ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብሕጉስ ልቢ ምሃብ

ብሕጉስ ልቢ ምሃብ

ብሕጉስ ልቢ ምሃብ

ሃዋርያ ጳውሎስ ንምሃብ ብዚምልከት፡ “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሐለኖ ይሀብ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረ. 9:7) የሆዋ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ንንጹህ ኣምልኾ ኺድግፍ ኣየገድዶን እዩ። ኣገልገልቱ ብፍታውን ብሕጉስ ልብን ብምሃብ ተወፋይነቶም ኬርእዩ ኣጋጣሚ ይህቦም እዩ። ኣብ ታሪኽ ከም እተራእየ ድማ ህዝቡ ተሓጕሶም እዮም ወፈያ ዚገብሩ ነይሮም። ሰለስተ ኣብነታት እስከ ንርአ።

የሆዋ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ሓራ ምስ ኣውጽኦም፡ ማሕደር ኪሰርሑ ኣዘዞም። ነዚ ማሕደር እዚ ንምህናጽ ናውቲ የድሊ ስለ ዝነበረ፡ ህዝቢ እስራኤል ወፈያ ኺገብሩ ዕድመ ቐረበሎም። “ነፍሲ ወከፍ ልቡ ዝደፍኦ” ድማ ወርቅን ብሩርን ስልማትን ካልእ ናውትን ኣምጽአ። እቶም ህዝቢ ኣዝዮም ለጋሳት ስለ ዝነበሩ፡ ነቲ ዚገብርዎ ዝነበሩ ወፈያ ኼቋርጽዎ ተነግሮም።—ዘጸ. 35:5, 21፣ 36:6, 7

ዘመናት ጸኒሑ፡ እታ ቤተ መቕደስ ክትህነጽ ከላ፡ ህዝቢ ኣምላኽ እንደገና ነቲ ንጹህ ኣምልኾ ንኺድግፍዎ ኣጋጣሚ ተኸፍተሎም። ንጉስ ዳዊት ብውልቁ ነቲ ዕዮ ዚኸውን ብዙሕ ወፈያ ገበረ፡ ካልኦት እውን ከምኡ ኺገብሩ ኣተባብዖም። ንሳቶም ከኣ ብታሕጓስ ወፈያ ሃቡ። ነቲ ብወርቅን ብብሩርን ጥራይ እተገብረ ወፈያ ኽንርኢ ኸለና፡ በዚ ሕጂ ዘሎ ዋጋ ኺትመን ከሎ ልዕሊ 100 ቢልዮን ዶላር ኬውጽእ ይኽእል እዩ። እቶም ህዝቢ ንየሆዋ ብፍታው ስለ ዝወፈዩ ኣዝዮም ተሓጐሱ።—1 ዜና 29:3-9፣ 2 ዜና 5:1

እቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ እውን ተሓጒስካ ናይ ምሃብ መንፈስ ኣርእዮም እዮም። ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ.፡ ኣስታት 3,000 ተጠምቁ፣ መብዛሕትኦም ከኣ ኣብ የሩሳሌም ኣይኰኑን ዚነብሩ ነይሮም። እዞም ድኻታት ሰባት እዚኣቶም፡ ኣብታ ዓዲ ብምጽናሕ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ እምነት ዝያዳ ምእንቲ ኺመሃሩ፡ ንእተወሰነ ግዜ ገንዘብ ይዋጻእ ነበረ። እቶም ኣሕዋት ንብረቶም ሸይጦም፡ እቲ ገንዘብ ነቶም እተጸገሙ ሰባት ምእንቲ ኺዕደል ናብ ሃዋርያት የምጽእዎ ነበሩ። የሆዋ ኸምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ እምነትን ፍቕርን ምስ ረኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ተሓጒሱ ኪኸውን ኣለዎ!—ግብ. 2:41-47

ሎሚ እውን ክርስትያናት ግዜኦምን ጕልበቶምን ሃብቶምን ብልግስን ብሓጐስን ብምሃብ፡ ነቲ ንጹህ ኣምልኾ ይድግፍዎ ኣለዉ። እዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ ሳጹን፡ ከምኡ ኽትገብር እትኽእለሉ ገለ መገድታት ክትሕብረካ እያ።

