ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንጽሙማን ኣሕዋትካን ኣሓትካን ሓብሕቦም

ንጽሙማን ኣሕዋትካን ኣሓትካን ሓብሕቦም

ንጽሙማን ኣሕዋትካን ኣሓትካን ሓብሕቦም

ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ፡ መንፈሳውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ዝሓዘ ዓብዪ ቤተሰብ እዮም፣ እዚ ቤተሰብ እዚ ኻብቶም ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ሰብኡትን ኣንስትን ማለት፡ ካብ ሳሙኤል፡ ዳዊት፡ ሳምሶን፡ ረሃብ፡ ሙሴ፡ ኣብራሃም፡ ሳራ፡ ኖህ፡ ኣቤል ዝመጸ እዩ። ኣብ መንጎ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ብዙሓት ጽሙማን ኣሕዋት እውን ኣለዉ። ንኣብነት፡ እቶም ንፈለማ እዋን ኣብ ሞንጎልያ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ኽልተ ሰባት፡ ጽሙማን ሰብ ሓዳር እዮም ነይሮም። ብዘይካዚ፡ ሳላ እቶም ኣብ ሩስያ ዚነብሩ ጽሙማን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘርኣይዎ ንጽህና፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ሕጋዊ ዓወት ረኺብና ኢና።

ኣብዚ ግዜና፡ እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ብቛንቋ ምልክት እተዳለወ ሕታማት ኣዳልዩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ በዚ ቛንቋ እዚ ዚግበር ኣኼባታት ጉባኤን ዓበይቲ ኣኼባታትን እውን ወዲቡ እዩ። (ማቴ. 24:45) እዚ ኸኣ ንጽሙማን ብዙሕ ጠቒምዎም እዩ። * ኰይኑ ግን፡ እቶም ጽሙማን ብዘይ እዚ መሰናድዎታት እዚ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኪመሃሩን ኣብ ሓቂ ዕቤት ኪገብሩን ክሳዕ ክንደይ ከም ዚኸብዶም ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ ነቶም ኣብ ከባቢኻ ዚነብሩ ጽሙማን ንምሕጋዝ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧

ሎሚ ዘሎ መሰናድዎታት ኣብ ዘይነበረሉ እዋን

ንገሊኦም ብዕድመ ዝደፍኡ ጽሙማን ብኸመይ ንኣምላኽ ከም ዝፈለጥዎ እንተ ትሓቶም እንታይ ኢሎም ምመለሱልካ፧ ፈለማ ንስም ኣምላኽ ምስ ፈለጥዎ ብዛዕባ እተሰምዖም ስምዒት፡ ማለት እዛ ሓቂ እዚኣ ንህይወቶም ብኸመይ ከም ዝቐየረቶ ኸምኡውን ብቛንቋ ምልክት እተዳለወ ቪድዮን ዲቪዲን ወጺኡ ዓሚቝ መንፈሳዊ ሓቅታት ቅድሚ ምፍላጦም ኣብ ዝነበረ ዓመታት ንኺጸንዑ ኸም ዝሓገዘቶም ምነገሩኻ። እቲ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዘይነበረሉ ወይ ብቋንቋ ምልክት ዘይትርጐመሉ ዝነበረ እዋን ኣጸጋሚ ምንባሩ እውን ምገለጹልካ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ጥቓኦም ኮፍ ኢሉ ነቲ ዚበሃል ዘሎ ነገር ምእንቲ ኺርድእዎ ኣብ ወረቐት ይጽሕፈሎም ነበረ። ሓደ ጽሙም ሓው፡ ዚትርጕም ሰብ ቅድሚ ምምጽኡ ንሸውዓተ ዓመት በዚ ኸምዚ ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ይመሃር ነበረ።

