ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓሳብ ክርስቶስ ይሃልኹም

ሓሳብ ክርስቶስ ይሃልኹም

ሓሳብ ክርስቶስ ይሃልኹም

“ከምቲ ናይ ክርስቶስ የሱስ ጌርኩም፡ ሓደ ሓሳብ ክትሐስቡ ይሀብኩም።” —ሮሜ 15:5

1. ንሓሳብ ክርስቶስ ክንቀድሖ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

 የሱስ ክርስቶስ፡ “ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት . . . እዩ እሞ፡ . . . ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም” በለ። (ማቴ. 11:28, 29) እዚ ምዉቕ ዕድመ እዚ፡ ነቲ ፍቕሪ ዝመልኦ ሓሳብ ክርስቶስ ዜርኢ እዩ። ክንስዕቦ ዚግባእ ካብ የሱስ ዚበልጽ ዋላ ሓደ ሰብ የለን። ሓያል ወዲ ኣምላኽ እኳ እንተ ዀነ፡ ብፍላይ ነቶም መከራ ዜሕልፉ ዝነበሩ ሰባት ድንጋጽን ሕያውነትን ኣርኣዮም።

2. ነየናይ ባህርያት የሱስ ኢና ኽንምርምር፧

2 ኣብዚኣን ኣብተን ቀጺለን ዘለዋ ኽልተ ዓንቀጻትን፡ ብኸመይ “ሓሳብ ክርስቶስ” ከነማዕብልን ክንዕቅብን ከም እንኽእል፡ ከምኡውን ብኸመይ ነዚ ኣብ ህይወትና ኸነንጸባርቖ ኸም እንኽእል ክንምርምር ኢና። (1 ቈረ. 2:16) ብቐንዱ ኣብ ሓሙሽተ መዳያት፡ ማለት ኣብቲ የሱስ ዘርኣዮ ለውሃትን ትሕትናን፡ ኣብ ሕያውነቱ፡ ንኣምላኽ ኣብ ዝነበሮ ተኣዛዝነት፡ ኣብ ትብዓቱ፡ ከምኡውን ኣብታ ዘይተቋርጽ ፍቕሩ ኸነተኵር ኢና።

ካብ ለውሃት ክርስቶስ ተምሃሩ

3. (ሀ) የሱስ ንትሕትና ዚምልከት ከመይ ዝበለ ትምህርቲ እዩ ንደቀ መዛሙርቱ ምሂርዎም፧ (ለ) ደቀ መዛሙርቱ ድኽመታት ምስ ኣርኣዩ፡ የሱስ እንታይ ምላሽ ሃበ፧

3 እቲ ፍጹም ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ፡ ኣብ መንጎ ዘይፍጹማትን ሓጢኣተኛታትን ሰባት ኬገልግል ብፍታው ናብ ምድሪ መጸ። ኣብ መንጎ እቶም ጸኒሖም ዚቐትልዎ ሰባት እውን ሓጐሱ ዓቂቡን ርእሱ ገቲኡን ይነብር ነበረ። (1 ጴጥ. 2:21-23) ናብቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ‘ንጥምት’ እንተ ዄንና፡ ንሕና እውን ናይ ካልኦት ሰባት ጌጋታትን ዘይፍጽምናን ኪጐድኣና ኸሎ፡ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ንኽንገብር ኪሕግዘና እዩ። (እብ. 12:2) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ‘ምስኡ ዀይኖም ጾሩ ኺጾሩን’ ካብኡ ኺመሃሩን ዕድመ ኣቕረበሎም። (ማቴ. 11:29) እንታይ እዮም ኪመሃሩ ዚኽእሉ ነይሮም፧ ብቐዳምነት፡ የሱስ ለዋህ እዩ ነይሩ፣ ደቀ መዛሙርቱ ጌጋታት እናገበሩ ኽነሶም እውን ከይተረፈ፡ ይዕገሶም ነበረ። ኣብታ ቕድሚ ሙማቱ ዝነበረት ምሸት፡ ኣእጋሮም ሓጸበ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ኪርስዕዎ ዘይክእሉ ‘ንትሕትና’ ዚምልከት ትምህርቲ መሃሮም። (ዮሃንስ 13:14-17 ኣንብብ።) ጸኒሑ፡ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ከምቲ የሱስ ዝበሎም ‘ክነቕሑ’ እኳ እንተ ዘይከኣሉ፡ ብሕያውነት ነቲ ዝነበሮም ድኽመታት ኣፍልጦ ሃበሉ። “ስምኦን፡ ደቂስካዶ፧ . . . ናብ ፈተና ኸይትአትዉ፡ ንቕሑ ጸልዩውን። መንፈስሲ ተዳልዩ አሎ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ” ድማ በሎም።—ማር. 14:32-38

