ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣገዛዝኣ ሰይጣን ከም ዚፈሽል እተረጋገጸ እዩ

ኣገዛዝኣ ሰይጣን ከም ዚፈሽል እተረጋገጸ እዩ

ኣገዛዝኣ ሰይጣን ከም ዚፈሽል እተረጋገጸ እዩ

“ረሲእ . . . ሰናይ ኣይኰነሉን።”—መክ. 8:13

1. እቲ እናቐረበ ዚመጽእ ዘሎ ፍርዲ እኩያት ሰባት ዜጸናንዕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

 ውዒሉ ሓዲሩ፡ እኩያት ሰባት ኣብ ፍርዲ ኪቐርቡ እዮም። ነቲ ዝገበርዎ ነገራት ድማ ኪሕተቱሉ እዮም። (ምሳ. 5:22፣ መክ. 8:12, 13) እዚ ሓሳብ እዚ፡ ብፍላይ ነቶም ጽድቂ ዚፈትዉ ኸምኡውን ነቶም ካብ እኩያት ሰባት ዘይፍትሓዊ ነገራትን ግፍዕን ዘጋጠሞም ሰባት የጸናንዖም እዩ። ካብ መንጎ እቶም እኩያት ሰባት ፈለማ ኣብ ፍርዲ ዚቐርብ፡ እቲ ኣቦ እከይ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ።—ዮሃ. 8:44

2. ነቲ ኣብ ኤድን እተላዕለ ጕዳይ ንምፍታሕ ግዜ ዜድሊ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

2 ኣብ ኤድን፡ ሰይጣን ብትዕቢት ተደሪኹ፡ ሰባት ንኣገዛዝኣ የሆዋ ንኺነጽግዎ ደፋፍኦም። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ እቶም ቀዳሞት ወለድና ምስ ሰይጣን ኰይኖም ነቲ የሆዋ ዘለዎ ናይ ምግዛእ መሰል ኣብ ሕቶ ኣእተውዎ፣ ብሰንኪ እዚ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ሓጥኡ። (ሮሜ 5:12-14) ሓቂ እዩ፡ እዚ ድርቅናኦምን ዕልወቶምን እንታይ ሳዕቤን ከም ዘለዎ የሆዋ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ዘይተርፍ ሳዕቤን እዚ ብዅሎም መስተውዓልቲ ፍጡራት ኪርአ ነበሮ። ስለዚ፡ ነዚ ጕዳይ እዚ ንምፍታሕን እቶም ዓለወኛታት ተጋግዮም ከም ዝነበሩ ንምርግጋጽን ግዜ የድሊ ነበረ።

3. ንሰብኣውያን መንግስትታት እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዘሎና፧

3 ሰባት ንመሪሕነት የሆዋ ስለ ዝነጸግዎ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣገዛዝኣ መስረቱ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ኺጽሕፈሎም ከሎ፡ ንሰብኣውያን መንግስትታት፡ ‘ስልጣናት’ ኢሉ ጸውዖም። ብግዜ ጳውሎስ ዝነበሩ ስልጣናት፡ ሃጸይ ኔሮ ኻብ 54-68 ድ.ክ. ኣብ ዝገዝኣሉ እዋን ንዝነበሩ ሰበ-ስልጣን ዜጠቓልል እዩ። ጳውሎስ ከም ዝገለጾ፡ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰበ-ስልጣን “ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም።” (ሮሜ 13:1, 2 ኣንብብ።) ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን፡ ጳውሎስ ካብ ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ንላዕሊ ንሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ኽብ የብሎ ነይሩ ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ኣብ ክንዳኡስ፡ የሆዋ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ኪቕጽል ክሳዕ ዝፈቐደ፡ ክርስትያናት “ነቲ ስርዓት ኣምላኽ” ብምኽባር ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ገዛእቲ ኪቕበልዎም እዩ ዚገልጽ ነይሩ።

ናብ ዕንወት ዚመርሕ መገዲ

4. ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ኸም ዚፈሽል ርጉጽ ዝዀነሉ ምኽንያት ግለጽ።

