ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ብመንፈስ ተቓጸሉ”

“ብመንፈስ ተቓጸሉ”

“ብመንፈስ ተቓጸሉ”

“ንምትጋህ ኣይትተሀከዩ፡ ብመንፈስ ተቓጸሉ፡ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ።” —ሮሜ 12:11

1. እስራኤላውያን መስዋእቲ እንስሳታትን ካልእ መስዋእትታትን ዜቕርቡ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧

 የሆዋ ነቲ ኣገልገልቱ ንዕኡ ዘለዎም ፍቕሪ ንምግላጽን ንፍቓዱ ኸም ዚእዘዙ ንምርኣይን ኢሎም ብፍታው ዚገብርዎ መስዋእቲ ኣኽቢሩ ይርእዮ እዩ። ብግዜ ጥንቲ፡ እተፈላለየ መስዋእቲ እንስሳታትን ካልእ መስዋእትታትን ይቕበል ነበረ። እዚ መስዋእትታት እዚ ንሕጊ ሙሴ መሰረት ዝገበረ ዀይኑ፡ እስራኤላውያን ሕድገት ሓጢኣት ንምርካብን ምስጋናኦም ንምግላጽን እዮም ዜቕርብዎ ነይሮም። ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ግን፡ የሆዋ ኸምዚ ዓይነት መስዋእቲ ኸነቕርብ ኣይጽበየናን እዩ። ይኹን እምበር፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ናብቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቲ ኣብ ምዕራፍ 12፡ ሕጂ እውን እንተ ዀነ መስዋእቲ ኸነቕርብ ትጽቢት ከም ዚግበረልና ገሊጹ ኣሎ። ብኸመይ ከምኡ ኸም እንገብር እስከ ንርአ።

ህያው መስዋእቲ

2. ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ከመይ ዝበለ ህይወት ኢና እንመርሕ፧ እዚኸ እንታይ ዘጠቓለለ እዩ፧

2 ሮሜ 12:1, 2 ኣንብብ። ጳውሎስ ኣብተን ኣቐዲመን ዘለዋ ምዕራፋት፡ ቅቡኣት ክርስትያናት ዝዀኑ ኣይሁድን ኣህዛብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪጸድቁ ዝኸኣሉ፡ ብግብሮም ዘይኰነስ ብእምነት ከም ዝዀነ ብንጹር ገለጸ። (ሮሜ 1:16፣ 3:20-24) ኣብ ምዕራፍ 12 ድማ ክርስትያናት ጥቕሚ ርእሶም እናሰዉኡ ብምንባር ሞሳኦም ኬርእዩ ኸም ዘለዎም ሓበረ። ከምኡ ኽንገብር እንተ ዄንና ኸኣ ብምሕዳስ ሓሳብና ኽንልወጥ ኣሎና። ዘይፍጽምና ስለ ዝወረስና፡ ኣብ ትሕቲ “ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን” ኢና ዘለና። (ሮሜ 8:2) ስለዚ፡ ‘በቲ ናይ ኣእምሮና መንፈስ ተሓዲስና’ ኣብ ዝንባለና መሰረታዊ ለውጢ ብምግባር ክንቅየር ኣሎና። (ኤፌ. 4:23) ከምዚ ዓይነት ሱር በተኽ ለውጢ ኽንገብር እንኽእል ግን፡ ብሓገዝ ኣምላኽን መንፈሱን እዩ። ብዘይካዚ፡ ‘ኣእምሮና’ ተጠቒምና ሓያል ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። ከምዚ ኺበሃል ከሎ፡ ‘ነዛ ዓለም እዚኣ ኸይንመስላ፡’ ማለት በቲ ብልሹው ስነ-ምግባርን ርኹስ መዘናግዕን ቄናን ኣተሓሳስባን እዛ ዓለም እዚኣ ኸይንጽሎ ዝከኣለና ኽንገብር ኣሎና።—ኤፌ. 2:1-3

