ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ግዜ ጸገም ሓጐስካ ዓቅብ

ኣብ ግዜ ጸገም ሓጐስካ ዓቅብ

ኣብ ግዜ ጸገም ሓጐስካ ዓቅብ

“[ኣብ የሆዋ] ዚዕቈቡ ዅሎም ግና ይተሐጐሱ፡ . . . ንዘለኣለም እልል ይበሉ።”—መዝ. 5:11

1, 2. (ሀ) ኣብዚ እዋን እዚ ገለ ኻብቲ ብዙሕ ጭንቀት ዜምጽእ ነገራት እንታይ እዩ፧ (ለ) ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ኣብ ርእሲ እቲ ንዅሎም ደቂ ሰብ ዚወርድ ጸገማት፡ እንታይ እዮም ኪጾሩ ዘለዎም፧

 እቲ ንደቂ ሰብ ዚበጽሖም ጸገማት፡ ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ይወርድ እዩ። ብዙሓት ህዝቢ ኣምላኽ፡ ኣደዳ ገበንን ኲናትን ካልእ ዘይፍትሓዊ ተግባራትን ኰይኖም እዮም። ባህርያዊ ሓደጋ፡ ድኽነት፡ ሕማም፡ ሞት ብዙሕ የጨንቖም እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ብዘሎ እቲ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ምሳና ዀይኑ ኸም ዜስቈርቊርን ቅልውላው ከም ዝሐዞን፡ ንፈልጥ አሎና” ኢሉ ኺጽሕፍ ሓቁ እዩ። (ሮሜ 8:22) ብዘይካዚ፡ ዘይፍጽምናና እውን የሸግረና እዩ። ስለዚ፡ ልክዕ ከም ንጉስ ዳዊት፡ “በደለይ ንርእሰይ ተዐዛዚርዎ፡ ከም ከቢድ ጾር ኣዝዩ ይኸብደኒ አሎ” ንብል ንኸውን።—መዝ. 38:4

2 ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ኣብ ርእሲ እቲ ንዅሎም ደቂ ሰብ ዚወርድ ጸገም፡ ነቲ ምሳልያዊ መሳቐዪ ዕንጨይቲ እውን ይጾሩ እዮም። (ሉቃ. 14:27) እወ፡ ልክዕ ከም የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ እውን ይጽልኡን ይስጐጉን እዮም። (ማቴ. 10:22, 23፣ ዮሃ. 15:20፣ 16:2) ስለዚ፡ ንየሱስ ምስዓብ ኪበሃል ከሎ፡ ነቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም እንረኽቦ በረኸት እናተጸበና፡ ክንጋደልን ክንዕገስን ዚሓትት እዩ።—ማቴ. 7:13, 14፣ ሉቃ. 13:24

3. ክርስትያናት ንኣምላኽ ንምሕጓስ ግድን መከራ ዝመልኦ ህይወት ኬሕልፉ ኸም ዘይብሎም ክንፈልጥ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

3 ከምዚ ኺበሃል ከሎ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ሓጐስ ዘይብሉ ህይወት እዮም ዚነብሩ ማለት ድዩ፧ መወዳእታ ኽሳዕ ዚመጽእ ብጓህን ሓዘንን ክንነብር ኣሎና ማለት ድዩ፧ የሆዋ፡ መብጽዓታቱ ኽሳዕ ዚፍጸም ሕጉሳት ክንከውን ከም ዚደልየና ንጹር እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ሕጉሳት ህዝቢ ምዃኖም ብተደጋጋሚ ይገልጽ እዩ። (ኢሳይያስ 65:13, 14 ኣንብብ።) መዝሙር 5:11፡ “[ኣብ የሆዋ] ዚዕቈቡ ዅሎም ግና ይተሐጐሱ፡ . . . ንዘለኣለም እልል ይበሉ” ትብል። እወ፡ ጸገማት እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ሓጐስ፡ ናይ ኣእምሮ ሰላም፡ ከምኡውን ዕግበት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ንዜጋጥመና ፈተናታት ተጻዊርና ሓጐስና ንኽንዕቅብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል እስከ ንርአ።

