ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጸሎትካ ብዛዕባኻ እንታይ ይገልጽ፧

ጸሎትካ ብዛዕባኻ እንታይ ይገልጽ፧

ጸሎትካ ብዛዕባኻ እንታይ ይገልጽ፧

“ኣታ ጸሎት እትሰምዕ፡ ኵሉ ስጋ ናባኻ ኺመጽእ እዩ።”—መዝ. 65:2

1, 2. ኣገልገልቲ የሆዋ ብምትእምማን ናብ ኣምላኾም ኪጽልዩ ዚኽእሉ ስለምንታይ እዮም፧

 የሆዋ ንድሌት እሙናት ኣገልገልቱ ጸማም እዝኒ ኣይህቦን እዩ። ከም ዚሰምዓና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓንሳእ እኳ ናብ ኣምላኽ እንተ ጸለዩ፡ ዋላ ሓዲኦም ‘መስመር ተታሒዙ’ ዚብል ምላሽ ኣይረኽቡን እዮም።

2 ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ ኣምላኽ ንልማኖኡ ኸም ዚሰምዖ ብምትእምማን፡ “ኣታ ጸሎት እትሰምዕ፡ ኵሉ ስጋ ናባኻ ኺመጽእ እዩ” ኢሉ ዘመረ። (መዝ. 65:2) ዳዊት እሙን ኣምላኺ የሆዋ ስለ ዝነበረ፡ ጸሎቱ ተመሊሱሉ እዩ። ንሕና እውን ንርእስና፡ ‘ልማኖይ ኣብ የሆዋ ኸም ዝኣምንን ንንጹህ ኣምላኾ ቐዳምነት ከም ዝህቦን የርኢ ድዩ፧ ጸሎተይ ብዛዕባይ እንታይ ይገልጽ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና።

ንየሆዋ ብትሕትና ቕረቦ

3, 4. (ሀ) ንኣምላኽ ብጸሎት ክንቀርቦ ኸለና፡ እንታይ ባህርይ ኪህልወና ኣለዎ፧ (ለ) ከቢድ ሓጢኣት ብምፍጻምና “ሓሳብ” እንተ ኣጨኒቑና፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

3 ጸሎትና ምላሽ ኪረክብ እንተ ዀይኑ፡ ንኣምላኽ ብትሕትና ኽንቀርቦ ኣሎና። (መዝ. 138:6) ከምቲ ዳዊት፡ “ዎ ኣምላኽ፡ መርምረኒ፡ ልበይ ከኣ ፍለጥ፡ ፈትነኒ፡ ሓሳበይውን ፍለጥ። መገዲ ዓመጻ እንተ አልዩኒ፡ ርኤ፡ ኣብቲ ናይ ዘለኣለም መገዲ ምርሓኒ” ኢሉ ዝለመነ፡ ንሕና እውን፡ የሆዋ ንኺምርምረና ኽንልምኖ ኣሎና። (መዝ. 139:23, 24) ካብ ምጽላይ ሓሊፍና እውን፡ ኣምላኽ ንኺምርምረና ኽንፈቕደሉን በቲ ኣብ ቃሉ ዘሎ ምኽሪ ኽንምራሕን ኣሎና። የሆዋ “ኣብቲ ናይ ዘለኣለም መገዲ” ኺመርሓና፡ ማለት ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚመርሕ መገዲ ንኽንስዕብ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

4 ከቢድ ሓጢኣት ብምፍጻምና፡ “ሓሳብ” እንተ ኣጨኒቑናኸ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ (መዝሙር 32:1-5 ኣንብብ።) ጸጸት ንዚስምዖ ሕልናና ኽንጸቕጦ ምፍታን፡ ከምቲ ተኽሊ ብዋዒ ሓጋይ ዚቕምስል፡ ንሓይልና ኺጽንቅቖ ይኽእል እዩ። ዳዊት ብሰንኪ ሓጢኣቱ፡ ሓጐሱ ኣጥፊኡ ነበረ፡ ሓሚሙ እውን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣምላኽ ምንዛዙ ግን ከመይ ዝበለ እፎይታ ዀን እዩ ኣምጺኡሉ! ‘ኣበሳኡ ኸም እተሓድገሉን’ የሆዋ ይቕረ ኸም ዝበለሉን ምስ ፈለጠ እተሰምዖ ሓጐስ እሞ ገምቶ! ሓደ ኣበሳ ዝገበረ ሰብ ሓጢኣቱ ንየሆዋ ምንዛዙ፡ እፎይታ ኼምጽኣሉ ይኽእል እዩ፣ ክርስትያን ሽማግለታት ዚህብዎ ሓገዝ እውን፡ ናብ መንፈሳዊ ጥዕናኡ ንኺምለስ ኪሕግዞ ይኽእል እዩ።—ምሳ. 28:13፣ ያእ. 5:13-16

