ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ጽቡቕ ጠባይ ነርኢ

ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ጽቡቕ ጠባይ ነርኢ

ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ጽቡቕ ጠባይ ነርኢ

“ደጊም ከም ፍቁራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ።”—ኤፌሶን 5:1

1, 2. (ሀ) ጽቡቕ ጠባይ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

 ሱፎክስ ዝስማ ደራሲት ብዛዕባ ኣኽብሮት ዝመልኦ ጠባይ ክትገልጽ ከላ፡ “ጽቡቕ ጠባይ ኣብ እተወሰነ እዋን እተርእዮ፡ ኣብ እተወሰነ እዋን ከኣ እትሓድጎ ነገር ኣይኰነን። ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታን ግዜን ጽቡቕ ጠባይ ከነርኢ ኣሎና” ኢላ ጸሓፈት። ሰባት ጽቡቕ ጠባይ ናይ ምርኣይ ልምዲ እንተ ኣልይዎም፡ ምስ ካልኦት ኬጋጥሞም ዚኽእል ጸገማት ይጐድል፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ መዕለቢ ይረክብ። ብኣንጻሩ ኪኸውን ከሎ ግን ጸገም እዩ ዚፈጥር። ንኻልኦት ሰባት ብዘይእሩም መገዲ ምሓዝ፡ ናብ ባእስን ቅርሕንትን ጓህን እዩ ዚመርሕ።

2 ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ጉባኤ ጽቡቕ ጠባይ ብዜርእዩ ሰባት ዝመልአት እያ። ኰይኑ ግን፡ ነቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ልሙድ ኰይኑ ዘሎ ዘይእሩም ጠባይ ከይነንጸባርቕ ክንጥንቀቕ ኣሎና። ነቲ ንጽቡቕ ጠባይ ዚምልከት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓል ብኸመይ ከም ዜዕቍበናን ንኻልኦት ሰባት ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብኸመይ ከም ዚስሕቦምን እስከ ንርአ። ጽቡቕ ጠባይ ምርኣይ ኪበሃል ከሎ እንታይ ከም ዜጠቓልል ንምርዳእ፡ ነቲ የሆዋ ኣምላኽን ወዱን ዝገደፉልና ኣብነት ንመርምር።

የሆዋን ወዱን—ኣብነታት ጽቡቕ ጠባይ

3. ጽቡቕ ጠባይ ብምርኣይ ዝመጸ፡ የሆዋ ኣምላኽ እንታይ ኣብነት እዩ ሰሪዑ፧

3 ጽቡቕ ጠባይ ብምርኣይ ዝመጸ የሆዋ ኣምላኽ ፍጹም ኣብነት እዩ። ልዑላዊ ገዛኢ ዅሉ ፍጥረት ክነሱ፡ ንሰባት ብብዙሕ ሕያውነትን ኣኽብሮትን እዩ ዚሕዞም። ንኣብርሃምን ሙሴን ኪዛረቦም ከሎ፡ ነታ ዝበዝሕ ግዜ “በጃኻ” ተባሂላ እትትርጐም ናይ እብራይስጢ ቓል እዩ ተጠቒሙ። (ዘፍ. 13:14 NW፣ ዘጸ. 4:6 NW) ኣገልገልቱ ኺብድሉ ኸለዉ፡ “መሓርን ጸጋውን ዓቃልን፡ ብሳህልን ሓቅን ዓብዪ” ምዃኑ የርኢ እዩ። (መዝ. 86:15) ገሊኦም ሰባት፡ ካልኦት ከምቲ እተጸበይዎ ምስ ዘይገብሩ ኣዝዮም እዮም ዚቝጥዑ፣ የሆዋ ግን ካብዚኣቶም ኣዝዩ እተፈልየ እዩ።

4. ካልኦት ኪዛረቡና ኸለዉ ንየሆዋ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧

4 ኣምላኽ ንሰባት ኪሰምዖም ከሎ እውን ጽቡቕ ጠባይ ብምርኣይ ዝመጸ ኣብነት ሰሪዑ እዩ። ኣብርሃም ብዛዕባ ሰብ ሶዶም ሕቶታት ምስ ኣበገሰ፡ የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ሕቶኡ ብትዕግስቲ መሊሱሉ እዩ። (ዘፍ. 18:23-32) ነቲ ንኣብርሃም ዘሻቐሎ ነገር ከም መጥፍኢ ግዜ ገይሩ ኣይረኣዮን። የሆዋ ኣገልገልቱ ንዘቕርብዎ ጸሎትን እቶም እተነስሑ ሓጥኣን ንዘስምዕዎ ኣውያትን ይሰምዖ እዩ። (መዝሙር 51:11, 17 ኣንብብ።) ካልኦት ኪዛረቡና ኸለዉ ጽን ኢልና ብምስማዕ ንየሆዋ ኽንመስሎ ኣይግባእንዶ፧