የሆዋ—“ሕጉስ ኣምላኽ”

4. ኣምላኽ ፍቓዱ ዕሽሽ ኪበሃል ከሎ እንታይ እዩ ዚስምዖ፧

4 ንየሆዋ ኸም ኣብነት ጌርና እስከ ንውሰድ። ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከም ምዃኑ መጠን፡ ንዅሉ ፍጥረት ይቈጻጸሮ እዩ። ዚጐድሎ የብሉን፡ ዚሕግዞ እውን ኣየድልዮን እዩ። እዚ ዅሉ ሓይሊ እናሃለዎ ኽነሱ ግን፡ ሓደ ኻብቶም መንፈሳውያን ደቁ ኻብኡ ዓልዩ ሰይጣን ምስ ኰነ፡ ብእተወሰነ ደረጃ ጕህዩ ኪኸውን ኣለዎ። ገለ ኻብ መላእኽቲ ኣብቲ ዕልወት ምስ ሓበሩ እውን ስምዒቱ ተተንኪፉ ኪኸውን ኣለዎ። እቶም ምድራውያን ፍጥረቱ ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ዝባኖም ምስ ሃብዎ ንእተሰምዖ ጓሂ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ካብ ሽዑ ንነጀው፡ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ዘርኦም ንስልጣን የሆዋ ነጺጎምዎ እዮም።—ሮሜ 3:23

5. ንየሆዋ ኣዝዩ ዜጕህዮ እንታይ እዩ፧

5 እቲ ሰይጣን ዘበገሶ ዕልወት፡ ሕጂ እውን ይቕጽል ኣሎ። የሆዋ ንልዕሊ 6,000 ዓመት፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ዓመጽ፡ ቅትለት፡ ከምኡውን ጾታዊ ርኽሰት ርእዩ እዩ። (ዘፍ. 6:5, 6, 11, 12) ብዘይካዚ፡ እዚ ዘይበሃል ሓሶት ሰሚዑ እዩ። እቶም ናይ ሓቂ ኣምለኽቱ እውን ከይተረፉ ሓድሓደ ግዜ የጕህይዎ ነይሮም እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ክንደይ ሳዕ እዮም ኣብ በረኻ እተጻረርዎ፡ ኣብ ጽምዋውን ዘጕሀይዎ። ተመሊሶም ንኣምላኽ ፈተንዎ፡ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኣቘጥዕዎ” ይብል። (መዝ. 78:40, 41) የሆዋ ህዝቡ ዝባኖም ኪህብዎ ኸለዉ፡ ስምዒቱ ኣዝዩ እዩ ዚትንከፍ። (ኤር. 3:1-10) እወ፡ ሕማቕ ነገራት የጋጥም እዩ፡ የሆዋ ኸኣ በዚ ኣዝዩ እዩ ዚጕሂ።—ኢሳይያስ 63:9, 10 ኣንብብ።

6. ኣምላኽ ዜጕሂ ነገራት ምስ ኣጋጠሞ እንታይ እዩ ገይሩ፧

6 ይኹን እምበር፡ ጓሂ ንየሆዋ ስጕምቲ ኻብ ምውሳድ ኣይዓግቶን እዩ። ጸገማት ኬጋጥም ከሎ፡ ንሳዕቤኑ ንምንካይ ስጕምትታት ይወስድ እዩ። ብዘይካዚ፡ ዕላማኡ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ንነዊሕ እዋን ዚጸንሕ ስጕምትታት ወሲዱ እዩ። ነዚ ኣወንታዊ ስጕምትታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ የሆዋ ነቲ ልዑላውነቱ ዚረጋገጸሉ ኸምኡውን ነቲ እሙናት ኣምለኽቱ በረኸት ዚረኽቡሉ እዋን ብሃንቀውታ እዩ ዚጽበዮ። (መዝ. 104:31) እወ፡ የሆዋ ብዙሕ ጸርፊ እናወረዶ ኽነሱ፡ “ሕጉስ ኣምላኽ” እዩ።—1 ጢሞ. 1:11 NW፣ መዝ. 16:11