[ኣብ ገጽ 18,19 ዘሎ ሳጹን]

ገሊኣቶም ወፈያ ዚህቡሉ መገድታት

ንዓለምለኻዊ ዕዮ ዚኸውን ውጽኢት

ብዙሓት ኣብቲ “ዓለምለኻዊ ዕዮ” ዚብል እተጻሕፎ ሳጹናት ውጽኢት ዜእትውዎ እተወሰነ ገንዘብ ይፈልዩ ወይ ይምድቡ።

ጉባኤታት ነዚ ገንዘብ እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ናብቲ ነታ ሃገር ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይልእካኦ። ብወለንታ ዚግበር ናይ ገንዘብ ወፈያታት፡ ብቐጥታ Watchtower Bible and Tract Society of New York, Inc., Attention Treasurer’s Office, 25 Columbia Heights, Brooklyn, New York 11201-2483 ኢልካ ኺልኣኽ ወይ ከኣ በቲ ንሃገርካ ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣቢሉ ኺስደድ ይከኣል እዩ። (እቲ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ብወለንታ ዚግበር ወፈያታት እውን ናብቲ ንሃገርካ ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪለኣኽ ይኽእል እዩ።) እቲ ናብዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣድራሻ ዚለኣኽ ወፈያ ብቸክ እንተ ዀይኑ ን“Watchtower” ዚኽፈል ምዃኑ ኺጥቀስ ኣለዎ። ስልማት ወይ ካልእ ክቡር ነገራት እውን ምውፋይ ይከኣል እዩ። ከምዚ ዝበለ ህያብ ብዘይ ገለ ገደብ እተዋህበ ምዃኑ ዚነግር ሓጺር ደብዳበ ምስቲ ውጽኢት ኪለኣኽ ኣለዎ።

ኪምለስ ዚኽእል ገንዘብ ናይ ምሃብ መደብ

ገንዘብ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ብሕድሪ ምስ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ ኪቕመጥ ይከኣል እዩ። እንተዀነ ግን፡ እቲ ዝሃበ ሰብ ነቲ ገንዘብ ምስ ዚደልዮ ይምለሰሉ። ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ በጃኻ በዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣድራሻ ተጠቒምካ ናብ ቤት ጽሕፈት ተሓዝ ገንዘብ ጽሓፍ ወይ ብቝጽሪ ተሌፎን (718) 560-7500 ደውል።

ብመደብ ዚግበር ልግሲ

ብጀካ እቲ ብዘይ ገለ ገደብ ዚግበር ናይ ገንዘብ ህያብ፡ ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚካየድ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ንምሕጋዝ ካልእ ናይ ምሃብ መገድታት እውን ኣሎ። ነዚ ዚስዕብ ድማ ዜጠቓልል እዩ፦

መድሕን፦ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ ናይ ህይወት መድሕን ፖሊሲ ወይ ናይ ጡረታ/እስትሕጋግ ክፍሊት ተጠቃሚት ከም ዝዀነት ጌርካ ስም ኪመሓላለፈላ ይከኣል እዩ።

ናይ ባንክ ሕሳብ፦ ናይ ባንክ ሕሳብ፡ ናይ ቅሙጥ ሕሳብ ምስክር ወረቐት፡ ወይ ናይ ውልቀ-ሰብ ናይ ጡረታ ሕሳብ ብመሰረት እቲ ናይ ከባቢ ባንክ ዚፈቕዶ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ ብሓደራ ኺወሃብ ወይ ድሕሪ ሞት ተጠቃሚት ምዃና ኺግለጽ ይከኣል እዩ።

ኣክሲዮንን ቦንድን፦ ኣክሲዮንን ቦንድን ብዘይ ገለ ገደብ ዚወሃብ ህያብ ኰይኑ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ ኺውፈ ይከኣል እዩ። ብዘይካዚ፡ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ ድሕሪ ሞት ተጠቃሚት ምዃና ኺግለጽ ይከኣል እዩ።

