ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሃይማኖት ናተይ ምርጫ ድዩ ወይስ ናይ ወለደይ፧

ሃይማኖት ናተይ ምርጫ ድዩ ወይስ ናይ ወለደይ፧

ሃይማኖት ናተይ ምርጫ ድዩ ወይስ ናይ ወለደይ፧

ኣብ ፖላንድ ዚነብሩ ሓያሎ ሰባት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ “ኣብዚ ሃይማኖት እዚ እየ ተወሊደ፡ ክሳዕ ዝመውት ከኣ ኣይሓድጎን እየ” ይብልዎም። ብኣረኣእያ እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ሃይማኖት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እዩ ዚመሓላለፍ። ኣብ ከባቢኻኸ ብዛዕባ ሃይማኖት ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ድዩ ዘሎ፧ ከምዚ ዓይነት ኣመለኻኽታ እንታይ ውጽኢት እዩ ዘለዎ፧ ሃይማኖት ንማለቱ ጥራይ ዚግበርን ካብ ስድራ ቤትካ ብውርሲ እትረኽቦን ከም ዚኸውን እዩ ዚገብር። ነቶም ካብ ወለዶም ወይ ካብ ኣቦሓጎታቶም ዜደንቕ መንፈሳዊ ውርሻ እተቐበሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ ኼጋጥሞም ይኽእልዶ፧

ጢሞቴዎስ፡ በተን ውፉያት ዝነበራ ኣዲኡን ዓባዩን ኣቢሉ ሳላ ዝረኸቦ መምርሒ፡ ኣብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እምነት ኬሕድርን ኬፍቅሮን ስለ ዝኸኣለ፡ ከምዚ ኣየጋጠሞን። ‘ካብ ቍልዕነቱ ጀሚሩ’ ንቕዱሳት ጽሑፋት ይፈልጦ ነበረ። ድሕሪ ግዜ፡ ንሱ ዀነ ኣዲኡን ዓባዩን ክርስትና ሓቂ ምዃኑ ኣመኑሉ። ነቲ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ እተማህሮ ነገራት ‘ይርድኦ’ ወይ ይኣምነሉ ነበረ። (2 ጢሞ. 1:5፣ 3:14, 15) ስለዚ፡ ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ወለዲ፡ ደቆም ኣገልገልቲ የሆዋ ኪዀኑ ዝከኣሎም እኳ እንተ ገበሩ፡ እቶም ውሉዳት እውን ንየሆዋ ናይ ምግልጋል ባህጊ ኺህልዎም ኣለዎ።—ማር. 8:34

ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ዝመጸ ይምጻእ ብዘየገድስ፡ ብፍቕሪ ተደሪኹ ንየሆዋ ኼገልግሎን ንጽህናኡ ኺሕሉን እንተ ዀይኑ ተረዲኡ ኺኣምን ኣለዎ። ሽዑ እምነቱ ድልድልትን ሱር ዝሰደደትን ትኸውን።—ኤፌ. 3:17፣ ቈሎ. 2:6, 7