7, 8. ሓድሓደ ነገራት ከምቲ ዝሓሰብናዮ ኸይኰነ ኺተርፍ ከሎ ንየሆዋ ኽንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

7 ሓቂ እዩ፡ ጸገማት ብምፍታሕ ዝመጸ፡ ንርእስና ምስ የሆዋ ኸነወዳድራ ኣይንኽእልን ኢና። ኰይኑ ግን፡ ሽግራት ኬጋጥመና ኸሎ ንየሆዋ ኽንመስሎ ንኽእል ኢና። ሓድሓደ ነገራት ከምቲ ዝሓሰብናዮ ኸይኰነ ኺተርፍ ከሎ ኽንሓዝን ንቡር እዩ፣ ይኹን እምበር፡ እናሓዘንና ንነብር ማለት ኣይኰነን። ብምስሊ የሆዋ ስለ እተፈጠርና፡ ነቲ ዜጋጥመና ጸገማት ብምምርማር ኣድላዪ ዝዀነ ስጕምትታት ንኽንወስድ ዜኽእለና ናይ ምሕሳብ ክእለትን ጥበብን ኣሎና።

8 ነቲ ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ጸገማት ንኽንዋጽኣሉ ዚሕግዘና ሓደ ኣገዳሲ መገዲ፡ ገሊኡ ነገራት ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣፍልጦ ምሃብ እዩ። ብዛዕባ እዚ ጕዳያት እዚ ኣመና ምጕሃይ፡ ዝገደደ ጭንቀት ኬስዕበልና፡ ነቲ ምስ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚተሓሓዝ ሓጐስና ድማ ኬጥፍኦ ይኽእል እዩ። ንሓደ ጸገም ንምፍታሕ ዝከኣለና ጻዕሪ ድሕሪ ምግባርና፡ ብዛዕባኡ ብሓሳብ ክንወሓጥ ኣየድልን እዩ፣ ኣብቲ ዝያዳ ፍረ ዘለዎ ዕዮ ድማ ከነተኵር ኣሎና። እዚ ዚስዕብ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ነጥቢ እዚ ኼነጽሮ እዩ።

ሚዛናዊ ምዃን ኣገዳሲ እዩ

9. ሃና ሚዛናዊት ምዃና ዘርኣየት ብኸመይ እያ፧

9 ነታ ጸኒሓ ኣደ ነብዪ ሳሙኤል ዝዀነት ሃና እስከ ንርአ። ውሉድ ክትወልድ ብዘይምኽኣላ ኣዝያ ጐሃየት። ብዘይካዚ፡ መኻን ብምንባራ፡ ላግጺ ይወርዳ ነበረ። ሓድሓደ ግዜ፡ ብሰሪ ተስፋ ምቝራጽ ትበኪ፡ ምግቢ ምብላዕ እውን ይኣብያ ነበረ። (1 ሳሙ. 1:2-7) ሓደ እዋን ናብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ኸይዳ “ብነፍሳ ተመሪራ እናበኸየት ንእግዚኣብሄር ትልምን ነበረት።” (1 ሳሙ. 1:10) ስምዒታ ንየሆዋ ምስ ነገረቶ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ኤሊ ናብኣ መጺኡ፡ “ብሰላም ኪዲ፡ ኣምላኽ እስራኤል ዝለመንክዮ ልማኖኺ ይሀብኪ” በላ። (1 ሳሙ. 1:17) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሃና ዝከኣላ ኸም ዝገበረት ተረዲኣ ኽትከውን ኣለዋ። መኻን ምዃና ኻብ ቍጽጽራ ወጻኢ እዩ ነይሩ። በዚ ኸምዚ፡ ሚዛናዊት ምዃና ኣርኣየት። ድሕሪኡ፡ “መገዳ ኸደት፡ በልዔትውን፡ ድሕርዚ ኸኣ ገጻ ጕህይቲ መሲላ ኣይተራእየትን።”—1 ሳሙ. 1:18

10. ጳውሎስ ሓደ ኺፈትሖ ዘይክእል ጸገም ምስ ኣጋጠሞ፡ ሚዛናውነት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

