ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ኣብ ጉባኤ ዘሎካ ግደ ኣኽቢርካ ርኣዮ

ነቲ ኣብ ጉባኤ ዘሎካ ግደ ኣኽቢርካ ርኣዮ

ነቲ ኣብ ጉባኤ ዘሎካ ግደ ኣኽቢርካ ርኣዮ

“ኣምላኽ፡ ንሱ ኸም ዝደለዮ ገይሩ፡ ነቲ ኣካላት ንነፍሲ ወከፉ ኣብቲ ስጋ ሰርዖ።” —1 ቈረ. 12:18

1, 2. (ሀ) ነፍሲ ወከፍ ኣባል ጉባኤ ኣኽቢሩ ኺርእዮ ዚኽእል ግደ ኸም ዘለዎ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

 የሆዋ ኻብ ግዜ ጥንታውያን እስራኤላውያን ኣትሒዙ፡ ንህዝቡ ብመንፈሳዊ መዳይ ንኺዕንግሎምን መምርሒ ንኺህቦምን ጉባኤ ይገብር ነበረ። ንኣብነት፡ እስራኤላውያን ንኸተማ ዓይ ምስ ሰዓርዋ፡ እያሱ “ኣብ ቅድሚ ብዘሎ ማሕበር [ጉባኤ] እስራኤል፡” “ንብዘሎ ቓላት ሕጊ፡ ነቲ በረኸትን መርገምን፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ተጽሒፉ ዘሎ ዅሉ ኣንበቦ።”—እያ. 8:34, 35

2 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ክርስትያን ሽማግለ ዝነበረ ጢሞቴዎስ፡ ክርስትያናዊት ጉባኤ “ቤት ኣምላኽ” ከምኡውን “ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን” ከም ዝዀነት ነገሮ። (1 ጢሞ. 3:15) ሎሚ፡ “ቤት” ኣምላኽ ኪበሃል ከሎ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዘለዎም ዓለምለኻዊ ሕውነት እዩ ዜመልክት። ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝለኣኻ መንፈስ ዝነፈሳ ቐዳመይቲ መልእኽቱ፡ ኣብ ምዕራፍ 12፡ ንጉባኤ ምስ ሰብነት ኣመሳሲልዋ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ኣካል እተፈላለየ ዕዮ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ኵሉ ግን ኣድላዪ እዩ። ጳውሎስ፡ “ኣምላኽ፡ ንሱ ኸም ዝደለዮ ገይሩ፡ ነቲ ኣካላት ንነፍሲ ወከፉ ኣብቲ ስጋ ሰርዖ” ኢሉ ጸሓፈ። ወሲኹ እውን፡ “ነቲ ኣብ ስጋ ዘሎ ሕሱር ዚመስለና ኸኣ፡ ብዚበዝሕ ክብሪ ንኸድኖ” በለ። (1 ቈረ. 12:18, 23) ስለዚ፡ ሓደ ቕኑዕ ሰብ ኣብ ቤት ኣምላኽ ዘለዎ ግደ ኻብቲ ኻልእ እሙን ክርስትያን ዝለዓለ ወይ ዝተሓተ ኣይኰነን፣ እተፈልየ ጥራይ እዩ። ከመይ ጌርና ደኣ ኢና እሞ ኣብ መሰናድዎ ኣምላኽ ዘሎና ግደ ኽንፈልጦን ኣኽቢርና ኽንርእዮን እንኽእል፧ ነዚ ኺጸልዎ ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ‘እናወሰኽና ንኸይድ ከም ዘለና ኣብ ኵሉ ኸም ዚግለጽ’ ክንገብር እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧—1 ጢሞ. 4:15

ንግደና ኣኽቢርና ንርኣዮ—ብኸመይ፧

3. ኣብ ጉባኤ ንዘሎና ግደ ኽንፈልጥን ኣኽቢርና ኸም እንሕዞ ኸነርእን እንኽእለሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

