ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ የሆዋ ንምድሓንካ ዝገበሮ መሰናድዎ ተማስወሉ ዲኻ፧

ነቲ የሆዋ ንምድሓንካ ዝገበሮ መሰናድዎ ተማስወሉ ዲኻ፧

ነቲ የሆዋ ንምድሓንካ ዝገበሮ መሰናድዎ ተማስወሉ ዲኻ፧

“ንህዝቡ ስለ ዝበጽሖምን እተበጀዎምን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ።” —ሉቃ. 1:68

1, 2. ንርዝነት እዚ ዘለናሉ ዅነታት ብኸመይ ብምሳሌ ምገለጽካዮ፧ ነየናይ ሕቶታትከ ኢና ኽንመያየጠሉ፧

 ኣብ ሆስፒታል ደቂስካ ኸም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ኣብ ሓንቲ መድሃኒት ብዘይብሉ ቐታሊ ሕማም እተታሕዙ ሰባት ዝደቀሱላ ኽፍሊ ኢኻ ዘለኻ። ሓደ ሓኪም መድሃኒት ንምርካብ ዘይተሓለለ ጻዕሪ ይገብር ከም ዘሎ ምስ ሰማዕካ፡ ተስፋ ትገብር። ብዛዕባ እቲ ምርምር ኵሉ ነገር ክትፈልጥ ትህንጠ። ሓደ መዓልቲ ድማ መድሃኒት ከም እተረኽበ ትሰምዕ። እቲ ሓኪም ነቲ መድሃኒት ንምርካብ ብዙሕ መስዋእቲ እዩ ገይሩ። እንታይ ምተሰምዓካ፧ ነቲ ንዓኻን ንብዙሓት ካልኦት ሰባትን ካብ ሞት ከም እትድሕኑ ዚገብረኩም መድሃኒት ዝረኸበ ሰብ፡ ዓሚቝ ኣኽብሮት ከም ዚስምዓካን ከም እተመስግኖን ዜጠራጥር ኣይኰነን።

2 እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዅነታት እተጋነነ ኺመስል ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ምስቲ ንዅላትና ዜጋጥመና ዘሎ ነገር ይመሳሰል እዩ። ነፍሲ ወከፍና ኻብዚ እተጠቕሰ ዅነታት ዝገደደ ነገር እዩ ዜጋጥመና ዘሎ። ብሓቂ መድሓኒ የድልየና እዩ። (ሮሜ 7:24 ኣንብብ።) የሆዋ ንኼድሕነና ብዙሕ ነገራት ገይሩ እዩ። ወዱ እውን ዓብዪ መስዋእቲ ኸፊሉ እዩ። እምበኣር፡ ኣርባዕተ መሰረታዊ ሕቶታት እስከ ንመርምር። ምድሓን ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ ንዓና ንምድሓን እንታይ ገበረ፧ የሆዋኸ ንዓና ንምድሓን እንታይ ገበረ፧ ነቲ መለኮታዊ ምድሓን ሞሳ ኸም ዘለና እነርኢ ብኸመይ ኢና፧

ምድሓን ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

3. ሓጢኣት ምስ ለብዒ ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧

3 ብመሰረት እቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተገብረ ገምጋም፡ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ እቲ ዝኸፍአ ለብዒ፡ እቲ ብ1918 ዘጋጠመ ናይ ስጳኛ ኢንፍሉወንዛ እዩ፣ ህይወት ዓሰርተታት ሚልዮናት ሰባት ድማ ቀዘፈ። ገሊኡ ሕማም ግን ካብዚ ብዝያዳ ሓደገኛ እዩ። በቲ ሕማም ዚተሓዙ እተወሰኑ ሰባት ጥራይ እኳ እንተ ዀኑ፡ ካብቶም እተታሕዙ ግን መብዛሕቶም ይሞቱ እዮም። * ይኹን እምበር፡ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ለብዒ ምስ ሓጢኣት ከነወዳድሮ ንኽእልዶ፧ ነቲ ኣብ ሮሜ 5:12 ዚርከብ፡ “ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወ፡ ብሓጢኣትውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፡ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሐለፈ” ዚብል ቃላት ንዘክሮ። ኵሎም ዘይፍጹማት ሰባት ስለ ዝሓጥኡ፡ ሓጢኣት ዘለዎ ናይ ምልጋብ ዓቕሚ፡ ሚእቲ ኻብ ሚእቲ እዩ። (ሮሜ 3:23 ኣንብብ።) ክንደይ ሰባትከ እዮም ዚሞቱ፧ ጳውሎስ፡ “ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሐለፈ” ኢሉ ጸሓፈ።