ውሉዳት ዘለዎም ግደ

ኣብ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነት ስድራ ቤት ዝዓበየ ኣልበርት፡ * “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ሓቂ ሃይማኖት ከም ዚስዕቡ እኣምን እየ። ብኸመይ ክነብር ከም ዘሎኒ ንዚገልጽዎ ነገር ምቕባል ግን ኣዝዩ ይኸብደኒ ነበረ” በለ። መንእሰይ እንተ ዄንካ፡ ንስኻ እውን ከምዚ ይስምዓካ ይኸውን። እቲ ኣምላኽ ክንስዕቦ ዚደልየና መገዲ ህይወት እንታይ ከም ዜጠቓልል ንምፍላጥ ንምንታይ ጻዕሪ ዘይትገብር፧ ድሕሪኡ፡ ፍቓዱ ብምግባር ባህ ኪብለካ እዩ። (መዝ. 40:8) ኣልበርት ከምዚ በለ፦ “ክጽሊ ጀመርኩ። ኣብ ፈለማ ኸቢዱኒ እኳ እንተ ነበረ፡ ገዛእ ርእሰይ ከገድድ ነበረኒ። ይኹን እምበር፡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ጻዕሪ እንተ ገይረ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ክኸውን ከም ዝኽእል ሓሰብኩ። እዚ ኸኣ ኣድላዪ ለውጢ ንኽገብር ብርታዐ ሃበኒ።” እወ፡ ምስ የሆዋ ብሕታዊ ርክብ ብምምስራት፡ ነቲ ኸነማልኦ ዚደልየና ብቕዓት ናይ ምፍጻም ባህጊ ኸተማዕብል ትኽእል ኢኻ።—መዝ. 25:14፣ ያእ. 4:8

ብዛዕባ ሓደ ዜሐጕሰካ ዓይነት ጸወታ ወይ ስፖርት እሞ ሕሰብ። ነቲ ሕግታት ዘይትፈልጦ ወይ ጽቡቕ ጌርካ ኽትጻወት ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፡ ኣዝዩ ዜሰልኪ እዩ ዚዀነካ። ነቲ ሕግታት እንተ ፈሊጥካዮን ብጽቡቕ ትጻወት እንተ ዄንካን ግን፡ ነቲ ጸወታ ብሃንቀውታ ደይኰንካን እትጽበዮ፧ ክርስትያናዊ ንጥፈታት እውን ተመሳሳሊ እዩ። ስለዚ፡ ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ንምድላው ተበግሶ ውሰድ። ተሳትፎ ድማ ግበር። ከምዚ እንተ ጌርካ፡ ዕድሜኻ ብዘየገድስ፡ በቲ እተርእዮ ኣብነት ንኻልኦት ከተተባብዖም ትኽእል ኢኻ።—እብ. 10:24, 25

ንኻልኦት ብዛዕባ እምነትካ ኽትነግሮም ከለኻ እውን እንተ ዀነ፡ ተገዲድካ ዘይኰነስ፡ ካብ ፍቕሪ ተበጊስካ ኪኸውን ኣለዎ። ‘ንኻልኦት ብዛዕባ የሆዋ ኽነግሮም ዘሎኒ ስለምንታይ እየ፧ ስለምንታይ እየኸ ንየሆዋ ዘፍቅሮ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ንየሆዋ ኸም ፈቃር ኣቦ ጌርካ ኽትርእዮ ኣሎካ። ንሱ ብኤርምያስ ኣቢሉ፡ “ብምሉእ ልብኹም እንተ ደሌኹምንስ፡ ክትደልዩኒ ኽትረኽቡኒውን ኢኹም” በለ። (ኤር. 29:13, 14) እዚ ነጥቢ እዚ፡ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ዚሕብር እዩ። ያኩብ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣተሓሳስባይ ክቕይር ነበረኒ። ካብ ቍልዕነተይ ኣትሒዘ ናብ ኣኼባታት እኸይድን ኣብ ኣገልግሎት እካፈልን እኳ እንተ ነበርኩ፡ እዚ ንጥፈታት እዚ ግን ዜሰልኪ ዀይኑ ይስምዓኒ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ምስ ፈለጥክዎን ምስኡ ብሕታዊ ርክብ ምስ ኣማዕበልኩን ኣብዚ ንጥፈታት እዚ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ኣሕደርኩ” በለ።

ብኣገልግሎትካ ንኽትሕጐስ፡ ጽቡቕን ሃናጽን ዕርክነት ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን” ዚብል መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምሳሌ ኣሎ። (ምሳ. 13:20) ስለዚ፡ ምስቶም መንፈሳዊ ሸቶታት ዘለዎምን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ሕጉሳት ዝዀኑን ሰባት ዕርክነት መስርት። ዮላ ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “እቲ ምስ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም መንእሰያት ዝመስረትክዎ ዕርክነት፡ ዜተባብዕ ኰይኑ እየ ረኺበዮ። ኵሉ ግዜ ባህ ኢሉኒ እየ ኣብ ኣገልግሎት ዝካፈል” በለት።