ብዕድመ ዝደፍኡ ጽሙማን ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብቲ “ዚሰምዑ” ሰባት ዚነብሩሉ ኸባቢ ብኸመይ የገልግሉ ኸም ዝነበሩ ይዝክርዎ እዮም። ብሓደ ኢዶም ኣብ ንእሽቶ ካርድ እተጻሕፈ ኻብ ቤት ናብ ቤት ኪኸዱ ኸለዉ ዚጥቀሙሉ ቐሊል ኣቀራርባ ይሕዙ። ብሓደ ኢዶም ከኣ ናይ ቀረባ እዋን ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ይሕዙ። በቲ ንሳቶም ኰነ እቲ መጽናዕቲ ዚምርሓሉ ጽሙም ኣጸቢቖም ኪርድእዎ ዘይክእሉ ጽሑፋት ጥራይ ተጠቒሞም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሑ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ጽሙማን ኣስፋሕቲ፡ ካልእ ሰብ ነቲ ዚብልዎ ነገራት ምርዳእ ኪኣብዮ ኸሎን ብዛዕባ መንፈሳዊ ሓቅታት ብዝያዳ ኺዛረቡ ብዘይ ምኽኣሎምን ንዚስምዖም ዝነበረ ተስፋ ምቝራጽ ይዝክርዎ ይዀኑ። ንየሆዋ ዓሚቝ ፍቕሪ እናሃለወካ ኽነሱ፡ ብምትእምማን ስጕምቲ ኽትወስድ ዘይምኽኣል ንዜሕድሮ ስምዒት እውን ይፈልጥዎ እዮም። ስለምንታይ እዩ ምትእምማን ዘይነበሮም፧ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ዘለዎም ምርዳእ ቅኑዕ እንተ ዀይኑ ርግጸኛታት ብዘይምንባሮም እዩ።

ጽሙማን ኣሕዋትናን ኣሓትናን እዚ ዅሉ ዕንቅፋታት እናኣጋጠሞም ክነሱ፡ ንጽህናኦም ሓልዮም እዮም። (እዮ. 2:3) ንየሆዋ ብሃረርታ ተጸብዮምዎ እዮም። (መዝ. 37:7) ንሱ ኸኣ ካብቲ መብዛሕትኦም እተጸበይዎ ንላዕሊ ይባርኾም ኣሎ።

ሓደ ኣቦ ስድራ ዝዀነ ጽሙም ሓው ብዛዕባ ዝገበሮ ጻዕሪ እስከ ንርአ። ብቛንቋ ምልክት እተዳለወ ቪድዮ ቕድሚ ምውጻኡ፡ ብተኣማንነት መጽናዕቲ ስድራ ቤት ይመርሕ ነበረ። ወዱ ኸምዚ ብምባል ተዘክሮኡ ገለጸ፦ “ኣቦይ ካብ ጽሑፋት ጥራይ ይምህረና ብምንባሩ፡ መጽናዕቲ ስድራ ቤት ምምራሕ ወትሩ ይኸብዶ ነበረ። መብዛሕትኡ እዋን ነቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ሓሳባት ኣጸቢቑ ኣይርድኦን እዩ ነይሩ። እቶም ቈልዑ ዘበልና እውን ብዙሕ ነሸግሮ ነበርና። ንገሊኡ ሓሳባት ጽቡቕ ገይሩ ምስ ዘይገልጾ ብታህዋኽ ንእርሞ ነበርና። ምስናይዚ ግን ወትሩ መጽናዕቲ ስድራ ቤት ይመርሓልና ነበረ። ካብቲ እንግሊዝኛ ጽቡቕ ገይሩ ብዘይምኽኣሉ ሓሓሊፉ ዜጋጥሞ ዝነበረ ምሽቝራር ንላዕሊ፡ ብዛዕባ የሆዋ ሓደ ነገር ክንመሃር ምኽኣልና ዝያዳ ኣገዳሲ ገይሩ ይርእዮ ነበረ።” 

ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚነብር ጽሙምን ዓይነ-ስዉርን ዝዀነ ኣብ 70ታት ዕድሚኡ ዚርከብ ሪቻርድ እተባህለ ሓው እውን ካልእ ኣብነት እዩ። እዚ ሓው እዚ ኻብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣየብኵርን እዩ። ናብ ኣኼባ ኪኸይድ ከሎ በይኑ ኣብ ባቡር ተሰቒሉ ነቲ ደው እትብለሉ ብምቝጻር ኣብቲ ዝደለዮ ቦታ ይበጽሕ። ኣብ ሓደ ቘራሪ ወቕቲ፡ ኣዝዩ ሓያል በረድ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ኣኼባ ተሰረዘ። ኵሎም ኣባላት እታ ጉባኤ እኳ እንተ ተነግሮም፡ ሪቻርድ ግን ብገለ ምኽንያት ኣይፈለጠን። እቶም ኣሕዋት እንታይ ከም ዘጋጠመ ምስ ሰምዑ፡ ኪደልይዎ ኸዱ፣ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ደው ኢሉ ማዕጾ ኽሳዕ ዚኽፈት ኪጽበ ጸንሖም። ኣዝዩ ሓያል በረድ እናወረደ ኽነሱ ስለምንታይ ናብቲ ኣዳራሽ ከም ዝመጸ ምስ ተሓተተ፡ “ንየሆዋ ስለ ዘፍቅሮ እየ” ኢሉ መለሰ።

