ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብ ትሕቲ እንታይ ኵነታት እዩ ዳግመ ጥምቀት ኪግበር ዚከኣል፧

ሓደ እተጠምቀ ሰብ፡ ኣብ ትሕቲ እተወሰነ ዅነታት፡ ጥምቀቱ ብቑዕ እንተ ዀይኑን ዳግማይ ኪጥመቕ እንተ ኣልይዎን ኪሓስብ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ኣብ ግዜ ጥምቀቱ፡ ጥሙቕ እንተ ዚኸውን ነይሩ ኼወግዶ ዚኽእል ዓይነት ህይወት ብምስጢር ይመርሕ ወይ ከምኡ ዝኣመሰለ ተግባራት ይፍጽም ነይሩ ይኸውን። ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ርእሱ ንኣምላኽ ኪውፊ ብቑዕ ድዩ ነይሩ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ውልቀ-ሰብ ርእሱ ብግቡእ ንየሆዋ ኺውፊ ዚኽእል፡ ነቲ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ተግባር እንተ ዘቋርጾ ነይሩ ጥራይ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኸቢድ ዕንቅፋት እናሃለዎ እተጠምቀ ሰብ፡ ብዛዕባ ዳግመ ጥምቀት ኪሓስብ ይኽእል እዩ።

ኪጥመቕ ከሎ ብሓጢኣት ዚመላለስ ዘይነበረ፡ ድሕሪኡ ብዝገበሮ ኣበሳ ግን ኮሚተ ፍርዲ ኸም ዚቐውም ዝገበረ ሰብከ፧ ኪጥመቕ ከሎ፡ እንታይ ይገብር ከም ዝነበረ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘይተረድኦ ብምግላጽ፡ ጥምቀቱ ብሓቂ ብቑዕ ከም ዘይኰነ ይዛረብ ንበል። ሽማግለታት ምስ ሓደ ኣባሲ ኣብ ዚራኸቡሉ እዋን፡ ብዛዕባ ጥምቀቱ ሕቶታት ኬበግሱን ብዛዕባ ብቕዓት ወፈያኡን ጥምቀቱን ከመይ ከም ዚስምዖ ኺሓትዎን የብሎምን። ከመይሲ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ጥምቀት ቅዱስ ጽሑፋዊ መደረ ሰሚዑ፡ ብዛዕባ ወፈያን ጥምቀትን ንዝቐረበ ሕቶታት ኣወንታዊ ምላሽ ሂቡ፡ ክዳኑ ቐዪሩ፡ ብማይ ተጠሚቑ እዩ። ስለዚ፡ ርዝነት እቲ ዚገብሮ ዝነበረ ነገር ምሉእ ብምሉእ ተረዲእዎ ኢልና ኽንኣምን ንኽእል ኢና። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ሽማግለታት ከም እተጠምቀ ሰብ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ።

እቲ ሰብ ንብቕዓት ጥምቀቱ ኣብ ሕቶ እንተ ኣእቲዎ፡ ሽማግለታት ነቲ ኣብ ናይ 1 መጋቢት 1960 ግምቢ ዘብዐኛ፡ (እንግሊዝኛ) ገጽ 159, 160፡ ከምኡውን ነቲ ኣብ ናይ 15 ለካቲት 1964 ግምቢ ዘብዐኛ፡ (እንግሊዝኛ) ገጽ 123-126 ዚርከብ ብዛዕባ ዳግመ ጥምቀት ዚገልጽ ሓሳባት ኪውከስ ኪሕብርዎ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ትሕቲ እተወሰነ ዅነታት (ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ኪጥመቕ ከሎ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እኹል ምርዳእ ስለ ዘይነበሮ) ዚግበር ዳግመ ጥምቀት፡ ብሕታዊ ጕዳይ እዩ።

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ ክርስትያናት ብሓባር ብዛዕባ ምንባር ብዚምልከት፡ እንታይ ረቛሒታት እዮም ኣብ ግምት ኬእትዉ ዘለዎም፧

ነፍሲ ወከፍ ሰብ መንበሪ የድልዮ እዩ። ሎሚ ግን፡ ብዙሓት ሰባት ናይ ርእሶም መንበሪ የብሎምን። ብሰንኪ ቝጠባዊ ዅነታት፡ ብሰንኪ ጸገማት ጥዕና፡ ወይ ብሰንኪ ኻልእ ረቛሒታት፡ ቤተሰብ ወይ ኣዝማድ ብሓባር ኪነብሩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ገሊኡ ኽፋል ዓለም፡ ኣዝማድ ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ ተጨቓጪቖም ይነብሩ እዮም።

ውድብ የሆዋ ኣብ ብዘላ ዓለም ንዚርከባ ጉባኤታት፡ ብዛዕባ ግቡእ መንበሪ ዚገልጽ ነዊሕ ዝርዝር ናይ ምውጻእ ሓላፍነት የብሉን። ክርስትያናት፡ ኵነታት መንበሪኦም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ንምውሳን፡ ኣብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ተመርኲሶም ኪሓስቡ እዮም ዚተባብዑ። ገለ ኻብዚ ስርዓታት እዚ እንታይ እዩ፧