5. የሱስ ንዘርኣዮ ጽቡቕ ጠባይ ምቕዳሕና፡ ነቲ ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብ ኬመሓይሾ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

5 ሓደ ኻብቲ የሱስ ክርስቶስ ካብ ኣቦኡ እተማህሮ ሓያሎ ነገራት፡ ጽቡቕ ጠባይ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ኣገልግሎቱ ንኺፍጽም ግዜኡን ሓይሉን መስዋእቲ ምግባር ዚሓቶ እኳ እንተ ነበረ፡ ወትሩ ዕጉስን ሕያዋይን እዩ ነይሩ። ለምጻማትን ኣብ ልመና እተዋፈሩ ዕዉራትን ካልኦት እተሸገሩ ሰባትን ሓገዝ ደልዮም ኪቐርብዎ ኸለዉ፡ ብፍታው ይድግፎም ነበረ። ብዘይቈጸራ እኳ እንተ መጽዎ፡ ኣይጐስዮምን እዩ ነይሩ። መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ተስፋ ዝቘረጹ ሰባት ዕዮኡ ኣቋሪጹ ይሕግዞም ነበረ። ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ ሰባት ኣጸቢቑ ይሓልየሎም ነበረ። (ማር. 5:30-34፣ ሉቃ. 18:35-41) ንሕና እውን ከም ክርስትያናት መጠን ሕያዎትን ደገፍትን ብምዃን ኣብነት የሱስ ክንቀድሕ ንኽእል ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ጠባይ ምስ እነርኢ ኣዝማድናን ጐረባብትናን ካልኦት ሰባትን ኬስተብህሉሉ እዮም። ብተወሳኺ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ጠባይ ንየሆዋ ኽብሪ የምጽኣሉ፡ ንዓና ኸኣ ሓጐስ የምጽኣልና።

6. የሱስ ምዉቕ ምቅርራብን ምሕዝነትን ብምርኣይ ዝመጸ ኸመይ ዝበለ ኣብነት እዩ ሓዲጉ፧

6 የሱስ ንሰባት ብስሞም ብምጽዋዕ እውን የኽብሮም ነይሩ እዩ። ኣይሁዳውያን መራሕቲ ሃይማኖት በዚ ኸምዚ ንኻልኦት የኽብርዎም ነይሮምዶ፧ ኣይፋሎምን። ነቶም ሕጊ ዘይፈልጡ ሰባት ከም ‘እተረግሙ ህዝቢ’ ገይሮም ይርእይዎም ነበሩ። (ዮሃ. 7:49) ወዲ ኣምላኽ ግን ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ኣይነበሮን። ንኸም እኒ ማርታን ማርያምን ዘኬዎስን ካልኦት ሰባትን ብስሞም ይጽውዖም ነበረ። (ሉቃ. 10:41, 42፣ 19:5) ንሰባት ብስሞም እንጽውዓሉ መገዲ ኸከም ባህሉን ኵነታቱን ዚፈላለ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን ምቕሉላት ክንከውን ኣሎና። * ደርባዊ ኣፈላላይ ነቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትናን ንኻልኦትን ኣኽብሮት ንኸይነርኢ ኺዓግተና ኣይንፈቕደሉን ኢና።—ያእቆብ 2:1-4 ኣንብብ።

7. ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ንዘለዉ ሰባት ኣኽብሮት ንምርኣይ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

