ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ተዛረብ’

‘ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ተዛረብ’

‘ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ተዛረብ’

“መንፈስ ቅዱስ መልኡ፡ ቃል ኣምላኽውን ብትብዓት ተዛረቡ።” —ግብ. 4:31

1, 2. ኣብ ኣገልግሎትና ውጽኢታውያን ንኽንከውን ክንጽዕር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

 የሱስ ንኺመውት ሰለስተ መዓልቲ ምስ ተረፎ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” በሎም። ካብ ሞት ተንሲኡ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ ድማ፡ “ንዅሎም ኣህዛብ . . . ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ . . . እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ኢሉ ኣዘዞም። “ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ኢሉ ኸኣ ተመባጽዓሎም።—ማቴ. 24:14፣ 26:1, 2፣ 28:19, 20

2 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ምዃንና መጠን፡ ኣብቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተጀመረ ዕዮ ብንጥፈት ንካፈል ኢና። ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ንህይወት ሰባት ዜድሕን ስለ ዝዀነ፡ ንዕኡ ዚወዳደር ዝዀነ ይኹን ዕዮ የልቦን። ኣብ ኣገልግሎትና ውጽኢታውያን ክንከውንሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኣገዳሲ እዩ! ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪመርሓና ምፍቃድ ኣብ ኣገልግሎት ብትብዓት ንኽንዛረብ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ኽንምርምር ኢና። ኣብተን ቀጺለን ዘለዋ ኽልተ ዓንቀጻት ድማ መንፈስ የሆዋ ብውሕሉል መገዲ ንኽንምህርን ከየቋረጽና ንኽንሰብኽን ብኸመይ ከም ዚመርሓና ኽንርኢ ኢና።

ትብዓት የድልየካ

3. ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ምክፋል ትብዓት ዚሓትት ስለምንታይ እዩ፧

3 እቲ ኣምላኽ ዝሃበና ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ፡ መወዳድርቲ ዘይብሉ ፍሉይ መሰል እዩ። ብድሆታት ኣየጋጥመናን እዩ ማለት ግን ኣይኰነን። ገሊኦም ሰባት ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ተሓጒሶም ይቕበልዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ መብዛሕትኦም ግን ምስቶም ብግዜ ኖህ ዝነበሩ ሰባት ይመሳሰሉ እዮም። የሱስ ከም ዝገለጾ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ “ማይ ኣይሂ መጺኡ፡ ንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን።” (ማቴ. 24:38, 39) ዜላግጹልና ወይ ከኣ ዚጻረሩና ሰባት እውን ኣለዉ። (2 ጴጥ. 3:3) እቲ ዜጋጥመና ምጽራር፡ ካብ ሰበ-ስልጣን፡ ካብ መማህርትና ወይ መሳርሕትና፡ ወይ ከኣ ካብ ናይ ቀረባ ኣዝማድና ይመጽእ ይኸውን። ብዘይካዚ፡ ምስ ሕፍረትን ከይነጽጉኒ ዚብል ሓሳብን ዝኣመሰለ ናይ ገዛእ ርእስና ድኽመት እውን ክንቃለስ ኣሎና። “ብትብዓት” ከይንዛረብ ዚዓግተና ብዙሕ ረቛሒታት ኪህሉ ይኽእል እዩ። (ኤፌ. 6:19, 20) እወ፡ ንቓል ኣምላኽ ብትብዓት ምዝራብ ጽኑዕ ምዃን ይሓትት እዩ። ብኸመይ ኢና ግን ትብዓት ከነጥሪ እንኽእል፧

4. (ሀ) ትብዓት እንታይ ማለት እዩ፧ (ለ) ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ንምስባኽ ዝተብዐ ብኸመይ እዩ፧

