ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣገዛዝኣ የሆዋ ቕኑዕ ምዃኑ ተረጋጊጹ

ኣገዛዝኣ የሆዋ ቕኑዕ ምዃኑ ተረጋጊጹ

ኣገዛዝኣ የሆዋ ቕኑዕ ምዃኑ ተረጋጊጹ

‘እቲ ልዑል ኣብ መንግስቲ ሰብ ይመልኽ።’—ዳን. 4:17

1, 2. ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ዝፈሸለሉ ገለ ምኽንያታት እንታይ እዩ፧

 ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ኸም ዝፈሸለ ኣየጠራጥርን እዩ። ከምዚ ዝዀነሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ደቂ ሰብ ብዓወት ኪገዝኡ ዜኽእሎም ጥበብ ስለ ዘይብሎም እዩ። ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ኸም ዝፈሸለ ብፍላይ ኣብዚ ግዜና ግሁድ እዩ፣ ከመይሲ፡ ብዙሓት ገዛእቲ ‘ፈተውቲ ርእሶም፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ተጀሃርቲ፡ ዕቡያት፡ ርኹሳት፡ ተቐየምቲ፡ ሓመይቲ፡ ቀለልቲ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ተፈኽነንቲ’ እዮም።—2 ጢሞ. 3:2-4

2 ቅድሚ ብዙሕ ዘመናት፡ እቶም ቀዳሞት ወለድና ንኣገዛዝኣ ኣምላኽ ነጸግዎ። ከምኡ ኺገብሩ ኸለዉ፡ ባዕሎም ንርእሶም ዜመሓድሩ መሲልዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከም ሓቂ ግን፡ ንኣገዛዝኣ ሰይጣን እዮም ተቐቢሎም። በቲ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ዝዀነ ሰይጣን ዚጽሎ ንሽዱሽተ ሽሕ ዓመት ዝጸንሐ ብልሹው ሰብኣዊ ምምሕዳር፡ ቀንዲ ጠንቂ እዚ ሕጂ ዘለናሉ ሕማቕ ኵነታት እዩ። (ዮሃ. 12:31) ዘ ኦክስፎርድ ሂስትሪ ኦቭ ዘ ትዌንቲዝ ሰንችሪ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ደቂ ሰብ ክትገልጽ ከላ፡ “ፍጽምቲ ዓለም ክትረክብ ምጽባይ” ከንቱ ምዃኑ ሓበረት። ቀጺላ ድማ፡ “[ፍጽምቲ] ዓለም ክትረክብ ዘይከኣል እዩ፣ ከምዚኣ ዓይነት ዓለም ክትፈጥር ምጽዓር እሞ ኸኣ ናብ ዕንወትን ውልቀ-ምልካውነትን፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ድማ ናብ ውግእ እዩ ዚመርሕ” በለት። እዝስ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ኸም ዝፈሸለ ብንጹር ዚሕብር ደይኰነን፧

3. ኣዳምን ሄዋንን እንተ ዘይሓጥኡ ነይሮም፡ ምምሕዳር ኣምላኽ እንታይ ምመሰለ ነይሩ፧

3 ቀዳሞት ወለድና ነቲ ብኣምላኽ ዚመሓደር ዝበለጸ ኣገዛዝኣ ምንጻጎም ክሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ! ሓቂ እዩ፡ ኣዳምን ሄዋንን እሙናት እንተ ዚዀኑ ነይሮም፡ የሆዋ ንምድሪ ብኸመይ ከም ዜመሓድራ ብልክዕ ኣይንፈልጥን ኢና። ኰይኑ ግን፡ ብዅሎም ደቂ ሰብ ተቐባልነት ዘለዎ ኣምላኻዊ ኣገዛዝኣ፡ ፍቕርን ፍትሕን ከም ዜምጽእ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ግብ. 10:34፣ 1 ዮሃ. 4:8) ነቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ጥበብ ኣምላኽ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ደቂ ሰብ ንየሆዋ እንተ ዚግዝኡ ነይሮም፡ እቶም ንሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ዚድግፉ ሰባት ዝገበርዎ ጌጋታት ምተወገደ። ቲኦክራሲ፡ ማለት ምምሕዳር ኣምላኽ ‘ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ኣብ ምጽጋብ’ ዕዉት ምዀነ። (መዝ. 145:16) ብሓጺሩ፡ ፍጹም ኣገዛዝኣ ምሃለወ ነይሩ። (ዘዳ. 32:4) ደቂ ሰብ ነዚ ምንጻጎምሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ!