4, 5. እቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት፡ ንጕድለታት ካልኦት ሰባት ክንጻወሮ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

4 ሓደ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይካ፡ ህልኸኛን ብቐሊሉ ዚቕየምን ነቲ ኻብ ሽማግለታት ወይ ካብ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዚወሃቦ ምኽሪ ብቕልጡፍ ዘይዓየሉን እንተ ዚኸውን እንታይ ምገበርካ፧ (ማቴ. 24:45-47) ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ስጋዊ ባህርያት ዕሽሽ ኢልካ ትሓልፎ እኳ እንተ ዀንካ፡ እዚ ዘይፍጽምና እዚ ኣብ ኣሕዋትና ኺርአ ኸሎ ግን ፈታኒ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካልኦት ሰባት ዚገብርዎ ጌጋታት ብቐሊሉ ዜሕርቐና እንተ ዀይኑ፡ ‘ብኸመይ እየ ን“ሓሳብ ክርስቶስ” ብዝሓሸ መገዲ ኸንጸባርቖ ዝኽእል፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ኣሎና። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብእተወሰነ ደረጃ መንፈሳዊ ድኽመታት እኳ እንተ ኣርኣዩ፡ ንሱ ግን ብእኦም ከም ዘይሓረቐ ዘክር።

5 ነቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ዝገበሮ ነገር እስከ ኸም ኣብነት ንርአ። የሱስ ንጴጥሮስ ካብታ ጃልባ ወሪዱ ብማየ ማይ ኣቢሉ ናብኡ ኺመጽእ ምስ ፈቐደሉ፡ ንእተወሰነ እዋን ከምኡ ገበረ። ብርቱዕ ንፋስ ምስ ረኣየ ግን ኪጥሕል ጀመረ። እሞኸ የሱስ ነዚ ምስ ረኣየ፡ ብሓርቖት፡ “ጽቡቕ ኰንካ! እዚ ትምህርቲ ኪዀነካ ኣለዎ!” ኢሉ ድዩ ተዛሪብዎ፧ ኣይፋሉን። “ሽዑ የሱስ ኢዱ ዘርጊሑ ሐዞ እሞ፤ ኣታ ጕዱል እምነት፡ ስለምንታይከ ተዋላወልካ፧ በሎ።” (ማቴ. 14:28-31) ሓደ ሓውና እምነት እንተ ጐዲላቶ፡ ብምሳልያዊ መገዲ ኢድና ዘርጊሕና ዝያዳ እምነት ንኼጥሪ ኽንሕግዞ ንኽእልዶ፧ እዚ ትምህርቲ እዚ፡ ኣብቲ የሱስ ንጴጥሮስ ዝሓዘሉ መገዲ ብንጹር ተራእዩ እዩ።

