ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘የሆዋ ገጹ ኣብርሃሎም’

‘የሆዋ ገጹ ኣብርሃሎም’

‘የሆዋ ገጹ ኣብርሃሎም’

ኣብ ገጽ ወዲ ሰብ ልዕሊ 30 ጭዋዳታት ኣሎ። ፍሽኽ ንኽትብል ጥራይ 14 ጭዋዳታት የድልየካ! እዚ ጭዋዳታት እዚ እንተ ዘይህልወካ፡ ዝርርብካ ኸመይ ኪመስል ከም ዚኽእል እሞ ሕስብ ኣብሎ። ሰሓቢ ምዀነዶ፧ ኣይፋሉን። ንጽሙማን ግን እዚ ጭዋዳታት እዚ ንዝርርብ ሰሓቢ ኻብ ምግባር ሓሊፉ ኻልእ ዚህቦ ጥቕሚ እውን ኣለዎ። ምስ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ተደሚሩ፡ ሓሳብካ ኣብ ምምሕልላፍ ዓብዪ ግደ ኣለዎ። ቋንቋ ምልክት፡ ሕልኽልኽ ንዝበሉ ሓሳባት እውን ከይተረፈ ትርጕም ብዚህብ መገዲ ኺገልጽ ምኽኣሉ ንብዙሓት ሰባት ይገርሞም እዩ።

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ጽሙማን ነቲ ኻብ ገጽ ሰብ ንላዕሊ ብዙሕ ነገራት ዚገልጽ ገጽ ኪርእይዎ ኽኢሎም እዮም። እወ፡ ብምሳልያዊ መገዲ ‘ንገጽ የሆዋ’ ርእዮምዎ እዮም። (ድጕ. 2:19) እዚ ብኣጋጣሚ ዝዀነ ኣይኰነን። ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ፡ የሆዋ ንጹሙማን ዓባይ ፍቕሪ ኣርእዩ እዩ። ኣብ ግዜ ጥንታውያን ህዝቢ እስራኤል እውን ከይተረፈ ኸምኡ ገይሩ እዩ። (ዘሌ. 19:14) ኣብዚ ግዜ እዚ እውን፡ እታ ንጽሙማን ዘላቶ ፍቕሪ ብግልጺ እያ እትርአ ዘላ። ፍቓድ ኣምላኽ፡ “ኵሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” እዩ። (1 ጢሞ. 2:4) ብዙሓት ጽሙማን ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጽ ቅኑዕ ፍልጠት ሓቂ ብምርካቦም ንገጹ ርእዮምዎ እዮም። ኪሰምዑ ዘይክእሉ ኽነሶም ነዚ ኺረኽቡ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧ ነዚ ሕቶ እዚ ቕድሚ ምምላስና፡ ምልክት ቋንቋ ንጽሙማን ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ ምዃኑ እስከ ንርአ።

ምርኣይ ምስማዕ እዩ

ብዛዕባ ጽሙማን ኰነ ብዛዕባ ቛንቋ ምልክት ብዙሕ ግጉይ ምርዳእ ኣሎ። ንገለ ኻብቲ ብዛዕባ ጽሙማን እቲ ሓቂ ዚገልጽ ጭብጥታት እስከ ንርአ። ጽሙማን ማኪና ኺዝውሩ ይኽእሉ እዮም። ከናፍር ብምንቅስቓስ ኣቢልካ ንዚግለጽ ሓሳባት ምርዳኡ ኣዝዩ ይኸብዶም እዩ። ቋንቋ ምልክት ምስ ብረይል ዋላ ሓንቲ ኣይራኸብን እዩ፡ ድምጺ ኣልቦ ተዋስኦ ጥራይ ድማ ኣይኰነን። ኵሉ ሰብ ዚጥቀመሉ ሓደ ዓይነት ቋንቋ ምልክት የለን። ብተወሳኺ፡ ጽሙማን ኣብ ከከባቢኦም ሓሳቦም ዚገልጹሉ እተፈላለየ ምልክታት ኣለዎም።