3 ኣብ ጉባኤ ንዘሎና ግደ ኽንፈልጥን ኣኽቢርና ኸም እንሕዞ ኸነርእን እንኽእለሉ ሓደ መገዲ፡ ምስቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ”ን ምስቲ ወኪሉ ዝዀነ ኣመሓዳሪ ኣካልን ምሉእ ብምሉእ ብምትሕብባር እዩ። (ማቴዎስ 24:45-47 ኣንብብ።) ነቲ ብጕጅለ ኻብ ዝቘመ ባርያ ዚመጽእ መምርሒታት እንህቦ ምላሽ ክንምርምሮ ኣሎና። ንኣብነት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዛዕባ ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን፡ ብዛዕባ መዘናግዒ፡ ከምኡውን ብዛዕባ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ኢንተርነት ንጹር መምርሒ ተዋሂቡና እዩ። ብመንፈሳዊ መዳይ ምእንቲ ኽንዕቈብ፡ ነዚ ጽቡቕ ምኽሪ እዚ ብጥንቃቐ ንስዕቦ ዲና፧ ስሩዕ መደብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ኪህልወና እተዋህበና ማዕዳ ብኸመይ ተቐቢልናዮ፧ ነዚ ማዕዳ እዚ ኣብ ልብና ኣሕዲርና፡ ንዕኡ ዚኸውን ምሸት መዲብናዶ፧ ንጽል እንተ ዄንናኸ፡ ብሕታዊ መጽናዕቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እንገብረሉ ግዜ መዲብናዶ፧ ነቲ ብጕጅለ ዝቘመ ባርያ ዚህበና መምርሒ እንተ ስዒብና፡ የሆዋ ብብሕቲ ዀነ ብስድራ ቤት ኪባርኸና እዩ።

4. ብሕታዊ ምርጫታት ክንገብር ከለና ኣብ ግምት ከነእትዎ ዚግባእ እንታይ እዩ፧

4 ገሊኦም ሰባት ከም መዘናግዕን ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ዝኣመሰለ ነገራት፡ ብሕታዊ ጕዳይ ከም ዝዀነ ይሓስቡ እዮም። ሓደ ኣብ ጉባኤ ንዘለዎ ግደ ኣኽቢሩ ዚርኢ ርእሱ ዝወፈየ ክርስትያን ግን፡ ውሳነታት ኪገብር ከሎ፡ ኣብ ብሕታዊ ምርጫኡ ጥራይ ኣይኰነን ዚምርኰስ። ብፍላይ ነቲ የሆዋ ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ገሊጽዎ ዘሎ ኣረኣእያ ኣብ ግምት ኬእቱ ኣለዎ። መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ንእግሩ መብራህቲ፡ ንመገዱ ብርሃን’ ኪዀኖ ይግባእ። (መዝ. 119:105) ኣብ ብሕታዊ ጕዳያት እንገብሮ ምርጫታት፡ ንኣገልግሎትና ዀነ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ጉባኤ ንዘለዉ ኻልኦት ሰባት ብኸመይ ከም ዚጸልዎም ኣብ ግምት ከነእቱ ኣሎና።—2 ቈረንቶስ 6:3, 4 ኣንብብ።

5. ብርእስና ኽንመሓደር ዚብል መንፈስ ከይነማዕብል ክንጥንቀቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

5 ‘እቲ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ዘሎ መንፈስ’ ኣመና ኣስፋሕፊሑ ስለ ዘሎ፡ ከም እነስተንፍሶ ኣየር ኰይኑ ኣሎ። (ኤፌ. 2:2) እቲ መንፈስ እቲ፡ ካብ ውድብ የሆዋ መምርሒ ኸም ዘየድልየና ጌርና ኸም እንሓስብ ኪገብረና ይኽእል እዩ። ከምቲ ‘ንሃዋርያ ዮሃንስ ዘይተቐበሎ’ ድዮትሬፌስ ክንከውን ከም ዘይንደሊ መቸም ፍሉጥ እዩ። (3 ዮሃ. 9, 10) ብርእስና ኽንመሓደር ዚብል መንፈስ ከይነማዕብል ክንጥንቀቕ ኣሎና። ብእንብሎ ዀነ ብእንገብሮ ነገር፡ ነቲ የሆዋ መልእኽቲ ዜመሓላልፈሉ ዘሎ መትረብ ዘይእዙዛት ኣይንኹን። (ዘሁ. 16:1-3) ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ምስቲ ብጕጅለ ዝቘመ ባርያ ንምትሕብባር ዘሎና ኣጋጣሚ ኣኽቢርና ኽንርእዮ ኣሎና። ነቶም ኣብ ጉባኤና ዚመርሑና ዘበሉ እውን ክንእዘዞምን ክንግዝኦምን ይግባእ።—እብራውያን 13:7, 17 ኣንብብ።