6. የሱስ ተፈላጥነት ብዛዕባ ምድላይ ንሃዋርያቱ እንታይ መሃሮም፧

6 ሃዋርያት ካብ ኵሎም መን ከም ዚዓቢ ኣብ ዚገብርዎ ዝነበሩ ተደጋጋሚ ኽትዕ፡ ጴጥሮስ እውን እቱው ነበረ። ያእቆብን ዮሃንስን ኣብታ መንግስቲ የሱስ እቲ ሓደ ብየማን እቲ ሓደ ብጸጋም ምስኡ ኪቕመጡ ደለዩ። ጴጥሮስን እቶም ካልኦት ሃዋርያትን ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ኣዝዮም ተናደዱ። የሱስ ነዚ ኣረኣእያ እዚ ኻብቲ ዝዓበዩሉ ሕብረተሰብ ከም ዝወረስዎ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ናብኡ ኺመጹ ጸዊዑ ኸኣ፡ “ነህዛብ ሸየምቶም ከም ዚገዝእዎም፡ ዓበይቶም ድማ ከም ዚመልክዎም፡ ትፈልጡ ኢኹም። ኣባታትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነን፡ እቲ ኻባታትኩም ዓብዪ ምዃን ዚደልስ፡ ግዙእኩም ደኣ ይኹን። እቲ ኻባታትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ፡ ባርያኻትኩም ይኹን” በሎም። ነቲ ንሱ ዝገበሮ ኸም ኣብነት ተጠቒሙ፡ “ወዲ ሰብ ድማ፡ ኬገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር፡ ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን” ኢሉ ተዛረቦም።—ማቴ. 20:20-28

7. ነፍሲ ወከፍና ንሓድነት እታ ጉባኤ ኣበርክቶ ኽንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

7 ብዛዕባ ትሕትና የሱስ ምስትንታን ንርእስና ኻብ ኣሕዋትና ‘ዝነኣስና’ ጌርና ንኽንቈጽር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (ሉቃ. 9:46-48) ከምዚ ምግባር ንሓድነት ኣበርክቶ ኣለዎ። የሆዋ ልክዕ ከም ሓደ ኣቦ ዓባይ ስድራ ቤት፡ ደቁ “ብሓደ ሐቢሮም ኪነብሩ” እዩ ዚደሊ። (መዝ. 133:1) የሱስ ኵሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ሓድነት ኪህልዎም ናብ ኣቦኡ ጸለየ፣ ምኽንያቱ ኺገልጽ ከሎ ኸኣ፡ “ዓለም ድማ ከምቲ ንኣይ ዝለአኽካንን ዘፍቀርካንን፡ ከምኡ ንኣታቶምውን ከም ዘፍቀርካዮም ምእንቲ ኽትፈልጥ” በለ። (ዮሃ. 17:23) ስለዚ፡ ሓድነትና ሰዓብቲ ክርስቶስ ከም ዝዀንና እዩ ዜርኢ። ከምዚ ዓይነት ሓድነት ምእንቲ ኺህልወና ግን፡ ናይ ካልኦት ዘይፍጽምና ኸምቲ ክርስቶስ ዝረኣዮ ጌርና ኽንርእዮ ኣሎና። የሱስ ይቕረ ይብል ነበረ፣ ይቕረ በሃልቲ እንተ ዄንና ጥራይ ይቕረታ ኸም ዚግበረልና ድማ መሃረ።ማቴዎስ 6:14, 15 ኣንብብ።

8. ካብ ኣብነት እቶም ንነዊሕ ዓመታት ንኣምላኽ ዘገልገሉ ሰባት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

