ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብዛ ፍቕሪ ዘይብላ ዓለም ዕርክነት ምዕቃብ

ኣብዛ ፍቕሪ ዘይብላ ዓለም ዕርክነት ምዕቃብ

ኣብዛ ፍቕሪ ዘይብላ ዓለም ዕርክነት ምዕቃብ

“ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ እዚ እእዝዘኩም አሎኹ።”—ዮሃ. 15:17

1. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ጥብቂ ዕርክነት ኪህልዎም ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧

 የሱስ ኣብታ ኣብ ምድሪ ዝነበረላ ናይ መወዳእታ ምሸት፡ ነቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቱ ዕርክነቶም ዓቂቦም ኪነብሩ ኣተባብዖም። ኣብታ ምሸት እቲኣ፡ ሰዓብቱ ምዃኖም ብቐንዱ ዚልለዩ በታ ኣብ ንሓድሕዶም ዘላ ፍቕሪ ምዃኑ ነጊርዎም ነበረ። (ዮሃ. 13:35) እዞም ሃዋርያት እዚኣቶም፡ ነቲ ዚጽበዮም ዝነበረ ፈተናታት ምእንቲ ኺዋጽኡሉን ነቲ የሱስ ዝሃቦም ዕዮ ብኣሳልጦ ምእንቲ ኺዓዩን ጥብቂ ዕርክነት ኪህልዎም ነበሮ። ከም ሓቂ ኸኣ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት በቲ ንኣምላኽን ንሓድሕዶምን ዝነበሮም ጽኑዕ ተወፋይነት እዮም ዚፍለጡ።

2. (ሀ) እንታይ ክንገብር ኢና ቘሪጽና፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) ነየናይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

2 ሎሚ ንኣሰር እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዚስዕቡ ኣባላት ምስ ዘለዉዎ ዓለምለኻዊ ውድብ ምሕባርሲ ኽሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ! ነቲ የሱስ ኣብ ንሓድሕድና ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኸነርኢ ዝሃበና ትእዛዝ ንምስዓብ ቈሪጽና ኢና። ይኹን እምበር፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዘለዉ ሰባት ብሓፈሻ ዘይእሙናትን ፍቕሪ ንስድራ ቤት ዘይብሎምን እዮም። (2 ጢሞ. 3:1-3) እቲ ዚምስርትዎ ዕርክነት፡ ዕምቈት ዘይብሉን ንጥቕሚ ርእስኻ ኢልካ ዚግበርን እዩ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልወና የብሉን። ቀጺልና እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ንመርምር፦ መሰረት ጥዑይ ዕርክነት እንታይ እዩ፧ ጥዑያት ኣዕሩኽ ብኸመይ ከነጥሪ ንኽእል፧ ዕርክነት ኪቋረጽ ዘለዎ መዓስ እዩ፧ ነቲ ዝመስረትናዮ ሃናጺ ዕርክነት ክንዕቅቦ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

መሰረት ጥዑይ ዕርክነት እንታይ እዩ፧

3, 4. መሰረት ድልዱል ዕርክነት እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

3 ድልዱል ዕርክነት ኣብ ፍቕሪ የሆዋ እተመስረተ እዩ። ንጉስ ሰሎሞን፡ “ገለ ነቲ በይኑ ዘሎ ሓደጋ እንተ ወደቖ፡ ክልተ እዮም ዚቃወምዎ፡ ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ቀልጢፉ ኣይብተኽን” ኢሉ ጸሓፈ። (መክ. 4:12) የሆዋ ኣብቲ ዕርክነት ከም ሳልሳይ ገመድ ብምዃን ናይ ሓቂ ቦታ እንተ ኣልይዎ፡ እቲ ርክብ ድልዱል እዩ ዚኸውን።

4 እቶም ንየሆዋ ዘየፍቅርዎ ሰባት ጽቡቕ ዕርክነት ኪምስርቱ ኸም ዚኽእሉ ዚከሓድ ኣይኰነን። ኰይኑ ግን፡ ውልቀ-ሰባት በቲ ንኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ ተሳሒቦም ዚቀራረቡ እንተ ዀይኖም፡ ዕርክነቶም ድልዱል እዩ ዚኸውን። ዘይምርድዳእ እንተ ኣጋጢሙ፡ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ንየሆዋ ብዜሐጕስ መገዲ እዮም ኪፈትሕዎ ዚጽዕሩ። ጸላእቲ ኣምላኽ ምክፍፋል ኪፈጥሩ እውን እንተ ጸዓሩ፡ እቲ ኣብ መንጎ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዘሎ ዕርክነት ዘይብተኽ ምዃኑ እዮም ዚግንዘቡ። ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ፡ ኣገልገልቲ የሆዋ ንሓድሕዶም ካብ ዚከሓሓዱ ሞት ከም ዚመርጹ ኣርእዮም እዮም።—1 ዮሃንስ 3:16 ኣንብብ።