4 ይኹን እምበር፡ እዚ ብሰይጣን ዚጽሎ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ኸም ዚፈሽል እተረጋገጸ እዩ። ስለምንታይ፧ ቅድም ቀዳድም፡ ኣብ ኣምላኻዊ ጥበብ እተመስረተ ስለ ዘይኰነ እዩ። የሆዋ ጥራይ እዩ ፍጹም ጥበብ ዘለዎ። ስለዚ፡ ንዕዉት ኣገዛዝኣ ብዚምልከት ዜተኣማምን መምርሒ ኺህብ ዚኽእል ንሱ ጥራይ እዩ። (ኤር. 8:9፣ ሮሜ 16:27) ከምቶም ብፈተናን ብጌጋን ዚመሃሩ ደቂ ሰብ ኣይኰነን፣ ንሓደ ነገር ወትሩ ብዝበለጸ መገዲ እዩ ዚገብሮ። ንመምርሒኡ ዘይስዕብ ዝዀነ ይኹን መንግስቲ ኸኣ ኪዕወት ኣይክእልን እዩ። ነቲ እኩይ ድራኸ ሰይጣን ሓዲግና ነዛ ሓንቲ ምኽንያት እዚኣ ጥራይ ኣብ ግምት ምስ እነእቱ እኳ፡ እቲ ሰይጣን ብደቂ ሰብ ኣቢሉ ኺገዝእ ዝነበሮ ዕላማ ኸም ዚፈሽል ገና ኻብ መጀመርታኡ ፍሉጥ እዩ ነይሩ።

5, 6. ሰይጣን ኣንጻር የሆዋ ደው ኪብል ዝደረኾ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

5 ሓደ መስተውዓሊ ሰብ፡ ከም ዚፈሽል እናፈለጠ ዝዀነ ይኹን ነገር ኪገብር ኣይፍትንን እዩ። ደይ መደይ ኢሉ ኺገብሮ እንተ ጽዒሩ ግን፡ ጌጋኡ ኺእመን እዩ ዚግደድ። ነቲ ዅሉ ዚኽእል ፈጣሪ ምቅዋም ጥቕሚ ኸም ዘይብሉ፡ ኣብ ታሪኽ ብተደጋጋሚ ተራእዩ እዩ። (ምሳሌ 21:30 ኣንብብ።) ይኹን እምበር፡ ሰይጣን ዕቡይን ንርእሱ ኽብ ኣቢሉ ዚርእን ስለ ዝነበረ፡ ንየሆዋ ዝባኑ ሃቦ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ደይመደይ ኢሉ ናብ ዕንወት ዚመርሕ መገዲ መረጸ።

6 ሰይጣን ዝነበሮ ትዕቢት፡ ጸኒሑ ኣብ ንጉስ ባቢሎን ተራእዩ እዩ፣ እቲ ንጉስ ከምዚ ኢሉ ተዓበየ፦ “ናብ ሰማይ ክድይብ፡ ንዝፋነይ ኣብ ልዕሊ ኸዋኽብቲ ኣምላኽ ልዕል ከብሎ፡ ኣብ ወሰን ሰሜን ኣብ ልዕሊ ኸረን ማሕበር ክቕመጥ እየ። ኣብ ልዕሊ ርእሲ ደበናታት ክድይብ፡ ነቲ ኣዝዩ ልዑል ክመስል እየ።” (ኢሳ. 14:13-15) እዚ ንጉስ ባቢሎን ዘውጸኦ ዕሽነት ዝመልኦ ውጥን ፈሸለ፡ ስርወ-ንግስነት ባቢሎን ከኣ ብዜሕፍር መገዲ ተቛረጸ። ሰይጣንን እዛ ኣብ ትሕቲኡ ዘላ ዓለምን እውን ብተመሳሳሊ፡ ምሉእ ብምሉእ ኪጠፍኡ እዮም።

