ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኣዕሩኸይ ኢኹም”

“ኣዕሩኸይ ኢኹም”

“ኣዕሩኸይ ኢኹም”

“ንስኻትኩም እዚ ዝአዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩም፡ ኣዕሩኸይ ኢኹም።”—ዮሃ. 15:14

1, 2. (ሀ) ኣዕሩኽ የሱስ ካብ ከመይ ዝበለ እተፈላለየ ድሕረ-ባይታ እዮም መጺኦም፧ (ለ) ኣዕሩኽ የሱስ ክንከውን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

 እቶም ምስ የሱስ ኣብ ደርቢ ዝነበሩ ሰባት፡ እተፈላለየ ድሕረ-ባይታ ነበሮም። ጴጥሮስን እንድርያስን ዝስሞም ኣሕዋት፡ ገፈፍቲ ዓሳ እዮም ነይሮም። ማቴዎስ ኣቐዲሙ ተጋዊ እዩ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ብኣይሁዳውያን እተናዕቐ ስራሕ ነበረ። ከም ያእቆብን ዮሃንስን ዝኣመሰሉ ድማ ንየሱስ ገና ብቝልዕነቱ እዮም ዚፈልጥዎ ነይሮም። ከም ብዓል ናትናኤል ዝኣመሰሉ ኻልኦት ሰባት ከኣ ቅድሚ ሒደት ዓመታት እዮም ዚፈልጥዎ ነይሮም። (ዮሃ. 1:43-50) ኰይኑ ግን፡ ኵሎም እቶም ኣብታ ፋስጋ እትኽበረላ ዘይትርሳዕ ምሸት ኣብ የሩሳሌም ብሓደ ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት፡ የሱስ ወዲ እቲ ህያው ኣምላኽን ተስፋ እተገብረሉ መሲሕን ምዃኑ ይኣምኑ ነበሩ። (ዮሃ. 6:68, 69) የሱስ፡ “እቲ ኻብ አቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም እየ ኣዕሩኸይ ዝበልኩኹም” ኪብሎም ከሎ፡ ኣዝዩ ባህ ኢልዎም ኪኸውን ኣለዎ።—ዮሃ. 15:15

2 እዘን የሱስ ንእሙናት ሃዋርያቱ እተዛረበን ቃላት፡ ብመሰረቱ ኣብቶም ሎሚ ዘለዉ ቕቡኣት ክርስትያናት ዚውዕላ እኳ እንተ ዀና፡ ኣብቶም ብጾቶም ዝዀኑ “ኻልኦት ኣባጊዕ” እውን ይውዕላ እየን። (ዮሃ. 10:16) ድሕረ-ባይታና ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ኣዕሩኽ የሱስ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ኪህልወና ይኽእል እዩ። ምስኡ ዘሎና ዕርክነት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፣ ምኽንያቱ ኣዕሩኽ የሱስ ምዃን ኣዕሩኽ የሆዋ እውን ከም እንኸውን እዩ ዚገብረና። ከመይሲ፡ ፈለማ ናብ ክርስቶስ ከይቀረብና ናብ የሆዋ ኽንቀርብ ዘይሕሰብ እዩ። (ዮሃንስ 14:6, 21 ኣንብብ።) እሞኸ ኣዕሩኽ የሱስ ንኽንከውንን ነዚ ዕርክነት እዚ ንኽንዕቅቦን እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ብዛዕባ እዚ ኣገዳሲ ጕዳይ እዚ ቕድሚ ምምይያጥና፡ የሱስ ጥዑይ ዓርኪ ብምዃን ዝመጸ ንዝሓደገልና ኣብነት እስከ ንመርምር፣ ካብቲ ደቀ መዛሙርቱ ዝሃብዎ ምላሽ እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል ከኣ ክንርኢ ኢና።

