ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንድሕነት ኣገዳሲ ዝዀነ ብስድራ ቤት ዚግበር ኣምልኾ

ንድሕነት ኣገዳሲ ዝዀነ ብስድራ ቤት ዚግበር ኣምልኾ

ንድሕነት ኣገዳሲ ዝዀነ ብስድራ ቤት ዚግበር ኣምልኾ

እታ ‘ዓባይ መዓልቲ ውግእ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ’ ክሳዕ ክንደይ እተፍርህ ምዃና እሞ ሕስብ ኣብሎ! (ራእ. 16:14) ነብዪ ሚክያስ ንጹር ብዝዀነ ስእላዊ ዘረባ፡ “ከም ስምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ፡ ከምቲ ኣብ ጎቦ ዚውሕዝ ማያት፡ ኣኽራን . . . ይመኩ፡ ሽንጭሮታት ከኣ ይጭደዱ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሚክ. 1:4) እቶም ንየሆዋ ዘየገልግሉ ኸመይ ዝበለ ጥፍኣት እዩ ኼጋጥሞም፧ ቃል ኣምላኽ፡ “በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ቅቱላት እግዚኣብሄር ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ለም ኪብሉ እዮም” ኢሉ ይገልጽ።—ኤር. 25:33

እቶም መብዛሕትኦም ንጽል ወለዲ ዝዀኑ ርእሲ ስድራ ቤታት፡ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መጠንቀቕታታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብዛዕባ እቶም ኬመዛዝኑ ዚኽእሉ ደቆም፡ ‘ካብ ኣርማጌዶን ኪድሕኑ ድዮም፧’ ኢሎም ንርእሶም ኪሓቱ ኣለዎም። እዚ ዅነታት ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን፡ ዕድሚኦም ብዚፈቕደሎም መጠን ምስ የሆዋ ድልዱል ርክብ መስሪቶም እንተ ጸኒሖም ከም ዚድሕኑ መጽሓፍ ቅዱስ መረጋገጺ ይህብ እዩ።—ማቴ. 24:21

ብስድራ ቤት ንዚግበር ኣምልኾ ግዜ ምምዳብ ዘለዎ ኣገዳስነት

ከም ወለዲ መጠን፡ ንውሉድኩም “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን” ከተዕብይዎም ዝከኣለኩም ክትገብሩ ኣለኩም። (ኤፌ. 6:4) ምስ ውሉድኩም እትገብርዎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣትሒትኩም ክትርእይዎ የብልኩምን። ደቅና ኸምቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ክርስትያናት ኪዀኑ ኢና እንደሊ፣ ንየሆዋ ባህ ኢልዎም ብምእዛዞም ጳውሎስ ኪንእዶም ከሎ፡ “ኣቱም ፍቁራተይ፡ . . . ከየሎኹ ግዳ እቲ ዚበዝሕ እምበር፡ ከሎኹ ጥራይ ዘይኰነ፡ ከምቲ ዅሉ ሳዕ እተአዘዝኩም፡ ብፍርሃትን ራዕድን ንምድሓንኩም ፈጽሙ” ኢሉ ጸሓፈ።—ፊል. 2:12

ደቅኹም ንስኻትኩም ኣብ ዘየለኹምሉ እዋን እውን ንሕግታት የሆዋ ይእዘዙ ድዮም፧ ንኣብነት፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብስርዓታት የሆዋ ይመላለሱ ድዮም፧ ንሕግታት የሆዋ ምእዛዝ ጥበባዊ ምዃኑ ኣሚኖም፡ ንስኻትኩም ኣብ ዘየለኹምሉ እዋን እውን ከይተረፈ ብእኡ ኺመላለሱ ኽትሕግዝዎም እትኽእሉ ብኸመይ ኢኹም፧

በዚ መዳይ እዚ እምነት ውሉድኩም ኣብ ምህናጽ፡ ብስድራ ቤት ዚግበር ኣምልኾ ዓብዪ ግደ ኣለዎ። ስለዚ፡ እቲ ብስድራ ቤት እትገብርዎ ኣምልኾ ዕዉት ኪኸውን ዚሕግዘኩም ሰለስተ ኣገዳሲ ረቛሒታት እስከ ንመያየጥ።

ስሩዕ መደብ ይሃልኹም

ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ ኣብ እዮብ 1:6 “ሓደ መዓልቲ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ መግለጺት፡ መላእኽቲ ኣብ ምድብቲ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ዝቐረቡ እያ እተመልክት። ንስኻትኩም እውን ምስ ደቅኹም ከምኡ ኽትገብሩ ኣሎኩም። ናይ ስድራ ቤት ኣምልኾ እትገብሩሉ ውሱን መዓልትን ሰዓትን መድቡ፡ ኣብ መደብኩም ድማ ጽንዑ። ብተወሳኺ፡ ዘይተሓስበ ዅነታት ኬጋጥመኩም ከሎ መተካእታ ዚዀነኩም ኣማራጺ ግዜ ይሃልኹም።

