ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ህይወተይ ጽልዋ ዘሕደራ ሰለስተ ዓበይቲ ኣኼባታት

ኣብ ህይወተይ ጽልዋ ዘሕደራ ሰለስተ ዓበይቲ ኣኼባታት

ኣብ ህይወተይ ጽልዋ ዘሕደራ ሰለስተ ዓበይቲ ኣኼባታት

ጆርጅ ዎረንቻክ ዘዘንተዎ

ኣብ ሓደ ኻብ ዓበይቲ ኣኼባታትና ብዝሰማዕኩምዎ ነገር ተተንኪፍኩም ኣብ ህይወትኩም ዓብዪ ለውጢ ኽትገብሩ ተደሪኽኩምዶ ትፈልጡ፧ ንዓይ ከምኡ እዩ ኣጋጢሙኒ። ንድሕሪት ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ፡ ብፍላይ ሰለስተ ዓበይቲ ኣኼባታት ኣብ ህይወተይ ዓብዪ ጽልዋ ኸም ዘሕደራለይ እዝክር እየ። እታ ናይ መጀመርታ ኣኼባ ፈራሕ ከይከውን፡ እታ ኻልአይቲ ዝያዳ ዕጉብ ክኸውን፡ እታ ሳልሰይቲ ድማ ኣዝየ ለጋስ ክኸውን ሓጊዛትኒ እያ። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ እቲ ዝገበርክዎ ለውጥታት ቅድሚ ምንጋረይ፡ እዚ ዓበይቲ ኣኼባታት እዚ ቕድሚ ምክያዱ ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ ማለት ኣብ ግዜ ቝልዕነተይ ብዛዕባ ዘጋጠመኒ ነገራት እስከ ኸዘንትወልኩም።

ብ1928 እየ ተወሊደ፣ ካብተን ክልተ ኣሓተይ ዝነኣስኩ ድማ ነበርኩ። ኣነን እተን ማርጂን ኦልጋን ዚበሃላ ኣሓተይን ኣብታ ኣብቲ እዋን እቲ 2,000 ተቐማጦ ጥራይ ዝነበርዋ ኸተማ ሳውዝ ባውንድ ብሩክ፡ ኒው ጀርሲ፡ ሕ.መ.ኣ. ኢና ዓቢና። ድኻታት እኳ እንተ ነበርና፡ ኣደይ ግን ኣዝያ ለጋስ እያ ነይራ። ንእንግዶት ዚኸውን ምግቢ ንምድላው ዜኽእላ ገንዘብ ክትረክብ ከላ፡ ንጐረባብትና ትዕድሞም ነበረት። ወዲ ትሽዓተ ዓመት ከለኹ፡ ሓንቲ ሃንጋሪኛ እትዛረብ ናይ የሆዋ ምስክር ንኣደይ ኣዘራረበታ፣ ሃንጋሪኛ ንኣደይ ቋንቋ ኣዲኣ ስለ ዝነበረ ኸኣ ነቲ እትዛረቦ ዝነበረት መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጽን ኢላ ሰምዓታ። ጸኒሑ፡ ኣብ መጀመርታ 20ታት ዕድሚኣ ዝነበረት በርታ እትበሃል ሓብቲ ንኣደይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገበረትላ፡ ኣገልጋሊት የሆዋ ንኽትከውን ድማ ሓገዘታ።

ብተፈጥሮይ ከም ናይ ኣደይ ዓይነት ትብዓትን ርእሰ ምትእምማን ኣይነበረንን። እቲ ዝኸፍአ ድማ ኣደይ ተቈናጽበኒ ነበረት። “ስለምንታይ ኢኺ ዅሉ ግዜ እትነቕፍኒ፧” ኢለ እናነባዕኩ ምስ ሓተትክዋ፡ ከም እተፍቅረኒ፡ ካብ ካልኦት ዝበልጽ ኰይኑ ኽስምዓኒ ግን ኸም ዘይትደሊ ነገረትኒ። ኣደይ ካብ ቅኑዕ ድራኸ ተላዒላ እኳ እንተ ገበረቶ፡ ናእዳ ዘይምርካበይ ግን ካብ ካልኦት ዝተሓትኩ ዀይኑ ኸም ዚስምዓኒ ገበረ።

