ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ናብታ ዓባይ ቀያሕ ደሴት በጺሑ

መጽሓፍ ቅዱስ ናብታ ዓባይ ቀያሕ ደሴት በጺሑ

መጽሓፍ ቅዱስ ናብታ ዓባይ ቀያሕ ደሴት በጺሑ

እታ ኻብ ገምገም ኣፍሪቃ ብደቡባዊ ምብራቕ 400 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ማዳጋስካር፡ ኣብ ዓለም ብዕቤታ ብራብዓይ ደረጃ እትስራዕ ደሴት እያ። ልዕሊ 170 ዓመት ይገብር፡ ስም ኣምላኽ ዝሓዘ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ማላጋሲ ስለ እተዳለወ፡ ህዝቢ ማላጋሲ ንስም የሆዋ ኣጸቢቑ ኻብ ዚፈልጥ ነዊሕ ገይሩ እዩ። ታሪኽ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ማላጋሲ፡ ጽንዓትን ተወፋይነትን ተንጸባሪቑሉ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ማላጋሲ ንምትርጓም እተገብረ ጻዕሪ፡ ፈለማ ኣብታ ኣብ ጥቓ ማዳጋስካር እትርከብ ደሴት ማውሪሽየስ እዩ ተጀሚሩ። ብ1813፡ ብሪጣንያዊ ኣመሓዳሪ ማውሪሽየስ ዝነበረ ሰር ሮበርት ፋርክወር፡ ወንጌላት ናብ ማላጋሲ ናይ ምትርጓም ዕዮ ኣጀሚሩ ነይሩ። ጸኒሑ ነቲ ንጉስ ማዳጋስካር ዝነበረ ራዳማ ቐዳማይ፡ ካብ ማሕበር ሚስዮን ለንደን ናብታ ዓባይ ቀያሕ ደሴት ተባሂላ እትጽዋዕ ዝነበረት ማዳጋስካር መምህራን ኪዕድም ኣተባብዖ።

ብ18 ነሓሰ 1818፡ ዴቪድ ጆንስን ቶማስ በቫንን ዚበሃሉ ክልተ ዌልሳውያን ካብ ማውሪሽየስ ናብ ወደባዊት ከተማ ቶኣማሲንያ በጽሑ። ኣብኡ ኸኣ ኣምልኾ ኣቦሓጎታትን ብቓል ዚመሓላለፍ ያታን ዜዘውትር ሃይማኖተኛ ሕብረተሰብ ጸንሖም። ህዝቢ ማላጋሲ ብቐዳምነት ማላዮ-ፖሊነዥያዊ ዝመበቈሉ ዜደንቕ ቋንቋ እዩ ዚዛረብ።

ጆንስን በቫንን ንእሽቶ ቤት ትምህርቲ ምስ ከፈቱ፡ ንኣንስቶምን ንደቆምን ካብ ማውሪሽየስ ናብ ቶኣማሲንያ ኣምጽኡ። እቲ ዜሕዝን ግን፡ ኵሎም ዓሶ ሓመሙ፣ ኣብ ታሕሳስ 1818 ከኣ፡ ሰበይቲ ጆንስን ጓሉን ሞታ። ድሕሪ ኽልተ ወርሒ ድማ፡ ስድራ ቤት በቫን ሃለቑ። ዴቪድ ጆንስ በይኑ ተረፈ።

ጆንስ በቲ ሓዘን ንድሕሪት ኣይተመልሰን። ቃል ኣምላኽ ንህዝቢ ማዳጋስካር ንምድላው ቈሪጹ ነበረ። ክሳዕ ዚሕሾ ናብ ማውሪሽየስ ተመሊሱ ድሕሪ ምጽናሑ፡ ቋንቋ ማላጋሲ ንኺመሃር ጻዕሪ ኺገብር ጀመረ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ወንጌል ዮሃንስ ንምትርጓም ኣፈናዊ ዕዮ ጀመረ።

ኣብ ጥቅምቲ 1820፡ ጆንስ ናብ ማዳጋስካር ተመልሰ። ኣብታ ርእሲ ኸተማ ዝዀነት ኣንታናናሪቮ ምስ በጽሐ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ሓድሽ ቤት ትምህርቲ ሚስዮን ከፈተ። እቲ ዅነታት ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። መምሃሪ መጻሕፍቲ፡ ሰሌዳ፡ ወይ ሰደቓታት ኣይነበሮን። ይኹን እምበር፡ ጽቡቕ ስርዓተ ትምህርቲ ነበሮ፡ እቶም ቈልዑ እውን ትምህርቲ ይፈትዉ ነበሩ።