6. ብሕታዊ ዅነታትና ኽንምርምር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

6 ኣብ ጉባኤ ዘሎና ግደ ኣኽቢርና እንርእየሉ ኻልእ መገዲ፡ ንብሕታዊ ዅነታትና ተጠንቂቕና መርሚርና፡ ‘መልእኽትና [ወይ ኣገልግሎትና] ንምኽባርን’ ንየሆዋ ኽብሪ ንምምጻእን ዚከኣለና ብምግባር እዩ። (ሮሜ 11:13) ገሊኦም ሰባት፡ ስሩዓት ፈለምቲ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ከኣ ሚስዮናውያንን ገየሽቲ ሓለውትን ኣባላት ስድራ ቤትኤልን ብምዃን፡ ኣብ ኵሉ ዅርናዓት ዓለም፡ ኣብ ፍሉይ ዓይነት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተጸሚዶም ኣለዉ። ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይሕግዙ እዮም። መብዛሕትኦም ህዝቢ የሆዋ ድማ፡ ንስድራ ቤቶም ብመንፈስ ዜድልያ ነገራት ንምምላእን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣብ ኣገልግሎት ምሉእ ተሳትፎ ንምግባርን ዚከኣሎም ይገብሩ ኣለዉ። (ቈሎሴ 3:23, 24 ኣንብብ።) ንኣገልግሎት ኣምላኽ ብፍታው ርእስና ኸነቕርብን ንዕኡ ንምግልጋል ብምሉእ ነፍስና ዚከኣለና ኽንገብርን ከለና፡ ወትሩ ኣብቲ ንሱ ዝገበሮ መሰናድዎ ግደ ኸም ዚህልወና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

ነቲ ኣብ ጉባኤ ዘሎና ግደ ዚጸሉ ረቛሒታት

7. ኵነታትና ነቲ ኣብ ጉባኤ ዘሎና ግደ ብኸመይ ኪጸልዎ ኸም ዚኽእል ግለጽ።

7 ኵነታትና ብእተወሰነ መዳይ ነቲ ኣብ ጉባኤ ኽንገብሮ እንኽእል ነገራት ስለ ዚጸልዎ፡ ንዅነታትና ምምርማርና ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሓው ኣብ ጉባኤ ዘለዎ ግደ ብእተወሰነ መዳይ ካብቲ ሓንቲ ሓብቲ ዘለዋ ግደ ይፍለ እዩ። ዕድመን ጥዕናን ካልእ ረቛሒታትን ነቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኽንገብሮ እንኽእል ነገር ይጸልዎ እዩ። ምሳሌ 20:29፡ “ሓይሊ ንመንእሰይ ክብረቱ እዩ፡ ንኣረገውቲ ኸኣ ሽበቶም ስልማቶም እዩ” ትብል። ብዕድመ ዝነኣሱ ኣባላት ጉባኤ ሓይሊ ስለ ዘለዎም፡ ዝያዳ ጕልበት ዚሓትት ዕዮ ኺዓዩ ኸለዉ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ግን ብጥበቦምን ብተመክሮኦምን ነታ ጉባኤ ብዙሕ ይጠቕምዋ እዮም። ብተወሳኺ፡ ዝዀነ ይኹን እቲ ኣብ ውድብ የሆዋ ኽንገብሮ እንኽእል ነገር፡ ኣብ ጸጋ ኣምላኽ ከም ዚምርኰስ ክንርስዕ የብልናን።—ግብ. 14:26፣ ሮሜ 12:6-8

8. ድሌትና ኣብቲ ኣብ ጉባኤ እነበርክቶ እጃም እንታይ ጽልዋ ኣለዎ፧

8 ነቲ ኣብ ጉባኤ ዚህልወና ግደ ዚጸሉ ኻልእ ነገር እውን ኣሎ። ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፡ ብዛዕባ ኽልተ ብስጋ ኣሓት ዝዀና መንእሰያት እስከ ንርአ። ክልቲአን ካልኣይ ደረጃ ትምህርተን ወድኣ። ተመሳሳሊ ዅነታት ከኣ ነበረን። ወለደን እውን ስሩዓት ፈለምቲ ምእንቲ ኪዀና ብዙሕ ኣተባቢዖምወን እዮም። ትምህርተን ምስ ወድኣ፡ ሓንቲአን ፈላሚት ክትከውን ከላ፡ እታ ኻልአይቲ ግን ናይ ምሉእ ግዜ ዓለማዊ ስራሕ ክትሰርሕ ጀመረት። ኣብ መንጎአን እዚ ፍልልይ ኪህሉ ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧ ድሌተን በበይኑ ስለ ዝዀነ እዩ። ነፍሲ ወከፈን ዘዝደለያኦ እየን ገይረን። መብዛሕትና ኸምኡ ደይኰንናን እንገብር፧ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ክንገብሮ እንደሊ ኣርዚንና ኽንሓስብ ኣሎና። ዋላ እውን ኵነታትና ኸነተዓራሪ ዜድልየና እንተ ዀነ፡ ከምኡ ብምግባር፡ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ እነበርክቶ እጃም ከነዛይድ ንኽእልዶ፧—2 ቈረ. 9:7