5. ምሕዝነት ሩትን ናእምን ድልዱል ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

5 ብሉጽ ዕርክነት ክንምስርት እንኽእል፡ ምስቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ ሰባት ምዃኑ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ነቲ ሩትን ናእምን ዝሓደጋኦ ኣብነት እስከ ንርአ። እዘን ኣንስቲ እዚኣተን፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ኣዝዩ ዚነኣድ ዓይነት ዕርክነት መስረታ። ምሕዝነተን ድልዱል ኪኸውን ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧ ሩት ነቲ ምኽንያት ክትገልጽ ከላ ንናእሚ፡ “ህዝብኺ ህዝበይ፡ ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ። . . . ንኣይን ንኣኽን ብጀካ ሞት ካልእ እንተ ፈልዩናስ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚ ኸኣ ይወስኸኒ” በለታ። (ሩት 1:16, 17) ብንጹር እምበኣር፡ ሩትን ናእምን ንኣምላኽ ዓሚቝ ፍቕሪ ነበረን፣ እዛ ፍቕሪ እዚኣ ነቲ ኣብ ንሓድሕደን ዘሎ ርክብ ንኽትጸልዎ ድማ ፈቐዳ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ ክልቲአን ብየሆዋ ተባረኻ።

ጥዑያት ኣዕሩኽ እተጥርየሉ መገድታት

6-8. (ሀ) ድልዱል ዕርክነት ኣብ ምንታይ እተመስረተ እዩ፧ (ለ) ኣዕሩኽ ንምጥራይ ተበግሶ ኽትወስድ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

6 እቲ ሩትን ናእምን ዝሓደጋኦ ኣብነት፡ ጥዑይ ዕርክነት ብሃንደበት ከም ዘይምስረት ዚሕብር እዩ። ክልቲኦም ኣዕሩኽ ንየሆዋ ኼፍቅርዎ ኣለዎም። ኰይኑ ግን፡ ድልዱል ዕርክነት ጻዕርን መስዋእትን ዚሓትት እዩ። ኣብ ክርስትያን ስድራ ቤታት ዚርከቡ ንየሆዋ ዜምልኹ ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ጥብቂ ዕርክነት ንኺምስርቱ ኣበርቲዖም ኪዓዪ ኣለዎም። ጥዑያት ኣዕሩኽ ከተጥሪ እትኽእል ደኣ እሞ ብኸመይ ኢኻ፧

7 ተበግሶ ውሰድ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ኣዕሩኹ፡ “ንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ” ኢሉ ኣተባብዖም። (ሮሜ 12:13) ምቅድዳም ኪበሃል ከሎ፡ እተወሰነ ስጕምቲ ምውሳድ ዚሓትት እዩ። ምቕባል ጋሻ እውን እንተ ዀነ፡ ተኸታታልን ስሩዕን ስጕምቲ ምውሳድ ዜጠቓልል እዩ። ካልእ ሰብ ተቐባል ጋሻ ኪዀነልካ ኣይትጸበ። (ምሳሌ 3:27 ኣንብብ።) ተቐባሊ ጋሻ ኽትከውን እትኽእለሉ ሓደ መገዲ፡ ኣብታ ጉባኤ ንዚርከቡ እተፈላለዩ ሰባት ናብ ቤትካ ብምዕዳም እዩ። ንኣባላት ጉባኤኻ ብተደጋጋሚ ናይ ምዕዳም ልማድ ከተማዕብል ትኽእልዶ፧

8 ሓደ ኻብቲ ዕርክነት ንምምስራት ተበግሶ ኽትወስድ እትኽእለሉ ኻልእ መገዲ፡ ምስ እተፈላለዩ ሰባት ኣብ ዕዮ ስብከት ብምክፋል እዩ። ኣብ ኣፍ ደገ ሓደ ዘይትፈልጦ ሰብ ደው ኢልካ፡ መገላግልትኻ ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ዘለዎ ፍቕሪ ኻብ ልቡ ኺዛረብ ከሎ ኽትሰምዕ ከለኻ፡ ናብኡ ብዝያዳ ኸም እትቐርብ እዩ ዚገብረካ።

