ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጌርካ ንጸሎትካ ኣመሓይሾ

ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጌርካ ንጸሎትካ ኣመሓይሾ

ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጌርካ ንጸሎትካ ኣመሓይሾ

“ዎ ጐይታይ፡ በጃኻ፡ ጸሎት ባርያኻ . . . ስማዕ።”—ነህ. 1:11

1, 2. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ገሊኡ ጸሎት ምምርማርካ ጠቓሚ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

 ጸሎትን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ኣገዳሲ መዳይ ናይ ሓቂ ኣምልኾ እዩ። (1 ተሰ. 5:17፣ 2 ጢሞ. 3:16, 17) ልክዕ እዩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ጸሎት መጽሓፍ ኣይኰነን። ኰይኑ ግን፡ ብዙሕ ጸሎት ሒዙ ኣሎ፣ መብዛሕትኡ ኻብኡ ድማ ኣብ መጽሓፍ መዝሙር ይርከብ።

2 መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብን ከተጽንዕን ከለኻ፡ ንዅነታትካ ዚምልከት ጸሎት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ጸሎትካ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ጸሎትን ምስኡ ዚዛመድ ቃላትን ትጥቀመሉ እንተ ዄንካ፡ ንጸሎትካ ኼመሓይሾ ይኽእል እዩ። ካብቶም ንልማኖኦም መልሲ ዝረኸቡን ካብ ትሕዝቶ ጸሎቶምን እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧

ካብ ኣምላኽ መምርሒ ድለ፡ ነቲ መምርሒ እውን ስዓቦ

3, 4. ንግዙእ ኣብርሃም እንታይ ተልእኾ ተዋሂብዎ ነበረ፧ ካብቲ የሆዋ ዝገበረሉ ነገርከ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

3 ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካብ ኣምላኽ መምርሒ ንምርካብ ኣዘውቲርካ ኽትጽሊ ኸም ዜድልየካ ኽትመሃር ትኽእል ኢኻ። ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ ኣብርሃም፡ ነቲ ኣልኣዛር ዝስሙ ኪኸውን ዚኽእል ብዕድመ ዝዓበየ ግዙኡ፡ ንይስሃቅ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዋ ሰበይቲ ንኼምጽኣሉ ናብ መሶጶታምያ ምስ ለኣኾ ዘጋጠመ ነገራት እሞ ንርአ። በታ ኣዋልድ ማይ ኪቐድሓላ ዚወጻላ ግዜ፡ እቲ ግዙእ ናብ የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ጸለየ፦ “ይኹን ከኣ፡ ማይ ክሰቲ፡ በጃኺ ዕትሮኺ ትሕት ኣብልዮ ዝብላ ጓል፡ ንሳ ኸኣ፡ ስተ፡ ነግማልካውን ከስትየን እየ እትብለኒ፡ ንሳ ንይስሃቅ ባርያኻ ዝመደብካያ ትኹን፡ ንጐይታይ ምሕረት ከም ዝገበርካሉ ኸኣ በዚ እፈልጥ።”—ዘፍ. 24:12-14

4 ርብቃ ነተን ኣግማል ማይ ምስ ኣስተየተን፡ እቲ ግዙእ ኣብርሃም ዘቕረቦ ጸሎት መልሲ ረኺቡ እዩ። ነዊሕ ከይጸንሐት፡ ምስኡ ናብ ከነኣን ከይዳ፡ ፍቕርቲ ሰበይቲ ይስሃቅ ኰነት። ልክዕ እዩ፡ ኣምላኽ ፍሉይ ምልክት ኪህበካ ኽትጽበ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኰይኑ ግን፡ ትጽሊ እንተ ዄንካን ብመንፈሱ ኽትምራሕ እንተ ወሲንካን፡ ንሱ ኣብ ህይወትካ ኺመርሓካ እዩ።—ገላ. 5:18