7 ኣምላኽን ወዱን ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ብሕያውነት ዚሕዙሉ መገዲ፡ ንውልቀ-ሰባት ከም ዜኽብርዎም የርኢ፡ እዚ ኸኣ ንቕኑዓት ሰባት ናብ ሓቂ ኸም ዚሰሓቡ ይገብሮም። ሓቂ እዩ፡ ጽቡቕ ጠባይ ከከም ቦታኡ ይፈላለ እዩ። ስለዚ፡ ጽቡቕ ጠባይ ብምርኣይ ዝመጸ ፈጺሙ ዘይተዓጻጸፍ ሕጊ ኣይኰንናን እንስዕብ። የግዳስ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ንዘለዉ ሰባት ኣኽብሮት ንምርኣይ ዜኽእለና ተዓጻጻፊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኢና እንስዕብ። ንኻልኦት ሰባት ኣኽብሮት ምርኣይ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና ብኸመይ ዝያዳ ዕዉታት ኪገብረና ኸም ዚኽእል እስከ ንመርምር።

ሰላም ምባልን ምዝርራብን

8, 9. (ሀ) እንታይ ልማድ እዩ ኸም ሕማቕ ጠባይ ኪቝጸር ዚኽእል፧ (ለ) ነቲ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 5:47 እተዛረቦ ቓላት፡ ኣብቲ ምስ ሰባት እንገብሮ ርክብ ክንጥቀመሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

8 ኣብዚ ሎሚ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ጕያ ጕያ ዚረኣየሉ ናብራ፡ ክልተ ሰባት “ሰላም” ወይ “ከመይ ኣለኻ፧” ኸይተበሃሃሉ ተረጋጊጾም ኪሓልፉ ልሙድ ኰይኑ ኣሎ። ኣብቲ ብዙሓት ሰባት ዚንቀሳቐሱሉ ጐደናታት ንዅሉ ሓላፍ መገዲ ኽትዛረቦ ኣሎካ ማለት ከም ዘይኰነ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ሓያሎ ኻልእ ኣጋጣሚታት ግን ንሰባት ሰላም ምባል ግቡእን ተደላዪን እዩ። ንሰባት ሰላም ናይ ምባል ልማድ ኣሎካዶ፡ ወይስ መብዛሕትኡ ግዜ ፍሽኽ ከይበልካ ወይ ባህ ዜብል ቃል ከየውሳእካ ኢኻ እትሓልፍ፧ ሓደ ሰብ ከይተፈለጦ ዘይእሩም ጠባይ ከማዕብል ይኽእል እዩ።

9 የሱስ፡ “ነኅዋትኩም ጥራይ ሰላምታ እንተ ሃብኩምከ፥ እንታይ ኃለፋ ገበርኩም፧ ኣሕዛብሲ ኸምኡዶ ይገብሩ ኣየለዉን፧” ዚብል መዘኻኸሪ ሂቡና ኣሎ። (ማቴ. 5:47 ትርጕም 1990) ዶናልድ ዊስ እተባህለ ኣማኻሪ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ሰባት ዕሽሽ ኪበሃሉ ኣይደልዩን እዮም። ንኻልኦት ዕሽሽ እትብለሉ ምንም ምኽንያት ከኣ የለን። መፍትሒኡ ቐሊል እዩ፦ ንሰባት ሰላም በሎም። . . . ኣዘራርቦም።” ብወገንና ንኻልኦት ዘይንጐስዮምን ዕሽሽ ዘይንብሎምን እንተ ደኣ ዄንና፡ ጽቡቕ ፍረ ኽንዓጽድ ኢና።

10. ጽቡቕ ጠባይ ኣብ ኣገልግሎትና ውጽኢታውያን ክንከውን ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ነታ  “ብድሙቕ ፍሽኽታ ጀምር” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

10 ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ኣብ እትርከብ ዓባይ ከተማ ንዚነብሩ ቶምን ካሮልን ዚበሃሉ ክርስትያን መጻምድቲ ዘጋጠሞም ነገር ንርአ። ከም ክፍሊ ኣገልግሎቶም ገይሮም ብምርኣይ ምስ ጐረባብቶም ባህ ብዜብል ቃላት ይዘራረቡ ነበሩ። ነዚ ብኸመይ እዮም ዚገብርዎ ነይሮም፧ ቶም፡ ያእቆብ 3:18 ጠቒሱ ኸምዚ በለ፦ “ምስ ሰባት ሕዉሳትን ሰላማውያንን ክንከውን ንጽዕር። ነቶም ኣብ ደገ እንረኽቦምን ኣብቲ ኸባቢ ዚሰርሑን ንቐርቦም። ፍሽኽ ኢልና ሰላም ንብሎም። ብዛዕባ ዜገድሶም ነገራት፡ ማለት ብዛዕባ ደቆም፡ ኣኽላባቶም፡ ኣባይቶም፡ ስራሖም ነዘራርቦም። ድሕሪዚ ኸም ኣዕሩኾም ገይሮም ይርእዩና።” ካሮል ከኣ ከምዚ በለት፦ “ካልእ ግዜ ኽንምለሶም ከለና፡ ስምና ንነግሮም ስሞም ድማ ንሓቶም። ዘረባ ኸየንዋሕና ኣብቲ ኸባቢ እንታይ ከም እንገብር ንነግሮም። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ንምስክረሎም።” ሓያሎ ኻብቶም ጐረባብቲ ንቶምን ካሮልን ኪተኣማመኑሎም ከኣሉ። ብዙሓት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ተቐበሉ፡ ገለ ኻባታቶም ከኣ ሓቂ ንምፍላጥ ዝያዳ ተገዳስነት ኣርኣዩ።

