ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትጉህን ሕጉስን ኴንካ ንኣምላኽ ምግልጋል

ትጉህን ሕጉስን ኴንካ ንኣምላኽ ምግልጋል

ትጉህን ሕጉስን ኴንካ ንኣምላኽ ምግልጋል

የሆዋ ሕጉስ ክትከውን እዩ ዚደልየካ። (መዝ. 100:2) ሓደ ኻብ ኣገልገልቱ ኸም ምዃንካ መጠን፡ ትጉህ ወይ ብስራሕ ትሑዝ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ርእስኻ ንኣምላኽ ኣብ ዝወፈኻሉ እዋን፡ ክሳዕ ክንድቲ ብስራሕ ትሑዝ ኣይነበርካን ትኸውን፣ ሕጂ ግን ዓለማውን መንፈሳውን ሓላፍነታት ጸቕጢ የውርደልካ ይህሉ ይኸውን። ነቲ ኽትገብሮ ዝደለኻ ብዘይምግባርካ እውን ናይ ገበን ስምዒት ይስምዓካ ይኸውን። ሚዛንካ ኽትሕሉን ‘ሓጐስ የሆዋ’ ሒዝካ ኽትቅጽልን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧—ነህ. 8:10

ኣብ ጽንኩር እዋን ስለ እትነብርን ብዙሕ ጸቕጥታት ስለ ዚወርደካን፡ ብግቡእ እተወደብካ ኽትከውን ኣሎካ። ገሊኡ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃቦ መንፈስ ዝነፈሶ ምኽሪ፡ ብፍላይ ኣብዚ መዳይ እዚ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ፣ ከምዚ በለ፦ “ቅንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዐዲግኩም፡ ከም ለባማት እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ፡ ተመልከቱ።”—ኤፌ. 5:15, 16

ነዚ ጥበባዊ ምኽሪ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኪብጻሕ ዚኽእል ሸቶታት ከተውጽእ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ንብሕታዊ መጽናዕቲ፡ ንሓልዮት ስድራ ቤት፡ ንወፍሪ ኣገልግሎት፡ ንዓለማዊ ስራሕ፡ ከምኡውን ንኻልእ ኣገዳሲ ንጥፈታት ብሚዛናዊ መገዲ ኸተካይዶ እትኽእልከ ብኸመይ ኢኻ፧

ርእስኻ ንኣምላኽ ወፊኻ ምስ ተጠመቕካ እተሰምዓካ ሓጐስ ትዝክሮዶ፧ እወ፡ ንየሆዋን ንዕላማታቱን ምስ ፈለጥካ ሓጐስ ረኺብካ ኢኻ። ነዚ ምርዳእ እዝን ሓጐስን ንምርካብ ንኣዋርሕ ትግሃት ዝመልኦ መጽናዕቲ ኽትገብር ኣድልዩካ ይኸውን። ኰይኑ ግን፡ ዚኽሕስ እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ እዚ መጽናዕቲ እዚ ንህይወትካ ብዝሓሸ መገዲ ቐይርዋ እዩ።

ነዚ ሓጐስ እዚ ንምዕቃብ፡ ወትሩ መንፈሳዊ ምግቢ ኽትምገብ ኣሎካ። መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብን ንምጽናዕን ግዜ ትስእን እንተ ዄንካ፡ ንመደባትካ መርምሮ። ኣብ መዓልቲ ንሒደት ደቓይቕ እውን እንተ ዀነ ምንባብን ምስትንታንን፡ ናብ የሆዋ ብዝያዳ ኸም እትቐርብ እዩ ዚገብረካ። እዚ ኸኣ ሓጐስ ኬምጽኣልካ እዩ።

