ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ንፈጣሪኦም ንኺዝክሩ እትሕግዝ መጽሓፍ

መንእሰያት ንፈጣሪኦም ንኺዝክሩ እትሕግዝ መጽሓፍ

መንእሰያት ንፈጣሪኦም ንኺዝክሩ እትሕግዝ መጽሓፍ

ኣስታት 3,000 ዓመት ይገብር፡ እቲ ጥበበኛ ሰሎሞን፡ “ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ” ኢሉ ጸሓፈ። (መክ. 12:1) ሎሚ ክርስትያን መንእሰያት፡ ነዚ ንምግባር እትሕግዞም መጽሓፍ ኣላቶም። እታ መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ እትበሃል መጽሓፍ፡ ኣብቲ “ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ” ዘርእስቱ ኻብ ግንቦት 2008 ክሳዕ ጥሪ 2009 ኣብ ምሉእ ዓለም እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እያ ወጺኣ።

ኣብ ውሽጢ እቲ ብቕድሚት ዘሎ ገበር፡ ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል ናብ መንእሰያት እተላእከት ደብዳበ ኣላ። እታ ደብዳበ ብኸፊል ከምዚ ትብል፦ “እዚ ኣብዛ መጽሓፍ ዘሎ ሓበሬታ ነቲ ሎሚ ንመንእሰያት ዜጋጥሞም ዘሎ ጸቕጥታትን ፈተናታትን ንኽትጻወሮ ኺሕግዘካን ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚሰማማዕ ውሳነታት ብኸመይ ከም እትገብር ኬርእየካን ልባዊ ጸሎትና እዩ።”

ወለዲ ንደቆም “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን” ኬዕብይዎም ይደልዩ እዮም። (ኤፌ. 6:4) ብዙሓት ውሉዳት ኣብ ዕድመ ብጽሕና/ጕርዝውና ምስ በጽሑ ግን፡ ርእሰ-ምትእምማኖም የጥፍኡ፡ መምርሒ እውን ይደልዩ እዮም። ኣብዚ ደረጃ ዕድመ ዚርከብ ውሉድ ዘሎካ ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ውሉድካ ኻብዛ መጽሓፍ እዚኣ ብዝያዳ ንኺጥቀም ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧ ገለ ሓሳባት እንሆ፦

ናይ ርእስኻ ቕዳሕ እዛ መጽሓፍ ትሃሉኻ፡ ነዛ መጽሓፍ ድማ ኣጸቢቕካ ፍለጣ። እዚ ኻብ ምንባብ ንላዕሊ የጠቓልል። ነቲ ሒዛቶ ዘላ ሓሳባት እተገልጸሉ መገዲ እውን ተረድኣዮ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ንመንእሰያት ቅኑዕን ጌጋን ክትነግሮም ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ንልቦናኦም” ከተሰልጥን እያ እትጽዕር። (እብ. 5:14) ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ብኸመይ ኣብ መትከሎም ከም ዚጸንዑ እውን፡ ግብራዊ ሓሳባት ትህብ እያ። ንኣብነት፡ ምዕራፍ 15 (ንጸቕጢ መዛኑ ብኸመይ ክዋጽኣሉ እኽእል፧) ንመንእሰያት ‘ኣይፋል’ ኪብሉ ጥራይ ኣይኰነትን እትነግሮም። ‘ንነፍሲ ወከፍ ከም ዚግባእ ከመይ ገይሮም ኪመልሱ ምእንቲ ኺፈልጡ፡’ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ስልትታትን ክውንነታዊ ምላሻትን እያ እትህብ።—ቈሎ. 4:6

ነቲ ኣሳታፊ ኽፋል እዛ መጽሓፍ ተጠቐመሉ። ገሊኡ ኽፋል ንመንእሰያት እኳ እንተ ተዳለወ፡ ኣብቲ ግቡእ ዝዀነሉ እዋን ግን ስለምንታይ ኣብ ቅዳሕካ ሓሳባትካ ዘይትጽሕፍ፧ a ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ ገጽ 16 ዚርከብ ዓርኪ ብዛዕባ ምሓዝ ዚምልከት ክልተ ሕቶታት ምስ ኣንበብካ፡ ኣብ ዕድመ ውሉድካ ኣብ ዝነበርካሉ እዋን ከመይ ይስምዓካ ኸም ዝነበረ ኽትዝክር ፈትን። ምናልባት ኣብቲ ኣብኡ ተገዲፉ ዘሎ ባዶ ቦታ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ እትህቦ ዝነበርካ ምላሽ ክትመልኦ ትደሊ ትኸውን። ድሕሪኡ ንርእስኻ፡ ‘ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ዘሎኒ ስምዒት፡ ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ ብኸመይ ተቐዪሩ፧ ካብቲ በጽሒ/ጐርዞ ዝነበርኩሉ እዋን ኣትሒዘ እንታይ ምስትውዓል ረኺበ፧ ነዚኸ ኸመይ ገይረ ብውጽኢታዊ መገዲ ናብ ውሉደይ ከመሓላልፎ እኽእል፧’ ኢልካ ሕተት።

