ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትርጕም ዘለዎ ህይወት ረኸብኩ

ትርጕም ዘለዎ ህይወት ረኸብኩ

ትርጕም ዘለዎ ህይወት ረኸብኩ

ጋስፐር ማርቲነዝ ዘዘንተዎ

ከመይ ኢለ ኻብ ገጠር ወጺአ ኣብ ከተማ ሃብታም ከም ዝዀንኩ እስከ ኸዘንትወልኩም። ነቲ ዝሓስቦ ዝነበርኩ ሃብቲ ዘይኰነስ ካልእ ዓይነት ሃብቲ ብኸመይ ከም ዝኣከብኩ ኽትርእዩ ኢኹም።

ብ1930ታት ኣብቲ ኣብ ዞባ ሪጆ፡ ሰሜናዊ ስጳኛ ዚርከብ ብዙሕ ምህርቲ ዘይርከቦ ገጠር እየ ዓብየ። ወዲ ዓሰርተ ዓመት ከለኹ እኳ ትምህርቲ እንተ ኣቋረጽኩ፡ ምንባብን ምጽሓፍን ግን ክኢለ ነይረ። ኣነን ሽዱሽተ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ኣብ መሮር ኣባጊዕ ክንጓሲ ወይ ኣብቲ ዝነበረና ንኣሽቱ ግራውቲ ኽንሰርሕ ንውዕል ነበርና።

እቲ ዝነበረና ድኽነት፡ ስጋዊ ነገራት ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ጌርና ኸም እንሓስብ ገበረና። በቶም ካባና ንላዕሊ ዘለዎም ሰባት ድማ ንቐንእ ነበርና። ሓደ ኣቡን፡ እታ ናትና ቝሸት “ኣብ ትሕቲ ሰበኻኡ ኻብ ዘለዋ ኣቝሻት ንላዕሊ ሃይማኖታዊት ቍሸት” ከም ዝዀነት ገለጸ። ድሕሪ ግዜ መብዛሕትኦም ነበርቲ ንእምነት ካቶሊክ ከም ዚሓድግዎ ግን ኣይተገንዘበን ነይሩ።

ዝሓሸ ንምርካብ ዝገበርክዎ ጻዕሪ

መርሴታስ ንእትበሃል ጓል ዓደይ ተመርዓኹ። ነዊሕ ከይጸናሕና፡ ሓደ ቘልዓ ወለድና። ብ1957 ናብታ ኣብ ጥቓ ዓድና እትርከብ ከተማ ሎግሮኞ ገዓዝና፣ ድሕሪ ግዜ ድማ ኵሎም ቤተሰበይ ናብታ ኸተማ ገዓዙ። ብዙሕ ክእለት ስለ ዘይነበረኒ፡ ጽቡቕ ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ምርካብ ኣጸጋሚ ኸም ዚዀነኒ ፈለጥኩ። ካብ መን መምርሒ ኽረክብ ከም ዝኽእል ድማ ሓሰብኩ። እንታይ ክደሊ ኸም ዘሎኒ ብሓቂ ዘይፈልጥ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ኣብ ከባብየይ ናብ ዚርከብ ቤተ-መጻሕፍቲ ኸይደ ኸናዲ ጀመርኩ።

ጸኒሑ፡ ደብዳበ ብምጽሕሓፍ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትገብር ዚዕድም መደብ ረድዮ ሰማዕኩ። ነቲ መጽናዕቲ ኻብ ዚውድእ ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ምስ ገለ ኣባላት ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን ተራኸብኩ። ንእተወሰነ እዋን ናብ ቤተ-ክርስትያኖም ምስ ከድኩ፡ ኣብ መንጎ እቶም ተሰማዕነት ዘለዎም ኣባላት ዚርአ ቕርሕንቲ ኸስተብህል ከኣልኩ። ኵለን ሃይማኖታት ሓደ እየን ኢለ ብምድምዳም ከኣ ካልኣይ ሳዕ ኣይተመለስኩን።