8 ንእምነት እቶም ንብዙሕ ዓመታት ኣብነት ክርስቶስ ዝሰዓቡ ሰባት ብምቕዳሕ እውን ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና። እዞም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እዚኣቶም፡ ልክዕ ከም የሱስ ነቲ ኻልኦት ዘለዎም ዘይፍጽምና ይርድኡሎም እዮም። ከም ናይ ክርስቶስ ዝዓይነታ ድንጋጽ ምርኣይ፡ “ድኻም እቶም ድኹማት ክንጸውር” ይሕግዝ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሓድነት እውን ኣበርክቶ ኸም ዘለዎ ይፈልጡ እዮም። እዛ ድንጋጽ እዚኣ፡ እታ ጉባኤ ብምልእታ ሓሳብ ክርስቶስ ንኸተንጸባርቕ ተተባብዕ እያ። እቶም ንነዊሕ ግዜ ንኣምላኽ ዘገልገሉ ሰባት፡ ልክዕ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ንዝነበሩ ክርስትያናት እተመነየሎም ዓይነት ባህጊ ኣለዎም፣ ጳውሎስ፡ “ሐቢርኩም ብሓደ ኣፍ ኴንኩም ንኣምላኽ፡ ንሱ ኸኣ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ምእንቲ ኸተኽብሩስ፡ እቲ ናይ ትዕግስትን ምጽንናዕን ኣምላኽ ኣብ ንሓድሕድኩም፡ ከምቲ ናይ ክርስቶስ የሱስ ጌርኩም፡ ሓደ ሓሳብ ክትሐስቡ ይሀብኩም” በለ። (ሮሜ 15:1, 5, 6) እወ፡ ሓድነት ዘለዎ ኣምልኾና ንየሆዋ ውዳሰ የምጽኣሉ እዩ።

9. ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ንምቕዳሕ መንፈስ ቅዱስ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

9 የሱስ፡ ‘ብልቢ ትሑት ምዃን’ ምስታ ኽፋል ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ዝዀነት ለውሃት ኣተሓሒዝዎ ኣሎ። ስለዚ፡ ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ብግቡእ ንኽንቀድሖ ዜኽእለና መጽናዕቲ ምግባር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ እውን የድልየና እዩ። ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኪወሃበና ኽንጽልን ነቲ ዜፍርዮ ፍረ ኽንኵስኵስን ኣሎና፣ እዚ ኸኣ “ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል” ዜጠቓልል እዩ። (ገላ. 5:22, 23) ስለዚ እምበኣር፡ ነቲ የሱስ ንትሕትናን ንለውሃትን ብዚምልከት ዝሓደጎ ኣርኣያ እንተ ስዒብና፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ኸነሐጕሶ ኢና።

የሱስ ንኻልኦት ብሕያውነት ሓዞም

10. የሱስ ሕያውነት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

10 ሕያውነት እውን ክፋል ፍረ መንፈስ እያ። የሱስ ንኻልኦት ሰባት ብሕያውነት ይሕዞም ነበረ። ነቶም ብቕንዕና ዚደልይዎ ዝነበሩ ሰባት ብሕያውነት “ተቐበሎም።” (ሉቃስ 9:11 ኣንብብ።) ካብቲ የሱስ ዘርኣዮ ሕያውነት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ሓደ ሕያዋይ ሰብ፡ ምቕሉል፡ ልኡም፡ ደንጋጺ፡ ከምኡውን ለዋህ እዩ። የሱስ እውን ከምኡ እዩ ነይሩ። እቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሰባት፡ “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ፡ ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ” ደንገጸሎም።—ማቴ. 9:35, 36

11, 12. (ሀ) የሱስ ነቲ ዚስምዖ ዝነበረ ድንጋጽ ብተግባር ዘርኣየሉ ሓደ ኣብነት ጥቐስ። (ለ) ካብዚ እተጠቕሰ ኣብነት እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧

11 የሱስ ነቲ ዚስምዖ ዝነበረ ድንጋጽ ብተግባር የርእዮ ነበረ። ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። ሓንቲ ሰበይቲ፡ ብምኽንያት ምፍሳስ ደም ን12 ዓመት ትሳቐ ነበረት። ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ኵነታታ ንዓኣ ዀነ ንዝተንከፈቶ ሰብ ዜርክስ ምንባሩ ትፈልጥ ነይራ እያ። (ዘሌ. 15:25-27) ኰይኑ ግን፡ እቲ የሱስ ዝነበሮ ስምን ንኻልኦት ሰባት ዚሕዘሉ ዝነበረ መገድን ንዓኣ እውን ከም ዜሕውያ ኣእመና። “ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኬኹ፡ ክሐዊ እየ” ኢላ ድማ ሓሰበት። ብትብዓት ከምቲ ዝሓሰበቶ ምስ ገበረት፡ ብኡንብኡ ሓወየት።