ኣዋርሕ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ነቲ መደብኩም ጅምር ግድፍ ኣይተብልዎ። ውሉድኩም ቅድሚ ዅሉ ዚስርዑ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስኩም ምዃኖም ኣይትረስዑ። ሰይጣን ድማ ግዳዩ ኺገብሮም ይደሊ እዩ። (1 ጴጥ. 5:8) ተለቪዥን ክትርእዩ ወይ ካልእ ዓለማዊ ነገራት ክትገብሩ ኢልኩም ነቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ብስድራ ቤት ዚግበር ኣምልኾ ዋላ እውን ንሓንቲ መዓልቲ ተቋርጽዎ እንተ ደኣ ዄንኩም፡ ሰይጣን ኪብለጸልኩም እዩ።—ኤፌ. 5:15, 16፣ 6:12፣ ፊል. 1:10

ግብራዊ ግበርዎ

ኣብታ ናይ ስድራ ቤት ኣምልኾ እትገብሩላ ምሸት፡ ትምህርቲ ጥራይ ኪወሃብ የብሉን። ግብራዊ ኪኸውን ጻዕሪ ግበሩ። ብኸመይ፧ ሓድሓደ እዋን፡ ውሉድኩም ኣብ ዚመጽእ መዓልትታት ወይ ሰሙናት ብዛዕባ ዜጋጥሞም ነገራት ዚገልጽ ኣርእስትታት ምረጹ። ንኣብነት፡ ኣብቲ መደብኩም ብዛዕባ ኣገልግሎት ልምምድ እትገብሩሉ ግዜ ኺህልወኩም ይኽእልዶ፧ መንእሰያት ነቲ ኣጸቢቖም ዚኽእልዎ ነገራት ኪገብሩ ባህ እዩ ዚብሎም። ብኸመይ ከም ዜገልግሉን ንተቓውሞ ብኸመይ ከም ዚዋጽኡሉን ኣቐዲምካ ምልምማዶም፡ ኣብ እተፈላለየ መዳያት ዕዮ ስብከት ብትብዓት ኪካፈሉ ኺሕግዞም እዩ።—2 ጢሞ. 2:15

ቈልዑ ንጸቕጢ መዛኑ ኺዋጽእሉ ዚሕግዞም ናይ ልምምድ ግዜ ኽትምድብ እውን ትኽእል ኢኻ። ምዕራፍ 15 ናይታ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ነዚ ምይይጥ እዚ ኸም መሰረት ጌርኩም ክትጥቀምሉ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ኻብ ገጽ 132 ክሳዕ 133 ዘሎ “ውጥን ጸቕጢ መዛኑ” ዚብል ኣርእስቲ ብኸመይ ከም እትመያየጡ ኣፋፍኖት ይህብ ከምኡውን ደቅኹም እንታይ ከም ዚስምዖም ኪገልጹ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም እዩ። ኣብ መወዳእታ ገጽ 133፡ “ነቲ ምላሽካ ምስ ወላዲኻ ወይ ምስ ብሱል ፈታዊኻ ተለማመደሉ” ዚብል ንመንእሰያት እተዋህበ መተባብዒ ኣሎ። ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምልምማድ ቀስ ብቐስ ሓደ ኽፋል እቲ ናይ ስድራ ቤት ኣምልኾኹም ክትገብርዎ ምኸኣልኩምዶ፧

ብስድራ ቤት ዚግበር ኣምልኾ፡ ወለዲ ንውሉዶም መንፈሳዊ ሸቶታት ምውጻእ ብዛዕባ ዘለዎ ጥቕሚ ኼጕልሑሎም ኣጋጣሚ ይኸፍት እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ኣብታ መንእሰያት ዝሓትዎ፡ 2ይ ጥራዝ እትበሃል መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 38 ዚርከብ “ንህይወተይ ኣብ ምንታይ መዓላ እየ ኸውዕላ፧” ዚብል ኣርእስቲ ጠቓሚ ሓበሬታ ሒዙ ኣሎ። ነዛ ኣርእስቲ እዚኣ ምስ ደቅኹም ክትመያየጡላ ኸለኹም፡ ኣብ ህይወትካ ንኣገልግሎት የሆዋ ቐዳምነት ምሃብ ኣዝዩ ዝበለጸ መገዲ ህይወት ምዃኑ ንኺርድኡ ሓግዝዎም። ውሉድኩም፡ ፈለምቲ ኪዀኑ፡ ኣብ ቤትኤል ኬገልግሉ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ ኺካፈሉ ወይ ካልእ ዓይነት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ሸቶኦም ኪገብሩ ሓግዝዎም።

