ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ “ናይ መንፈስ ሰይፊ” ብኽእለት ተጠቐመሉ

ነቲ “ናይ መንፈስ ሰይፊ” ብኽእለት ተጠቐመሉ

ነቲ “ናይ መንፈስ ሰይፊ” ብኽእለት ተጠቐመሉ

“ናይ መንፈስ ሰይፊውን፡ ማለት ቃል ኣምላኽ፡ ሐዙ።”—ኤፌ. 6:17

1, 2. ነቲ ዝያዳ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዜድልዩ ዚገልጽ ጻውዒት ብኸመይ ምላሽ ክንህበሉ ኣሎና፧

 የሱስ ንመንፈሳዊ ድሌት ብዙሓት ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ” በሎም። ከምኡ ኢሉ ግን ስቕ ኣይበለን። ነዘን ቃላት እዚኣተን ድሕሪ ምዝራቡ፡ “ንዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ” ነቲ እኽሊ ኺእክቡ፡ ማለት ኪሰብኩ ለኣኾም። (ማቴ. 9:35-38፣ 10:1, 5) ጸኒሑ ድማ “ካልኦት ሰብዓ ሰርዔ፡ በብኽልተ ገይሩ” ተመሳሳሊ ዕዮ ኺዓዩ ኸኣ ለኣኾም።—ሉቃ. 10:1, 2

2 ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ዝያዳ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ የድልዩ ኣለዉ። ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2009 ኣብ መላእ ዓለም 18,168,323 ዝዀኑ ሰባት ኣብ በዓል ዝኽሪ ተኣኪቦም እዮም። ካብዚኦም እቶም ልዕሊ 10 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣይኰኑን። እምበኣር፡ ምድሪ ድሮ ንዓጺድ ጻዕድያ ኣላ። (ዮሃ. 4:34, 35) ስለዚ፡ ዝያዳ ዓየይቲ ንኺርከቡ ኽንጽሊ ኣሎና። ምስ ጸሎትና ዚሰማማዕ ስጕምቲ ኽንወስድ እንኽእል ግን ብኸመይ ኢና፧ ኣብ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ዕዮ ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ብቕንኣት ኣብ እንካፈለሉ እዋን፡ ዝያዳ ውጽኢታውያን ኣገልገልቲ ብምዃን ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና።—ማቴ. 28:19, 20፣ ማር. 13:10

3. መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ኣገልግሎትና ዝያዳ ውጽኢታውያን ንኽንከውን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

3 ኣብዛ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ምምራሕ ‘ንቓል ኣምላኽ ብትብዓት ኣብ ምዝራብ’ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ርኢና ኔርና። (ግብ. 4:31) እዚ መንፈስ እዚ፡ ክኢላታት ኣገልገልቲ ንኽንከውን እውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ሓደ ኻብቲ ኣብ ኣገልግሎትና ዝያዳ ውጽኢታውያን እንዀነሉ መገዲ፡ ነቲ የሆዋ ኣምላኽ ዝሃበና ዝበለጸ ንዋት፡ ማለት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብጽቡቕ መገዲ ምጥቃም እዩ። ቃል ኣምላኽ፡ ብመንፈስ ቅዱስ እዩ ተጻሒፉ። (2 ጢሞ. 3:16, 17) መልእኽቱ ድማ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ሓቂ ኣብ ኣገልግሎትና ብኽእለት ክንጥቀመሉ ኸለና፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ንምራሕ ኣለና ማለት እዩ። ብኸመይ ከምኡ ኸም እንገብር ቅድሚ ምምርማርና ግን፡ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ዘለዎ ሓይሊ እስከ ንርአ።

‘ቃል ኣምላኽ መስለጢ እዩ’

4. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መልእኽቲ ንሓደ ሰብ ዚቕይሮ ብኸመይ እዩ፧

4 ቃል ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ መስለጢ ወይ ሓያል ኰን እዩ! (እብ. 4:12) እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መልእኽቲ፡ ብምሳልያዊ መገዲ ኻብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ዝሰርሖ ሰይፊ ዝበልሐ እዩ፣ ከመይሲ፡ መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጕዕን እዩ ዚፈሊ። እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ሓቂ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰብ ኣትዩ ንሓሳባቱን ስምዒታቱን ምስ ተንከፎ፡ ናይ ሓቂ እንታይነቱ ብንጹር ይርአ። እዚ ሓቂ እዚ ዘለዎ ሓይሊ ኸኣ፡ ነቲ ሰብ ለውጢ ኺገብር ይድርኾ። (ቈሎሴ 3:10 ኣንብብ።) እወ፡ ቃል ኣምላኽ ንህይወት ሰባት ኪቕይር ይኽእል እዩ።

5. መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሓና ብኸመይ እዩ፧ እዚኸ እንታይ ውጽኢት ኣለዎ፧

5 መጽሓፍ ቅዱስ መወዳድርቲ ዘይብሉ ጥበብ ዚርከቦ መጽሓፍ እውን እዩ። ሰባት ኣብዛ ጸገም ዝመልኣ ዓለም ብኸመይ ኪነብሩ ኸም ዚኽእሉ ዚገልጽ ሓጋዚ ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ። ብዘይካዚ፡ ንእግርና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንመገድና እውን የብርሃልና እዩ። (መዝ. 119:105) ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ ወይ ከኣ ብዛዕባ ኣዕሩኽ፡ መዘናግዒ፡ ስራሕ፡ ኣከዳድና፡ ከምኡውን ብዛዕባ ኻልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ውሳነ ኽንገብር ከለና፡ ብዜደንቕ መገዲ ይሕግዘና። (መዝ. 37:25፣ ምሳ. 13:20፣ ዮሃ. 15:14፣ 1 ጢሞ. 2:9) ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ምውዓል፡ ምስ ካልኦት ጽቡቕ ርክብ ከም ዚህልወና ይገብር። (ማቴ. 7:12፣ ፊል. 2:3, 4) ብምሳልያዊ መገዲ ንመገድና ስለ ዜብርሃልና፡ እዚ ሕጂ እንገብሮ ውሳነታት ውዒሉ ሓዲሩ እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ኸም ዚኽእል ንኽንሓስብ የኽእለና። (1 ጢሞ. 6:9) ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንመጻኢ ዘለዎ ዕላማ እውን ይገልጽ እዩ፣ እዚ ኸኣ ምስቲ ዕላማ ዚሰማማዕ ህይወት ንኽንመርሕ ይሕግዘና። (ማቴ. 6:33፣ 1 ዮሃ. 2:17, 18) እወ፡ ሓደ ሰብ ብኣምላኻዊ ስርዓታት ዚምራሕ እንተ ዀይኑ፡ ትርጕም ዘለዎ ናብራ እዩ ዚነብር።

6. መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መንፈሳዊ ውግእ ክንጥቀመሉ እንኽእል ሓያል ኣጽዋር ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

6 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መንፈሳዊ ውግእ ክንጥቀመሉ እንኽእል ሓያል ኣጽዋር እውን እዩ። ጳውሎስ ንቓል ኣምላኽ፡ “ናይ መንፈስ ሰይፊ” ኢሉ ጸውዖ። (ኤፌሶን 6:12, 17 ኣንብብ።) ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብውጽኢታዊ መገዲ እንተ ተጠቒምናሉ፡ ንሰባት ካብ መንፈሳዊ ባርነት ሓራ ኸነውጽኦም ንኽእል ኢና። እዚ ሰይፊ እዚ ንሰባት ዜጥፍእ ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ንህይወቶም ዜድሕን እዩ። እሞኸ ብኽእለት ደይኰንናን ክንጥቀመሉ ዚግብኣና፧

ንቓል ኣምላኽ ብቕንዕና ኣማቕል

7. ነቲ “ናይ መንፈስ ሰይፊ” ብኽእለት ንኽንጥቀመሉ ኽንመሃር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

7 ሓደ ዓቀይታይ ንኣጽዋሩ ብውጽኢታዊ መገዲ ኺጥቀመሉ ዚኽእል፡ ልምምድ እንተ ገይሩን ብኸመይ ብኽእለት ከም ዚጥቀመሉ እንተ ተማሂሩን ጥራይ እዩ። ነቲ “ናይ መንፈስ ሰይፊ” እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ኢና ኣብ መንፈሳዊ ውግእ እንጥቀመሉ። ጳውሎስ፡ “ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል፡ ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ፡ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዐር” ኢሉ ጸሓፈ።—2 ጢሞ. 2:15

8, 9. ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ኽንርድኦ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ኣብነት ሃብ።