3. ኣብ ክርስትያናዊ ንጥፈታት እንካፈል ስለምንታይ ኢና፧

3 ጳውሎስ፡ “እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ” እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ‘ኣእምሮና’ ኽንጥቀም እውን ኣተባቢዑና ኣሎ። መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ እነንብብ፡ ብዛዕባ እቲ ዘንበብናዮ እነስተንትን፡ እንጽሊ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እንእከብ፡ ከምኡውን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽ እንካፈል ስለምንታይ ኢና፧ ሽማግለታት ከምኡ ኽንገብር ስለ ዜተባብዑና ድዩ፧ ሓቂ እዩ፡ ነቲ ሽማግለታት ዚህቡና ጠቓሚ መዘኻኸሪ ነማስወሉ ኢና። ኰይኑ ግን፡ ንየሆዋ ዘሎና ልባዊ ፍቕሪ ንኸነርኢ መንፈስ ኣምላኽ ስለ ዚድርኸና ኢና ኣብ ክርስትያናዊ ንጥፈታት እንካፈል። ኣብ ርእሲኡ እውን፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ንጥፈታት ምክፋል ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ንኣምነሉ ኢና። (ዘካ. 4:6፣ ኤፌ. 5:10) ከምዚ ዓይነት ናይ ሓቂ ክርስትያናዊ ህይወት ክንነብር ከለና፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ከም እንረክብ ስለ እንግንዘብ፡ ዝያዳ ሓጐስን ዕግበትን እዩ ዜምጽኣልና።

በበይኑ ዓይነት ጸጋ

4, 5. ክርስትያን ሽማግለታት ንጸጋኦም ብኸመይ እዮም ኪጥቀሙሉ ዘለዎም፧

4 ሮሜ 12:6-8, 11 ኣንብብ። ጳውሎስ፡ “ከምቲ እተዋህበና ጸጋ በበይኑ ዝዀነ ውህበት ጸጋ [ኣሎና]” በለ። ገለ ኻብቲ ጳውሎስ ዝጠቐሶ ጸጋ ወይ ውህበት፡ ምምዓድን ምምራሕን ኰይኑ፡ ብፍላይ ነቶም “ብትግሃት” ኪመርሑ ተማዒዶም ዘለዉ ክርስትያን ሽማግለታት ዚምልከት እዩ።

5 ሓለውቲ፡ ከም መምህራን ኰይኖም ብምዕያይ ‘ኣገልግሎቶም’ ኪፍጽሙ ኸለዉ እውን እንተ ዀነ፡ ተመሳሳሊ ዓይነት ትግሃት ኬርእዩ ኣለዎም። ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳብ ከም ዚሕብሮ፡ እቲ ጳውሎስ ኣብዚ “ኣገልግሎት” ኢሉ ጸዊዕዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ጉባኤ ወይ “ሓደ ስጋ” ዚፍጸም ዕዮ ዜመልክት እዩ። (ሮሜ 12:4, 5) እዚ ኣገልግሎት እዚ ምስቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 6:4 ተጠቒሱ ዘሎ ተመሳሳሊ እዩ፣ ኣብኡ እቶም ሃዋርያት፡ “ንሕና ግና ጸሎትን ኣገልግሎት እዚ ቓል እዝን ከየብኰርና ንሐዝ” በሉ። እዚ ኣገልግሎት እዚ እንታይ ዜጠቓልል እዩ፧ ክርስትያን ሽማግለታት ነቲ ዘለዎም ጸጋ ወይ ውህበት ንኻልኦት ኣባላት እታ ጉባኤ ኣብ ምህናጽ እዮም ዚጥቀሙሉ። ብጸሎት ብእተሰነየ መጽናዕቲ፡ ብምርምር፡ ብምምሃር፡ ከምኡውን ጕስነት ብምግባር ነታ ጉባኤ ኻብ ቃል ኣምላኽ መምርሒ ንምሃብ ኪጽዕሩ ኸለዉ፡ ነዚ “ኣገልግሎት” እዚ ይፍጽምዎ ኸም ዘለዉ የርእዩ። እወ፡ ሓለውቲ ንጸጋኦም ብጥንቃቐ ኺጥቀምሉን ብእኡ ኣቢሎም ነተን ኣባጊዕ ‘ብሓጐስ ኪድንግጹለንን’ ኣለዎም።—ሮሜ 12:7, 8፣ 1 ጴጥ. 5:1-3