ወለዲ ዘለዎም ግደ

ዮላ፡ “ወለደይ ብዛዕባ የሆዋ ስለ ዝመሃሩኒ ኣዝየ እየ ዘመስግኖም” በለት። እወ፡ ወለዲ ኣብ ምርጫ ደቆም ሓያል ጽልዋ ኺህልዎም ይኽእል እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም” ኢሉ ጸሓፈ። (ኤፌ. 6:4) እዚ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምኽሪ እዚ፡ ወለዲ ንደቆም ናይ ገዛእ ርእሶም መገድታት ዘይኰነስ፡ መገድታት የሆዋ ኣብ ምምሃር ዘለዎም ግደ ብንጹር ዚሕብር እዩ። ነቲ ንስኻ ኸተስልጦ እትደሊ ዝነበርካ ኣብ ክንዲ እተስርጸሎም፡ ምስ ዕላማ የሆዋ ተሰማሚዕካ ምንባር ሸቶኦም ኪገብርዎ እንተ ትሕግዞም ክሳዕ ክንደይ ዝሓሸ ዀን እዩ!

ንቓል የሆዋ ኣብ ልቢ ደቅኻ ምእንቲ ኸተስርጾ፡ “ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ።” (ዘዳ. 6:6, 7) ሰለስተ ውሉዳት ዘለውዎም ኢቫን ሪሻርድን፡ “ብዛዕባ እተፈላለየ መዳያት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብዙሕ ንዛረብ ነበርና” በሉ። እዚኸ እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧ እቶም ወለዲ ብዛዕባ እዚ ኺገልጹ ኸለዉ፡ “ደቅና ገና ብቝልዕነቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ኪምዝገቡ ደለዩ፣ ጸኒሖም ኣስፋሕቲ ኰኑ፡ ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ንኺጥመቑ ባዕሎም ወሰኑ። ድሕሪ ግዜ፡ ኵሎም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመሩ” በሉ።

ወለዲ ዜርእይዎ ሰናይ ኣብነት ኣገዳሲ እዩ። ሪሻርድ፡ “ኣብ ቤትን ኣብ ጉባኤን እንገብሮ ነገራት እተፈላለየ ኸይከውን፡ በዚ ኸምዚ ድማ ክልተ ዓይነት ህይወት ከይንመርሕ ንጥንቀቕ ነበርና” በለ። ስለዚ፡ ከምዚ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት፦ ‘ደቀይ ኣብ ናብራይ እንታይ እዮም ዚርእዩ፧ ንየሆዋ ብሓቂ ኸም ዘፍቅሮ ይርእዩ ድዮም፧ ነዛ ፍቕሪ እዚኣ ኣብ ጸሎተይ፡ ኣብ ልማድ ብሕቲ መጽናዕተይ፡ ኣብቲ ንኣገልግሎትን ንመዘናግዕን ንስጋዊ ነገራትን ዘሎኒ ኣረኣእያ፡ ከምኡውን ብዛዕባ ኻልኦት ኣባላት እታ ጉባኤ ኣብ ዝዛረበሉ እዋን ይርእይዋ ድዮም፧’ (ሉቃ. 6:40) ውሉዳት ንመዓልታዊ ህይወትካ ርእዮም፡ ኣብ መንጎ እቲ እትብሎን እትገብሮን ነገራት ፍልልይ እንተ ኣልዩ የስተብህሉ እዮም።