ጆንስ ንሸውዓተ ወርሒ ዚኣክል በይኑ ምስ ሰርሐ፡ ንበቫን ዚትክእ ዴቪድ ግሪፊዝ ዝስሙ ሚስዮናዊ መጾ። ክልቲኦም ደኺመ ኸይበሉ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ማላጋሲ ንምትርጓም ብተወፋይነት ዓየዩ።

ትርጕም ተጀመረ

ኣብ መጀመርታ 1820ታት፡ ብጽሑፍ ዚሰፍር ዝነበረ ቛንቋ ማላጋሲ ሶራበ ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ፣ እዚ ኸኣ ብፊደላት ዓረብኛ እተጻሕፈ ቓላት ማላጋሲ እዩ ነይሩ። ሒደት ሰባት ጥራይ እዮም ነዚ ኼንብብዎ ዚኽእሉ ነይሮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቶም ሚስዮናውያን ንንጉስ ራዳማ ቐዳማይ ምስ ኣማኸርዎ፡ እቲ ንጉስ ንፊደላት ላቲን ኣብ ክንዲ ሶራበ ኺጥቀሙሉ ፈቐደሎም።

ብ10 መስከረም 1823፡ ዕዮ ትርጕም ተጀመረ። ጆንስ፡ ዘፍጥረትን ማቴዎስን ኪትርጕም ከሎ፡ ግሪፊዝ፡ ዘጸኣትን ሉቃስን ተርጐመ። ክልቲኦም ዜደንቕ ሓቦ ነበሮም። መብዛሕትኡ ዕዮ ትርጕም ኣብ ርእሲ ምዕያዮም፡ ናይ ንግሆን ናይ ድሕሪ ቐትርን ኣብ ቤት ትምህርቲ ይምህሩ ነበሩ። ብሰለስተ ቛንቋታት እውን ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዚቐርብ ቅዳሰ ኣዳለዉን መርሑን። ይኹን እምበር፡ ንዕዮ ትርጕም ቀዳምነት ይህብዎ ነበሩ።

እዞም ክልተ ሚስዮናውያን ብ12 ተመሃሮ እናተሓገዙ፡ ኣብ ዓመትን መንፈቕን ጥራይ ንብምሉኡ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛን ሓያሎ መጻሕፍቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጥን ተርጐሙ። ንዓመታኡ፡ ኣፈናዊ ትርጕም ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ተዛዘመ። ልክዕ እዩ፡ እዚ ትርጕም እዚ፡ መአረምታን ክለሳን የድልዮ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ዴቪድ ጆንስን (እዚ ኻልእ ጆንስ እዩ) ጆሴፍ ፍሪማንን ዚበሃሉ ኽኢላታት ቋንቋ፡ ኣብዚ ዕዮ እዚ ንምሕጋዝ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ተላእኩ።

ዕንቅፋታት ምስጋር

ትርጕም ማላጋሲ ምስ ተዛዘመ፡ ማሕበር ሚስዮን ለንደን ኣብ ማዳጋስካር ናይ መጀመርያ ሓታሚት ማኪና ንኺተክል ኢሉ ንጃርለስ ሆቨንደን ለኣኾ። ሆቨንደን ብ21 ሕዳር 1826 ናብ ማዳጋስካር በጽሐ። ኰይኑ ግን፡ ብዓሶ ስለ እተታሕዘ፡ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ሞተ፣ ነታ ሓታሚት ማኪና ዜካይዳ ድማ ዋላ ሓደ ኣይነበረን። ንዓመታኡ፡ ጄምስ ካመሮን ዚበሃል ተበላሓቲ ስኮትላንዳዊ፡ በቲ ምስታ ሓታሚት ማኪና ዝመጸ መምርሒ መጽሓፍ ገይሩ ነታ ማሽን ገጣጠማ። ድሕሪ ብዙሕ ፈተነ ድማ፡ ብ4 ታሕሳስ 1827፡ እተወሰነ ኽፋል ዘፍጥረት ምዕራፍ 1 ኺሓትም ከኣለ። *

ራዳማ ቐዳማይ ብ27 ሓምለ 1828 ድሕሪ ሙማቱ፡ ካልእ ዕንቅፋት ኣጋጠመ። ንጉስ ራዳማ ንዕዮ ትርጕም ኣጸቢቑ ይድግፎ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዴቪድ ጆንስ ከምዚ በለ፦ “ንጉስ ራዳማ ኣዝዩ ለዋህን ፍሽሑውን እዩ። ንትምህርቲ ኣጸቢቑ ይድግፍ ነይሩ እዩ፡ ንህዝቡ ብዛዕባ ስልጣነ ዚወሃቦም ትምህርቲ ድማ ካብ ወርቅን ብሩርን ኣኽቢሩ ይርእዮ ነይሩ እዩ።” እንተዀነ ግን፡ እታ ነቲ ንጉስ ተኪኣ ዝነገሰት ሰበይቱ ራናቫሎና ቐዳመይቲ፡ ከም ሰብኣያ ነቲ ዕዮ ኸም ዘይትድግፎ ነዊሕ ከይጸንሐ ንጹር ኰነ።