ናብ ኣምላኽ ልማኖን ምስጋናን ኣቕርብ

5. ንየሆዋ ምልማን ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

5 ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት እንተ ተጨኒቕና፡ ነቲ፡ “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ” ዚብል ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ኽንስዕብ ኣሎና። (ፊል. 4:6) “ምልማን” ኪበሃል ከሎ፡ ብትሕትና ምምህላል ወይ ምሕታት ማለት እዩ። ብፍላይ ኣብ ሓደገኛ እዋን ወይ ኣብ እዋን መስጐጕቲ፡ የሆዋ ንኺሕግዘናን ንኺመርሓናን ንልምኖ ኢና።

6, 7. ኣብ ጸሎትና ምስጋና ኸነቕርብ ዚድርኸና እንታይ ምኽንያታት ኣሎና፧

6 ይኹን እምበር፡ ሓደ ነገር ኬድልየና ኸሎ ጥራይ ንጽሊ እንተ ዄንና፡ እዚ ብዛዕባ ውሽጣዊ ድራኸና እንታይ ይገልጽ፧ ጳውሎስ፡ ድሌትና ዘበለ “ምስናይ ምስጋና” ናብ ኣምላኽ ከነቕርቦ ኸም ዘሎና ገሊጹ ኣሎ። ከምቲ ንዳዊት እተሰምዖ ዓይነት ስምዒት ንኺስምዓና ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና። ንሱ ኸምዚ በለ፦ “ጐይታየ፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ዘበለ ዅሉ ናትካ እዩ እሞ፡ ዕቤትን ስልጣንን ክብርን ዓወትን ግርማን ናትካ እዩ። ጐይታየ፡ እታ መንግስትስ ናትካ እያ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ከም ርእሲ ልዕል በልካ። . . . ዎ ኣምላኽና፡ ንሕና ነመስግነካ ንኽቡር ስምካውን ንውድሶ አሎና።”—1 ዜና 29:11-13

7 የሱስ፡ እንጌራን ዓሳን ከምኡውን ኣብ ድራር ጐይታ እተጠቕመሉ እንጌራን ወይንን ኣልዒሉ ንኣምላኽ ኣመስገነ። (ማቴ. 15:36፣ ማር. 14:22, 23) ኣብ ርእሲ እቲ ቕድሚ ምብላዕና እነቕርቦ ጸሎት፡ “ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱ፡” ‘ስለቲ ጻድቕ ፍርዱ፡’ ከምኡውን ስለቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ቃሉ ወይ መልእኽቱ፡ ንየሆዋ ኸነመስግኖ ኣሎና።—መዝ. 107:15፣ 119:62, 105

ንኻልኦት ጸልየሎም

8, 9. ንክርስትያናት ብጾትና ኽንጽልየሎም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

8 ብዛዕባ ርእስና ኸም እንጽሊ ዜጠራጥር ኣይኰነን፣ ኰይኑ ግን፡ ንኻልኦት ሰባት፡ እንተላይ ነቶም ብስም ዘይንፈልጦም ክርስትያናት ክንጽልየሎም ይግባእ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ክርስትያናት ብምሉኦም ዘይፈልጦም ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ “እታ ብክርስቶስ የሱስ እምነትኩምን ንዅሎም ቅዱሳን ዘላትኩም ፍቕርን ምስ ሰማዕና፡ ኵሉ ሳዕ ምእንታኻትኩም እናጸሌና፡ ንኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ነመስግን አሎና” ኢሉ ጸሓፈ። (ቈሎ. 1:3, 4) ጳውሎስ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት እውን ጸልይሎም እዩ። (2 ተሰ. 1:11, 12) ከምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት፡ ብዛዕባናን ብዛዕባ እቲ ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘሎና ኣረኣእያን ብዙሕ ይገልጽ እዩ።