ኣብ ጽንኩር ኵነታት ጽቡቕ ጠባይ ነርኢ

11, 12. ብስራት ክንሰብኽ ከለና፡ ሕማቕ ጠባይ ኬጋጥመና ኽንጽበ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ብኸመይከ ኽንምልስ ይግባእ፧

11 ብስራት ክንሰብኽ ከለና፡ ሰባት ሓድሓደ ግዜ ሕማቕ ጠባይ የርእዩና እዮም። እዚ ኸኣ እንጽበዮ ነገር እዩ፣ ከመይሲ፡ ክርስቶስ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ንኣይ ሰጒጎምኒ እንተ ዀይኖም፡ ንኣኻትኩምውን ኪሰጉኹም እዮም” ብምባል ኣቐዲሙ ኣጠንቂቕዎም ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 15:20) ኰይኑ ግን፡ ካልኦት ኬቈናጽቡና ኸለዉ ዳርግዳርጋ ንምልስ እንተ ዄንና ጽቡቕ ውጽኢት ኣየምጽእን እዩ። ብኸመይ ደኣ ኢና እሞ ኽንምልስ ዘሎና፧ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን [“ብለውሃትን ብኽብርን፡” ትርጕም 1990] ደኣ ይኹን” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥ. 3:15) ብለውሃትን ብኽብርን ብምምላስ ጽቡቕ ጠባይ ነርኢ እንተ ዄንና፡ ንኣረኣእያ እቶም ዚጸርፉና ሰባት ከነለስልሶ ንኽእል ኢና።—ቲቶ. 2:7, 8

12 ንዜጋጥመና ኣሉታዊ ምላሽ ስምረት ኣምላኽ ብዜውህብ መገዲ ንኽንምልስ ክንዳሎ ንኽእል ዲና፧ እወ ንኽእል ኢና። ጳውሎስ፡ “ንነፍሲ ወከፍ ከም ዚግባእ ከመይ ጌርኩም ክትመልሱ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን” ኢሉ ተማሕጺኑና ኣሎ። (ቈሎ. 4:6) ኣብ ስድራቤትና፡ ኣብ ስራሕና፡ ኣብ ጉባኤና፡ ኣብ ጐረባብትና፡ ጽቡቕ ጠባይ ነርኢ እንተ ዄንና፡ ንዘጋጥመና ላግጽን ጸርፍን ክርስትያናት ኬርእይዎ ብዘለዎም መገዲ ኽንዋጽኣሉ ንኽእል ኢና።—ሮሜ 12:17-21 ኣንብብ።