ሰይጣን ኪገዝእ እተፈቕደሉ ምኽንያት

7, 8. የሆዋ ንእተወሰነ እዋን እከይ ኪቕጽል ብምፍቃዱ እተረኽበ ገለ ጥቕምታት እንታይ እዩ፧

7 ገሊኦም ሰባት፡ የሆዋ ንደቂ ሰብ ምስ ሰይጣን ከይሓብሩን ነቲ ኸም ዚፈሽል ዚፍለጥ ዝነበረ ኣገዛዝኣ ኸይስዕቡን ዘይከልከሎም ስለምንታይ ምዃኑ ይሓቱ እዮም። ልዑል ኣምላኽ ከም ምዃኑ መጠን፡ ከምኡ ኺገብር ይኽእል ነይሩ እዩ። (ዘጸ. 6:3) ኰይኑ ግን፡ ከምኡ ኣይገበረን። ከመይሲ፡ እታ ጥበቡ ንግዜኡ ኣብ ዕልዋ ደቂ ሰብ ኢድካ ዘይምእታው፡ ውዒሉ ሓዲሩ ጥቕሚ ኸም ዘለዎ ኺፈልጥ ኣኽኢላቶ እያ። ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ጻድቕን ፈቃርን ገዛኢ ምዃኑ ኺረጋገጽ እዩ፣ እሙናት ደቂ ሰብ ድማ ብውሳነ ኣምላኽ ኪጥቀሙ እዮም።

8 ደቂ ሰብ ንዕላማ ሰይጣን እንተ ዚነጽግዎን ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ባዕሎም ኪውስኑ እንተ ዘይደልዩን ነይሮም፡ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ካብዚ ዅሉ መከራ ምተገላገለ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ የሆዋ ንደቂ ሰብ ብገዛእ ርእሶም ኪምርሑ ምፍቃዱ እተወሰነ ጥቕምታት ኣለዎ። እቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ንኣምላኽ ምስማዕን ኣብኡ ምውካልን ጥበባዊ ኸም ዝዀነ ንኺግንዘቡ ሓጊዝዎም እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመናት፡ ደቂ ሰብ እተፈላለየ ዓይነት ኣገዛዝኣ እኳ እንተ ፈተኑ፡ ኣይተዓወቱን። እዚ መርትዖ እዚ፡ ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ዝበለጸ ምዃኑ ንዘሎና እምነት ዜደልድል እዩ። የሆዋ ነዚ እኩይ ኣገዛዝኣ ሰይጣን ኪቕጽል ምፍቃዱ፡ ንደቂ ሰብ ይኹን ነቶም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ መከራ ኣምጺኡሎም እዩ። ይኹን እምበር፡ እከይ ንእተወሰነ ግዜ ኪቕጽል ምፍቃዱ፡ ነዞም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ጠቒምዎም እዩ።

ንኽብሪ ኣምላኽ ኣበርክቶ ዝገበረ ዕልዋ

9, 10. ኣገዛዝኣ ሰይጣን ንኽብሪ የሆዋ ኣበርክቶ ዝገበረሉ መገድታት ግለጽ።

9 የሆዋ፡ ደቂ ሰብ ብሰይጣን ኪጽለዉን ንገዛእ ርእሶም ባዕሎም ኬመሓድሩን ምፍቃዱ፡ ፈጺሙ ንኣገዛዝኣኡ ዜዋርድ ኣይኰነን። እቲ ኤርምያስ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ዝጸሓፎ፡ ሰባት ንገዛእ ርእሶም ባዕሎም ኪመርሑ ኸም ዘይክእሉ ዚገልጽ ሓሳብ ቅኑዕ ምዃኑ ታሪኽ መስኪሩ እዩ። (ኤርምያስ 10:23 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ ሰይጣን ዘበገሶ ዕልዋ፡ የሆዋ ንባህርያቱ ዝያዳ ንጹር ብዝዀነ መገዲ ንኼርኢ ኣጋጣሚ ኸፊቱ እዩ። ብኸመይ፧