9, 10. ንየሆዋ ብዝያዳ ንኸነገልግል ውሽጣዊ ድራኸ እንተ ዘይብልና፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

9 ንየሆዋ ብዝያዳ ንኸነገልግል ውሽጣዊ ድራኸ እንተ ዘይብልናን ነቲ ብውሕዱ ኽንገብሮ ዚግባእ ጥራይ እናገበርና ኽንቅጽል ንደሊ እንተ ዄንናን፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ፊልጲ ዝለኣኻ መልእኽቱ፡ “እቲ ምእንቲ ጽቡቕ ፍቓዱ ኢሉ፡ ኣባኻትኩም ድሌትን ግብርን ዚገብርሲ ኣምላኽ እዩ” በለ። እወ፡ የሆዋ ንውሽጥናን ንድሌትናን ኪጸልዎ ይኽእል እዩ።—ፊል. 2:13፣ 4:13

10 ከምኡ ኻብ ኰነ፡ ፍቓዱ ኽንገብር ድሌት ምእንቲ ኸነሕድር፡ ንየሆዋ ኽንልምኖዶ ኣይግባእን፧ እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት ከምኡ እዩ ገይሩ። “ዎ እግዚኣብሄር፡ ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ፡ መገድታትካ ምሀረኒ። ንስኻ ኣምላኽ ምድሓነይ ኢኻ እሞ፡ ብሓቅኻ ምርሓንን ኣስተምህረንን። ኵሉ መዓልቲ እጽበየካ አሎኹ” ኢሉ ጸለየ። (መዝ. 25:4, 5) የሆዋ ነቲ ንዕኡ ባህ ዜብሎ ዘበለ ድሌት ከም እነሕድር ምእንቲ ኺገብረና፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ናብኡ ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። የሆዋ ኣምላኽን ወዱን ብዛዕባ እቲ ንዕኦም ንምግልጋል እንገብሮ ነገር ከመይ ከም ዚስምዖም እንተ ኣስተንቲንናሉ፡ ኣልባብና ብሞሳ እዩ ዚምላእ። (ማቴ. 26:6-10፣ ሉቃ. 21:1-4) እቲ ሞሳ እቲ ድማ፡ መንፈሳዊ ዕቤት ንምግባር ድሌት ምእንቲ ኸነሕድር፡ ንየሆዋ ንኽንልምኖ ይድርኸና። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ነብዪ ኢሳይያስ ንዓና ኣብነት ይዀነና እዩ። “ንመን ክልእኽ፧ መንከ ኪኸደልና እዩ፧” ዚብል ድምጺ የሆዋ ምስ ሰምዐ፡ “እኔኹ ልአኸኒ” ኢሉ መለሰ።—ኢሳ. 6:8

ዕቤት ግበር—ብኸመይ፧

11. (ሀ) ኣብ ውድብ የሆዋ እንታይ ዚገብሩ ኣሕዋት እዮም ዜድልዩ ዘለዉ፧ (ለ) ሓደ ሓው ንፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ኪመጣጠር ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

11 ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2008 ኣብ ብዘላ ዓለም 289,678 ሰባት ስለ እተጠምቁ፡ ሓላፍነት ዚስከሙ ኣሕዋት ከም ዜድልዩ ንጹር እዩ። ሓደ ሓው ኣብዚ መዳይ እዚ ዚከኣሎ ኺግበር ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ብሓጺሩ፡ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ካብ ኣገልገልቲ ጉባኤን ሽማግለታትን ዚሕተት ብቕዓታት ንምምላእ ኪጽዕር ኣለዎ። (1 ጢሞ. 3:1-10, 12, 13፣ ቲቶ. 1:5-9) ሓደ ሓው ከምዚ ዝኣመሰለ ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ንምምላእ ብኸመይ ኪጽዕር ይኽእል፧ ኣብ ኣገልግሎት ብንጥፈት ብምክፋል፡ ኣብ ጉባኤ ንእተዋህቦ ዕዮ ብትግሃት ብምፍጻም፡ ነቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዚህቦ ሓሳባት ንምምሕያሽ ብምጽዓር፡ ከምኡውን ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ብሕታዊ ተገዳስነት ብምርኣይ እዩ ኺጽዕር ዚኽእል። ነቲ ኣብ ጉባኤ ዘለዎ ግደ ኣኽቢሩ ኸም ዚርኢ እዩ ዚሕብር።

