ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፍቕሪ ሕውነትና ነዕቢ

ፍቕሪ ሕውነትና ነዕቢ

ፍቕሪ ሕውነትና ነዕቢ

“ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረኩም፡ . . . ከምኡ ብፍቕሪ ተመላለሱ።”—ኤፌ. 5:2

1. የሱስ ነየናይ ኣገዳሲ መለለዪ ሰዓብቱ እዩ ዝጠቐሰ፧

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ቤት ናብ ቤት ብምስባኽ ይልለዩ እዮም። ይኹን እምበር፡ ክርስቶስ የሱስ ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ዚልለዩሉ መገዲ ንምግላጽ ካልእ መዳይ ክርስትና መረጸ። “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ። ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ።—ዮሃ. 13:34, 35

2, 3. ፍቕሪ ሕውነትና ኣብቶም ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና ዝመጹ ሰባት እንታይ ጽልዋ እዩ ዘለዎ፧

2 ኣብዚ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ፡ ከምቲ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዘለዎም ዓይነት ፍቕሪ ሕውነት ኣይርከብን እዩ። ልክዕ ከምቲ ማግነት ንሓጺን ዚስሕቦ፡ ፍቕሪ እውን ኣገልገልቲ የሆዋ ሓድነት ከም ዚህልዎምን ቅኑዓት ሰባት ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸም ዚሰሓቡን ትገብር እያ። ንኣብነት፡ ነቲ እናሰርሐ ኸሎ ዓይኑ ዝዓወረ ኣብ ካመሩን ዚነብር ማርሰሊኖ እስከ ንውሰድ። ድሕሪ እቲ ሓደጋ፡ ጠንቋሊ ስለ ዝዀነ እዩ ዓይኑ ዓዊሩ ዚብል ወረ ተነዝሐ። እቲ ፓስተር ይትረፍዶ ኼጸናንዖስ፡ ምስ ካልኦት ኣባላት እታ ቤተ-ክርስትያን ኰይኑ ኣባረሮ። ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ንማርሰሊኖ ናብ ኣኼባ ኺመጽእ ምስ ዓደሞ፡ ዝኸፍአ ምብራር ከየጋጥሞ ስለ ዝፈርሀ፡ ሰጋእ መጋእ በለ።

3 ማርሰሊኖ በቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞ ዅነታት ኣዝዩ ተደነቐ። እቶም ኣሕዋት ብጽቡቕ ተቐበልዎ፡ ካብቲ ዝሰምዖ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ምጽንናዕ ረኸበ። ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ጉባኤ ኺካፈል ጀመረ፣ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዕቤት ብምግባር ከኣ ብ2006 ተጠምቀ። ሕጂ ንስድራ ቤቱን ንጐረባብቱን ነታ ሓቂ የካፍሎም ኣሎ፡ ሓያሎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ይመርሕ ኣሎ። እቶም ምስኡ መጽሓፍ ቅዱስ ዜጽንዑ ሰባት ልክዕ ከምቲ ንሱ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ዝረኸቦ ዓይነት ፍቕሪ ኺረኽቡ እዩ ዚደልዮም።

4. ነቲ ጳውሎስ “ብፍቕሪ ተመላለሱ” ኢሉ ዝሃቦ ምዕዶ ኽንእዘዞ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

4 ፍቕሪ ሕውነትና ሰሓቢ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣፍኲስካ ኺርአ የብሉን። ብዛዕባ ሓደ ዚነድድ ዘሎ መጋርያ እሞ ሕሰብ፣ ሰባት ናብቲ ምዉቕ ሃልሃልታኡ ይሰሓቡ እዮም። ኰይኑ ግን፡ ዕንጨይቲ እንተ ዘይወሲኾምሉ፡ ይጠፍእ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ነቲ ኣብታ ጉባኤ ዘሎ ዜደንቕ ማእሰር ፍቕሪ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ እንተ ዘየደልዲልናዮ፡ ኪዳኸም ይኽእል እዩ። ብኸመይ ኢና ግን ከነደልድሎ እንኽእል፧ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረኩም፡ ነፍሱውን መባእን መስዋእትን ገይሩ ንኣምላኽ ንምዑዝ ጨና በጃና ዘሕለፈ፡ ከምኡ ብፍቕሪ ተመላለሱ” ኢሉ መልሲ ሂቡና ኣሎ። (ኤፌ. 5:2) ስለዚ እምበኣር፡ ‘ብኸመይ እየ ብፍቕሪ ኽመላለስ ዝኽእል፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ኣሎና።

