ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

በታ ብልጽቲ መገዲ ህይወት ተመላለስ

በታ ብልጽቲ መገዲ ህይወት ተመላለስ

በታ ብልጽቲ መገዲ ህይወት ተመላለስ

“ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትና፡ ናይ [“የሆዋ፡” NW] ኢና።” —ሮሜ 14:8

1. የሱስ ብዛዕባ እታ ብልጽቲ መገዲ ህይወት እንታይ ምሂሩ፧

 የሆዋ በታ ብልጽቲ መገዲ ህይወት ክንመላለስ እዩ ዚደልየና። ሰባት እተፈላለየ መገዲ ህይወት ኪስዕቡ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ሓንቲ ብልጽቲ መገዲ ጥራይ እያ ዘላ። ምስ ሕጊ ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ኻብ ምንባርን ካብቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ትምህርቲ ኻብ ምውሳድን ዝሓሸ ህይወት ኪህልወና ኣይክእልን እዩ። የሱስ ንሰዓብቱ፡ ንኣምላኽ ብመንፈስን ብሓቅን ኬምልኽዎ መሃሮም፡ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩ እውን መዘዞም። (ማቴ. 28:19, 20፣ ዮሃ. 4:24) ምስቲ የሱስ ዝሃቦ መምርሒታት ተሰማሚዕና ብምምልላስ፡ ንየሆዋ ነሐጕሶ፡ በረኸቱ ኸኣ ንረክብ።

2. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧ በታ “መገዲ” ኣለዉ ኺበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

2 እቶም “ንህይወት ዘለኣለም [“ቅኑዕ ዝንባለ ዘለዎም፡” NW] ዘበሉ” ኣሚኖም ኪጥመቑ ኸለዉ፡ “ናብቲ ብሉጽ መገዲ ህይወት እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም!” ንብሎም ኢና። (ግብ. 13:48) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድሕሪ ክርስቶስ፡ ካብ እተፈላለዩ ኣህዛብ እተዋጽኡ ኣሽሓት ሰባት ሓቂ ተቐበሉ፡ ብጥምቀት ኣቢሎም ድማ ንኣምላኽ ከም እተወፈዩ ኣርኣዩ። (ግብ. 2:41) እዞም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ እዚኣቶም፡ በታ “መገዲ” እቲኣ ኸም ዘለዉ ጌርካ እዮም ተገሊጾም። (ግብ. 9:2፣ 19:23) እቶም ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝዀኑ፡ ኣብታ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ዘላቶም እምነትን ኣብነቱ ኣብ ምስዓብን ዘተኰረ ህይወት ይመርሑ ብምንባሮም፡ እዚ መጸውዒ እዚ ዚግብኦም እዩ ነይሩ።—1 ጴጥ. 2:21

3. ህዝቢ የሆዋ ስለምንታይ እዮም ዚጥመቑ፧ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመትከ ክንደይ ዚኣኽሉ ተጠሚቖም፧

3 እቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ይቀላጠፍ ኣሎ፣ ሕጂ ኸኣ ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ይዕየ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት፡ ልዕሊ 2,700,000 ሰባት ንየሆዋ ንኼገልግሉን ንዕኡ ዝገበርዎ ወፈያ ብጥምቀት ንኼርእዩን ወሲኖም እዮም። እዚ ብገምጋም ኣብ ሰሰሙን ልዕሊ 5,000 ሰባት ማለት እዩ። ንምጥማቕ ዚግበር ውሳነ፡ ኣብቲ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕርን ብዛዕባ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎና ፍልጠትን ኣብ ትምህርትታቱ ዘሎና እምነትን ተመርኲስካ እዩ ዚግበር። ጥምቀት፡ ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ እንጅምረሉ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ህይወትና ዓብዪ ኣገዳስነት ኣለዎ። ብዘይካዚ፡ ከምቲ የሆዋ፡ ጥንቲ ብመገዱ ንዚመላለሱ ኣገልገልቱ ዝሓገዞም፡ ንዓና እውን ብተኣማንነት ንኸነገልግሎ ኸም ዚሕግዘና ምትእምማንና እነርእየሉ እዩ።—ኢሳ. 30:21

