ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፍቕሪ ክርስቶስ ንኸነፍቅር ትድርኸና

ፍቕሪ ክርስቶስ ንኸነፍቅር ትድርኸና

ፍቕሪ ክርስቶስ ንኸነፍቅር ትድርኸና

“[የሱስ] ነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ ኽሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም።”—ዮሃ. 13:1

1, 2. (ሀ) እታ የሱስ ዘርኣያ ፍቕሪ ፍልይቲ ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነየናይ መዳያት ፍቕሪ ኢና ኽንምርምር፧

 የሱስ፡ ፍጹም ኣብነት ፍቕሪ ሰሪዑ እዩ። ኵሉ እቲ ዚገብሮ ዝነበረ ነገራት፡ ማለት ኣዘራርባኡ፡ ባህርያቱ፡ ኣመሃህራኡ፡ ከምኡውን መስዋእታዊ ሞቱ ነቲ ዝነበሮ ፍቕሪ ዜርኢ እዩ ነይሩ። ክሳዕ መወዳእታ ምድራዊ ህይወቱ፡ ነቶም ዚረኽቦም ዝነበረ ሰባት፡ ብፍላይ ከኣ ንደቀ መዛሙርቱ ፍቕሪ የርእዮም ነበረ።

2 እቲ የሱስ ፍቕሪ ብምርኣይ ዝመጸ ዝሓደጎ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ኣብነት፡ ሰዓብቱ ኬኽብርዎ ዘለዎም ልዑል መለክዒ ዚሕብር እዩ ነይሩ። ነቶም መንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኰነ ንኻልኦት ሰባት ተመሳሳሊ ዓይነት ፍቕሪ ንኸነርእዮም ዚድርኽ እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቶም ቀሊል ኰነ ኸቢድ ጌጋ ዝፈጸሙ ሰባት ፍቕሪ ብምርኣይ ዝመጸ፡ ሽማግለታት ካብ የሱስ እንታይ ኪመሃሩ ኸም ዚኽእሉ ኽንምርምር ኢና። ብዘይካዚ፡ እታ የሱስ ዘርኣያ ፍቕሪ፡ ክርስትያናት ኣብ ግዜ ጸገምን ዕንወትን ሕማምን ሰናይ ተግባራት ንኺፍጽሙ ብኸመይ ከም እትድርኾም ክንርኢ ኢና።

3. ጴጥሮስ ከቢድ ጌጋ እኳ እንተ ፈጸመ፡ የሱስ ብኸመይ ሓዞ፧

3 ኣብታ የሱስ ቅድሚ ሙማቱ ዝነበረት ምሸት፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንየሱስ ሰለስተ ሳዕ ከሓዶ። (ማር. 14:66-72) ኰይኑ ግን፡ ልክዕ ከምቲ የሱስ እተነበዮ ጴጥሮስ ምስ ተመልሰ፡ ይቕረታ ገበረሉ። ረዚን ሓላፍነት ድማ ሃቦ። (ሉቃ. 22:32፣ ግብ. 2:14፣ 8:14-17፣ 10:44, 45) ምስቶም ከቢድ ጌጋ ዝፈጸሙ ኣብ ዘሎና ርክብ ካብዚ የሱስ ዝነበሮ ኣረኣእያ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

ምስ በደለኛታት ኣብ ዘሎኩም ርክብ ሓሳብ ክርስቶስ ኣንጸባርቑ

4. ብፍላይ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ዅነታት ኢና ኸም ሓሳብ ክርስቶስ ከነርኢ ዘሎና፧