ይኹን እምበር፡ ነዚ ዚስዕብ ነጥቢ ኽትጥንቀቑሉ ኣሎኩም፦ ገሊኦም ወለዲ ኻብ ቅኑዕ ድራኸ ተበጊሶም ኣብቲ ውሉዶም ኪዀንዎ ዚደልይዎ ነገራት ኣዝዮም ስለ ዜተኵሩ ነቲ ደቆም ድሮ ዝገበርዎ ነገራት ዕሽሽ ይብልዎ እዮም። ውሉድኩም ኣብ ከም ኣገልግሎት ቤትኤልን ዕዮ ሚስዮናውነትን ምክፋል ዝኣመሰለ ዚነኣድ ሸቶታት ኬውጽኡ ምትብባዕ ጽቡቕ እዩ። ኰይኑ ግን፡ በቲ ኻብኦም ትጽቢት እትገብርዎ ነገራት ከይተዀርይዎምን ከይትደቝስዎምን ተጠንቀቑ። (ቈሎ. 3:21) ውሉድኩም ንየሆዋ ኼፍቅርዎ ዘለዎም በቲ ናትኩም ልቢ ወይ ንስኻትኩም ደፊእኩምዎም ዘይኰነስ፡ ብልቦም ተደሪኾም ኪኸውን ከም ዘለዎ ኣይትረስዑ። (ማቴ. 22:37) ስለዚ፡ ንውሉድኩም ስለቲ ዝገበርዎ ጽቡቕ ነገራት ንኣድዎም፡ ኣብቲ ዘይገበርዎ ነገራት ጥራይ ኣይተተኵሩ። ደቅኹም ነቲ የሆዋ ዝገበሮ ነገራት ሞሳ ኼማዕብሉ ሓግዝዎም። ድሕሪኡ፡ ንሕያውነት የሆዋ ባዕሎም ካብ ልቦም ምላሽ ኪህብሉ ፍቐዱሎም።

ባህ ዜብል ግበርዎ

እቲ ብስድራ ቤት እትገብርዎ ኣምልኾ ዕዉት ኪኸውን ዚሕግዘኩም ሳልሳይ ኣገዳሲ ረቛሒ ኸኣ ባህ ዜብል ምግባሩ እዩ። ብኸመይ ከምዚ ኽትገብሩ ትኽእሉ፧ ሓሓሊፉ፡ ሓደ ኻብቲ ብድምጺ ጥራይ እተቐድሐ ድራማታት ክትሰምዑ ወይ ንሓንቲ ኻብተን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለዋ ቪድዮታት ብምርኣይ ክትመያየጡላ ትኽእሉ ኢኹም። ወይ ከኣ ሓደ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብቡ ኸለኹም፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ኣብቲ ዚንበብ ጽሑፍ ንዘሎ ሓደ ገጸ ባህርይ መሲሉ ኸም ዜንብብ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም።

ናይ ስድራ ቤት ምይይጥ ንምግባር ዚሕግዝ እተፈላለየ ኣርእስትታት ኣብ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ይወጽእ እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ መጽሔት ንቕሑ! ኣብ ገጽ 31 ዚወጽእ፡ “እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧” ዚብል ኣርእስቲ ኽትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብታ ሕታም ህዝቢ እትበሃል ግምቢ ዘብዐኛ እውን “ንመንእሰያትና” እትብል ፕሮጀክት መጽናዕቲ ዝሓዘት ዓንቀጽ ሓንቲ ወርሒ እናዘለለት ትወጽእ እያ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣብ ዘይትወጸሉ እዋን ድማ፡ “ንደቅኻ ምሃሮም” እትብል ንንኣሽቱ ቘልዑ እትኸውን ዓንቀጽ ትወጽእ እያ።

እታ ኣብ ንቕሑ! እትወጽእ “መንእሰያት ዚሓትዎ” እትብል ተኸታታሊት ዓንቀጽ፡ ልክዕ ከምታ መንእሰያት ዝሓትዎ፡ 2ይ ጥራዝ እትበሃል መጽሓፍ፡ ብፍላይ በጽሒ ዝዀኑ ውሉዳት ንዘለውዎም ወለዲ ኣዝያ ጠቓሚት እያ። ነታ መጽሓፍ ክትጥቀሙላ ኸለኹም፡ ነታ ኣብ መወዳእታ ናይ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ዘላ “እንታይ ይመስለካ፧” እትብል ሳጹን ዕሽሽ ኢልኩም ኣይትሕለፍዋ። እታ ሳጹን ንድግማ ጥራይ እተዳለወት ኣይኰነትን። እቲ ኣብኣ ዘሎ ሕቶታት ናይ ስድራ ቤት ምይይጥ ንምግባር ከም መሰረት ኰይኑ ኼገልግል ይኽእል እዩ።

