ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ንኣሽቱ ዀነ ዓበይቲ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ ናብ ቋንቋ ምልክት ክትትርጕም ከላ፡ ርእሳ ኽትጕልበብ ኣለዋዶ፧

ብሓፈሻ ኺርአ ኸሎ፡ ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ነቲ ኸም ንቡር ሰብኣያ ወይ ሓደ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ሓው ኪገብሮ ዚግባእ ነገራት ክትገብር ከላ፡ ርእሳ ኽትጕልበብ ኣለዋ። እዚ ምስቲ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ሰበይቲ ዘበለት ኵላ ግን ክትጽሊ ወይስ ትንቢት ክትንበ ኸላ፡ ርእሳ እንተ ዘይተጐልበበት . . . ርእሳ ተሕስር” ኢሉ ዝገለጾ ስርዓት ይሰማማዕ እዩ፣ ከመይሲ፡ “ርእሲ ሰበይቲ . . . ሰብኣይ” እዩ። (1 ቈረ. 11:3-10) ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ሕንኪ ዘለዎን ግቡእን መጐልበቢ ርእሲ ምግባራ፡ ነቲ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘሎ ቲኦክራስያዊ መሰናድዎ ተገዛኢት ምዃና እዩ ዜርኢ።—1 ጢሞ. 2:11, 12 *

ሓንቲ ሓብቲ ንሓደ መደረ ዜቕርብ ዘሎ ሓው ናብ ቋንቋ ምልክት ክትትርጕመሉ ኸላ ግን ርእሳ ኽትጕልበብ ኣለዋዶ፧ ከም ሓቂ፡ እታ ሓብቲ ኣስተርጓሚት ጥራይ እያ። እዚ ማለት ከኣ፡ እቲ ትምህርቲ ናታ ዘይኰነስ፡ ናይቲ እትትርጕመሉ ዘላ ሓው እዩ። ይኹን እምበር፡ ናብ ቋንቋ ምልክት ምትርጓም ካብዚ እተፈልየ ምዃኑ ንጹር እዩ። ናብ ዚዝረብ ቋንቋ ኺትርጐም ከሎ፡ ሰማዕቲ ናብ ተዛራባይ እናረኣዩ፡ ንኣስተርጓሚ ኺሰምዑ ይኽእሉ እዮም። ብተወሳኺ እውን፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ዚትርጕማ ኣሓት፡ ከምቲ ኣብ ቋንቋ ምልክት ዚረኽባኦ ዓይነት ጕሉሕ ቦታ የብለንን። ሓድሓደ እዋን፡ ኮፍ ኢለን ኪትርጕማ ይኽእላ እየን፣ ወይ ከኣ ደው እንተ ኢለን፡ ገጸን ናብቶም ሰማዕቲ ዘይኰነስ፡ ናብቲ ተዛራባይ ገይረን ኪትርጕማ ይኽእላ ይዀና። ስለዚ፡ ናብ ዚዝረብ ቋንቋ ዚትርጕማ ኣሓት፡ ርእሰን ኪጕልበባ ኣየድልየንን እዩ።

ኣብ ርእሲ እዚ፡ ብምኽንያት እቲ ንመደረታት ናብ ቋንቋ ምልክት ንምትርጓም ዜገልግል ተክኖሎጅያዊ ምዕባለታት፡ ሰማዕቲ ብቐንዱ ናብ ኣስተርጓሚ እዮም ዜተኵሩ። ሰማዕቲ ንገጽ እቲ ተዛራባይ ከይረኣዩ፡ ነቲ ኣስተርጓሚ ጥራይ ኣብ ሓደ ዓብዪ ኤለክትሮኒካዊ መርኣዪ ኺርእይዎ ይኽእሉ እዮም። ነዚ ረቛሒታት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ናብ ቋንቋ ምልክት እትትርጕም ሓብቲ፡ ከም ኣስተርጓሚት ብምዃን ብኻልኣይ ደረጃ ዚስራዕ ግደ ኸም ዘለዋ ንምግላጽ፡ ርእሳ ኽትጕልበብ ይግባእ።

እዚ ሓድሽ መምርሒ እዚ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ንዚቐርብ ክፍልታት፡ ንመርኣያታት፡ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤን ኣኼባ ኣገልግሎትን መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛን ንዚወሃብ ሓሳባት ናብ ቋንቋ ምልክት ኣብ ምትርጓም እንታይ ጽልዋ ኣለዎ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ናብ ቋንቋ ምልክት እትትርጕም ሓብቲ ርእሳ ኽትጕልበብ ኣለዋዶ፧ ኵሎም ተኣከብቲ ነቲ ኣኼባ እትመርሖ ዘላ ንሳ ኸም ዘይኰነት ስለ ዚርድኦም፡ ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ርእሳ ኽትጕልበብ ኣየድልያን እዩ። ንኣብነት፡ ሰማዕቲ ንዚህብዎ ሓሳብ፡ ኣሓት ንዜቕርባኦ ኽፍሊ፡ ወይ ንመርኣያታት ክትትርጕም ከላ ርእሳ ኽትጕልበብ ኣየድልያን እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት፡ ኣሕዋት ንዜቕርብዎ መደረ ኽትትርጕም ከላ፡ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ወይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ ንዚመርሕ ሓው ክትትርጕመሉ ኸላ፡ ወይ ከኣ ባዕላ እናመርሐት መዝሙር ከተዘምር ከላ፡ ርእሳ ኽትጕልበብ ኣለዋ። ኣብ ኣኼባ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ቈልዑን ሽማግለታትን ንዜቕርብዎ ኽፍሊ ትትርጕም ትኸውን። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብቲ ኣኼባ ኻብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ርእሳ እንተ ተጐልበበት ዝሓሸ እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 3 ክርስትያን ኣንስቲ ብዛዕባ ዚገብራኦ መጐልበብ ርእሲ ዚገልጽ ዝርዝር መግለጺ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ” ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ካብ ገጽ 209 ክሳዕ 212 ርአ።