መብዛሕትኦም ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ካብቲ ብዙሕ ኣገዳሲ ዘይኰነ ንጥፈታት ንዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ንጥፈታት ዚኸውን ግዜ ኺዕድጉ ይኽእሉ እዮም። ‘ዓለማዊ መጽሔታትን ጋዜጣን ብምንባብ፡ ቲቪ ብምርኣይ፡ ሙዚቃ ብምስማዕ፡ ወይ ካልእ ንጥፈታት ብምግባር ዘሕልፎ ግዜ ኽንደይ እዩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ከምዚ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ባህ ዜብል ዚኸውን፡ ሚዛኑ እንተ ሓልዩ ጥራይ እዩ። (1 ጢሞ. 4:8) ንግዜኻ እትጥቀመሉ መገዲ ግቡእ እንተ ዘይኰይኑ፡ ንምትዕርራዩ ስጕምቲ ውሰድ።

ኣቦ ሰለስተ ውሉዳትን ሽማግለን ዝዀነ ኣዳም ከምዚ በለ፦ “ቀሊል ህይወት ክመርሕ እየ ዝጽዕር። ብዘይካዚ፡ ካብቲ ብዙሕ ኣቓልቦ ዚስሕብ መሕለፍ ግዜን ናውትን እርሕቕ እየ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ፡ ነፍሰይ እናሕሰምኩ እየ ዝነብር ማለት ኣይኰነን፣ ቅልል ዝበለ መዘናግዒ ስለ ዝፈቱ ጥራይ እየ።”

ሳላ እቲ ዝገበርካዮ ውሳነ ብዛዕባ እተረኽበ ጽቡቕ ፍረ ምስትንታንካ፡ ንሓጐስካ ኺሕድሶ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኺህልወካ ኸኣ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሰለስተ ውሉዳት ዘለዉዎ ማርዩሽ ዝስሙ ሽማግለ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ምስ ጀመርኩ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኣማዕበልኩ። የሆዋ ጥራይ ኣጸቢቑ ዚፈልጦ ጸገማት ሓሓሊፉ የጋጥመኒ እዩ። ሳላ ደገፉ ግን ንመጻኢ ብሓጐስ እየ ዝጽበዮ” በለ።

ልክዕ ከምቲ ንማርዩሽ ዘጋጠሞ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንዅሉ ጭንቀት የጥፍኦ እዩ ማለት ኣይኰነን። ኰይኑ ግን፡ ጽቡቕ ንኺስምዓካን ነቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥመካ ብድሆታት ብውጽኢታዊ መገዲ ንኽትዋጽኣሉን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵለን ዕለታት እቲ ሕዙን ክፉኣት እየን፡ ሕጉስ ልቢ ዘለዎ ግና ኵሉ ጊዜ ደስ ዜብል መኣዲ እዩ” ዚብል ነንብብ። (ምሳ. 15:15) ብዛዕባ እቲ የሆዋ ድሮ ዘርኣየካ ፍቕሪ እውን ኣስተንትን። ከምዚ ዓይነት ምስትንታን፡ ነታ ንዕኡ ዘላትካ ፍቕሪ ኼደልድላ፡ ነቲ ኻብ ኣምላኽ እትረኽቦ ሓጐስ ከኣ ኬዕምቖ እዩ።—ማቴ. 22:37

ኣብ ህይወትና ንየሆዋን ነቲ ዜገድሶ ነገራትን ቀዳምነት እንተ ሂብና፡ ሓጐስ ስድራ ቤትና ኺውስኽ እዩ። ክርስትያናዊ ባህርያት ምርኣይ ነቲ ኼጋጥም ዚኽእል ምፍሕፋሕ ይንክዮ፡ ድልዱልን ባህ ዜብልን ርክብ ከም ዚህሉ ድማ ይገብር። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ቤትካ ሰላምን ሓድነትን ዝሰፈና ትኸውን።—መዝ. 133:1

ብስድራ ቤት ኴንካ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ምክፋል እውን ናይ ሓቂ ሓጐስ የምጽእ እዩ። ማርዩሽ ከምዚ በለ፦ “ነቲ ብስድራ ቤት እነሕልፎ ግዜ ኣኽቢረ እየ ዝርእዮ። ሰበይተይ እውን ትድግፈኒ እያ። ናብ ወፍሪ ኣገልግሎት ክኸይድ ከለኹ ዀነ ነቲ ዓበይቲ ኣኼባታት ዚካየደሉ መአከቢ ኸጽሪ ኸለኹ፡ ከምኡውን ኣብ ካልእ ጉባኤታት ህዝባዊ መደረ ኽህብ ከለኹ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ጐድነይ ኣይትፍለን እያ። እዚ ኸኣ ኣተባቢዑኒ እዩ።”