6. ኣብታ ቐንዲ ጥቕሲ እዛ ዓንቀጽ ዝዀነት ሮሜ 12:11 ተዋሂቡ ንዘሎ ምኽሪ ኽንስዕቦ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

6 ጳውሎስ ወሲኹ፡ “ንምትጋህ ኣይትተሀከዩ፡ ብመንፈስ ተቓጸሉ፡ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ” በለ። ኣብ ኣገልግሎት ዘሎና ቕንኣት ይደክም እንተ ኣልዩ፡ ንልማድ መጽናዕትና ምልስ ኢልና ኽንምርምሮ፡ የሆዋ መንፈሱ ኺህበና ድማ ብትግሃትን ብተደጋጋምን ክልምኖ ኣሎና፣ እዚ ኸኣ ልቡጥ ምስ ምዃን ንኽንቃለስን ቅንኣትና ንኸነሐድስን ይሕግዘና። (ሉቃ. 11:9, 13፣ ራእ. 2:4፣ 3:14, 15, 19) መንፈስ ቅዱስ ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት “ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” ንኺዛረቡ ሓይሊ ሂብዎም እዩ። (ግብ. 2:4, 11) ንዓና እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ ኣገልግሎት ቅንኣት ንኺህልወናን ‘ብመንፈስ ንኽንቃጸልን’ ኪድርኸና ይኽእል እዩ።

ትሕትናን ዓቕምኻ ምፍላጥን

7. ስለምንታይ ኢና ብትሕትናን ዓቕምኻ ብምፍላጥን ከነገልግል ዘሎና፧

7 ሮሜ 12:3, 16 ኣንብብ። እቲ ዘሎና ውህበት ሳላ “ጸጋ” የሆዋ ኢና ረኺብናዮ። ጳውሎስ ኣብ ካልእ ጥቕሲ፡ “ክእለትና ኻብ ኣምላኽ . . . እዩ” በለ። (2 ቈረ. 3:5) ስለዚ፡ ንርእስና ኽብ ኣቢልና ኽንርኢ የብልናን። ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦ ፍረ፡ ሳላ ኽእለትና ዘይኰነስ፡ ሳላ በረኸት የሆዋ ምዃኑ ብትሕትና ኣፍልጦ ኽንህበሉ ኣሎና። (1 ቈረ. 3:6, 7) ጳውሎስ ምስዚ ብዚሰማማዕ፡ “ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ፡ . . . እብሎ አሎኹ” በለ። ንርእስና ኣኽብሮት ኪህልወና፡ ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ሓጐስን ዕግበትን ክንረክብ ኣድላዪ እዩ። ይኹን እምበር፡ ዓቕምና ንፈልጥ እንተ ዄንና፡ እቲ ንሕና ዝበልናዮ ይኹን ኢልና ድርቕ ኣይንብልን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ‘ብዛዕባ ርእስና ብልክዕ ኢና እንሓስብ።’

8. ‘ጠቢባን ኢና ኢልና ብርእስና ንኸይንሓስብ’ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