8 ኣብ ኣገልግሎት ነቲ ‘ቓል ሓቂ ብቕንዕና ንኸነማቕል’ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምንጋርና፡ ፈለማ ባዕልና ኽንርድኦ ኣሎና። ከምዚ ኺበሃል ከሎ፡ ኣብ ከባቢ እቲ ጥቕሲ ንዘሎ ሓሳብ ከነቕልበሉ ኣሎና ማለት እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ቕድሚኡን ድሕሪኡን ዘሎ ሓሳባት ዜጠቓልል ኰይኑ፡ ነቲ ነጥቢ ብንጹር ከም እንርድኦ ይገብረና።

9 ንሓደ ጥቕሲ ኽንርድኦ እንተ ደሊና፡ ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳባት ክንምርምሮ ኣሎና። እቲ ኣብ ገላትያ 5:13 ዚርከብ ጳውሎስ እተዛረቦ ቓላት ኣብነት ኪዀነና ይኽእል እዩ። ጳውሎስ፡ “ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩም ንሓርነት ጽዉዓት ኢኹም እሞ፡ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ተገዛዝኡ እምበር፡ ነቲ ሓርነትሲ ንስጋ ምኽንያት ኣይትግበርዎ” በለ። ብዛዕባ ኣየናይ ሓርነት እዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ ብዛዕባ እቲ ኻብ ሞትን ሓጢኣትን ኰነ ኻብ ናይ ሓሶት እምነታት እተረኽበ ሓርነት ድዩ ዚዛረብ ነይሩ፡ ወይስ ብዛዕባ ኻልእ፧ ኣብ ከባቢ እቲ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት ከም ዚሕብሮ፡ ጳውሎስ ነቲ ‘ኻብ መርገም ሕጊ’ እተረኽበ ሓርነት እዩ ዚጠቅስ ነይሩ። (ገላ. 3:13, 19-24፣ 4:1-5) እወ፡ ብዛዕባ እቲ ክርስትያናት ዝረኸብዎ ሓርነት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። እቶም ነዚ ሓርነት እዚ ዜማስዉሉ ሰባት ካብ ፍቕሪ ተበጊሶም ንሓድሕዶም የገልግሉ ነበሩ። እቶም ፈቃራት ዘይኰኑ ግን ይናኸሱን ይቋየቑን ነበሩ።—ገላ. 5:15

10. ንትርጕም ሓደ ጥቕሲ ብትኽክል ምእንቲ ኽንርድኦ፡ ንኸመይ ዝበለ ሓበሬታ ኢና ኣብ ግምት ከነእቱ ዚግባእ፧ ነዚኸ ኣበይ ክንረኽቦ ንኽእል፧

10 ንትርጕም ሓደ ጥቕሲ ብትኽክል ምእንቲ ኽንርድኦ፡ ንድሕረ-ባይታ እታ መጽሓፍ ክንፈልጦ ኣሎና፣ እዚ ኸኣ ንጸሓፊኣ ዀነ ንእተጻሕፈትሉ ግዜን ኵነታትን ዜጠቓልል እዩ። እታ መጽሓፍ እተጻሕፈትሉ ዕላማ ምርዳእ፡ እንተ ተኻኢሉ ኸኣ ኣብቲ እተጻሕፈትሉ እዋን ንዝነበረ ማሕበራውን ስነ-ምግባራውን ሃይማኖታውን ልምድታት ምፍላጥ ሓጋዚ እዩ። a

11. ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት መብርሂ ኽንህብ ከለና፡ እንታይ ጥንቃቐ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

11 ‘ነቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ምምቓል፡’ ንቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት ብትኽክል ካብ ምብራህ ንላዕሊ የጠቓልል። መጽሓፍ ቅዱስ ንሰባት ንምፍርራህ ክንጥቀመሉ ኣይግባእን። ልክዕ ከምቲ የሱስ ብሰይጣን ምስ ተፈተነ ዝገበሮ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ንሓቂ ንምጥባቕ ክንጥቀመሉ ንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ብመጽሓፍ ቅዱስ ጌርና ግን ንሰባት ኣይነዋርዶምን ኢና። (ዘዳ. 6:16፣ 8:3፣ 10:20፣ ማቴ. 4:4, 7, 10) ነቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ዝሃቦ ምሕጽንታ ኸነቕልበሉ ኣሎና፦ “ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን።”—1 ጴጥ. 3:15