10 እቲ ኣገዛዝኣ ሰይጣን ዘምጸኦ ሕማቕ ሳዕቤን፡ ፍጹም ባህርያት የሆዋ ብንጹር ከም ዚርአ ገይሩ እዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ የሆዋ ኣብ ቅድሚ እቶም ዜፍቅርዎ ሰባት ክብ በለ። እዚ ኣበሃህላ እዚ ንሓድሕዱ ዚጋጮ እኳ እንተ መሰለ፡ ኣገዛዝኣ ሰይጣን ንኽብሪ ኣምላኽ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ልዑላውነት የሆዋ ኣብ ሕቶ እኳ እንተ ኣተወ፡ ነቲ ጕዳይ ዝሓዘሉ ብሉጽ መገዲ ኸም ዚጐልሕ ገይሩ እዩ። ነዚ ሓቂ እዚ ንኽንርድኦ፡ ንገሊኡ ባህርያት የሆዋ እስከ ንመርምር፣ ብዘይካዚ፡ እቲ እኩይ ኣገዛዝኣ ሰይጣን፡ የሆዋ ነዘን ባህርያት እዚኣተን ብተወሳኺ መገድታት ንኸርእየን ብኸመይ ከም ዝደረኾ ኽንርኢ ኢና።

11. ፍቕሪ የሆዋ እተገልጸ ብኸመይ እዩ፧

11 ፍቕሪ። ቅዱሳት ጽሑፋት፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ይብለና። (1 ዮሃ. 4:8) ኣፈጣጥራ ደቂ ሰብ ንባዕሉ መግለጺ ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ ነይሩ። እቲ መስተንክርን ድንቅን ዝዀነ ኣፈጣጥራና ንፍቕሪ ኣምላኽ ዜርኢ እዩ። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ንደቂ ሰብ ኵሉ ዜሐጕሶም ነገራት ዝሓዘት ጽብቕቲ መንበሪት ሃቦም። (ዘፍ. 1:29-31፣ 2:8, 9፣ መዝ. 139:14-16) ይኹን እምበር፡ ደቂ ሰብ ምስ ሓጥኡ፡ የሆዋ ብሓድሽ መገዲ ፍቕሩ ገለጸ። ብኸመይ፧ ሃዋርያ ዮሃንስ ንየሱስ ጠቒሱ ኸምዚ በለ፦ “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” (ዮሃ. 3:16) ኣምላኽ ንሓጢኣተኛታት ምእንቲ ኺብጀዎም ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ምድሪ ኻብ ምልኣኽ ንላዕሊ እሞ ኸመይ ገይሩ እዩ ንደቂ ሰብ ፍቕሩ ኼርእዮም ዚኽእል፧ (ዮሃ. 15:13) እዚ ዓብዪ መግለጺ ፍቕሪ እዚ፡ ንደቂ ሰብ እውን ኣብነት ኰይንዎም እዩ፣ ልክዕ ከም የሱስ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ነታ ኣምላኽ ዘርኣያ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ንኼርእዩ ኣጋጣሚ ኸፈተሎም።—ዮሃ. 17:25, 26

12. ሓይሊ የሆዋ ብኸመይ እዩ እተራእየ፧

12 ሓይሊ። እቲ ‘ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ’ ጥራይ እዩ ህይወት ናይ ምፍጣር ሓይሊ ዘለዎ። (ራእ. 11:17፣ መዝ. 36:9) ሓደ ሰብ ኪውለድ ከሎ፡ ልክዕ ከምቲ ዋላ ሓንቲ ዘይተጻሕፎ ወረቐት እዩ። ኣብ ግዜ ሞት ግን፡ እዚ ወረቐት እዚ ንመንነትን ባህርያትን እቲ ሰብ ብዝጸለወ ውሳነታትን ስጕምትታትን ተመክሮታትን ይመልእ። እዚ ሓበሬታ እዚ ኣብ ዝኽሪ የሆዋ እዩ ዚቕመጥ። ኣብ ግቡእ ግዜኡ ድማ የሆዋ ነዚ ውልቀ-ሰብ እዚ እንደገና ህያው ይገብሮ። (ዮሃ. 5:28, 29) ስለዚ፡ ሞት ናይ መጀመርታ ዕላማ ኣምላኽ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ የሆዋ ንምዉታት እውን ናብ ህይወት ናይ ምምላስ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ንኼርኢ ኣጋጣሚ ኸፊቱ እዩ። ብሓቂ እምበኣር፡ የሆዋ ‘ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ’ እዩ።