12 የሱስ ሓደ ሰብ ከም ዝተንከዮ ፈለጡ መን ምዃኑ ንኺርኢ ግልጽ በለ። እታ ሰበይቲ፡ ሕጊ ስለ ዝጠሓሰት፡ ኪገንሓ እናተጸበየት ኣብ እግሩ ፍግም ኢላ ዅሉ እቲ ሓቂ ነገረቶ። የሱስ ነዛ መስኪን ሰበይቲ እዚኣ ገኒሕዋ ድዩ፧ ኣይፋሉን። የግዳስ፡ “ጓለየ፡ እምነትኪ ኣድሐነትኪ። ብሰላም ኪዲ” በላ። (ማር. 5:25-34) ነዚ ሕያውነት ዝመልኦ ቓላት ምስ ሰምዐት፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን ተጸናኒዓ ኽትከውን ኣለዋ!

13. (ሀ) ኣመለኻኽታ የሱስ ካብ ናይ ፈሪሳውያን እተፈልየ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ንቘልዑ ብኸመይ ይሕዞም ነበረ፧

13 ክርስቶስ ከምቶም ጨካናት ፈሪሳውያን፡ ስልጣኑ ተጠቒሙ ንኻልኦት ጾር ኣይወሰኸሎምን። (ማቴ. 23:4) ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ንኻልኦት ሰባት ብሕያውነትን ብትዕግስትን ብዛዕባ መገድታት የሆዋ መሃሮም። ንሰዓብቱ ብቐጻሊ የፍቅሮምን ብሕያውነት ይሕዞምን ብምንባሩ፡ ናይ ሓቂ ዓርክን ፈቃር ብጻይን ነበረ። (ምሳ. 17:17፣ ዮሃ. 15:11-15) ቈልዑ እውን እንተ ዀኑ፡ ናብ የሱስ ምቕራብ ኣይከብዶምን እዩ ነይሩ፣ ንሱ ንባዕሉ ብቐሊሉ ይቐርቦም ነበረ። ብስራሕ ትሑዝ ክነሱ፡ ምስ ሕጻናት ግዜ የሕልፍ ነበረ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ገሊኦም ወለዲ፡ የሱስ ንደቆም ምእንቲ ኺትንክየሎም ናብኡ ኼምጽእዎም እኳ እንተ ፈተኑ፡ ደቀ መዛሙርቱ ግን ልክዕ ከምቶም መራሕቲ ሃይማኖት ርእሶም ክብ ኣቢሎም ይርእዩ ስለ ዝነበሩ፡ ከልከልዎም። ይኹን እምበር፡ የሱስ በዚ ስለ ዘይተሓጐሰ፡ “ሕደግዎም፡ ቈልዑ ናባይ ይምጽኡ። መንግስቲ ኣምላኽ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ኣይትኽልእዎም” በሎም። ድሕሪኡ፡ ነቶም ቈልዑ ተጠቒሙ ኣገዳሲ ትምህርቲ መሃረ፣ “ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ቈልዓ ዀይኑ ዘይተቐበላ ከቶ ኸም ዘይአትዋ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” ድማ በለ።—ማር. 10:13-15