12, 13. ቃል ኣምላኽ ነየናይ “ጽኑዕ ዕርድታት” እዩ ኼፍርስ ዚኽእል፧ ኣብነት ሃብ።

12 እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ብዚግባእ ኪመሓላለፍ ከሎ፡ እንታይ ዕማም ኪዓምም ይኽእል፧ (2 ቈረንቶስ 10:4, 5 ኣንብብ።) ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ “ጽኑዕ ዕርድታት” ኬፍርስ፡ ማለት ናይ ሓሶት ሰረተ-እምነታትን ጐዳኢ ልማዳትን ሰብኣዊ ጥበብ ዜንጸባርቕ ፍልስፍናታትን ኬቃልዕ ይኽእል እዩ። “ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር” ንምጥፋእ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ ሰባት ኣተሓሳስባኦም ምስ ሓቂ ምእንቲ ኼሰማምዑ፡ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንጥቀም ንኽእል ኢና።

13 ኣብ ህንዲ እትነብር ሓንቲ ጓል 93 ዓመት ሰበይቲ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ካብ ቍልዕነታ ኣትሒዛ ብዛዕባ ሪኢንካርነሽን እናተማህረት እያ ዓብያ። ምስቲ ኣብ ካልእ ዓዲ ዚነብር ወዳ ብደብዳበ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ምስ ጀመረት፡ ነቲ ብዛዕባ የሆዋን መብጽዓታቱን ዚገልጽ ትምህርቲ ብቕልጡፍ ተቐበለቶ። ኰይኑ ግን፡ ትምህርቲ ሪኢንካርነሽን ኣብ ኣእምሮኣ ሰሪጹ ስለ ዝነበረ፡ ወዳ ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት ምስ ጸሓፈላ፡ ተጻረረቶ። ከምዚ ኢላ ኸኣ ጸሓፈትሉ፦ “ኣብቲ ናትካ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ሓቂ ኽርድኣኒ ኣይከኣለን። ኵለን ሃይማኖታት፡ ኣብ ውሽጥና ዘይትመውት ነገር ከም ዘላ ይምህራ እየን። ኣነ ኸኣ ኣካልና ኸም ዚመውት፡ እታ ኣብ ውሽጥና እትርከብ ዘይትርአ ነገር ድማ ዳርጋ 8,400,000 ሳዕ ከም እትውለድ እየ ዝኣምን። እዚሞ ኸመይ ኢሉ እዩ ሓሶት ኪኸውን ዚኽእል፧ መብዛሕትአን ሃይማኖታት ተጋግየን ማለት ድዩ፧” እቲ “ናይ መንፈስ ሰይፊ” ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጽኑዕ ዕርዲ ኼፍርሶ ይኽእልዶ፧ እታ ሰበይቲ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ተወሳኺ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምይይጥ ካብ ዚገብሩ ሰሙናት ጸኒሓ፡ “ሕጂ እቲ ብዛዕባ ሞት ዚገልጽ ሓቂ ኽርድኣኒ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ግዜ ትንሳኤ ነቶም እነፍቅሮም ሰባት ክንረኽቦም ምዃንና ምፍላጠይ ኣዝዩ እዩ ኣሐጒሱኒ። መንግስቲ ኣምላኽ ቀልጢፋ ኽትመጽእ ተስፋ እገብር” በለት።

ብዜእምን መገዲ ተጠቐመሉ

14. ንሰማዕትና ምርዳእ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

14 ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣገልግሎትና ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ምጥቃም ኪበሃል ከሎ፡ ጥቕሲ ምጥቃስ ጥራይ ማለት ኣይኰነን። ጳውሎስ ንኻልኦት ቃል ኣምላኽ ‘የረድእ’ ነበረ፣ ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብር ኣሎና። (ግብሪ ሃዋርያት 19:8, 9፣ 28:23 ኣንብብ።) እታ ኣብዚ “ምርዳእ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል፡ “ከም ዚኣምን ምግባር” ዚብል ትርጕም እውን ኣለዋ። ሓደ ሰብ ተረዲእዎ ኺበሃል ከሎ፡ “ኣብቲ ዝኣመነሉ ነገር ትውክልቲ ኣሕዲሩ” ማለት እዩ። ንሓደ ሰብ ኣረዲእና ንትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚቕበል እንተ ደኣ ጌርና፡ ኣብቲ ትምህርቲ ትውክልቲ ንኼሕድር ኢና ኣእሚንናዮ። ነዚ ንምፍጻም ድማ፡ እቲ እንምህሮ ሓቂ ምዃኑ ንሰማዕትና ኸነእምኖም ኣሎና። ከምዚ ኽንገብር ዚሕግዘና መገድታት ቀጺልና ኽንርኢ ኢና።