የሱስ ጥዑይ ዓርኪ ብምዃን ዝመጸ ዝሓደጎ ኣብነት

3. የሱስ ብምንታይ እዩ ዚፍለጥ ነይሩ፧

3 እቲ ጥበበኛ ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን፡ “ፈተውቲ ሃብታም . . . ብዙሓት እዮም” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳ. 14:20) እዚ ሓሳብ እዚ ንዝንባለ ዘይፍጹማት ሰባት ዚገልጽ እዩ፣ ከመይሲ፡ ሰባት ኣብቲ ኺረኽብዎ ዚኽእሉ ደኣ እምበር ኣብቲ ኺህብዎ ዚኽእሉ ተመርኲሶም ኣይኰኑን ዕርክነት ዚምስርቱ። የሱስ ግን ከምዚ ዓይነት ድኽመት ኣይነበሮን። ናይ ሓደ ሰብ ሃብቲ ወይ ማሕበራዊ ደረጃ ኣየታልሎን እዩ ነይሩ። ሓቂ እዩ፡ ንሓደ ሃብታም ዝነበረ መንእሰይ መራሒ ፈትይዎን ሰዓቢኡ ኪኸውን ዕድመ ኣቕሪብሉን እዩ። ይኹን እምበር፡ ነዚ መንእሰይ እዚ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ ንድኻታት ኪህቦም ከም ዘለዎ ሓቢርዎ እዩ። (ማር. 10:17-22፣ ሉቃ. 18:18, 23) የሱስ፡ ምስ ሃብታማትን ስሙያትን ብዝነበሮ ርክብ ዘይኰነስ፡ ምስቶም ትሑታትን እተናዕቁን ብዝነበሮ ዕርክነት እዩ ዚፍለጥ ነይሩ።—ማቴ. 11:19

4. ኣዕሩኽ የሱስ ዘይፍጹማት እዮም ነይሮም ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

4 ኣዕሩኽ የሱስ ዘይፍጹማት ምንባሮም ዜጠራጥር ኣይኰነን። ጴጥሮስ ንነገራት ብመንፈሳዊ ዓይኒ ዘይረኣየሉ እዋን ነይሩ እዩ። (ማቴ. 16:21-23) ያእቆብን ዮሃንስን እውን የሱስ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ብሉጽ ቦታ ንኺህቦም ብምሕታት ህርፋን ስልጣን ከም ዝነበሮም ኣርእዮም እዮም። እዚ ኸኣ ንኻልኦት ሃዋርያት ኣቘጥዖም፡ ብተደጋጋሚ ድማ መኖም ከም ዚበልጽ ይከራኸሩ ነበሩ። የሱስ ግን ከይተቘጥዐ ንኣተሓሳስባ ኣዕሩኹ ብትዕግስቲ ኼዐርዮ ፈተነ።—ማቴ. 20:20-28

5, 6. (ሀ) የሱስ ዓርኪ መብዛሕትኦም ሃዋርያቱ ዀይኑ ዝቐጸለ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ነቲ ምስ ይሁዳ ዝነበሮ ዕርክነት ዘቋረጾ ስለምንታይ እዩ፧

5 የሱስ ዓርኪ እዞም ዘይፍጹማት ሰባት ኰይኑ ኪቕጽል ዝኸኣለ፡ ኣመና ሸለል በሃሊ ብምንባሩ ወይ ነቲ ዘይፍጽምናኦም ስለ ዘየስተብሃለሉ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ኣብቲ ቕኑዕ ድራኸኦምን ኣወንታዊ ባህርያቶምን ኬተኵር ስለ ዝመረጸ እዩ። ንኣብነት፡ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ንየሱስ ኣብታ ኣዝያ ፈታኒት ዝዀነት ሰዓት ኣብ ክንዲ ዚድግፍዎ፡ ደቀሱ። የሱስ ብእኦም እንተ ጐሃየ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። ኰይኑ ግን፡ ድራኸኦም ቅኑዕ ከም ዝዀነ ይርዳእ ብምንባሩ፡ “መንፈስ ተዳልዩ አሎ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ” በለ።—ማቴ. 26:41