9, 10. ጳውሎስ ከመይ ዝበለ ኣብነት እዩ ሓዲጉ፧ ብኸመይከ ኽንመስሎ ንኽእል፧

9 ፍቕርኻ ኣግፍሕ። (2 ቈረንቶስ 6:12, 13 ኣንብብ።) ኣብታ ጉባኤ ዓርኪ ኪዀነካ ዚኽእል ሰብ ዘየለ ዀይኑ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ከምኡ ኪኸውን ዝኸኣለ ብዛዕባ ዕርክነት ዘሎካ ኣረኣእያ ድሩት ስለ ዝዀነ ደዀን ይኸውን፧ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ፍቕሪ ብምግፋሕ ዝመጸ ጽቡቕ ኣብነት ኪዀነና ይኽእል እዩ። ሓቂ ቕድሚ ምፍላጡ፡ ምስ ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት ጥብቂ ዕርክነት ኪምስርት ፈጺሙ ሓሲብዎ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። ደሓር ግን “ነህዛብ ሃዋርያኦም” ኰነ።—ሮሜ 11:13

10 ብዘይካዚ፡ ጳውሎስ ምስቶም መሳቱኡ ጥራይ ኣይኰነን ዚተዓራረኽ ነይሩ። ንኣብነት፡ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ጢሞቴዎስን ናይ ዕድመ ይኹን ናይ ኣተዓባብያ ፍልልይ እኳ እንተ ነበረ፡ ትኽ ትንፋስ ኣዕሩኽ ነበሩ። ሎሚ ብዙሓት መንእሰያት ነቲ ምስ ኣረጋውያን ኣባላት እታ ጉባኤ ዚምስርትዎ ዕርክነት ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ። ኣብ 20ታት እትርከብ ቨነሳ ዝስማ ጐርዞ፡ “ኣብ 50ታት ዕድሚኣ እትርከብ ዝፈትዋ መሓዛ ኣላትኒ። ነቶም መሳቱአይ ዝነገሮም ዘበለ ዅሉ እየ ዝነግራ። ኣዝያ እያ እትግደሰለይ” በለት። ከምዚ ዓይነት ዕርክነት ዚምስረት ብኸመይ እዩ፧ ቨነሳ ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “ነዚ ዕርክነት እዚ ንምምስራት፡ ባዕለይ ተበግሶ ወሲደ ኽጽዕር ነበረኒ” በለት። ምስቶም ካባኻ ዚዓብዩ ሰባት ዕርክነት ክትምስርት ፍቓደኛ ዲኻ፧ የሆዋ ነቲ እትገብሮ ጻዕሪ ብርግጽ ኪባርኾ እዩ።

11. ካብቲ ዮናታንን ዳዊትን ዝሓደግዎ ኣብነት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

11 እሙን ኩን። ሰሎሞን፡ “ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር፡ ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳ. 17:17) ነቲ ኣቦኡ ዳዊትን ዮናታንን ዝነበሮም ዕርክነት ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙ ነዘን ቃላት እዚኣተን ጽሒፍወን ኪኸውን ኣለዎ። (1 ሳሙ. 18:1) ንጉስ ሳኦል፡ ዮናታን ወዱ ንዝፋን እስራኤል ኪወርስ ይደልዮ ነበረ። ዮናታን ግን፡ የሆዋ ንዳዊት ንጉስ ኪኸውን ከም ዚደልዮ ይፈልጥ ነበረ። ከም ሳኦል ዘይኰነስ፡ ብዳዊት ኣይቀንአን። በቲ ዳዊት ዚረኽቦ ዝነበረ ናእዳ ቕር ኣይበሎን፣ ኣቦኡ ንዳዊት ኬካፍኦ ኸሎ እውን ኣይኣመኖን። (1 ሳሙ. 20:24-34) ንሕናኸ ኸም ዮናታን ዲና፧ ኣዕሩኽና ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ኪወሃቦም ከሎ ንሕጐስ ዲና፧ ጸገም ኬጋጥሞም ከሎ፡ ነጸናንዖምን ንድግፎምን ዲና፧ ብዛዕባ ዓርክና እተዘርበ ሕሜት ክንሰምዕ ከለና፡ ቀልጢፍና ዲና እንኣምኖ፡ ወይስ ልክዕ ከም ዮናታን ንዓርክና ብተኣማንነት ንከላኸለሉ ኢና፧