“ንስኻትኩምውን ልብኹም ኣግፍሑ”

5, 6. ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ‘ልቦም ኬግፍሑ’ እተማሕጸኖም ስለምንታይ እዩ፧

5 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ጥንታዊት ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ኣቱም ሰብ ቈረንቶስ፡ ኣፍና ንኣኻትኩም ክፉት እዩ፡ ልብናውን ገፍሔ። ኣብ ልብኹም ደኣ እዩ ዝጸበኩም እምበር፡ ኣባናስ ኣይጸበኩምን እዩ። ግናኸ ውሬታ ኽትመልሱ፡—ከም ንውሉደይ ዝዛረብ ኰይነ እዛረብ አሎኹ፡—ንስኻትኩምውን ልብኹም ኣግፍሑ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (2 ቈረ. 6:11-13) ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ብፍቕሪ ዝመጸ ልቦም ኬግፍሑ እተማሕጸኖም ስለምንታይ እዩ፧

6 እታ ኣብ ጥንታዊት ቈረንቶስ ዝነበረት ጉባኤ ብኸመይ ከም እተመስረተት እስከ ንርአ። ኣብ ከባቢ መወዳእታ 50 ድ.ክ. ጳውሎስ ናብ ቈረንቶስ መጸ። ስብከቱ ኺጅምር ከሎ ምጽራር እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ተስፋ ግን ኣይቈረጸን። ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን፡ ብዙሓት ነበርቲ እታ ኸተማ ኣብቲ ብስራት እምነት ኣሕደሩ። ጳውሎስ እናመሃረን ነታ ጉባኤ እናበራትዐን “ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን” ኣብኡ ተቐመጠ። ብንጹር እምበኣር፡ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣዝዩ የፍቅሮም ነበረ። (ግብ. 18:5, 6, 9-11) ንሳቶም እውን ንዕኡ ዜፍቅሩሉን ዜኽብሩሉን ብቑዕ ምኽንያት ነበሮም። ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ኣባላት እታ ጉባኤ ነቲ ምስኡ ዝነበሮም ርክብ ኣቋረጽዎ። ምናልባት ገለ ኻብዚኣቶም ነቲ ቐጥታዊ ምኽሩ ኣይፈተዉዎን ይዀኑ። (1 ቈረ. 5:1-5፣ 6:1-10) ካልኦት ከኣ ነቲ “ኣዝዮም ብሉጻት ሃዋርያት” ዚዛረብዎ ዝነበሩ ጸለመ ሰሚዖም ይዀኑ። (2 ቈረ. 11:5, 6) ጳውሎስ ግን ኣሕዋቱን ኣሓቱን ካብ ልቢ ኼፍቅርዎ እዩ ዚደሊ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ናብኡን ናብ ካልኦት ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶምን ብምቕራብ ‘ልቦም ኬግፍሑ’ ተማሕጸኖም።

7. ፍቕሪ ሕውነት ብምርኣይ ዝመጸ ‘ልብና ኸነግፍሕ’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