6 ብኣንጻሩ ግን፡ የሱስ ነቲ ምስ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዝነበሮ ዕርክነት ኣቋረጾ። ይሁዳ ዓርኪ የሱስ ከም ዝዀነ የምስል እኳ እንተ ነበረ፡ የሱስ ግን እዚ ቐደም ናይ ቀረባ ዓርኩ ዝነበረ ሰብ ልቡ ኸም እተበላሸወ ኣስተብሃለ። ይሁዳ ንዓለም ስለ ዝፈተወ፡ ጸላኢ ኣምላኽ ኰነ። (ያእ. 4:4) ስለዚ እምበኣር፡ የሱስ ዓርኪ እቶም 11 እሙናት ሃዋርያቱ ኸም ዝዀነ ኺገልጽ ከሎ፡ ድሮ ይሁዳ ተሰጒጉ እዩ ነይሩ።—ዮሃ. 13:21-35

7, 8. የሱስ ንኣዕሩኹ ፍቕሪ ዘርኣዮም ብኸመይ እዩ፧

7 የሱስ፡ እቶም እሙናት ኣዕሩኹ ኣብ ዚገብርዎ ጌጋታት ከየተኰረ፡ ዚጠቕሞም ነገራት ይገብር ነበረ። ንኣብነት፡ ፈተና ኼጋጥሞም ከሎ ምእንቲ ኼዕቍቦም ናብ ኣቦኡ ጸለየሎም። (ዮሃንስ 17:11 ኣንብብ።) ነቲ ዝነበሮም ድሩት ዓቕሚ ኸኣ ኣብ ግምት የእትዎ ነበረ። (ማር. 6:30-32) ብዛዕባ እቲ ንሱ ዚሓስቦ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ንሳቶም ዚሓስብዎን ዚስምዖምን እውን ይግደስ ነበረ።—ማቴ. 16:13-16፣ 17:24-26

8 የሱስ፡ ህይወቱ ንኣዕሩኹ ወፍዩን ምእንታኦም ሞይቱን እዩ። ሓቂ እዩ፡ ህይወቱ ዝሃበ ነቲ ናይ ኣቦኡ መለክዒ ፍትሒ ንምምላእ እዩ። (ማቴ. 26:27, 28፣ እብ. 9:22, 28) ኰይኑ ግን፡ ከም መግለጺ ፍቕሪ ገይሩ እውን እዩ ህይወቱ ሂቡ። “ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ፡ ካብዚ ዚዐቢ ፍቕሪ የልቦን” ድማ በለ።—ዮሃ. 15:13

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነቲ ምስኡ ዝነበሮም ዕርክነት ብኸመይ ምላሽ ሃቡሉ፧

9, 10. ሰባት ነቲ የሱስ ዘርኣዮም ልግሲ ብኸመይ ምላሽ ሃቡሉ፧

9 የሱስ ግዜኡን ፍቕሩን ዘለዎ ዅሉን ብምሃብ ዝመጸ ለጋስ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ሰባት ናብኡ ይሰሓቡን ዘለዎም ተሓጕሶም ይህብዎን ነበሩ። (ሉቃ. 8:1-3) የሱስ ካብቲ ዘሕለፎ ተመክሮ ተበጊሱ፡ “ሀቡ ኺውሀበኩም እዩ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ጽቡቕ እተሰጐደ፡ ንኽኑኽ እተፋረወ መስፈሪ ኣብ ሕቝፍኹም ኪህቡኹም እዮም” በለ።—ሉቃ. 6:38