12. መንእሰያት ንሓቂ ዘላቶም ቅንኣት ብኸመይ ኬርእዩ ይኽእሉ፧

12 መንእሰያት፡ ብሕልፊ ድማ ኰተቴታት፡ ኣብ ጉባኤ ንኺዓብዩ እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧ ቅዱስ ጽሑፋዊ ፍልጠት ብምውህላል፡ “ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን” ንኺዓብዩ ጻዕሪ ኺግበሩ ኣለዎም። (ቈሎ. 1:9) ትጉሃት ተመሃሮ ቓል ኣምላኽ ምዃኖምን ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ብንጥፈት ምክፋሎምን፡ ነዚ ኣበርክቶ ኸም ዚግበረሎም ኣየጠራጥርን እዩ። ኣጕባዝ በቲ ናብ እተፈላለየ መዳይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዚመርሕ “ዓብይን ብርቱዕን ደገ” ንኺኣትዉ ዜድልዮም ብቕዓት ንምምላእ ኪጽዕሩ ይኽእሉ እዮም። (1 ቈረ. 16:9) ኣገልግሎት የሆዋ ኸም ቀንዲ ዕዮ ህይወትካ ምግባር፡ ብሓቂ ዜዕግብ ህይወት እዩ፡ ብዙሕ በረኸት ድማ የምጽእ።—መክብብ 12:1 ኣንብብ።

13, 14. ኣሓት ነቲ ኣብ ጉባኤ ዘለወን ግደ ኸም ዜኽብራ ብኸመይ ኬርእያ ይኽእላ፧

13 ኣሓት እውን መዝሙር 68:11 ንኽትፍጸም እጃመን ብምብርካት፡ ነቲ ዝረኸባኦ ፍሉይ መሰል ኣኽቢረን ከም ዚሕዛ ኼርእያ ይኽእላ እየን። እታ ጥቕሲ እቲኣ ኸምዚ ትንበብ፦ “እግዚኣብሄር ቃሉ ይህብ፡ እተን ሓጐስ ዜበስራ ዓብዪ ጭፍራ እየን።” ሓደ ኻብቲ ኣሓት ነቲ ኣብ ጉባኤ ዘለወን ግደ መማሰውቲ ምዃነን ዜርእያሉ ጕሉሕ መገዲ፡ ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ብምስታፍ እዩ። (ማቴ. 28:19, 20) ስለዚ፡ ኣብ ኣገልግሎት ምሉእ ተሳትፎ ብምግባርን ነቲ ዕዮ መስዋእቲ ንምኽፋል ፍቓደኛ ብምዃንን፡ ነቲ ኣብ ጉባኤ ዘለወን ግደ ኣኽቢረን ከም ዚርእያ የመስክራ።

14 ጳውሎስ ናብ ቲቶስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ “እተን ኣረገውቲ ኣንስቲ . . . መሃርቲ ሰናይ ኪዀና፡ ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸኣ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍሲ፡ ንሰብኡተንን ውሉደንን ኬፍቅራ፡ ነፍሰን ዚቐጽዓ ንጹሃት፡ ቤተን ዚአልያ፡ ሕያዎት፡ ንሰብኡተን ዚእዘዛ ኪዀና ኼለብማኤን ምዐደን” በለ። (ቲቶ. 2:3-5) ኣብ ጉባኤ ዘለዋ ብሱላት ኣሓት፡ ብሓቂ ጽቡቕ ጽልዋ እዩ ዘለወን! ነቶም ዚመርሑ ኣሕዋት ብምኽባር፡ ኣብ ከም ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን መዘናግዕታትን ዝኣመሰለ መዳያት ህይወት ከኣ ጽቡቕ ውሳነታት ብምግባር፡ ንኻልኦት ሰናይ ኣብነት ይዀና፡ ነቲ ኣብ ጉባኤ ዘለወን ግደ ድማ ልዑል ኣኽብሮት ከም ዘለወን የርእያ።