4. የሆዋ ብዛዕባ ዕምሪ ህይወትና እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ፧ እዚኸ ኻብ ኣረኣእያ እቶም ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧

4 ኣብዚ እዋን እዚ፡ ብዙሓት ሰባት ንሓጢኣትን ሞትን ከም ንቡር ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ቅድሚ ግዜኦም ከይሞቱ ዚፈርሁ እኳ እንተ ዀኑ፡ ነቲ ብሰንኪ ዕድመ ምድፋእ ዚመጽእ ሞት ግን ከም “ንቡር” ገይሮም ብምርኣይ ዋላ ሓንቲ ግዲ ኣይገብሩሉን። ደቂ ሰብ ንኣረኣእያ ፈጣሪኦም ብቐሊሉ እዮም ዚርስዕዎ። ዕምሪ ህይወትና ኻብቲ ንሱ ዝዓለሞ ኣዝዩ ዝሓጸረ እዩ። አረ ብዓይኒ የሆዋሲ “ሓንቲ መዓልቲ” ዝገበረ ሰብ እውን የለን። (2 ጴጥ. 3:8) ስለዚ ኸኣ እዩ ቓል ኣምላኽ፡ ህይወትና ልክዕ ከምቲ ቐልጢፉ ዚነቅጽ ሳዕሪ ወይ ከም እስትንፋስ ሓጺር ምዃኑ ዚገልጽ። (መዝ. 39:5፣ 1 ጴጥ. 1:24) ነዚ ኣረኣእያ እዚ ኣብ ኣእምሮና ኽንሕዞ ኣሎና። ስለምንታይ፧ እቲ ሒዙና ዘሎ “ሕማም” ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ምርዳእና፡ ብዛዕባ እቲ “መድሃኒት፡” ማለት ብዛዕባ እቲ እተገብረልና ምድሓን ዝሓሸ ምርዳእ ከም ዚህልወና ይገብር።

5. ሓጢኣት ንነፍሲ ወከፍና እንታይ ጕድኣት እዩ ኣውሪዱልና፧

5 ሓጢኣትን እቲ ዜምጽኦ ሳዕቤንን ማዕረ ኽንደይ ከቢድ ምዃኑ ንምርዳእ፡ እንታይ ጕድኣት ከም ዘውረደልና ኽንግንዘብ ኣሎና። ነቲ ተመኪርናዮ ዘይንፈልጥ ፍጽምና ስለ ዘጥፈኦ፡ ኣብ ፈለማ ነዚ ምርዳኡ ኸቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣዳምን ሄዋንን ኣብ መጀመርታ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ነበሮም። ብኣእምሮን ብኣካልን ፍጹማት ስለ ዝነበሩ፡ ንሓሳባቶምን ስምዒታቶምን ተግባራቶምን ኪቈጻጸርዎ ይኽእሉ ነበሩ። ስለዚ፡ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጠን ብናጽነት ዜደንቕ ባህርያት ኬማዕብሉ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ኰይኑ ግን፡ ነዚ ፍሉይ ህያብ እዚ ነጸግዎ። ኣብ ልዕሊ የሆዋ ሓጢኣት ብምፍጻሞም፡ ነታ የሆዋ ንዕኦምን ንዘርኦምን ኣዳልዩሎም ዝነበረ ህይወት ኣጥፍእዋ። (ዘፍ. 3:16-19) ንገዛእ ርእሶምን ንዓናን እውን ነቲ ሕጂ እንመያየጠሉ ዘሎና ዜስካሕክሕ “ሕማም” ኣምጽኡ። የሆዋ ኪዅንኖም እምበኣር ሓቁ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ንዓና ተስፋ ምድሓን ሂቡና ኣሎ።—መዝ. 103:10