ሓደ መዓልቲ፡ ሓንቲ ብሕያውነት እተዘራርበኒ ዝነበረት ጐረቤትና ናብቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዚወሃብ ትምህርቲ ሰንበት ንደቃ ኸሰንዮም ሓተተትኒ። ናብኡ እንተ ኸይደ ንየሆዋ ኸም ዘሕዝኖ እፈልጥ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ነታ ሕያወይቲ ጐረቤትና ኸየጕህያ ግን ፈራህኩ። ናብቲ ቤተ-ክርስትያን ብምኻደይ ሕፍረት እኳ እንተ ተሰምዓኒ፡ ንሓያሎ ኣዋርሕ ግን ከድኩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ እውን ብሰንኪ ፍርሂ ሰብ ንሕልናይ ዚርብሽ ተግባራት ገበርኩ። እቲ ኣዝዩ ሓያል ዝነበረ ርእሰ-መምህራን ቤት ትምህርትና፡ ኵሎም ቈልዑ ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ኸም ዚህቡ ኺገብሩ ንመምህራን ይእዝዝ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ሰላምታ ሃብኩ። ንሓደ ዓመት ዚኸውን ከምኡ ገበርኩ፡ ድሕሪኡ ግን ሓደ ለውጢ ኣጋጠመ።

ተባዕ ምዃን ተመሃርኩ

ብ1939 ሓንቲ ጕጅለ መጽናዕቲ መጽሓፍ ኣብ ቤትና ኽትእከብ ጀመረት። በን ሚስካልስኪ ዚበሃል መንእሰይ ፈላሚ ነቲ መጽናዕቲ ይመርሖ ነበረ። ቢግ በን (ዓብዪ በን) ኢልና ንጽውዖ ነበርና፣ እዚ ኸኣ ንዕኡ ዚበቅዕ ሳጓ እዩ ነይሩ። ቍመቱን ግዝፉን ልክዕ ከም ማዕጾ ቤትና ዀይኑ ይረኣየኒ ነበረ። ኰይኑ ግን፡ እቲ ሕያውነቱን ባህ ዜብል ፍሽኽታኡን ቀልጢፈ ኸም ዝቐርቦ ገበረኒ። ስለዚ፡ ናብ ኣገልግሎት ወፍሪ ምስኡ ኪኸይድ ምስ ዓደመኒ፡ ባህ ኢሉኒ ኸድኩ። ኣዕሩኽ ድማ ኰንና። ክድቈስ ከለኹ፡ ልክዕ ከምቲ ሓደ ዓብዪ ሓው ንንእሽቶ ሓዉ ዚሓልየሉ ገይሩ ብተገዳስነት የዘራርበኒ ነበረ። እዚ ንዓይ ዓብዪ ነገር እዩ ነይሩ፣ ኣዝየ ኸኣ ፈተኽዎ።

ብ1941 በን ናብቲ ኣብ ሰይንት ሉዊስ፡ ሚዙሪ ዚግበር ዓብዪ ኣኼባ ብማኪናኡ ምስኡ ኽንከይድ ሓተተና። ማዕረ ኽንደይ ከም እተሓጐስኩ እሞ ገምትዎ! ካብ ቤተይ ወጺአ ልዕሊ 80 ኪሎ ሜተር ተጓዒዘ ኣይፈልጥን እየ ነይረ፣ ሽዑ ግን ልዕሊ 1,500 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ናብ ዚርከብ ቦታ ተጓዓዝኩ! ይኹን እምበር፡ ኣብ ሰይንት ሉዊስ ጸገማት ኣጋጢሙ ነበረ። ኣቕሽሽቲ ነቶም ምእመናኖም ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ቤቶም ከይቅበልዎም ኣዘዝዎም። ብዙሓት ድማ ከምኡ ገበሩ። ነቶም ንዓና ኼአንግዱና እተመደቡ ስድራ ቤት እውን ኣፈራርህዎም። ንሳቶም ግን ባህ ኢልዎም ተቐበሉና። ነቲ ንዓና ንምእንጋድ ዝኣተዉዎ መብጽዓ ኸም ዘይዓጽፉ ተዛረቡ። እቲ ዘርኣይዎ ትብዓት ከኣ መሰጠኒ።