4. ሰይጣን ንኺገዝእ ዘለዎ ስልጣን ክሳዕ ክንደይ እዩ፧

4 የሆዋ ንደቂ ሰብ ገዛእ ርእሶም ኬመሓድሩ እኳ እንተ ፈቐደሎም፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ፍጡራቱ ናይ ምግዛእ ዘለዎ መሰል ከም ዘይሓደጎ ግን ክንዝክር ኣሎና። እቲ ሓያል ዝነበረ ንጉስ ባቢሎን እውን እንተ ዀነ፡ “እቲ ልዑል ኣብ መንግስቲ ሰብ ከም ዚመልኽ” ኪኣምን ተገዲዱ ነበረ። (ዳን. 4:17) ስለዚ፡ ውዒሉ ሓዲሩ መንግስቲ ኣምላኽ ንፍቓድ ኣምላኽ ክትፍጽም እያ። (ማቴ. 6:10) ሓቂ እዩ፡ የሆዋ ነቲ ብሰይጣን እተላዕለ ጕዳይ ዚኸውን ዜእምን መልሲ ምእንቲ ኺህብ፡ እቲ ተቓዋሚ ንእተወሰነ ግዜ “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ዀይኑ ኪቕጽል ፈቒዱ እዩ። (2 ቈረ. 4:4፣ 1 ዮሃ. 5:19) ኰይኑ ግን፡ ሰይጣን ክንዮ እቲ የሆዋ ዝፈቐደሉ ኺሓልፍ ኣይክእልን እዩ። (2 ዜና 20:6፣ ምስ እዮብ 1:11, 12፣ 2:3-6 ኣረኣእዮ።) ኣብዛ በቲ ዝዓበየ ተቓዋሚ ኣምላኽ እትግዛእ ዓለም እናነበሩ ኽነሶም፡ ንኣምላኽ ኪእዘዙ ዚመርጹ ውልቀ-ሰባት ወትሩ ኣለዉ።

ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝገዝኣሉ መገዲ

5. እስራኤላውያን ምስ የሆዋ ኸመይ ዝበለ ቓል ኪዳን እዮም ኣትዮም፧

5 ካብ ግዜ ኣቤል ጀሚርካ ኽሳዕ እቲ ኣበው ዝነበሩሉ እዋን፡ ሓያሎ እሙናት ውልቀ-ሰባት ንየሆዋ ኣምሊኾምን ንሕግታቱ ተኣዚዞምን እዮም። (እብ. 11:4-22) ብግዜ ሙሴ፡ የሆዋ ምስ ዘርኢ እቲ ኣበው ዝነበረ ያእቆብ ቃል ኪዳን ኣተወ፣ እዚኣቶም ከኣ ህዝቢ እስራኤል ኰኑ። ብ1513 ቅ.ክ. እስራኤላውያንን ደቆምን፡ “እግዚኣብሄር ዝበሎ ዅሉ ንገብር” ብምባል ንየሆዋ ኸም ገዛኢኦም ገይሮም ተቐበልዎ።—ዘጸ. 19:8

6, 7. ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዚገዝኣሉ ዝነበረ መገዲ ኸመይ ይመስል፧

6 የሆዋ ንእስራኤላውያን ህዝቡ ኪዀኑ ኺመርጾም ከሎ፡ ሓደ ዕላማ ነበሮ። (ዘዳግም 7:7, 8 ኣንብብ።) ከምኡ ዝገበረ ንድሕንነቶም ጥራይ ኢሉ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስም ኣምላኽን ልዑላውነቱን እውን ዚምልከት እዩ ነይሩ። እስራኤላውያን፡ የሆዋ ጥራይ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ንምምስካር እዮም ተመሪጾም። (ኢሳ. 43:10፣ 44:6-8) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ፡ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ እተቐደሰ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንእኡ ፍሉይ ህዝቢ ኽትኰኖ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ንኣኻ ሐረየካ” በሎም።—ዘዳ. 14:2