13. መስዋእቲ የሱስ መርኣያ ፍጹም ፍትሒ የሆዋ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

13 ፍትሒ። የሆዋ ኣይሕሱን እዩ፡ ዘይፍትሓዊ ተግባር እውን ኣይገብርን እዩ። (ዘዳ. 32:4፣ ቲቶ. 1:2) ዋላ እውን ጸገም ዚፈጥረሉ እንተ መሰለ፡ ነቲ ዝለዓለ መለክዒ ሓቅን ፍትሕን እዩ ዚስዕብ። (ሮሜ 8:32) እቲ ዜፍቅሮ ወዱ ልክዕ ከም ተጻራፊ ኣብ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ተሰቒሉ ኺመውት ኪርእዮ ኸሎስ፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን ተሳቕዩ ኪኸውን ኣለዎ! ይኹን እምበር፡ ንዘይፍጹማት ደቂ ሰብ ብዘለዎ ፍቕሪ ተደሪኹ፡ እቲ ፍጹም ናይ ፍትሒ መለክዒኡ ምእንቲ ኺረጋገጽ፡ እዚ ዜሳቒ ፍጻመ እዚ ንኼጋጥም ፈቐደ። (ሮሜ 5:18-21 ኣንብብ።) እዛ ብዘይ ፍትሓዊ ተግባራት ዝመልአት ዓለም፡ የሆዋ ልዕሊ ዅሉ ፍትሓዊ ኸም ዝዀነ ንኼርኢ ኣጋጣሚ ኸፈተትሉ።

14, 15. እቲ ዜደንቕ ጥበብን ትዕግስትን የሆዋ እተራእየሉ ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧

14 ጥበብ። ደድሕሪ ሓጢኣት ኣዳምን ሄዋንን፡ የሆዋ ነቲ ብሰንኪ ዕልወቶም ዘጋጠመ ሕማቕ ሳዕቤን ዜጥፍኣሉ መገዲ ገለጸ። (ዘፍ. 3:15) ቅልጡፍ ስጕምቲ ምውሳዱ ኸምኡውን ቀስ ብቐስ ዝርዝር እዚ ዕላማ እዚ ንኣገልገልቱ ምግላጹ፡ ንጥበቡ ዜጕልሕ እዩ ነይሩ። (ሮሜ 11:33) ኣምላኽ ንነገራት ብዓወት ካብ ምፍጻም ኪዓግቶ ዚኽእል የልቦን። ኣብዛ ብርኽሰት፡ ብውግእ፡ ብዕሽነት፡ ብዕልዋ፡ ብጭካነ፡ ብኣድልዎ፡ ከምኡውን ብግብዝና ዝመልአት ዓለም፡ የሆዋ ንፍጡራቱ ናይ ሓቂ ጥበብ ኬርእዮም ሰፊሕ ኣጋጣሚ ተኸፍተሉ። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር፡ “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ፡ ደሓርውን ሰላማዊት፡ ልእምቲ፡ ሰማዕ፡ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት፡ ብዘይ ዝሬትን ብዘይ ግብዝናን እያ” በለ።—ያእ. 3:17

15 ዓቕልን ትዕግስትን። የሆዋ ምስ ሰብኣዊ ዘይፍጽምናን ሓጢኣትን ጌጋታትን ኪጋጠም ዜገድድ ኵነታት እንተ ዘይህሉ ነይሩ፡ ዓቕሉን ትዕግስቱን ጐሊሐን ኣይምተራእያን። ነዘን ባህርያት እዚኣተን ንኣሽሓት ዓመታት ኬርእየን ፍቓደኛ ምዃኑ ግን ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ኸም ዘንጸባረቐን ዚሕብር እዩ፣ ንሕና ኸኣ ነዚ ኸነማስወሉ ኣሎና። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ነቲ ትዕግስቲ ጐይታና ንምድሓንኩም ቍጸርዎ” ኺብል እምበኣር ሓቁ እዩ።—2 ጴጥ. 3:9, 15