ክርስትያናት ንስድራ ቤቶም ዜድሊ ስጋዊ ነገራት ኬማልኡ ቕዱሳት ጽሑፋት ይእዝዝ እዩ። (1 ጢሞ. 5:8) ኰይኑ ግን፡ ዓለማዊ ስራሕ ንግዜኻን ጕልበትካን ዚጽንቅቖ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ኻብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ክትረኽቦ እትኽእል ሓጐስ ኬጥፍኦ እዩ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንየሆዋ ብጸሎት ንገሮ። (መዝ. 55:22) ገሊኦም ሰባት ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ንምሃብ ካልእ ስራሕ ኬናድዩ ወሲኖም እዮም። ዝዀነ ይኹን ክርስትያን፡ ስጋዊ ረብሓ ንኺረክብ ኢሉ ነቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ መንፈሳዊ ነገራት ግዜ ኸም ዚስእን ኪገብሮ ዚኽእል ስራሕ ንኺሰርሕ ፍቓደኛ ኪኸውን የብሉን።—ምሳ. 22:3

እዚ ሕጂ እትሰርሖ ዘለኻ ስራሕ ወይ ካልእ ዓይነት ስራሕ ኪህልዎ ብዛዕባ ዚኽእል ጥቕምን ጕድኣትን ምጽሓፍካ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ሓቂ እዩ፡ ጽቡቕ ኣታዊ ዘለዎን ዜዕግብን ስራሕ ተደላዪ እዩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ሕጂ እትሰርሖ ዘለኻ ስራሕ ንመንፈሳውነት ስድራ ቤትካ ንምድልዳል ይሕግዘካ ድዩ፧ ንዅሉ ረቛሒታት ኣርዚንካ ሕሰበሉ፣ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ቀዳምነት ዚህብ ውሳነታት ከኣ ግበር።

እዚ ሕጂ እትሰርሖ ዘለኻ ስራሕ መንፈሳዊ ዕቤት ንኸይትገብር ዚዓግተካ እንተ ዀይኑ፡ ኵነታትካ ከተተዓራሪ ኣለካ። ብዙሓት ክርስትያናት ንመንፈሳዊ ጕዳያት ዚኸውን ግዜ ንምርካብ ዓብዪ ለውጢ ገይሮም እዮም። ኣብ ፖላንድ ዚነብር ሓደ ሓው፡ “መብዛሕትኡ ግዜ ብተደጋጋሚ ብስራሕ እገይሽ ስለ ዝነበርኩ፡ ናይ ግድን ነቲ ስራሕ ክሓድጎ ነበረኒ። ንመንፈሳዊ ነገራት ይኹን ንስድራ ቤተይ ዚኸውን እኹል ግዜ ኣይነበረንን” በለ። ሕጂ ብዙሕ ግዜን ጕልበትን ዘይወስድ ስራሕ ይሰርሕ ኣሎ።