የሱስ ንዓና ንምድሓን እንታይ ገበረ፧

6, 7. (ሀ) ንምድሓንና ብዙሕ መስዋእቲ ኸም ዜድሊ የሆዋ ዝገለጸ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣቤል ኰነ ኻልኦት ቅድሚ ሕጊ ሙሴ ምውጻኡ ዝነበሩ ኣበው ካብ ዘቕረብዎ መስዋእትታት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

6 ንዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ንምድሓን ዓብዪ መስዋእትነት ከም ዚሓትት የሆዋ ይፈልጥ ነበረ። እቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢት፡ ንምድሓን ዜድሊ ሓደ ነገር ይገልጽ እዩ። የሆዋ፡ ሓደ መዓልቲ ንሰይጣን ብምጭፍላቕ ከም ዚጠፍእ ዚገብሮ “ዘርኢ” ወይ መድሓኒ ኼዳሉ ነበሮ። ይኹን እምበር፡ እቲ መድሓኒ ንርእሲ ሰይጣን ቅድሚ ምጭፍላቑ፡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ሸዀናኡ ኺንከስ ወይ ኪሳቐ ነበሮ። እዚ ዜሳቒ ዅነታት እንታይ ትርጕም እዩ ነይርዎ፧ እቲ ናይ የሆዋ ሕሩይከ እንታይ እዩ ኺጻወር ነይርዎ፧

7 እቲ መድሓኒ ንደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣት ንምድሓን፡ ምስ ኣምላኽ ከም ዚተዓረቑ ብምግባር ንሳዕቤን ሓጢኣት ዜጥፍእ መተዓረቒ ኬቕርብ ነበሮ። እዚ እንታይ ዜጠቓልል ነበረ፧ መስዋእቲ ኪቐርብ ከም ዜድሊ ዜርኢ ምልክታት ኣቐዲሙ ተራእዩ ነበረ። እቲ ናይ መጀመርታ እሙን ሰብ ዝነበረ ኣቤል፡ ንየሆዋ ናይ እንስሳ መስዋእቲ ምስ ኣቕረበሉ መለኮታዊ ስምረት ረኸበ። ጸኒሑ፡ ከም እኒ ኖህ፡ ኣብርሃም፡ ያእቆብ፡ እዮብ ዝኣመሰሉ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ኣበው ተመሳሳሊ መስዋእትታት ምስ ኣቕረቡ፡ የሆዋ ተሓጒሱ እዩ። (ዘፍ. 4:4፣ 8:20, 21፣ 22:13፣ 31:54፣ እዮ. 1:5) ዘመናት ጸኒሑ፡ መስዋእቲ ምቕራብ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ሕጊ ሙሴ ኣጕልሐ።

8. እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብ ዓመት ሓንሳእ ኣብ መዓልቲ ዕርቂ እንታይ ይገብር ነበረ፧

8 ሓደ ኻብቲ እቲ ሕጊ ሙሴ ዝጠልቦ ዝነበረ ኣገዳሲ መስዋእቲ፡ እቲ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ኣብ መዓልቲ ዕርቂ ዚቐርብ ዝነበረ መስዋእቲ እዩ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ምሳልያዊ ትርጕም ዘለዎ ተኸታታሊ ነገራት ይገብር ነበረ። ፈለማ ነቶም ክፍሊ ኻህናት ደሓር ከኣ ነቶም ካህናት ዘይኰኑ ነገዳት ካብ ሓጢኣት ዜተዓርቖም መስዋእትታት ናብ የሆዋ የቕርብ ነይሩ እዩ። ናብታ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ጥራይ ኪኣትዋ ዚኽእል ኣብ ማሕደር ወይ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበረት ቅድስተ ቕዱሳን ይኣቱ። ድሕሪኡ፡ ንደም እቲ መስዋእቲ ኣብ ታቦት ኪዳን ይነጽጎ። ሓድሓደ እዋን ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ኪዳን ድሙቕን ዜንጸባርቕን ደበና ይርአ ነበረ፣ እዚ ኸኣ የሆዋ ኣምላኽ ብምሳልያዊ መገዲ ኣብኡ ኸም ዘሎ ዜመልክት እዩ ነይሩ።—ዘጸ. 25:22፣ ዘሌ. 16:1-30