እታ ንግስቲ ዘውዲ ምስ ደፍአት፡ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመጸ በጻሒ ብዛዕባ እቲ ዕዮ ትርጕም ንኼዘራርባ ቘጸራ ኼትሕዝ ፈተነ። እንተዀነ ግን፡ ኣይሰለጦን። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ እቶም ሚስዮናውያን ነታ ንግስቲ፡ ነቲ ህዝቢ ብዙሕ ኪምህርዎ ኸም ዘለዎም፡ ገለ ኻብቲ ዚምህርዎ ድማ ግሪኽኛን እብራይስጥን ምዃኑ ምስ ነገርዋ፡ “ብዛዕባ ግሪኽኛን እብራይስጥን ኣይግድሰንን እዩ፡ ንህዝበይ ከም ሳሙና ምስራሕ ዝኣመሰለ ዚረብሕ ነገር ክትምህርዎም ትኽእሉ እንተ ዄንኩም ግን ክፈልጥ እደሊ እየ” በለቶም። ካመሮን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ማላጋሲ ቕድሚ ምዝዛሙ፡ ካብታ ዓዲ ኺባረሩ ኸም ዚኽእሉ ስለ ዘስተውዓለ፡ ብዛዕባ እቲ እታ ንግስቲ እተዛረበቶ ነገር ንኺሓስበሉ፡ ሓደ ሰሙን ኪወሃቦ ሕቶ ኣቕረበ።

ኣብታ እትቕጽል ሰሙን፡ ካመሮን ንልኡኻት ንግስቲ፡ ኣብቲ ዓዲ ኻብ ዚርከብ ነገራት እተሰርሐ ኽልተ ንኣሽቱ ሳሙና ሃቦም። እዝን በቶም ተበላሓትቲ ሚስዮናውያን እተሰርሐ ኻልእ ህዝባዊ ጥቕሚ ዘለዎ ስራሓትን ነታ ንግስቲ ስለ ዘሐጐሳ፡ ንሒደት መጻሕፍቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ሓዲግካ፡ ንዅሉ ዕዮ ሕትመቶም ክሳዕ ዚውድኡ ኣብታ ዓዲ ኺጸንሑ ፈቐደትሎም።

ትጽቢት ዘይተገብረሉ ኣዋጅን ዜጕሂ ኣጋጣምን

እታ ንግስቲ ኣብ ፈለማ ንሚስዮናውያን ብጽቡቕ እኳ እንተ ዘይተቐበለቶም፡ ኣብ ግንቦት 1831 ግን ትጽቢት ዘይተገብረሉ ኣዋጅ ኣውጽአት። ንተገዛእታ ክርስትያናት ኰይኖም ኪጥመቑ ፈቐደትሎም። እዚ ውሳነ እዚ ግን ነዊሕ ኣይጸንሐን። ብመሰረት ኤ ሂስትሪ ኦቭ ማዳጋስካር፡ “ብዝሒ ተጠመቕቲ ነቶም ዓቃባውያን ኣባላት እቲ ቤተ-መንግስቲ ስለ ዘተሓሳሰቦም፡ ነታ ንግስቲ፡ እቲ ስነ-ስርዓት ቍርባን ንብሪጣንያ ተኣማንነት ከም ምምሓል ገይሮም ኣረድእዋ።” በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብ መወዳእታ 1831፡ ማለት ካብቲ ንክርስትያናዊ ጥምቀት ፍቓድ እተዋህበሉ ግዜ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ተኸልከለ።

እቶም ሚስዮናውያን፡ እታ ንግስቲ ዓሰርተ ሳዕ እትገላበጥ ምዃና፡ ኣብ ውሽጢ እቲ መንግስቲ ዝነበሩ ዓቃባውያን እውን ጽልዋኦም እናሓየለ ይኸይድ ከም ዘሎ ምስ ኣስተውዓሉ፡ ሕትመት መጽሓፍ ቅዱስ ኪዛዝሙ ተለዓዓሉ። ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ድሮ ተዛዚሙ እዩ ነይሩ፡ ብኣሽሓት ዚቝጸር ቅዳሓት እውን ኣብ ኢድ ኣንበብቲ እዩ ነይሩ። ብ1 መጋቢት 1835 ንግስቲ ራናቫሎና ቐዳመይቲ፡ ክርስትና ዘይሕጋዊ ኸም ዝዀነን ተገዛእታ ንዅሉ ክርስትያናዊ መጻሕፍቲ ንሰበ-ስልጣን ኬረክብዎን ምስ ኣወጀት ግን፡ ካልእ ዕንቅፋት ኣጋጠመ።

እታ ንግስቲ ዘውጽኣቶ ኣዋጅ ነቶም ንሚስዮናውያን ዚሕግዙ ዝነበሩ ማዳጋስካራውያን እውን ኣብቲ ዕዮ ሕትመት ከይዓዩ ዚኽልክል ነበረ። ነቲ ዕዮ ንምፍጻም ሒደት ሚስዮናውያን ጥራይ ስለ ዝተረፉ፡ ለይትን መዓልትን እናዓየዩ ኣብ ሰነ 1835 ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣውጽኡ። ኣብ መወዳእታ መጽሓፍ ቅዱስ ማላጋሲ ተዳለወ!