8 ብዛዕባ እቲ ዝረኸብካዮ ኣሳልጦ ምምካሕ ዕሽነት እዩ። ከመይሲ፡ “እቲ ዜብቍል ኣምላኽ . . . እዩ።” (1 ቈረ. 3:7) ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ ጉባኤ “መስፈር እምነት” ወይ እተወሰነ መጠን እምነት ከም ዚህብ ጳውሎስ ገሊጹ ኣሎ። ስለዚ፡ ኣብ ክንዲ ንርእስና ኽብ ኣቢልና እንርኢ፡ ካልኦት ሰባት በታ እተዋህበቶም እተወሰነት መጠን እምነት ይዓዩ ኸም ዘለዉ ኽንግንዘብ ኣሎና። ጳውሎስ ቀጺሉ፡ “ንሓድሕድኩም ሓንቲ ሓሳብ ሕሰቡ” በለ። ኣብ ሓንቲ ኻብተን ካልኦት መልእኽትታቱ እውን፡ “ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዐመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ፡ ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርአዮ” በለ። (ፊል. 2:3) ኵሎም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብገለ መገዲ ኻባና ኸም ዚበልጹ ንምስትውዓል፡ ናይ ሓቂ ትሕትናን ሓያል ጻዕርን ዚሓትት እዩ። ትሕትና እንተ ኣልያትና፡ ‘ጠቢባን ኢና ኢልና ብርእስና ኣይክንሓስብን ኢና።’ ኣብታ ጉባኤ ዘሎና ሓላፍነት ተጠመትቲ ኸም እንኸውን ኪገብረና ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ‘ትሑት’ ወይ እተናዕቀ ዚመስል ብኻልኦት ብዙሕ ኣቓልቦ ዘይግበሮ ዕዮ ብምዕያይ፡ ዓሚቝ ሓጐስ ክንረክብ ንኽእል ኢና።—1 ጴጥ. 5:5

ክርስትያናዊ ሓድነትና

9. ጳውሎስ ነቶም ብመንፈስ እተወልዱ ክርስትያናት ምስ ኣካላት ሓደ ስጋ ዘመሳሰሎም ስለምንታይ እዩ፧

9 ሮሜ 12:4, 5, 9, 10 ኣንብብ። ጳውሎስ ንቕቡኣት ክርስትያናት ምስቲ ኣብ ትሕቲ ሓደ ርእሲ ብሓድነት ዚዓዪ ስጋ ኣመሳሲልዎም ኣሎ፣ ርእሲ እዚ ስጋ እዚ ክርስቶስ እዩ። (ቈሎ. 1:18) ነቶም ብመንፈስ እተወልዱ ክርስትያናት፡ ልክዕ ከምቲ ሓደ ስጋ እተፈላለየ ዕዮ ዚዓዪ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፡ ንሳቶም እውን ‘ብዙሓት እኳ እንተ ዀኑ፡ ከምኡ ብክርስቶስ ሓደ ስጋ ምዃኖም’ ኣዘኻኸሮም። ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ቕቡኣት ክርስትያናት ከኣ፡ “ብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዐብና፡ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበ። ብዘሎ እቲ ስጋ ብደገፍ እቲ መመላገቢኡ እናተታሓሐዘን እናተኣሳሰረን፡ ብመጠን እቲ ነንኽፍሉ እተመደበሉ ግብሪ ብፍቕሪ ምእንቲ ኺህነጽሲ፡ ካብ ክርስቶስ እዩ ምዕባዩ ዚረክብ” ኢሉ መዓዶም።—ኤፌ. 4:15, 16

10. እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ነየናይ ስልጣን እዮም ኪእዘዙ ዘለዎም፧