ካብ ኣዒንተይ ከም ቅራፍ ዝበለ ወደቐ

ብ1964 ኢኻንዮ ዚበሃል መንእሰይ ናብ ቤትና መጸ። ናይ የሆዋ ምስክር እዩ ነይሩ፡ ቅድሚኡ ኸኣ ብዛዕባ እዚ ሃይማኖት እዚ ፈጺመ ሰሚዐ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ኰይኑ ግን፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክመያየጥ ፍቓደኛ ነበርኩ። ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ጽቡቕ ፍልጠት ከም ዘለኒ ገይረ እየ ዝሓስብ ነይረ። ደብዳበ ብምጽሕሓፍ ንእተመሃርክዎ እተወሰነ ጥቕስታት ተጠቒመ ኽምልሰሉ ጀመርኩ። ንእተወሰነ ትምህርትታት ፕሮተስታንት ክጣበቐሉ እኳ እንተ ፈተንኩ፡ ብልበይ ግን ብሓቂ ኣይኣምነሉን እየ ነይረ።

ክልተ ሳዕ ነዊሕ ምይይጥ ድሕሪ ምግባርና፡ ኢኻንዮ ንቓል ኣምላኽ ብውሕሉል መገዲ ኸም ዚጥቀመሉ ኣመንኩ። ደረጃ ትምህርቱ ኻባይ ንታሕቲ ኽነሱ፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት ጽቡቕ ገይሩ ኺጥቀመሉን ኪገልጾን ምርኣየይ ኣዝዩ መሰጠኒ። ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም እንነብርን መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ቐረባ እዋን ገነት ከም እተምጽእን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርኣየኒ። በዚ ኸኣ ኣዝየ ተገረምኩ።—መዝ. 37:11, 29፣ ኢሳ. 9:6, 7፣ ማቴ. 6:9, 10

ብኡንብኡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪግበረለይ ፍቓደኛ ዀንኩ። ዳርጋ ዅሉ ዝመሃሮ ዝነበርኩ ንዓይ ሓድሽ እዩ ነይሩ፣ በዚ ኸኣ ኣዝየ ተተንከፍኩ። ትርጕም ዘለዎ ህይወት ንኺህልወኒ ዚገብር ኣጋጣሚ ተኸፍተለይ። ነቲ ዝደልዮ ዝነበርኩ ድማ ረኸብኩ። ደረጃ ናብራይ ንምምሕያሽ ምጽዓርን ጽቡቕ ስራሕ ንምርካብ ምቅላስን ብዙሕ ኣገዳስነት ከም ዘይብሉ ተረዳእኩ። ሕማምን ሞትን ከም ዚጠፍእ እውን ፈለጥኩ።—ኢሳ. 33:24፣ 35:5, 6፣ ራእ. 21:4

ብኡንብኡ፡ ብዛዕባ እቲ እተመሃርክዎ ንኣዝማደይ ክነግሮም፡ ማለት እሙናት ሰባት ንዘለኣለም ዚነብሩላ ገነታዊት ምድሪ ኼምጽእ ኣምላኽ ቃል ከም ዝኣተወ ብውዕውዕ ስምዒት ክገልጸሎም ጀመርኩ።

ቤተሰበይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተቐበሉ

ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣነን ብዙሓት ካብ ቤተሰበይን ብዛዕባ ተስፋታት መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ንምግባር ኵሉ ግዜ ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ እንዳ ሓው ኣቦይ ክንእከብ ወሰንና። ኣብ ሰሙን ክልተ ወይ ሰለስተ ሰዓት ንመያየጥ ነበርና። ኢኻንዮ እቶም ኣዝማደይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ከም ዘለዎም ምስ ፈለጠ፡ ንነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ኣቓልቦ ኽገብር ምድላዋት ገበረ።

ኣብታ 120 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይነበሩላን ዱራንጎ እትበሃል ንእሽቶ ኸተማ እውን ካልኦት ኣዝማድ ነበሩኒ። ስለዚ ኸኣ፡ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ እምነተይ ምእንቲ ኽነግሮም ዕረፍቲ ወሲደ ናብኦም ከድኩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ምሸት ምሸት ዳርጋ ዓሰርተ እንኸውን ሰባት ንእከብን ክሳዕ ዚወግሕ ንመያየጥን ነበርና። ኵሎም ተሓጒሶም ይሰምዑ ነበሩ። ካብኦም ክፍለ ኸለኹ ድማ እተወሰነ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረት ጽሑፋትን ሓደግኩሎም። ካብቲ እዋን ኣትሒዙ ርክብና ቐጸለ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብታ ቕድሚ ሕጂ ተሰቢኹላ ዘይፈልጥ ከተማ ዱራንጎ ምስ መጹ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪግበረሎም ሃንቀው ዚብሉ ዝነበሩ 18 ሰባት ረኸቡ። ንነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት መጽናዕቲ ኺመርሑሎም ከኣ ተሓጒሶም መሰናድዎ ገበሩ።