ዕርክነት ኪቋረጽ ዜድልየሉ እዋን

12-14. ገሊኦም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ብድሆ እዩ ዜጋጥሞም፧ ብኸመይከ ኽንሕግዞም ንኽእል፧

12 ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተመሃራይ ኣብ ህይወቱ ለውጢ ኺገብር ምስ ጀመረ፡ ንዕርክነት ዚምልከት ብድሆ ኼጋጥሞ ይኽእል እዩ። ብስነ-ምግባራዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይምርሑ ኣዕሩኽ ይህልዉዎ ይዀኑ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ምስኦም ግዜ የሕልፍ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሕጂ ግን እቲ ኣዕሩኹ ዚገብርዎ ንጥፈታት ሕማቕ ጽልዋ ኼሕድረሉ ኸም ዚኽእል ብምርዳእ፡ ነቲ ምስኦም ዘለዎ ዕርክነት ኪድርቶ ዘለዎ ዀይኑ ይስምዖ ይኸውን። (1 ቈረ. 15:33) ኰይኑ ግን፡ ምስኦም እንተ ዘይተቐራሪቡ፡ ንዕኦም እሙን ዘይኰነ ዀይኑ ኺስምዖ ይኽእል እዩ።

13 ከምዚ ዓይነት ብድሆ ዜጋጥመካ ዘሎ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ዄንካ፡ ናይ ሓቂ ዓርኪ ህይወትካ ኸተመሓይሽ ብእትገብሮ ጻዕሪ ኸም ዚሕጐስ ዘክር። ምናልባት ንሱ እውን ምሳኻ ብዛዕባ የሆዋ ኺመሃር ይደሊ ይኸውን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ ናይ ሓሶት ኣዕሩኽ ‘ናብቲ ዕያግ ርኽሰት ምሳታቶም ስለ ዘይጐየኻ፡ እናተጻረፉ ብኣኻ ኺግረሙ እዮም።’ (1 ጴጥ. 4:3, 4) ንስኻ ዘይኰንካስ፡ ንሳቶም እዮም ተኣማንነቶም ኣጕዲሎም።

14 ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ምስቶም ፍቕሪ ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት ዝነበሮም ዕርክነት እኳ እንተ ኣቋረጽዎ፡ ካብ ኣባላት እታ ጉባኤ ኣዕሩኽ ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም። (ገላ. 6:10) ነቶም ኣብ ኣኼባታት ዚመጹ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብውልቂ ትፈልጦምዶ፧ ሓድሓደ እዋን ምስኦም ብምሕባር ክትሃንጾም ትኽእልዶ፧

15, 16. (ሀ) ሓደ ዓርክና ንየሆዋ ምግልጋል እንተ ኣቋሪጹ እንታይ ምላሽ ኢና ኽንህብ ዘሎና፧ (ለ) ንኣምላኽ ከም እነፍቅሮ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

15 ሓደ ኣብታ ጉባኤ ዘሎ ዓርክኻ ንየሆዋ ኺጥንጥኖ እንተ ወሲኑ፡ ምናልባት እውን ኪውገድ ዜድልዮ እንተ ዀይኑ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ከምዚ ዓይነት ኵነታት ኣዝዩ ዜጨንቕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓንቲ ሓብቲ ናይ ቀረባ መሓዛኣ ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ምስ ኣቋረጸት ብዛዕባ እተሰምዓ ስምዒት ክትገልጽ ከላ፡ “ኣዝየ ተደቘስኩ። መሓዛይ ንሓቂ ኣጽኒዓ ዝሓዘቶ ይመስለኒ ነይሩ፣ ከምኡ ግን ኣይነበረትን። ንስድራ ቤታ ኸተሐጕስ ኢላ ንየሆዋ ተገልግል ዝነበረት እዩ ዚመስለኒ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣነ እውን ንድራኸታተይ ክምርምሮ ጀመርኩ። ‘ካብ ቅኑዕ ምኽንያት ተበጊሰ ድየ ንየሆዋ ዘገልግሎ ዘለኹ፧’ ኢለ ድማ ንርእሰይ ሓተትኩ” በለት። እዛ ሓብቲ ነዚ ዅነታት ብኸመይ ተዋጽኣትሉ፧ “ጾረይ ናብ የሆዋ ደርበኽዎ። ኣብ ውሽጢ ውድቡ ዚርከቡ ፈተውቲ ስለ ዝሃበኒ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዕኡ ብሓቂ ኸም ዘፍቅሮ ኸርእዮ ቘሪጸ እየ” በለት።