10 ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ሓደ ጸገም ምስ ኣጋጠሞ፡ ተመሳሳሊ ዓይነት ኣረኣእያ ኸም ዘለዎ ኣርእዩ እዩ። ኣዝዩ ዜጨንቕ ስቓይ ኣጋጢምዎ ነበረ። ብዛዕባ እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ “ኣብ ስጋይ ግራጭ ተዋህበኒ” በለ። (2 ቈረ. 12:7) እቲ ዜጨንቖ ዝነበረ ስቓይ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ንኼወግዶ ዝከኣሎ ጽዒሩ እዩ፣ ናብ የሆዋ እውን ሰለስተ ሳዕ ጸልዩ እዩ። ንሳልሳይ ሳዕ ምስ ጸለየ ግን፡ ኣምላኽ፡ ‘እቲ ግራጭ’ ብተኣምራዊ መገዲ ኸም ዘይውገድ ገለጸሉ። ጳውሎስ ነዚ ሓቂ እዚ ተቐቢሉ፡ ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ምግልጋል ኣተኰረ።—2 ቈረንቶስ 12:8-10 ኣንብብ።

11. ምስ ጸገማት ኣብ እንጋጠመሉ እዋን፡ ጸሎትን ልማኖን እንታይ ግደ ኣለዎ፧

11 እዚ ኣብነታት እዚ፡ ብዛዕባ እቲ ዜጨንቐና ነገራት ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ኸም ዘይብልና ዚሕብር ኣይኰነን። (መዝ. 86:7) ኣብ ክንዳኡስ፡ ቃል ኣምላኽ፡ “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ” ይብል። የሆዋ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጸሎትን ልማኖን ዚምልሶ ብኸመይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ወሲኹ፡ “እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ” ይብል። (ፊል. 4:6, 7) የሆዋ ንጸገማትና እኳ እንተ ዘየወገዶ፡ ንጸሎትና ብምምላስ ግን ንሓሳብና ኺሕልዎ ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ድሕሪ ምጽላይና፡ ጭንቀት ንዜምጽኦ ሓደጋ ንርድኦ ንኸውን።

ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባር ተሓጐስ

12. ንነዊሕ እዋን ሕልናኻ ምዕራብ ጐዳኢ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

12 ምሳሌ 24:10፡ “ብመዓልቲ መከራ እንተ ተሐለልካ፡ ሓይልኻ ቕሩብ እዩ” ትብል። ካልእ ምሳሌ ኸኣ፡ “ልቢ እንተ ጐሀየ . . . መንፈስ ይስበር” ይብል። (ምሳ. 15:13) ገሊኦም ክርስትያናት፡ ብሰንኪ ተስፋ ምቝራጽ፡ ብሕታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ምስትንታንን ክሳዕ ዚሓድግዎ ዀይኖም እዮም። ንማለቱ ጥራይ ዚግበር ጸሎት እዮም ዚጽልዩ፣ ንርእሶም ከኣ ካብቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ይፈልይዋ። ከምዚ ኢልካ ምንባር ኣዝዩ ጐዳኢ እዩ።—ምሳ. 18:1, 14

13. ንተስፋ ምቝራጽ ኣሰኒፍና ሓጐስ ክንረክብ ዜኽእለና ገለ ንጥፈታት እንታይ እዩ፧

13 ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኣብቲ ሓጐስ ዜምጽእ ክፋል ህይወትና ንኸነተኵር ይሕግዘና እዩ። ዳዊት፡ “ኣምላኸየ፡ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ አሎኒ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝ. 40:8) ኣብ ህይወትና ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ነቲ መንፈሳዊ ንጥፈታትና ኸነቋርጾ የብልናን። ከም ሓቂ እውን እንተ ዀነ፡ ሓጐስ ኣብ ዜምጽእ ንጥፈታት ብምክፋል ኢና ንጓሂ ኽንቃለሶ እንኽእል። የሆዋ፡ ንቓሉ ኣዘውቲርና ኸነንብቦን ከነስተንትነሉን ከለና ሓጐስ ከም እንረክብ ነጊሩና ኣሎ። (መዝ. 1:1, 2፣ ያእ. 1:25) ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኰነ ኻብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዜተባብዓናን ንልብና ዜሐጕሶን “ልኡም ዘረባ” ንረክብ ኢና።—ምሳ. 12:25፣ 16:24

