ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ደቅኻ ንዜጋጥሞም ብድሆታት ኪዋጽኡሉ ሓግዞም

ደቅኻ ንዜጋጥሞም ብድሆታት ኪዋጽኡሉ ሓግዞም

ደቅኻ ንዜጋጥሞም ብድሆታት ኪዋጽኡሉ ሓግዞም

መንእሰያትና ኸቢድ ጸቕጢ የጋጥሞም እዩ። ንመንፈስ እዛ እክይቲ ናይ ሰይጣን ዓለም እተቓልዑ እዮም፣ “ትምኒት ጕብዝና” እውን ቓልሲ ይዀኖም እዩ። (2 ጢሞ. 2:22፣ 1 ዮሃ. 5:19) ብተወሳኺ፡ ‘ንፈጣሪኦም ስለ ዚዝክሩ፡’ ንእምነቶም ካብ ዚቃወሙ ሰባት ንዜጋጥሞም ላግጽን መጥቃዕትን ይጻወሩ እዮም። (መክ. 12:1) ቪንሰንት ዚበሃል ሓው ብግዜ ንእስነቱ ዝነበረ ዅነታት ኪዝክር ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ገሊኦም ወትሩ የሸግሩንን ይድህሉንን ናይ የሆዋ ምስክር ብምዃነይ ይበኣሱንን ነይሮም። ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ዅነታት ሕማቕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸይድ እውን ኣይደልን እየ ነይረ።” a

ደቅና፡ ኣብ ርእሲ እቲ ኻብ ዓለም ዚመጾም ጸቕጢ፡ ምስቲ ንመዛኑኦም ኪመስሉ ዘለዎም ባህጊ እውን ኪቃለሱ የድልዮም እዩ። ካትሊን እትበሃል ጐርዞ፡ “ካብ ካልኦት እተፈለኻ ምዃን ቀሊል ኣይኰነን” በለት። ኣለን ዚበሃል መንእሰይ ሓው ድማ፡ “ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ምስ መማህርተይ ግዜ ኸሕልፍ ዕድመ ይቐርበለይ እዩ፡ ክኸይድ እውን እደሊ እየ” በለ። ብተወሳኺ፡ መንእሰያት ኣብ ናይ ቤት ትምህርቲ ስፖርታዊ ንጥፈታት ኪካፈሉ ሓያል ባህጊ ኣለዎም፣ እዚ ኸኣ ብቐሊሉ ናብ ሕማቕ ዕርክነት ኪመርሖም ይኽእል እዩ። ታንያ እትበሃል መንእሰይ ሓብቲ፡ “ስፖርት ኣዝየ እየ ዝፈቱ። እቶም ናይ ቤት ትምህርትና ኣሰልጠንቲ ምስ ሓንቲ ጋንታ ኸጻዉቱኒ ይፍትኑ ነይሮም እዮም። ነዚ ምንጻግ ከኣ ከቢዱኒ ነበረ” በለት።

ደቅኻ ነቲ ዜጋጥሞም ብድሆታት ንኺዋጽኡሉ ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧ ወለዲ ንደቆም መምርሒ ኺህብዎም የሆዋ ኣዚዙ እዩ። (ምሳ. 22:6፣ ኤፌ. 6:4) ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለዲ፡ ኣብ ልቢ ደቆም ንየሆዋ ናይ ምእዛዝ ባህጊ ኼሕድሩ እዮም ዚጽዕሩ። (ምሳ. 6:20-23) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ወለዶም ኣብ ዘይህልዉሉ እዋን እውን ከይተረፈ፡ እቶም ቈልዑ ንጸቕጢ እዛ ዓለም እዚኣ ኺዋጽኡሉ ይኽእሉ።

ወለዲ ኸም ድራር ዕለት ምምእራር፡ ቈልዑ ምዕባይ፡ ናይ ጉባኤ ንጥፈታት ምዕያይ ዝኣመሰለ ነገራት ብሓንሳእ ኪፍጽምዎ ኣዝዩ የጸግሞም እዩ። ገሊኦም እሞ ኸኣ ንጽል ወለዲ ኽነሶም ወይ ከኣ ካብ ዘይኣማኒ ብጻዮም ምጽራር እናኣጋጠሞም እዮም ከምኡ ዚገብሩ። ኰይኑ ግን፡ ወለዲ ንደቆም መንፈሳዊ ደገፍ ዚገብሩሉ ግዜ ኺምድቡ የሆዋ ይደሊ እዩ። እሞኸ፡ ደቅኻ መዓልታዊ ኻብ መዛኑኦም ንዜጋጥሞም ጸቕጥን ፈተናታትን ኪዋጽኡሉ ንምሕጋዝ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ምስ የሆዋ ብሕታዊ ርክብ ምምስራት