ተግሳጽ፡ ውሉዳት ኣብ ምዕባይ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። ይኹን እምበር፡ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ፡ “ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ” ይብል። (ምሳ. 22:6) ኢቫን ሪሻርድን፡ “ምስ ነፍሲ ወከፎም ደቅና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ግዜ መደብና” በሉ። ሓቂ እዩ፡ ንነፍሲ ወከፍ ቈልዓ መጽናዕቲ ኺምርሓሉ እንተ ዀይኑ ዚውስኑ ወለዲ እዮም። ዝዀነ ዀይኑ ግን፡ ሓደ ቘልዓ ልክዕ ከም ሓደ ውልቀ-ሰብ ኣኽቢርካ ኽርአ ኣለዎ። እዚ ኸኣ ምትዕጽጻፍን ርትዓውነትን ዚሓትት እዩ። ንኣብነት፡ ንደቅኻ ገሊኡ ሙዚቃ ሕማቕ ምዃኑ ኣብ ክንዲ እትነግሮም፡ ከመይ ገይሮም ጥበባዊ ውሳነ ኺገብሩ ኸም ዚኽእሉን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እንታይ ከም ዚብልን ንምንታይ ዘይተርእዮም፧

ደቅኻ እንታይ ኪገብሩ ኸም እትጽበዮም ብልክዕ ስለ ዚፈልጡ፡ ምስቲ ንስኻ እትደልዮ ተሰማሚዖም ዚመላለሱ ዘለዉ ኺመስሉ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ልቦም ክትትንክፎም ኣሎካ። ነቲ “ምኽሪ ኣብ ልቢ ሰብ ከም ጥልቂ ማይ እዩ፡ ብዓል ኣእምሮ ግና ይቐድሖ” ዚብል ሓሳብ ዘክሮ። (ምሳ. 20:5) መስተውዓሊ ኹን፣ ነቲ ናብ ልቢ ውሉድካ ሰላሕ ኢሉ ኺኣቱ ዚኽእል ጸገማት ኣለልዮ፡ ቀልጢፍካ ኸኣ ስጕምቲ ውሰድ። ዝዀነ ይኹን ወቐሳ ኸየቕረብካ፡ እቲ ጕዳይ ከም ዘተሓሳሰበካ ኣርኢ፡ ግቡእ ሕቶታት ድማ ሕተት። ኰይኑ ግን፡ ኣዝዩ ብዙሕ ሕቶታት ከይትሓትት ተጠንቀቕ። እቲ ኻብ ልቢ ዝነቐለ ተገዳስነትካ ንልቦም ኪትንክፎ እዩ፡ ንኽትድግፎም ከኣ ኪሕግዘካ እዩ።

እታ ጉባኤ ዘለዋ ግደ

ከም ኣገልጋሊ ኣምላኽ መጠን፡ እቶም ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ መንእሰያት ነቲ ዝረኸብዎ መንፈሳዊ ውርሻ ንኼማስዉሉ ኽትሕግዞም ትኽእልዶ፧ ወለዲ ንደቆም ናይ ምስልጣን ሓላፍነት እኳ እንተ ኣለዎም፡ ካልኦት ኣባላት ጉባኤ፡ ብሕልፊ ኸኣ ሽማግለታት ኣብቲ ዚገብርዎ ጻዕሪ ኺሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም። ብፍላይ ከኣ ነቶም ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ስድራ ቤት ዚነብሩ መንእሰያት ምሕጋዝ ኣገዳሲ እዩ።