7 ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዚገዝኣሉ ዝነበረ መገዲ፡ ንዘይፍጽምናኦም ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ እቲ ዝሃቦም ሕግታት፡ ፍጹምን ንባህርይ ወሃቢኡ ዜንጸባርቕን እዩ ነይሩ። እቲ ብሙሴ ኣቢሉ እተዋህበ ሕግታት፡ ቅዱስ፡ ፍትሒ ዚፈቱ፡ ይቕረ በሃሊ፡ ከምኡውን ዕጉስ ምዃኑ ዜጕልሕ ነበረ። ጸኒሑ ብግዜ እያሱ፡ እቶም ህዝቢ ንትእዛዛት ኣምላኽ ብምሕላዎም ሰላምን መንፈሳዊ በረኸትን ረኸቡ። (እያ. 24:21, 22, 31) እቲ እዋን እቲ፡ ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ዕዉት ምዃኑ ዜርኢ ነበረ።

ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ዘምጸኦ ሳዕቤን

8, 9. እስራኤላውያን ከመይ ዝበለ ጥበብ ዝጐደሎ ሕቶ እዮም ዝሓተቱ፧ እዚኸ እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧

8 ድሕሪ ግዜ፡ እስራኤላውያን ብተደጋጋሚ ኻብ ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ስለ ዝረሓቑ፡ ዕቝባኡ ይስእኑ ነበሩ። ጸኒሑ፡ ብነብዪ ሳሙኤል ኣቢሎም ሰብኣዊ ንጉስ ኪህልዎም ሓተቱ። የሆዋ ንሳሙኤል ድልየቶም ኬማልኣሎም ነገሮ። “ኣነ ኸይነግሶም፡ ንኣይ እዮም ዝነዐቑ እምበር፡ ንኣኻ ኣይኰኑን ዝነዐቑ እሞ፡ እዞም ህዝቢ ብዝበሉኻ ዅሉ ቓሎም ስማዕ” ድማ በሎ። (1 ሳሙ. 8:7) የሆዋ፡ እስራኤላውያን ዚርአ ንጉስ ኪህልዎም እኳ እንተ ፈቐደሎም፡ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ብዛዕባ ዜምጽኦ ሳዕቤን እውን ኣጠንቂቕዎም እዩ።—1 ሳሙኤል 8:9-18 ኣንብብ።

9 እቲ የሆዋ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ሓቂ ምዃኑ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ እዩ። እስራኤላውያን ብሰብኣዊ ንጉስ ኪግዝኡ ምስ ጀመሩ፡ ብሕልፊ ኸኣ እቲ ንጉስ እሙን ኣብ ዘይኰነሉ እዋናት፡ ብዙሕ ጸገማት የጋጥሞም ነበረ። ንተመክሮ እስራኤላውያን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመናት ዝነበረ ንየሆዋ ብዘይፈልጡ ሰባት ዚምራሕ መንግስትታት ነባሪ ዝዀነ ጽቡቕ ውጽኢት ኬምጽእ ዘይምኽኣሉ ዜገርም ኣይኰነን። ገሊኦም ፖለቲከኛታት፡ ሰላምን ጸጥታን ኬምጽኡ ኣብ ዚገብርዎ ጻዕሪ፡ ኣምላኽ ኪባርኾም ይልምኑ እዮም፣ ኰይኑ ግን፡ ኣምላኽ ነቶም ንኣገዛዝኣኡ ዘይቅበሉ ሰባት ከመይ ገይሩ እዩ ኺባርኾም፧—መዝ. 2:10-12

ብኣምላኽ ዚግዛእ ሓድሽ ህዝቢ

10. እስራኤላውያን ብኻልኦት ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ እተተክኡ ስለምንታይ እዮም፧