ብቐዳምነት፡ የሆዋ ንመንእሰያትና ጋህዲ ኪዀነሎም ኣለዎ። ‘ነቲ ዘይርአ ምእንቲ ኺርእይዎ’ ሓገዝ የድልዮም እዩ። (እብ. 11:27) እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ቪንሰንት፡ ምስ የሆዋ ብሕታዊ ርክብ ንኼማዕብል ወለዱ ብኸመይ ከም ዝሓገዝዎ ኺዝክር ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ኣገዳስነት ጸሎት ምሂሮምኒ እዮም። ካብ ቍልዕነተይ ጀሚረ ቕድሚ ምድቃሰይ ናብ የሆዋ ኽጽሊ ትዝ ይብለኒ። የሆዋ ጋህዲ ዀይኑለይ ነበረ።” ምስ ደቅኹም ኴንኩም ትጽልዩዶ፧ ደቅኹም ናብ የሆዋ ኺጽልዩ ኸለዉ እንታይ ከም ዚብሉ ስለምንታይ ዘይትሰምዕዎም፧ ሓደ ዓይነት ቃላት ድዮም ዚደጋግሙ፡ ወይስ ብዛዕባ የሆዋ ዘለዎም ናይ ሓቂ ስምዒት እዮም ዚገልጹ፧ ንጸሎቶም ብምስማዕ ብዛዕባ መንፈሳዊ ዕቤቶም ክትፈልጡ ትኽእሉ ኢኹም።

ናይ ብሕቲ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መንእሰያት ናብ የሆዋ ኪቐርቡ ዜኽእሎም ካልእ መገዲ እዩ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ካትሊን፡ “ብግዜ ንእስነተይ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባበይ ሓጊዙኒ እዩ። ዋላኳ ሰባት እንተ ተጻረሩኒ፡ የሆዋ ኸም ዚድግፈኒ ምትእምማን ኣሕዲሩለይ እዩ” በለት። ደቅኻ ናይ ገዛእ ርእሶም መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዎምዶ፧—መዝ. 1:1-3፣ 77:12

ቈልዑ ንመምርሒ ወለዶም ዚህብዎ ምላሽ ከም ዚፈላለ ዚከሓድ ኣይኰነን። ብዘይካዚ፡ መንፈሳዊ ዕቤቶም ኣብ ዕድሚኦም ይምርኰስ ይኸውን። ኰይኑ ግን፡ ንየሆዋ ብብሕቲ ንኺፈልጥዎ መምርሒ የድልዮም እዩ። ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ብምሳልያዊ መገዲ ንየሆዋ ምእንቲ ኺሰምዕዎ፡ ወለዲ ንቓል ኣምላኽ ኣብ ልቦም ኬስርጹሎም ኣለዎም። (ዘዳ. 6:6-9) ደቅኻ፡ የሆዋ ብብሕቲ ኸም ዚሓልየሎም ኪኣምኑ ኣለዎም።

ትርጕም ዘለዎ ዕላል እትገብረሉ መገድታት

ዕላል ንደቅኻ እትሕግዘሉ ኻልእ ኣገዳሲ መገዲ እዩ። ሓቂ እዩ፡ ጽቡቕ ዕላል ኪበሃል ከሎ፡ ንደቅኻ ኻብ ምዝራብ ንላዕሊ ዜጠቓልል እዩ። ዋላ እውን እቲ ዚህብዎ መልስታት ካብቲ ዝሓሰብካዮ እተፈልየ ይኹን፡ ሕቶታት ምሕታትን ብትዕግስቲ ምስማዕን ኣገዳሲ እዩ። ኣደ ኽልተ ቘልዑ ዝዀነት ኣን፡ “እቲ ዚሓስብዎ ዘለዉን ኣብ ህይወቶም ዜጋጥሞም ዘሎን ክሳዕ ዚርድኣኒ ሕቶታት እሓቶም እየ” በለት። ደቅኻ ጽን ከም እትብሎም ኰይኑ ድዩ ዚስምዖም፧ እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ታንያ፡ “ወለደይ ጽን ኢሎም ይሰምዑንን ነቲ ዘዕለልናዮ ይዝክርዎን እዮም። ንመማህርተይ ብስሞም ይፈልጥዎም እዮም። ብዛዕባኦምን ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን እተመያየጥናሉ ነጥብታትን እውን ይሓቱኒ እዮም” በለት። እወ፡ ምስማዕን ምዝካርን ንዕዉት ዕላል ኣገዳሲ እዩ።

