ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ”

“ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ”

“ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ”

“ዚከአል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ።” —ሮሜ 12:18

1, 2. (ሀ) የሱስ ንሰዓብቱ ኸመይ ዝበለ መጠንቀቕታ እዩ ዝሃቦም፧ (ለ) ንምጽራር ምላሽ ብዛዕባ እንህበሉ መገዲ ምኽሪ ኽንረክብ እንኽእል ካበይ ኢና፧

 የሱስ ንሰዓብቱ፡ ካብዛ ዓለም እዚኣ ምጽራር ከም ዜጋጥሞም ኣጠንቀቖም፣ ኣብታ ድሮ ሞቱ ዝነበረት ምሸት ድማ ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዜጋጥሞም ገለጸ። ንሃዋርያቱ፡ “ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ እያ እሞ፡ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሐሬኹኹም እምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን፡ ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ” በሎም።—ዮሃ. 15:19

2 ሃዋርያ ጳውሎስ ንሓቅነት ቃላት የሱስ ተመኪርዎ እዩ። ናብቲ ብጻዩ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ኣብ ዝለኣኻ ኻልአይቲ መልእኽቱ፡ “ንስኻ ግና ንትምህርተይ፡ ንንብረተይ፡ ንፍቓደይ፡ ንእምነተይ፡ ንዓቕለይ፡ ንፍቕረይ፡ ንትዕግስተይ ኣጸቢቕካ ሰዐብካ” ኢሉ ጸሓፈ። ወሲኹ ድማ፡ “እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ዅሎም ኪስጐጉ እዮም” በለ። (2 ጢሞ. 3:10-12) ናብቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ዝለኣኻ መልእኽቲ ኣብ ምዕራፍ 12 እውን ነቲ ዜጋጥሞም ምጽራር ብኸመይ ምላሽ ኪህቡሉ ኸም ዘለዎም ምኽሪ ሃበ። እዘን ቃላት እዚኣተን፡ ኣብዚ ግዜ መወዳእታ መምርሒ ኪዀናና ይኽእላ እየን።

“ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ”

3, 4. እቲ ኣብ ሮሜ 12:17 ዘሎ ምኽሪ (ሀ) ኣብ ውሽጢ ብሃይማኖት እተኸፋፈለት ስድራ ቤት፡ (ለ) ምስ ጐረባብትና ኣብ ዘሎና ርክብ ዚዓዪ ብኸመይ እዩ፧

3 ሮሜ 12:17 ኣንብብ። ጳውሎስ፡ ምጽራር ኬጋጥመና ኸሎ፡ ሕነ ኽንፈዲ ኸም ዘይብልና ገለጸ። ነዚ ምኽሪ እዚ ምስዓብ፡ ብፍላይ ኣብተን ብሃይማኖት እተኸፋፈላ ስድራ ቤታት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ሓደ ክርስትያን መጻምድቲ፡ ብዘረባ ወይ ብተግባር እንተ ተጐዲኡ፡ ንሱ እውን ከምኡ ብምግባር ሕነ ኣይፈድን እዩ። ከመይሲ፡ ‘ክፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ምፍዳይ’ ዜምጽኦ ጥቕሚ የለን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ነቲ ዅነታት መሊሱ እዩ ዜጋድዶ።

4 ጳውሎስ፡ “ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ” ብምባል ዝሓሸ መገዲ ነጊሩና ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት፡ ነቲ ብዛዕባ እምነታ ባህ ዘየብል ርእይቶ ዚህብ ሰብኣያ ናይ ሓቂ ሕያውነት እተርኢ ሰበይቲ፡ ነቲ ስዒቡ ኺመጽእ ዚኽእል ቈየቛ እያ እተደቅሶ። (ምሳ. 31:12) ሕጂ ኣባል ስድራ ቤትኤል ዝዀነ ካርሎስ፡ ኣዲኡ ነቲ ኻብ ኣቦኡ ዚወርዳ ዝነበረ ሓያል ምጽራር ብሕያውነትን ንቤታ ብግቡእ ብምሓዝን ከም እተዋጽኣትሉ ገለጸ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ኵሉ ሳዕ ኣኽብሮት ከነርእዮ ተተባብዓና ነበረት። ዋላ እኳ ቦውሊን ዚበሃል ዓይነት ጸወታ ምጽዋት ዘይፈቱ እንተ ነበርኩ፡ ምስ ኣቦይ ክጻወት ትደፋፍኣኒ ነበረት። እዚ ኸኣ ጽቡቕ ሃዋህው ከም ዚፍጠር ገበረ።” ጸኒሑ፡ ኣቦ ካርሎስ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ተሰማምዐ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ተጠምቀ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቲ “ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ” ዚብል ምኽሪ ስለ ዚስዕቡ፡ ባህርያዊ ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ ንጐረባብቶም ግብራዊ ሓገዝ ብምሃብ ካብ ኣቐዲምካ ምፍራድ ይርሕቁ እዮም።