10 ገሊኦም ሰባት በቲ ኻብ የሱስ ኪረኽብዎ ዚኽእሉ ነገራት ተሳሒቦም እዮም ምስኡ ዚቀራረቡ ነይሮም። እዞም ናይ ሓሶት ኣዕሩኽ፡ የሱስ ዘይተረድእዎ ነገር ምስ ተዛረበ ጠንጢኖምዎ ኸዱ። እቲ እተዛረቦ ምርዳእ ምስ ኣበዮም፡ ኣብ ክንዲ ንየሱስ ዚኣምንዎ፡ ኣብ ግጉይ መደምደምታ ብምብጻሕ ዝባኖም ሃብዎ። ብኣንጻሩ ግን፡ እቶም ሃዋርያት እሙናት ነበሩ። ምስ ክርስቶስ ዝነበሮም ዕርክነት ብተደጋጋሚ እኳ እንተ ተፈተነ፡ ኣብ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ እዋናት ኪድግፍዎ ዚከኣሎም ገይሮም እዮም። (ዮሃንስ 6:26, 56, 60, 66-68 ኣንብብ።) የሱስ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ኣብ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት፡ ንኣዕሩኹ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅሮም ኪገልጽ ከሎ፡ “ንስኻትኩም ግና ብፈተናይ ምሳይ እተዐገስኩም ኢኹም” በለ።—ሉቃ. 22:28

11, 12. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ እዩ ዘረጋገጸሎም፧ ንሳቶምከ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧

11 የሱስ ብዛዕባ እቲ ዘርኣይዎ ተኣማንነት ንደቀ መዛሙርቱ ድሕሪ ምንኣዱ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሓዲጎምዎ ኸዱ። ከምኡ ዝገበሩ፡ ፍርሂ ሰብ ነታ ንየሱስ ዝነበረቶም ፍቕሪ ኺዕብልላ ስለ ዝፈቐዱ እዮም። የሱስ፡ ሽዑ እውን እንተ ዀነ ይቕረ በለሎም። ካብ ሞት ድሕሪ ምትንሳኡ ተራእዮም፡ ኣዕሩኹ ምዃኖም ድማ እንደገና ኣረጋገጸሎም። ብተወሳኺ፡ “ንዅሎም ኣህዛብ” ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩን “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ምስክርነት ኪህቡን ሕድሪ ሃቦም። (ማቴ. 28:19፣ ግብ. 1:8) እቶም ደቀ መዛሙርቲኸ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧

12 ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምዝርጋሕ ዝከኣሎም ገይሮም እዮም። ሳላ ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ድማ ንየሩሳሌም ብትምህርቶም መልእዋ። (ግብ. 5:27-29) ሞት እውን እንተ ዀነ ነቲ የሱስ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩ ዝሃቦም ትእዛዝ ካብ ምፍጻም ኣይዓገቶምን። የሱስ ነቲ ትእዛዝ ካብ ዚህቦም ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓሰርተታት ዓመት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ እቲ ብስራት “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር” ከም እተሰብከ ጸሓፈ። (ቈሎ. 1:23) ብሓቂ እምበኣር፡ እዞም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ ምስ የሱስ ዝነበሮም ስጡም ዕርክነት ኣኽቢሮም ከም ዚርእይዎ ኣመስኪሮም እዮም።

13. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ትምህርትታቱ ኺጸልዎም ዘፍቀዱ ብኸመይ እዮም፧

13 እቶም ደሓር ደቀ መዛሙርቲ ዝዀኑ እውን ትምህርትታት የሱስ ንህይወቶም ኪጸልዎ ፈቒዶም እዮም። እዚ ኸኣ ኣብ ኣካይዳኦምን ባህርያቶምን ለውጢ ኺገብሩ ዚሓትት ነበረ። ከመይሲ፡ ገሊኦም ደቀ መዛሙርቲ ቕድሚ ሓቂ ምፍላጦም፡ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሰረቕቲ እዮም ነይሮም። (1 ቈረ. 6:9-11) ገሊኦም ከኣ ብዛዕባ ኻልእ ዓሌት ዘለዎም ኣረኣእያ ኼዐርዩ ነበሮም። (ግብ. 10:25-28) ኰይኑ ግን፡ ንትእዛዝ የሱስ ብምስዓብ፡ ነቲ ኣረጊት ሰብነት ቀንጢጦም ሓድሽ ሰብነት ለበሱ። (ኤፌ. 4:20-24) ንኣተሓሳስባኡን ተግባሩን ብምርዳእ ከምኡውን ንዕኡ ብምቕዳሕ፡ ን“ሓሳብ ክርስቶስ” ኣጸቢቖም ፈለጥዎ።—1 ቈረ. 2:16