4 ሓደ ኻብቲ ሓሳብ ክርስቶስ እነርእየሉ ዅነታት፡ ምስቶም ኣብ ስድራ ቤት ይኹን ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኸቢድ በደል ዝፈጸሙ ሰባት ዘሎና ርክብ እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣዝዩ ዜሕዝን ኪኸውን ይኽእል እዩ። መወዳእታ እዚ ናይ ሰይጣን ስርዓት እናቐረበ ኣብ ዚኸደሉ ዘሎ እዋን፡ መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ ዓብዪ ስነ-ምግባራዊ ጕድኣት እዩ ዜውርድ ዘሎ። ናይዛ ዓለም እዚኣ ሕሱር ስነ-ምግባራዊ ኣረኣእያ ንንኣሽቱ ይኹን ንዓበይቲ በታ ጸባብ መገዲ ኺመላለሱ ንዝገበርዎ ቘራጽነት ብምድኻም፡ ኪጸልዎም ይኽእል እዩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ገሊኦም ሰባት ካብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኺውገዱ፡ ገሊኦም ከኣ ኪግሰጹ ነበሮም። ሎሚ እውን ተመሳሳሊ እዩ። (1 ቈረ. 5:11-13፣ 1 ጢሞ. 5:20) ይኹን እምበር፡ ነዚ ጕዳይ እዚ ዚከታተልዎ ሽማግለታት ከም ናይ ክርስቶስ ዓይነት ፍቕሪ ኼርእዩ ኸለዉ፡ ኣብቲ በዳሊ ሓያል ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ።

5. ሽማግለታት ምስ በደለኛታት ኣብ ዘለዎም ርክብ ንኣረኣእያ ክርስቶስ ኪቐድሕዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

5 ሽማግለታት እውን ልክዕ ከም የሱስ፡ ኵሉ ግዜ ንጽድቃዊ ስርዓታት የሆዋ ኣኽቢሮም ኪርእይዎ ኣለዎም። ከምዚ ኺገብሩ ኸለዉ፡ ንልእመትን ሕያውነትን ፍቕርን የሆዋ የንጸባርቑ። ሓደ ሰብ ብምኽንያት እቲ ዝገበሮ ጌጋ ‘ልቡ ስለ እተሰብረን’ ‘መንፈሱ ስለ እተቐጥቀጠን’ ናይ ሓቂ ነስሓ እንተ ኣርእዩ፡ ሽማግለታት ‘ብህዱእ መንፈስ ገይሮም ኬቕንዕዎ’ ዝቐለለ ይዀነሎም። (መዝ. 34:18፣ ገላ. 6:1) ይኹን እምበር፡ እቲ ሰብ ደረቐኛን ዋላ ሓንቲ ጣዕሳ ዘየርእን እንተ ዀይኑኸ፧

6. ሽማግለታት ምስ በደለኛታት ኣብ ዘለዎም ርክብ ካብ ምንታይ እዮም ኪርሕቁ ዘለዎም፧ ስለምንታይከ፧

6 ሓደ በደለኛ ነቲ ዚወሃቦ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ምስ ዚነጽጎ፡ ወይ ከኣ በደሉ ናብ ካልእ ሰብ ኬላግብ ምስ ዚፍትን፡ ሽማግለታትን ካልኦት ሰባትን ኣዝዮም ይቝጥዑ ይዀኑ። እቲ ሰብ ዘስዓቦ ጕድኣት ስለ ዚፈልጡ፡ ብዛዕባ ተግባራትን ኣመለኻኽታን እቲ ሰብ ዘለዎም ናይ ውልቆም ስምዒታት ኪገልጹ ይፍተኑ ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ ሓርቖት ጕድኣት ጥራይ እዩ ዜስዕብ፡ “ሓሳብ ክርስቶስ” ዜንጸባርቕ ከኣ ኣይኰነን። (1 ቈረ. 2:16፣ ያእቆብ 1:19, 20 ኣንብብ።) የሱስ ንገሊኦም ሰባት ብንጹር እኳ እንተ ኣጠንቀቖም፡ ጽልኢ ዜርኢ ወይ ዜሳቒ ነገር ግን ፈጺሙ ኣይተዛረበን። (1 ጴጥ. 2:23) ኣብ ክንዳኡስ፡ እቶም በደለኛታት ኪንስሑን እንደገና ስምረት የሆዋ ኺረኽቡን ዚኽእሉሉ መገዲ ኸፈተሎም። ከመይሲ፡ ሓደ ኻብቲ የሱስ ናብ ምድሪ ዝመጸሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ “ሓጥኣን ኬድሕን” እዩ።—1 ጢሞ. 1:15