16 ኣብ ጐድኒ እቶም ፈተውቲ እዛ ዓለም ዝዀኑ ሰባት ደው እንተ ኢልና፡ ዓርኪ ኣምላኽ ክንከውን ኣይንኽእል ኢና። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር፡ “ኣትን ዘመውቲ፡ ፍቕሪ ንዓለምሲ ንኣምላኽ ጽልኢ ምዃኑዶ ኣይትፈልጣን ኢኽን፧ እምበኣርከ ፈታው ዓለም ምዃን ዚደሊ፡ ንሱ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዚኸውን” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእ. 4:4) ንኣምላኽ እሙናት እንተ ዄንና፡ ነቲ ዓርክና ብምስኣንና ዚስምዓና ስምዒት ክንጻወሮ ኸም ዚሕግዘና ምሉእ ምትእምማን ብምግባር፡ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 18:25 ኣንብብ።) እታ ኣቐዲማ ተጠቒሳ ዝነበረ ሓብቲ፡ “ሓደ ሰብ ንየሆዋ ወይ ንዓና ኸም ዜፍቅረና ኽንገብሮ ኣይንኽእል ኢና። ከመይሲ፡ እዚ ውልቃዊ ውሳነ እዩ” በለት። ይኹን እምበር፡ ምስቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ሰባት ንዝመስረትናዮ ዕርክነት ንምዕቃብ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

ንጥዑይ ዕርክነት ምዕቃቡ

17. ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ብኸመይ እዮም ዚዘራረቡ፧

17 ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ፡ ንዕርክነት ህይወት ይዘርኣሉ እዩ። ነቲ ብዛዕባ ሩትን ናእምን፡ ዳዊትን ዮናታንን፡ ከምኡውን ነቲ ብዛዕባ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ብናጽነትን ብኣኽብሮትን እሂን ምሂን ከም ዚበሃሃሉ ኸተስተብህል ኢኻ። ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎና ኺህሉ ዘለዎ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ኪገልጽ ከሎ፡ “ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን” ኢሉ ጸሓፈ። ብሕልፊ ምስቶም “ኣብ ወጻኢ ዘለዉ፡” ማለት ምስቶም ክርስትያን ኣሕዋትና ዘይኰኑ ሰባት ብዛዕባ እንዘራረበሉ መገዲ እዩ ዚጠቅስ ነይሩ። (ቈሎ. 4:5, 6) ስለዚ፡ ምስቶም ዘይኣመንቲ ኽንዘራረብ ከለና ኣኽብሮት ነርኢ ኻብ ኰንና፡ ነቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ኣዕሩኽና ግዳ ኽንደይ ዝያዳ ብኣኽብሮት ከነዘራርቦም ዘይብልና፧

18, 19. ሓደ ክርስትያን ዓርክና ንዚህበና ምኽሪ ብኸመይ ክንርእዮ ኣሎና፧ እቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ሽማግለታትከ እንታይ ኣብነት እዮም ሓዲጎምልና፧

18 ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ንርእይቶ ሓድሕዶም ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ፣ ስለዚ፡ እቲ ኣብ መንጎኦም ዚግበር ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ፡ ለውሃት ዝመልኦን ቅኑዕን ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን፡ “ቅብእን ዕጣንን ንልቢ የሐጕሶ፡ ጣዕሚ ፈታዊ ምስናይ ምኽሪ ነፍሱ ኸኣ ከምኡ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳ. 27:9) ነቲ ዓርክኻ ዚህበካ ምኽሪ ኸምዚ ጌርካ ዲኻ እትርእዮ፧ (መዝሙር 141:5 ኣንብብ።) ዓርክኻ፡ ሓደ እትገብሮ ዘለኻ ተግባር ከም ዘተሓሳሰቦ እንተ ነጊሩካ፡ ከመይ ዝበለ ምላሽ ኢኻ እትህብ፧ ነቲ ዚህበካ ሓሳብ ከም መግለጺ ሕያውነት ጌርካ ዲኻ እትርእዮ፡ ወይስ ብዓርክኻ ትጕሂ ኢኻ፧