ሎሚ ዓርኪ የሱስ ምዃን

14. የሱስ ኣብ ‘መደምደምታ እዚ ስርዓት እዚ’ እንታይ ኪገብር እዩ ተመባጺዑ፧

14 መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ንየሱስ ብብሕቲ ይፈልጥዎ ወይ ድሕሪ ትንሳኤኡ ርእዮምዎ ነይሮም እዮም። ንሕና ግን ከምዚ ዓይነት ኣጋጣሚ ኣይረኸብናን። ብኸመይ ደኣ ኢና እሞ ኣዕሩኽ ክርስቶስ ክንከውን እንኽእል፧ ከምዚ ኽንገብር እንኽእለሉ ሓደ መገዲ፡ ነቶም እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ዜቝሙ ገና ኣብ ምድሪ ዘለዉ ብመንፈስ እተቐብኡ ኣሕዋት የሱስ ዚህቡና መምርሒ ብምእዛዝ እዩ። ኣብ ‘መደምደምታ እዚ ስርዓት እዚ’ ነቲ ብጕጅለ ዝቘመ ባርያ “ኣብ ኵሉ ገንዘቡ” ኸም ዚሸሞ የሱስ ተመባጺዑ ነበረ። (ማቴ. 24:3, 45-47) ሎሚ መብዛሕትኦም ኣዕሩኽ ክርስቶስ ኪዀኑ ዚደልዩ ሰባት፡ ኣባላት እቲ ብጕጅለ ዝቘመ ባርያ ኣይኰኑን። ንመምርሒ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ዚህብዎ ምላሽ ነቲ ምስ ክርስቶስ ዘለዎም ዕርክነት ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

15. ሓደ ሰብ ካብተን ኣባጊዕ ወይ ካብተን ኣጣል እንተ ዀይኑ ዚውስን ረቛሒ እንታይ እዩ፧

15 ማቴዎስ 25:31-40 ኣንብብ። የሱስ ነቲ እሙን ባርያ ዘቝሙ ሰባት፡ ኣሕዋቱ ኸም ዝዀኑ ገሊጹ ኣሎ። ነተን ኣባጊዕ ካብ ኣጣል ብዛዕባ ምፍልላይ ኣብ ዝሃቦ ምሳሌ፡ ነቶም ኣሕዋቱ ዝገበርናሎም ንዕኡ ኸም ዝገበርናሉ ገይሩ ዚወስዶ ምዃኑ ሓቢሩ እዩ። ሓደ ሰብ ካብተን ኣባጊዕ ወይ ካብተን ኣጣል እንተ ዀይኑ ዚውስን ረቛሒ፡ ‘ነቶም ናእሽቱ ኣሕዋቱ’ ዚሕዘሉ መገዲ ኸም ዝዀነ እውን ተዛሪቡ እዩ። ስለዚ፡ እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሰባት፡ ኣዕሩኽ የሱስ ኪዀኑ ኸም ዚደልዩ ዜርእዩሉ ቐንዲ መገዲ፡ ነቲ እሙን ባርያ ብምድጋፍ እዩ።

16, 17. ምስ ኣሕዋት ክርስቶስ ዘሎና ዕርክነት ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