7, 8. ሽማግለታት፡ ንፍርዳዊ ጕዳያት ኣብ ዚሕዙሉ መገዲ ብምንታይ እዮም ኪምርሑ ዘለዎም፧

7 የሱስ ኣብዚ መዳይ እዚ ዝሓደጎ ኣብነት፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ጉባኤና ተግሳጽ እተዋህቦም ሰባት ንዘሎና ኣመለኻኽታ ኺጸልዎ ዚግባእ ብኸመይ እዩ፧ እቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ መሰናድዎ ዝዀነ ፍርዳዊ ስጕምቲ፡ ነቲ መጓሰ ኸም ዜዕቍቦን እቲ ተግሳጽ እተዋህቦ በዳሊ ንኺንሳሕ ከም ዚድርኾን ኣይትረስዕ። (2 ቈረ. 2:6-8) ገሊኦም ሰባት ብሰንኪ ዘይምንሳሖም ኪውገዱ ኸለዉ ኣዝዩ ዜሕዝን እዩ፣ ኰይኑ ግን፡ ሓያሎ ኻብዞም ሰባት እዚኣቶም ጸኒሖም ናብ የሆዋን ናብ ጉባኤኡን ከም ዚምለሱ ምፍላጥ ኣዝዩ ባህ ዜብል እዩ። ሽማግለታት ከም ናይ ክርስቶስ ዓይነት ኣረኣእያ እንተ ኣርእዮም፡ እቲ ሰብ ልቡ ንኪቕይርን ኣብ መወዳእታ ንኺምለስን መገዲ ይኸፍቱሉ። ኣብ መጻኢ፡ ገሊኦም በደለኛታት ንዅሉ እቲ ሽማግለታት ዝሃብዎም ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኣይዝክርዎን ይዀኑ፣ እቶም ሽማግለታት ክብረቶም ከም ዝሓለዉሎምን ብፍቕሪ ኸም ዝሓዝዎምን ግን ብርግጽ ይዝክርዎ እዮም።

8 ስለዚ፡ ሽማግለታት ኣዝዩ ፈታኒ ዅነታት እውን እንተ ኣጋጠሞም፡ “ፍረ መንፈስ” ኬርእዩ፡ ብፍላይ ከኣ ከም ናይ ክርስቶስ ዓይነት ፍቕሪ ኼንጸባርቑ ኣለዎም። (ገላ. 5:22, 23) ንሓደ በዳሊ ኻብታ ጉባኤ ንኺውግድዎ ኺህወኹ የብሎምን። እቶም እተጋገዩ ሰባት ናብ የሆዋ ኺምለሱ ኸም ዚደልይዎም ኬርእዩ ኣለዎም። ከምዚ እንተ ገይሮም፡ እቲ በዳሊ ኸምቲ መብዛሕትኦም ዚገብርዎ ልቡ ምስ ቀየረ፡ ንየሆዋን ነቶም ናብታ ጉባኤ ንኺምለስ ዝሓገዝዎ ‘ውህበት ሰብኡትን’ ዓሚቝ ሞሳ ኺሓድሮ እዩ።—ኤፌ. 4:8, 11, 12

ኣብ ግዜ መወዳእታ ኸም ናይ ክርስቶስ ዓይነት ፍቕሪ ምርኣይ

9. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብግብራዊ መገዲ ፍቕሪ ዘርኣየሉ ኣብነት ጥቐስ።