7 ንሕናኸ ፍቕሪ ሕውነት ብምርኣይ ዝመጸ ‘ልብና ኸነግፍሕ’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ተመሳሳሊ ዕድመ ወይ ዓሌታዊ መበቈል ዘለዎም ሰባት ንሓድሕዶም ይቀራረቡ እዮም። እቶም ተመሳሳሊ ዓይነት መዘናግዒ ዚመርጹ ሰባት እውን ሓቢሮም ብዙሕ ግዜ የሕልፉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ምስ ገሊኦም ክርስትያናት ዜቀራርበና ነገራት ካብ ካልኦት ዜርሕቐና እንተ ዀይኑ፡ ‘ልብና ኸነግፍሕ’ ኣሎና። ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ንርእስና ምሕታትና ጥበባዊ እዩ፦ ‘ሓድሓደ ግዜ ኻብቶም ዝቐርቦም ሰባት ወጻኢ ምስ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ኣገልግሎትን ማሕበራዊ ንጥፈታትን እካፈል ድየ፧ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ነቶም ሓደስቲ ሰባት ተበግሶ ወሲደ ባዕለይ እቐርቦም ድየ ወይስ ንሳቶም ክሳዕ ዝቐርቡኒ እየ ዝጽበ፧ ኣብታ ጉባኤ ንዘለዉ ዓበይትን ንኣሽቱን ሰላም እብሎም ድየ፧’

8, 9. እቲ ኣብ ሮሜ 15:7 ዚርከብ ምኽሪ ጳውሎስ፡ ንፍቕሪ ሕውነትና ኼደልድል ብዚኽእል መገዲ ሰላም ንኽንበሃሃል ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

8 ንሓድሕድና ሰላም ብምባል ዝመጸ፡ እቲ ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ እተዛረቦ ዘረባ፡ ብዛዕባ እቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ግቡእ ኣረኣእያ ንኽንሕዝ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (ሮሜ 15:7 ኣንብብ።) እታ ኣብዚ “ተቓባበሉ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል፡ “ብሕያውነት ወይ ብእንግዶት ናብ ሕብረተሰብካ ወይ ምሕዝነትካ ምቕባል” ማለት እያ። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ተቐባሊ ጋሻ ዝዀነ ሰብ፡ ፈተውቱ ናብ ቤቱ ኺመጹ ኸለዉ፡ ምስኦም ብምርኻቡ ኣዝዩ ኸም እተሓጐሰ ይገልጸሎም እዩ። ክርስቶስ እውን ብምሳልያዊ መገዲ ኸምኡ ገይሩ እዩ ተቐቢሉና፣ ንሕና እውን ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኸምኡ ጌርና ንኽንቅበሎም ምሕጽንታ ተዋሂቡና ኣሎ።

9 ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣብ ካልእ ቦታታት ንኣሕዋትና ሰላም ክንብል ከለና፡ ነቶም ኣብ ቀረባ ግዜ ዘይረኸብናዮም ወይ ዘየዕለልናዮም ከነተኵረሎም ንኽእል ኢና። ሒደት ደቓይቕ ወሲድና ኸነዕልሎም ጽቡቕ እዩ። ኣብ ዚቕጽል ኣኼባ ኸኣ ምስ ካልኦት ኣሕዋት ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ዳርጋ ምስ ኵሎም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ባህ ዜብል ዕላል ንገብር። ንዅሎም ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ኸነዘራርቦም እንተ ዘይክኢልና ኽንጭነቕ የብልናን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ንዅሎም ሰላም ክንብሎም እንተ ዘይክኢልና፡ እቲ ሰላም ዘይተባህለ ሰብ ኪዅሪ የብሉን።

10. ንዅሎም እቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ እንታይ ክቡር ኣጋጣሚ እዩ ተኸፊቱሎም ዘሎ፧ ነዚኸ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀመሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