14. ሎሚ ሓጐስ ዜምጽኣልና ኣየናይ የሆዋ ዝሃቦ መረጋገጺ እዩ፧

14 ኣምላኽ፡ ሕጉሳት ክንከውን እንኽእለሉ ብዙሕ ምኽንያታት ሂቡና ኣሎ። እቲ ንምድሓንና ዝኣተዎ መብጽዓ፡ ዓብዪ ምንጪ ሓጐስ እዩ። (መዝ. 13:5) ኣብዚ እዋን እዚ ዘጋጠመ የጋጥመና ብዘየገድስ፡ ኣምላኽ ኣብ መወዳእታ ነቶም ካብ ልቢ ዚደልይዎ ሰባት ዓስቦም ከም ዚህቦም ንፈልጥ ኢና። (መክብብ 8:12 ኣንብብ።) ነብዪ ኣንባቆም ከምዚ ዓይነት እምነት ከም ዝነበሮ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኦም በለስ ኣይክትዕምብብን፡ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኣይኪህሉን፡ ፍረ ኣውሊዕ ኪጠልም፡ ግርሁ ምግቢ ኣይኪህብን እዩ፡ ኣባጊዕ ካብ ደምበ ኺጠፍኣ፡ ኣሓውን ኣብ ደምቤታት ኪሰኣና እየን። ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ባህ ክብል፡ ብኣምላኽ ምድሓነይ እልል ክብል እየ” በለ።—ኣን. 3:17, 18

‘እቲ የሆዋ ዝኣምላኹ ህዝቢ ሕጉስ እዩ’

15, 16. ነቲ ኣብ መጻኢ እንረኽቦ በረኸት እናተጸበና ኸለና ሓጐስ ኬምጽኣልና ኻብ ዚኽእል ውህበት ኣምላኽ ገለ ጥቐስ።

15 ፍቓድ የሆዋ፡ ነቲ ተነቢሩልና ዘሎ ዜደንቕ መጻኢ እናተጸበና፡ በቲ ንሱ ዚህበና ሰናይ ነገራት ክንሕጐስ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “[ንደቂ ሰብ] ካብ ባህ ምባልን ካብ ብህይወቶም ከለዉ ሰናይ ምግባርን ዚሔሾም ከም ዜብሎም ፈለጥኩ። እምበኣርሲ ሰብ እንተ በልዔን እንተ ሰተየን፡ ብዅሉ ጻዕሩ ጽቡቕ እንተ ረአየን፡ እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ” ይብል። (መክ. 3:12, 13) እቲ ኣብዚ “ሰናይ ምግባር” ተባሂሉ ዘሎ፡ ንኻልኦት ዚጠቅም ጽቡቕ ነገራት ምግባር እውን ዜጠቓልል እዩ። የሱስ እውን እንተ ዀነ፡ ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ዝያዳ ኸም ዜሐጕስ ገሊጹ ኣሎ። ንመጻምድትና፡ ንደቅና፡ ንወለድና፡ ከምኡውን ንኻልኦት ኣዝማድና እነርእዮ ሕያውነት፡ ዓሚቝ ዕግበት እዩ ዜምጽኣልና። (ምሳ. 3:27) ብዘይካዚ፡ ንመንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ለዋሃትን ለጋሳትን ይቕረ በሃልትን ምዃንና፡ ብዙሕ ሓጐስ ዜምጽእ እዩ፣ ንየሆዋ እውን ባህ የብሎ እዩ። (ገላ. 6:10፣ ቈሎ. 3:12-14፣ 1 ጴጥ. 4:8, 9) ጥቕሚ ርእስና ብምስዋእ ኣገልግሎትና ንፍጽም እንተ ዄንና ብዙሕ ዓስቢ ኽንረክብ ኢና።