9. (ሀ) ኣብ መዓልቲ ምትዕራቕ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ንመን ይውክል ነበረ፧ እቲ ዜቕርቦ መስዋእቲኸ እንታይ እዩ ዜመልክት፧ (ለ) እቲ ሊቀ ኻህናት ናብ ቅድስተ ቕዱሳን ምእታዉ እንታይ እዩ ዜመልክት፧

9 ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ፡ እቲ ምሳልያዊ ተግባራት ዘለዎ ትርጕም ገሊጹ እዩ። እቲ ሊቀ ኻህናት ነቲ መሲሕ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ዚቐርብ ዝነበረ መስዋእትታት ከኣ ንመስዋእታዊ ሞት ክርስቶስ ዜመልክት ከም ዝዀነ ሓበረ። (እብ. 9:11-14) እዚ ፍጹም መስዋእቲ እዚ፡ ንኽልተ ጕጅለ ሰባት ናይ ሓቂ ምትዕራቕ ዜምጽእ እዩ ነይሩ፣ እዚኣቶም ከኣ እቶም 144,000 ዝዀኑ ኻህናትን ብመንፈስ እተቐብኡ ኣሕዋት ክርስቶስን ከምኡውን እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” እዮም። (ዮሃ. 10:16) እቲ ሊቀ ኻህናት ናብ ቅድስተ ቕዱሳን ምእታዉ፡ የሱስ ንዋጋ መስዋእታዊ በጃ ንየሆዋ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርብ ናብ ሰማይ ከም ዝኣተወ እዩ ዜመልክት።—እብ. 9:24, 25

10. ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ እቲ መሲሕ እንታይ ከም ዜጋጥሞ እዩ ዚገልጽ፧

10 ብንጹር እምበኣር፡ ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ምእንቲ ኺድሕኑ፡ ዓብዪ መስዋእቲ ኪኽፈል ኣድላዪ ነበረ። እቲ መሲሕ ህይወቱ መስዋእቲ ኺገብር ነበሮ! ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዚርከብ ትንቢታት ብዛዕባ እዚ ብንጹር ይገልጽ እዩ። ንኣብነት፡ ነብዪ ዳንኤል፡ ‘ኣበሳ ምእንቲ ኺዕረቕ’ “እቲ መሲህ፡ መስፍን” “ኪቕተል” ከም ዝነበሮ ሓበረ። (ዳን. 9:24-26) ኢሳይያስ እውን፡ እቲ መሲሕ ሓጢኣት ዘይፍጹማት ሰባት ምእንቲ ኺጸውር፡ ኪንጸግ፡ ኪስጐግ፡ ኪቘስል ወይ ኪቕተል ከም ዝነበሮ ተንብዩ እዩ።—ኢሳ. 53:4, 5, 7

11. ወዲ የሆዋ ምእንቲ ምድሓንና ኢሉ ብፍታዉ መስዋእቲ ዝገበረ ብኸመይ እዩ፧

11 እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ፡ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ምድሓንና ብዙሕ መስዋእቲ ኸም ዜኽፍሎ ይፈልጥ ነበረ። ብዙሕ ኪሳቐ፡ ድሕሪኡ ድማ ኪመውት ነበሮ። ኣቦኡ ነዚ ምስ ነገሮ፡ መስዋእቲ ንኸይከፍል ድሕር ምሕር ኢሉ ወይ ዓልዩ ድዩ፧ ከምኡ ኣይገበረን፣ የግዳስ፡ ንመምርሒ ኣቦኡ ብፍታዉ ተኣዘዘ። (ኢሳ. 50:4-6) ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እውን፡ ብተኣዛዝነት ፍቓድ ኣቦኡ ገበረ። ስለምንታይ፧ ‘ኣነ ነቦ አፍቅሮ እየ’ ብምባል መልሲ ሂቡ ኣሎ። ካልእ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ ኸኣ፡ “ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ፡ ካብዚ ዚዐቢ ፍቕሪ የልቦን” በለ። (ዮሃ. 14:31፣ 15:13) ስለዚ፡ ምድሓንና ብዓብዪኡ ኣብታ ወዲ የሆዋ ዝነበረቶ ፍቕሪ እተመርኰሰ እዩ ነይሩ። ነታ ፍጹምቲ ዝዀነት ህይወቱ መስዋእቲ ኺገብር እኳ እንተ ነበሮ፡ ምእንቲ ምድሓንና ኢሉ ተሓጕሱ እዩ ገይርዎ።