ነታ ናይ ውሉድካ ቕዳሕ ኣይትተንክፋ። እቲ ኣሳታፊ ኽፋል እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ውሉድካ እንተ ብጽሑፍ ወይ ብኣእምሮኡ ሓሳቡ ኸም ዚገልጽ ንምግባር እዩ ተዳልዩ። ሸቶኻ፡ ኣብ መጽሓፉ ዘሎ ዘይኰነስ፡ ኣብ ልቡ ዘሎ ኽትፈልጥ እዩ። ኣብ ገጽ 3 እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ “ሓበሬታ ንወለዲ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ፡ ከምዚ ዚብል ሓሳባት ተዋሂቡ ኣሎ፦ “ኣብ ዕድመ ብጽሕና/ጕርዝውና ዘለዉ ውሉዳትካ፡ ሓሳባቶም ኣብ መጽሓፎም ከይተሰከፉ ምእንቲ ኺጽሕፉ፡ ነታ ናይ ውልቆም ቅዳሕ ኣይትተንክፋ። ጸኒሖም ብዛዕባ እቲ ኣብኡ ዚጽሕፍዎ ጕዳያት ባዕሎም ይነግሩኻ ይዀኑ።”

ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስድራ ቤት እትሕግዝ

መንእሰያት ዚሓትዎ፡ 2ይ ጥራዝ፡ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ከተገልግል እትኽእል ብልጽቲ መጽሓፍ እያ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሕጡብ ጽሑፍ ዚኸውን ሕቶታት ስለ ዘይብላ፡ ብኸመይ ክትጥቀመላ ትኽእል፧ ንደቅኻ ዝሓሸ እትብሎ ሜላ ስለምንታይ ዘይተዳሉ፧

ንኣብነት፡ ገሊአን ስድራ ቤታት ነቲ ኣብ ገጽ 132, 133 ዚርከብ “ውጥን ጸቕጢ መዛኑ” ኺሽፍናኦ ኸለዋ፡ ብእኡ ገይረን ልምምድ ይገብራ እየን። እታ ኣብኡ ዘላ ቐዳመይቲ ሕቶ፡ ንውሉድካ ኣዝዩ በዳሂ ዝዀኖ ጸቕጢ እንታይ ምዃኑ ንኽትፈልጥ ክትሕግዘካ ትኽእል እያ። እታ ኻልአይቲ ሕቶ ኸኣ፡ እቲ ጸቕጢ ምናዳ ኣበይ ከም ዜጋጥም ንኸተለሊ እትሕግዝ እያ። ውሉድካ ንጸቕጢ መዛኑ እንተ ርዒሙ ወይ እንተ ኣብዩ እንታይ ከም ዚኸውን ኣብ ግምት ድሕሪ ምእታዉ፡ ነቲ ጸቕጢ ኪቕበሎ፡ ኪጠውዮ፡ ወይ ኪመልሶ ዜኽእሎ መልስታት ኬዳሉ ሕቶ ይቐርበሉ እዩ። ንውሉድካ መሃዚ ኪኸውንን ከይተሰከፈ ብምትእምማን ኪዛረበሉ ዚኽእል መልስታት ኬዳሉን ሓግዞ።—መዝ. 119:46

ሓሳብ ንሓሳብ እተለዋውጥ መጽሓፍ

መንእሰያት ዚሓትዎ፡ 2ይ ጥራዝ፡ ንመንእሰያት ምስ ወለዶም ሓሳብ ንሓሳብ ኪለዋወጡ ተተባብዕ። ንኣብነት፡ እተን “ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ንኣቦይ ወይ ንኣደይ ከመይ ገይረ ኸዘራርቦም እኽእል፧” (ገጽ 63-64) ከምኡውን “ንወለድኻ ኣዘራርቦም!” (ገጽ 189) ዘርእስተን ሳጹናት፡ ብዛዕባ ተነቃፊ ጕዳያት ብኸመይ ዝርርብ ከም ዚጅመር ግብራዊ ሓሳባት ሒዘን ኣለዋ። ሓንቲ 13 ዓመት ዝዕድሚኣ ጓል፡ “እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንወለደይ ብዛዕባ ዝሓስቦ ነገራት፡ እንተላይ ብዛዕባ ዝገበርክዎ ነገራት ንኸዘራርቦም ኣተባቢዓትኒ እያ” በለት።

እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብኻልእ መገድታት እውን ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ተተባብዕ እያ። ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ፡ “እንታይ ይመስለካ፧” ዘርእስታ ሳጹን ኣላ። እዛ ሳጹን እዚኣ፡ ከም ድግማ ዀይና ኣብ ርእሲ ምግልጋላ፡ ኣብ ምይይጥ ስድራ ቤት እውን ከተገልግል ትኽእል እያ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ፡ “መደባተይ” ዘርእስታ ሳጹን ኣላ። እዛ ሳጹን እዚኣ ንመንእሰያት፡ ነቲ ኣብታ ምዕራፍ እተማህርዎ ኣብ ግብሪ ዜውዕሉሉ ንጹር መገድታት ንኺጽሕፉ ኣጋጣሚ ትኸፍተሎም። ኣብ መወዳእታ እታ “መደባተይ” ዘርእስታ ሳጹን፡ “ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦” ዚብል፡ ንመንእሰያት ካብ ወለዶም ጠቓሚ ምኽሪ ንኼናድዩ ዜተባብዕ ሓሳብ ኣሎ።

ልቢ ተንክፍ!

ወላዲ ኸም ምዃንካ መጠን፡ ሸቶኻ ልቢ ውሉድካ ምትንካፍ እዩ። መንእሰያት ዚሓትዎ፡ 2ይ ጥራዝ፡ ነዚ ንምግባር ክትሕግዘካ ትኽእል እያ። ሓደ ኣቦ ምስ ጓሉ ኻብ ልቦም ሓሳብ ንሓሳብ ንኺለዋወጡ፡ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ብኸመይ ከም እተጠቕመላ እስከ ንርአ።

“ኣነን ሪበካን ብእግርና፡ ብብሽክለታ፡ ወይ ብማኪና እንኸዶ ጽቡቕ ቦታታት ኣሎና። ናብዚ ቦታታት ክንከይድ ከለና፡ ሓሳባ ንኽትገልጽ ፍዅስ ይብላ እዩ።

“ካብዛ መጽሓፍ እዚኣ ንፈለማ ዝወሰድናዮ ኽፋል፡ እታ ኻብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ፡ ከምኡውን እቲ ‘ሓበሬታ ንወለዲ’ ዚብል እዩ። ኣብ ገጽ 3 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ጓለይ ኣብ መጽሓፋ ኸይተሰከፈት ክትጽሕፍ ከም እትኽእል ክትፈልጥ እደልያ ነይረ። ነቲ ዝጸሓፈቶ ኽርኢ ኸም ዘይፍትን ገለጽኩላ።

“ክንመያየጠለን እትደልየን ምዕራፋት ብቓሕ ዝበላ መስርዕ ክትመርጽ ፈቐድኩላ። ሓንቲ ኻብተን ኣብ ፈለማ ዝመረጸተን ምዕራፋት፡ ‘ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት ክጻወትዶ፧’ እትብል እያ። ነዛ ምዕራፍ እዚኣ ኸም እትመርጽ፡ ኣይምገመትኩን ነይረ። ንሳ ግን ምኽንያት ነይርዋ። ሓያሎ መሓዙታ ዜፍርህ ጸወታታት ይጻወታ እየን። ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ጸወታታት ዘሎ ዓመጻን ብዕሉግ ቋንቋን ዋላ ሓንቲ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ነዚ ዅሉ ግን ኣብታ ኣብ ገጽ 251 እትርከብ “መደባተይ” ዘርእስታ ሳጹን ተመያየጥናሉ። ብዘይካዚ፡ እታ ሳጹን እቲኣ ንሪበካ፡ ኤለክትሮኒካዊ ጸወታ ኽትጻወት ጸቕጢ ኼጋጥማ ኸሎ፡ እንታይ ኢላ ኸም እትምልስ ንኽትዳሎ ሓጊዛታ እያ።