እዚ ዅሉ ኪኸውን ከሎ፡ መርሴታስ ብሰንኪ ፍርሂ ሰብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ፍቓደኛ ኣይነበረትን። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣብ ስጳኛ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣጊዱ ነበረ፣ ስለዚ ኸኣ ሰበ-ስልጣን ነቶም ክልተ ደቅና ኻብ ቤት ትምህርቲ ኸም ዜባርርዎም፡ ንሕና ኸኣ ከም እንስጐጕ ሓሰበት። ብምሉኡ ቤተሰብና ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ኸም እተቐበለ ምስ ረኣየት ግን፡ ንሳ እውን ከተጽንዕ ደለየት።

ኣብ ውሽጢ ኽልተ ዓመት፡ ካብ ኣባላት ቤተሰበይ 40 ዝዀኑ ሰባት ንኣምላኽ ኬገልግሉ ህይወቶም ከም ዝወፈዩ ንምርኣይ ተጠምቁ። ቤተሰበይ እውን ትርጕምን ዕላማን ዘለዎ ህይወት ኪህልዎም ከኣለ። ናይ ብሓቂ ጠቓሚ ዝዀነ ነገር ከም ዝረኸብኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ብዙሕ መንፈሳዊ ሃብቲ ብምርካብና ተባሪኽና ኢና።

እናዓበኹ ምስ ከድኩ ህይወት ባህ ዜብል ኰነለይ

ነተን ሓቂ ድሕሪ ምስማዐይ ዝነበራ 20 ዓመት፡ ነቶም ክልተ ደቀይ ኣብ ምዕባይን ኣብ ከባቢና ንእትርከብ ጉባኤ ኣብ ምሕጋዝን ኣሕለፍክወን። ኣነን መርሴታስን ናብታ ኣስታት 100,000 ተቐማጦ ዝነበሩላ ኸተማ ሎግሮኞ ኽንግዕዝ ከለና፡ ኣብኡ 20 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ነበሩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ኣብ ጉባኤ ብዙሕ ሓላፍነታት ተዋህበኒ።

ወዲ 56 ዓመት ከለኹ እቲ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ ፋብሪካ ተዓጽወ፡ ስራሕ ዘይብለይ ድማ ኰንኩ። ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ክኸውን ሓያል ባህጊ ስለ ዝነበረኒ፡ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒመ ፈላሚ ዀንኩ። እታ እተቐበልክዋ እስትሕጋግ ሒደት ብምንባራ፡ ናብራ ኸቢድ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ መርሴታስ ናይ ጽሬት ስራሕ እናሰርሐት ትሕግዘኒ ነበረት። ስድራ ቤትና ኽንኣሊ ኸኣልና፡ ዜድሊ መሰረታዊ ነገራት እውን ፈጺምና ስኢንና ኣይንፈልጥን። ሕጂ ፈላሚ እየ፡ መርሴታስ እውን ሓድሓደ ግዜ ሓጋዚት ፈላሚት ትኸውን እያ፣ ዕዮ ስብከት ድማ ኣዝዩ ባህ እዩ ዜብላ።

ቅድሚ እተወሰነ ዓመታት፡ መርሴታስ ንሓንቲ ብቝልዕነታ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዓ ዝነበረት መርቼ እትበሃል ጓል ብስሩዕ መጽሔታት ተብጽሓላ ነበረት። መርቼ ንጽሑፋትና ተገዲሳ ተንብቦ ነበረት፣ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ኣኽቢራ ኸም እትርእዮ ድማ መርሴታስ ኣስተውዓለት። ኣብ መወዳእታ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪግበረላ ተሰማምዐት፡ ቅልጡፍ ዕቤት ከኣ ገበረት። ይኹን እምበር፡ እቲ ቪሰንተ ዚበሃል ሰብኣያ፡ ሰታይን ቀዋሚ ስራሕ ዘይነበሮን እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ንስድራ ቤቱ ብገንዘብ ኪሕግዝ ኣይከኣለን፣ እቲ ዝነበሮ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ኸኣ ንሓዳሮም ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ነበረ።