ጽሙማን ኬንብቡ ይኽእሉዶ፧ ገሊኦም ጽቡቕ ገይሮም ዜንብቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ መብዛሕትኦም ግን ምንባብ ይኸብዶም እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ብጽሑፍ እተጻሕፈ ነገራት ካብቲ ዚዝረብ ቋንቋ ዝመንጨወ እዩ። ሓደ ናይ ምስማዕ ክእለት ዘለዎ ቘልዓ ብኸመይ ቋንቋ ኸም ዚመሃር እስከ ንርአ። ካብታ እተወልደላ እዋን ኣትሒዙ፡ በቶም ናይ ከባቢኡ ቛንቋ ዚዛረቡ ሰባት ተኸቢቡ እዩ ዚዓቢ። ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን፡ ቃላት እናኣለጋገበ ምሉእ ሓሳብ ኪሰርሕ ይኽእል እዩ። እዚ ነቲ ዚዝረብ ቋንቋ ብምስማዕ ጥራይ ዚረኽቦ እዩ። ስለዚ፡ ናይ ምስማዕ ክእለት ዘለዎም ቈልዑ ኼንብቡ ምስ ዚጅምሩ፡ እቲ ዜንብብዎ ቓላት ምስ ኣየናይ ብዘረባ ጥራይ ዚፈልጥዎ ድምጽን ቃልን ከም ዚመሳሰል ኪፈልጡ ጥራይ እዩ ዜድልዮም።

ኣብ ሓንቲ ወጻኢ ሃገር፡ ድምጺ ኣብ ዘየሕልፍ ብመስትያት እተሰርሐ ኽፍሊ ኸም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ዚዝረብ ቋንቋ ፈጺምካ ሰሚዕካዮ ኣይትፈልጥን ኢኻ። ደቂ እታ ዓዲ ኻብቲ መስትያት ወጻኢ ዀይኖም ኬዘራርቡኻ ይፍትኑ። እንታይ ከም ዚብሉ ኣይትሰምዖምን ኢኻ። ከናፍሮም ኪንቀሳቐስ ከሎ ጥራይ ኢኻ እትርኢ። ነቲ ዝብልዎ ኸም ዘይተረዳእካዮ ስለ እተገንዘቡ፡ ነቲ ዚዛረብዎ ኣብ ንእሽቶ ወረቐት ጽሒፎም በቲ መስትያት የርእዩኻ። ነቲ ዝጸሓፍዎ ትርድኦ ኢኻ ኢሎም እዮም ዚሓስቡ። እሞኸ ኽትርድኦ ምኸኣልካዶ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ምርድዳእ ኣጸጋሚ ዀይኑ ኢኻ እትረኽቦ። ስለምንታይ፧ እቲ ጽሑፍ ነቲ ኺዝረብ ሰሚዕካዮ ዘይትፈልጥ ቋንቋ ዜመልክት ስለ ዝዀነ እዩ። መብዛሕትኦም ጽሙማን እውን ከምዚ እዩ ዜጋጥሞም።

ቋንቋ ምልክት፡ ጽሙማን ኪረዳድኡሉ ዚኽእሉ ዝበለጸ መገዲ እዩ። ሓደ ሰብ፡ ብኣካላዊ ምንቅስቓስ ገይሩ ምልክታት ብምጥቃም ሓሳቡ ይገልጽ። እቲ ኣብ ገጹ ዚርአ መግለጽን ኣካላዊ ምንቅስቓስን ንሕጊ ሰዋስው ቋንቋ ምልክት ዚስዕብ እዩ። በዚ ኸምዚ ብምልክት ዚግለጽ ቋንቋ ይፍጠር፣ እዚ ኸኣ መልእኽቲ ብዓይኒ ኣቢሉ ኸም ዚመሓላለፍ ይገብር።