9 ምእንቲ ቕቡኣት ክርስትያናትን ምእንቲ እቶም ብጾቶም “ካልኦት ኣባጊዕ”ን እነቕርቦ ጸሎት፡ ብዛዕባ ውድብ ኣምላኽ ከም እንሓስብ የርኢ። (ዮሃ. 10:16) ጳውሎስ ‘ነቲ ምስጢር ወንጌል ኪነግር ቃል ምእንቲ ኺወሃቦ፡’ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ኺጽልዩሉ ሓተቶም። (ኤፌ. 6:17-20) ንሕናኸ ንኻልኦት ክርስትያናት ብውልቂ ንጽልየሎም ዲና፧

10. ምእንቲ ኻልኦት ምጽላይ፡ ኣባና እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል፧

10 ምእንቲ ኻልኦት ምጽላይ፡ ንዓታቶም ዘሎና ኣረኣእያ ኪቕይሮ ይኽእል እዩ። ምእንቲ ሓደ ዘይንፈትዎ ሰብ ንጽሊ እንተ ዄንና፡ ንዕኡ ዘሎና ኣረኣእያ ምቕያሩ ዘይተርፍ እዩ። (1 ዮሃ. 4:20, 21) ከምዚ ዓይነት ጸሎት፡ ሃናጺ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ምስ ኣሕዋትና ሓድነት ከም ዚህልወና ይገብር። ብዘይካዚ፡ ከም ናይ ክርስቶስ ዝኣመሰለት ፍቕሪ ኸም ዘላትና ይሕብር። (ዮሃ. 13:34, 35) እታ ባህርይ እቲኣ፡ ክፍሊ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ እያ። እሞኸ የሆዋ ነቲ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝዀነ ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይኣኽለኒ ምባል ንኸነፍሪ ምእንቲ ኺሕግዘና፡ ብውልቅና ንጽሊ ዲና፧ (ሉቃ. 11:13፣ ገላ. 5:22, 23) ከምኡ እንተ ጌርና፡ ብመንፈስ ንመላለስን ንነብርን ከም ዘለና ብቓልን ብግብርን ከነርኢ ንኽእል።—ገላትያ 5:16, 25 ኣንብብ።

11. ካልኦት ኪጽልዩልና ምሕታት ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

11 ውሉዳትና ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ፈተና ኪቐድሑ ይፍተኑ ኸም ዘለዉ እንተ ፈሊጥና፡ ብሓቀኛነት ምእንቲ ኺመላለሱን ዋላ ሓንቲ ጌጋ ምእንቲ ኸይገብሩን፡ ክንጽልየሎምን ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓገዝ ክንህቦምን ኣሎና። ጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ ንዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ከቶ ኽፉእ ከይትገብሩ፡ ናብ ኣምላኽ ንልምን አሎና” በሎም። (2 ቈረ. 13:7) ከምዚ ዝኣመሰለ ብትሕትና ዚቐርብ ጸሎት፡ ንየሆዋ ባህ የብሎ፡ ብዛዕባና ድማ ጽቡቕ ይገልጽ። (ምሳሌ 15:8 ኣንብብ።) ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝገበሮ፡ ካልኦት ንኺጽልዩልና ኽንሓቶም ንኽእል ኢና። ንሱ፡ “ብዅሉ ደግነት ክንነብር እናደሌና፡ ሰናይ ሕሊና ኸም ዘሎና፡ ተረዲእናዮ አሎና እሞ፡ ጸልዩልና” ኢሉ ጸሓፈ።—እብ. 13:18

ጸሎትና ብዙሕ ይገልጽ

12. ኣብ ጸሎትና ኣገዳሲ ቦታ ኺህልዎ ዚግባእ እንታይ እዩ፧

12 ጸሎትና ሕጉሳትን ቀናኣትን መሰኻኽር የሆዋ ኸም ዝዀንና ድዩ ዚገልጽ፧ ልማኖና ብቐንዱ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ፡ ምስ ስብከት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ከምኡውን ምስ ምርግጋጽ ልዑላውነት የሆዋን ምቕዳስ ስሙን ዚሰማማዕ ድዩ፧ እታ፡ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ብዚብላ ቓላት እትጅምር የሱስ ዝሃበና ኣብነት እትዀነና ጸሎት ከም እትሕብሮ፡ እዚ ኣብ ጸሎትና ኣገዳሲ ቦታ ኺህልዎ ኣለዎ።—ማቴ. 6:9, 10