10 ንኻልኦት ክንቅበል ከለና እንወስዶ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ፡ ሰላም ምባል እዩ። እዚ ኸኣ ዜሐጕስ ምይይጥ ናብ ምግባርን ነባሪ ዕርክነት ናብ ምምስራትን ይመርሕ። ንኣብነት፡ እቶም ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ዚካፈሉ ሰባት ምስ ካልኦት ብምልላይ ዝርርብ ምስ ዚጅምሩ፡ እንደገና ዚራኸቡሉ ግዜ ብሃንቀውታ ይጽበዩ እዮም። እቶም ኣብ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብወለንታ ዚዓዩን ኣብ ዕዮ ረድኤት ዚካፈሉን ሰባት፡ ንሓድሕዶም ክተሓጋገዙ ኸለዉ ሓደ ናይቲ ሓደ ሰናይ ባህርያት ስለ ዚፈልጦ መብዛሕትኡ ግዜ ጽቡቕ ዕርክነት እዮም ዚምስርቱ። ኣብ ውድብ የሆዋ ነባሪ ዕርክነት ክንምስርተሉ እንኽእል ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎ። ‘ልብና ምስ እነግፍሕ’ ብዙሓት ኣዕሩኽ ይህልዉና፡ እዚ ድማ ነታ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ እተሕብረና ፍቕሪ ሃልሃል የብላ።

ተቐረብቲ ንኹን

11. ከምቲ ኣብ ማርቆስ 10:13-16 ተገሊጹ ዘሎ፡ የሱስ ከመይ ዝበለ ኣብነት እዩ ዝሓደገ፧

11 ኵሎም ክርስትያናት ልክዕ ከም የሱስ ተቐረብቲ ንኪዀኑ ጻዕሪ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም። ወለዲ ንደቆም ናብ የሱስ ኬምጽእዎም ከለዉ፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምስ ከልከልዎም፡ ንሱ እንታይ ምላሽ ከም ዝሃበ እስከ ንርአ። “ሕደግዎም፡ ቈልዑ ናባይ ይምጽኡ። መንግስቲ ኣምላኽ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ኣይትኽልእዎም” በለ። ድሕሪኡ፡ “ሐቚፉ ኢዱ ኣንቢሩሎም ባረኾም።” (ማር. 10:13-16) እቲ ዓብዪ መምህር ነቶም ቈልዑ ኸምዚ ዝኣመሰለ ፍቕራዊ ቘላሕታ ምስ ገበረሎም፡ ክሳዕ ክንደይ ተሓጒሶም ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ እሞ ገምቶ!

12. ምስ ካልኦት ንኸይንዘራረብ ዕንቅፋት ኪዀነና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

12 ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን፡ ‘ምስ ካልኦት ሰባት ግዜ አሕልፍ ድየ ወይስ ኵሉ ሳዕ ግዜ ኸም ዘይብለይ እየ ዘምስል፧’ ኢሉ ንርእሱ ኺሓትት ኣለዎ። ገሊኡ ጌጋ ዘይኰነ ልማዳት፡ ሓድሓደ ግዜ ንዝርርብ ዕንቅፋት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ሰባት ብተደጋጋሚ ሞባይል ተሌፎን ንጥቀም ወይ ኣብ እዝንና መስምዒ ወቲፍና ንሰምዕ እንተ ዄንና፡ ምስኦም ክንሓብር ከም ዘይንደሊ ኼምስል ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ መብዛሕትኡ እዋን ካብ ኢድ ዘይትፍለ ኮምፕዩተር ክንጠዋውቕ ጥራይ ዚርእዩና እንተ ዀይኖም፡ ምስኦም ክንዘራረብ ከም ዘይንደሊ ገይሮም ኪድምድሙ ይኽእሉ እዮም። ሓቂ እዩ፡ “ስቕ ንምባል ጊዜ አለዎ።” ምስ ካልኦት ሰባት ክንከውን ከለና ግን፡ መብዛሕትኡ እዋን ‘እንዛረበሉ ግዜ እዩ።’ (መክ. 3:7) ገሊኦም ሰባት፡ “ስቕ ክብል እየ ዝደሊ” ወይ ከኣ “ንግሆ ምዝራብ ኣይብርሃንን እዩ” ይብሉ ይዀኑ። ኰይኑ ግን፡ ክንዛረብ ኣብ ዘይንደልየሉ እዋን እውን እንተ ዀነ ምስ ካልኦት ባህ ብዜብል መገዲ ንዘራረብ እንተ ዄንና፡ “ንዓይ ይጥዓመኒ” ብዚብል ዘይትምራሕ ፍቕሪ ኸም ዘላትና ኢና እነርኢ።—1 ቈረ. 13:5 ትርጕም 1990።

13. ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ንክርስትያን ኣሕዋቱን ኣሓቱን ብኸመይ ኪርእዮም እዩ ኣተባቢዕዎ፧

13 ጳውሎስ ነቲ መንእሰይ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ንዅሎም ኣባላት እታ ጉባኤ ኬኽብር ኣተባብዖ። (1 ጢሞቴዎስ 5:1, 2 ኣንብብ።) ንሕና እውን ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት ልክዕ ከም ኣቦናን ኣዴናን፡ ነቶም መንእሰያት ከኣ ከም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ጌርና ኽንርእዮም ኣሎና። ከምኡ ዓይነት ኣረኣእያ እንተ ኣልዩና፡ እቶም ፈቃራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከም ዘይተቐረብቲ ገይሮም ኣይኪርእዩናን እዮም።

14. ገለ ኻብቲ ምስ ካልኦት ሰባት ዚሃንጽ ዝርርብ ብምግባር ዚርከብ ጥቕሚ እንታይ እዩ፧

14 ምስ ካልኦት ሰባት ዚሃንጽ ዝርርብ ክንገብር ከለና፡ ብመንፈሳዊ ይኹን ብስምዒታዊ መገዲ ንጠቕሞም ኢና። ሓደ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዚዓዪ ሓው፡ መጀመርታ ኣብ ቤትኤል ኣብ ዝኣተወሉ እዋናት፡ ሓያሎ ብዕድመ ዝደፍኡ ቕድሚኡ ዝነበሩ ቤትኤላውያን ወትሩ ግዜ ወሲዶም የተባብዕዎ ኸም ዝነበሩ ይዝክር። እቲ ዜተባብዕ ቃላቶም፡ ስድራ ቤትኤል ንዕኡ ኣኽቢሮም ዚርእይዎ ዀይኑ ኸም ዚስምዖ ገበረ። ንሱ እውን ምስቶም ቤትኤላውያን ዝዀኑ ብጾቱ ብምዝርራብ ኪመስሎም ይጽዕር እዩ።

ትሕትና፡ ገበርቲ ሰላም ክንከውን ትሕግዘና

15. ዘይምስምማዕ ኬጋጥም ከም ዚኽእል ዜርኢ እንታይ ኣብነታት ኣሎ፧

15 ኣብ ጥንታዊት ፊልጲ ዚነብራ ዝነበራ ኤዎድያን ስንጥኬን ዝበሃላ ኽልተ ክርስትያን ኣሓት፡ ነቲ ኣብ መንጎአን ዘጋጠመ ጸገም ምፍታሕ ኣጸጊምወን ዝነበረ እዩ ዚመስል። (ፊል. 4:2, 3) ኣብ መንጎ ጳውሎስን በርናባስን ዘጋጠመ ቘየቛ እውን ኵሉ ሰብ ፈለጦ፡ ንእተወሰነ ግዜ ኸኣ ተፈላለዩ። (ግብ. 15:37-39) እዚ ጸብጻባት እዚ፡ ኣብ መንጎ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ እውን ዘይምስምማዕ ኬጋጥም ከም ዚኽእል ዜርኢ እዩ። የሆዋ ነቲ ዘጋጠመ ባእሲ ኽንፈትሖን ንዕርክነትና ናብቲ ዝነበሮ ኽንመልሶን ይሕግዘና እኳ እንተ ዀነ፡ ሓደ ኸነማልኦ ዚደልየና ብቕዓት ግን ኣሎ።

16, 17. (ሀ) ኣብ መንጎ ኽልተ ሰባት ዘሎ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ትሕትና ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲት እያ፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ ያእቆብ ንኤሳው ዝቐረበሉ መገዲ ዚገልጽ ጸብጻብ ንጥቕሚ ትሕትና ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