14. ቈልዑ ኻብቲ ኻልኦት ሰባት ዜርእይዎም ልባዊ ተገዳስነት እንታይ ጥቕሚ ኺረኽቡ ይኽእሉ፧

14 ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት፡ ገለ ኻብዞም ቈልዑ እዚኣቶም እኹላት ሰባት ምስ ኰኑ፡ የሱስ ክርስቶስ ‘ሓቚፉ ኢዱ ኣንቢሩ ኸም ዝባረኾም’ ኪዝክሩ ኸለዉ ኸመይ ከም ዚስምዖም እሞ ሕስብ ኣብሎ። (ማር. 10:16) ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ቈልዑ ነቶም ልባዊ ተገዳስነት ዘርኣይዎም ሽማግለታትን ካልኦት ኣሕዋትን ብፍቕሪ እዮም ዚዝክርዎም። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ እቶም ኣብታ ጉባኤ ኸምዚ ዓይነት ልባዊ ተገዳስነት ዚረኽቡ ቘልዑ፡ መንፈስ የሆዋ ኣብ ህዝቡ ኸም ዚዓዪ ገና ኻብ ቍልዕነቶም ኣትሒዞም እዮም ዚመሃሩ።

ኣብዛ ጨካን ዓለም ሕያውነት ኣርእዩ

15. ኣብዚ ግዜ እዚ ሕያውነት ጠፊኡ ምህላዉ ሓድሽ ነገር ዘይኰነና ስለምንታይ እዩ፧

15 ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ ሕያውነት ንምርኣይ ግዜ ኸም ዘይብሎም ኰይኑ እዩ ይስምዖም። ስለዚ ኸኣ ህዝቢ የሆዋ መዓልታዊ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ጕዕዞ፡ ከምኡውን ኣብ ኣገልግሎት ምስ መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ ኺጋጠሙ ኣለዎም። ሕያውነት ዘይብሉ ኣተሓሕዛ የጕህየና እኳ እንተ ዀነ፡ ሓድሽ ነገር ኪዀነና ግን የብሉን። የሆዋ ብጳውሎስ ኣቢሉ፡ ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ነቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ‘ፈተውቲ ርእሶምን ፍቕሪ ዘይብሎምን’ ሰባት ከም ዜጋጥምዎም ኣቐዲሙ ኣጠንቂቑ ነበረ።—2 ጢሞ. 3:1-3

16. ኣብ ጉባኤ ኸም ናይ ክርስቶስ ዓይነት ሕያውነት ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

16 በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ እቲ  ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘሎ ሃዋህው ከምቲ ኣብዛ ጨካን ዓለም ዘሎ ዘይኰነስ፡ መንፈስ ዜሐድስ እዩ። ነፍሲ ወከፍና እውን ጽቡቕ ሃዋህው ንኺህሉ ኣበርክቶ ብምግባር፡ ንየሱስ ክንስዕቦ ንኽእል ኢና። ነዚ ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧ ብቐዳምነት፡ ኣብታ ጉባኤ ዚርከቡ ብዙሓት ሰባት ናይ ጥዕና ጸገም ወይ ሕማቕ ኵነታት ስለ ዜጋጥሞም፡ ክንሕግዞምን ከነተባብዖምን ኣሎና። ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ከምዚ ዓይነት ጸገማት እናወሰኸ ይኸይድ እኳ እንተሎ፡ ሓድሽ ግን ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ክርስትያናት ተመሳሳሊ ሽግራት የጋጥሞም ነበረ። ስለዚ፡ ከምቲ ነቶም ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ክርስትያናት ሓገዝ ዝመልኦ ተግባራት ዜድልዮም ዝነበረ፡ ሎሚ እውን የድሊ እዩ። ንኣብነት፡ ጳውሎስ ንክርስትያናት፡ “ነቶም ሕሊናኦም ዝዐረቦም ኣፋጥንዎም፡ ነቶም ድኹማት ደግፍዎም፡ ንዅላቶም ተዐገስዎም” ኢሉ ተላበዎም። (1 ተሰ. 5:14) እዚ ኸኣ ነታ ኸም ናይ ክርስቶስ ዓይነት ሕያውነት ብግብሪ ምርኣይ ዜጠቓልል እዩ።