19 ሃዋርያ ጳውሎስ ምስቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ሽማግለታት ጥብቂ ርክብ ነበሮ። ንገሊኦም ሽማግለታት ፈለማ ኣመንቲ ኪዀኑ ኸለዉ ይፈልጦም ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብታ ምስኦም ዝገበራ ናይ መወዳእታ ኣኼባ ግን ቀጥታዊ ምኽሪ ሃቦም። ንሳቶምከ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧ እዞም ኣዕሩኽ ጳውሎስ በቲ ምኽሪ ኣይጐሃዩን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ኣብኦም ዝነበሮ ተገዳስነት ኣማሰዉሉ፣ ደጊሞም ከም ዘይርእይዎ ምስ ፈለጡ ኸኣ በኸዩ።—ግብ. 20:17, 29, 30, 36-38

20. ሓደ ፈቃር ዓርኪ እንታይ እዩ ዚገብር፧

20 ጥዑያት ኣዕሩኽ፡ ምኽሪ ምቕባል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምኽሪ ምሃብ እውን ይፈልጡ እዮም። ሓቂ እዩ፡ መዓስ ‘ዕዮ ርእስና ኽንገብር’ ከም ዘሎና ኸነስተውዕል ኣሎና። (1 ተሰ. 4:11) ብዘይካዚ፡ ነፍሲ ወከፍና “በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ።” (ሮሜ 14:12) ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ግን ሓደ ፈቃር ሰብ ንዓርኩ ብሕያውነት ብዛዕባ ስርዓታት የሆዋ የዘኻኽሮ እዩ። (1 ቈረ. 7:39) ንኣብነት፡ ሓደ ዘይተመርዓወ ዓርክኻ ምስ ሓደ ዘይኣማኒ ሰብ ፍቕራዊ ርክብ ከም ዝጀመረ እንተ ኣስተብሂልካ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ንዓርክኻ ምእንቲ ኸይትጐድኦ ኢልካ ብዛዕባ እቲ ዘተሓሳሰበካ ጕዳይ ካብ ምንጋር ድሕር ምሕር ትብል ዲኻ፧ ወይ ከኣ ዓርክኻ ንምኽርኻ ዕሽሽ እንተ ኢልዎ፡ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ሓደ ጥዑይ ዓርኪ ነቲ ዝበደለ ፈታዊኡ ንምድጋፍ፡ ካብ ፈቃራት ጓሶት ሓገዝ ይሓትት እዩ። ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ንምውሳድ ተባዕ ክትከውን ኣሎካ። ኰይኑ ግን፡ ነቲ ኣብ ፍቕሪ የሆዋ እተመስረተ ዕርክነትካ ንሓዋሩ ኸም ዚቋረጽ ኣይገብሮን እዩ።

21. ሓድሓደ ግዜ እንታይ ኢና እንገብር፧ ኣብታ ጉባኤ ድልዱል ዕርክነት ክንዕቅብ ዘሎናኸ ስለምንታይ እዩ፧

21 ቈሎሴ 3:13, 14 ኣንብብ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣዕሩኽና “ቕር” (ትርጕም 1990) ከም ዚብሎም ንገብር ንኸውን፣ ንሳቶም እውን ዜሕርቐና ነገር ይገብሩ ወይ ይዛረቡ ይዀኑ። ያእቆብ፡ “ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእ. 3:2) ስለዚ፡ ኣብ ዕርክነት ዝያዳ ዜገድስ ክሳዕ ክንደይ በዲልና ዚብል ዘይኰነስ፡ ክሳዕ ክንደይ ይቕረ ኢልና ዚብል እዩ። ሓሳብ ንሓሳብ ብምልውዋጥን ንሓድሕድና ይቕረ ብምብህሃልን ድልዱል ዕርክነት ምምስራት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ! ከምዚ እንተ ጌርና፡ ፍቕሪ “ማእሰር ፍጻሜ” ኽትኰነልና እያ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ጥዑያት ኣዕሩኽ ከነጥሪ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ዕርክነት ኪቋረጽ ዘለዎ መዓስ እዩ፧

• ነቲ ዝመስረትናዮ ድልዱል ዕርክነት ንምዕቃብ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ኣብ መንጎ ሩትን ናእምን ዝነበረ ድልዱል ምሕዝነት ኣብ ምንታይ እተመስረተ እዩ ነይሩ፧

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ተቐባል ጋሻ ዲኻ፧