ብዙሓት ስድራ ቤታት፡ ኣብ መኣዲ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ጠቓሚ ዀይኑ ረኺበናኦ እየን። ቪንሰንት ከምዚ በለ፦ “ኣብ ስድራ ቤትና ብሓባር ምብላዕ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ብእተኻእለና መጠን ኵላትና ኣብ መኣዲ ኽንቅመጥ ትጽቢት ይግበረልና ነበረ። ኣብ እዋን መኣዲ ተለቪዥን ምርኣይ፡ ረድዮ ምስማዕ፡ ወይ ከኣ መጽሓፍ ምንባብ ኣይፍቀድን እዩ ነይሩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ቀሊል ዕላል ነዕልል ስለ ዝነበርና፡ መዓልታዊ ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዜጋጥመኒ ዕግርግርን ጸቕጥን ክዋጽኣሉ ዚሕግዘኒ ህዱእ ሃዋህው ይፈጥረለይ ነበረ።” ወሲኹ እውን፡ “ኣብ እዋን መኣዲ ምስ ወለደይ ዕላል ምልማደይ፡ ደገፍ ዚደልየሉ ኣገዳሲ ዅነታት ኬጋጥመኒ ኸሎ ብቐሊሉ ንዕኦም ክዛረብ ኣኽኢሉኒ እዩ” በለ።

‘ኣብ ሰሙን ክንደይ ሳዕ ኢና ብስድራ ቤት ሓቢርና እንበልዕ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ኣብዚ መዳይ እዚ ምትዕርራይ ምግባርካ፡ ምስ ደቅኻ ዝሓሸን ጽቡቕን ዕላል ንኸተዕልል ዜኽእለካ ኣጋጣሚ ይኸፍተልካዶ ይኸውን፧

ልምምድ ምግባር ዘለዎ ረብሓ

ሰሙናዊ ዚግበር ናይ ስድራ ቤት ኣምልኾ፡ ትርጕም ብዘለዎ መገዲ ሓሳብ ንሓሳብ ክትለዋወጥ የኽእለካ፣ ንመንእሰያት እውን ነቲ ዜጋጥሞም ፍሉይ ብድሆታት ኪዋጽኡሉ ይሕግዞም። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣለን፡ “ወለድና ናይ ስድራ ቤት መጽናዕቲ ኣብ እንገብረሉ እዋን ሓሳብና ብግልጺ ንኽንዛረብ የተባብዑና ነይሮም። ነቲ ዜጋጥመና ብድሆታት ዚምልከት ኣርእስቲ ይመርጹ ነበሩ” በለ። ኣደ ኣለን ድማ፡ “ገሊኡ መጽናዕቲ እንገብረሉ እዋናት፡ ልምምድ ንምግባር ንጥቀመሉ ነበርና። እዚ ናይ ልምምድ እዋናት እዚ፡ ደቅና ንእምነቶም ብኸመይ ከም ዚጣበቑላ ኺመሃሩን ዚኣምንዎ ነገራት ሓቂ ኸም ዝዀነ ኼረጋግጹን ሓገዞም። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ህይወቶም ዜጋጥሞም ብድሆታት ኪዋጽእሉ ዜኽእሎም ምትእምማን ፈጠረሎም” በለት።

ሓቂ እዩ፡ መንእሰያት ጸቕጢ መዛኑ ኼጋጥሞም ከሎ፡ ‘ኣይገብሮን እየ’ ኢሎም ካብ ምኻድ ንላዕሊ ኺገብሩ ኣለዎም። ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዘይገብሩ ንዚቐርበሎም ሕቶታት ኪምልሱ ይግባእ። ብምኽንያት እምነቶም ላግጺ ኼጋጥሞም ከሎ፡ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ኪፈልጡ ኣለዎም። ንእምነቶም ኪጣበቑላ እንተ ዘይክኢሎም፡ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ጽኑዕ ኣቕዋም ምሓዝ ኬጸግሞም እዩ። ስለዚ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ልምምድ ምግባር፡ ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