ጥምቀት ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

4, 5. ገለ ኻብቲ ጥምቀት ዜምጽኦ በረኸትን ጥቕምን ጥቐስ።

4 ምናልባት ንኣምላኽ ፈሊጥካዮ፡ ህይወትካ ለዊጥካ፡ ዘይተጠመቕካ ኣስፋሒ ዄንካ ትኸውን። እዚ ዕቤት እዚ ዚነኣድ እዩ። ግናኸ ብጸሎት ኣቢልካ ርእስኻ ንኣምላኽ ወፊኻዶ፧ ክትጥመቕከ ትቀራረብዶ ኣለኻ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝገበርካዮ መጽናዕቲ፡ ህይወትካ ንርእስኻ ኣብ ምሕጓስ ወይ ስጋዊ ጥሪት ኣብ ምድላብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ኣብ ምውዳስ ኬተኵር ከም ዘለዎ ፈሊጥካ ኢኻ። (መዝሙር 148:11-13 ኣንብብ፣ ሉቃ. 12:15) እሞ ደኣ ገለ ኻብቲ ጥምቀት ዜምጽኦ በረኸትን ጥቕምን እንታይ እዩ፧

5 ርእስኻ ዝወፈኻ ክርስትያን ስለ እትኸውን፡ ህይወትካ ዝለዓለ ዕላማ ኺህልዋ እዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ትገብር ስለ ዘለኻ፡ ሕጉስ ክትኸውን ኢኻ። (ሮሜ 12:1, 2) ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ፡ ከም ሰላምን እምነትን ዝኣመሰለ ኣምላኻዊ ባህርያት ኣባኻ ኼፍሪ እዩ። (ገላ. 5:22, 23) ኣምላኽ ንጸሎትካ ኺምልሰልካ እዩ፣ ነቲ ህይወትካ ምስ ቃሉ ንምስምማዕ እትገብሮ ጻዕሪ ድማ ኪባርኾ እዩ። ካብ ኣገልግሎትካ ሓጐስ ክትረክብ ኢኻ፣ በቲ ኣምላኽ ዚሰምሮ መገዲ ምንባር ከኣ ነቲ ንዘለኣለም ክትነብር ዘሎካ ተስፋ ኼደልድሎ እዩ። ብዘይካዚ፡ ርእስኻ ምውፋይካን ምጥማቕካን፡ ብሓቂ ናይ የሆዋ ምስክር ክትከውን ከም እትደሊ ኼርኢ እዩ።—ኢሳ. 43:10-12

6. ጥምቀትና እንታይ እዩ ዜፍልጥ፧

6 ርእስና ንኣምላኽ ብምውፋይናን ብምጥማቕናን፡ ናይ የሆዋ ምዃንና ኢና ንሰባት እነፍልጥ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ካባናስ ሓደ እኳ ንርእሱ ኢሉ ዚነብር የልቦን እሞ፡ ንርእሱ ዚመውት ከኣ ሓደ እኳ የልቦን። ብህይወት እንተ ነበርና፡ [“ንየሆዋ፡” NW] ኢና እንነብር፡ ወይስ እንተ ሞትና፡ [“ንየሆዋ፡” NW] ኢና እንመውት እሞ፡ ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትና፡ ናይ [“የሆዋ፡” NW] ኢና” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 14:7, 8) ኣምላኽ ናይ ምምራጽ ናጽነት ብምሃብ ኣኽቢሩና እዩ። ንኣምላኽ ካብ ዘሎና ፍቕሪ እተላዕለ ነዚ መገዲ ህይወት እዚ ንምስዓብ ክንውስን ከለና፡ ንልቡ ኢና እነሐጕሶ። (ምሳ. 27:11) ጥምቀትና ንኣምላኽ ዝገበርናዮ ወፈያ እነርእየሉን የሆዋ ገዛኢና ምዃኑ ንሰባት እንእውጀሉን እዩ። ኣብ ጕዳይ ልዑላውነት፡ ኣብ ጐድኑ ኸም ዝቘምና ኸኣ የርኢ። (ግብ. 5:29, 32) የሆዋ እውን ብግዲኡ፡ ምሳና ይኸውን። (መዝሙር 118:6 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ ጥምቀት፡ ሕጅን ኣብ መጻእን ሓያሎ ኻልእ መንፈሳዊ በረኸት ንኽንረክብ መገዲ ይኸፍተልና እዩ።

ፍቕሪ ብዝመልኦ ሕውነት ይባረኹ

7-9. (ሀ) የሱስ ነቶም ኵሉ ሓዲጎም ዝሰዓብዎ እንታይ መረጋገጺ እዩ ሂብዎም፧ (ለ) ኣብ ማርቆስ 10:29, 30 ዚርከብ የሱስ ዝኣተዎ መብጽዓ ብኸመይ ይፍጸም ኣሎ፧