ንኻልኦት ብምሕጋዝ ተሓጐስ

የሱስ፡ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ [“የሐጕስ፡” NW]” በለ። (ግብ. 20:35) ክርስትያናት ንኻልኦት ዚህቡሉ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣለዎም። ሓድሓደ ግዜ፡ ምዉቕ ፍሽኽታ፡ ሰላምታ፡ ወይ ከኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ጽቡቕ ክፍሊ ንምቕራብ ጻዕሪ ንዝገበረ ሰብ ምምስጋን ሓጐስ ኬምጽእ ይኽእል እዩ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ክርስትያናት፡ “ነቶም ሕሊናኦም ዝዐረቦም ኣፋጥንዎም፡ ነቶም ድኹማት ደግፍዎም” ኢሉ ኣተባብዖም። (1 ተሰ. 5:14) ሕሊናኦም ዝዓረቦም ወይ እተጨነቑ ሰባት፡ ንጸገሞም ባዕሎም ኪዋጽኡሉ ዘይክእሉ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። ከምዚኣቶም ንዝኣመሰሉ ሰባት ክትሕግዞም ትኽእልዶ፧ ሓደ ሓውካ ኻብ ኣገልግሎት የሆዋ ሓጐስ ይረክብ ከም ዘየለ እንተ ኣስተውዒልካ፡ ከተተባብዖ ፈትን። ከምኡ ምግባርካ ንዓኻ እውን ኬተባብዓካ እዩ። ገሊኡ ጸገማት ብሰብ ኪፍታሕ ዚኽእል ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ነቲ ሓው ልባዊ ድንጋጽ ከተርእዮን ኣብቲ ዘየቋርጽ ሓገዝ የሆዋ ንኺውከል ከተተባብዖን ትኽእል ኢኻ። የሆዋ ነቶም ኣብኡ ዚውከሉ ሰባት ፈጺሙ ኣይሓድጎምን እዩ።—መዝ. 27:10፣ ኢሳ. 59:1

ምስቶም ሓጐስ ዚስእኑ ብምግልጋል እውን ግብራዊ ሓገዝ ክትህብ ትኽእል ኢኻ። የሱስ ነቶም 70 ደቀ መዛሙርቱ “በብኽልተ ገይሩ” እዩ ልኢኽዎም። (ሉቃ. 10:1) እዝስ እቶም ክልተ ሰባት ንሓድሕዶም ንኺተባብዑ መገዲ ዚኸፍት ደይኰነን፧ ንስኻኸ ነዚ ሜላ እዚ ተጠቒምካ ንሓደ ሰብ ሓጐሱ ንኺምለሰሉ ኽትሕግዞ ምኸኣልካዶ፧

ህይወት ብዜሻቕል ነገራት ዝመልአት እያ። ኰይኑ ግን፡ ጳውሎስ፡ “ብጐይታ ዅሉ ሳዕ ተሐጐሱ፡ ደጊመ፤ ተሐጐሱ፡ እብል አሎኹ” ኢሉ ተማሕጸነ። (ፊል. 4:4) ንኣምላኽ ስለ እተፍቅሮ፡ ስለ እትእዘዞ፡ ኣብቲ ዝሃበካ ዕዮ ኸኣ ብቕንኣት ስለ እትካፈል፡ ህይወትካ ዕላማ ኣለዋ። እዚ ድማ ሓጐስ የምጽኣልካ። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ነቲ ዜጋጥመካ ጸቕጥታትን ጸገማትን ንኽትጾሮ ይሕግዘካ እዩ።—ሮሜ 2:6, 7

ናብታ የሆዋ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም ክሳዕ ክንደይ ቀሪብና ኸም ዘለና ብዓይኒ እምነት ክንርኢ ንኽእል ኢና። እዝስ ከመይ ዝኣመሰለ ማእለያ ዘይብሉ በረኸትን ሓጐስን ኰን እዩ ዜምጽእ! (መዝ. 37:34) ሕጂ እውን ከይተረፈ፡ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ይባርኸና ኸም ዘሎ ብዘይምርሳዕ ክንሕጐስ ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ ኸኣ ንየሆዋ ‘ብሓጐስ ክንግዝኦ’ ወይ ከነገልግሎ ንኽእል።—መዝ. 100:2

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

መዘናግዒ

ስድራ ቤት

ስራሕ

ክርስትያናዊ ኣኼባታት

ብሕታዊ መጽናዕቲ

ኣገልግሎት

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ሕጉስ ኴንካ ንኽትቅጽል ንግዜኻ ብግቡእ ከተመቓርሕ የድልየካ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ንሓደ ሰብ ሓጐሱ ንኺምለሰሉ ኽትሕግዞ ምኸኣልካዶ፧