ክልቲአን ኣሓተይ ኣብቲ ዓብዪ ኣኼባ ተጠምቃ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ኻብ ብሩክሊን ቤትኤል ዝመጸ ሓው ራዘርፎርድ ኣዝዩ መሳጢ መደረ ኣቕረበ፣ ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብሩ ዚደልዩ ዅሎም ቈልዑ ደው ኪብሉ ድማ ሓተቶም። ዳርጋ 15,000 ቈልዑ ኸኣ ደው በሉ። ኣነ እውን ሓደ ኻብኦም እየ ነይረ። ድሕሪኡ፡ ነቶም ኣብ ዕዮ ስብከት ዚከኣለና ዘበለ ኽንገብር እንደሊ ዘበልና፡ “እወ” ኽንብል ሓተተና። ኣነ እውን ምስቶም ካልኦት ቈልዑ “እወ” ብምባል ዓው ኢለ መለስኩ። ድሙቕ ጣቕዒት ድማ ሰዓበ። እዚ ዅነታት እዚ ኸኣ ዓብዪ ድራኸ ኣሕደረለይ።

ድሕሪ እቲ ኣኼባ፡ ኣብ ዌስት ቨርጂንያ ንዚነብር ሓደ ሓው በጻሕናዮ። ሓደ እዋን እናኣገልገለ ኸሎ፡ እተቘጥዑ ጭፍራ ሰባት ከም ዝወቕዕዎ ኸምኡውን ቅጥራን ኣብ ኣካላቱ ኣፍሲሶም ክንቲት ከም ዝገበሩሉ ነገረና። ኪዛረብ ከሎ ብጭንቀት ሰማዕክዎ። እቲ ሓው፡ “ስብከተይ ግን ኣየቋርጽን እየ” በለ። ምስቲ ሓው ምስ ተፈላለና፡ ልክዕ ከም ዳዊት ተሰምዓኒ። ነቲ ኸም ጎልያድ ዝነበረ ርእሰ-መምህራን ቤት ትምህርትና ኸዘራርቦ ድማ ተዳለኹ።

ናብ ቤት ትምህርቲ ተመሊሰ ናብቲ ርእሰ-መምህራን ከድኩ። ኣፍጢጡ ድማ ረኣየኒ። የሆዋ ንኺሕግዘኒ ብልበይ ጸለኹ። ቀልጢፈ ኸኣ፡ “ኣብ ዓብዪ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እየ ነይረ። ድሕሪ ሕጂ ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ኣይህብን እየ!” በልክዎ። ንእተወሰነ እዋን ኣብ መንጐና ጸጥታ ሰፈነ። እቲ ርእሰ-መምህራን ቀስ ኢሉ ኻብ መንበሩ ተንሲኡ ናባይ ገጹ መጸ። ገጹ ብሕርቃን በርበረ መሲሉ ነበረ። “ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ዘይትህብ እንተ ዄንካ ኽትባረር ኢኻ!” ኢሉ ጨደረለይ። ኣብቲ እዋን እቲ ግን ኣይተለማለምኩን፡ ብውሽጠይ ከኣ ቅድሚ ሕጂ ረኺበዮ ዘይፈልጥ ሓጐስ ተሰምዓኒ።

እንታይ ከም ዘጋጠመኒ ንበን ክነግሮ ተሃንጥየ ነበርኩ። ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ረኸብክዎ፡ “ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ስለ ዘይሃብኩ ኻብ ቤት ትምህርቲ ተባሪረ” ኢለ ብዓውታ ነገርክዎ። በን ሕቝፍ ኣቢሉ ብፍሽኽታ እናረኣየኒ፡ “ብርግጽ የሆዋ የፍቅረካ እዩ” በለኒ። (ዘዳ. 31:6) እዘን ቃላት እዚኣተን ብዙሕ እየን ኣተባቢዐናኒ። ብ15 ሰነ 1942 ከኣ ተጠመቕኩ።