ንምጽራር ብ“ጕሁር ሓዊ” ምምካኹ

5, 6. (ሀ) ኣብ ርእሲ ሓደ ጸላኢና “ጕሁር ሓዊ” እንእክብ ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ነቲ ኣብ ሮሜ 12:20 ዚርከብ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምውዓል ጽቡቕ ፍረ ኸም ዘለዎ ዜርኢ ኣብ ከባቢኻ እተረኽበ ተመክሮ ኣዘንቱ።

5 ሮሜ 12:20 ኣንብብ። ጳውሎስ ነዘን ኣብዛ ጥቕሲ ዘለዋ ቓላት ኪመርጽ ከሎ፡ ነቲ ኣብ ምሳሌ 25:21, 22 ዘሎ ሓሳብ ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙ ኸም ዝነበረ ዜጠራጥር ኣይኰነን፣ እታ ጥቕሲ፡ “ጸላኢኻ እንተ ጠመየ፡ እንጌራ ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን፡ ማይ ኣስትዮ። በዚ ኸምዚ ጓህሪ ኣብ ርእሱ ትእክብ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኪፈድየካ እዩ” ትብል። ነቲ ኣብ ሮሜ ምዕራፍ 12 ዘሎ ምኽሪ ኣብ ግምት ከነእቱ ኸለና፡ ጳውሎስ፡ እቲ ምሳልያዊ ሓዊ ነቲ ተጻራሪ መቕጻዕቲ ወይ ሕፍረት የምጽኣሉ እዩ ማለቱ ኸም ዘይነበረ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ይኹን እቲ ምስኡ ዚመሳሰል ኣብ ሮሜ ዚርከብ ቃላት ጳውሎስ፡ ነቲ ብግዜ ጥንቲ ዚግበር ዝነበረ ዘይተጻረየ ሓጺን ናይ ምምካኽ መስርሕ ዜመልክት እዩ ዚመስል። እቲ ኣብ መበል 19 ዘመን ዝነበረ ቻርለስ ብሪጅስ ዝስሙ እንግሊዛዊ ምሁር፡ “ነቲ ገና ዘይተብዐ ሓጺን ብትሕቲኡን ብልዕሊኡን ሓዊ ይግበረሉ ነበረ፡ እዚ ማለት ከኣ ኣብ ልዕሊ ሓዊ የንብርዎ ጥራይ ዘይኰነስ ብልዕሊኡ እውን ከሰል ሓዊ ይጽፍጽፉሉ እዮም ነይሮም። ገሊኡ ዓይነት ልቢ ኣዝዩ ነቓጽ ስለ ዝዀነ፡ በታ ዕግስትን ጥቕሚ ርእሳ እትስውእን ሃልሃል እትብልን ፍቕሪ ኺመክኽ ኣይክእልን እዩ” በለ።

6 ብሕያውነት ዚግበር ተግባራት ልክዕ ከም “ጕሁር ሓዊ” ንልቢ ተጻረርቲ ኼለስልሶ፡ ምናልባት እውን ንምጽራሮም ኬምክኾ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ሰባት ብዛዕባ ህዝቢ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ዚሰብክዎ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስን ጽቡቕ ኣረኣእያ ኸም ዚህልዎም ኣብ ምግባር ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሐምዩኹም ዘለዉ፡ ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ሓተታ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ጴጥ. 2:12

“ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ”

7. እቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሓደገሎም ሰላም እንታይ እዩ፧ እንታይ ክንገብርከ እዩ ኺድርኸና ዘለዎ፧

7 ሮሜ 12:18 ኣንብብ። ኣብታ የሱስ ምስ ሃዋርያቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት፡ “ሰላም እሐድገልኩም፡ ሰላመይውን እህበኩም አሎኹ” በሎም። (ዮሃ. 14:27) እዚ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሓደገሎም ሰላም፡ የሆዋ ኣምላኽን እቲ ፍቱው ወዱን ከም ዜፍቅርዎም ከምኡውን ከም ዝሰምርዎም ኰይኑ ኺስምዖም ከሎ ዚረኽብዎ ውሽጣዊ ህድኣት እዩ። እዚ ውሽጣዊ ሰላም እዚ ምስ ካልኦት ብሰላም ንኽንነብር ኪድርኸና ኣለዎ። ከመይሲ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣፍቀርቲ ሰላምን ገበርቲ ሰላምን እዮም።—ማቴ. 5:9

8. ኣብ ቤትናን ኣብ ጉባኤናን ገበርቲ ሰላም ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

8 ሓደ ኻብቲ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ገበርቲ ሰላም ክንከውን እንኽእለሉ መገዲ፡ ዘይምስምማዕ ኬጋጥም ከሎ፡ እቲ ዅነታት እናገደደ ቕድሚ ምኻዱ ብቕልጡፍ ምፍታሕ እዩ። (ምሳ. 15:18፣ ኤፌ. 4:26) እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን ኪውዕል ይኽእል እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ንሰላም ምስዓብ ምስ ልሳንካ ምግታእ ኣተሓሒዝዎ ኣሎ። (1 ጴጥ. 3:10-12) ያእቆብ እውን እንተ ዀነ፡ ንልሳንና ብግቡእ ክንጥቀመላ፡ ካብ ቅንእን ቈየቛን ድማ ክንርሕቕ ከም ዘሎና ዚገልጽ ሓያል ምኽሪ ድሕሪ ምሃቡ፡ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ፡ ደሓርውን ሰላማዊት፡ ልእምቲ፡ ሰማዕ፡ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት፡ ብዘይ ዝሬትን ብዘይ ግብዝናን እያ። ነቶም ሰላም ዚገብሩውን እቲ ፍረ ጽድቂ ብሰላም ይዝርኦም እዩ።”—ያእ. 3:17, 18

9. ‘ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ክንነብር’ ንጽዕር እኳ እንተ ዀንና፡ እንታይ ኢና ግን ክንርስዕ ዘይብልና፧

9 ጳውሎስ ኣብቲ ኣብ ሮሜ 12:18 ዝገለጾ ሓሳብ፡ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤትን ጉባኤን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክንዮኡ እውን ሰላማውያን ክንከውን ከም ዘሎና ተዛሪቡ እዩ። “ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ” ኢሉ ኸኣ ሓበረ። እዚ ኸኣ ንጐረባብቲ፡ ንመሳርሕቲ፡ ንመማህርቲ፡ ከምኡውን ነቶም ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባት ዜጠቓልል እዩ። ይኹን እምበር፡ ሃዋርያ ጳውሎስ “ዚከአል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ” ኢሉ እውን ተዛሪቡ እዩ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ፡ ንጽድቃዊ ስርዓታት የሆዋ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኸየእተና ‘ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንምንባር’ ዝከኣለና ኽንገብር ኣሎና ማለት እዩ።

ምፍዳይ ሕነ ናይ የሆዋ እዩ

10, 11. ነቲ “ቝጥዓ ኣምላኽ ባዕሉ ኺፈድዮ ኅደጉሉ” ዚብል ምኽሪ እንስዕቦ ብኸመይ ኢና፧ ከምኡ ምግባር ግቡእ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