9 ሉቃስ፡ ንሓደ ኻብቲ የሱስ ብግብራዊ መገዲ ፍቕሪ ዘርኣየሉ ዜደንቕ ኣጋጣሚ መዝጊቡ ኣሎ። የሱስ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ሰራዊት ሮሜ ነታ ንጥፍኣት ተመጥያ ዝነበረት ከተማ የሩሳሌም መውጽኢ ኸም ዘይህልዋ ገይሮም ከም ዚኸብዋ ይፈልጥ ነበረ። “የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርኤኹም፡ ሽዑ ጥፍኣታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ” ኢሉ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ ፍቕራዊ መጠንቀቕታ ሃቦም። ንሳቶምከ እንታይ ኪገብሩ ነበሮም፧ የሱስ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ንጹርን ዝርዝራውን መምርሒ ሃቦም፦ “ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ፡ ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኸኣ ካብኣ ይውጽኡ፡ ኣብ ሃገረ ሰብ ዘለዉውን ናብኣ ኣይእተዉ። እዚ፡ እቲ ጽሑፍ ዘበለ ምእንቲ ኺፍጸምሲ፡ ወርሓት ሕነ እዩ።” (ሉቃ. 21:20-22) ሰራዊት ሮሜ ብ66 ድ.ክ. ንየሩሳሌም ምስ ከበብዋ፡ እቶም እዙዛት ሰባት ነቲ መምርሒ ብምስዓብ ስጕምቲ ወሰዱ።

10, 11. ነቲ ቐዳሞት ክርስትያናት ካብ የሩሳሌም ዝሃደሙሉ እዋን ምምርማርና፡ ንብርቱዕ “መከራ” ዜዳልወና ብኸመይ እዩ፧

10 ክርስትያናት ካብ የሩሳሌም ይሃድሙ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ልክዕ ከምቲ ክርስቶስ ፍቕሪ ዘርኣዮም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ፍቕሪ ብምርኣይ ንዘለዎም ኵሉ ኺማቐልዎ ነበሮም። ኰይኑ ግን፡ እቲ የሱስ እተነበዮ ትንቢት፡ ኣብ ጥፍኣት እታ ጥንታዊት ከተማ ጥራይ እተሓጽረ ኣይነበረን። ከምዚ በለ፦ “ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ።” (ማቴ. 24:17, 18, 21) ንሕና እውን ቅድሚ እቲ ብርቱዕ “መከራ” ይኹን ድሕሪኡ፡ ከቢድ ጸገምን መከራን የጋጥመና ይኸውን። ሓሳብ ክርስቶስ እንተ ኣልዩና ግን ክንጻወሮ ንኽእል ኢና።

11 ኣብቲ እዋን እቲ፡ ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ብምስዓብ ስስዐ ዘይብላ ፍቕሪ ኸነርኢ ኼድልየና እዩ። ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ ጳውሎስ፡ “ክርስቶስ ድማ ንርእሱ ባህ ዜብሎ ኣይደለየን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍና፡ ንብጻዩ ምእንቲ ኺሀንጾ፡ ብሰናይ ነገር ባህ የብሎ። . . . እቲ ናይ ትዕግስትን ምጽንናዕን ኣምላኽ ኣብ ንሓድሕድኩም፡ ከምቲ ናይ ክርስቶስ የሱስ ጌርኩም፡ ሓደ ሓሳብ ክትሐስቡ ይሀብኩም” ዚብል ምኽሪ ሃበ።—ሮሜ 15:2, 3, 5

12. ኣብዚ እዋን እዚ ኸመይ ዝኣመሰለት ፍቕሪ ኢና ኸነማዕብል ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

12 እቲ ፍቕሪ የሱስ ዝረኣየ ጴጥሮስ እውን፡ ክርስትያናት ‘ግብዝና ዘይብላ ፍቕሪ ኣሕዋት’ ኬማዕብሉ፡ ‘ንሓቂ ድማ ኪእዘዝዋ’ ተላበዎም። ብዘይካዚ፡ “ብንጹህ ልቢ ንሓድሕድኩም ብሓቂ ተፋቐሩ” በሎም። (1 ጴጥ. 1:22, 23) ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ኸም ናይ ክርስቶስ ዓይነት ባህርያት ከነማዕብል ኣሎና። ድሮ እኳ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ዚወርድ ጸቕጥታት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ናይዛ ዓለም ቍጠባዊ ስርዓት እናኣንቈልቈለ ይኸይድ ከም ዘሎ ንጹር ስለ ዝዀነ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣብ ዝዀነ ይኹን ክፋል እዛ ኣረጊት ዓለም እዚኣ ትውክልቲ ኺገብር የብሉን። (1 ዮሃንስ 2:15-17 ኣንብብ።) ኣብ ክንዳኡስ፡ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ኣዝዩ እናቐረበ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብታ ጉባኤ ናይ ሓቂ ዕርክነት ብምምስራት ብዝያዳ ናብ የሆዋ ኽንቀርብን ንሓድሕድና ኽንቀራረብን ኣሎና። ጳውሎስ፡ “ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም፡ ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ” ዚብል ምኽሪ ሃበ። (ሮሜ 12:10) ጴጥሮስ እውን ነዛ ነጥቢ እዚኣ ኼጕልሓ ኸሎ፡ “ፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፡ ቅድሚ ዅሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀሉኹም” በለ።—1 ጴጥ. 4:8