የሆዋ ንዓና ንምድሓን እንታይ ገበረ፧

12. እቲ በጃ ኣብ ፍቓድ መን እተመስረተ እዩ ነይሩ፧ ስለምንታይከ እዩ ኣዳልይዎ፧

12 ምንጪ እቲ መስዋእታዊ በጃ፡ የሱስ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ ምድሓን እተገብረሉ መገዲ ኣብ ፍቓድ የሆዋ እተመስረተ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዚርከብ መስዋእቲ ዚቐርበሉ ዝነበረ መሰውኢ፡ ፍቓድ የሆዋ ኸም ዜመልክት ሓበረ። (እብ. 10:10) ስለዚ፡ ሳላ መስዋእቲ ክርስቶስ ዝረኸብናዮ ምድሓን፡ ብዓብዪኡ ንየሆዋ ሰብ ዕዳኡ ኸም እንኸውን እዩ ዚገብረና። (ሉቃ. 1:68) እዚ ድማ መግለጺ እቲ ፍጹም ዝዀነ ፍቓዱን ንደቂ ሰባት ዘላቶ ዓባይ ፍቕርን እዩ።ዮሃንስ 3:16 ኣንብብ።

13, 14. ኣብነት ኣብርሃም ነቲ የሆዋ ምእንታና ኢሉ ዝገበሮ ነገር ሞሳ ኸም ዚህልወና ዚገብር ብኸመይ እዩ፧

13 የሆዋ በዚ ኸምዚ ንዓና ፍቕሩ ንምርኣይ እንታይ ኪገብር ኣድለዮ፧ ነዚ ኽንርድኦ ኣጸጋሚ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብንጹር ክንርድኦ ዚሕግዘና ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ። የሆዋ ነቲ እሙን ሰብኣይ ዝነበረ ኣብርሃም ኣዝዩ ኸቢድ ነገር ኪገብር፡ ማለት ነቲ ሓደ ወዱ ይስሃቅ ኪስውኦ ሓተቶ። ኣብርሃም ፈቃር ኣቦ እዩ ነይሩ። የሆዋ ንኣብርሃም ብዛዕባ ይስሃቅ ኪዛረቦ ኸሎ፡ “ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ” በሎ። (ዘፍ. 22:2) ኣብርሃም ግን ካብታ ንይስሃቅ ዝነበረቶ ፍቕሪ ንላዕሊ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር ኣብሊጹ ይርእዮ ነበረ። ከምቲ እተኣዘዞ ድማ ገበረ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ነቲ ሓደ መዓልቲ ባዕሉ ዚገብሮ ኺገብር ንኣብርሃም ኣይፈቐደሉን። ኣብርሃም ቅድሚ ንወዱ ምስዋኡ ኣምላኽ መልኣኹ ልኢኹ ኸልከሎ። ኣብርሃም ንወዱ እንደገና ኺርእዮ ዚኽእል ብትንሳኤ ኣቢሉ ምዃኑ ምሉእ ምትእምማን ስለ ዝነበሮ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኸቢድ ዝነበረ ፈተና ንኣምላኹ ኺእዘዝ ቈሪጹ ነበረ። ኣምላኽ ከም ዜተንስኦ ድማ ምሉእ እምነት ነበሮ። ኣብርሃም ንይስሃቅ፡ ‘ብምሳልያዊ መገዲ ብትንሳኤ መሊሱ’ ኸም ዝረኸቦ ጳውሎስ ኪገልጽ እምበኣር ሓቁ እዩ።—እብ. 11:19