10 ሮሜ 12:19 ኣንብብ። ምስቶም ንዕዮናን ንመልእኽትናን ‘ዚጻረሩ’ ሰባት፡ እንተላይ ምስቶም ብቐጥታ ዚጻረሩና ኣብ ዘሎና ርክብ እውን ‘ዕጉሳት’ ክንከውንን “ብህድኣት” ክንመላለስን ኣሎና። (2 ጢሞ. 2:23-25) ጳውሎስ ንክርስትያናት፡ “ቍጥዓ ኣምላኽ ባዕሉ ኺፈድዮ ኅደጉሉ” (ትርጕም 1990) ብምባል ባዕሎም ሕነ ኸይፈድዩ መኸሮም። ስለዚ፡ ንቝጥዓ ኣምላኽ ቦታ ኽንሓድገሉ ኣሎና። ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ብኢደ ወነንና ሕነ ኽንፈዲ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ኵራ ግደፍ ሓርቖትውን ሕደግ፡ ኣይተንጸርጽር፡ እዝስ ናብ እከይ ጥራይ እዩ ዜብጽሕ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝ. 37:8, 9) ሰሎሞን እውን “እከይ ክፈዲ ኣይትበል፡ ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ እሞ፡ ንሱ ኼድሕነካ እዩ” ኢሉ ምኽሪ ሃበ።—ምሳ. 20:22

11 ተጻረርቲ ጕድኣት ኬውርዱልና ኸለዉ፡ ኣድላዪ ዀይኑ እንተ ረኺብዎ ንሱ ኪቐጽዖም ንየሆዋ ምሕዳጉ ጥበባዊ እዩ። ጳውሎስ ንቝጥዓ የሆዋ ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ፡ “ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ” በለ። (ምስ ዘዳግም 32:35 ኣረኣኢ።) ባዕልና ሕነ ኽንፈዲ እንተ ፈቲንና፡ ነቲ የሆዋ ጥራይ ኪገብሮ ዘለዎ ተግባር ባዕልና ንገብሮ ስለ ዘለና፡ ምስ ትዕቢት እዩ ዚቝጸር። ብዘይካዚ፡ ኣብቲ “ኣነ ኽፈድዮ እየ” ዚብል መብጽዓ የሆዋ ኸም ዘይንተኣማመን ዜርኢ እዩ።

12. ቍጥዓ የሆዋ ዚግለጽ መዓስ እዩ፧ ብኸመይከ፧

12 ጳውሎስ ኣቐድም ኣቢሉ፡ “ቍጥዓ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ኣብ ረሲእነትን ዓመጻ ዘበለ ዅሉን ነቲ ሓቂ ብዓመጻ ኣብ ዚኸድንዎ ሰባት ይግለጽ እዩ” በለ። (ሮሜ 1:18) ኣብ “ብርቱዕ ጸበባ፡” ቊጥዓ የሆዋ ኻብ ሰማይ ብወዱ ኣቢሉ ኺግለጽ እዩ። (ራእ. 7:14) ጳውሎስ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ካልኦት መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሰን መልእኽትታቱ ኸምዚ ኢሉ ገለጸ፦ “እዚ መከራኹም ግሉጽ ምልክት ናይቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ እዩ። በቲ ምግላጽ ጐይታና የሱስ ካብ ሰማይ ምስ መላእኽቲ ስልጣኑ ንኣኻትኩም ጸቢቡኩም ዘሎን ምሳና ዕረፍቲ፡ ነቶም ዜጻብቡልኩም ዘለዉን ጸበባ ኺፈዲ፡ ብኣምላኽ ቅኑዕ እዩ እሞ፡ ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮም እዩ።”—2 ተሰ. 1:5-8

ንእከይ ብሰናይ ምስዓር

13, 14. (ሀ) ምጽራር ኬጋጥመና ኸሎ ኺገርመና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ነቶም ዜሳጕጉና ኽንምርቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