“ሎሚ፡ ሪበካ ኣብ መጽሓፋ እንታይ ከም ዝጸሓፈት ከይተሰከፈት ትነግረኒ እያ። ኣብ መጽናዕትና፡ ብዘይምቍራጽ ንዘራረብ ኢና። በብተራ ድሕሪ ምንባብና፡ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ዘንበብናዮ፡ እንተላይ ብዛዕባ እቲ ስእልታት ኰነ ሳጹናት ክትዛረብ ትደሊ እያ። እዚ ኸኣ ኣነ ኽንዳኣ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ከመይ ከም ዝነበረኩ ንኽነግራ ኣጋጣሚ ይኸፍተለይ፣ ድሕሪኡ፡ ሎሚ ዅነታት ከመይ ከም ዘሎ ትነግረኒ። ኵሉ ነገራት እያ ኽትነግረኒ እትደሊ!”

ወላዲ እንተ ዄንካ፡ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ምስ ወጸት ከም እተሓጐስካ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ሕጂ ጽቡቕ ጌርካ ንኽትጥቀመላ ኣጋጣሚ ተኸፊቱልካ ኣሎ። መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ፡ ንስድራ ቤትካ በረኸት ክትከውን፡ ትምኒት ኣመሓዳሪ ኣካል እዩ። ንዅላትኩም፡ ምናዳ ኸኣ ንፍቑራት መንእሰያት፡ ‘ብመንፈስ ቅዱስ ክትመላለሱ’ ትሓግዝኩም።—ገላ. 5:16

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገለ ኻብቲ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ዚርከብ ኣሳታፊ ወረቐት ዕዮ፡ ኣብ ኵሉ ዕድመ ንዚርከብ ሰብ ዚኸውን እዩ። ንኣብነት፡ “ቍጥዓኻ ተቘጻጸር” (ገጽ 221) ዘርእስታ ሳጹን፡ ከምቲ ንውሉድካ እትጠቕሞ፡ ንዓኻ እውን ክትጠቕመካ ትኽእል ትኸውን። “ውጥን ጸቕጢ መዛኑ” (ገጽ 132-133)፡ “ወርሓዊ ባጀተይ” (ገጽ 163)፡ “ሸቶታተይ” (ገጽ 314) ዘርእስቱ ወረቐት ዕዮ እውን፡ ንዅሉ ኪኸውን ዚኽእል እዩ።

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ሳጹን]

ገሊኦም መንእሰያት ዝሃብዎ ሓሳባት

“እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ኮፍ ኢልካ፡ ርሳስ ሒዝካ፡ እናኣስተንተንካ ኽትንበብ ኣለዋ። ከም ብሕታዊ መዝገበ-ዕለት ኰይና ምድላዋ፡ ብልጽቲ መገዲ ህይወት ንምርካብ ካብ ዚብል ሓሳብ ተበጊስካ ንኸተስተንትን ተኽእለካ።”—ኒኮላ።

“ካብቶም ካብ ጽቡቕ ሓሳብ እተበገሱ ሰባት እውን ከይተረፈ፡ ካብ ኣንጻር ጾታ ዓርኪ ንኽሕዝ ብዙሕ ጸቕጢ የጋጥመኒ እዩ። እቲ ቐዳማይ ክፋል እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ዚብሎ ብዘየገድስ፡ ዓርኪ ንኽሕዝ ድልውቲ ዘይምዃነይ ኣእሚኑኒ እዩ።”—ካትሪና።

“እታ ‘ክትጥመቕ ትሓስብዶ ኣለኻ፧’ ዘርእስታ ሳጹን፡ ንጥምቀተይ ብዝያዳ ኣርዚነ ንኽርእዮ ሓጊዛትኒ። ነቲ ናይ መጽናዕትን ጸሎትን ልማዳተይ ከም ብሓድሽ ንኽግምግሞ ኸኣ ደሪኻትኒ።”—ኣሽሊ።

“ክርስትያን ወለደይ ካብ ንእስነተይ ኣትሒዞም እኳ እንተ መሃሩኒ፡ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ግን ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወተይ ክወስዶ ዘሎኒ ስጕምትታት ከም ዝሓስብ ገይራትኒ እያ። ንወለደይ ብዝያዳ ናይ ውሽጠይ ንኽነግሮም እውን ሓጊዛትኒ እያ።”—ዛሚራ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ኣቱም ወለዲ፡ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣጸቢቕኩም ፍለጥዋ

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

ልቢ ውሉድካ ንምትንካፍ ሸቶ ግበር