ዘይንቀሳቐስ ንብረት፦ ኪሽየጥ ዚኽእል ዘይንቀሳቐስ ንብረት፡ ብዘይ ገለ ገደብ ዚወሃብ ህያብ ወይ እቲ ንብረት መንበሪ እንተ ዀይኑ እቲ ለጋሲ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ በቲ ንብረት ተጠቃሚ ኪዀነሉ ዚኽእል መደብ ብምግባር ኪውፈ ይከኣል እዩ። ዘይንቀሳቐስ ንብረት ከም ዝወፈኻዮ ዚገልጽ ሰነድ ቅድሚ ምፍራምካ፡ ምስቲ ንዓድኻ ዜካይድ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ተላዘብ።

ህያብ ዓመታዊ መልዕሎ፦ ህያብ ዓመታዊ መልዕሎ ኺበሃል ከሎ ሓደ ሰብ ገንዘብ ወይ ሰነድ ዋንነት ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ትካል ዚህበሉ ምድላው እዩ። እቲ ወሃቢ ወይ ንሱ ዝወከሎ ሰብ ድማ ኣብ ምሉእ ህይወቱ እተወሰነ ዓመታዊ ኽፍሊት ይወሃቦ። ኣብቲ እቲ ወፈያ እተገብረሉ ዓመት መጠን እቲ ዚስላዕ ግብሪ ይንኪ እዩ።

ለበዋን ሕድርን፦ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተቐባልነት ዘለዎ ለበዋ ብምግባር ጥሪት ወይ ገንዘብ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ ኸተውርሳ ይከኣል እዩ፡ ወይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ ናይ ንብረት ሕድሪ ውዕል ተጠቃሚት ክትከውን ስም ኪመሓላለፈላ ይከኣል እዩ። ንሃይማኖታዊ ውድብ ዚወሃብ ሕድሪ፡ ገለ ናይ ቀረጽ ምጕዳላት ኪህልዎ ይኽእል እዩ።

እቲ “ብመደብ ዚግበር ልግሲ” ዚብል ስያመ ኸም ዚገልጾ፡ እዚ ዓይነት ወፈያታት እዚ፡ ብወገን እቲ ዚውፊ ሰብ ገለ መደብ ምግባር ዚሓትት እዩ። ነቶም በዚ መገዲ እዚ ገይሮም ንዓለምለኻዊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪውፍዩ ዚደልዩ ውልቀ-ሰባት ንምሕጋዝ፡ ቻሪታብል ፕላኒን ቱ በነፊት ኪንግደም ሰርቪስ ወርልድዋይድ እትበሃል ብሮሹር ብእንግሊዝኛን ብስጳንኛን ተዳልያ ኣላ። እታ ብሮሹር ውልቀ-ሰባት ሕጂ ወይ ምስ ሞቱ ብመልክዕ ውርሲ ኺውፍዩሉ ዚኽእሉ እተፈላለየ መገዲ ትሕብር እያ። ብዙሓት ነዛ ብሮሹር እዚኣ ብምንባብን ምስቶም ብዛዕባ ሕግን ግብርን ዜማኽርዎም ክኢላታት ብምምይያጥን ኣብ መላእ ዓለም ንእንፍጽሞ ሃይማኖታውን ሰብኣውን ንጥፈታት ኪሕግዙ፡ ነቲ ኸምኡ ብምግባሮም ዚርከብ ናይ ምጕዳል ቀረጽ ረብሓታት ከኣ ኬዕብይዎ ኽኢሎም እዮም። ቅዳሕ እዛ ብሮሹር እዚኣ ብቐጥታ ን“ቤት ጽሕፈት ብመደብ ዚግበር ልግሲ” ብምሕታት ኪርከብ ይከኣል እዩ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ በዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ ኣድራሻ ጌርካ ወይ ድማ ናብቲ ንሃገርካ ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ብምጽሓፍ ወይ ብምድዋል ምስቶም ኣብ “ቤት ጽሕፈት ብመደብ ዚግበር ልግሲ” ዚሰርሑ ኣሕዋት ክትራኸብ ኣሎካ።

Charitable Planning Office

Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania

100 Watchtower Drive

Patterson, New York 12563-9204

Telephone: (845) 306-0707