7 ኣብ ሓደ እዋን፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንየሱስ፡ “እንሆ፡ ንሕና ዅሉ ሐዲግና ሰዐብናካ። እንታይ ኰን ክንረክብ ኢና፧” ኢሉ ሓተቶ። (ማቴ. 19:27) ኣብ መጻኢ ንሱን ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ የሱስን እንታይ ከም ዚረኽቡ እዩ ኺፈልጥ ደልዩ። ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ብተወፋይነት ምእንቲ ኺዓዩ ኢሎም፡ ኣገዳሲ መስዋእትታት ገይሮም እዮም። (ማቴ. 4:18-22) እሞኸ የሱስ እንታይ መረጋገጺ ሃቦም፧

8 ብመሰረት እቲ ማርቆስ ዝመዝገቦ ጸብጻብ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኽፍሊ መንፈሳዊ ሕውነት ከም ዚዀኑ፡ የሱስ ሓቢሩ እዩ። “ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ኢሉ፡ ቤት፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ኣሓት፡ ወይ ኣቦ፡ ወይ ኣደ፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ውሉድ፡ ወይ ግርሁ ዝሐደገ ዘበለ፡ ሕጂ ኣብዛ ዘመን እዚኣ ቤት፡ ኣሕዋት፡ ኣሓት፡ ኣደ፡ ውሉድ፡ ግርሁ፡ ሚእቲ ኻዕበት ምስ ስደት፡ ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን” በለ። (ማር. 10:29, 30) ከም እኒ ልድያን ኣኪላስን ጵርስኪላን ጋይዮስን ዝኣመሰሉ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ከምቲ የሱስ እተመባጽዖ ንክርስትያናት ብጾቶም “ቤት” ኣዳልዮምን “ኣሕዋት፡ ኣሓት፡ ኣደ” ዀይኖምን እዮም።—ግብ. 16:14, 15፣ 18:2-4፣ 3 ዮሃ. 1, 5-8

9 እቲ የሱስ ዝበሎ ነገራት፡ ሎሚ ብዝዓበየ ደረጃ ይፍጸም ኣሎ። እቲ ሰዓብቱ ዚሓድግዎ “ግርሁ፡” ነቲ ኣብ እተፈላለየ ሃገራት ዚርከቡ ሚስዮናውያንን ኣባላት ስድራ ቤትኤልን ኣህጉራውያን ኣገልገልትን ካልኦት ክርስትያናትን ምእንቲ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኢሎም ብፍታዎም ዚሓድግዎ መነባብሮ የመልክት። ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ናብራኦም ምእንቲ ኬቕልሉ ኢሎም ቤቶም ሓዲጎም እዮም፣ የሆዋ ብኸመይ ከም እተኸናኸኖምን ንዕኡ ዜቕርብዎ ኣገልግሎት ክሳዕ ክንደይ ከም ዜሐጕሶምን ክንሰምዕ ከለና ኸኣ ንሕጐስ ኢና። (ግብ. 20:35) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኵሎም ጥሙቓት ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ከም ክፍሊ እቲ ዓለምለኻዊ ክርስትያናዊ ሕውነት፡ ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ብምድላይ’ በረኸት ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም።—ማቴ. 6:33

“ኣብ ጸግዒ እቲ ልዑል” ይዕቈቡ

10, 11. “ጸግዒ እቲ ልዑል” እንታይ እዩ፧ ኣብኡ ኽንሓድር እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

10 ወፈያን ጥምቀትን ካልእ በረኸት እውን የምጽእ እዩ፣ እዚ ኸኣ “ኣብ ጸግዒ እቲ ልዑል” ናይ ምሕዳር ፍሉይ መሰል እዩ። (መዝሙር 91:1 ኣንብብ።) እዚ ምሳልያዊ ጸግዒ እዚ፡ ካብ መንፈሳዊ ጕድኣት ድሕንነትን ውሕስነትን ዕቝባን ዚርከበሉ ዅነት እዩ። መንፈሳዊ ምስትውዓል ዚጐድሎምን ኣብ ኣምላኽ ዘይውከሉን ሰባት ስለ ዘይፈልጥዎ ኸኣ፡ ስዉር እዩ። ምስ ወፈያና ተሰማሚዕና ምስ እንመላለስን ኣብ የሆዋ ምሉእ ምትእምማን ምስ እነሕድርን፡ “ጸግዔይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ” ኢና እንብሎ። (መዝ. 91:2) የሆዋ ኣምላኽ ከኣ ጸግዒ ይዀነና። (መዝ. 91:9) ካብዚ ዚበልጽ ጸግዒ እሞ ኣበይ ይርከብ፧

