ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ሱር ሰዲድኩምን ተሰሪትኩምን” ዲኹም፧

“ሱር ሰዲድኩምን ተሰሪትኩምን” ዲኹም፧

“ሱር ሰዲድኩምን ተሰሪትኩምን” ዲኹም፧

ሓደ ዓብዪ ኦም ብህቦብላ ኺንቀሳቐስ ከሎ ርኢኻዶ ትፈልጥ፧ እቲ ኦም በቲ ብርቱዕ ንፋስ ይዘዙ እኳ እንተ ዀነ፡ ተጻዊሩ ግን ይሓልፎ እዩ። ስለምንታይ፧ ኣብቲ ትሕቲ መሬት ጽኑዕ ሱር ስለ ዘለዎ እዩ። ንሕና እውን ልክዕ ከምዚ ኦም እዚ ኽንከውን ንኽእል ኢና። ኣብ ህይወትና ኸም ህቦብላ ዝዓይነቱ ሓያል ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ‘ሱር ዝሰደድናን እተሰረትናን’ እንተ ደኣ ዄንና፡ ነቲ ጸገማት ተጻዊርና ኽንሓልፎ ንኽእል ኢና። (ኤፌ. 3:14-17) እቲ እንስረተሉ መሰረት ግን እንታይ እዩ፧

ቃል ኣምላኽ፡ ‘የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝን’ ናይ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸም ዝዀነ ይጠቅስ እዩ። (ኤፌ. 2:20፣ 1 ቈረ. 3:11) ከም ክርስትያናት መጠን፡ “ብእኡ ተመላለሱ። ኣብኡ ተሰሪትኩምን ተሀኒጽኩምን . . . ብእምነት ጽንዑ” ዚብል መተባብዒ ተዋሂቡና ኣሎ። ከምዚ እንተ ደኣ ጌርና፡ ነቲ ኣብ “ከንቱ ምጥባር” እተመርኰሰ “ቃል ቅብጥር” እውን ሓዊስካ፡ ንዅሉ ኣብ እምነትና ዚመጽእ መጥቃዕቲ ኽንጻወሮ ንኽእል ኢና።—ቈሎ. 2:4-8

“ምግፋሑን ምንዋሑን ምዕማቑን ቍመቱን”

ኰይኑ ግን፡ ‘ኣብ እምነት ክንስረትን ክንጸንዕን’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ብምሳልያዊ መገዲ ሱርና ኣዕሚቝና ኽንሰድድ እንኽእለሉ ሓደ ኣገዳሲ መዳይ፡ ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ተጊህና ብምጽናዕ እዩ። የሆዋ፡ ብዛዕባ ሓቂ ‘ምግፋሑን ምንዋሑን ምዕማቑን ቍመቱን እንታይ ምዃኑ ኸነስተውዕል’ ይደልየና እዩ። (ኤፌ. 3:18) ስለዚ፡ ዝዀነ ይኹን ክርስትያን በቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ ዝረኸቦ “ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ” ዝዀነ ፍልጠትን ዕምቈት ዘይብሉ ምርዳእን ጥራይ ኪዓግብ የብሉን። (እብ. 5:12፣ 6:1) ኣብ ክንዳኡስ፡ ነፍሲ ወከፍና ብዛዕባ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ፍልጠት ንምዕማቝ ህንጥዮት ኪህልወና ኣለዎ።—ምሳ. 2:1-5

ኣብ ሓቂ ‘ሱር ክንሰድድን ክንስረትን’ ብዙሕ ፍልጠት ጥራይ እዩ ዜድልየና ማለት ከም ዘይኰነ ኣየጠራጥርን እዩ። ከመይሲ፡ ሰይጣን ንባዕሉ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ሒዙ ኸም ዘሎ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ፡ ፍልጠት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካልእ ነገር እውን የድሊ እዩ። “ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ” ክንፈልጣ ኣሎና። (ኤፌ. 3:19) ይኹን እምበር፡ ንየሆዋን ንሓቅን ካብ ዘለና ፍቕሪ ተበጊስና ነጽንዕ እንተ ደኣ ዄንና፡ ነቲ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ዘለና ፍልጠት ምውሳኽና እምነትና ኼደልድለልና እዩ።—ቈሎ. 2:2

