 45 ኣንብብ።

20. ብኣየናይ መዳይ ኢና ንጽህናና ኽንሕሉ ዘለና፧

20 እምበኣር፡ ውሽጥናን ደገናን ንጹሃት ክንከውን ኣሎና። ሓሳባትና ንጹህ ክንገብሮ ንጽዕር ኢና። እታ ኣብ ከባቢና ዘላ ዓለም ብጾታዊ ጕዳይ ሽሕ ሳዕ ትመራሳሕ ብዘየገድስ፡ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ስነ-ምግባራዊ ንጽህና ዘውጸኦ ስርዓታት ብተኣማንነት ለጊብና ንስዕቦ ኢና። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ካብ ብከላ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብምርሓቕ፡ ንኣምልኾና ንጹህ ክንገብሮ ንጽዕር ኢና። ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 52:11 ዚርከብ፡ “ርሐቑ፡ ርሐቑ፡ ካብዚ ውጹ፡ ርኹስ ከቶ ኣይትተንክዩ፡ . . . ካብ ማእከል ውጹ፡ ንጽሁ” ዚብል መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መጠንቀቕታ ኻብ ኣእምሮና ኣይነርሕቖን ኢና። ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ብሃይማኖታዊ መዳይ ከም ርኹስ ገይሩ ዚርእዮ ነገራት ከይንትንኪ እውን ብምጥንቃቕ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ንጽህናና ንሕሉ ኢና። ስለዚ ኸኣ ኢና ነቲ ሎሚ ኣብ ዓለም ህቡብ ኰይኑ ዘሎ በዓላት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዘይነብዕል። ልክዕ እዩ፡ ንጽህናኻ ምሕላው ቀሊል ኣይኰነን። ህዝቢ የሆዋ ግን ንጽህናኦም ምሕላዎም ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪጸንዑ ስለ ዜኽእሎም፡ ከምኡ ኺገብሩ ይጽዕሩ እዮም።

21. ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ከም እንጸንዕ ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

21 የሆዋ ኣብ ፍቕሩ ንዘለኣለም ክንጸንዕ ይደልየና እዩ። ኰይኑ ግን፡ ኵላትና ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኽንጸንዕ ዝከኣለና ዅሉ ኽንገብር የድሊ። ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ብምስዓብ ከምኡውን ትእዛዛት የሆዋ እናሓለና ንዕኡ ኸም እነፍቅር ብምርኣይ ከምዚ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ከምዚ እንተ ጌርና፡ ዝዀነ ይኹን ነገር “ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ” ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ሮሜ 8:38, 39

ትዝክሮዶ፧

• ሕልናና ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኽንጸንዕ ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

• ነቶም የሆዋ ዜፍቅሮም ከነፍቅር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ንስልጣን ምኽባር ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

• ንጽህና ንህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ኣገዳስነት ኣለዎ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ንጽቡቕ ኣካይዳ ኣበርክቶ እትገብር መጽሓፍ

ብ2008/2009 ኣብ እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ፡ “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ” ዘርእስታ 224 ገጽ ዘለዋ መጽሓፍ ወጸት። ዕላማ እዛ ሓዳስ መጽሓፍ እዚኣ እንታይ እዩ፧ ክርስትያናት ንስርዓታት ኣምላኽ ንኺፈልጥዎን ንኼፍቅርዎን ክትሕግዞም እያ ተዳልያ፣ ብቐዳምነት ከኣ ኣብ ክርስትያናዊ ኣካይዳ እያ እተተኵር። ነዛ “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ” ዘርእስታ መጽሓፍ ተጠንቂቕና ምጽናዕና፡ ምስ ስርዓታት የሆዋ ተሰማሚዕካ ምንባር ሕጂ ብሉጽ መገዲ ህይወት ምዃኑን ኣብ መጻኢ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚመርሕን ንዝነበረና ምትእምማን ኬደልድሎ እዩ።

ብዘይካዚ፡ ንየሆዋ እዙዝ ምዃን ከቢድ ዘይምዃኑ፡ የግዳስ ክሳዕ ክንደይ ከም እነፍቅሮ እነርእየሉ መገዲ ምዃኑ ንኸተረድኣና ተባሂላ እያ ተዳልያ። ስለዚ፡ እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ‘ንየሆዋ ዝእዘዞ ስለምንታይ እየ፧’ ኢልና ንኽንሓትት ክትድርኸና እያ።

መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ብሰንኪ ሰረተ-እምነት ዘይኰነስ፡ ብሰንኪ ኣካይዳኦም እዮም ካብ ፍቕሪ የሆዋ ዚርሕቑ። ነቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዚመርሓና ሕግታትን ስርዓታትን የሆዋ ዘሎና ፍቕርን ሞሳን ከነሐይል ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ! እዛ ሓዳስ መጽሓፍ እዚኣ ነቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ኣባጊዕ የሆዋ፡ ንቕኑዕ ዘበለ ጸኒዖም ኪቘሙ፡ ንሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ኼመስክሩ፡ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪጸንዑ ኸም እትሕግዞም ርግጸኛታት ኢና።—ይሁ. 21

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

“ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ዝሐሎኹ፡ ኣብ ፍቕሩውን ጸኒዔ ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሐሎኹም፡ ኣብ ፍቕረይ ክትጸንዑ ኢኹም”