ምስጢር ዕግበት ተመሃርኩ

ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም፡ ቍጠባዊ ዅነታት ተመሓየሸ፣ እታ ሃገር ከኣ ብፍቕረ-ንዋይ መልአት። ጽቡቕ ደሞዝ ዚኽፈሎ ስራሕ ስለ ዝነበረኒ፡ ነቲ ቕድሚ ሕጂ ኽሓልሞ ጥራይ ዝኽእል ዝነበርኩ ነገራት ክዕድግ ከኣልኩ። ገሊኦም ኣዕሩኸይ ሓደስቲ ሞተር ብሽክለታ ዓደጉ፡ ካልኦት ከኣ ኣባይቶም ኣሐደሱ። ኣነ ድማ ሓዳስ ማኪና ዓደግኩ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እቲ ዝበለጸ ስጋዊ ምሾት ንምርካብ ዝነበረኒ ባህጊ፡ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድንፋዕ ንዝነበረኒ ተገዳስነት ኬጥፍኦ ጀመረ። ብግጉይ ኣንፈት እኸይድ ከም ዝነበርኩ እፈልጥ ነይረ እየ። እቲ ዜሐጕስ ግን፡ እቲ ብ1950 ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ እተኻየደ ዓብዪ ኣኼባ ኣንፈተይ ከም ዘተዓራሪ ገበረኒ።

ኣብቲ ኣኼባ፡ እቶም ተዛረብቲ ነቶም ሰማዕቲ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ምክፋሎም ኪቕጽሉ ብተኸታታሊ ኣተባብዕዎም። ሓደ ተዛራባይ፡ “ነቲ ዘየድሊ ነገራት ቀንጢጥኩም ብምድርባይ ኣብቲ መቀዳደሚ ጕየዩ” ኢሉ ተማሕጸነ። ንዓይ ዚዛረበኒ ዘሎ እዩ ዚመስል ነይሩ። ተመሃሮ ጊልዓድ ኪምረቑ ኸለዉ እውን ረኣኹ፡ ‘እዞም መሳቶይ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ወጻኢ ሃገራት ምእንቲ ኼገልግሉ ኢሎም ስጋዊ ነገራት ኪሓድጉ ኻብ ከኣሉ፡ ኣነ እውን ኣብ ዓደይ ከምኡ ኽገብር ፍቓደኛ ክኸውን ኣሎኒ’ ኢለ ድማ ሓሰብኩ። ኣብ መወዳእታ እቲ ኣኼባ፡ ፈላሚ ክኸውን ወሰንኩ።

ከምዚ ኪኸውን ከሎ፡ ምስ ኢቭላን ሞንዳክ እትበሃል ኣብቲ ዝኸድኩሉ ጉባኤ ዝነበረት ቅንኣት ዘለዋ ሓብቲ፡ ወረዘ ጀመርኩ። እታ ሽዱሽተ ቘልዑ ዘዕበየት ኣደ ኢቭላን ተባዕ ሰበይቲ እያ ነይራ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዓብዪ ናይ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዚርከብ መገዲ ምስባኽ ባህ የብላ ነበረ። ሓደ እተቘጥዐ ቐሺ ኻብቲ ኸባቢ ኸተልግስ ብዙሕ ሳዕ እኳ እንተ ነገራ፡ ንሳ ግን ምዕይ ኣይበለትን። ኢቭላን እውን ልክዕ ከም ኣዲኣ ፍርሂ ሰብ ዚበሃል ኣይስምዓን እዩ ነይሩ።—ምሳ. 29:25

ብ1951 ኣነን ኢቭላንን ተመርዓና፡ ስራሕና ሓዲግና ኸኣ ፈለምቲ ዀንና። ሓደ ሓላው ወረዳ ናብታ ኻብ ከተማ ኒው ዮርክ ዳርጋ 160 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ ገማግም ኣትላንቲክ ውቅያኖስ እትርከብ ቍሸት ኣማጋንሰት ክንግዕዝ ኣተባብዓና። እታ ጉባኤ ንዓና ዚኸውን መንበሪ ኸም ዘይብላ ምስ ሓበረትና፡ ተጐታቲት ማኪና ኽንዕድግ ደለና፣ ብዓቕምና እንዕድጋ ግን ኣይረኸብናን። ድሕሪኡ፡ ሓንቲ ዝኣረገት ተጐታቲት ማኪና ረኸበና። እቲ ዋናኣ 900 ዶላር ክንከፍል ሓተተና፣ እዚ ኸኣ ምስ መጠን ገንዘብ እቲ ኣብ እዋን መርዓና እተዋህበና ህያብ ማዕረ እዩ ነይሩ። ነታ ተጐታቲት ማኪና ዓዲግና ብምትዕራይ ከኣ ናብቲ ሓድሽ ክልና ወሰድናያ። ይኹን እምበር፡ ናብቲ ቦታ ኽንበጽሕ ከለና ሳንቲም እትበሃል ስለ ዘይነበረትና፡ ብኸመይ ፈለምቲ ዀይና ኽንቅጽል ከም እንኽእል ኣተሓሳሰበና።