10 እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ኣብቲ ብብዙሓት ኣባላት ዝቘመ ኣካል ክርስቶስ እቱዋት እኳ እንተ ዘይኰኑ፡ ካብዚ ምሳሌ እዚ ብዙሕ ኪመሃሩ ይኽእሉ እዮም። (ዮሃ. 10:16) ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበሮ ነገራት ኪገልጽ ከሎ፡ “ንብዘሎ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ [ኣእጋር ክርስቶስ] ኣግዝኦ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉስ ርእሲ ምእንቲ ኪኸውን ድማ፡ ነታ ማሕበር ወፈዮ” በለ። (ኤፌ. 1:22) ሎሚ፡ እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ክፍሊ እቲ የሆዋ ኣብ ትሕቲ ርእስነት ወዱ ዝገበሮ “ብዘሎ” ተባሂሉ ዘሎ ነገራት እዮም። ብዘይካዚ፡ ኣብቲ ክርስቶስ ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ብሓላፍነት ዝሃቦ “ገንዘቡ” እውን ይጠቓለሉ እዮም። (ማቴ. 24:45-47) ስለዚ፡ እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሰባት፡ ንክርስቶስ ከም ርእሶም ገይሮም ኪርእይዎ፡ ንእሙን ኣስተውዓሊ ባርያን ንኣመሓዳሪ ኣካልን ነቶም ኣብ ጉባኤታት ተሸይሞም ዘለዉ ሓለውትን ከኣ ኪእዘዙ ኣለዎም። (እብ. 13:7, 17) እዚ ድማ ክርስትያናዊ ሓድነት ከም ዚህሉ ይገብር።

11. ሓድነትና ኣብ ምንታይ እተመስረተ እዩ፧ ጳውሎስከ እንታይ ካልእ ምኽሪ እዩ ዝሃበ፧

11 ከምዚ ዝኣመሰለ ሓድነት፡ ኣብታ “ማእሰር ፍጻሜ” ዝዀነት ፍቕሪ እተመስረተ እዩ። (ቈሎ. 3:14) ኣብ ሮሜ ምዕራፍ 12፡ ጳውሎስ ነዚ ነጥቢ እዚ ኣጕሊሕዎ ኣሎ፣ እታ እነርእያ ፍቕሪ “ብዘይግብዝና” ኽትከውን ከም ዘለዋን ‘ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድና ብለውሃት ክንፋቐር’ ከም ዘሎናን ድማ ገለጸ። ከምዚ ዓይነት ርክብ፡ ናብ ምክብባር እዩ ዚመርሕ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም” በለ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን፡ እታ እነርእያ ፍቕሪ ኣብ ስምዒት እተመርኰሰት ክትከውን ኣለዋ ማለት ኣይኰነን። ነታ ጉባኤ ንጽህቲ ኣብ ምግባር ዝከኣለና ኽንገብር ኣሎና። ጳውሎስ ንፍቕሪ ብዚምልከት ምኽሪ ኺህብ ከሎ፡ “ንኽፍኣት ፈንፍንዎ ኣብ ሰናይ ልገቡ” በለ።

ንምቕባል ጋሻ ተቐዳደሙ

12. ንኻልኦት ብምምቓል ዝመጸ ኻብቶም ኣብ ጥንታዊት መቄዶንያ ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

12 ሮሜ 12:13 ኣንብብ። ንኣሕዋትና ዘላትና ፍቕሪ፡ በቲ ዘለና ኽእለት ‘ነቶም ቅዱሳን ብዜድልዮም ከነማቕሎም’ ትድርኸና እያ። ብስጋዊ መዳይ ድኻታት እኳ እንተ ዀንና፡ ነታ ዘላትና ኽንማቐላ ንኽእል ኢና። ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ኣብ መቄዶንያ ዝነበሩ ክርስትያናት ኪጽሕፍ ከሎ፡ “ከም ዓቕሞምን ሓለፋ ዓቕሞምን ባዕላቶም ፈትዮም ከም ዝሀቡ፡ እምስክረሎምአሎኹ እሞ፡ ብብዙሕ ጸበባ ተመኪሮም፡ ሓለፋ ሓጐሶምን ጥልቂ ዝዀነ ድኽነቶምን ንምብዛሕ ልግሶም ኣዝዩ ዐዘዘ። ነዚ ጸጋ እዝን ንሕብረት ምግልጋል [እቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ] ቅዱሳንን ብብዙሕ ልማኖ እናለመኑና” በለ። (2 ቈረ. 8:2-4) እቶም ኣብ መቄዶንያ ዝነበሩ ክርስትያናት ድኻታት እኳ እንተ ነበሩ፡ ለጋሳት እዮም ነይሮም። ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ድኻታት ኣሕዋቶም ምሕጋዝ ከም ፍሉይ መሰል ገይሮም ይርእይዎ ነበሩ።