ሓደ ጽሙም ብኣእዳዉን ብኣካላቱን ብገጹን ገይሩ ዜርእዮ ዳርጋ ዅሉ ምልክታት ትርጕም ኣለዎ። ብገጹ ዜርእዮ መግለጺታት ንሰባት ንምምሳጥ ኢሉ ጥራይ ዚገብሮ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ኣብ ሰዋስው ቋንቋ ምልክት ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። ነዚ ንምብራህ፦ ሕቶ ኽትሓትት ከለኻ ንሸፋሽፍቲ ዓይኒ ንላዕሊ ሓፍ ምባል፡ እቲ ሕቶ መልሲ ምሃብ ዘየድልዮ ምዃኑ ወይ ከኣ ‘እወ’ ወይ ‘ኣይኰነን’ ጥራይ ኢልካ እትምልሶ ዓይነት ሕቶ ምዃኑ እዩ ዜመልክት። ንሸፋሽፍቲ ምትሓት ድማ፡ መን፡ እንታይ፡ ኣበይ፡ መዓስ፡ ስለምንታይ፡ ወይ ብኸመይ” ንዚብል ሕቶታት ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። እተወሰነ ናይ ኣፍ ምንቅስቓስ ብዛዕባ ግዝፊ ሓደ ነገር ወይ ዕምቈት ሓደ ተግባር ዚገልጽ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ጽሙም ንርእሱ፡ ንመንኩቡ፡ ንምጕርዕቱ፡ ንዓይኑ ዜንቀሳቕሰሉ መገዲ ምስቲ ዚመሓላለፍ ዘሎ ሓሳብ ብሓንሳእ ኰይኑ እተፈላለየ ትርጕም እዩ ዚህብ።

እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣካላዊ ምንቅስቓስ፡ እቲ መልእኽቲ ባህ ብዜብል መገዲ ኸም ዚመሓላለፍ ይገብር። ቋንቋ ምልክት ኣጸቢቖም ዚፈልጡ ጽሙማን፡ ነዚ እተፈላለየ መግለጺታት ዘለዎ ቛንቋ ተጠቒሞም፡ ግጥሚ ዀነ ተክኒካዊ ነገራት፡ ፍቕሪ ዀነ ዜስሕቕ ነገራት፡ ዚጭበጥ ኰነ ዘይጭበጥ ነገራት ኪገልጹ ይኽእሉ እዮም።

ብቛንቋ ምልክት ዚወጽእ ሕታማት ዘለዎ ጥቕሚ

ፍልጠት የሆዋ ብቛንቋ ምልክት ኪግለጽ ከሎ፡ ሓደ ጽሙም ነቲ መልእኽቲ ኺሰምዖን ንምንጪ እቲ መልእኽቲ ‘ኺኣምኖን’ ይኽእል እዩ። ስለዚ ኸኣ እዮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ጽሙማን ንምስባኽ ሓያል ጻዕሪ ዚገብሩን ንዕኦም ዚኸውን መሳለጥያታት ዜቕርቡን። (ሮሜ 10:14) ኣብዚ እዋን እዚ፡ 58 ጕጅለ ትርጕም ቋንቋታት ምልክት ኣለዋ፣ ኣብ ዲቪዲ ድማ ብ40 ቛንቋታት ምልክት እተፈላለየ ሕታማት ይወጽእ እዩ። እዚ ዅሉ ጻዕሪ እዚ ጽቡቕ ፍረ ኣፍርዩዶ፧

ጽሙማን ወለዲ ዘለውዎ ጀረሚ ኸምዚ በለ፦ “ኣቦይ ንሰዓታት ኣብ መደቀሲ ኽፍሉ ዀይኑ ኻብቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዚወጽእ ዓንቀጻት እተወሰነ ሕጡብ ጽሑፍ ኬንብብን ንኺርድኦ ኺጽዕርን ከሎ እዝክር እየ። ድሕሪኡ ኻብ ክፍሉ ሃንደበት ብምውጻእ ብቛንቋ ምልክት ገይሩ፡ ‘ተረዲአዮ፡ ተረዲአዮ’ ኢሉ ብታሕጓስ ገለጸለይ። ትርጕም እቲ ዘንበቦ ድማ ኪገልጸለይ ጀመረ። ኣብቲ እዋን እቲ ገና ወዲ 12 ዓመት እየ ነይረ። ነታ ሕጡብ ጽሑፍ ቀልጢፈ ብምንባብ፡ ‘ባባ፡ ከምኡ ኣይኰነን ዚብል ዘሎ። ከምዝን ከምዝን ማለት እዩ’ ኢለ ብምልክት ክገልጸሉ ኸለኹ፡ ስቕ ንኽብል ነገረኒ፣ እቲ ጽሑፍ እንታይ ይብል ከም ዘሎ ባዕሉ ንኺርድኦ ድማ ተመሊሱ ናብ ክፍሉ ኸደ። እቲ ኣብ ገጹ ዚንበብ ዝነበረ ናይ ጓሂ ስምዒትን ነቲ ናብ መደቀሲ ኽፍሉ እናተመልሰ ኽርእዮ ኸለኹ እተገረምክዎ ምግራምን ፈጺመ ኣይርስዖን እየ። ሎሚ ግን፡ ሳላ እቲ ብቛንቋ ምልክት ኣብ ዲቪዲ እተዳለወ ሕታማት ነቲ መልእኽቲ ብዝበለጸ መገዲ ንኺርዳእ ሓጊዝዎ እዩ። ብዛዕባ የሆዋ ዚስምዖ ስምዒት ኣብ ዚገልጸሉ እዋን ገጹ ብሓጐስ ኪበርህ ከሎ ምርኣይ ባህ እዩ ዚብለኒ።”