16 ንስኻን ዓርክኻን ብማኪና ኽትጐዓዙ መዲብኩም ኣለኹም ንበል። ጕዕዞ ቕድሚ ምጅማርካ መፍትሕ ኣእቲኻ ሞተር ከተልዕል ኣሎካ። ኣብ መንጎ ኽልተ ሰባት ዘሎ ዘይምርዳእ ንኺፍታሕ እውን መፍትሕ ተድሊ እያ። እዛ መፍትሕ እዚኣ ድማ ትሕትና እያ። (ያእቆብ 4:10 ኣንብብ።) እዚ ስዒቡ ዘሎ ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣብነት ከም ዚሕብሮ፡ እዛ መፍትሕ እዚኣ ነቶም እተባእሱ ሰባት ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ንኼውዕሉ ትሕግዞም እያ።

17 ኤሳው ነቲ ማንታኡ ዝነበረ ያእቆብ ሓዉ ብዅርናኡ ኻብ ዚሸጠሉ ዕስራ ዓመት ሓሊፉ ነበረ፣ ብዅርናኡ ስለ እተወስዶ ኣዝዩ ብምሕራቑ ድማ ኪቐትሎ ደለየ። እዚ ኻብ ዚኸውን ሓያሎ ዓመታት ጸኒሑ እቶም ማንታ እንደገና ኺራኸቡ ደለዩ፡ “ሽዑ ያእቆብ ኣዝዩ ፈርሄ ተጨነቐውን።” እወ፡ ካብ ኤሳው መጥቃዕቲ ኸይወርዶ ሰግአ። ምስ ተራኸቡ ግን፡ ያእቆብ፡ ኤሳው ዘይተጸበዮ ነገር ብምግባር ኣብ ቅድሚ ሓዉ “ናብ ምድሪ ሰገደ።” ስዒቡ እንታይ ኣጋጠመ፧ “ኤሳው ከኣ ኪቕበሎ ጐየየ፡ ሐቘፎ፡ ኣብ ክሳዱ ወዲቑ ኸኣ ሰዐሞ፡ በኸዩ ድማ።” በዚ ኸምዚ፡ እቲ ኣንጸላልዩ ዝነበረ ሓደጋ ጠፍአ። እታ ያእቆብ ዘርኣያ ትሕትና፡ ነቲ ኤሳው ኣሕዲርዎ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል ጽልኢ ሰዓረቶ።—ዘፍ. 27:41፣ 32:3-8፣ 33:3, 4

18, 19. (ሀ) ዘይምርድዳእ ኬጋጥም ከሎ ተበግሶ ወሲድና ንቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ብጻይና ኣብ ፈለማ ኣወንታዊ ምላሽ እንተ ዘይሂቡ ተስፋ ኽንቈርጽ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

18 መጽሓፍ ቅዱስ ንጸገማት ብኸመይ ክንፈትሖ ኸም እንኽእል ዚገልጽ ብሉጽ ምኽሪ ሒዙ ኣሎ። (ማቴ. 5:23, 24፣ 18:15-17፣ ኤፌ. 4:26, 27) * ነዚ ምኽሪ እዚ ብትሕትና ኣብ ግብሪ እንተ ዘየውዒልናዮ ግን ገበርቲ ሰላም ክንከውን ኬጸግመና እዩ። ንሕና እውን ነታ መፍትሕ ኣብ ኢድና ሒዝና ኸነብቅዕ፡ ብጻይና ትሕትና ኼርኢ ንጽበዮ እንተ ዄንና፡ እዚ መፍትሒ ኣይከውንን እዩ።