ንፍልጠትካ መርምሮ

ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣገዳሲ ሓቅታት ዘሎካ ምርዳእ ስለምንታይ ዘይትምርምሮ፧ ከምኡ ምግባርካ፡ ዝያዳ ተጊህካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትገብር ኬተባብዓካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣብታ ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝለኣኻ መልእኽቲ ንዚርከብ ናይ መጀመርታ ቝጽርታት ኣንብብ። (ነታ  “ናብ ሰብ ኤፌሶን” እትብል ሳጹን ርአ።) ነተን ቍጽርታት ምስ ኣንበብካየን፡ ‘ንትርጕም እቲ ኣብታ ሳጹን ብሰያፍ ተጻሒፉ ዘሎ ሓረጋት ተረዲአዮዶ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ንትርጕም እቲ ሓረጋት እስከ በብሓደ ንርኣዮ።

“ቅድሚ ምስራት ዓለም” እተመደቡ

ጳውሎስ ንኣመንቲ ብጾቱ፡ “[ኣምላኽ] ብየሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ቐደም መደበና” ኢሉ ጸሓፈሎም። ብርግጽ፡ የሆዋ እተወሰኑ ሰባት ኣብቲ ፍጹም ሰማያዊ ስድራ ቤቱ ኸም ውሉዱ ገይሩ ኪቕበሎም ወሲኑ እዩ። እዞም ውሉዳት እዚኣቶም፡ ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ምስ ክርስቶስ ኪገዝኡ እዮም። (ሮሜ 8:19-23፣ ራእ. 5:9, 10) ሰይጣን ኣብ መጀመርታ ንልዑላውነት የሆዋ ኺብድሆ ኸሎ፡ እቶም ፍጥረት ኣምላኽ ዝዀኑ ደቂ ሰብ ጕድለት ከም ዘለዎም እዩ ዚእምት ነይሩ። የሆዋ ነቲ ምንጪ እከይ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ እውን ሓዊስካ ንዅሉ ኽፍኣት ካብ መላእ ዩኒቨርስ ቀስ ብቐስ ንምጥፋእ፡ ካብ ኣባላት እዞም ደቂ ሰብ ምምራጹ ኽሳዕ ክንደይ ቅኑዕ ኰን እዩ! ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንርእሱ ውሉድ ዚዀንዎ ውልቀ-ሰባት ኣቐዲሙ ኣይመደበን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ዚገዝኡ ሓደ ጕጅለ ወይ ክፍሊ ደቂ ሰብ ኪህልዉ እዩ ኣቐዲሙ ወሲኑ።—ራእ. 14:3, 4

ጳውሎስ ነቶም ክርስትያናት ብጾቱ ብደረጃ ጕጅለ “ቕድሚ ምስራት ዓለም” ከም እተሓርዩ ኺጽሕፈሎም ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧ ኣምላኽ ንምድሪ ወይ ንደቂ ሰብ ቅድሚ ምፍጣሩ ንዝነበረ ግዜ ኣይኰነን ዜመልክት ነይሩ። ከምኡ እንተ ዚኸውን ነቲ መሰረታዊ ስርዓት ናይ ፍትሒ ምጠሓሰ ነይሩ። ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ገና ኸይፈጠሮም ከሎ ኸም ዚሓጥኡ ኣቐዲሙ እንተ ዚውስን ነይሩ፡ ከመይ ገይሮም እዮም እሞ ብግብሮም ተሓተትቲ ዚዀኑ፧ ኣዳምን ሄዋንን ምስ ሰይጣን ወጊኖም ካብ ልዑላውነት ኣምላኽ ምስ ዓለዉ፡ የሆዋ ነቲ ዅነታት ብኸመይ ከም ዘተዓራርዮ ዝወሰነ ደኣ እሞ መዓስ እዩ፧ ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ዝወሰነ፡ እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ድሕሪ ምዕላዎም፡ ግን ከኣ እታ ጳውሎስ ጠቒስዋ ዘሎ ድሕነት ኪረኽቡ ንዚኽእሉ ዘይፍጹማት ሰባት ዝሓዘት ናይ ደቂ ሰብ ዓለም ናብ ህላወ ቕድሚ ምምጻኣ እዩ።