13. ጽቡቕ ጠባይ ምርኣይ ንተጻረርቲ ብኸመይ ከለስልሶም ከም ዚኽእል ዜርኢ ኣብነት ሃብ።

13 ኣብ ጽንኩር ኵነታት ጽቡቕ ጠባይ ምርኣይ ጽቡቕ ውጽኢት ኣለዎ። ንኣብነት፡ ኣብ ጃፓን፡ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ካብ ቤት ናብ ቤት ከገልግል ከሎ ሓደ በዓል ቤትን ጋሻኡን ኣላገጹሉ። እቲ ሓው ብኣኽብሮት ሓዲግዎም ከደ። ኣብቲ ኽሊ ስብከቱ ኪቕጽል ከሎ፡ እቲ ጋሻ ቍሩብ ርሕቕ ኢሉ ይርእዮ ኸም ዝነበረ ኣስተብሃለ። እቲ ሓው ናብኡ ገጹ ምስ ቀረበ፡ እቲ ሰብኣይ፡ “ኣይትሓዘለይ። ሕማቕ እኳ እንተ ተዛረብናካ፡ ንስኻ ግን ፍሽኽ እናበልካ ኸድካ። ከምዚ ዓይነት ጠባይ ንኸርኢ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧” በሎ። እቲ ሰብኣይ ብዘይ ስራሕ ስለ ዝተረፈ፡ ኣዲኡ ኸኣ ስለ ዝሞተቶ፡ ጽልምት ኢልዎ ነበረ። እቲ ሓው መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺመርሓሉ ምስ ሓተቶ ተቐበለ። ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ የጽንዕ ነበረ።

እሩም ጠባይ ንምምዕባል ዚሕግዝ ብሉጽ መገዲ

14, 15. ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ኣገልገልቲ የሆዋ ንደቆም ብኸመይ የሰልጥንዎም ነበሩ፧

14 ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ወለዲ፡ ደቆም ጽቡቕ ጠባይ ምእንቲ ኼርእዩ ኣብ ቤቶም ይምህርዎም ነበሩ። ኣብርሃምን ወዱ ይስሃቅን ንሓድሕዶም ብኸመይ ብኣኽብሮት ይዘራረቡ ኸም ዝነበሩ ዚገልጽ ሓሳባት ኣብ ዘፍጥረት 22፡7 ኽንርኢ ንኽእል ኢና። ዮሴፍ እውን ካብ ወለዱ ጽቡቕ ስልጠና ረኺቡ ኸም ዝነበረ ዚሕብር መርትዖ ኣሎ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣተወ፡ ነቶም መተኣስርቱ እውን ከይተረፈ ብኣኽብሮት ይዛረቦም ነበረ። (ዘፍ. 40:8, 14) ንፈርኦን ኪዛረቦ ኸሎ እተጠቕመሉ ቓላት፡ ንሓደ በዓል ስልጣን እተዘራርበሉ ግቡእ መገዲ ኸም እተማህረ ይሕብር።—ዘፍ. 41:16, 33, 34

15 እቲ ንደቂ እስራኤል እተዋህቦም ዓሰርተ ትእዛዛት፡ “ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር” ዚብል ትእዛዝ የጠቓልል። (ዘጸ. 20:12) ሓደ ኻብቲ ውሉዳት ንወለዶም ዜኽብሩሉ መገዲ፡ ኣብ ቤቶም ጽቡቕ ጠባይ ብምርኣይ እዩ። ጓል ይፍታሕ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን እንተ ዀነ ነቲ ኣቦኣ ዝኣተዎ መብጽዓ ብምእዛዝ ዜደንቕ ኣኽብሮት ኣርኣየት።—መሳ. 11:35-40

16-18. (ሀ) ንቘልዑ ጽቡቕ ጠባይ ንምምሃር እንታይ ኪግበር ይከኣል፧ (ለ) ገለ ኻብቲ ንቘልዑ ጽቡቕ ጠባይ ብምምሃር ዚርከብ ጥቕሚ እንታይ እዩ፧

16 ደቅና ጽቡቕ ጠባይ ኬርእዩ ኸነሰልጥኖም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ምስ ዓበዩ ምስ ካልኦት ተሳንዮም ምእንቲ ኺነብሩ፡ ገና ንኣሽቱ ኸለዉ ንኣጋይሽ ሰላም ዚብሉሉ፡ ተሌፎን ዜዘራርቡሉ፡ ከምኡውን ምስ ካልኦት ምግቢ ዚበልዑሉ መገዲ ኺመሃሩ ኣለዎም። ንኻልኦት ሰባት ማዕጾ ኪኸፍቱሎም፡ ብዕድመ ንዝደፍኡን ንዝሓመሙን ሕያውነት ኬርእይዎም፡ ከምኡውን ከቢድ ነገር ንእተሰከሙ ኺሕግዝዎም ዘለዎም ስለምንታይ ምዃኑ ኺፈልጡ ኣለዎም። ካብ ልብኻ “በጃኻ፡” “አመስግነካ፡” “የቐንየለይ፡” “ገንዘብካ፡” “ክሕግዘካዶ፧” “ኣይትሓዘለይ” ምባል ዘለዎ ኣገዳስነት ኪርድኡ ኣለዎም።