ጸሎት ንጭንቀት የፋዅስ

5, 6. ካብቲ ያእቆብ ምስ ኤሳው ቅድሚ ምርኻቡ ዝጸለዮ ጸሎት እንታይ ንመሃር፧

5 ጸሎት ንጭንቀት ኬፋዅስ ይኽእል እዩ። ያእቆብ ካብቲ ማንታኡ ዝነበረ ኤሳው ኪመጾ ንዚኽእል ሓደጋ ፈሪሁ፡ ናብ የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ጸለየ፦ “እዚ ንባርያኻ ጌርካዮ ዘሎኻ ዅሉ ለውሃትን ኵሉ እምነትን ዘይግብኣኒ እዩ። . . . መጺኡ፡ ነደ ምስ ደቂ ኸይወቕዓኒ፡ እፈርሆ አሎኹ እሞ፡ በጃኻ ኻብ ኢድ ሓወይ፡ ካብ ኢድ ኤሳው ኣድሕነኒ። ንስኻ ድማ፡ ብዙሕ ጽቡቕ ክገብረልካ እየ፡ ንዘርእኻውን ካብ ብዝሑ እተላዕለ ኪቝጸር ዘይከኣል፡ ከም ሑጻ ባሕሪ ኽገብሮ እየ፡ ኢልካ አሎኻ።”—ዘፍ. 32:9-12

6 ያእቆብ ድሕሪ ምጽላዩ፡ ንጥንቃቐ ኢሉ እተወሰነ ስጕምትታት ወሰደ፣ ንሱን ኤሳውን ምስ ተዓርቁ ከኣ፡ ጸሎቱ ተመሊሱሉ እዩ። (ዘፍ. 33:1-4) ነቲ ልማኖኡ ተጠንቂቕካ እንተ ኣንቢብካዮ፡ ያእቆብ ሓገዝ ኪወሃቦ ጥራይ ከም ዘይለመነ ኸተስተውዕል ኢኻ። ኣብቲ መብጽዓ እተገብረ ዘርኢ ዘለዎ እምነትን ነቲ የሆዋ ዝገብረሉ ለውሃት ዘለዎ ምስጋናን ገሊጹ ኣሎ። ንስኻኸ “ኣብ ውሽጢ . . . ፍርሃት” ኣሎካ ድዩ፧ (2 ቈረ. 7:5) ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ያእቆብ ዘቕረቦ ልማኖ፡ ጸሎት ንጭንቀት ኬፋዅስ ከም ዚኽእል ኬዘኻኽረካ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ጸሎትካ፡ ልማኖኻ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እምነትካ እውን ክትገልጽ ኣሎካ።

ጥበብ ኪወሃበካ ጸሊ

7. ሙሴ መገድታት የሆዋ ምእንቲ ኺፈልጥ ዝጸለየ ስለምንታይ እዩ፧

7 ንየሆዋ ኸተሐጕሶ ዘሎካ ድሌት፡ ጥበብ ኪወሃበካ ንኽትጽሊ ኺድርኸካ ኣለዎ። ሙሴ መገድታት ኣምላኽ ምእንቲ ኺፈልጥ፡ ጸለየ። ንየሆዋ ድማ ከምዚ ኢሉ ለመኖ፦ “እንሆ፡ ንስኻ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ [ኻብ ግብጺ] ኣደይቦ፡ ትብለኒ አሎኻ። . . . እምበኣርሲ ኣብ ዓይንኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ ምእንቲ ኣብ ዓይንኻ ሞገስ ክረክብ፡ በጃኻ መገድኻ ኣፍልጠኒ።” (ዘጸ. 33:12, 13) ኣምላኽ ከኣ ንሙሴ ብዝያዳ መገድታቱ ኣፍለጦ፣ እዚ ድማ ነቲ ንህዝቢ የሆዋ ዚመርሖም ዝነበረ ሙሴ ኣድላዪ እዩ ነይሩ።

8. ብዛዕባ እቲ ኣብ 1 ነገስት 3:7-14 ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላት ምስትንታንካ ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧

8 ዳዊት እውን፡ “ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ፡ መገድታትካ ምሀረኒ” ኢሉ ናብ የሆዋ ጸለየ። (መዝ. 25:4) ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ነቲ ኸም ንጉስ እስራኤል መጠን ዝነበሮ ሓላፍነት ብዚግባእ ንኺስከም ዜኽእሎ ጥበብ ምእንቲ ኺወሃቦ፡ ንኣምላኽ ለመኖ። ጸሎት ሰሎሞን ንየሆዋ ኣሐጐሶ፣ ስለዚ ድማ እቲ ዝለመኖ ነገር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሃብትን ክብረትን እውን ሃቦ። (1 ነገስት 3:7-14 ኣንብብ።) ኣብ ጉባኤ ልዕሊ ዓቕምኻ ኰይኑ ዚስምዓካ ሓላፍነት እንተ ተዋሂቡካ፡ ጥበብ ኪወሃበካ ጸሊ፡ ትሕትና ድማ ኣርኢ። ኣምላኽ ከኣ ሓላፍነታትካ ብግቡእን ብፍቕራዊ መገድን ክትፍጽም ዜኽእለካ ፍልጠትን ጥበብን ንኺህልወካ ኺሕግዘካ እዩ።

ካብ ልቢ ጸሊ

9, 10. ሰሎሞን ኣብቲ ጽምብል እታ ቤተ መቕደስ ብዛዕባ ልቢ ዝጠቐሶ ነገር እንታይ ኣገዳስነት ኣለዎ፧

9 ጸሎትካ ምእንቲ ኺስማዕ፡ ካብ ልቢ ኽትጽሊ ኣሎካ። ሰሎሞን ኣብ ቅድሚ እቶም ብ1026 ቅ.ክ. ንጽምብል እታ ቤተ መቕደስ ተኣኪቦም ዝነበሩ ህዝቢ፡ ኣብ 1 ነገስት ምዕራፍ 8 ተመዝጊቡ ዚርከብ ልባዊ ጸሎት ኣቕሪቡ እዩ። እቲ ታቦት ኪዳን ኣብታ ቕድስተ ቕዱሳን ምስ ተነብረን የሆዋ ነታ ቤተ መቕደስ ብደበና ምስ መልኣን፡ ሰሎሞን ንየሆዋ ወደሶ።

10 ነቲ ሰሎሞን ዘቕረቦ ጸሎት ብጥንቃቐ እንተ ኣጽኒዕካዮ፡ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ልቢ ኸም ዝጠቐሰ ኸተስተውዕል ኢኻ። ሰሎሞን፡ ልቢ ሰብ ዚፈልጥ የሆዋ በይኑ ምዃኑ ገለጸ። (1 ነገ. 8:38, 39) ኣብቲ ጸሎቱ ኸኣ፡ ‘ብዅሉ ልቡ ናብ ኣምላኽ ዚምለስ’ ሓጥእ፡ ተስፋ ኸም ዘለዎ ሓበረ። ጸላኢ ንህዝቢ ኣምላኽ እንተ ማሪኽዎም እሞ፡ ንሳቶም ድማ ልቦም ፈጺሙ ምስ የሆዋ እንተ ዀይኑ፡ ምሕጽንታኦም ይስምዓሎም እዩ። (1 ነገ. 8:48, 58, 61) ስለዚ እምበኣር፡ ጸሎትካ ኻብ ልቢ ኺምንጭው ኣለዎ።

መጽሓፍ መዝሙር ንጸሎትካ ንኸተመሓይሽ ብኸመይ ትሕግዝ፧

11, 12. ካብቲ ናብ መቕደስ ኣምላኽ ኪኸይድ ዘይክእል ዝነበረ ሌዋዊ ዝዘመሮ ምስ ጸሎት ዚዛመድ ቃላት እንታይ ተማሂርካ፧

11 መጽሓፍ መዝሙር ምጽናዕካ፡ ንጸሎትካ ኼመሓይሾ ይኽእል፡ ካብ ኣምላኽ መልሲ ኽትጽበ ድማ ይሕግዘካ። ሓደ ኣብ ምርኮ ዝነበረ ሌዋዊ ዘርኣዮ ትዕግስቲ እሞ ንመልከት። ኣብቲ ግዜ እቲ ናብ መቕደስ የሆዋ ኪኸይድ ዘይክእል እኳ እንተ ነበረ፡ “ነፍሰየ፡ ንምንታይ ትጕህዪ፧ ንምንታይሲ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ አሎኺ፧ ስለ ምድሓን ገጹ ገና ኸመስግኖ እየ እሞ፡ ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ” ኢሉ ዘመረ።—መዝ. 42:5, 11፣ 43:5