እታ ኣብ  ገጽ 18 እትርከብ ሳጹን፡ ናይ ስድራ ቤት ኣምልኾ ኣብ እትገብሩሉ እዋን ክትለማመድዎ እትኽእሉ እተወሰነ ፍጻመታት ዝሓዘት እያ። ደቅኹም ምላሽ ድሕሪ ምሃቦም ዝያዳ ሕቶታት ብምሕታት፡ ነቲ ልምምድ ኣብ ክውንነት እተመርኰሰ ግበርዎ። ጐድኒ ጐድኒ እዚ ልምምድ፡ ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ኣብነታት ብዛዕባ ዚርከብ ግብራዊ ትምህርትታት ክትመያየጡ ትኽእሉ ኢኹም። ከምዚ ዓይነት ልምምድ፡ ደቅኻ ነቲ ኣብ ቤት ትምህርትን ኣብ ካልእ ቦታን ዜጋጥሞም ብድሆታት ንኺዋጽኡሉ ኼዕጥቖም እዩ።

ቤትካ ሰላማዊ ድዩ፧

ደቅኻ ድሕሪ ቤት ትምህርቲ ናብ ቤት ኪምለሱ ይህንጠዩ ድዮም፧ ቤትካ ሰላማዊ እንተ ዀይኑ፡ ደቅኻ መዓልታዊ ንዜጋጥሞም ብድሆታት ኪዋጽኡሉ ኺሕግዞም እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ቤትኤላዊት ዝዀነት ሓብቲ፡ “እናዓበኹ ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን፡ እቲ ንዓይ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝነበረ፡ ቤትና ሰላማዊ ምንባሩ እዩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ዜጋጥመኒ ዅነታት ብዘየገድስ፡ ናብ ቤት ምስ ተመለስኩ ዅሉ ነገር ደሓን ከም ዚኸውን እፈልጥ ነይረ” በለት። ኣብ ቤትካ እንታይ ዓይነት ሃዋህው እዩ ዘሎ፧ “ቊጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ” ዘለዎ ድዩ፡ ወይስ “ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ” ዝሰፈኖ እዩ፧ (ገላ. 5:19-23) ሰላም ቤትካ እንተ ተዘሪጉ፡ ደቅኻ ዚዕቈቡሉ ሰላማዊ ቦታ ንኪኸውን ኣድላዩ ለውጥታት ክትገብር ትጽዕርዶ ኢኻ፧

ደቅኻ ንዜጋጥሞም ብድሆታት ኪዋጽኡ እትሕግዘሉ ኻልእ መገዲ ድማ፡ ባዕልኻ ተበግሶ ወሲድካ ምስ ካልኦት ሃናጺ ዝዀነ ምሕዝነት ከም ዚፈጥሩ ምግባር እዩ። ንኣብነት፡ ብስድራ ቤት ኴንኩም ክትዘናግዑ ኸለኹም፡ ንገለ ኣብ ጉባኤኹም ዚርከቡ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኣሕዋትን ኣሓትን ክትዕድሙ ትኽእሉዶ፧ ንገያሺ ሓላዊ ወይ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንዚካፈሉ ኣሕዋት ናብ ቤትኩም ክትዕድምዎም ትኽእሉዶ፧ ደቅኻ ምስ ሚስዮናውያን ወይ ምስ ቤትኤላውያን ብደብዳበ፡ ብኢ-መይል፡ ወይ ሓድሓደ እዋን ተሌፎን ብምድዋል ዕርክነት ኪምስርቱ ይኽእሉዶ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ምሕዝነት፡ ደቅኹም ትኽ ዝበለ መገዲ ኺስዕቡን መንፈሳዊ ሸቶታት ኬማዕብሉን ኪሕግዞም ይኽእል እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ መንእሰይ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ዝገበረሉ ጽቡቕ ጽልዋ እሞ ሕሰብ። (2 ጢሞ. 1:13፣ 3:10) ጳውሎስ ምስኡ ጥብቂ ምሕዝነት ስለ ዝነበሮ፡ ጢሞቴዎስ ኣብ መንፈሳዊ ሸቶታት ኬተኵር ክኢሉ እዩ።—1 ቈረ. 4:17