ብቐዳምነት ኪሕሰበሉ ዘለዎ ነገር፡ ምስ ካልኦት ምንባር ኣባናን ኣብ መንፈሳውነትና ኺህልዎ ዚኽእል ጽልዋ እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም መን እዮም፧ ንየሆዋ ዜምልኹ ድዮም፧ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዖም ይመላለሱ ድዮም፧ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣይትታለሉ፡” ድሕሪ ምባል፡ “ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ቈረ. 15:33

የሆዋ ንምንዝርን ዝሙትን ከም ዚዅንን፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ይገልጽ እዩ። (እብ. 13:4) ስለዚ፡ ዘይተመርዓዉ ኣንጻር ጾታ ዝዀኑ ሰባት፡ ከም ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ሓደ ኽፍሊ እናደቀሱ ዚነብርዎ ናብራ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ከም ዘይኰነ ንጹር እዩ። ሓደ ክርስትያን፡ ርኽሰት ዕሽሽ ኣብ ዚበሃለሉ ቦታ ኺነብር ኣይደልን እዩ።

ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሎም እቶም ሞገስ ኣምላኽ ዚደልዩ፡ “ካብ ምንዝርና ህደሙ” ኢሉ እዩ ዚምሕጸኖም። (1 ቈረ. 6:18) ስለዚ፡ ክርስትያናት ናብ ርኹስ ተግባር ኪመርሖም ካብ ዚኽእል መነባብሮ ይርሕቁ እዮም። ንኣብነት፡ እተወሰኑ ክርስትያናት ኣብ ሓንቲ ቤት ይነብሩ ኣለዉ ንበል። ከምዚ ዝኣመሰለ መነባብሮ፡ ናብ ሓደጋ ኺመርሕ ይኽእል ድዩ፧ ኣብታ ቤት ዚነብሩ ኻልኦት ሰባት ንግዜኡ ናብ ካልእ ብምኻዶም፡ ክልተ ዘይተመራዓዉ ኣንጻር ጾታ ብሃንደበት በይኖም እንተ ተሪፎምከ፧ ብተመሳሳሊ፡ ንሓድሕዶም ናይ ፍቕሪ ስምዒት ዘለዎም ክልተ ንጽል ውልቀ-ሰባት፡ ኣብ ሓደ ቤት ኪነብሩ ሓደገኛ እዩ። ከምዚ ዓይነት መነባብሮ ጥበባዊ ኣይኰነን።

እተፋትሑ ውልቀ-ሰባት እውን ኣብ ሓደ ቤት ምንባር ኪቕጽሉ የብሎምን። ኣቐዲሞም ሰብኣይን ሰበይትን ኰይኖም ይነብሩ ብምንባሮም፡ ብቐሊሉ ርኽሰት ኪፍጽሙ ይኽእሉ እዮም።—ምሳ. 22:3

ካልእ ኣብ ግምት ኪኣቱ ዘለዎ ነገር፡ እቲ ማሕበረሰብ ነቲ ጕዳይ ዚርእየሉ መገዲ እዩ። ሓደ ክርስትያን ንመነባብሮኡ ቕቡል ገይሩ ዚርእዮ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብቲ ማሕበረሰብ ሕማቕ ወረ ዜበግስ እንተ ዀይኑ፡ ኬተሓሳስቦ ይግባእ። ኣኻይዳና ኣብ ስም የሆዋ ጸርፊ ኼምጽእ ከቶ ኣይንደልን ኢና። ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ፡ ከምዚ ኢሉ ኣሎ፦ “ንኣይሁድ ኰነ ንጽርኣውያን፡ ወይስ ንማሕበር ኣምላኽ ኰነ መዓንቀፊ ኣይትኹኑ። ምእንቲ ኺድሕኑስ ጥቕሚ ብዙሓት እምበር፡ ጥቕሚ ርእሰይ ከይደሌኹ፡ ከምኡ ድማ ኣነ ብዅሉ ነገር ንዅሉ ሰብ ኤሐጕስ አሎኹ።”—1 ቈረ. 10:32, 33

ነቶም ንጻድቕ ስርዓታት የሆዋ ኺድግፉ ዚደልዩ ሰባት፡ ግቡእ መንበርን መናብርትን ምርካብ በዳሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ክርስትያናት፡ ‘ንጐይታና ዜሐጕሶ እናመርመሩ እዮም ዚመላለሱ።’ ኣብ ቤቶም ዋላ ሓንቲ ነውሪ ይግበር ከም ዘየሎ ኼረጋግጹ ኣለዎም። (ኤፌ. 5:5, 10) ከምዚ ንምግባር ከኣ፡ መለኮታዊ መምርሒ ንምርካብ ኪጽልዩ፡ ከምኡውን ኣካላውን ስነ-ምግባራውን ድሕንነቶም ኰነ ነቲ ጽቡቕ ስም የሆዋ ንምሕላው ዚከኣሎም ኪገብሩ ኣለዎም።