መንእሰያት ንየሆዋ ኼፍቅርዎ ንምሕጋዝን ተደለይቲ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም ንምግባርን ሽማግለታት እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ ኣብ ፖላንድ ኣብ እትርከብ ጉባኤ ሓላዊ ዀይኑ ዜገልግል ማርዩሽ፡ “ሽማግለታት ምስ መንእሰያት ብተደጋጋሚ ኺዘራረቡ ኣለዎም። ነዚ ግን ጸገማት ኬጋጥም ከሎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት፡ ማለት ኣብ ኣገልግሎት፡ ድሕሪ ኣኼባታት፡ ወይ ሻሂ እናሰተዩ እውን ከምኡ ኺገብሩ ኣለዎም” በለ። መንእሰያት ብዛዕባ እታ ጉባኤ እንታይ ከም ዚስምዖም ስለምንታይ ዘይትሓቶም፧ ብግህዶ ሓሳቦም ኪገልጹ ኸለዉ፡ ናብታ ጉባኤ ብዝያዳ ኸም ዚቐርቡን ሓደ ኽፋል እታ ጉባኤ ዀይኑ ኸም ዚስምዖምን እዩ ዚገብር።

ሽማግለ እንተ ዄንካ፡ ነቶም ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ መንእሰያት ትፈልጦምዶ፧ እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣልበርት፡ ኣብዚ እዋን እዚ ሽማግለ ዀይኑ የገልግል እኳ እንተሎ፡ ኣብ ግዜ ብጽሕና እተፈላለየ ፈተናታት ኣሕሊፉ እዩ። “ከም መንእሰይ መጠን፡ ብብሕተይ ጕስነት የድልየኒ ነበረ” ድማ በለ። ሽማግለታት ብዛዕባ መንፈሳዊ ድሕንነት መንእሰያት ብምጽላይ እውን ከም ዚግደሱሎም ኬርእዩ ይኽእሉ እዮም።—2 ጢሞ. 1:3

መንእሰያት ኣብ ንጥፈታት እታ ጉባኤ ኺካፈሉ ኣለዎም። እንተ ዘይኰይኑ፡ ዓለማዊ ሸቶታት ኣብ ምስዓብ ከተኵሩ እዮም። እሞኸ ኣቱም ዓበይቲ፡ ምስ መንእሰያት ኣብ ኣገልግሎት ክትካፈሉን ፈታዊኦም ክትኰኑን ትኽእሉዶ፧ እምነትን ዕርክነትን ዘለዎ ሃዋህው ብምፍጣር፡ ነቲ ናይ ዕረፍቲ ግዜኻ ምስኦም ኣሕልፎ። ዮላ፡ “ሓንቲ ፈላሚት ዝዀነት ሓብቲ ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኣየትኒ። ምስኣ እየ ንፈለማ እዋን ሰጋእ መጋእ ከይበልኩ ናብ ኣገልግሎት ከይደ” በለት።

ብሕታዊ ምርጫኻ

ኣቱም መንእሰያት፡ ‘ሸቶታተይ እንታይ እዩ፧ ዘይተጠመቕኩ እንተ ዀይነ፡ ንኽጥመቕ ሸቶ ኣሎኒዶ፧’ ኢልኩም ንርእስኹም ሕተቱ። እቲ ንኽትጥመቑ እትገብርዎ ውሳነ፡ ነቲ ኻብ ስድራ ቤትኩም ዝረኸብኩምዎ ሃይማኖት ግዴታ ተሰሚዕኩም ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ኻብ ዘለኩም ልባዊ ፍቕሪ ዝመንጨወ ኪኸውን ኣለዎ።

የሆዋ ዓርክኻ ኪኸውን፡ ሓቂ ኸኣ መዝገብ ክትኰነልካ ንምነየልካ። የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ፡ “ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትሸበር” በለ። ዓርኪ ኣምላኽ ክሳዕ ዝዀንካ፡ የሆዋ ምሳኻ ኪኸውን እዩ። እወ፡ ኬበርትዓካን ‘ብየማነይቲ ኢድ ጽድቁ ኺድግፈካን እዩ።’—ኢሳ. 41:10

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 6 ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ልቢ ውሉድካ እንታይ ከም ዘሎ ኽትፈልጥ ጽዓር

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ንኽትጥመቕ እትገብሮ ውሳነ፡ ንየሆዋ ኻብ ዘሎካ ልባዊ ፍቕሪ ይምንጭው