“ከምቲ ሃብቲ ጸጋኡ”

ጳውሎስ ኣብ መእተዊ እታ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝጸሓፋ መልእኽቱ ዝጠቐሶ መሰናድዎ፡ “ከምቲ ሃብቲ ጸጋኡ [ጸጋ ኣምላኽ]” እተረኽበ ምዃኑ ዝገለጸ ስለምንታይ እዩ፧ የሆዋ ነቶም ዝሓጥኡ ደቂ ሰብ ኬድሕኖም ግዴታ ኸም ዘይብሉ ንምጕላሕ እዩ።

ዋላ ሓደ ኻባና ‘ድሕነት ይግብኣኒ እዩ’ ኺብል ዚኽእል የለን። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንደቂ ሰብ ካብ ዘላቶ ዓማቝ ፍቕሪ ተላዒሉ፡ ንዓና ንምድሓን ፍሉይ መሰናድዎ ገበረ። ነቲ ዘይፍጽምናናን ሓጥእ ኵነታትናን ኣብ ግምት ምስ እነእቱ፡ ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ ድሕነትና ብጸጋ እተገብረልና መሰናድዎ እዩ።

ምስጢር ዕላማ ኣምላኽ

ኣብ መጀመርታ፡ ኣምላኽ ነቲ ሰይጣን ዘውረዶ ጕድኣት ብኸመይ ከም ዜወግዶ ኣይገለጸን። እወ፡ ቅዱስ “ምስጢር” እዩ ነይሩ። (ኤፌ. 3:4, 5) ጸኒሑ ግን፡ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ ተመስረተት፡ የሆዋ ንደቂ ሰብን ንምድርን ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ ብኸመይ ከም ዚፍጸም ዝርዝር ነገራት ኪገልጽ ጀመረ። ኣብ “ምልኣት ዘመናት፡” ኣምላኽ ንዅሎም መስተውዓልቲ ፍጡራቱ ዜሕብሮም ‘መጋቢ’ ወይ ‘ምምሕዳር’ ከም ዜቕውም ከኣ ጳውሎስ ሓበረ።

ናይ መጀመርታ ደረጃ እቲ ንምሕባር ዚውሰድ ስጕምቲ፡ ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. የሆዋ ነቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ዚገዝኡ ኺእክብ ምስ ጀመረ እዩ ፈሊሙ። (ግብ. 1:13-15፣ 2:1-4) እቲ ኻልኣይ ደረጃ ኸኣ ምእካብ እቶም ኣብ ትሕቲ መሲሓዊት ግዝኣት ክርስቶስ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዚነብሩ ደቂ ሰብ እዩ። (ራእ. 7:14-17፣ 21:1-5) እታ መሲሓዊት መንግስቲ ቕድሚ 1914 ስለ ዘይተመስረተት፡ ‘መጋቢ’ ወይ ‘ምምሕዳር’ እትብል ቃል ንዕኣ እተመልክት ክትከውን ኣይትኽእልን እያ። የግዳስ፡ እታ ቓል ነቲ ኣምላኽ ዓለምለኻዊ ሓድነት ንምምጻእ ዘለዎ ዕላማ ምእንቲ ኺፍጽም ንነገራት ዚሕዘሉ ወይ ዚቈጻጸረሉ መገዲ እያ እተመልክት።