13 ሮሜ 12:14, 21 ኣንብብ። የሆዋ ዕላማኡ ኸም ዚፍጽም ምሉእ ምትእምማን ስለ ዘሎና፡ “ወንጌል መንግስቲ . . . ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም” ኣብ ምስባኽ ከነተኵር ንኽእል ኢና። (ማቴ. 24:14) እዚ ክርስትያናዊ ንጥፈት እዚ፡ ንጸላእትና ኸም ዜቘጥዖም ንፈልጥ ኢና፣ ከመይሲ፡ የሱስ፡ “ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም” ኢሉ ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 24:9) ስለዚ፡ ምጽራር ኬጋጥመና ኸሎ ኣየገርመናን ወይ ተስፋ ኣየቝርጸናን እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣቱም ፍቁራተይ፡ በቲ ንምፍታን ዝረኽበኩም ዘሎ ዋዒ ሓዊ፡ ሓደ ሓድሽ ነገር ከም ዝበጽሓኩም ኴንኩም፡ ኣይትገረሙ። . . . ኣብቲ ስቓይ ክርስቶስ ሕቡራት ካብ እትዀኑስ፡ ተሐጐሱ ደኣ” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ጴጥ. 4:12, 13

14 ገለ ኻብቶም ዚጻረሩና ሰባት ብዘይፍላጥ ከምኡ ኸም ዚገብሩ ስለ እንፈልጥ፡ ኣብ ክንዲ እንጸልኦም፡ ክንምህሮም ኢና እንጽዕር። (2 ቈረ. 4:4) ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ፡ “ንዚሰጉኹም መርቑ፡ መርቑ እምበር፡ ኣይትርገሙ” ዚብል ምኽሪ ኸነቕልበሉ ንጽዕር ኢና። (ሮሜ 12:14) ሓደ ኻብቲ ንጸላእትና እንምርቐሉ መገዲ፡ ምእንታኦም ብምጽላይ እዩ። የሱስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ፡ “ጸላእትኹም ኣፍቅሩ፡ ንዚጸልኡኹም ጽቡቕ ግበሩ። ንዚረግሙኹም መርቑ፡ ምእንቲ እቶም ዚጸርፍኹም ጸልዩ” በለ። (ሉቃ. 6:27, 28) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ሓደ ሰጓጒ ዝነበረ ሰብ እሙን ወደ መዝሙር ክርስቶስን ቅንኣት ዘለዎ ኣገልጋሊ የሆዋን ኪኸውን ከም ዚኽእል ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ተመክሮ ርእይዎ እዩ። (ገላ. 1:13-16, 23) ኣብ ካልእ መልእኽቱ፡ “እናጸረፉና ንምርቕ፡ እናሰጐጉና ንዕገስ፡ እናተሐሜና ንምዕድ አሎና” በለ።—1 ቈረ. 4:12, 13

15. ንእከይ ብሰናይ ክንስዕሮ እንኽእለሉ ብሉጽ መገዲ እንታይ እዩ፧

15 ስለዚ፡ ሓደ ናይ ሓቂ ክርስትያን ነቲ ኣብ መወዳእታ ሮሜ ምዕራፍ 12 ዘሎ፡ “ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዐሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዐር” ዚብል ምኽሪ ኬቕልበሉ ኣለዎ። ምንጪ ዅሉ እከይ፡ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ። (ዮሃ. 8:44፣ 1 ዮሃ. 5:19) ኣብቲ የሱስ ንሃዋርያ ዮሃንስ ዘርኣዮ ራእይ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ እቶም ቅቡኣት ኣሕዋት የሱስ “ሳላ ደም እቲ ገንሸልን ሳላ እቲ ቓል ምስክሮምን [ንሰይጣን] ሰዐርዎ።” (ራእ. 12:11) እዚ ነጥቢ እዚ፡ ንሰይጣንን ነቲ ንሱ ኣብዚ ስርዓት እዚ ዜሕድሮ ዘሎ እኩይ ጽልዋን ክንስዕሮ እንኽእለሉ ብሉጽ መገዲ፡ ብዕዮ ምስክርነት፡ ማለት ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ ምዃኑ ዚሕብር እዩ።

ብተስፋ ምሕጓስ

16, 17. ሮሜ ምዕራፍ 12 (ሀ) ንህይወትና ብኸመይ ክንጥቀመሉ ኸም ዘሎና፡ (ለ) ኣብ ጉባኤ ብኸመይ ክንመላለስ ከም ዘሎና፡ (ሐ) ነቶም ዚጻረሩና ብኸመይ ክንሕዞም ከም ዘሎና፡ ዚገልጽ ከመይ ዝበለ ትምህርቲ እያ እትምህረና፧

