ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ካብ ምሳሌ 24:27 እንታይ ትምህርቲ ኺርከብ ይከኣል፧

እቲ ንመጽሓፍ ምሳሌ ዝጸሓፈ ንሓደ መንእሰይ ኪመኽሮ ኸሎ፡ “ናይ ወጻኢ ዕዮኻ ኣሰናዱ፡ ኣብ ግራት ከኣ ንኣኻ ኣዳሉ፡ ደሓር ቤትካ ስራሕ” በለ። ካብዚ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምሳሌ እንታይ ትምህርቲ እዩ ኺርከብ ዚከኣል፧ ሓደ መንእሰይ ቅድሚ ምምርዓዉ ነቲ ሓዳር ምግባር ዜምጽኦ ሓላፍነት ብግቡእ ኪዳሎ ኣለዎ።

ቅድሚ ሕጂ፡ እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ሓደ ሰብኣይን ኣቦን ሰብኣዊ ስራሕ ኪሰርሕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ መንፈሳዊ መምርሒ ብምሃብ ንስድራ ቤቱ ኺሃንጻ ወይ ኬተባብዓ ኸም ዘለዎ ንምግላጽ እትውዕለሉ ግዜ ነይሩ እዩ። እዚ ሓሳብ እዚ ቕኑዕን ቅዱስ ጽሑፋውን እኳ እንተ ዀነ፡ ናይዛ ጥቕሲ እዚኣ ቐንዲ ነጥቢ ግን ኣይመስልን እዩ። ስለምንታይ፧ ክልተ ምኽንያታት እስከ ንርአ።

ቀዳማይ፡ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ንሓደ ድሮ እተመስረተ ስድራ ቤት ብምትብባዕ ወይ ብምድልዳል ክትሃንጾ ኸም ዘሎካ ኣይኰነትን እትገልጽ ዘላ። የግዳስ፡ ቃል ብቓሉ ቤት ብዛዕባ ምስራሕ እያ እትዛረብ። እታ “ስራሕ” እትብል ቃል ብምሳልያዊ መገዲ እውን ኪዕየየላ ይኽእል እዩ፣ እዚ ኸኣ ስድራ ቤት ምህናጽ ወይ ምምስራት፡ ማለት ምምርዓውን ቈልዑ ምውላድን ዜመልክት እዩ።

ካልኣይ፡ እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ንነገራት ብግቡእ መስርዑ ኽንሰርዖ ኸም ዘሎና እያ እተጕልሕ፣ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ “ፈለማ ነዚ ግበር፡ ደሓር ከኣ ነቲ ትገብር” እያ እትብል ዘላ። እሞኸ እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ስጋዊ ሓላፍነታት ካብ መንፈሳዊ ሓላፍነታት ኪቕድም ከም ዘለዎ ድያ እትገልጽ፧ ኣይፋላን።

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ሰብኣይ ‘ቤት ኪሰርሕ፡’ ማለት ሓዳር ኪገብር እንተ ደልዩ፡ ‘ንሰበይተይን ነቶም ጸኒሖም ዚውለዱ ቘልዑን ክከናኸኖምን ክድግፎምን ተዳልየ ድየ፧’ ኢሉ ንርእሱ ኺሓትት ነበሮ። ስድራ ቤት ቅድሚ ምምስራቱ፡ ኣብ ግራቱ ኺዓዪ ነበሮ። በዚ ምኽንያት እዚ እያ ትርጕም 1990 ነዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ “ግርሁኻ ኽሳብ እተዳሉ፥ መናበሪኻ ክሳዕ እትረክብ ቤት ኣይትሥራሕ” ኢላ ብንጹር ተርጒማታ ዘላ። እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ኣብዚ ግዜና ይዓዪ ድዩ፧

እወ፡ ይዓዪ እዩ። ሓደ ኺምርዖ ዝደለየ ሰብኣይ፡ ነቲ ዚስከሞ ሓላፍነት ብግቡእ ኪዳሎ ኣለዎ። ናይ ጥዕና ጸገም ዘይብሉ እንተ ዀይኑ፡ ኪሰርሕ ኣለዎ። ሓቂ እዩ፡ ሓደ ሰብኣይ ንስድራ ቤቱ ብኣካላዊ ዜድልዮም ጥራይ ኬማልኣሎም ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ቃል ኣምላኽ፡ ሓደ ሰብኣይ ንኣካላውን ስምዒታውን መንፈሳውን ነገራት እታ ስድራ ቤት ዘየማልእ እንተ ዀይኑ፡ ካብቲ ዘይኣምን ዝገደደ ምዃኑ እዩ ዚገልጽ። (1 ጢሞ. 5:8) ስለዚ፡ ሓደ መንእሰይ ንሓዳር ኪዳሎ ኸሎ ኸምዚ ኢሉ ንርእሱ ኺሓትት ኣለዎ፦ ‘ንስድራ ቤተይ ብስጋ ዜድልዮም ነገራት ንምምላእ ተዳልየ ድየ፧ ብመንፈሳዊ መዳይ ርእሲ ሓንቲ ስድራ ቤት ክኸውን ተዳልየ ድየ፧ ነቲ ምስ ሰበይተይ ይኹን ምስ ደቀይ ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምግባር ሓላፍነት ክዋጽኣሉ እኽእል ድየ፧’ ቃል ኣምላኽ ነዚ ኣገዳሲ ሓላፍነታት እዚ ኣጕሊሑ እዩ ዚገልጾ።—ዘዳ. 6:6-8፣ ኤፌ. 6:4

ስለዚ፡ ሓደ ሰበይቲ ዚደሊ ዘሎ መንእሰይ፡ ነቲ ኣብ ምሳሌ 24:27 ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት ብጥንቃቐ ኺሓስበሉ ኣለዎ። ሓንቲ መንእሰይ እውን እንተ ዀነት፡ ነቲ ኸም ሰበይትን ኣደን መጠን ዜጋጥማ ሓላፍነታት ክትዋጽኣሉ እንተ ዀይና ንርእሳ ኽትሓትት ኣለዋ። ሰብ ሓዳር እውን ቈልዑ ኺወልዱ እንተ ደልዮም፡ ንርእሶም ተመሳሳሊ ሕቶታት ኪሓቱ ኣለዎም። (ሉቃ. 14:28) ህዝቢ ኣምላኽ በዚ መንፈስ ዝነፈሶ መምርሒ እዚ ዚመላለሱ እንተ ዀይኖም፡ ካብ ጓሂ ልቢ ኺርሕቁን ባህ ዜብል ናብራ ስድራ ቤት ኪህልዎምን ይኽእል እዩ።

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ መንእሰይ ከመይ ዝበለ ንሓዳር ዚምልከት ሕቶታት እዩ ንርእሱ ኺሓትት ዘለዎ፧