ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ግዜ መዲብካዶ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ግዜ መዲብካዶ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ግዜ መዲብካዶ፧

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ መደብ ኣኼባታት ጉባኤ ምትዕርራይ ከም እተገብረ ሓቢሩ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ናይ ስድራ ቤት ምይይጥን ክትገብር ዚሕግዝ ተወሳኺ ግዜ ኽትረክብ ዜኽእል እዩ። ርእሲ ስድራ ቤት እንተ ዄንካ፡ ምስ ሰበይትኻ ዀነ ምስ ደቅኻ ትርጕም ዘለዎን ስሩዕን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስድራ ቤት ይሃሉኻ። ውሉዳት ዘይብሎም ሰብ ሓዳር ድማ፡ ነዚ ግዜ እዚ ሓቢሮም መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ኪጥቀምሉ ኣለዎም። እዚ ግዜ እዚ፡ ነቶም ናይ ስድራ ቤት ሓላፍነታት ዘይብሎም ንጽል ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብሩ የኽእሎም እዩ።

ብዙሓት ነቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስድራ ቤት ዚገብሩላ ምሸት ንኽትህልዎም እተገብረ መሰናድዎ ሞሳኦም ገሊጾም እዮም። ንኣብነት፡ ኬቨን ዚበሃል ሽማግለ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “እቶም ኣብ ጉባኤ ዘለና ኸመይ ከም እተሰምዓና ንምግላጽ ‘ነመስግነኩም’ ዚብላ ቓላት እኹላት ኣይኰናን። ሽማግለታት ነታ ናጻ ዝዀንናላ ምሸት ከምቲ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላበወና ጌርና ኽንጥቀመላ፡ ማለት ምስ ስድራ ቤትና ሓቢርና ኸነጽንዕ ብዛዕባ እንኽእለሉ መገዲ ተመያይጥና ኢና።”

ሰብኣያ ሽማግለ ዝዀነ ጆዲ እትብሃል ሓብቲ ኸምዚ ኢላ ጸሓፈት፦ “ደቂ 15ን 11ን 2ን ዓመት ዝዀና ሰለስተ ኣዋልድ ኣለዋና። ኣብዚ ቐረባ እዋን ድማ ኢና ብቛንቋ ምልክት ናብ እትምራሕ ጉባኤ ግዒዝና። ንዅሉ እቲ ኣብ ጉባኤ እንወስዶ ነገራት ምድላው ብዙሕ ግዜን ጻዕርን እዩ ዚሓትት። ሕጂ ግን ሳላ እዚ ምትዕርራይ እዚ፡ ናይ ስድራ ቤት መጽናዕቲ ኽንገብር እንኽእለሉ ተወሳኺ ምሸት ረኺብና ኢና!”

ጆንን ጆኣንን ዚበሃሉ ስሩዓት ፈለምቲ ዀይኖም ዜገልግሉ ሰብ ሓዳር ከምዚ ኢሎም ጸሓፉ፦ “ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስድራ ቤት ምስ እተፈላለየ ናይ ጉባኤ ንጥፈታት ደሪብና ንገብሮ ስለ ዝነበርና፡ መብዛሕትኡ እዋን ሳሕቲ ኢና እንገብሮ ኔርና። እዚ ሓድሽ መሰናድዎ እዚ፡ በቲ እተበሃልናዮ መገዲ እንተ ተጠቒምናሉ፡ ብመንፈሳዊ ንኽንበራታዕ ዚሕግዝ ካብ የሆዋ እተረኽበ ህያብ እዩ።”

ቶኒ ዚበሃል ኣብ መፋርቕ 20ታት ዕድሜኡ ዚርከብ ንጽል ሓው፡ ኵሉ ግዜ ሰሉስ ምሸት ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ኺገብር መደበ። ንናይ ጉባኤ ኣኼባታት ኣብ ካልእ መዓልትታት እዩ ዚዳሎ። ይኹን እምበር፡ “ብፍላይ ንሰሉስ ብሃንቀውታ እየ ዝጽበያ” በለ። ስለምንታይ፧ “እታ ምሸት እቲኣ ናብ የሆዋ ዚቐርበላ ፍልይቲ ግዜ እያ። ዳርጋ ንኽልተ ሰዓት ምስ የሆዋ ንዘሎኒ ርክብ ኣብ ዜደልድለለይ ኣርእስትታት መጽናዕቲ እገብር እየ። መጽናዕቲ ዝገብረሉ ተወሳኺ ግዜ ምርካበይ፡ ነቲ ዘንብቦ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኸስተንትነሉ ኣኽኢሉኒ እዩ” ኢሉ ተዛረበ። እንታይ ውጽኢትከ ረኸበ፧ “ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝበለጸ፡ ምኽሪ የሆዋ ኣብ ውሽጢ ልበይ ሰሪጹ እዩ” በለ። ብዛዕባ እዚ ኣብነት ኪህብ ይኽእልዶ፧ “ኣብ መጽሓፍ ኢንሳይት፡ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ዳዊትን ዮናታንን ዝነበረ ዕርክነት ኣንበብኩ። ካብቲ ዮናታን ዝነበሮ ስስዐ ዘይብሉ ባህርያት ብዙሕ ተመሃርኩ። እቲ ዝሓደጎ ኣብነት፡ ናይ ሓቂ ዓርኪ ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ብንጹር ንኽፈልጥ ሓገዘኒ። ኵሉ ግዜ ሰሉስ ምሸት ተወሳኺ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኽቡር ነገራት ክረክብ ብሓቂ ሃረር እየ ዝብል!” ኢሉ ገለጸ።

ኵሎም ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ነቲ ትርጕም ዘለዎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ናይ ስድራ ቤት ምይይጥን ኪገብሩ ዜኽእሎም ተወሳኺ ግዜ ብዚግባእ ብምጥቃም፡ ብዙሕ ረብሓ ኸም ዚረኽቡ ዜጠራጥር ኣይኰነን።