16 ንምዕራፍ 12 እታ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ዝጸሓፋ መልእኽቲ ኣሕጽር ኣቢልና ምምርማርና፡ ብዛዕባ ብዙሕ ነገራት ከም እንዘኻኸር ገይሩና እዩ። ርእስና ዝወፈና ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን፡ መስዋእቲ ንምግባር ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና። ኣእምሮና መስዋእታት ምቕራብ ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ስለ ዘእመነና፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኽና ብፍታው ኢና እነቕርቦ። ብመንፈስ ንቃጸል ኢና፡ ነቲ ዘሎና በበይኑ ዓይነት ጸጋ እውን ብቕንኣት ኢና እንጥቀመሉ። ብትሕትናን ዓቕምኻ ብምፍላጥን ኢና እነገልግል፣ ክርስትያናዊ ሓድነትና ኽንዕቅብ ከኣ ዝከኣለና ንገብር ኢና። ጋሻ ኣብ ምቕባል ንቀዳደምን ንኻልኦት ስምዒቶም ንርድኣሎምን ኢና።

17 ሮሜ ምዕራፍ 12፡ ምጽራር ኬጋጥመና ኸሎ ብኸመይ ምላሽ ክንህብ ከም ዘሎና ብዙሕ ምኽሪ ትህበና እያ። ሕነ ኽንፈዲ የብልናን። ነቲ ዜጋጥመና ምጽራር ብሕያውነት ምላሽ ክንህበሉ ኣሎና። ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከይጠሓስና፡ ክሳዕ ዚከኣለና ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ክንነብር ክንጽዕር ኣሎና። እዚ ኸኣ ኣብ ስድራ ቤት፡ ኣብ ጉባኤ፡ ምስ ጐረባብቲ ኣብ ዘሎና ርክብ፡ ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ከምኡውን ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎትና ይውዕል እዩ። ግሁድ ምጽራር እኳ እንተ ኣጋጠመና፡ ምፍዳይ ሕነ ናይ የሆዋ ምዃኑ ብምዝካር፡ ንእከይ ብሰናይ ክንስዕሮ ዝከኣለና ኽንገብር ኣሎና።

18. ኣብ ሮሜ 12:12 እንታይ ሰለስተ ምሕጽንታ እዩ ተዋሂቡ ዘሎ፧

18 ሮሜ 12:12 ኣንብብ። ጳውሎስ ብዘይካዚ ጥበብ ዝሓዘለን ግብራውን ምኽሪ፡ ካልእ ሰለስተ ምሕጽንታ እውን ሂቡ እዩ። ነዚ ዅሉ ብዘይ ሓገዝ የሆዋ ብርእስና ኽንገብሮ ስለ ዘይንኽእል፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ጸሎት ኣዘውትሩ” ኢሉ መኺሩና ኣሎ። እዚ ኸኣ ነቲ “ብጸበባ ተዐገሱ” ዚብል ተወሳኺ ምዕዶ ንኽንስዕብ ይሕግዘና። ስለዚ እምበኣር፡ ኣእምሮና ኣብቲ የሆዋ ተመባጺዑልና ዘሎ መጻኢ ኸም ዜተኵር ብምግባር፡ ተስፋና ኣብ ሰማይ ይኹን ኣብ ምድሪ ብዘየገድስ፡ ‘ብተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንተሓጐስ።’

ድግማ

• ንምጽራር ምላሽ እንህበሉ ብኸመይ ኢና፧

• ኣበየናይ መዳያት ኢና ገበርቲ ሰላም ክንከውን ዘሎና፧ ብኸመይከ፧

• ባዕልና ሕነ ኽንፈዲ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ንጐረባብትና ግብራዊ ሓገዝ ምሃብ ኣቐዲምና ንኸይንፈርዶም ይሕግዘና

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ጉባኤ ገባር ሰላም ክትከውን ትጽዕር ዲኻ፧