15. ሓንቲ ንጽል ሓብቲ ነቲ ዚስምዓ ጽምዋ ንኸተሰንፍ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

15 ሓድሓደ ግዜ፡ ሓንቲ ዘይተመርዓወት ሓብቲ ኣብ ጉባኤ ዘለዋ ግደ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ኪዀና ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮ ዘሕለፈት ሓንቲ ሓብቲ፡ “ንጽል ኴንካ ምንባር፡ ሓሓሊፉ ጽምዋ ኸም ዚስምዓካ ይገብር እዩ” በለት። ነቲ ዅነታት ብኸመይ ከም ዝኸኣለቶ ምስ ተሓተተት፡ “ጸሎትን መጽናዕትን ነቲ ዘሎኒ ቦታ ንኽፈልጥ ኣኽኢሉኒ። የሆዋ ንዓይ ብኸመይ ከም ዝርእየኒ መጽናዕቲ እገብር እየ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ጉባኤ ንዘለዉ ኻልኦት ንምሕጋዝ ጻዕሪ እገብር እየ። እዚ ኸኣ ኣብ ርእሰይ ጥራይ ንኸየተኵር ሓጊዙኒ” በለት። ብመሰረት መዝሙር 32:8፡ የሆዋ ንዳዊት፡ “ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ” በሎ። እወ፡ የሆዋ ንዅሎም ኣገልገልቱ፡ እንተላይ ንንጽል ኣሓት፡ ብብሕቲ ይግደሰሎም እዩ፣ ንዅሎም ድማ ኣብ ጉባኤ ዘለዎም ግደ ንኺፈልጡ ይሕግዞም እዩ።

ግደኻ ሓሉ!

16, 17. (ሀ) ክፍሊ ውድብ የሆዋ ንምዃን ዝቐረበልና ጻውዒት ምቕባልና፡ ብሉጽ ውሳነ ኺበሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ውድብ የሆዋ ዘሎና ግደ ብኸመይ ክንሕሉ ንኽእል፧

16 የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊኡ ምስኡ ርክብ ንኺምስርት ስሒብዎ እዩ። የሱስ፡ “እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን” በለ። (ዮሃ. 6:44) ካብ ኵሎም እዞም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቢልዮናት ሰባት፡ የሆዋ ንዓና ኽፍሊ ጉባኤኡ ኽንከውን ብብሕቲ ጻውዒት ኣቕሪቡልና እዩ። ነዚ ጻውዒት ብምቕባልና፡ ብሉጽ ውሳነ ኢና ጌርና። ህይወትና ዕላማን ትርጕምን ኪህልዎ ኽኢሉ እዩ። ኣብ ጉባኤ ግደ ዘሎና ምዃንና፡ ከመይ ዝበለ ሓጐስን ዕግበትን ኰን እዩ ዜምጽኣልና!

17 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንየሆዋ፡ “ንቤት ማሕደርካ . . . ኤፍቅሮ እየ” በሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “እግረይ ኣብ ጥጡሕ ቦታ ደው ኢላ አላ፡ ኣብ ማሕበራት ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ እየ” ኢሉ ዘመረ። (መዝ. 26:8, 12) ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ውድቡ ዘለና ሰባት ቦታ ኣዳልዩልና ኣሎ። ቲኦክራስያዊ መምርሒ ብምስዓብን ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዕዙዛት ብምዃንን፡ ነቲ ኣብ መሰናድዎ የሆዋ ዘሎና ኽቡር ቦታ ወይ ግደ ኽንሕሉ ንኽእል ኢና።

ትዝክሮዶ፧

• ኵሎም ክርስትያናት ኣብ ጉባኤ ግደ ኸም ዘለዎም ክንድምድም እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

• ነቲ ኣብ ውድብ ኣምላኽ ዘሎና ግደ ኸም እነኽብሮ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

• ነቲ ኣብ ጉባኤ ዘሎና ግደ ኺጸሉ ዚኽእል እንታይ ረቓሒታት እዩ፧

• ክርስትያናት መንእሰያትን ዓበይትን ነቲ ኣብ መሰናድዎ ኣምላኽ ዘለዎም ግደ ኸም ዜኽብሩ ብኸመይ ኬርእዩ ይኽእሉ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ኣሕዋት ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ንኺስከሙ ኺመጣጠሩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ኣሓት ነቲ ኣብ ጉባኤ ዘለወን ግደ ኸም ዜኽብራኦ ብኸመይ ኬርእያ ይኽእላ፧