ኢቭላን ኣባይቲ ኸተጽሪ፡ ኣነ ኸኣ ለይቲ ለይቲ ኣብ ሓደ ናይ ኢጣልያዊ ቤት ምግቢ ናይ ጽሬት ስራሕ ክሰርሕ ጀመርኩ። እቲ ዋና ቤት ምግቢ፡ “ዝተረፈ ምግቢ ንሰበይትኻ ውሰደላ” በለኒ። ስለዚ፡ ለይቲ ሰዓት ክልተ ናብ ቤተይ ክበጽሕ ከለኹ፡ እታ ተጐታቲት ቤትና ብናይ ፒሳን ፓስታን መኣዛ ትመልእ ነበረት። እዚ እንደገና ዝወዓየ ምግብታት፡ ብፍላይ ኣብ ቈራሪ ወርሓት ኣብ ውሽጢ እታ ተጐታቲት ማኪናና ቝሪ ኺውድኣና ኸሎ ኣዝዩ ይጠቕመና ነበረ። ብተወሳኺ፡ ሓድሓደ እዋን እቶም ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ኣሕዋት ኣብ መደያይቦ እታ ተጐታቲት ማኪናና ዓብዪ ዓሳ የቐምጡልና ነበሩ። እተን ኣብ ኣማጋንሰት ምስ ዚርከቡ ፍቑራት ኣሕዋትና ዘሕለፍናየን ዓመታት፡ በቲ ዘለካ መሰረታዊ ነገራት ምዕጋብ ሕጉስ ህይወት ንኽትመርሕ ከም ዚሕግዘካ ምሂረናና እየን። ኣዝየን ባህ ዘብላ ዓመታት እየን ነይረን።

ንርእስና ብዝያዳ ቕርብቲ ኽንገብራ ተደረኽና

ብሓምለ 1953 ምስቶም ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ኣብ ዚግበር ኣህጉራዊ ኣኼባ ኺካፈሉ ኻብ እተፈላለየ ወጻኢ ሃገራት ዚመጹ ኣማእታት ሚስዮናውያን ተራኸብና። ኣዝዩ ዝማርኽ ተመክሮታት ድማ ነገሩና። እቲ ዝነበሮም ውዕዉዕ ስምዒት፡ ንኻልኦት ቅንኣት ከም ዚሓድሮም ዚገብር እዩ ነይሩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ሓደ ኣብቲ ኣኼባ መደረ ዝሃበ ሓው፡ ብዙሓት ሃገራት ገና እቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይበጽሐን ምስ ኣጕልሐ፡ ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸነስፍሕ ንርእስና ብዝያዳ ቕርብቲ ኽንገብራ ኸም ዘሎና ፈለጥና። ኣብቲ ኣኼባ እቲ ኸኣ ናይ ሚስዮናውያን ስልጠና ኽንረክብ ኣመልከትና። ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ኣብ ለካቲት 1954 ኣብ እተገብረ መበል 23 ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክንካፈል ተዓደምና። ኣየ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ ነይሩ!

ኣብ ብራዚል ከነገልግል ከም እተመደብና ምስ ፈለጥና፡ ኣዚና ተሓጐስና። ነቲ ብመርከብ 14 መዓልቲ ዚወስድ ጕዕዞ ቕድሚ ምጅማርና፡ ሓደ ኣብ ቤትኤል ሓላፍነት ዘለዎ ሓው፡ “ንጽል ዚዀና ትሽዓተ ሚስዮናውያን ኣሓት ምሳኻን ምስ ሰበይትኻን ናብ ብራዚል ኪኸዳ እየን። ተኸናኸነን ኢኻ” በለኒ። ደድሕረይ ዓሰርተ ኣዋልድ እናሰዓባኒ ናብ መርከብ ክድይብ ከለኹ፡ እቶም ባሕረኛታት ክሳዕ ክንደይ ተገሪሞም ይርእዩኒ ኸም ዝነበሩ ኽትግምትዎዶ ምኸኣልኩም፧ ይኹን እምበር፡ እተን ኣሓት ንዘጋጠመን ኵነታት ብዘይ ዋላ ሓንቲ ጸገም ተዋጺአናሉ እየን። መሬት ብራዚል ብሰላም ምስ ረገጽና ግን እፎይ በልኩ።