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ኣብ ከባቢኻ ጽሙማን ኣለዉዶ፧ ምስኦም ሓሳብ ንሓሳብ ንኽትለዋወጥ እተወሰነ ቛንቋ ምልክት ክትመሃር ትኽእልዶ፧ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ጽሙማን ቋንቋኦም ንኻልኦት ኪምህሩ ኸለዉ፡ ሕያዎትን ዕጉሳትን እዮም። ካልእ ጕዳይካ ኽትገብር ኰነ ኸተገልግል ከለኻ ምስ ሓደ ጽሙም ትራኸብ ትኸውን። ኣብዚ ግዜ እዚ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ከተዘራርቦ ፈትን። ኣካላዊ ምንቅስቓስ፡ ጽሑፍ፡ ከምኡውን ስእሊ ተጠቐም፣ ወይ ከኣ ንዅሉ እዚ ሜላታት ብሓደ ኽትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ዋላ እውን እቲ ጽሙም ኣብ ሓቂ ተገዳስነት ከም ዘይብሉ እንተ ነገረካ፡ ጽሙም ዝዀነ ወይ ከኣ ቋንቋ ምልክት ዚኽእል ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዚበጽሖ ግበር። እቲ መልእኽቲ ብቛንቋኡ ኺንገሮ ኸሎ ይስሕቦ ይኸውን።

ምናልባት ቋንቋ ምልክት ትመሃር፡ ብቛንቋ ምልክት ኣብ ዚካየድ ጉባኤ ድማ ትካፈል ትህሉ ትኸውን። በዚ ቛንቛ እዚ ሓሳብካ ኣብ ምግላጽን ነቲ ቛንቛ ኣብ ምርዳእን ብኸመይ ክኢላ ኽትከውን ትኽእል፧ ኣብታ ጉባኤ ጽሙማን ዘይኰኑ ኣስፋሕቲ እኳ እንተ ሃለዉ፡ ምስኦም ክትዘራረብ ከለኻ እውን ከይተረፈ ንምንታይ ቋንቋ ምልክት ዘይትጥቀም፧ ከምዚ እንተ ጌርካ፡ በዚ ቛንቋ እዚ ንኽትሓስብ ኪሕግዘካ እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ክንዲ ቛንቋ ምልክት እትጥቀም፡ ነቲ ዝቐለለ መገዲ ኽትጥቀም፡ ማለት ክትዛረብ ትፍተን ትኸውን። ይኹን እምበር፡ ዝዀነ ይኹን ቋንቋ ኽትመሃር ከለኻ፡ ነቲ ቛንቋ ንኽትመልኮ ትዕግስቲ የድሊ እዩ።

ቋንቋ ምልክት ንምጥቃም እንገብሮ ዘይተኣደነ ጻዕሪ፡ ንጽሙማን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘሎና ፍቕርን ኣኽብሮትን ዜርኢ እዩ። እቶም ጽሙማን መዓልታዊ ምስቶም ኣብ ስራሕ ይኹን ኣብ ቤት ትምህርቲ ዚረኽብዎም ሰባት ኪረዳድኡ ብዘይምኽኣሎም ንዚስምዖም ጭንቀት ክትግምቶ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ጽሙም ሓው፡ “ኵሎም እቶም ኣብ ከባቢየይ ዘለዉ ሰባት ንሓድሕዶም መዓልታዊ ይዘራረቡ እዮም። መብዛሕትኡ እዋን ድማ ጽምዋን እተገለልኩ ዀይኑን ስለ ዚስምዓኒ፡ ኣዝየ እየ ዝሓርቕ። ሓድሓደ ግዜ ስምዒተይ ምሉእ ብምሉእ ንኽገልጽ ቃላት ይሓጽረኒ እዩ” በለ። ኣኼባታትና፡ ጽሙማን ኣሕዋትናን ኣሓትናን መንፈሳዊ ምግብን ባህ ዜብል ዕላልን ምሕዝነትን ዚረኽቡሉ ዜሐጕስ ቦታ ኪኸውን ኣለዎ።—ዮሃ. 13:34, 35