11 ኣብ “ጸግዒ” የሆዋ ምሕዳርና፡ ምስኡ ብሕታዊ ርክብ ከም ዘማዕበልና እውን ይእምት እዩ። እዚ ብወፈያን ብጥምቀትን ኣቢሉ እዩ ዚጅምር። ድሕሪኡ፡ ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ብልባዊ ጸሎትን ብምሉእ ተኣዛዝነትን ኣቢልና ንኣምላኽ ብምቕራብ፡ ምስኡ ዘሎና ርክብ ነማዕብል። (ያእ. 4:8) ከምቲ ኣብ ፈጣሪ ነቕ ዘይብል ምትእምማን ዝነበሮ የሱስ ገይሩ፡ ንየሆዋ ዝቐረቦ የልቦን። (ዮሃ. 8:29) ስለዚ፡ ንየሆዋ ዀነ ነቲ ወፈያና ምእንቲ ኽንፍጽም ንኺሕግዘና ዘለዎ ድሌትን ክእለትን ከቶ ኣይንጠራጠሮ። (መክ. 5:4) ኣምላኽ ንህዝቡ ኣዳልይዎ ዘሎ መንፈሳዊ መሰናድዎ፡ ብሓቂ ኸም ዜፍቅረናን ንዕኡ ኣብ እነቕርቦ ኣገልግሎት ክንዕወት ከም ዚደልየናን ዜርኢ ዘይከሓድ መርትዖ እዩ።

መንፈሳዊ ገነትና ኣኽቢርና ንርኣዮ

12, 13. (ሀ) መንፈሳዊ ገነት እንታይ እዩ፧ (ለ) ንሓደስቲ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧

12 ወፈያን ጥምቀትን ኣብቲ እተባረኸ መንፈሳዊ ገነት ንኽንነብር እውን መገዲ ይኸፍተልና እዩ። እዚ ገነት እዚ፡ ኣመንቲ ምስ ዝዀኑ ብጾትና ብሓባር እንነብረሉ መንፈሳዊ ሃዋህው ኪኸውን ከሎ፡ ኣብኡ ድማ ምስ የሆዋ ኣምላኽን ንሓድሕድናን ብሰላም ንነብር። (መዝ. 29:11፣ ኢሳ. 54:13) ዓለም ምስ መንፈሳዊ ገነትና ዚወዳደር ዋላ ሓንቲ የብላን። እዚ ድማ ብፍላይ ኣብቲ ኻብ እተፈላለየ ህዝብታትን ቋንቋታትን ዓሌታትን እተዋጽኡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዚገብርዎ ሰላምን ሓድነትን ሕውነታዊ ፍቕርን ዝሰፈኖ ኣህጉራዊ ኣኼባታት ብንጹር ይርአ እዩ።

13 እዚ ንሕና ዘለናሉ መንፈሳዊ ሃዋህው፡ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ሕማቕ ኵነታት ኣጸቢቑ እተፈልየ እዩ። (ኢሳይያስ 65:13, 14 ኣንብብ።) መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብምእዋጅ፡ ንኻልኦት ናብዚ መንፈሳዊ ገነት ንኺኣትዉ ናይ ምዕዳም ፍሉይ መሰል ኣሎና። ነቶም ኣብ ቀረባ ግዜ ምስ ጉባኤ ኺሓብሩ ዝጀመሩን ኣብ ኣገልግሎት ስልጠና ዜድልዮምን ሰባት ምሕጋዝ እውን በረኸት እዩ። ከምቲ ኣኪላስን ጵርስኪላን ንኣጵሎስ ‘መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ዘረድእዎ፡’ ንሕና እውን ካብ ሽማግለታት መምርሒ ኣብ ዚወሃበና እዋን፡ ንገሊኦም ሓደስቲ ክርስትያናት ናይ ምሕጋዝ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።—ግብ. 18:24-26