17, 18. ንሕያውነት የሱስ ክንቀድሖ እንኽእለሉ ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧

17 ክርስትያናት ልክዕ ከም ክርስቶስ ‘ንኣሕዋቶም ብሕያውነት ናይ ምቕባል’ ሓላፍነት ኣለዎም፣ እዚ ኸኣ ነቶም ንዓመታት እንፈልጦምን ቅድሚ ሕጂ ዘይንፈልጦምን ናይ ሓቂ ተገዳስነት ምርኣይ ዜጠቓልል እዩ። (3 ዮሃ. 5-8) ልክዕ ከምቲ የሱስ ንኻልኦት ድንጋጽ ብምርኣይ ዝመጸ ተበግሶ ዝወሰደ፡ ንሕና እውን ንኻልኦት ዕረፍቲ ኸነምጽኣሎም ኣሎና።—ኢሳ. 32:2፣ ማቴ. 11:28-30

18 ነፍሲ ወከፍና ብዛዕባ ድሕንነት ካልኦት ብምግዳስ ሕያውነት ከነርኢ ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ ከምዚ ኽንገብር እንኽእለሉ መገድታት ከነናዲ ኣሎና። ጳውሎስ፡ “ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም፡ ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ” ዚብል ለበዋ ኣቕረበ። (ሮሜ 12:10) ስለዚ፡ ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ብምቕዳሕ፡ ንኻልኦት ብለውሃትን ብሕያውነትን ክንሕዞም፡ ‘ተጕላባ ዘይብላ ፍቕሪ’ ድማ ከነርእዮም ኣሎና። (2 ቈረ. 6:6) ጳውሎስ ነዛ ኸም ናይ ክርስቶስ ዝዓይነታ ፍቕሪ ኺገልጻ ኸሎ፡ “ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሀርን ኣይትንፋሕን” በለ። (1 ቈረ. 13:4) ቂም ኣብ ክንዲ እንሕዝ፡ “ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ” ንዚብል ምኽሪ ነቕልበሉ።—ኤፌ. 4:32

19. ነታ ኸም ናይ ክርስቶስ ዝዓይነታ ሕያውነት ብምንጽብራቕ ዚርከብ ሰናይ ውጽኢት እንታይ እዩ፧

19 ኵሉ ግዜ ነታ ኸም ናይ ክርስቶስ ዝዓይነታ ሕያውነት ንምዅስኳስን ንምንጽብራቕን ጻዕሪ ብዝገበርና መጠን፡ ብዙሕ ዓስቢ ኽንረክብ ኢና። መንፈስ የሆዋ ኣብታ ጉባኤ ይዓዪ፡ እዚ ኸኣ ፍረ መንፈስ የፍሪ። ኣብ ርእሲኡ ኸኣ ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ክንስዕብን ካልኦት ከምኡ ኺገብሩ ኽንሕግዞምን ከለና፡ ኣምልኾና ባህ ዜብልን ሓድነት ዚመልኦን ስለ ዚኸውን፡ ንኣምላኽ የሐጕሶ። እምበኣር፡ ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ ንለውሃትን ሕያውነትን የሱስ ንምንጽብራቕ ወትሩ ጻዕሪ ንግበር።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• የሱስ ‘ለዋህን ትሑትን’ ምንባሩ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

• የሱስ ሕያውነት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

• ኣብዛ ዘይፍጽምቲ ዓለም ከም ናይ ክርስቶስ ዝዓይነታ ለውሃትን ሕያውነትን ከነርኢ እንኽእለሉ ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ልክዕ ከም ናይ ጴጥሮስ፡ እምነት ሓደ ሓውና እንተ ደኺማ ኢድና ንዝርግሓሉ ዲና፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

እታ ጉባኤ ሕያውነት ዚረኣየላ ቦታ ኣብ ምግባር ብኸመይ እጃምካ ኸተበርክት ትኽእል፧