“በተሓሳስባኹምሲ ብሱላት ኩኑ”

ጽቡቕ ናይ መጽናዕቲ ልማድ፡ ንሓቂ “ምግፋሑን ምንዋሑን ምዕማቑን ቍመቱን” ምሉእ ብምሉእ ክትርድኦ ኸም ዚሕግዘካ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ እቲ ሎሚ ዘሎ ጕያ ዝመልኦ ናብራ፡ ሰይጣን ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ልማዳት ኬዳኽሞ ወይ ኬጥፍኦ ኣጋጣሚ ይኸፍተሉ ኸም ዘሎ እውን ኣየጠራጥርን እዩ። ሰይጣን ነቲ ጽቡቕ ልማዳትካ ኼጥፍኦ ኣይተፍቅደሉ። ነቲ ኣምላኽ ‘ብኣተሓሳስባኻ ብሱል ክትከውን’ ኢሉ ዝሃበካ “ኣእምሮ” ወይ ምስትውዓል ተጠቐመሉ። (1 ዮሃ. 5:20፣ 1 ቈረ. 14:20ትርጕም 1990) ነቲ እትኣምነሉ ነገር ስለምንታይ ከም እትኣምነሉን ብዛዕባ ‘ተስፋኻ ምኽንያታ ንዚሓተካ’ ወትሩ ምላሽ ክትህብ ከም እትኽእልን ርግጸኛ ኹን።—1 ጴጥ. 3:15

እታ ጳውሎስ ዝጸሓፋ መልእኽቲ ኣብ ኤፌሶን ክትንበብ ከላ ኣብኡ ኸም ዝነበርካ ጌርካ እሞ ሕሰብ። እተን ቃላቱ፡ ብ“ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ” ክትዓቢ ኣይመተባብዓኻንዶ፧ (ኤፌ. 4:13, 14) ብርግጽ መተባብዓኻ ነይረን! እምበኣርከስ፡ እተን መንፈስ ዝነፈሰን ቃላት ጳውሎስ ሎሚ እውን ኬተባብዓኻ ፍቐድ። ንየሆዋን ኣብ ቃሉ ንዚርከብ ቅኑዕ ፍልጠትን ዘለካ ፍቕሪ፡ ኣብ ክርስቶስ ‘ሱር ክትሰድድን ክትስረትን’ ኪሕግዘካ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ እዛ እክይቲ ዓለም ቅድሚ ምጥፍኣ ሰይጣን ንዜምጽኣልካ ኸም ህቦብላ ዝኣመሰለ ፈተናታት ምጽዋሩ ኽትክእል ኢኻ።—መዝ. 1:1-3፣ ኤር. 17:7, 8

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

 “ናብ ሰብ ኤፌሶን”

“እቲ ብመንፈሳዊ በረኸት ዘበለ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና ኣምላኽን ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብሩኽ ይኹን። ከምቲ ብፍቕሪ ኣብ ቅድሚኡ ቅዱሳንን መንቅብ ዜብሎምን ምእንቲ ኽንከውን፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ብእኡ ዝሐረየና፡ በቲ ፍቁር ብእኡ ዝጸገወና፡ ንውዳሴ ኽብሪ ጸጋኡ ብፍታው ፍቓዱ ብየሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ቐደም መደበና። ብእኡ ብደሙ ምድሓን፡ ማለት፤ ከምቲ ሃብቲ ጸጋኡ ሕድገት ሓጢኣት አሎና።—ከምቲ ብእኡ ዝመደቦ ስምረቱ፡ ነቲ ምስጢር ፍቓዱ እናኣፍለጠና፡ ነቲ ናይ ምልኣት ዘመናት መጋቢነቱ፡ ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን፡ ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለልሲ፡ ብዅሉ ጥበብን ብዅሉ ኣእምሮን ነዚ ጸጋኡ ኣባና ኣውሐዞ።”—ኤፌ. 1:3-10