13-15. ገሊኦም ኣሕዋት፡ ዕንወት ምስ ኣጋጠመ ኸም ናይ ክርስቶስ ዓይነት ፍቕሪ ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

13 ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ናይ ክርስቶስ ዓይነት ናይ ሓቂ ፍቕሪ ብምርኣይ እዮም ዚፍለጡ። ብ2005 ኣብ ደቡባዊ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ማዕበልን ህቦብላ ንፋስን ንሰፊሕ ቦታታት ምስ ኣዕነወ፡ ብፍታው ሓገዝ ንምሃብ ብዛዕባ ዝመጹ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እሞ ርአ። በቲ የሱስ ዘርኣዮ ኣብነት ተደሪኾም፡ ልዕሊ 20,000 ዝዀኑ ወለንተኛታት ነቶም እተሸገሩ ኣሕዋቶም ንምሕጋዝ ምሹው ቤቶምን ስርሖምን ሓዲጎም መጹ።

14 ኣብ ሓደ ኸባቢ፡ እቲ ማዕበል ናብ መሬት ክሳዕ 80 ኪሎ ሜተር በጺሑ ነበረ፣ ክሳዕ 10 ሜተር ዚበጽሕ ብራኸ ኸኣ ነበሮ። እቲ ማይ ምስ ጐደለ፡ ሲሶ ኣባይትን ካልእ ህንጻታትን ምሉእ ብምሉእ ዓነወ። ካብ ሓያሎ ሃገራት ብፍታው ዝመጹ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ እተፈላለየ መሳርሕን ናውቲ ህንጸትን ሒዞም ናብቲ ኸባቢ ብምምጻእ፡ በቲ ዘለዎም ክእለት ዜድሊ ዘበለ ዕዮ ዓየዩ። ክልተ ብስጋ ኣሓት ዝዀና መበለታት፡ ኣቕሑአን ኣብ ማኪና ብምጽዓን ልዕሊ 3,000 ኪሎ ሜተር ተጓዒዘን ንኺሕግዛ መጻ። ሓንቲ ኻብአን ከኣ ነቲ ኮሚተ ረዲኤት እናሓገዘትን ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና እናኣገልገለትን ኣብኡ ትነብር ኣላ።

15 ልዕሊ 5,600 ዚኸውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰነ ናይ ካልኦት ሰባት ኣባይቲ ኸም ብሓድሽ ተሃንጸ ወይ ተጸገነ። ከምዚ ዓይነት ዜደንቕ ፍቕሪ ብምርኣዮም እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ተሰምዖም፧ ሓንቲ ሓብቲ ቤታ ስለ ዝዓነወ፡ ናብ ሓንቲ ዜፍስስ ናሕስን ሰባር እቶንን ዝነበራ ንእሽቶ ተጐታቲት ማኪና ገዓዘት። እቶም ኣሕዋት ንእሽቶን ምሽእትን ቤት ሃነጹላ። ነታ ጽርይትን ሓዳስን ቤታ እናረኣየት፡ ንየሆዋን ንኣሕዋታን ካብ ዘለዋ ሞሳ ተበጊሳ ነብዐት። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ከኣ ብዙሓት ካብ ኣባይቶም እተመዛበሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣባይቶም እኳ እንተ ተሰርሐ፡ ንሓደ ዓመት ዚኸውን ኣብ ግዜያዊ መዕረፊ ጸንሑ። ስለምንታይ፧ ሰራሕተኛታት ዕዮ ረድኤት ነቲ ኣባይቶም ምእንቲ ኺጥቀሙሉ ኢሎም እዮም። ከመይ ዘበለ ሓሳብ ክርስቶስ ዜንጸባርቕ ኣብነት ኰን እዩ!