16 ተስፋኻ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ምንባር እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ምስቶም ኣሕዋት ክርስቶስ ዘሎካ ዕርክነት ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧ ሰለስተ መገድታት ጥራይ እስከ ንርአ። ቀዳማይ፡ ኣብቲ ዕዮ ስብከት ብምሉእ ልብኻ ብምክፋል እዩ። ክርስቶስ ነቲ ብስራት ኣብ ብዘላ ዓለም ኪሰብኩ ንኣሕዋቱ ኣዚዝዎም እዩ። (ማቴ. 24:14) ይኹን እምበር፡ እቶም ሎሚ ኣብ ምድሪ ተሪፎም ዘለዉ ኣሕዋት ክርስቶስ ብዘይ ደገፍ ናይቶም ብጾቶም ዝዀኑ ኻልኦት ኣባጊዕ፡ ነቲ ሓላፍነት ኪፍጽምዎ ምኸበዶም ነይሩ። ብሓቂ፡ ኣባላት እቶም ክፍሊ ኻልኦት ኣባጊዕ ኣብ ዕዮ ስብከት ምክፋሎም፡ ኣሕዋት ክርስቶስ ነቲ ቕዱስ ኣገልግሎቶም ኪፍጽሙ እዮም ዚሕግዝዎም። ልክዕ ከም ክርስቶስ፡ እቲ ኽፍሊ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ነዚ መግለጺ ዕርክነት ዝዀነ ተግባር ዓብዪ ሞሳ እዩ ዘለዎ።

17 እቶም ክፍሊ ኻልኦት ኣባጊዕ ንኣሕዋት ክርስቶስ ኪሕግዙ ዚኽእልሉ ኻልኣይ መገዲ፡ ነቲ ዕዮ ስብከት ብገንዘቦም ብምድጋፍ እዩ። የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ብገንዘብ ዓመጻ” ንርእሶም ኣዕሩኽ ኬጥርዩ ኣተባብዖም። (ሉቃ. 16:9) ብገንዘብና ምስ የሱስ ወይ ምስ የሆዋ ዕርክነት ክንምስርት ንኽእል ኢና ማለት ግን ኣይኰነን። የግዳስ፡ ስጋዊ ሃብትና ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድንፋዕ ብምውዓል፡ ዕርክነትና ወይ ፍቕርና ብቓል ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ብግብርን ብሓቅን” ከነርኢ ንኽእል ኢና። (1 ዮሃ. 3:16-18) ከምዚ ዝኣመሰለ ገንዘባዊ ደገፍ እንገብር፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ክንካፈል ከለና፡ ንዕዮ ህንጸትን ንመጸገንን እቲ እንእከበሉ ኣዳራሽ ዚኸውን ገንዘብ ክንውፊ ኸለና፡ ከምኡውን ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ንምድጋፍ ገንዘብ ክንህብ ከለና እዩ። እቲ እንውፍዮ መጠን ገንዘብ ሒደት ይኹን ብዙሕ ብዘየገድስ፡ የሆዋን የሱስን ነቲ ብሓጐስ እንገብሮ ወፈያ ኣኽቢሮም ይርእይዎ እዮም።—2 ቈረ. 9:7

18. ሽማግለታት ንዚህቡና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መምርሒ ኽንእዘዝ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

18 ኵላትና ኣዕሩኽ ክርስቶስ ከም ዝዀንና እነርእየሉ ሳልሳይ መገዲ፡ ብናይ ጉባኤ ሽማግለታት ኣቢሉ ንዚመጽእ መምርሒ ብምእዛዝ እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ እተሸሙ እዮም። (ኤፌ. 5:23) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንመራሕትኹም ተአዘዝዎምን ተገዝእዎምን” ኢሉ ጸሓፈ። (እብ. 13:17) ሓድሓደ ግዜ እቶም ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ሽማግለታት ንዚህቡና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መምርሒ ምእዛዝ ኣጸጋሚ ዀይኑ ኽንረኽቦ ንኽእል ኢና። ብሰንኪ ዘይፍጽምና ዚገብርዎ ነገር ንርኢ ንኸውን፡ እዚ ኸኣ ነቲ ዚህቡና ምኽሪ ዘሎና ኣረኣእያ ኼዛብዖ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ርእሲ እታ ጉባኤ ዝዀነ ክርስቶስ ነዞም ዘይፍጹማት ሰባት ባህ ኢልዎ እዩ ዚጥቀመሎም። ስለዚ፡ ነቲ ስልጣኖም ብኸመይ ከም እንቕበሎ እነርእየሉ መገዲ ምስ ክርስቶስ ንዘሎና ዕርክነት ብቐጥታ ይጸልዎ እዩ። ነቲ ሽማግለታት ዜርእይዎ ጕድለታት ዕሽሽ ብምባል ንመምርሒኦም ብሓጐስ ምስ እንስዕብ፡ ንክርስቶስ ዘሎና ፍቕሪ ኢና እነርኢ።