ምስ ሓንቲ ኣብ ቺለ እትነብር ሄስንያ ዝስማ ጽምምቲ ጓል እተዘራረቡ ሰብ ሓዳር ዘጋጠሞም ተመክሮ እውን እስከ ንርአ። ነታ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ዘርእስታ ብቛንቋ ምልክት ቺለ እተዳለወት ዲቪዲ ኼርእይዋ ኣዲኣ ምስ ፈቐደትሎም ብዛዕባ ዘጋጠመ ኺገልጹ ኸለዉ ኸምዚ በሉ፦ “ሄስንያ ነቲ ዛንታታት ምስ ረኣየቶ፡ ክትስሕቕ ጀመረት፡ ድሕሪኡ ኸኣ በኸየት። ኣዲኣ ስለምንታይ ከም ዝነብዐት ምስ ሓተተታ፡ ነቲ ዝረኣየቶ ስለ ዝፈተወቶ ምዃኑ ነገረታ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣዲኣ፡ ሄስንያ ነቲ ኣብ ዲቪዲ ዝረኣየቶ ዅሉ ኽትርድኦ ኸም ዝኸኣለት ኣስተውዓለት።”

ኣብ ከባቢ ገጠር ቨነዝወላ እትነብር ጽምምቲ ሰበይቲ፡ ሓንቲ ቘልዓ ነበረታ፣ ጥንስቲ ኸኣ ነበረት። ንሳን ሰብኣያን ብሰንኪ ቝጠባዊ ዅነታት ካልእ ቈልዓ ኼዕብዩ ኸም ዘይክእሉ ስለ እተሰምዖም፡ ነቲ ጥንሲ ኺሰድዎ ሓሰቡ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በጽሕዎም፣ ከም ኣጋጣሚ ኸኣ ኣብታ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ ዘርእስታ ብቛንቋ ምልክት ቨነዝወላ እተዳለወት ዲቪዲ፡ ትምህርቲ 12 ኣርኣይዎም። ትምህርቲ 12፡ ኣምላኽ ንምንጻል ጥንስን ንቕትለትን ዘለዎ ኣረኣእያ እያ እትገልጽ። ድሕሪ ግዜ፡ እታ ሰበይቲ ነታ ትምህርቲ ስለ ዘጽንዐት መማሰዊት ከም ዝዀነት ተዛረበት። በዚ ምኽንያት እዚ ነቲ ጥንሲ ኸይሰድዎ ኸም ዝወሰኑ ገለጸት። ሳላ እቲ ብቛንቋ ምልክት እተዳለወ ዲቪዲ፡ ህይወት ኪድሕን ከኣለ።