14 ኣብርሃም ንወዱ ኺስውኦ ምድላዋት ኪገብር ከሎ እተሰምዖ ስቓይ ክትግምቶዶ ምኸኣልካ፧ እቲ ኣብርሃም ዜሕለፎ ተመክሮ፡ የሆዋ ነቲ “ፍትዊ ወደይ” ኢሉ ዝጸውዖ የሱስ ኪስውኦ ኸሎ እተሰምዖ ስምዒት ንኽንርዳእ ይሕግዘና እዩ። (ማቴ. 3:17) የሆዋ ኻብ ኣብርሃም ንላዕሊ ኸም እተሳቐየ ግን ክንርስዕ የብልናን። ንሱን ወዱን ማእለያ ንዘይብሉ ሚልዮናት ዓመታት ምናልባት እውን ንቢልዮናት ዓመታት ብሓባር ነይሮም እዮም። እቲ ወዲ ምስ ኣቦኡ ኸም ፍትዊ “ሰራሕተኛ” ዀይኑ ብታሕጓስ ይዓዪ፡ ከም ኣፈኛ ወይ “ቃል” ኰይኑ ድማ የገልግል ነበረ። (ምሳ. 8:22, 30, 31፣ ዮሃ. 1:1) የሆዋ፡ ወዱ ኺሳቐ፡ ኪጽረፍ፡ ከም ዓመጸኛ ተቘጺሩ ኪቕተል ከሎ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ተጸሚሙ! ንዓና ንምድሓን ዓብዪ መስዋእቲ እዩ ኸፊሉ! እሞኸ ነቲ እተገብረልና ምድሓን ከም እነማስወሉ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

ንምድሓን ከም እተማስወሉ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧

15. የሱስ ነቲ ዕርቂ ምሉእ ብምሉእ ዝፈጸሞ ብኸመይ እዩ፧ እዚኸ እንታይ ክንረክብ እዩ ኣኽኢሉና፧

15 የሱስ ካብ ሞት ተንሲኡ ናብ ሰማይ ምስ ዓረገ፡ ነቲ ዕርቂ ምሉእ ብምሉእ ፈጸሞ። ምስቲ ዚፈትዎ ኣቦኡ ምስ ተራኸበ፡ ነቲ ዋጋ መስዋእቱ ኣብ ቅድሚኡ ኣቕረቦ። ስዒቡ ኸኣ ብዙሕ በረኸት ተረኽበ። ፈለማ ንሓጢኣት እቶም ቅቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስ፡ ብድሕሪኡ ን“ሓጢኣት ኵላ ዓለም” ምሕረት ዚግበረሉ መገዲ ተኸፍተ። ሎሚ ሳላ እዚ መስዋእቲ እዚ፡ እቶም ብቕንዕና ኻብ ሓጢኣቶም ተነሲሖም ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ ዚዀኑ ሰባት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ንጹሃት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (1 ዮሃ. 2:2) እዚ ንዓኻ ብኸመይ ይትንክፈካ፧

16. ነቲ የሆዋ ዝገበረልና ምድሓን ሞሳ ኸም ዘለና ኸነርኢ ዚግባእ ስለምንታይ ምዃኑ ብኸመይ ብምሳሌ ምገለጽካዮ፧

16 ነቲ ኣብ መእተዊ እተዋህበ ምሳሌ እስከ ምልስ ኢልና ንርኣዮ። እቲ መድሃኒት ዝረኸበ ሓኪም ኣብታ ዝደቀስካላ ኽፍሊ ንዘለዉ ሕሙማት ዚኸውን ፈውሲ ሒዙ መጺኡ ንበል፣ ነቲ ንሱ ዝሃቦ ትእዛዝ ስዒቡ መድሃኒት ዚወስድ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ኪሓዊ እዩ። እቶም ምሳኻ ዘለዉ ሕሙማት፡ ነቲ መድሃኒት ምውሳድ ወይ ነቲ ትእዛዝ ምስዓብ ኣጸጋሚ ኸም ዝዀነ ብምሕሳብ እቲ ሓኪም ንዝሃቦ ትእዛዝ ምስ ዚነጽግዎ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ እቲ መድሃኒት ከም ዜሕዊ እናፈለጥካ ኽነስኻ ንስኻ እውን ምነጸግካዮዶ፧ ኣይፋልካን! የግዳስ፡ ነቲ እተዋህበካ መድሃኒት ሞሳ ኸም ዘለካ ብምርኣይ እቲ ሓኪም ንዝሃቦ ትእዛዝ ብጥንቃቐ ትስዕብ፡ ምናልባት ከኣ ንኻልኦት ብዛዕባ እቲ ዝገበርካዮ ምርጫ ትነግሮም ትኸውን። ብተመሳሳሊ፡ ኵላትና ነቲ የሆዋ ብመስዋእታዊ በጃ ወዱ ኣቢሉ ዝገበረልና ምድሓን ሞሳ ኸም ዘለና ንምርኣይ ሃንቀውታ ኺህልወና ኣለዎ።—ሮሜ 6:17, 18 ኣንብብ።