17 ንቘልዑ እዱባት ኪዀኑ ምስልጣን ብዙሕ ኣጸጋሚ ኣይኰነን። እቲ ዝበለጸ መገዲ ጽቡቕ ኣብነት ምዃን እዩ። ኩርት ዚበሃል ወዲ 25 ዓመት መንእሰይ፡ ንሱን ሰለስተ ኣሕዋቱን ብኸመይ ጽቡቕ ጠባይ ከም እተማሃሩ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ማማን ባባን ንሓድሕዶም ብሕያውነት ኪዘራረቡ ኸለዉ፡ ንኻልኦት ሰባት ከኣ ብትዕግስትን ብሓልዮትን ኪሕዝዎም ከለዉ ንርእዮምን ንሰምዖምን ነበርና። ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ባባ ኣኼባታት ቅድሚ ምጅማሩን ድሕሪ ምውዳኡን ንዓይ ብኢዱ ሒዙ ንዓበይቲ ኣሕዋትን ኣሓትን የዘራርብ ነበረ። ሰላምታኡ እሰምዖ፡ ነቲ ዘርእዮም ዝነበረ ኣኽብሮት ከኣ እዕዘቦ ነበርኩ።” ቀጺሉ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ድሕሪ ግዜ፡ ነቲ ጽቡቕ ጠባዩ ክቐድሖ ጀመርኩ። ንሰባት ብኣኽብሮት ምሓዝ ኣይከብደንን እዩ። ከመይሲ፡ ክገብሮ ዘሎኒ ነገር ዘይኰነስ፡ ክገብሮ ዝደልዮ ነገር እዩ።”

18 ወለዲ ንደቆም ጽቡቕ ጠባይ እንተ ምሂሮምዎም እንታይ ፍረ ኺርከብ ይኽእል፧ እቶም ቈልዑ ኣዕሩኽ ኪረኽቡን ምስ ካልኦት ብሰላም ኪነብሩን ይኽእሉ። ምስ ኣስራሕቶምን መሳርሕቶምን ንኺሰርሑ ብቑዓት ይዀኑ። ብተወሳኺ፡ እሩማትን እዱባትን ቅኑዓትን ዝዀኑ ቘልዑ ንወለዶም ሓጐስን ዕግበትን የምጽኡ።—ምሳሌ 23:24, 25 ኣንብብ።

ጽቡቕ ጠባይ ፍሉያት ይገብረና

19, 20. ነቲ ኣምላኽን ወዱን ዝሰርዑልና ኣብነት ጽቡቕ ጠባይ ንኽንስዕብ ቈራጽነት ክንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

19 ጳውሎስ፡ “ከም ፍቁራት ውሉድ ንኣምላኽ ምሰሉ” ኢሉ ጸሓፈ። (ኤፌ. 5:1 ትርጕም 1990) ንየሆዋ ኣምላኽን ንወዱን ምእንቲ ኽንመስሎም ንኸም እቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዘጽናዕናዮ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኣሎና። ከምዚ እንተ ጌርና፡ እቲ እነርእዮ ጽቡቕ ጠባይ ካብ ክሳድ ንላዕሊ፡ ማለት በቶም ስልጣን ዘለዎም ንኽትፍቶ ወይ ስጋዊ ረብሓ ንኽትረክብ ኢልካ ዚግበር ኣይከውንን።—ይሁ. 16

20 ሰይጣን፡ ኣብዘን ዚገዝኣለን ዘሎ ዳሕሮት መዓልትታት፡ ነቲ የሆዋ ዝሰርዖ ስርዓታት ጽቡቕ ጠባይ ከጥፍእ ቈሪጹ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዘርእይዎ ጽቡቕ ጠባይ ኬጥፍኦ ኣይክእልን እዩ። ሃየ እምበኣር፡ ነፍሲ ወከፍና ነቲ ኣምላኽን ወዱን ዝሰርዑልና ኣብነት ጽቡቕ ጠባይ ንኽንስዕብ ቈራጽነት ንግበር። ሽዑ ዘረባናን ጠባይናን ካብቲ ናይቶም ብዘይእሩም ጠባይ ኪመላለሱ ዝመረጹ ሰባት እተፈልየ ይኸውን። ንስም እቲ ጽቡቕ ጠባይ ብምርኣይ ዝመጸ ፍጹም ኣብነት ዝሰርዓልና ኣምላኽና የሆዋ ውዳሰ ነምጽኣሉ፡ ንቕኑዓት ሰባት ከኣ ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንስሕቦም።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 6 ኣብ ገሊኡ ባህልታት፡ ሓደ ሰብ ብስሙን ብስም ስድራቤቱን ይጽዋዕ እዩ፣ ኣብዚ ባህልታት እዚ ኸይተፈቕደልካ ንሓደ ኻባኻ ዚዓቢ ሰብ ብስሙ ምጽዋዕ ከም ነውሪ ጌርካ እዩ ዚቝጸር። ስለዚ፡ ክርስትያናት ነዚ ልምዲ እዚ ኬኽብርዎ ኣለዎም።