ነቲ ክርስቶስ ንሕሙማት ዝነበሮ ኣረኣእያ ምንጽብራቕ

16, 17. ነቲ ክርስቶስ ንሕሙማት ዝነበሮ ኣረኣእያ ኸነንጸባርቕ እንኽእለሉ መገድታት እንታይ እዩ፧

16 መብዛሕትና ኸቢድ ባህርያዊ ዕንወት ኣየጋጥመናን ይኸውን። ኰይኑ ግን፡ ንዓና ይኹን ንኣባላት ስድራ ቤትና ናይ ጥዕና ጸገም ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ የሱስ ንሕሙማት ዝነበሮ ኣረኣእያ፡ ኣብነት ኪዀነና ይኽእል እዩ። እታ ዝነበረቶ ፍቕሪ ንኺድንግጸሎም ደረኸቶ። እቶም ህዝቢ ነቶም ሕሙማት ሒዞም ናብኡ ኺመጹ ኸለዉ፡ ‘ንዅሎም የሕውዮም ነበረ።’—ማቴ. 8:16፣ 14:14

17 ሎሚ ክርስትያናት ከም የሱስ ብተኣምራዊ መገዲ ናይ ምሕዋይ ሓይሊ ዘይብሎም እኳ እንተ ዀነ፡ ንሕሙማት ግን ብሕያውነት እዮም ዚሕዝዎም። ነዚ ብኸመይ እዮም ዜርእይዎ፧ ሽማግለታት ነቲ ኣብ ማቴዎስ 25:39, 40 ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት ብምስዓብ፡ ነቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ሕሙማት ናይ ምሕጋዝ መሰናድዎ ምስ ዚገብሩን ምስ ዚከታተልዎን ከም ናይ ክርስቶስ ዓይነት ኣረኣእያ ኸም ዘለዎም ኬርእዩ ይኽእሉ እዮም። * (ኣንብብ።)

18. ክልተ ኣሓት ንኻልእ ሓብቲ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ዘርኣያኣ ብኸመይ እየን፧ እንታይ ውጽኢትከ ተረኽበ፧

18 ሓደ ሰብ ንኻልኦት ጽቡቕ ንኺገብር ግድን ሽማግለ ኪኸውን ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ነታ ጓል 44 ዓመት ዝዀነት ሻርሊን ዘጋጠማ እስከ ንርአ፣ እዛ ሓብቲ እዚኣ መንሽሮ ነበራ፡ ንኽትመውት ዓሰርተ መዓልቲ ኸም ዝተረፋ ኸኣ ተነግራ። ነቲ ዜድልያ ዝነበረ ሓገዝን እቲ ውፉይ ሰብኣያ ንዓኣ ንምእላይ ዚገብሮ ዝነበረ ጻዕርን ብምስትውዓል፡ ሻሮንን ኒኮለትን ዝስመን ኣሓት፡ ኣብተን ናይ መወዳእታ መዓልትታት ህይወታ ብምሉእ ዓቕመን ንኺሕግዛኣ ፍቓደኛታት ኰና። እተን ሻርሊን ብህይወት ዝጸንሓትለን መዓልትታት ናብ ወርሕን ክልተ ሰሙንን እኳ እንተ ተናውሓ፡ እተን ኣሓት ግን ክሳዕ መወዳእታ ፍቕረን ኣርኣያኣ። ሻሮን፡ “ሓደ ሰብ ካብ ሕማሙ ኸም ዘይሓዊ ኽትፈልጥ ከለኻ ኣዝዩ ኸቢድ እዩ። የሆዋ ግን ኣበርቲዑና እዩ። እዚ ኣጋጣሚ እዚ ናብኡ ንኽንቀርብን ንሓድሕድና ንኽንቀራረብን ኣኽኢሉና እዩ” በለት። ሰብኣይ ሻርሊን እውን ከምዚ በለ፦ “ነዚ እዘን ክልተ ኣሓት ዝገበራኦ ሕያውነት ዝመልኦ ሓገዝ ፈጺመ ኣይርስዖን እየ። እቲ ዘርኣያኦ ንጹህ ድራኸን ኣወንታዊ ኣረኣእያን ነተን ሻርሊን ዘሕለፈተን ናይ መወዳእታ ፈተንቲ እዋናት ቀለልቲ ኸም ዚዀና ገበረላ፣ ንዓይ ከኣ ነቲ ኣዝዩ ዜድልየኒ ዝነበረ ኣካላውን ስምዒታውን ዕረፍቲ ኸም ዝረክብ ገበረኒ። ኵሉ ሳዕ ከመስግነን እየ ዝነብር። እቲ ዝገበራኦ መስዋእቲ ነቲ ኣብ የሆዋ ዝነበረኒ እምነት ኣደልዲልዎ እዩ፡ ነቲ ዓለምለኻዊ ሕውነት ከም ዜፍቅሮ ድማ ገበረኒ።”