13. “ንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ” ኺበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

13 እታ “ንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ” እትብል ሓረግ፡ ካብታ ተበግሶ ምውሳድ ዚትርጕማ ናይ ግሪኽ መግለጺት ዝመጸት እያ። ዘ ኒው ጀሩሳሌም ባይብል ነዛ ሓረግ እዚኣ፡ “ተቐበልቲ ጋሻ ኽትኰኑ እትኽእሉሉ ኣጋጣሚ ኣናድዩ” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። ሓድሓደ እዋን ምቕባል ጋሻ ኺበሃል ከሎ፡ ንሓደ ሰብ ምሳና ምግቢ ኺበልዕ ምዕዳም ኬመልክት ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ብፍቕሪ ተደሪኽካ እንተ ተገይሩ ዚነኣድ እዩ። ስለዚ፡ ተበግሶ እንተ ወሲድና፡ ተቐበልቲ ኣጋይሽ እንዀነሉ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ክንረክብ ንኽእል ኢና። እንተዀነ ግን፡ ንኻልኦት ምግቢ ኣዳሊና ኽንዕድሞም ዓቕምና ዘይፈቕደልና እንተ ዀይኑ፡ ከም ሻሂ፡ ቡን፡ ወይ ካልእ ዓይነት መስተ ምሳና ኺሰትዩ ብምዕዳም ተቐበልቲ ጋሻ ምዃንና ኸነርኢ ንኽእል ኢና።

14. (ሀ) እታ “ምቕባል ጋሻ” እትብል ናይ ግሪኽ ቃል በየኖት ቃላት ዝቘመት እያ፧ (ለ) ኣብ ኣገልግሎትና ንወጻእተኛታት ከም እንግደሰሎም ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

14 ምቕባል ጋሻ ንኣረኣእያና እውን የጠቓልል እዩ። እታ “ምቕባል ጋሻ” እትብል ናይ ግሪኽ ቃል፡ “ፍቕሪ” ኸምኡውን “ጋሻ” ብዚብላ ኽልተ ሱር ቃላት ዝቖመት እያ። ንኣጋይሽ ወይ ንወጻእተኛታት ዘሎና ስምዒት እንታይ ይመስል፧ ናብቲ ጉባኤኦም ዘላትሉ ኽሊ ንዝመጹ ወጻእተኛታት ነቲ ብስራት ምእንቲ ኺሰብኩሎም ኢሎም ካልእ ቋንቋ ኺመሃሩ ዚጽዕሩ ክርስትያናት፡ ብሓቂ ንምቕባል ጋሻ ዚቀዳደሙ ተባሂሎም ኪጽውዑ ይኽእሉ እዮም። ሓቂ እዩ፡ መብዛሕትና ኻልእ ቋንቋ ኽንመሃር ኣይንኽእልን ኢና። ኰይኑ ግን፡ ኵልና ነታ ብብዙሕ ቋንቋታት መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዘት ንዅሎም ኣህዛብ ዚኸውን ብስራት ዘርእስታ ጽሕፍቲ ብግቡእ ብምጥቃም ንወጻእተኛታት ክንሕግዞም ንኽእል ኢና። ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ኣብ ኣገልግሎት ብምጥቃም ጽቡቕ ውጽኢት ረኺብካዶ ትፈልጥ፧