ንደቅኻ ንኣዶም

የሆዋ፡ መንእሰያት ካብ ናይ ሰይጣን ዓለም ጸቕጢ እናጋጠሞም ክነሱ፡ ንቕኑዕ ነገር ጸኒዖም ኪቘሙ ኸለዉ ምርኣይ ባህ እዩ ዜብሎ። (መዝ. 147:11፣ ምሳ. 27:11) ንስኻ እውን ጥበባዊ ስጕምቲ ኺወስዱ ኸለዉ ምርኣይ ከም ዜሐጕሰካ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (ምሳ. 10:1) ንደቅኻ ብዛዕባኦም ከመይ ከም ዚስምዓካ ኣፍልጦም፡ ብፍቕራዊ መገዲ ድማ ንኣዶም። የሆዋ ንወለዲ ጽቡቕ ኣብነት ይዀኖም እዩ። የሱስ ኣብ እተጠምቀሉ እዋን፡ የሆዋ፡ “ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ንስኻ ኢኻ” በለ። (ማር. 1:11) የሱስ፡ ነቲ ጸኒሑ ዘጋጠሞ ሓያሎ ብድሆታት ንኺዋጽኣሉ፡ እቲ ኣቦኡ ዝሃቦ መረጋገጺ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኣደልዲልዎ ኪኸውን ኣለዎ! ንስኻ እውን ብተመሳሳሊ፡ ንደቅኻ ኸም እተፍቅሮም ንገሮም፡ ስለቲ ዝዓመምዎ ነገራት ድማ ንኣዶም።

ሓቂ እዩ፡ ንደቅኻ ኻብቲ ዜጋጥሞም ጸቕጥን ምሽጋርን ላግጽን ምሉእ ብምሉእ ከተዕቍቦም ኣይትኽእልን ኢኻ። ኰይኑ ግን፡ ንዕኦም ንምሕጋዝ ብዙሕ ነገር ክትገብር ትኽእል ኢኻ። እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ምስ የሆዋ ብሕታዊ ርክብ ኬማዕብሉ ሓግዞም። ትርጕም ዘለዎ ዕላል ክትገብሩ ዜኽእለኩም ሃዋህው ፍጠር። ግብራዊ ዝዀነ ናይ ስድራ ቤት ኣምልኾ ይሃሉኻ፣ ቤትካ ድማ ሰላማዊ ይኹን። ከምዚ ምግባርካ፡ ደቅኻ ንዜጋጥሞም ብድሆታት ኪዋጽኡሉ ኸም ዜዕጥቖም ዜጠራጥር ኣይኰነን።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

 ልምምድ ምግባር ዘለዎ ጥቕሚ

ኣብ ታሕቲ፡ መንእሰያትና ዜጋጥሞም ገሊኡ ብድሆታት ተገሊጹ ኣሎ። ናይ ስድራ ቤት ኣምልኾ ኣብ እትገብረሉ እዋን ስለምንታይ ዘይትለማመዱሉ፧

▸ ጓልካ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምስ እትርከብ ጋንታ ሓቢራ ኽትጻወት ሓደ ኣሰልጣኒ ይሓታ።

▸ ወድኻ ኻብ ቤት ትምህርቲ ኺምለስ ከሎ፡ ሽጋራ ኸትክኽ ዕድመ ይቐርበሉ።

▸ ወድኻ ኻልእ እዋን ኪሰብኽ እንተ ርእዮምዎ ኸም ዚሃርምዎ፡ ገሊኦም ኣወዳት የፈራርህዎ።

▸ ጓልካ ኻብ ቤት ናብ ቤት እናገልገለት ከላ፡ ሓንቲ መማህርታ ተጓንፋ።

▸ ጓልካ ኣብ ቅድሚ ተመሃሮ ስለምንታይ ንባንዴራ ሰላምታ ኸም ዘይትህብ ትሕተት።

▸ ወድኻ ናይ የሆዋ ምስክር ስለ ዝዀነ፡ ሓደ ቘልዓ ዅሉ ግዜ የላግጸሉ።

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ደቅኻ ናይ ገዛእ ርእሶም መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዎምዶ፧

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ክትዘናግዑ ኸለኹም፡ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኣሕዋት ትዕድሙዶ፧