10 ህዝቢ እስራኤል ንየሆዋ ብተኣማንነት ኬገልግልዎ ፍቓደኛታት ዘይምዃኖም ኣርእዮም እዮም። ኣብ መወዳእታኡ፡ ነቲ ብኣምላኽ እተቐብአ መሲሕ ነጸግዎ፣ የሆዋ ድማ ነጸጎም፡ ሓድሽ ህዝቢ ብዜቝሙ ጕጅለ ሰባት ኪትክኦም ከኣ ዓለመ። ከም ውጽኢቱ፡ ብ33 ድ.ክ. ብቕቡኣት ኣምለኽቲ የሆዋ ዝቘመት ክርስትያናዊት ጉባኤ ተመስረተት። በዚ ኸምዚ፡ እዛ ጉባኤ እዚኣ ብኣምላኽ እትግዛእ ሓድሽ ህዝቢ ዀነት። ጳውሎስ ነዛ ጉባኤ እዚኣ፡ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ኢሉ ጸዊዕዋ ኣሎ።—ገላ. 6:16

11, 12. ንሓላፍነት ብዚምልከት ኣብ መንጎ እስራኤልን “ናይ ኣምላኽ እስራኤልን” እንታይ ምምስሳል እዩ ዘሎ፧

11 እቶም ቀዳሞት ህዝቢ እስራኤል ምስቶም ሓደስቲ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ዚፈላለዩሉን ዚመሳሰሉሉን መዳያት ኣሎ። ንኣብነት፡ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ከም ጥንታዎት እስራኤላውያን ሰብኣዊ ንጉስ የብላን፣ ኣብ ክንዲ ሓጢኣተኛታት ኢልካ ዚግበር መስዋእቲ እንስሳታት እውን ኣይተቕርብን እያ። ህዝቢ እስራኤልን ክርስትያናዊት ጉባኤን ዚመሳሰሉሉ ሓደ መዳይ፡ እቲ ንዓበይቲ ህዝቢ ወይ ንሽማግለታት ዚምልከት መሰናድዎ እዩ። (ዘጸ. 19:3-8) እዞም ክርስትያን ሽማግለታት እዚኣቶም፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መጓሰ ኣይገዝኡን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነታ ጉባኤ ይጓስይዋ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ድማ ደኺመ ኸይበሉ ይካፈሉ። ብዘይካዚ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ጉባኤ ዚርከብ ሰብ ብፍቕርን ብኣኽብሮትን እዮም ዚሕዝዎ።—2 ቈረ. 1:24፣ 1 ጴጥ. 5:2, 3

12 ኣባላት “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ከምኡውን እቶም ብጾቶም ዝዀኑ “ኻልኦት ኣባጊዕ” ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ምስ እስራኤላውያን ዝነበሮ ርክብ ብምስትንታን፡ ንየሆዋን ንኣገዛዝኣኡን ዘለዎም ሞሳ ኽብ ኬብሉ ይኽእሉ እዮም። (ዮሃ. 10:16) ንኣብነት፡ ኣብ ታሪኽ ከም እተራእየ፡ ሰብኣውያን መራሕቲ እስራኤል ንተገዛእቶም ብጽቡቕ ኰነ ብሕማቕ ይጸልውዎም ነይሮም እዮም። እዚ ሓቂ እዚ፡ እቶም ኣብ መንጎ ክርስትያናት መሪሕ ግደ ዘለዎም ኣሕዋት፡ ልክዕ ከምቶም ጥንታዎት ነገስታት ዘይገዝኡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ብእምነቶም ኣብነታውያን ኪዀኑ ኸም ዘለዎም እዩ ዚምህሮም።—እብ. 13:7

የሆዋ ሎሚ ዚገዝኣሉ መገዲ

13. ብ1914 እንታይ ኣገዳሲ ፍጻመ እዩ ዘጋጠመ፧

13 ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት፡ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ድሕሪ ሓጺር እዋን ከም ዚጠፍእ ይሰብኩ እዮም። ብ1914 የሆዋ ነታ ብየሱስ ክርስቶስ እትመሓደር መንግስቱ ኣብ ሰማይ ኣቘመ። ኣብቲ እዋን እቲ ድማ ንየሱስ፡ “እናሰዐረስ ኪስዕር” ስልጣን ሃቦ። (ራእ. 6:2) ነዚ ሓድሽ ንጉስ ከኣ፡ “ኣብ ማእከል ጸላእትኻ ግዛእ” ተባሂሉ ተነግሮ። (መዝ. 110:2) እቲ ዜሕዝን ግን፡ ኣህዛብ ብተደጋጋሚ ንኣገዛዝኣ የሆዋ ምቕባል ኣበዩ። በዚ ኸምዚ ድማ ‘ኣምላኽ ከም ዘየልቦ’ ገይሮም ብምሕሳብ ዋላ ሓንቲ ግዲ ኣይገበሩን።—መዝ. 14:1