እትዳናገጹ ኹኑ

15. የሱስ ነቲ ኣብ ሮሜ 12:15 ተዋሂቡ ዘሎ ምኽሪ ብምስዓብ ዝመጸ ኣብነት ዝሓደገ ብኸመይ እዩ፧

15 ሮሜ 12:15 ኣንብብ። ጳውሎስ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ዝሃቦ ምኽሪ፡ ንስምዒት ካልኦት ክንርድኣሎም ከም ዘሎና ዜመልክት እዩ። ሓደ ሰብ ሓጐስ ይኹን ጓሂ ኼሕልፍ ከሎ፡ ንስምዒቱ ኽንርድኣሉ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ንዓና ኸም ዘጋጠመና ጌርና ኽንርእዮ ኣሎና። ብመንፈስ እተቓጸልና እንተ ዄንና፡ ሓጐስናን ድንጋጽናን ብንጹር ኪርአ እዩ። እቶም 70 ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ካብ ወፍሪ ስብከት ብታሕጓስ ተመሊሶም ብዛዕባ እቲ ዝረኸብዎ ጽቡቕ ፍረ ኺዛረቡ ኸለዉ፡ የሱስ “ብመንፈስ ቅዱስ ተሐጐሰ።” (ሉቃ. 10:17-21) ብኣንጻሩ ድማ፡ ኣልኣዛር ፈታዊኡ ምስ ሞተ፡ ‘ምስቶም ዚበኽዩ ዝነበሩ ሰባት በኸየ።’—ዮሃ. 11:32-35

16. ድንጋጽ ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ብፍላይከ መን እዮም ከምኡ ኺገብሩ ዘለዎም፧

16 ነቲ የሱስ ድንጋጽ ብምርኣይ ዝመጸ ዝሓደጎ ኣብነት ክንስዕቦ ንደሊ ኢና። ሓደ ክርስትያን ብጻይና እንተ ተሓጒሱ፡ ምስኡ ዄንና ኽንሕጐስ ንደሊ ኢና። ብተመሳሳሊ፡ እቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዚስምዖም ስቓይን ሓዘንን ኪስምዓና ኣለዎ። መብዛሕትኡ እዋን፡ ነቶም ስምዒታዊ ስቓይ ዜጋጥሞም ዘሎ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ግዜ ወሲድና ናይ ሓቂ ድንጋጽ ብዜርኢ መገዲ እንተ ሰሚዕናዮም፡ ዓብዪ ዕረፍቲ ኸነምጽኣሎም ንኽእል ኢና። ሓድሓደ ግዜ፡ ልብና ኣዝዩ ስለ ዚትንከፍ፡ እቲ ናይ ሓቂ ድንጋጽና ብንብዓት ይግለጽ ይኸውን። (1 ጴጥ. 1:22) ብፍላይ ከኣ ሽማግለታት ነቲ ጳውሎስ ንድንጋጽ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ምኽሪ ኺስዕብዎ ኣለዎም።

17. ካብ ሮሜ ምዕራፍ 12 እንታይ ኢና ተማሂርና፧ ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽከ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

17 እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝረኣናዮ ኣብ ሮሜ ምዕራፍ 12 ዚርከብ ጥቕስታት፡ ኣብ ክርስትያናዊ ህይወትናን ምስ ኣሕዋትና ኣብ ዘሎና ርክብን ኣብ ግብሪ ኺውዕል ዚኽእል ምኽሪ እዩ። ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ፡ ነተን ተሪፈን ዘለዋ ጥቕስታት ክንምርምረን ኢና፣ ነቶም ዚጻረሩናን መስጐጕቲ ዜውርዱልናን እውን ሓዊስካ፡ ምስቶም ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉ ሰባት ብኸመይ ክንመላለስ ከም ዘሎና ኸኣ ክንርኢ ኢና።

ድግማ

• ‘ብመንፈስ እተቓጸልና’ ምዃንና ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ንኣምላኽ ብትሕትናን ዓቕምኻ ብምፍላጥን ከነገልግሎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ነቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ድንጋጽን ርሕራሐን ከነርእዮም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ኣብዚ ክርስትያናዊ ንጥፈታት እዚ እንካፈል ስለምንታይ ኢና፧

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ወጻእተኛታት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኺመሃሩ ነፍሲ ወከፍና እንታይ ክንገብር ንኽእል፧