ሎሬን ዝስማ ጽምምቲ ናይ የሆዋ ምስክር፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ንኽመሃር ኣዝዩ ኸቢዱኒ ነበረ። ምሉእ ብምሉእ ክርድኦ ኣይከኣልኩን። ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ ምልክት ኪርከብ ምስ ተኻእለ ግን ዝያዳ ምርዳእ ረኸብኩ” በለት። ናይ የሆዋ ምስክር ካብ ዚኸውን 38 ዓመት ዝገበረ ጆርጅ ዝስሙ ጽሙም፡ “ንዝዀነ ይኹን ነገር ባዕልኻ ኽትርድኦ ምኽኣል ንርእስኻ ግቡእ ኣኽብሮትን ምትእምማንን ኪህልወካ ኸም ዚገብር ዜተሓታትት ኣይኰነን። እቲ ብቋንቋ ምልክት እተዳለወ ዲቪዲታት ኣብ መንፈሳዊ ዕቤተይ ዓብዪ ጽልዋ ኸም ዝነበሮ እኣምን እየ” በለ።

“ብቛንቋይ ዚግበር ኣኼባ”

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሕታማት ቋንቋ ምልክት ኣብ ርእሲ ምድላዎም ምሉእ ኣኼባ ብቛንቋ ምልክት ዚምርሓለን ጉባኤታት እውን ወዲቦም እዮም። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 1,100 ጉባኤታት ቋንቋ ምልክት ኣለዋ። ኣብተን ጉባኤታት ብቛንቋኦም እዮም ዚዛረቡ፡ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ በቲ ንጽሙማን ዚርድኦም መገዲ፡ ማለት ብቛንቋኦም ይመሓላለፍ። እቲ መልእኽቲ ንባህሎምን ንተመክሮኦምን ብዜኽብር መገዲ እዩ ዚመሓላለፍ።

ጉባኤታት ቋንቋ ምልክት ምምስራተን ጥቕሚ ኣለዎዶ፧ ንተመክሮ እቲ ብ1955 እተጠምቀ ሲሪል ዚበሃል ናይ የሆዋ ምስክር እስከ ንርአ። ንብዙሕ ዓመታት ብእተኻእሎ መጠን ነቲ ኣብ ወረቐት እተጻሕፈ ጽሑፋት የጽንዕን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብስሩዕ ይካፈልን ነበረ። ሓድሓደ እዋን ናብ ቋንቋ ምልክት ዚትርጕመሉ ሰብ ይረክብ ነበረ። ተርጓሚ ኣብ ዘይረኽበሉ እዋን ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብፍቕሪ ተደሪኾም ብዛዕባ እቲ ኣብ መድረኽ ዚበሃል ዘሎ ነገር ኣብ ወረቐት ጽሒፎም ብምሃብ ኪሕግዝዎ ይጽዕሩ ነበሩ። ቅድሚ እታ ብ1989 ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እተመስረተት ጉባኤ ቛንቋ ምልክት ካልእ ጉባኤ ኣይነበረትን፣ ኣብቲ እዋን እቲ ኸኣ ሲሪል ካብ ዚጥመቕ 34 ዓመት ገይሩ ነበረ። ኣባል እታ ጉባኤ ምስ ኰነ እንታይ ተሰምዖ፧ “ብቛንቋይ ዚግበር ኣኼባ ምስ ረኸብኩ፡ ልክዕ ካብ ዱር ወይ ካብ ገለርያ ኸም ዝወጻእኩ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ” በለ።

ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚዳሎ ጉባኤታት ቋንቋ ምልክት፡ ጽሙማን ብሓባር ኣዘውቲሮም ብዛዕባ ኣምላኽ ዚመሃሩሉን ንዕኡ ዜምልኹሉን ቦታ እዩ። ህዝቢ ኣምላኽ ርክቦም ዜደልድሉሉን ዚተሃናነጹሉን ቦታ እውን እዩ። ጉባኤታት ካብቲ ጽሙማን ብቛንቋ ዀነ ብማሕበራዊ ጕዳያት ዚግለሉሉ ዓለም ብእተፈልየ መገዲ፡ ምርድዳእን ምሕዝነትን ዚርከቦ ቦታ እዩ። ኣብዚ ቦታ እዚ፡ ኪመሃሩን መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብሩን ንየሆዋ ዜቕርብዎ ኣገልግሎት ኬስፍሑን ይኽእሉ እዮም። ብዙሓት ጽሙማን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውያን ኰይኖም ኬገልግሉ ኽኢሎም እዮም። ገሊኦም ከኣ ንኻልኦት ጽሙማን ብዛዕባ የሆዋ ምእንቲ ኺምህርዎም ናብ ካልኦት ሃገራት ግዒዞም እዮም። ጽሙማን ዝዀኑ ክርስትያን ሰብኡት ብኸመይ ንፉዓት መምህራንን ወደብትን ጓሶትን ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ስለ እተማህሩ፡ ብዙሓት ካብኦም ናይ ጉባኤ ሓላፍነታት ንምስካም ብቑዓት ኪዀኑ ኽኢሎም እዮም።

ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ልዕሊ 100 ጉባኤታትን 80 ጕጅለታትን ቋንቋ ምልክት ኣለዋ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ብራዚል ዳርጋ 300 ዝዀና ጉባኤታትን ልዕሊ 400 ጕጅለታትን፡ ኣብ መክሲኮ ዳርጋ 300 ጉባኤታት ኣብ ሩስያ ድማ ልዕሊ 30 ጉባኤታትን 113 ጕጅለታትን ኣለዋ። እዚ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከብ ዘሎ ዕቤት ዜርኢ ሒደት ኣብነት ጥራይ እዩ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብቛንቋ ምልክት እውን ዓበይቲ ኣኼባታት ይገብሩ እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ መላእ ዓለም ብእተፈላለየ ቛንቋታት ምልክት ልዕሊ 120 ዓበይቲ ኣኼባታት ተገይሩ እዩ። እዚ ኣጋጣሚታት እዚ፡ ጽሙማን ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልክዕ ከምቶም ካልኦት ክርስትያናት ኣሕዋቶም ካብቲ እዋናዊ ዝዀነ መንፈሳዊ ምግቢ ተጠቀምቲ ኸም ዝዀኑ ንኺርእዩ ኣኽኢልዎም እዩ።

ናይ የሆዋ ምስክር ካብ ዚኸውን ልዕሊ 25 ዓመት ዝገበረ ልዮናርድ ዝስሙ ጽሙም ከምዚ በለ፦ “የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ወትሩ እፈልጥ እየ። ኰይኑ ግን፡ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደሉ ምኽንያት ፈጺሙ ኽርድኣኒ ኣይከኣለን። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ሓድሓደ እዋን ብኣምላኽ እጕሂ ነበርኩ። ብቛንቋ ምልክት ኣብ እተኻየደ ኣኼባ ኣውራጃ ኻብ እተዋህበት ሓንቲ መደረ፡ ኣምላኽ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደሉ ምኽንያት ተረዳእኩ። እታ መደረ ምስ ተወድአት፡ ሰበይተይ ብዅርናዕ ኢዳ ብምትንካፍ፡ ‘ተመሊሱልካዶ፧’ ኢላ ሓተተትኒ። ብሓቂ ‘እወ’ ኽብል እኽእል እየ። ኣብቲ ዝሓለፈ 25 ዓመት ንየሆዋ ብዘይምሕዳገይ ባህ እዩ ኢሉኒ። ኵሉ ግዜ አፍቅሮ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ብዛዕባኡ ግን ምሉእ ምርዳእ ኣይነበረንን። ሎሚ ግን ክርድኦ ኽኢለ እየ።”

ካብ ልቢ ምምሳው

ጽሙማን ብዛዕባ የሆዋ ምስ ተመሃሩ ኣብ ገጹ ዚርእይዎ “መግለጺ” እንታይ እዩ፧ ፍቕሪ፡ ድንጋጽ፡ ፍትሒ፡ ተኣማንነት፡ ሳህሊ ኸምኡውን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት እዮም ዚርእዩ።

ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ጽሙማን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንገጽ የሆዋ ይርእይዎ ኣለዉ፣ ንቐጻሊ እውን ብዝያዳ ኺርእይዎ እዮም። የሆዋ ኻብ ልቡ ስለ ዜፍቅሮም፡ ‘ገጹ ኣብርሃሎም።’ (ዘሁ. 6:25) እዞም ጽሙማን ንየሆዋ ኺፈልጥዎ ብምኽኣሎም ማዕረ ኽንደይ መማሰውቲ ዀን እዮም!

[ኣብ ገጽ 25,25 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 1,100 ጉባኤታት ቋንቋ ምልክት ኣለዋ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ንጽሙማን ገጹ ኣብርሃሎም