4 እታ “ትብዓት” ተባሂላ እትትርጐም ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ብግሁድን ብንጹርን መገዲ ምዝራብ” ማለት እያ። ብዘይካዚ፡ “ቈራጽነት፡ ምትእምማን፡ . . . ዘይምጅጃው” እውን ተጠቓልል እያ። ኰይኑ ግን፡ ትብዓት ምስ ዝመሰለካ ምድርጓሕን ምስ ስድነትን ዋላ ሓንቲ ርክብ የብላን። (ቈሎ. 4:6) ተባዓት እኳ እንተ ዀንና፡ ምስ ኵሉ ሰብ ግን ብሰላም ክንነብር ኣሎና። (ሮሜ 12:18) ብዘይካዚ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብትብዓት ንሰብኽ እኳ እንተ ዀንና፡ ከይፈለጥና ንኻልኦት ምእንቲ ኸይነጕህዮም፡ ብሜላ ኽንዛረብ ኣሎና። ስለዚ እምበኣር፡ ማዕረ ማዕረ ትብዓት፡ ካልእ ባህርያት እውን ከነማዕብል ኣሎና። ኰይኑ ግን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ትብዓት ምሳና ሓቢሩ ዚፍጠር ወይ ብርእሰ-ተኣማንነት ዚርከብ ነገር ኣይኰነን። ሃዋርያ ጳውሎስን መገላግልቱን ‘ኣብ ፊልጲ መከራ ጸጊቦም ክነሶም፡’ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ንኺሰብኩሎም ‘ዝተብዑ’ ብኸመይ እዮም፧ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ኺጽሕፍ ከሎ፡ “ብኣምላኽና ተባዕና” በለ። (1 ተሰሎንቄ 2:2 ኣንብብ።) እወ፡ የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ዜፍርሃና ነገራት ኣወጊዱ፡ ተመሳሳሊ ትብዓት ኪህበና ይኽእል እዩ።

5. የሆዋ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ንኻልኦት ደቀ መዛሙርትን ትብዓት ዝሃቦም ብኸመይ እዩ፧

5 ‘መኳንንትን ዓበይትን ጸሓፍትን’ ንክርስትያናት ስብከቶም ኬቋርጹ ምስ ኣዘዝዎም፡ ሃዋርያ ጴጥሮስን ሃዋርያ ዮሃንስን፡ “ንሕናስ ነቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራቡ ኽንሐድግ ኣይኰነልናን እዩ እሞ፡ ካብ ንኣምላኽ ንኣኻትኩም ምእዛዝ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ እንተ ዀይኑስ፡ እስኪ ባዕላትኩም ፍረዱ” ኢሎም መለሱሎም። እቲ መስጐጕቲ ኼቋርጽ ኣብ ክንዲ ዚልምኑ፡ ምስቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ኰይኖም፡ “ጐይታይ፡ ናብ ምፍርራሆም ርኤ፡ . . . ንባሮትካ ድማ ብዅሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ሀቦም” ኢሎም ጸለዩ። (ግብ. 4:5, 19, 20, 29) የሆዋኸ እንታይ ምላሽ ሃቦም፧ (ግብሪ ሃዋርያት 4:31 ኣንብብ።) ብመንፈሱ ኣቢሉ ትብዓት ንኼጥርዩ ሓገዞም። መንፈስ ኣምላኽ ንዓና እውን እንተ ዀነ ኼትብዓና ይኽእል እዩ። መንፈስ ኣምላኽ ክንረክብን ኣብ ኣገልግሎትና ብእኡ ኽንምራሕን እንኽእል ደኣ እሞ ብኸመይ ኢና፧

ትብዓት ኣጥሪ

6, 7. ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ብቐጥታ ኽንረኽበሉ እንኽእል መገዲ እንታይ እዩ፧ ኣብነታት ሃብ።

6 ሓደ ኻብቲ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ብቐጥታ ኽንረኽበሉ እንኽእል መገዲ፡ እቲ መንፈስ ኪወሃበና ብምሕታት እዩ። የሱስ ንሰማዕቱ፡ “እምብኣርሲ ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ክነስኹም፡ ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧” በሎም። (ሉቃ. 11:13) እወ፡ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኺወሃበና ኣዘውቲርና ኽንጽሊ ኣሎና። ከም ኣብ መገዲ ምግልጋል፡ ብዘይወግዓዊ መገዲ ምምስካር፡ ወይ ከኣ ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት ምዕያይ ዝኣመሰለ ገሊኡ መዳያት ኣገልግሎት ዜፍርሃና እንተ ዀይኑ፡ የሆዋ መንፈሱ ኺህበና፡ ኣድላዪ ዝዀነ ትብዓት ከነጥሪ ድማ ኪሕግዘና ኽንሓቶ ንኽእል ኢና።—1 ተሰ. 5:17