16. የሆዋ ይቕረ ኺብለልና ፍቓደኛ ምዃኑ ዓብዪ ሓጐስ ዜምጽኣልና ስለምንታይ እዩ፧

16 ይቕረ በሃሊ። ኵልና ሓጥኣን ስለ ዝዀንና፡ ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና። (ያእ. 3:2፣ 1 ዮሃ. 1:8, 9) የሆዋ ‘ኣዝዩ ይቕረ ዚብለልና’ ብምዃኑስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ኸነመስግን ዚግባእ! (ኢሳ. 55:7) ዘይፍጹማት ኴንና ስለ እተወለድና፡ ኣምላኽ ይቕረ ኺብለልና ኸሎ ኣዚና ኢና እንሕጐስ። (መዝ. 51:5, 9, 17) ነዚ ባህ ዜብል ባህርይ የሆዋ ብውልቅና ኽንምከሮ ኸለና፡ ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ትድልድል፡ ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ ንኣርኣእያኡ ኽንቀድሕ ድማ ይድርኸና።—ቈሎሴ 3:13 ኣንብብ።

ዓለም እተበላሸወትሉ ምኽንያት

17, 18. ኣገዛዝኣ ሰይጣን ዝፈሸለ ብኸመይ እዩ፧

17 እቲ ውጽኢት ኣገዛዝኣ ሰይጣን ዝዀነ ስርዓት ዓለም፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመናት ብተደጋጋሚ ፈሺሉ እዩ። ብ1991 እታ ዘ ዩሮፒያን እትበሃል ጋዜጣ፡ “ዓለም ተበላሽያ ድያ ዘላ፧ እሂናይ ደኣ፣ ኰይኑ ግን . . . ብግብሪ ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ብሰባት እያ ተበላሽያ” በለት። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ዀን እዩ! እቶም ቀዳሞት ወለድና ብሰንኪ ጽልዋ ሰይጣን ንኣገዛዝኣ የሆዋ ሓዲጎም ንሰብኣዊ ኣገዛዝኣ መረጹ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣብ መወዳእታኡ ዚፈሽል ኣገዛዝኣ ተጀመረ። ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ ሰባት ዜጋጥሞም ዘሎ መከራን ስቓይን፡ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ተባላሽዩ ኸም ዘሎ ዚሕብር እዩ።

18 ኣገዛዝኣ ሰይጣን፡ ስስዐ ዝመልኦ እዩ። ይኹን እምበር፡ ስስዐ ነቲ መሰረት ኣገዛዝኣ የሆዋ ዝዀነ ፍቕሪ ኺስዕሮ ኣይክእልን እዩ። ኣገዛዝኣ ሰይጣን ርግኣትን ሓጐስን ድሕንነትን ኬምጽእ ኣይከኣለን። ኣገዛዝኣ የሆዋ ግን ቅኑዕ ምዃኑ ተረጋጊጹ እዩ። ነዚ ዚሕብር ዘመናዊ መርትዖ ኣሎዶ፧ እወ። ብዛዕባ እዚ ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።

ነዚ ዚስዕብ ጥቕስታት ምንባብና ብዛዕባ ኣገዛዝኣ እንታይ ምሂሩና፧

ሮሜ 13:1, 2

ምሳሌ 21:30

ኤርምያስ 10:23

ቈሎሴ 3:13

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኣገዛዝኣ ሰይጣን ንደቂ ሰብ ፈጺሙ ኣይጠቐሞምን

[ምንጪ ስእሊ]

U.S. Army photo

WHO photo by P. Almasy

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ሓይሊ የሆዋ ንምዉታት እውን ኬተንስእ ይኽእል እዩ

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ፍቕርን ፍትሕን የሆዋ ኣብ መስዋእቲ ወዱ ተራእየ