ፖርቱጋልኛ ምስ ተመሃርኩ፡ ኣብ ደቡባዊ ብራዚል ኣብ ዚርከብ ግዝኣት ሪዮ ግራንደ ዶ ሱል ሓላዊ ወረዳ ዀይነ ኽዓዪ ተመደብኩ። እቲ ዝተካእክዎ ንጽል ዝነበረ ሓላው ወረዳ ንዓይን ንሰበይተይን፡ “ሰብ ሓዳር ናብዚ ምልኣኾም ኣገሪሙኒ እዩ ዘሎ። እዚ ቦታ እዚ፡ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ” በለና። እተን ጉባኤታት ኣብቲ ሰፊሕ ከባቢ ገጠር ፋሕ ኢለን እየን ነይረን፡ ገሊኡ ቦታታት ድማ ብናይ ጽዕነት ማኪና ጥራይ ኪብጻሕ ዚኽእል ነበረ። ንሓደ መራሕ ማኪና ምግቢ እንተ ዓዲግካሉ፡ ናብ ዝባን እታ ማኪናኡ ኽትስቀል ይፈቕደልካ እዩ። ልክዕ ኣብ ፈረስ ከም እተወጥሐ ሰብ፡ ነቲ ጽዕነት እተኣስረሉ ገመድ ብኽልተ ኢድና ዓትዒትና ብምሓዝ እግርና ኣጋሕቲንና ኣብ ዝባን ማኪና ኾፍ ንብል ነበርና። እታ ማኪና ኣብ ጥውይዋይ መገዲ ኽትጥወ ኸላ፡ እቲ ኽንዲ እምባ ዚኸውን ጽዕነታ ስለ ዚዘብል ነቲ ገደል ንርእዮ፡ ምእንቲ ኸይንወድቕ ከኣ ነቲ ገመድ ኣጽኒዕና ንሕዞ ነበርና። ይኹን እምበር፡ ነቶም ንዓና ብሃንቀውታ ኺጽበዩ ዝጸንሑ ብሩህ ገጽ ዘለዎም ኣሕዋት ምርኣይ፡ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣጸጋሚ ጕዕዞታት ከንቱ ኸም ዘይከውን እዩ ዚገብሮ።

ኣብ ናይ ኣሕዋት ኣባይቲ ንነብር ነበርና። ኣዝዮም ድኻታት እኳ እንተ ነበሩ፡ እዚ ግን ለጋሳት ካብ ምዃን ኣይዓገቶምን። ኣብ ሓደ ግሉል ከባቢ፡ ኵሎም ኣሕዋት ስጋ ኣብ ዚዕሸገሉ ፋብሪካ ይሰርሑ ነበሩ። እቲ ዚኽፈሎም ደሞዝ ሒደት ስለ ዝነበረ፡ ኣብ መዓልቲ ሓንሳእ ጥራይ እዮም ዚበልዑ ነይሮም። ሓንቲ መዓልቲ እንተ ደኣ ዘይሰሪሖም፡ ገንዘብ ኣይክፈሉን እዮም። ኰይኑ ግን፡ ምብጻሕ ክንገብር ከለና፡ ነቲ ኣብ ጉባኤ ዚግበር ንጥፈታት ንምድጋፍ ክልተ መዓልቲ ዕረፍቲ ይወስዱ ነበሩ። ትውክልቶም ኣብ የሆዋ እዮም ዚገብሩ ነይሮም። እዞም ትሑታት ኣሕዋት እዚኣቶም፡ ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ መስዋእትታት ብምግባር ዝመጸ ፈጺምካ ዘይርሳዕ ትምህርቲ ምሂሮምና እዮም። ምስኦም ብምንባርና ኣብ ዝዀነ ይኹን ቤት ትምህርቲ ኽንረኽቦ ዘይንኽእል ትምህርቲ ረኺብና ኢና። ብዛዕባ እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም ክሓስብ ከለኹ፡ ኣዒንተይ ብናይ ሓጐስ ንብዓት እዩ ዚመልእ።