ሰበይተይ ንመርቼ፡ ሰብኣያ ብዛዕባ እዚ ኣመልኪቱ ምሳይ ኪዘራረብ ሓሳብ ኣቕረበትላ፡ ንሱ ድማ ከምኡ ገበረ። ብዙሕ ተመላሊስካ ምብጻሕ ምስ ገበርኩሉ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሉ ተሰማምዐ። ቪሰንተ ኪቕየር ጀመረ፡ ንእተወሰነ መዓልትታት መስተ ምስታይ ድማ ሓደጎ። ድሕሪኡ ንእተወሰነ መዓልትታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሓደ ሰሙን ወይ ከኣ ካብኡ ንላዕሊ መስተ ኸይሰተየ ኺጸንሕ ከኣለ። ኣብ መወዳእታ፡ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ምሉእ ብምሉእ ሓደጎ። ርኡይ ለውጢ ኺገብርን ስድራ ቤቱ ሓድነት ኪህልዋን ከኣለ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ንሱን ሰበይቱን ጓሉን፡ ኣብታ ሎሚ ዝነብሩላ ደሴት ካናሪ ንእትርከብ ንእሽቶ ጉባኤ ጽቡቕ ሓገዝ ይህቡ ኣለዉ።

ነቲ ዘሕለፍክዎ ትርጕም ዘለዎ ህይወት ምዝካር

ገለ ኻብቶም ቅድሚ ዓመታት ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ እተማህሩ ኣዝማደይ ሕጂ ብህይወት እኳ እንተ ዘይሃለዉ፡ ቤተሰብና ግን ጽቡቕ ዕቤት ትገብር ኣላ፣ ኣምላኽ ብዙሕ ባሪኹና እዩ። (ምሳ. 10:22) እቶም ቅድሚ 40 ዓመት ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዑ ኣዝማደይ ምስ ደቆምን ደቂ ደቆምን ኰይኖም ንየሆዋ ብተኣማንነት ኬገልግልዎ ምርኣይሲ ኽሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ!

ሕጂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ብዙሓት ኣዝማድ ኣለዉኒ፣ ብዙሓት ካባታቶም ከኣ ሽማግለታት፡ ኣገልገልቲ ጉባኤ፡ ፈለምቲ ዀይኖም የገልግሉ ኣለዉ። እቲ ዓብዪ ወደይ ምስ ሰበይቱ ኣብቲ ኣብ ማድሪድ፡ ስጳኛ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር የገልግል ኣሎ። ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ ዝዀንኩሉ እዋን፡ ኣብ ስጳኛ 3,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ኢና ኔርና። ሕጂ ግን ልዕሊ 100,000 ኰይንና ኣለና። ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምህላወይ ባህ እዩ ዚብለኒ፣ በዚ ኸኣ ንኣምላኽ አመስግኖ እየ። ደረጃ ትምህርተይ ትሑት እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ እተፈላለየ እዋናት ተተካኢ ሓላው ወረዳ ዀይነ አገልግል እየ።

ቅድሚ ሒደት ዓመታት፡ እታ ዝዓበኹላ ቝሸት ዳርጋ ሰብ ዘይነብረላ ኸም ዝዀነት ፈለጥኩ። ብሰንኪ ድኽነት ኵሎም እቶም ነበርቲ፡ ግራውቶምን ኣባይቶምን ሓዲጎም ዝሓሸ ህይወት ንምድላይ ናብ ካልእ ቦታ ግዒዞም እዮም። እቲ ዜሐጕስ ድማ፡ ኣነን ብዙሓት ካብቶም እተሰደዱን፡ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብና ኢና። ህይወት ትርጕም ከም ዘለዋን ንየሆዋ ምግልጋል ኪግመት ዘይከኣል ዓብዪ ሓጐስ ከም ዜምጽእን ፈሊጥና ኢና።

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

ዳርጋ ዅሎም እቶም ኣብ ሓቂ ዘለዉ ቤተሰብ ሓው ማርቲነዝ