7 ሓንቲ ሮዛ ዝስማ ክርስትያን ሰበይቲ ኸምኡ እያ ገይራ። a ሓደ መዓልቲ ኣብቲ እትሰርሓሉ ቦታ ኸላ፡ ሓንቲ ምስኣ እትሰርሕ መምህር፡ ብዛዕባ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ቘልዑ ዚገልጽ ጸብጻብ ተንብብ ነበረት። እታ መምህር በዚ ኣዝያ ስለ ዝጐሃየት፡ “እዛ ዓለምሲ እንታይ እያ እትኸውን ዘላ፧” በለት። ሮዛ ነዚ ንኽትምስክር እተኸፍተላ ኣጋጣሚ ስቕ ኢላ ኽትሓልፎ ኣይደለየትን። ንኽትምስክር ዜኽእላ ትብዓት ምእንቲ ኽትረክብ እንታይ ገበረት፧ “ብመንፈሱ ኣቢሉ ንኺሕግዘኒ ናብ የሆዋ ጸለኹ” በለት። ሳላ እዚ ኸኣ ጽቡቕ ምስክርነት ክትህብን ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብርን ከኣለት። ብዛዕባ እታ ሚላኒ ዝስማ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ እትነብር ጓል ሓሙሽተ ዓመት ቈልዓ እውን እስከ ንርአ። “ናብ ቤት ትምህርቲ ቕድሚ ምኻደይ፡ ኣነን ማማን ብሓባር ንጽሊ ኢና” በለት። ብዛዕባ እንታይ እየን ዚጽልያ፧ ሚላኒ ኣብ መትከላ ንኽትጸንዕን ብዛዕባ ኣምላኽ ንኽትዛረብ ዜኽእላ ትብዓት ንኽትረክብን እየን ዚጽልያ። ኣዲኣ ብዛዕባ እዚ ኽትዛረብ ከላ፡ “ከምዚ ምግባርና፡ ሚላኒ ብዛዕባ በዓል ልደትን ካልእ በዓላትን ዘለዋ መትከል ንኽትገልጽ፡ እዚ በዓላት እዚ ኺበዓል ከሎ ኸኣ ንኸይትሓብር ሓጊዝዋ እዩ” በለት። እዚ ኣብነታት እዚ፡ ትብዓት ንኸነጥሪ ጸሎት ከም ዚሕግዘና ዜርኢ ደይኰነን፧

8. ትብዓት ብምጥራይ ዝመጸ ኻብ ነብዪ ኤርምያስ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

8 ነብዪ ኤርምያስ ብኸመይ ትብዓት ከም ዘጥረየ እውን እስከ ንርአ። የሆዋ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እስራኤል ነብዪ ኪኸውን ምስ ሸሞ፡ ኤርምያስ፡ “ገና ቘልዓ እየ እሞ፡ እንሆ፡ ክዛረብ ኣይክእልን እየ” ኢሉ መለሰ። (ኤር. 1:4-6) ደሓር ግን ነቲ ናብ ምንባይ ዕዮኡ ስለ ዘየቋረጾን ብትብዓት ይእውጅ ስለ ዝነበረን: ብዙሓት ሰባት ከም ጸዋዕ መዓት ገይሮም ይርእይዎ ነበሩ። (ኤር. 38:4) ንልዕሊ 65 ዓመት ድማ ፍርዲ የሆዋ ብትብዓት ኣወጀ። ኣብ እስራኤል በቲ ትብዓት ዝመልኦ ኣገልግሎቱ ኣዝዩ ስለ እተፈልጠ፡ ድሕሪ 600 ዓመት ንየሱስ ብትብዓት ኪሰብኽ ከሎ ዝረኣዩ ገሊኦም ሰባት፡ ኤርምያስ እንደገና ዝተንስአ መሰሎም። (ማቴ. 16:13, 14) እዚ ኣብ ፈለማ ሰጋእ መጋእ ኢሉ ዝነበረ ነብዪ፡ ንሕፍረቱ ብኸመይ ተዋጽኣሉ፧ “[ቃል ኣምላኽ] ኣብ ዓጻጽምተይ ተዐጽዩ፡ ኣብ ልበይ ከም ዚነድድ ሓዊ ዀነኒ” በለ። (ኤር. 20:9) እወ፡ ቃል የሆዋ ንኤርምያስ ሓይሊ ብምሃብ ንኺዛረብ ደሪኽዎ እዩ።