13, 14. ጸሎትና ብዛዕባና እንታይ ይገልጽ፧

13 ናብ ኣምላኽ እነቕርቦ ጸሎት፡ ብዛዕባ ድራኸናን ድሌትናን ባህግናን ይገልጽ እዩ። የሆዋ ውሽጣዊ መንነትና ይፈልጥ እዩ። ምሳሌ 17:3፡ “መምከኺ ንብሩር፡ እቶን ከኣ ንወርቂ እዩ፡ ንልቢ ዚፍትኖ ግና እግዚኣብሄር እዩ” ትብል። ኣምላኽ ንልብና ይርእዮ እዩ። (1 ሳሙ. 16:7) ብዛዕባ ኣኼባታትናን ኣገልግሎትናን መንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን እንታይ ከም ዚስምዓና ይፈልጥ እዩ። ብዛዕባ እቶም “ኣሕዋት” ክርስቶስ ከመይ ከም ዚስምዓና እውን ኣይስሕቶን እዩ። (ማቴ. 25:40) ነቲ እንጽልየሉ ነገር ናይ ብሓቂ ኽንረኽቦ ንደሊ እንተ ዄንና፡ ወይ ቃላት ጥራይ ንደጋግም እንተ ኣሊና፡ ይፈልጥ እዩ። የሱስ፡ “ክትጽልዩ ኸሎኹም ከኣ፡ ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኦም ዚስምዑ ይመስሎም እዩ እሞ፡ ከማታቶም ዘረባ ኣይተብዝሑ” በለ።—ማቴ. 6:7

14 ኣብ ጸሎትና እንጠቕሶ ነገራት እውን፡ ኣብ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ከም እንውከል ዜርኢ እዩ። ዳዊት፡ “ንስኻ [የሆዋ] መዕቈብየይ፡ ካብ ገጽ ጸላኢ ጽኑዕ ግምቢ ኢኻ እሞ፡ . . . ኣብ ድንኳንካ ንሓዋሩ ኽነብር እየ፡ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ኤዕቍብ አሎኹ” በለ። (መዝ. 61:3, 4) ኣምላኽ ብምሳልያዊ ዘረባ ‘ድንኳኑ ኣብ ልዕሌና ኺተክል’ ከሎ፡ ድሕንነትን ዕቝባን ኢና እንረክብ። (ራእ. 7:15) እምነትና ኣብ እትፍተነሉ እዋን፡ የሆዋ ‘ምሳና’ ኸም ዚኸውን ተኣማሚንና፡ ብጸሎት ናብኡ ኽንቀርብሲ ኽንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ!—መዝሙር 118:5-9 ኣንብብ።

15, 16. ጸሎት ብዛዕባ እቲ ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ንምስካም ዘሎና ባህጊ፡ እንታይ ንኸነስተውዕል ኪሕግዘና ይኽእል፧

15 ብዛዕባ ድራኸና ናብ የሆዋ ብቕንዕና እነቕርቦ ጸሎት፡ ንድራኸና ብልክዕ ንኽንፈልጦ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ጉባኤ ሓለውቲ ዄንና ንኸነገልግል ዘሎና ድሌት፡ ብሓቂዶ ኣብ ዕዮ ስብከት ኰነ ኣብ ጉባኤ ዚከኣለና ንምግባር ካብ ዘሎና ባህጊ ዝነቐለ እዩ፧ ወይስ “ኣውራ” ወይ ንሰባት ‘እንገዝእ’ ክንከውን ካብ ዘሎና ድሌት ዝነቐለ ኪኸውን ይኽእልዶ፧ ኣብ ህዝቢ የሆዋ ኸምኡ ኪኸውን ኣይግባእን። (3 ዮሃንስ 9, 10፣ ሉቃስ 22:24-27 ኣንብብ።) ግጉይ ባህግታት እንተ ኣልዩና፡ እቲ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ብቕንዕና እነቕርቦ ጸሎት፡ ነቲ ባህግታትና ኪቐልዖን ሱር ቅድሚ ምስዳዱ ንኽንምሕዎ ኺሕግዘናን ይኽእል እዩ።