19, 20. (ሀ) ነየኖት ሓሙሽተ መዳያት ሓሳብ ክርስቶስ ኢና መርሚርና፧ (ለ) እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘሪጽካ፧

19 ኣብዘን ተኸታተልቲ ሰለስተ ዓንቀጻት፡ ንሓሙሽተ መዳያት ሓሳብ ክርስቶስን ብኸመይ ንኣተሓሳስባኡን ንተግባራቱን ክንቀድሖ ኸም እንኽእልን መርሚርና ኢና። ስለዚ፡ ከም የሱስ ‘ለዋሃትን ትሑታትን’ ንኹን። (ማቴ. 11:29) ሰባት ዘይፍጽምናን ድኽመትን እኳ እንተ ኣርኣዩ፡ ብሕያውነት ክንሕዞም ንጽዓር። ፈተናታት እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ንዅሉ እቲ የሆዋ ዘውጽኦ ብቕዓታት ብትብዓት ንተኣዘዝ።

20 ልክዕ ከምቲ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ‘ኽሳዕ መወዳእታ ዘፍቀሮም፡’ ንዅሎም ኣሕዋትና ኸም ናይ ክርስቶስ ዓይነት ፍቕሪ ነርእዮም። በዛ ፍቕሪ እዚኣ ኢና ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ ምዃንና እንልለ። (ዮሃ. 13:1, 34, 35) እወ፡ “ፍቕሪ ሕውነት ትጽናዕ።” (እብ. 13:1) ህይወትካ ንየሆዋ ኣብ ምውዳስን ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝን ካብ ምውዓል ድሕር ኣይትበል። የሆዋ ኸኣ ነቲ ልባዊ ጻዕርኻ ኺባርኾ እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 17 ነታ ኣብ ናይ 15 ጥቅምቲ 1986 ግምቢ ዘብዐኛ እትርከብ፡ “‘ሙቑ፡ ጽገቡ’ ኻብ ምባል ንላዕሊ ግበሩ” እትብል ዓንቀጽ ርአ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ሽማግለታት ምስ በደለኛታት ኣብ ዘለዎም ርክብ ሓሳብ ክርስቶስ ኬንጸባርቑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

• ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ንፍቕሪ ክርስቶስ ክንቀድሓ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ነቲ ክርስቶስ ንሕሙማት ዝነበሮ ኣረኣእያ ኸነንጸባርቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ሽማግለታት፡ በደለኛታት ናብ የሆዋ ኺምለሱ እዮም ዚደልዩ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ክርስትያናት ንሓሳብ ክርስቶስ ዘንጸባረቑ ብኸመይ እዮም፧

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ናይ ክርስቶስ ዓይነት ናይ ሓቂ ፍቕሪ ብምርኣይ እዮም ዚፍለጡ