14, 15. (ሀ) ሎሚ ብመንግስቲ ኣምላኽ እንግዛእ ዘለና ብኸመይ ኢና፧ ንርእስናኸ እንታይ ኢልና ኢና ኽንሓትት ዘሎና፧ (ለ) ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ዝበለጸ ምዃኑ ኣብዚ ግዜና እውን ከይተረፈ ዚርአ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧

14 ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ሒደት ቅቡኣት ኣባላት “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ኣብ ምድሪ ኣለዉ፣ እዚኣቶም ከኣ ኣሕዋት የሱስ ከም ምዃኖም መጠን፡ “ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት” እዮም። (2 ቈረ. 5:20) ንቕቡኣት ኰነ ነቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎም እናወሰኹ ዚኸዱ ዘለዉ ብዙሓት ህዝቢ፡ ሓልዮት ንኼርእዩን መንፈሳዊ ምግቢ ንኼዳልዉን ከም እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ዀይኖም ተሸይሞም እዮም። (ማቴ. 24:45-47፣ ራእ. 7:9-15) ሎሚ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ዚረኽብዎ ዘለዉ መንፈሳዊ ብልጽግና፡ የሆዋ ነዚ መሰናድዎ እዚ ይባርኾ ኸም ዘሎ ዜርኢ እዩ።

15 ነፍሲ ወከፍና ኸምዚ ዚስዕብ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ይግባእ፦ ‘ነቲ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኽስከሞ ዘሎኒ ሓላፍነታት ምሉእ ብምሉእ እፈልጦ ድየ፧ ንኣገዛዝኣ የሆዋ ብግቡእ እድግፎዶ ኣለኹ፧ ተገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ ብምዃነይ እሕበን ድየ፧ ብዝከኣለኒ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኽነግሮም ቈሪጸ ድየ፧’ ብደረጃ ጕጅለ፡ ነቲ ኻብ ኣመሓዳሪ ኣካል ዚወሃበና መምርሒ ብፍታው ንእዘዞን ምስቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ እተሸሙ ሽማግለታት ንተሓባበርን ኢና። በዚ ኸምዚ ድማ ንኣገዛዝኣ ኣምላኽ ከም እተቐበልና ነርኢ። (እብራውያን 13:17 ኣንብብ።) ብፍታው ንእዘዝ እንተ ዄንና፡ ኣብዛ ተኸፋፊላ ዘላ ዓለም ፈጺሙ ዘይርከብ ዓይነት ዓለምኻዊ ሓድነት ይህልወና። ብዘይካዚ፡ ሰላምን ጽድቅን ነፍሪ፣ ኣገዛዝኣኡ ዝበለጸ ምዃኑ ብምርኣይ ድማ ንየሆዋ ኽብሪ ነምጽኣሉ።

ኣገዛዝኣ የሆዋ ኺዕወት እዩ

16. ሎሚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከመይ ዝበለ ውሳነ እዩ ኺገብር ዘለዎ፧

16 እቲ ኣብ ኤድን እተላዕለ ጕዳይ ዚፍትሓሉ ግዜ ቐሪቡ እዩ። ስለዚ፡ ሰባት ውሳነ ዚገብሩሉ እዋን ሕጂ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብ ኣገዛዝኣ የሆዋን ኣገዛዝኣ ሰብን ነየናይ ከም ዚቕበል ኪውስን ኣለዎ። ነቶም ትሑታት ሰባት ቅኑዕ ውሳነ ኺገብሩ ኽንሕግዞም ፍሉይ መሰል ተዋሂቡና ኣሎ። ኣብ ኣርማጌዶን፡ ኣገዛዝኣ የሆዋ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ሰይጣን ዚርከብ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ንሓዋሩ ኪቕይሮ እዩ። (ዳን. 2:44፣ ራእ. 16:16) እወ፡ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ኺጠፍእ እዩ፣ መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ንብምልእታ ምድሪ ኽትቈጻጸራ እያ። ሽዑ ኣገዛዝኣ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ቅኑዕ ምዃኑ ኺረጋገጽ እዩ።—ራእይ 21:3-5 ኣንብብ።