ትዝክሮዶ፧

• ጽቡቕ ጠባይ ብምርኣይ ዝመጸ ኻብ የሆዋን ካብ ወዱን እንታይ ንመሃር፧

• ንሰባት ብምዉቕ መገዲ ሰላም ክንብሎም ከለና ኸም ክርስትያናት መጠን እንታይ መልእኽቲ እዩ ዜመሓላልፍ፧

• ጽቡቕ ጠባይ ምርኣይ ኣብ ኣገልግሎትና ውጽኢታውያን ክንከውን ዚሕግዝ ብኸመይ እዩ፧

• ወለዲ ንደቆም ብኸመይ እዮም ጽቡቕ ጠባይ ኪምህርዎም ዚኽእሉ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ሳጹን]

 ብድሙቕ ፍሽኽታ ጀምር

ሓያሎ ሰባት ምስ ዘይፈልጥዎ ሰብ ዝርርብ ምጅማር ይኸብዶም እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ንኣምላኽን ንብጻዮምን ስለ ዜፍቅሩ፡ ንሰባት ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኼካፍልዎም ብኸመይ ዝርርብ ከም ዚጅምሩ ንኺመሃሩ ልባዊ ጻዕሪ ይገብሩ እዮም። ኣብዚ መዳይ እዚ ንኸተመሓይሽ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

ኣብ ፊልጲ 2:4፡ “ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት” ዚብል ጠቓሚ ስርዓት ተዋሂቡ ኣሎ። ነዚ ስርዓት እዚ በዚ ዚስዕብ መገዲ ሕሰበሉ፦ ንሓደ ሰብ ቅድሚ ሕጂ ረኺብካዮ ዘይትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ ከም ጋሻ እዩ ዚርእየካ። ከመይ ጌርካ ኢኻ ኸም ዚፈዅሶ ኽትገብር እትኽእል፧ ድሙቕ ፍሽኽታን ምቕሉል ሰላምታን ሓጋዚ እዩ። ይኹን እምበር፡ ክንሓስበሉ ዘሎና ኻልእ ነገር እውን ኣሎ።

ምስ ሓደ ሰብ ዝርርብ ንምጅማር ክትፍትን ከለኻ፡ ሓሳባቱ ተቋርጾ ትኸውን። ንሓሳባቱ ኣብ ግምት ከየእተኻ፡ ሓሳባትካ ጥራይ ክትገልጽ ትፍትን እንተ ዄንካ ኣወንታዊ ምላሽ ከይህብ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ እቲ ሰብ ብዛዕባ እንታይ ይሓስብ ከም ዘሎ ከተስተውዕል እንተ ኽኢልካ፡ ንምንታይ ዝርርብ ንምጅማር ዘይትጥቀመሉ፧ የሱስ ኣብ ሰማርያ ኣብ ዚርከብ ዒላ ምስ ሓንቲ ሰበይቲ ምስ ተራኸበ ኸምኡ እዩ ገይሩ። (ዮሃ. 4:7-26) እታ ሰበይቲ ብዛዕባ ማይ ምቕዳሕ እያ እትሓስብ ነይራ። የሱስ ነዚ መሰረት ብምግባር ምስኣ ዝርርብ ጀመረ፣ ሽዑ ብቕልጡፍ ናብ ውዕዉዕ መንፈሳዊ ምይይጥ ቀየሮ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ምቕሉል ምዃን ጽቡቕ ምስክርነት ንምሃብ ይሕግዝ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ወትሩ ጽቡቕ ጠባይ ከነርኢ ኣሎና