እቲ እገዳ ጸኒዑ ኸሎ፡ እቲ ቕዳሓት መጽሓፍ ቅዱስ ብቕልጡፍ ተዘርግሐ፡ 70 ቕዳሓት ቅዱሳት ጽሑፋት ድማ ካብ ጥፍኣት ምእንቲ ኺድሕን ተባሂሉ ተቐብረ። እዚ ጽቡቕ ውሳነ እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ ኣብ ውሽጢ ዓመት ክልተ ሚስዮናውያን ጥራይ እዮም ኣብታ ዓዲ ተሪፎም። ቃል ኣምላኽ ግን ኣብታ ዓባይ ቀያሕ ደሴት ይዝርጋሕ ነበረ።

ህዝቢ ማላጋሲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ፍቕሪ

ህዝቢ ማዳጋስካር ንቓል ኣምላኽ ብቛንቋኡ ኼንብቦ ምኽኣሉ ብሓቂ ዜሐጕስ እዩ ነይሩ። እቲ ትርጕም ጌጋታት ኣለዎ፡ እቲ ዚጥቀመሉ ቛንቋ ድማ ሕጂ ግዜኡ ሓሊፍዎ እዩ። ኰይኑ ግን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይብላ ቤት ዳርጋ የላን፣ ህዝቢ ማላጋሲ ድማ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲሩ የንብብ እዩ። እዚ ትርጕም እዚ ነቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ኣብ ብምሉኡ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብስፍሓት ይጥቀመሉ እዩ። ኣብቲ በዅሪ ቕዳሓት ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ እውን፡ መለኮታዊ ስም ይርከብ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ መብዛሕትኡ ህዝቢ ማላጋሲ ንስም ኣምላኽ ይፈልጦ እዩ።

ቀዳሞት ቅዳሓት ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ተሓቲሙ ምስ ወጸ፡ እቲ ነታ ሓታሚት ማኪና ዜካይዳ ዝነበረ ሚስተር ቤከር፡ ነቲ ህዝቢ ማላጋሲ እተሓጐሶ ሓጐስ ረኣየ እሞ፡ “ከም ትንቢት ደኣ ኣይቈጸረለይ እምበር፡ ቃል ኣምላኽ ካብዛ ሃገር ኪጠፍእ ማለት ዘበት እዩ!” በለ። ከምቲ ዝበሎ ኸኣ ኰነ። ዓሶ ዀነ፡ ኣጸጋሚ ቛንቋ ምፍላጥ ኰነ፡ ወይ ገዛኢት ዘውጽኣቶ ዚዕንቅፍ ኣዋጅ ኰነ፡ ንቓል ኣምላኽ ኣብ ኢድ ህዝቢ ማዳጋስካር ንኸይኣቱ ኣይዓገቶን።

ሕጂ፡ እቲ ዅነታት ብዝያዳ ተመሓይሹ ኣሎ። ብኸመይ፧ ብ2008፡ እተማልአ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብቛንቋ ማላጋሲ ወጺኡ እዩ። እዚ ትርጕም እዚ ዘመናውን ንምርዳኡ ቐሊልን ቋንቋ ስለ ዚጥቀም፡ ዓብዪ ስጕሚ እዩ ተሰጒሙ። ስለዚ፡ ቓል ኣምላኽ ኣብታ ዓባይ ቀያሕ ደሴት ብዝያዳ ሱር ሰዲዱ ኣሎ።—ኢሳ. 40:8

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 14 ብቛንቋ ማላጋሲ እተሓትመ ናይ መጀመርታ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፍ፡ ኣብ ሚያዝያ/ግንቦት 1826 ኣብ ማውሪሽየስ እተዳለወ ዓሰርተ ትእዛዛትን ኣቡነ ዘበሰማያትን እዩ ነይሩ። ቅዳሓት እዚ ጽሑፍ እዚ ግን፡ ንቤተሰብ ንጉስ ራዳማን ንገሊኦም ሰበ-ስልጣን መንግስትን ጥራይ እዩ ተዓዲሉ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ብቛንቋ ማላጋሲ እተዳለወ “ትርጕም ሓዳስ ዓለም” ነቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ የኽብሮ