ይኹን እምበር፡ መጽናዕቲ ስድራ ቤትኩም መርመራ ዚግበረሉ እዋን ከይከውን ተጠንቀቑ። ንኣብነት፡ ውሉድኩም “መዝገበይ” ኣብ ትሕቲ እትብል ኣርእስቲ ዀነ ኣብ ካልእ ክፋላት እታ መጽሓፍ ንዝጸሓፍዎ ጽሑፍ ዓው ኢሎም ኼንብብዎ ኸተገድድዎም ኣይትፈትኑ። እታ መጽሓፍ፡ “ሓበሬታ ንወለዲ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ኣብ ገጽ 3 ኸምዚ ትብል፦ “ኣብ ዕድመ ብጽሕና/ጕርዝውና ዘለዉ ውሉዳትካ፡ ሓሳባቶም ኣብ መጽሓፎም ከይተሰከፉ ምእንቲ ኺጽሕፉ፡ ነታ ናይ ውልቆም ቅዳሕ ኣይትተንክፋ። ጸኒሖም ብዛዕባ እቲ ኣብኡ ዚጽሕፍዎ ጕዳያት ባዕሎም ይነግሩኻ ይዀኑ።”

እቲ ብስድራ ቤት እትገብርዎ ኣምልኾ ስሩዕን ግብራውን ባህ ዜብልን እንተ ደኣ ዀይኑ፡ የሆዋ ንጻዕርኹም ኣብዚሑ ኺባርኾ እዩ። እዚ ስድራ ቤትኩም እትተኣኻኸበሉ ፍሉይ ግዜ፡ እቶም እተፍቅርዎም ሰባት ምስ የሆዋ ድልዱል ርክብ ኪህልዎም ኣብ ምግባር ዓብዪ ኣበርክቶ ኣለዎ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

መሃዝቲ ኹኑ

“ምስተን ንኣሽቱ ደቅና ኸነጽንዕ ከለና፡ ኣነን ብዓል ቤተይን ነቲ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ እንወስዶ ጽሑፋት ንመያየጠሉ፡ ድሕሪኡ እተን ደቅና ብዛዕባ ሓፈሻዊ ሓሳባት እቲ ትምህርቲ ስእሊ ይስእላ። ሓድሓደ እዋን፡ በቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ተዋስኦ ንሰርሕ ወይ በቲ ንኣገልግሎት ወፍሪ ዚኸውን ኣቀራርባታት ንለማመድ ኢና። እቲ መጽናዕቲ ንዕድመአን ዚምጥን፡ ዚስሕብ፡ ኣወንታዊ፡ ከምኡውን ዜዘናግዕ ኢና እንገብሮ።”—ጀይ. ኤም.፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ።

“ወዲ እታ ጽንዓት ዝገብረላ፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ገይሮም ጥቕላላት ይጥቀሙ ኸም ዝነበሩ ምእንቲ ኺርድኦ፡ ንምዕራፋትን ቍጽርታትን መጽሓፍ ኢሳይያስ ደምሲስና ኣብ ወረቐት ሓተምናዮ። ነቲ ገጻት ብሓንሳእ ኣተሓሒዝና ኽልቲኡ ጫፉ ምስ ቱቦ ኣላገብናዮ። ድሕሪኡ፡ እቲ ቘልዓ ኸምቲ የሱስ ኣብቲ ኣብ ናዝሬት ዝነበረ ቤት ጸሎት ዝገበሮ ኺገብር ፈተነ። የሱስ፡ ‘መጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ ቀሊዑ ነቲ ዝደልዮ ዝነበረ ኽፋል ከም ዝረኸበ’ እቲ ኣብ ሉቃስ 4:16-21 ዚርከብ ጸብጻብ ይነግረና። (ኢሳ. 61:1, 2) ይኹን እምበር፡ እቲ ቘልዓ ኸምኡ ኺገብር ምስ ፈተነ፡ ኣብቲ ዋላ ሓንቲ ምዕራፍን ቍጽርታትን ዘይብሉ ነዊሕ ጥቕላል ንኢሳይያስ ምዕራፍ 61 ምርካብ ኣጸገሞ። በቲ የሱስ ዝነበሮ ጥቕላላት ናይ ምጥቃም ክእለት ተደኒቑ ኸኣ፡ ‘የሱስ ንፉዕ እዩ ነይሩ!’ በለ።”—ዋይ. ቲ.፡ ጃፓን።

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ልምምድ ግዜ፡ ውሉድኩም ንጸቕጢ መዛኑ ኺዋጽእሉ ይሕግዞም

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ነቲ ብስድራ ቤት ዚግበር ኣምልኾ ባህ ዜብል ግበሮ