እተን ምስ ዓበይቲ ጉባኤታት ተደሪበን ኣኼባ ዚገብራ ንኣሽቱ ጕጅለታት ጽሙማን እውን ዕሽሽ ኪበሃላ የብለንን። እቲ ኣኼባ ነቶም ኣብዘን ጕጅለታት ዘለዉ ጽሙማን ይትርጐመሎም እዩ። እንታይ ይቐርብ ከም ዘሎ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺርድእዎ፡ ጽሙማን ኣባላት ጉባኤ ኣብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚት እዮም ኮፍ ዚብሉ። እዚ ኸኣ ነቲ ተርጓምን ነቲ ተዛራባይን ብሓንሳእ ንኺርእይዎም ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም። ተመክሮታት ከም ዚሕብሮ፡ እታ ጉባኤ ነዚ ቐልጢፋ ስለ እትለምዶ፡ ኣቓልቦ ኣይሰርቕን እዩ። እዚ መሰናድዎታት እዚ፡ ኣብቲ ቛንቋ ምልክት ዚቐርበሉ ዓበይቲ ኣኼባታት እውን ይዓዪ እዩ። እቶም ልክዕ ከም ሓደ ጽሙም ዚገብሮ ገይሮም ትርጕም ብዚህብን ባህርያዊ ብዝዀነ መገድን ነቲ ሓበሬታ ዜመሓላልፉ ህርኩታት ኣባላት ጉባኤ ናእዳ ይግብኦም።

ምናልባት ኣባል ሓንቲ ንጕጅለ ቛንቋ ምልክት እትሕግዝ ወይ ንሒደት ጽሙማን እትትርጕም ጉባኤ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ነዞም ጽሙማን ኣሕዋትካ ኸም እትግደሰሎም ንኸተርኢ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ናብ ቤትካ ዓድሞም። እንተ ኽኢልካ፡ ሒደት ቋንቋ ምልክት ተምሃር። ምስኦም ክትዘራረብ ከለኻ እንተ ዘይተረዳዲእካ ኣይትሰከፍ። ምስኦም እትዘራረበሉ ገለ መገዲ ኽትረክብ ኢኻ፣ ከምዚ ዓይነት ፍቕሪ ምርኣይካ ኸኣ ባህ ዜብል ተዘክሮ እዩ ዚፈጥር። (1 ዮሃ. 4:8) ካብቶም ጽሙማን ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጾትና፡ ብዙሕ እንመሃሮ ነገር ኣሎ። ምቕሉላትን መስተውዓልትን ተዋዘይትን እዮም። ክልቲኦም ወለዱ ጽሙማን ዝዀኑ ሓደ ሓው፡ “ብጽሙማን ተኸቢበ እየ ዓብየ፣ ነቲ ዝገበሩለይ ነገር ድማ ውሬታ ኽመልስ ኣይክእልን እየ። ካብቶም ጽሙማን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና” በለ።

የሆዋ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ፡ እንተላይ ነቶም ጽሙማን የፍቅሮም እዩ። እቲ ጽሙማን ዜርእይዎ እምነትን ጽንዓትን ሓደ ኻብቲ ንውድብ የሆዋ ፍሉይ ዚገብሮ ነገራት እዩ። እምበኣር፡ ነቶም ጽሙማን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንሓብሕቦም።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 3 ነታ ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 2009 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት “የሆዋ ገጹ ኣብርሃሎም” እትብል ዓንቀጽ ርአ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ ጽሙም፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብቛንቋኡ ኺንገሮ ኸሎ ዝያዳ ይስሕቦ ይኸውን

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

ኣኼባታትና፡ ጽሙማን ኣሕዋትናን ኣሓትናን መንፈሳዊ ምትብባዕ ዚረኽቡሉ ዜሐጕስ ቦታ ኪኸውን ኣለዎ