12 ካብቲ ሌዋዊ፡ እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧ ብሰንኪ ማእሰርቲ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ኣብ ቦታ ኣምልኾ ኽትእከብ እንተ ዘይከኣልካ፡ ኣምላኽ ስጕምቲ ኽሳዕ ዚወስድ ብትዕግስቲ ተጸበዮ። (መዝ. 37:5) ነቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዝረኸብካዮ ሓጐስ ኣስተንትነሉ፣ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ እትሓብረሉ ግዜ ንኺመጽእ “ተስፋኻ ኣብ ኣምላኽ” ጌርካ እናተጸበኻ፡ ኣብ መትከልካ ንኽትጸንዕ ጸሊ።

ብእምነት ጸሊ

13. ምስ ያእቆብ 1:5-8 ብምስምማዕ፡ ብእምነት ክትጽሊ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

13 ኵነታትካ ብዘየገድስ፡ ወትሩ ብእምነት ጸሊ። ንንጽህናኻ ዚፍትን ፈተና እንተ ኣጋጢሙካ፡ ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ዝሃቦ ምኽሪ ስዓብ። ብጸሎት ናብ የሆዋ ተጸጋዕ፡ ንፈተናኻ ንኽትዋጽኣሉ ዜኽእለካ ጥበብ ከም ዚህበካ ድማ ኣይትጠራጠር። (ያእቆብ 1:5-8 ኣንብብ።) ኣምላኽ ነቲ ዚርብሸካ ሓሳባት ስለ ዚፈልጦ፡ ብመንፈሱ ገይሩ ኺመርሓካን ኬጸናንዓካን ይኽእል እዩ። ‘ከይተጠራጠርካ’ ብእምነት ልብኻ ኽፈተሉ፡ መንፈሱ ዚህበካ መምርሕን ቃሉ ዚህበካ ምኽርን ድማ ተቐበል።

14, 15. ሃና ብእምነት ጸልያን እምነታ ብግብሪ ኣርእያን ኪበሃል ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧

14 ሃና ሓንቲ ኻብተን ክልተ ኣንስቲ እቲ ኤልቃና ዚበሃል ሌዋዊ ነበረት። ንሳ ድማ ብእምነት ጸለየት፡ እምነታ እውን ብግብሪ ኣርኣየት። ንሃና ውሉድ ስለ ዘይነበራ፡ እታ ውሉዳት ዝነበርዋ ኻልአይቲ ሰበይቲ ዝነበረት ጵኒና ተባጭወላ ነበረት። ሃና ድማ ናብ ጥቓ እቲ ማሕደር ከይዳ፡ ወዲ እንተ ወሊዳ፡ ንየሆዋ ኸም እትህቦ ተመባጽዐት። ክትጽሊ ኸላ፡ ከናፍራ ይወሳወስ ስለ ዝነበረ፡ ኤሊ እቲ ሊቀ ኻህናት ዝሰኸረት መሰሎ። ከም ዘይሰኸረት ምስ ፈለጠ ግን፡ “ኣምላኽ እስራኤል ዝለመንክዮ ልማኖኺ ይሀብኪ” በላ። ሃና ድሕሪኡ እንታይ ከም ዚኸውን ብልክዕ ዘይትፈልጥ እኳ እንተ ነበረት፡ ጸሎታ ኸም ዚምለስ ግን እምነት ነበራ። “ድሕርዚ ኸኣ ገጻ ጕህይቲ መሲላ ኣይተራእየትን።” እወ፡ ድሕሪኡ ኣይጐሃየትን ወይ ኣይተደቝሰትን።—1 ሳሙ. 1:9-18

15 ሃና ንሳሙኤል ወለደት፣ ጡብ ምስ ኣሕደገቶ ኸኣ፡ ኣብቲ ማሕደር ንኼገልግል ንየሆዋ ወፈየቶ። (1 ሳሙ. 1:19-28) ንጸሎታ ግዜ ወሲድካ እንተ ኣስተንቲንካሉ፡ ንጸሎትካ ኼመሓይሾ ይኽእል እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ የሆዋ ኸም ዚምልሰልካ ኣሚንካ እንተ ጸሊኻ፡ ነቲ ዜጨንቕ ኵነታት ዜስዕበልካ ጓሂ ኪቕንጥጦ ኸም ዚኽእል ክትርዳእ ትኽእል ኢኻ።—1 ሳሙ. 2:1-10