ጥዑያት ኣዕሩኽ እንረኽበሉ ቦታ

19, 20. ኣብ ውሽጢ ጉባኤ እንታይ ክንረክብ ንኽእል፧ ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽከ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

19 የሱስ ብቐጻሊ ሓልዮቱ ዜርእየና፡ መሪሕነት እቶም ፈቃራት ጓሶት ከም እንረክብ ብምግባር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ውሽጢ ጉባኤ መንፈሳውያን ኣደታት፡ ኣሕዋት፡ ኣሓት ብምሃብ እውን እዩ። (ማርቆስ 10:29, 30 ኣንብብ።) ንፈለማ እዋን ምስ ውድብ የሆዋ ኽትሓብር ምስ ጀመርካ፡ ኣዝማድካ እንታይ ተሰሚዕዎም፧ ናብ ኣምላኽን ናብ ክርስቶስን ዝያዳ ኽትቀርብ ኣብ ዝጸዓርካሉ እዋን ሓጊዞምኻ ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ ሓድሓደ ግዜ፡ “ንሰብ እቶም ቤተሰቡ ጸላእቱ ኪዀኑ እዮም” ኢሉ የሱስ ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 10:36) ኣብ ውሽጢ ጉባኤ ብስጋ ኣሕዋትና ኻብ ዝዀኑ ንላዕሊ ዚቐርቡና ኣሕዋት ክንረክብ ከም እንኽእል ምፍላጥናስ ክሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ!—ምሳ. 18:24

20 ጳውሎስ ኣብታ ኣብ ሮሜ ዝነበረት ጉባኤ ብዙሓት ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ኣጥርዩ ኸም ዝነበረ፡ ኣብ መደምደምታ ናብታ ጉባኤ ዝጸሓፋ መልእኽቱ ኻብ ዚርከብ ብሕታዊ ሰላምታ ኽንግንዘብ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 16:8-16) ሃዋርያ ዮሃንስ ነታ ሳልሰይቲ መልእኽቱ፡ “ነቶም ፈተውትና በብስሞም ሰላም በሎም” ብዚብል ቃላት እዩ ዛዚሙዋ። (3 ዮሃ. 15 ትርጕም 1990) ንሱ እውን ምስ ብዙሓት ነባሪ ዕርክነት መስሪቱ ኸም ዝነበረ ርዱእ እዩ። ምስ መንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ጥዑይ ዕርክነት ብምምስራት ኰነ ነቲ ዕርክነት ብምዕቃብ ዝመጸ፡ የሱስን ቀዳሞት ደቀ መዛሙርትን ንዝሓደግዎ ኣብነት ክንስዕብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ ምላሽ ክትህበሉ እያ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ጥዑይ ዓርኪ ብምዃን ዝመጸ የሱስ እንታይ ኣብነት እዩ ሓዲጉ፧

• እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንዕርክነት የሱስ ብኸመይ ምላሽ ሃቡሉ፧

• ኣዕሩኽ ክርስቶስ ከም ዝዀንና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንሓሳብን ስምዒትን እቶም ኣዕሩኹ ተገዳስነት ነበሮ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ኣዕሩኽ ክርስቶስ ክንከውን ባህጊ ኸም ዘሎና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