ካብ የሱስ ብቐጻሊ ተምሃር

14, 15. ካብ የሱስ ብቐጻሊ ንኽንመሃር እንታይ ብቑዕ ምኽንያታት ኣሎና፧

14 ካብ የሱስ ብቐጻሊ ንኽንመሃር፡ ብቑዕ ምኽንያታት ኣሎና። የሱስ፡ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ፡ ታእላው ዘይብሉ ዓመታት ምስ ኣቦኡ ይዓዪ ነበረ። (ምሳ. 8:22, 30) እቲ ብሉጽ መገዲ ህይወት፡ ንኣምላኽ ኣብ ምግልጋልን ንሓቂ ኣብ ምምስካርን ዘተኰረ ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። (ዮሃ. 18:37) ዝዀነ ይኹን ካልእ ዓይነት ህይወት ዚስዕብ ዘበለ፡ ንርእሱ ዚጥዕሞ ዚደልን ኣርሒቑ ዘይርእን ምዃኑ ኣይሰሓቶን። ከም ዚፍተንን ከም ዚመውትን ይፈልጥ ነበረ። (ማቴ. 20:18, 19፣ እብ. 4:15) ኣርኣያና ስለ ዝዀነ፡ ብኸመይ ንጽህናና ኸም እንሕሉ ምሂሩና እዩ።

15 የሱስ ምስ ተጠምቀ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሰይጣን ነታ ብልጽቲ መገዲ ህይወት ብዘይረብሕ ነገር ኪሓድጋ ፈተኖ። (ማቴ. 4:1-11) እዚ ኸኣ፡ ሰይጣን ዝገበረ ይግበር ብዘየገድስ፡ ንጽህናና ኽንሕሉ ኸም እንኽእል ይምህረና። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብቶም ንጥምቀት ዚቀራረቡን ሓደስቲ ጥሙቓትን እዩ ዜተኵር። (1 ጴጥ. 5:8) ኣባላት ስድራ ቤት ግጉይ ሓበሬታ ስለ ዚወሃቦም፡ ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊሶም ይጻረሩ ይዀኑ። ኰይኑ ግን፡ ንዚለዓል ሕቶታት ምላሽ ክንህብን ክንምስክርን ከለና፡ ከም ኣኽብሮትን ሜላን ዝኣመሰለ ክርስትያናዊ ባህርያት ንኸነርኢ ኣጋጣሚ ይኽፈተልና እዩ። (1 ጴጥ. 3:15) ስለዚ፡ ነቶም ዚሰምዑና ኣወንታዊ ጽልዋ ኸነሕድረሎም ንኽእል ኢና።—1 ጢሞ. 4:16

ናብታ ብልጽቲ መገዲ ህይወት ልገብ

16, 17. (ሀ) ኣብ ዘዳግም 30:19, 20 እንታይ ንህይወት ዜድሊ ሰለስተ መሰረታዊ ብቕዓታት እዩ ተዘርዚሩ ዘሎ፧ (ለ) የሱስን ዮሃንስን ጳውሎስን ነቲ ሙሴ ዝጸሓፎ ዝደገፍዎ ብኸመይ እዮም፧

16 ካብቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ ኣስታት 1,500 ዓመት ይገብር፡ ሙሴ ንእስራኤላውያን ነታ ሽዑ ዝነበረት ብልጽቲ መገዲ ህይወት ኪሓርዩ ተላበዎም። “ህይወትን ሞትን፡ በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኸም ዘሎኹ፡ ኣባኻ ንምስክር ሎሚ ሰማይን ምድርን ጸዊዔ አሎኹ። እምበኣርሲ ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብር፡ ህይወት ሕረ። . . . ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣፍቅሮ፡ ቃሉ ድማ ስማዕ ናብኡውን ልገብ” በሎም። (ዘዳ. 30:19, 20) እስራኤላውያን ንኣምላኽ ዘይእሙናት ኰኑ፣ እቲ ሙሴ ኣብዚ ዝጠቐሶ፡ ህይወት ንምርካብ ዜኽእል ሰለስተ መሰረታዊ ብቕዓታት ግን ኣይተቐየረን። የሱስን ካልኦትን ነዚ ብቕዓታት እዚ እንደገና ጠቒሶምዎ እዮም።

17 ቀዳማይ፡ ‘ንየሆዋ ኣምላኽና ኸነፍቅሮ ኣሎና።’ ምስቲ ጻድቕ መገድታቱ ተሰማሚዕና ብምምልላስ፡ ንኣምላኽ ከም እነፍቅሮ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። (ማቴ. 22:37) ካልኣይ፡ ቃል ኣምላኽ ብምጽናዕን ትእዛዛቱ ብምሕላውን፡ ‘ቃል የሆዋ ኽንሰምዕ ኣሎና።’ (1 ዮሃ. 5:3) ከምዚ ንምግባር ድማ፡ ኣዘውቲርና ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምይይጥ ዚግበረሉ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክንእከብ ኣሎና። (እብ. 10:23-25) ሳልሳይ፡ ‘ናብ የሆዋ ኽንለግብ ኣሎና።’ ዝመጸ ይምጻእ ብዘየገድስ፡ ወትሩ ኣብ ኣምላኽ ዘሎና እምነት ነርኢ፡ ንወዱ ድማ ንስዓቦ።—2 ቈረ. 4:16-18