16, 17. ነህምያ ብእምነት ስለ ዝጸለየን እምነቱ ብግብሪ ስለ ዘርኣየን እንታይ ኰነ፧

16 እቲ ኣብ ሓምሻይ ዘመን ቅ.ክ. ዚነብር ዝነበረ ነህምያ ዚበሃል ቅኑዕ ሰብኣይ እውን፡ ብእምነት ጸለየ፡ እምነቱ ኸኣ ብግብሪ ኣርእየ። ንየሆዋ ኸምዚ ኢሉ ለመኖ፦ “ዎ ጐይታይ፡ በጃኻ፡ ጸሎት ባርያኻን ጸሎት እቶም ስምካ ብምፍራህ ዚፍስሁ ባሮትካን ስማዕ፡ በጃኻ፡ ሎሚ ንባርያኻ ኣቕንዓሉ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ሰብኣይ እዚ ኸኣ ንባርያኻ ምሕረት ሀቦ።” እቲ ኣብዚ ጸሎት፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ” እተባህለ መን እዩ ነይሩ፧ እቲ ነህምያ ኣሰላፍ ሜስ ኰይኑ ዜገልግሎ ዝነበረ ኣርታሕሻስታ ንጉስ ፋርስ እዩ ነይሩ።—ነህ. 1:11

17 ነህምያ፡ እቶም ካብ ምርኮ ባቢሎን ሓራ ዝወጹ ኣይሁድ ‘ብብዙሕ መከራን ጸርፍን ይነብሩ ኸም ዘለዉ፡ መካበብያ የሩሳሌም ከኣ ፈሪሱ ኸም ዘሎ’ ምስ ፈለጠ፡ ንሓያሎ መዓልትታት ብእምነት ጸለየ። (ነህ. 1:3, 4) ንጉስ ኣርታሕሻስታ ንነህምያ ናብ የሩሳሌም ከይዱ፡ መካበብያኣ ኺሃንጽ ምስ ፈቐደሉ፡ ጸሎት ነህምያ ኻብቲ እተጸበዮ ንላዕሊ መልሲ ረኺቡ እዩ። (ነህ. 2:1-8) ነዊሕ ከይጸንሐ እቲ መካበብያ ተሃንጸ። ጸሎት ነህምያ ምላሽ ኪረክብ ዝኸኣለ፡ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዘተኰረን ብእምነት ዝቐረበን ስለ ዝነበረ እዩ። ጸሎትካኸ ኸምኡ ድዩ፧

ውዳሰን ምስጋናን ኣይትረስዕ

18, 19. ሓደ ኣገልጋሊ የሆዋ ብምንታይ ምኽንያታት እዩ ንኣምላኹ ኺውድሶን ኬመስግኖን ዘለዎ፧

18 ክትጽሊ ኸለኻ፡ ንየሆዋ ምውዳስን ምምስጋንን ኣይትረስዕ። ከምኡ ንኽትገብር ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎካ። ንኣብነት፡ ዳዊት ንንግስነት የሆዋ ልዕል ንኼብል ተሃንጥዩ ነበረ። (መዝሙር 145:10-13 ኣንብብ።) መንግስቲ የሆዋ ምእዋጅ ከም ክብሪ ጌርካ ኸም እትርእዮ፡ ኣብ ጸሎትካ ይርአ ድዩ፧ ብዘይካዚ እውን፡ ንኣምላኽ ብልባዊ ጸሎት ጌርካ ነቲ ንንኣሽቱን ዓበይትን ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዘሎካ ምስጋና ንኽትገልጽ፡ ቃላት እቶም ጸሓፍቲ መዝሙር ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።—መዝ. 27:4፣ 122:1

19 ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ኽቡር ርክብ ተመስግነሉ እንተ ዄንካ፡ በዚ ኸምዚ ዚስዕብ ዝኣመሰለ ቓላት ጌርካ ኻብ ልቢ ንኽትጽሊ ኽትድረኽ ትኽእል ኢኻ፦ “ጐይታየ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ከመስግነካ፡ ኣብ ማእከል ህዝብታት ክዝምረልካ እየ። ሳህልኻ ኽሳዕ ሰማያት ዓብዪ፡ ሓቅኻውን ክሳዕ ደበናታት እዩ እሞ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፡ ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ይኹን።” (መዝ. 57:9-11) እዝስ ከመይ ዝበለ ዜተባብዕ ቃላት ኰን እዩ! ኣብ መጽሓፍ መዝሙር ዚርከብ ከምዚ ዝኣመሰለ ልቢ ዚትንክፍ ቃላት ንጸሎትካ ኺጸልዎን ኬመሓይሾን ከም ዚኽእልሲ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧

ንኣምላኽ ብኣኽብሮት ለምኖ

20. ማርያም ንኣምላኽ ዘለዋ ተወፋይነት ብኸመይ ገለጸት፧

20 ንኣምላኽ ዘሎካ ኣኽብሮት፡ ኣብ ጸሎትካ ኺርአ ኣለዎ። እቲ ማርያም ኣደ መሲሕ ክትከውን ምዃና ምስ ፈለጠት ዘውስኣቶ ኣኽብሮት ዝመልኦ ቓላት፡ ምስቲ ሃና ንሳሙኤል ኣብ ማሕደር ኬገልግል ክትውፍዮ ኸላ እተዛረበቶ ዚመሳሰል እዩ። ማርያም ንኣምላኽ ዝነበራ ኣኽብሮት፡ ኣብቲ፡ “ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ተዕብዮ፡ መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድሓንየይ፡ ባህ ይብሎ” ዚብል ቃላታ ብንጹር ተራእዩ እዩ። (ሉቃ. 1:46, 47) ንስኻኸ ብተመሳሳሊ ቓላት ጌርካ ንጸሎትካ ኸተመሓይሾ ትኽእልዶ፧ እታ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበራ ማርያም፡ ኣደ እቲ መሲሕ ዝዀነ የሱስ ንኽትከውን ክትሕረ ምኽኣላ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።

21. የሱስ ኣኽብሮትን እምነትን ከም ዘለዎ ኣብ ጸሎቱ እተራእየ ብኸመይ እዩ፧

21 የሱስ እውን ብኣኽብሮትን ብምሉእ እምነትን ጸለየ። ንኣብነት፡ ንኣልኣዛር ቅድሚ ምትንሳኡ፡ “ኣዒንቱ ንላዕሊ ቋሕ ኣቢሉ፤ ኣቦ፡ ስለ ዝሰማዕካኒ ኤመስግነካ አሎኹ። . . . ኣነስ ኵሉ ሳዕ ከም እትሰምዓኒ፡ እፈልጥ አሎኹ” በለ። (ዮሃ. 11:41, 42) ጸሎትካ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣኽብሮትን እምነትን ከም ዘሎካ የርኢ ድዩ፧ ነታ ኣኽብሮት እተንጸባረቓ የሱስ ዝሃበና ኣብነት እትዀነና ጸሎት ኣጽንዓያ፣ ምቕዳስ ስም የሆዋን ምምጻእ መንግስቱን ምፍጻም ፍቓዱን ኣገዳሲ መዳይ ምዃኑ ድማ ከተስተውዕል ኢኻ። (ማቴ. 6:9, 10) ብዛዕባ ጸሎትካ ሕሰብ። ጸሎትካ ብዛዕባ ረብሓታት መንግስቲ የሆዋን ምፍጻም ፍቓዱን ምቕዳስ ስሙን ከም እትግደስ ዜርኢ ድዩ፧ ከምኡ ኪኸውን ኣለዎ።

22. የሆዋ ነቲ ብስራት ንኽትሰብኽ ትብዓት ከም ዚህበካ፡ ብኸመይ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል፧