17. ትሑታት ሰባት ንኣገዛዝኣ ብዚምልከት ቅኑዕ ውሳነ ኺገብሩ ዚሕግዞም ኣየናይ ሓቅታት እዩ፧

17 እቶም ንየሆዋ ንምድጋፍ ቈራጽ ውሳነ ዘይገበሩ፡ ብዛዕባ እቲ ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዜምጽኦ ጥቕምታት ብጸሎት ኣሰንዮም ኪሓስቡሉ ኣለዎም። ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ነቲ ብሰንኪ ገበንን ግብረ-ሽበራን ዚመጽእ ጸገማት ኪፈትሖ ኣይከኣለን። ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ግን ንዅሎም እኩያት ካብ ገጽ ምድሪ ኼጥፍኦም እዩ። (መዝ. 37:1, 2, 9) ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ናብ ዘየቋርጽ ውግእ እዩ ዚመርሕ፡ ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ግን፡ “ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ።” (መዝ. 46:9) አረ ኣብ መንጎ ሰብን እንስሳታትን እውን ሰላም ኬስፍን እዩ! (ኢሳ. 11:6-9) ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ብድኽነትን ጥሜትን ዚፍለጥ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ግን ነዚ ኼወግዶ እዩ። (ኢሳ. 65:21) እቶም ቅኑዕ ድራኸ ዘለዎም ሰብኣውያን መራሕቲ እውን እንተ ዀኑ፡ ንሕማምን ሞትን ኬጥፍእዎ ኣይከኣሉን፣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኣምላኽ ግን ኣረጋውያንን ሕሙማትን ናብ መዓልትታት ጕብዝናኦም ኪምለሱ እዮም። (እዮ. 33:25፣ ኢሳ. 35:5, 6) እወ፡ ምድሪ ገነት ክትከውን፡ ምዉታት ድማ ኪትንስኡ እዮም።—ሉቃ. 23:43፣ ግብ. 24:15

18. ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ዝበለጸ ምዃኑ ኸም እንኣምን ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

18 ኣገዛዝኣ ኣምላኽ፡ ሰይጣን ነቶም ቀዳሞት ወለድና ኻብ ፈጣሪኦም ኪዓልዉ ምስ ደረኾም ንዝሰዓበ ሕማቕ ነገራት ኬጥፍኦ እዩ። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ሰይጣን ን6,000 ዓመት እኳ ጕድኣት እንተ ኣውረደ፡ ኣምላኽ ግን ብክርስቶስ ኣቢሉ ነዚ ዅሉ ጕድኣት ኣብ ውሽጢ 1,000 ዓመት ኬወግዶ እዩ። እዝስ ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ዝበለጸ ምዃኑ ዚሕብር ከመይ ዝበለ ዜዕግብ መርትዖ ዀን እዩ! መሰኻኽር ኣምላኽ ከም ምዃንና መጠን፡ ንዕኡ ኸም ገዛኢና ጌርና ንቕበሎ ኢና። ስለዚ፡ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፡ ካብኡ ሓሊፍና እውን ነፍሲ ወከፍ ሰዓት፡ ኣምለኽቲ የሆዋን ተገዛእቲ መንግስቱን ምዃንና ነርኢ፣ መሰኻኽሩ ብምዃንና ኸኣ ንተሓበን። ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ዝበለጸ ምዃኑ ድማ ንዝረኸብናዮ ዘበለ ንንገር።

ነዚ ዚስዕብ ጥቕስታት ምንባብና ንኣገዛዝኣ ኣምላኽ ብዚምልከት እንታይ ምሂሩና፧

ዘዳግም 7:7, 8

1 ሳሙኤል 8:9-18

እብራውያን 13:17

ራእይ 21:3-5

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ነቲ ናይ ምግዛእ መሰሉ ሓዲግዎ ኣይፈልጥን

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ንኣገዛዝኣ የሆዋ ብፍታው ምእዛዝ፡ ዓለምለኻዊ ሓድነት የምጽእ