18. (ሀ) ብ1914 ዝወጸት ግምቢ ዘብዐኛ ንሓቂ ብኸመይ ገሊጻታ፧ (ለ) ሎሚ ብዛዕባ ዘሎ ብርሃን ሓቂ ኸመይ ኪስምዓና ኣለዎ፧

18 ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ተሰማሚዕካ ምንባር፡ ብሓቂ በረኸት እዩ። ብ1914፡ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ እዚ ኣገዳሲ ሓሳብ ተሓትመ፦ “ብሩኻትን ሕጉሳትን ህዝቢ ደይኰንናን፧ ኣምላኽና እሙን ደይኰነን፧ ዝሓሸ ዚፈልጥ እንተሎ፡ ይሓዞ። ዝሓሸ እንተ ረኺብኩም፡ ክትነግሩና ተስፋ ንገብር። ኣብ ቃል ኣምላኽ ካብ ዝረኸብናዮ ዚሓይሽ ወይ ክንዲ ፍርቁ እውን ዚኸውን ከም ዘየለ ንፈልጥ ኢና። . . . ነቲ ንጹር ፍልጠት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ልብናን ህይወትናን ዘምጽኣልና ሰላምን ሓጐስን በረኸትን ኪገልጽ ዚኽእል ልሳን ወይ ብርዒ የልቦን። ብዛዕባ ጥበብን ፍትሕን ሓይልን ፍቕርን ኣምላኽ ዚገልጽ ዛንታ፡ ንርእስናን ንልብናን ኣርውይዎ እዩ። ካልእ ኣይንደልን ኢና። ነዚ ዜደንቕ ዛንታ ኣብ ኣእምሮና ብንጹር ካብ ምስፋር ሓሊፉ፡ ካልእ እንብህጎ ነገር የለን።” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 15 ታሕሳስ 1914፡ ገጽ 377-378 እንግሊዝኛ) ንመንፈሳዊ ብርሃንን ሓቅን ዘሎና ኣድንቖት ኣይተቐየረን። እወ፡ ሕጂ ‘ብብርሃን የሆዋ ምምልላስና፡’ ብዝያዳ የሐጕስና እዩ።—ኢሳ. 2:5፣ መዝ. 43:3፣ ምሳ. 4:18

19. እቶም ንጥምቀት ዜድሊ ብቕዓት ዘማልኡ፡ ከይተደናጐዩ ስጕምቲ ኺወስዱ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

19 ‘ብብርሃን የሆዋ ኽትመላለስ’ እናደለኻ፡ ገና ግን ርእስኻ ወፊኻ እተጠመቕካ ክርስትያን እንተ ዘይኴንካ፡ ኣይትደናጐ። ነቲ ንጥምቀት ዜድሊ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ብቕዓታት ንምምላእ ዚከኣለካ ዘበለ ግበር፣ ነቲ ኣምላኽን ክርስቶስን ዝገበሩልና ዘበለ ምስጋና ኽንገልጸሉ እንኽእል ሓደ በይኑ መገዲ እዚ እዩ። ንየሆዋ፡ እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዝኸበረ ጥሪትካ፡ ማለት ህይወትካ ሃቦ። ንወዱ ብምስዓብ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ክትገብር ከም እትደሊ ኣርኢ። (2 ቈረ. 5:14, 15) እታ ብልጽቲ መገዲ ህይወት እዚኣ ምዃና፡ ኣየተሓታትትን እዩ!

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ጥምቀትና እንታይ እዩ ዜርኢ፧

• ርእስና ንኣምላኽ ምውፋይናን ምጥማቕናን እንታይ በረኸት የምጽኣልና፧

• ካብ የሱስ ክንመሃር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ናብታ ብልጽቲ መገዲ ህይወት ንኽንለግብ እንታይ ይሕግዘና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ጥምቀትካ፡ ነታ ብልጽቲ መገዲ ህይወት ከም ዝሓረኻ የርኢ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

“ኣብ ጸግዒ እቲ ልዑል” ዲኻ ተዓቚብካ ዘለኻ፧