17. ነቲ የሆዋ ንምድሓንካ ዝገበሮ ነገራት ከም እተማስወሉ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧

17 ነቲ የሆዋን ወዱን ካብ ሓጢኣትን ሞትን ምእንቲ ኼድሕኑና ኢሎም ዝገበሩልና ነገራት ነማስወሉ እንተ ደኣ ዄንና፡ ብግብሪ ኸነርእዮ ኢና። (1 ዮሃ. 5:3) ምስቲ ዘለና ናይ ሓጢኣት ዝንባለ ኽንቃለስ ኢና። ደይ መደይ ኢልና ሓጢኣት ከይንገብር ከምኡውን ግብዝነት ዝመልኦ ናብራ ኸይንነብር እውን ክንጽዕር ኢና። ከመይሲ፡ ከምዚ ዓይነት ሕማቕ ተግባራት ነቲ እተኸፍለልና በጃ ኣኽቢርና ኸም ዘይንርእዮ ወይ ከም ዘይነማስወሉ ዜርኢ እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹሃት ኴንና ብምምልላስ ሞሳና ነርኢ። (2 ጴጥ. 3:14) ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ተስፋ ምድሓንና ንኻልኦት ብምንጋር እውን ሞሳና ንግለጽ፣ ከምዚ ምግባርና ኻልኦት ምስ የሆዋ ብንጽህና ኸም ዚመላለሱን ተስፋ ዘለኣለማዊ መጻኢ ኸም ዚህልዎምን እዩ ዚገብር። (1 ጢሞ. 4:16) ብርግጽ እምበኣር፡ ንየሆዋን ንወዱን ንምውዳስ ግዜናን ጕልበትናን እንተ ሃብና ኣይበዝሖምን እዩ! (ማር. 12:28-30) ብዛዕባ እቲ ኻብ ሓጢኣት ምሉእ ብምሉእ ሓራ እንዀነሉ እዋን እሞ ሕስብ ኣብል! ከምቲ ኣምላኽ ኣብ መጀመርታ ዓሊምዎ ዝነበረ፡ ፍጹማት ኴንና ንዘለኣለም ክንነብር ኢና፣ ነዚ ዅሉ ኸኣ ሳላ እቲ የሆዋ ንምድሓንና ዝገበሮ ነገራት ኢና እንረኽቦ።—ሮሜ 8:21

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 3 ብ1918 ካብ 20 ኽሳዕ 50 ሚእታዊት ህዝቢ ዓለም ብናይ ስጳኛ ኢንፍሉወንዛ ተታሒዙ ኸም ዝነበረ እዩ ዚንገር። ካብ 1 ኽሳዕ 10 ሚእታዊት ዚዀኑ በቲ ቫይረስ እተታሕዙ ሰባት ሞይቶም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ብኣንጻሩ ግን፡ እቲ ብቫይረስ ኢቦላ ዚመጽእ ሕማም ሳሕቲ ዜጋጥም እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብቲ እተላብዓሉ እዋናት ግን ካብቶም ሕሙማት ዳርጋ 90 ሚእታዊት እዩ ቐቲሉ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ብህጹጽ ምድሓን ዜድልየካ ስለምንታይ እዩ፧

• የሱስ ዝገበሮ መስዋእቲ ብኸመይ ተንኪፉካ፧

• የሆዋ ውህበት በጃ ምሃቡ እንታይ ተሰሚዑካ፧

• ነቲ የሆዋ ንምድሓንካ ዝገበሮ ምድላው ሞሳኻ ንምግላጽ እንታይ ክትገብር ተደሪኽካ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ሊቀ ኻህናት እስራኤል ኣብ መዓልቲ ዕርቂ ህያው ምሳሌ እቲ መሲሕ ይኸውን ነበረ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ኣብርሃም ንወዱ ብፍታው ምስዋኡ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝኸፈሎ ዓብዪ መስዋእቲ ይምህረና