ብ1976 ነታ ዝሓመመት ኣደይ ምእንቲ ኽንኣልያ ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ተመለስና። ካብ ብራዚል ምውጻእ ኣዝዩ እኳ እንተ ኸበደና፡ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብታ ዓዲ ዓብዪ ዕቤት ኪገብር ብዓይንና ምርኣይና ግን ኣሐጒሱና እዩ። ካብ ብራዚል ደብዳበታት ኪመጸና ኸሎ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብኡ ዘሕለፍናዮ ዜደንቕ ግዜ ብዙሕ ባህ ዜብል ተዘክሮታት እዩ ኣብ ኣእምሮና ቕጅል ዚብለና።

እንደገና ምርኻብ

ንኣደይ እናኣለና ፈለምቲ ዀንና፡ ናይ ጽሬት ስራሕ ከኣ ክንሰርሕ ጀመርና። ኣደይ ብ1980 ዓረፈት፣ ክሳዕ እታ ዝሞተትላ ዕለት ድማ ንየሆዋ እምንቲ ነበረት። ድሕርዚ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ሓላው ወረዳ ዀይነ ኺዓዪ ዕድመ ቐረበለይ። ብ1990 ኣነን ሰበይተይን ነታ ኣብ ከነቲከት እትርከብ ጉባኤ በጻሕናያ፡ ኣብኡ ድማ ምስ ሓደ ፍሉይ ሰብ ተራኸብና። ሓደ ኻብቶም ሽማግለታት እታ ጉባኤ፡ በን እዩ ነይሩ፣ ምስቲ ቕድሚ 50 ዓመት ብመገዲ የሆዋ ንኽመላለስ ዝሓገዘኒ ሰብ ምርኻበይ ዜገርም እዩ። ተራኺብና ምስ ተሓቛቘፍና እተሰምዓና ሓጐስ እሞ ገምትዎ!

ካብ 1996 ኣትሒዙ ኣነን ኢቭላንን ኣብታ ኣብ ኤሊዛቤት፡ ኒው ጀርሲ እትርከብ ብቛንቋ ፖርቱጋልኛ እትምራሕ ጉባኤ ዓቕምና ዝፈቐዶ እናኣገልገልና ፍሉያት ፈለምቲ ዄንና ንዓዪ ኣለና። ናይ ጥዕና ጸገም እኳ እንተ ሃለወኒ፡ ሳላ ሓገዝ እታ ፍቕርቲ ሰበይተይ ኣብ ኣገልግሎት ብእተኻእለኒ መጠን እካፈል እየ። ኢቭላን ነታ ብዕድመ ዝደፍአትን ብዙሕ ጥዕና ዘይብላን ጐረቤትና እውን ትሕግዛ እያ። መን ምዃና ትፈልጡዶ፧ እታ ልዕሊ 70 ዓመት ይገብር ኣደይ ኣገልጋሊት የሆዋ ንኽትከውን ዝሓገዘታ በርታ እያ! ነቲ ስድራ ቤተይ ሓቂ ኺመሃሩ ዝገበረቶ ሓገዝ ዘሎና ሞሳ ኽንገልጽ እንኽእለሉ ኣጋጣሚ ምርካብና ኣሐጒሱና እዩ።

እተን ኣብ ዝሓለፈ እዋናት እተገብራ ዓበይቲ ኣኼባታት፡ ብመገዲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምምልላስ ቈራጽነት ክገብር፡ ቀሊል ናብራ ኽነብር፡ ኣገልግሎተይ ከስፍሕ ስለ ዝደረኻኒ፡ ኣዝየ እየ ዘመስግን። ብርግጽ፡ እዘን ዓበይቲ ኣኼባታት እዚኣተን ኣብ ህይወተይ ዓብዪ ጽልዋ ኣሕዲረናለይ እየን።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ኣደ ኢቭላንን (ብጸጋም) ኣደይን

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

በን ዓርከይ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ብራዚል ከለና

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ሎሚ ምስ ኢቭላን