9. ቃል ኣምላኽ ልክዕ ከምቲ ንኤርምያስ ዝጸለዎ ንዓና እውን ዚጸልወና ስለምንታይ እዩ፧

9 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ናብ እብራውያን ዝጸሓፋ መልእኽቱ፡ “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን መንፈስን፡ መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ” በለ። (እብ. 4:12) ቃል ኣምላኽ ልክዕ ከምቲ ንኤርምያስ ዝጸለዎ ንዓና እውን ኪጸልወና ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብእተፈላለዩ ሰባት እኳ እንተ ተጻሕፈ፡ መንፈስ ኣምላኽ ስለ ዝነፈሶ፡ ብሰብኣዊ ጥበብ ዝመልአ መጽሓፍ ኣይኰነን። ኣብ 2 ጴጥሮስ 1:21፡ “ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር፡ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን” ዚብል ነንብብ። ትርጕም ዘለዎ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ግዜ ንምድብ እንተ ዄንና፡ ኣእምሮና በቲ መንፈስ ቅዱስ ዝነፈሶ መልእኽቲ ኺምላእ እዩ። (1 ቈረንቶስ 2:10 ኣንብብ።) እዚ መልእኽቲ እዚ ኣብ ውሽጥና “ኸም ዚነድድ ሓዊ” ስለ ዝዀነና፡ ንኻልኦት ክንነግሮም ኪድርኸና እዩ።

10, 11. (ሀ) ትብዓት ምእንቲ ኸነጥሪ ብኸመይ ኢና ኸነጽንዕ ዚግብኣና፧ (ለ) ብሕታዊ መጽናዕትኻ ንምምሕያሽ ክትገብሮ ብዛዕባ እትኽእል ሓደ መደብ ጥቐስ።

10 እቲ እንገብሮ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓያል ጽልዋ ምእንቲ ኼሕድረልና፡ ንመልእኽቲ ቓል ኣምላኽ ውሽጣዊ እንታይነትና ብዚትንክፍ መገዲ ኸነጽንዖ ኣሎና። ንኣብነት፡ ነብዪ ህዝቅኤል ሓደ ራእይ ርእዩ ነበረ፣ ኣብቲ ራእይ ድማ ናብቶም ዘይሰምዑ ሰባት ዚበጽሕ መልእኽቲ ንዝሓዘት ጥቕላል ኪበልዕ ተኣዘዘ። ነቲ መልእኽቲ ምሉእ ብምሉእ ኪርድኦን ናቱ ኺገብሮን ነበሮ። እዚ ኸኣ ነቲ ዕዮ ልክዕ ከም መዓር ባህ ዜብል ከም ዚኸውን ገበረሉ።—ህዝቅኤል 2:8–3:4, 7-9 ኣንብብ።

11 ንሕና እውን ምስ ህዝቅኤል ኣብ ዚመሳሰል ኵነታት ኢና ዘለና። ሎሚ ብዙሓት ሰባት ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ኺሰምዑ ኣይደልዩን እዮም። ስለዚ፡ ከየባተኽና ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ንኽንዛረብ፡ ንመልእኽቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ ብእንኽእለሉ መገዲ ኸነጽንዖ ኣገዳሲ እዩ። ብዘይካዚ፡ ሓሓሊፍና ዘይኰነስ፡ ኣዘውቲርና ኸነጽንዕ ኣሎና። ባህግና ልክዕ ከምቲ፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ከውሔይን መድሓንየይን፡ ቃላት ኣፈይን ሓሳባት ልበይን ኣብ ቅድሜኻ ብሁግ ይኹን” ኢሉ ዝዘመረ ጸሓፍ መዝሙር ኪኸውን ኣለዎ። (መዝ. 19:14) ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ልብና ምእንቲ ኺሰርጽ፡ ብዛዕባ እቲ ዘንበብናዮ ኸነስተንትንሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኣገዳሲ እዩ! እምበኣር፡ ንብሕታዊ መጽናዕትና ኸነመሓይሾ ጻዕሪ ንግበር። b

12. ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብመንፈስ ቅዱስ ንኽንምራሕ ዚሕግዘና ስለምንታይ እዩ፧

12 ካብ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ጥቕሚ ኽንረክብ እንኽእለሉ ኻልእ መገዲ፡ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል” ከምኡውን “ኣኼባና ኣይንሕደግ” ንዚብል ምኽሪ ብምስዓብ እዩ። (እብ. 10:24, 25) ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክንካፈል ጻዕሪ ምግባርና፡ ጽን ኢልና ምስማዕና፡ ነቲ እተመሃርናዮ ድማ ኣብ ግብሪ ምውዓልና፡ ብመንፈስ ከም እንምራሕ ዚገብር ጽቡቕ መገድታት እዩ። የሆዋ እውን እንተ ዀነ በታ ጉባኤ ኣቢሉ እዩ መንፈሱ ዚህበና።—ራእይ 3:6 ኣንብብ።

ትብዓት ብምጥራይ ዚርከብ ጥቕምታት

13. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝፈጸምዎ ዜደንቕ ዕዮ ስብከት እንታይ እዩ ዚምህረና፧

13 መንፈስ ቅዱስ ኣብ መላእ ዩኒቨርስ ዝበርትዐ ሓይሊ ስለ ዝዀነ፡ ሰባት ፍቓድ የሆዋ ንኺገብሩ ኼበርትዖም ይኽእል እዩ። ብሓገዝ እዚ መንፈስ እዚ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ዜደንቕ ዕዮ ስብከት ፈጸሙ። ነቲ ብስራት ከኣ “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር” ሰበኽዎ። (ቈሎ. 1:23) መብዛሕትኦም “ዘይተማህሩ ጭዋታት” ክነሶም ነዚ ዕዮ ምፍጻሞም፡ ብብርቱዕ ሓይሊ ደኣ እምበር ብርእሶም ተደሪኾም ከም ዘይገበርዎ ዜርኢ እዩ።—ግብ. 4:13

14. ‘ብመንፈስ ንኽንቃጸል’ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

14 ምስ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ተሰማሚዕና ንነብር እንተ ዄንና፡ ኣገልግሎትና ብትብዓት ንኽንፍጽም ኪድርኸና እዩ። መንፈስ ቅዱስ ኪወሃበና ብዘይምቍራጽ ንጽሊ፡ ትርጕም ዘለዎ ብሕታዊ መጽናዕቲ ንገብር፡ ብዛዕባ እቲ ዘንበብናዮ ብጸሎት ነስተንትን፡ ከምኡውን ኣዘውቲርና ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንካፈል እንተ ዄንና፡ ‘ብመንፈስ ክንቃጸል’ ኢና። (ሮሜ 12:11) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሓደ ሊቅ ኣጵሎስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ፡ ብዓል እስክንድርያ፡ ብጽሑፋት ከኣ ስልጡን ሰብኣይ፡ ናብ ኤፌሶን መጸ። . . . ብመንፈስ ሞይቁ ብዛዕባ ናይ የሱስ ይነግር ኣጸቢቑውን ይምህር ነበረ” ይብል። (ግብ. 18:24, 25) እወ፡ ‘ብመንፈስ እንተ ተቓጺልና፡’ ኣብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት እንገብሮ ኣገልግሎትን ብዘይወግዓዊ መገዲ ዚወሃብ ምስክርነትን ዝያዳ ትብዓት ከነርኢ ኢና።

15. ብትብዓት ምስባኽና እንታይ ጥቕሚ እዩ ዘለዎ፧

15 ምስክርነት ኣብ እንህበሉ እዋን እነርእዮ ትብዓት፡ ኣባና ኣወንታዊ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። ንኣገዳስነትን ጥቕምን ዕዮና ምሉእ ብምሉእ ስለ እንርድኦ፡ ኣረኣእያና ይመሓየሽ። ኣብ ኣገልግሎት ውጽኢታውያን ክንከውን ከለና ድማ ዝያዳ ሓጐስ ስለ እንረክብ፡ ውዕዉዕ ስምዒት ይህልወና። ብዘይካዚ፡ ንህጽጹነት ዕዮ ስብከት ስለ እንርድኦ፡ ቅንኣትና ይድልድል።