16 እተን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ኣብ መጽሓፍ መክብብ ዚርከባ ቓላት፡ ከም ምብላዕን ምስታይን ዝኣመሰለ ኣብ ህይወትና ዜሐጕሰና ተራ ነገራት እየን ዚጠቕሳ። እወ፡ ጸገማት እናኣጋጠመና እውን ከይተረፈ፡ ካብቲ የሆዋ ዝሃበና ስጋዊ ነገራት ሓጐስ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ ብዜገርም ዕራርቦ ጸሓይ፡ ግርማ ብዝመልኦ ኣቀማምጣ መሬት፡ ንኣሽቱ እንስሳታት ብዚገብርዎ ዕንደራ፡ ከምኡውን ብኻልእ ዜደንቕ ፍጥረታት ገንዘብ ከይከፈልና ኽንሕጐስ ንኽእል ኢና፣ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት እውን ኪሓድረና ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ኸነስተንትን ከለና፡ ነቲ ወሃብ ኵሉ ሰናይ ነገራት ዝዀነ የሆዋ ዘላትና ፍቕሪ እናዓበየት ትኸይድ።

17. ካብቲ ጸገማትና ምሉእ ዕረፍቲ ዜምጽኣልና እንታይ እዩ፧ ክሳዕ ሽዑ ዜጸናንዓናኸ እንታይ እዩ፧

17 ንኣምላኽ ምፍቃርና፡ ንትእዛዛቱ ምሕላውና፡ ከምኡውን ኣብቲ በጅነታዊ መስዋእቲ እምነት ምሕዳርና፡ ካብቲ ዘይፍጽምናና ዜስዕቦ ጸገማት ምሉእ ዕረፍቲ ዜምጽእን ናብ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ዚመርሕን እዩ። (1 ዮሃ. 5:3) ክሳዕ ሽዑ ግን፡ የሆዋ ንዅሉ እቲ ዜሳቕየና ነገራት ኣጸቢቑ ኸም ዚርድኦ ምፍላጥና የጸናንዓና እዩ። ዳዊት፡ “ንመከራይ ርኢኻዮ፡ ንጸበባ ነፍሰይ ፈሊጥካዮ . . . ኢኻ እሞ፡ ብምሕረትካ ኽፍሳህ ክሕጐስውን እየ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝ. 31:7) የሆዋ ብፍቕሩ ተደሪኹ ኻብ ጸበባ ኼድሕነና እዩ።—መዝ. 34:19

18. ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ሓጐስ ኪሰፍን ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

18 እቲ ሕጉስ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ዝኣተዎ መብጽዓ ኽሳዕ ዚፍጸም እናተጸበና፡ ንዕኡ ንምሰሎ። ኣሉታዊ ስምዒታት ንመንፈሳውነትና ኼዳኽሞ ኽንፈቕደሉ የብልናን። ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ብናይ ምሕሳብ ክእለትን ብጥበብን ክንምራሕ ኣሎና። የሆዋ እውን ስምዒታትና ንኽንቈጻጸር፡ ንሳዕቤን እቲ ጸገማት ንምንካይ ድማ ኣድላዪ ዝዀነ ስጕምቲ ንኽንወስድ ኪሕግዘና እዩ። በቲ ኻብ የሆዋ ዚመጽእ ንስጋን ንመንፈስን ዜድሊ ሰናይ ነገራት ንተሓጐስ። ናብ የሆዋ እንተ ጠቢቕና፡ ሕጉሳት ክንከውን ኢና፣ ከመይሲ፡ “እቲ [“የሆዋ፡” NW] ዝኣምላኹ ህዝቢ ብጹእ” ወይ ሕጉስ እዩ።—መዝ. 144:15

እንታይ ተማሂርካ፧

• ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ ንየሆዋ ኽንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ሚዛንካ ምሕላው ንጸገማት ንኽንዋጽኣሉ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

• ኣብ ግዜ ጸበባ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባር ክንሕጐስ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ በቲ ዜጋጥም ዘሎ ሕማቕ ነገራት ይጕሂ እዩ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

© G.M.B. Akash/Panos Pictures

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ሓጐስና ንኽንዕቅብ ዜኽእለና ብዙሕ መገድታት ሂቡና ኣሎ