16 ክርስትያን ኣንስቲ፡ ሰብኡተን ኣገልገልቲ ጉባኤ ወይ ሓለውቲ ዀይኖም ንኼገልግሉ ባህጊ ይህልወን ይኸውን። እዘን ኣሓት እዚኣተን፡ ምስቲ ኣብ ናይ ውልቂ ጸሎተን ዚገልጻኦ ተሰማሚዐን ብምምልላስ፡ ኣብነታዊ ጠባይ ይህልወን ይኸውን። ኣዘራርባን ኣኻይዳን ኣባላት ስድራ ቤት፡ ኣብቲ እቲ ሰብኣይ በታ ጉባኤ ዚረኣየሉ መገዲ ጽልዋ ስለ ዘለዎ፡ እዚ ኣገዳሲ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ንኻልኦት ወኪልካ ምጽላይ

17. ናብ ጽምዋ ኼድካ ብሕታዊ ጸሎት ምጽላይ ተበሃጊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

17 የሱስ ብሕት ኢሉ ናብ ኣቦኡ ምእንቲ ኺጽሊ፡ ብዙሕ ግዜ ናብ ጽምዋ ይኸይድ ነበረ። (ማቴ. 14:13፣ ሉቃ. 5:16፣ 6:12) ንሕና እውን ናብ ጽምዊ ቦታ ኸነግልስ ዜድልየና እዋን ኣሎ። ጸጥታ ኣብ ዝሰፈኖ ዅነታት ብህድኣት እንተ ጸሊና፡ ንየሆዋ ዜሐጕስ ውሳነታት ንምግባር ዘሎና ዕድል ይሰፍሕ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ድማ ንድልድል። ይኹን እምበር፡ የሱስ ኣብ ቅድሚ ሰባት እውን ጸልዩ እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ቅድሚ ሰባት ከመይ ጌርና ብዚግባእ ክንጽሊ ኸም እንኽእል ክንሓስበሉ ኣሎና።

18. ኣሕዋት ንጉባኤ ወኪሎም ህዝባዊ ጸሎት ኬቕርቡ ኸለዉ፡ እንታይ ነጥብታት እዮም ኺዝክሩ ዘለዎም፧

18 ኣብ ኣኼባታትና፡ እሙናት ሰብኡት ንጉባኤ ወኪሎም ኣብ ቅድሚ ሰባት ይጽልዩ እዮም። (1 ጢሞ. 2:8) ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት፡ ኣብ መወዳእታ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት፡ “ኣሜን፡” ማለት “ይኹን” ኪብሉ ኪኽእሉ ኣለዎም። ከምኡ ንኺብሉ ግን፡ ነቲ እተባህለ ኺሰማምዑሉ ኣለዎም። ኣብታ የሱስ ዝሃበና ኣብነት እትዀነና ጸሎት፡ ዜሰምብድ ወይ ስጊንጥር ቃላት የለን። (ሉቃ. 11:2-4) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ንዅሉ እቲ ኣብኡ ንዝነበሩ ሰባት ዜድልዮም ነገራት ኰነ ዜጋጥሞም ጸገማት ብዝርዝር ኣይጠቐሶን። ብብሕቲ ዜተሓሳስበና ነገራት፡ ኣብ ብሕታዊ ጸሎት ደኣ እምበር፡ ኣብ ህዝባዊ ጸሎት ኪጥቀስ ኣይግባእን። ንሓደ ጕጅለ ወኪልና ኽንጽሊ ኸለና ኸኣ፡ ምስጢራዊ ነገራት ካብ ምጥቃስ ክንቍጠብ ኣሎና።