16. ንኣገልግሎት ዘሎና ቕንኣት እንተ ቕሂሙ፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

16 ንኣገልግሎት ዝነበረና ቕንኣት እንተ ጠፊኡ፡ ወይ ከኣ ከም ናይ ቀደሙ እንተ ዘይኰይኑ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ብቕንዕና ንርእስና ኽንምርምር ኣሎና። ጳውሎስ፡ “ብእምነት እንተ አሊኹም፡ ርእስኹም ፈትኑ፡ ርእስኹም መርምሩ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረ. 13:5) ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት፦ ‘ሕጂ እውን እንተ ዀነ ብመንፈስ እቃጸል ድየ፧ የሆዋ መንፈሱ ኺህበኒ እጽሊ ድየ፧ ጸሎተይ ፍቓዱ ንምግባር ኣብኡ ኸም ዝውከል የርኢ ድዩ፧ ኣብ ጸሎተይ ነቲ ብሓደራ እተዋህበና ዕዮ ስብከት ከም ዘማስወሉ እገልጽ ድየ፧ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ልማደይ ከመይ እዩ ዘሎ፧ ብዛዕባ እቲ ዘንበብክዎን ዝሰማዕክዎን ንምስትንታን ክንደይ ግዜ እየ ዘሕልፍ፧ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዘሎኒ ተሳትፎ እንታይ ይመስል፧’ ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ምስትንታንካ፡ ድኽመታትካ ንኸተለልን ንኸተዐርን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

መንፈስ ኣምላኽ የትብዕካ

17, 18. (ሀ) ሎሚ ዕዮ ስብከት ኣብ ከመይ ዝበለ ደረጃ እዩ ዚርከብ፧ (ለ) ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንእውጅ ከለና “ትብዓት” ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

17 የሱስ ካብ ሞት ምስ ተንስአ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም” በሎም። (ግብ. 1:8) እቲ ሽዑ ዝጀመረ ዕዮ፡ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ይፍጸም ኣሎ። ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ዚነብሩ ዳርጋ ሸውዓተ ሚልዮን ዚዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ዓመት ኣስታት 1.5 ቢልዮን ሰዓታት ኣብ ኣገልግሎት ብምሕላፍ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩ ኣለዉ። ኣብዚ ዳግማይ ዘይምለስ ዕዮ ብቕንኣት ምክፋልሲ ኽሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ!

18 ልክዕ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚግበር ዝነበረ፡ ሎሚ ዚዕመም ዘሎ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት እውን ብመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ እዩ ዚግበር። ንመሪሕነት እቲ መንፈስ እንተ ተቐቢልናዮ፡ ኣብ ኣገልግሎት “ትብዓት” ከነርኢ ኢና። (ግብ. 28:31) ሃየ እምበኣር፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ ከለና በቲ መንፈስ ንመራሕ!

[እግረ-ጽሑፋት]

a ስማት ተቐዪሩ እዩ።

b ካብ ንባብን መጽናዕትን መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ጥቕሚ ምእንቲ ኽትረክብ፡ ኣብታ ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 21-32 ዚርከብ “ናብ ምንባብ ኣቕልብ” ከምኡውን “መጽናዕቲ ዓስቢ ኣለዎ” ዚብል ምዕራፋት ርአ።

እንታይ ተማሂርካ፧

• ቃል ኣምላኽ ክንዛረብ ከለና ትብዓት ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

• ቀዳሞት ክርስትያናት ብትብዓት ንኺዛረቡ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧

• ብኸመይ ኢና ትብዓት ከነጥሪ እንኽእል፧

• ትብዓት ምጥራይ እንታይ ጥቕሚ እዩ ዘለዎ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ቈልዑ ትብዓት ምእንቲ ኼጥርዩ፡ ወለዲ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ሓጺር ጸሎት ምቕራብ፡ ኣብ ኣገልግሎት ትብዓት ንኸተጥሪ ይሕግዝ