19 እቲ ገበርቲ ሰላም ንምዃን እንገብሮ ጻዕሪ ኣብ ፈለማ እንተ ዘይተዓዊቱ፡ ተስፋ ኽንቈርጽ የብልናን። እቲ ብጻይና ዅነታቱ ኼተዓራሪ ግዜ የድልዮ ይኸውን። ንዮሴፍ ኣሕዋቱ ኸዲዖምዎ እዮም። ድሕሪ ብዙሕ ግዜ ምስ ተራኸቡ ድማ ናይ ግብጺ ቐዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ጸንሖም። ኣብ መወዳእታ ግን ልቦም ስለ እተቐየረ፡ ይቕረታ ኺገብረሎም ሓተቱ። ዮሴፍ ይቕረ በለሎም፣ ደቂ ያእቆብ ከኣ ከም ህዝቢ መጠን ስም የሆዋ ናይ ምጻር ፍሉይ መሰል ረኸቡ። (ዘፍ. 50:15-21) ንሕና እውን ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘሎና ሰላም ብምዕቃብ፡ ኣብ ሓድነትን ሓጐስን እታ ጉባኤ ኣበርክቶ ኽንገብር ንኽእል ኢና።—ቈሎሴ 3:12-14 ኣንብብ።

“ብግብርን ብሓቅን” ንፋቐር

20, 21. የሱስ ንኣእጋር ሃዋርያቱ ምሕጻቡ እንታይ ትምህርቲ እዩ ዚምህረና፧

20 የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ ንሃዋርያቱ፡ “ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ” በሎም። (ዮሃ. 13:15) ኣእጋር እቶም 12 ሓጺቡ ምስ ወድአ እዩ ኸምዚ ኢሉ ተዛሪቡ። የሱስ ሓደ ልምዲ ኬቕውም ኢሉ ወይ ሕያውነት ኬርኢ ስለ ዝደለየ ኣይኰነን ኣእጋሮም ሓጺብዎም። ዮሃንስ ብዛዕባ እቲ ምሕጻብ ኣእጋር ዚገልጽ ጸብጻብ ቅድሚ ምዝንታዉ፡ “የሱስ፡ . . . ነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ ኽሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም” ኢሉ ጸሓፈ። (ዮሃ. 13:1) የሱስ ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብባርያ ዚግበር ዕዮ ኺገብር ዝኸኣለ፡ በታ ንደቀ መዛሙርቱ ዝነበረቶ ፍቕሪ ስለ እተደረኸ እዩ። ንሳቶም እውን ኣብ ንሓድሕዶም ብትሕትና ኻብ ፍቕሪ ዝመንጨወ ተግባራት ኪገብሩ ነበሮም። እወ፡ እቲ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ሕውነት ንዅሎም ክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንኽንሓልየሎምን ንኽንግደሰሎምን ኪድርኸና ኣለዎ።

21 እቲ ኣእጋሩ ብወዲ ኣምላኽ እተሓጽበ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ንትርጕም እቲ የሱስ ዝገበሮ ነገር ተረዲእዎ ነበረ። “ንሓቂ እናተአዘዝኩምዋ፡ ግብዝና ንዜብላ ፍቕሪ ኣሕዋት ንነፍስኹም ኣጽርዩ፡ ብንጹህ ልቢ ንሓድሕድኩም ብሓቂ ተፋቐሩ” ኢሉ ድማ ጸሓፈ። (1 ጴጥ. 1:22) እቲ ኣእጋሩ ብጐይታ እተሓጽበ ሃዋርያ ዮሃንስ እውን፡ “ኣቱም ደቀየ፡ ብግብርን ብሓቅን እምበር፡ ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃ. 3:18) ስለዚ እምበኣር፡ ንፍቕሪ ሕውነትና ብተግባር ነርኢ።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 18 ኣብታ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 144-150 ርአ።

ትዝክሮዶ፧

• ኣብ ንሓድሕድና ፍቕሪ ብምርኣይ ዝመጸ ‘ልብና ኸነግፍሕ’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ተቐረብቲ ንኽንከውን እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

• ገበርቲ ሰላም ንኽንከውን ትሕትና እንታይ ግደ ኣለዋ፧

• ነቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ንኽንሓልየሎም ኪድርኸና ዘለዎ እንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ነቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትካ ሓንጐፋይ ኢልካ ተቐበሎም

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ተቐራቢ ንምዃን ኣጋጣሚታት ኣናዲ