19. ህዝባዊ ጸሎት ኣብ ዚቐርበሉ እዋን፡ ተግባራትና ኸመይ ኪኸውን ይግባእ፧

19 ካልእ ሰብ ንዓና ወኪሉ ህዝባዊ ጸሎት ኬቕርብ ከሎ፡ ‘ፍርሃት ኣምላኽ’ ከነርኢ ኣሎና። (1 ጴጥ. 2:17) ገሊኡ ተግባራት ኣብ ግዜኡን ኣብ ቦታኡን ግቡእ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ዘይግቡእ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (መክ. 3:1) ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ፡ ኵሎም እቶም ዚጽልዩ ሰባት ኪተሓሓዙ ይደሊ ይኸውን። እዚ ንገሊኦም ሰባት፡ ብፍላይ ከኣ ነቶም ከም ናትና እምነት ዘይብሎም በጻሕቲ ቕር ኪብሎም ወይ ኣቓልቦኦም ኪወስዶ ይኽእል እዩ። ገሊኦም ሰብ ሓዳር ብጥበብ ኢድ ንኢድ ኪተሓሓዙ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብ ህዝባዊ ጸሎት እንተ ተሓቛቚፎም ግን፡ እቶም ነዚ ዚርእዩ ሰባት ኪዕንቀፉ ይኽእሉ እዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ እቶም ሰብ ሓዳር ንየሆዋ ኸም ዜኽብሩ ዘይኰነስ፡ ኣብ ፍቕራዊ ርክቦም ከም ዜተኵሩ ገይሮም ኪሓስቡ ወይ ኪመስሎም ይኽእል እዩ። እምበኣር፡ ካብቲ ንኣምላኽ ዘሎና ዓሚቝ ኣኽብሮት ተላዒልና፡ ‘ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ንግበሮ፡’ ንኻልኦት ኣቓልቦኦም ኪሰርቕ፡ ኬሰምብዶም፡ ወይ ኪዕንቅፎም ዚኽእል ነገር ድማ ኣይንግበር።—1 ቈረ. 10:31, 32፣ 2 ቈረ. 6:3

ብዛዕባ እንታይ ክንጽሊ ኣሎና፧

20. ንሮሜ 8:26, 27 ብኸመይ ትገልጻ፧

20 ሓድሓደ ግዜ፡ ብብሕቲ ኣብ እንጽልዮ ጸሎት እንታይ ከም እንብል ኣይንፈልጥን ንኸውን። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ኸም ዚግብኣና፡ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ስለዚ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዚልምነልና። እቲ ልቢ ዚምርምር [ኣምላኽ]፡ . . . ነቲ ሓሳብ መንፈስውን እንታይ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ።” (ሮሜ 8:26, 27) የሆዋ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ብዙሕ ጸሎት ከም ዚምዝገብ ገይሩ እዩ። ነቲ መንፈስ ኣብ ዝነፈሶ ቓሉ ዚርከብ ጸሎትን ልማኖን ከም ናትና ገይሩ ብምቕባል፡ እንደልዮ የማልኣልና። ኣምላኽ ንዓና ይፈልጠና እዩ፡ ነቲ እቲ መንፈስ ብጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ እተዛረቦ ነገራት እውን ይፈልጦ እዩ። እቲ መንፈስ ምስ “ዚልምነልና” ወይ ዜማልደልና፡ የሆዋ ንልማኖና ይምልሰልና እዩ። ንቓል ኣምላኽ ኣጸቢቕና እናፈለጥናዮ ምስ ከድና ግን፡ ብዛዕባ እንታይ ከም እንጽሊ ብቐሊሉ ናብ ኣእምሮና ኺመጸልና ይኽእል እዩ።

21. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

21 ክሳዕ ሕጂ ኸም ዝረኣናዮ፡ ጸሎትና ብዛዕባና ብዙሕ ይገልጽ እዩ። ንኣብነት፡ ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝቐረብናዮን ቃሉ ኽሳዕ ክንደይ ከም እንፈልጦን ኪገልጽ ይኽእል እዩ። (ያእ. 4:8) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ገሊኡ ጸሎትን ምስኡ ዚዛመድ ቃላትን ክንምርምር ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተመርኲስና እንገብሮ ምርምር፡ ኣብቲ ናብ ኣምላኽ እንጽልዮ ጸሎት እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል፧

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ንየሆዋ ብጸሎት ክንቀርቦ ኸለና፡ እንታይ ባህርይ ኪህልወና ኣለዎ፧

• ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኽንጽልየሎም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ጸሎትና ብዛዕባናን ብዛዕባ ድራኸናን እንታይ ኪገልጽ ይኽእል፧

• ህዝባዊ ጸሎት ኣብ ዚቐርበሉ እዋን፡ ተግባራትና ኸመይ ኪኸውን ይግባእ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ኣዘውቲርካ ንየሆዋ ትውድሶን ተመስግኖን ዲኻ፧

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ህዝባዊ ጸሎት ዚርአ ተግባራትና፡ ወትሩ ንየሆዋ ዜኽብሮ ኪኸውን ይግባእ