22 መስጐጕትን ካልእ ፈተናታትን ስለ ዜጋጥመና፡ ጸሎትና መብዛሕትኡ ግዜ ንየሆዋ ብትብዓት ንኸነገልግል ሓገዝ ኪወሃበና ዚቐርብ ልማኖ የጠቓልል እዩ። እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ዝነበረ ዋዕላ ንጴጥሮስን ዮሃንስን ‘ብስም የሱስ ከይምህሩ’ ምስ ኣዘዞም፡ እቶም ሃዋርያት ብትብዓት ኣበዩ። (ግብ. 4:18-20) ምስ ተፈትሑ፡ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ብዛዕባ ዘጋጠሞም ነገራት ነገርዎም። ድሕሪኡ፡ ኵላቶም ብሓባር ኰይኖም፡ ብትብዓት ቃል ኣምላኽ ምእንቲ ኺዛረቡ፡ ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ለመኑ። ጸሎቶም መልሲ ምስ ረኸበ፡ ‘መንፈስ ቅዱስ ኪመልኡ፡ ቃል ኣምላኽውን ብትብዓት ኪዛረቡ’ ስለ ዝኸኣሉ ብሓቂ ተሓጒሶም ኪዀኑ ኣለዎም! (ግብሪ ሃዋርያት 4:24-31 ኣንብብ።) ከም ውጽኢቱ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ኣምለኽቲ የሆዋ ዀኑ። ንስኻ እውን ብትብዓት ነቲ ብስራት ምእንቲ ኽትሰብኽ፡ ካብ ጸሎት ብርታዐ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ወትሩ ንጸሎትካ ኣመሓይሾ

23, 24. (ሀ) መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንጸሎትካ ብኸመይ ኬመሓይሾ ኸም ዚኽእል ዜርኢ ኻልእ ኣብነታት ጥቐስ፧ (ለ) ጸሎትካ ንኸተመሓይሽ ዚሕግዘካ እንታይ እዩ፧

23 ንባብን መጽናዕትን መጽሓፍ ቅዱስ ንጸሎትካ ኼመሓይሾ ኸም ዚኽእል ዜርኢ ብዙሕ ካልእ ኣብነታት ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ንኣብነት፡ ብጸሎት ኣቢልካ፡ ከም ዮናስ፡ ‘ምድሓን ካብ የሆዋ ምዃኑ’ ኽትገልጽ ትኽእል ኢኻ። (ዮና. 2:2-10) ከቢድ ሓጢኣት እንተ ፈጺምካን ካብ ሽማግለታት ሓገዝ እንተ ደሊኻን፡ እቲ ዳዊት ዝዘመሮ ቓላት፡ ኣብ ናይ ብሕቲ ጸሎትካ ንስሓኻ ንኽትገልጽ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። (መዝ. 51:1-12) ኣብ ገሊኡ ጸሎትካ፡ ከምቲ ኤርምያስ ዝገበሮ ጌርካ፡ ንየሆዋ ኽትውድሶ ትኽእል ኢኻ። (ኤር. 32:16-19) ሓዳር ክትገብር ትደሊ እንተ ኣሊኻ፡ ነቲ ኣብ እዝራ ምዕራፍ 9 ዚርከብ ምጽናዕካን ብብሕትኻ ልማኖ ምቕራብካን፡ ነቲ ‘ብእግዚኣብሄር ጥራይ ብምምርዓው’ ንኣምላኽ ንኽትእዘዞ ዝገብርካዮ ቘራጽነት ኬደልድሎ ይኽእል እዩ።—1 ቈረ. 7:39፣ እዝ. 9:6, 10-15

24 ኣዘውቲርካ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣንብቦ፡ ኣጽንዓዮ፡ መርምሮ። ኣብ ጸሎትካ ኸተእትዎ እትኽእል ነጥብታት ኣናዲ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ኣብቲ ምስጋናን ውዳሰን እተቕርበሉ ልማኖኻን ጸሎትካን ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ከተጠቓልል ትኽእል ትኸውን። ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጌርካ ንጸሎትካ እንተ ኣመሓይሽካ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ብዝያዳ ኸም እትቐርቦ ኣየጠራጥርን እዩ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ካብ ኣምላኽ መምርሒ ኽንደልን ነቲ መምርሒ ኽንስዕቦን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ጥበብ ኪወሃበና ንኽንጽሊ ዚድርኸና እንታይ እዩ፧

• መጽሓፍ መዝሙር ንጸሎትና ኸተመሓይሾ እትኽእል ብኸመይ እያ፧

• ብእምነትን ብኣኽብሮትን ክንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ግዙእ ኣብርሃም ካብ ኣምላኽ መምርሒ ኺወሃቦ ጸለየ። ንስኻኸ ኸምኡ ትገብር ዲኻ፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣምልኾ ስድራ ቤት ንጸሎትካ ኼመሓይሾ ይኽእል