15. ሰማዕትኻ ንቓል ኣምላኽ ኣኽብሮት ምእንቲ ኺህልዎም፡ ናብኡ ኸም ዜተኵሩ ኽትገብሮም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

15 ሰማዕትኻ ንቓል ኣምላኽ ኣኽብሮት ምእንቲ ኺህልዎም፡ ናብኡ ኸም ዜተኵሩ ግበር። ሓደ ጥቕሲ ኽትጠቅስ ከለኻ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዘለዎ ኣረኣእያ ምርዳእ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ሓብር። ነቲ ብዓል ቤት ሓደ ሕቶ ሓቲትካ ምላሽ ምስ ረኸብካ፡ ‘ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ እንታይ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎ እስከ ንርአ’ ኽትብል ትኽእል ኢኻ። ወይ ከኣ፡ ‘ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ እንታይ ይብል፧’ ኢልካ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ። ንሓደ ጥቕሲ ኣቐዲምካ በዚ ኸምዚ እንተ ኣፋሊጥካ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ የጕልሕ፡ ሰማዕትኻ ዓሚቝ ኣኽብሮት ንኺህልዎም እውን ይሕግዝ። ብፍላይ፡ ነቶም ኣብ ኣምላኽ ዚኣምኑ ኽነሶም፡ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ሌላ ዘይብሎም ሰባት ክንምስክረሎም ከሎና ኸምዚ ምግባርና ኣገዳሲ እዩ።—መዝ. 19:7-10

16. ጥቕስታት ብዚግባእ ንኸተብርህ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

16 ጥቕስታት ምንባብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ግለጾ። ጳውሎስ፡ ነቲ ዚምህሮ ዝነበረ ናይ ‘ምትርጓምን ምግላጽን’ ልምዲ ነበሮ። (ግብ. 17:3) ሓደ ጥቕሲ ብዙሕ ትርጕም ኪህልዎ ስለ ዚኽእል፡ ነቲ እትመያየጡሉ ዘለኹም ጕዳይ ዚድግፍ ሓሳብ ፈሊኻ ኸተጕልሖ የድልየካ ይኸውን። ከምዚ ኽትገብር እትኽእል፡ ነቲ ቐንዲ ነጥቢ ዜጕልሕ ቃላት እንደገና ብምንባብ፡ ወይ ከኣ እቲ ብዓል ቤት ነቲ ቐንዲ ሓሳባት ኬለሊ ኺሕግዞ ዚኽእል ሕቶታት ብምሕታት እዩ። ቀጺልካ፡ ነታ ኸተጕልሓ ዝደለኻ ኽፋል እታ ጥቕሲ ኣብርሃያ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ሰማዒ፡ እቲ ጥቕስታት ብኸመይ ኣብኡ ኸም ዚውዕል ንኺርዳእ ሓግዞ።

17. ንቕዱሳት ጽሑፋት ብዜእምን መገዲ ኸተረድእ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

17 ብቕዱሳት ጽሑፋት ጌርካ ብዜእምን መገዲ ኣረድእ። ጳውሎስ፡ ልባዊ ምሕጽንታን ዜእምን መርትዖን ተጠቒሙ ‘ብጽሑፋት እናተዘራረበ’ ንኻልኦት የእምን ነበረ። (ግብ. 17:2, 4) ንስኻ እውን ከምኡ፡ ልቢ ሰማዒኻ ኽትትንክፍ ጽዓር። ነቲ ሰብ ተገዳስነት ከም ዘለካ ብዜርኢ መገዲ ሕቶታት ብምጥቃም፡ እቲ ሰብ እንታይ ከም ዚሓስብ ክትፈልጥ ፈትን። (ምሳ. 20:5) ዝመጸልካ ኣይትደርጕሕ። ንጹርን ዜእምንን ዘረባ ተዛረብ። ነዚ ኸኣ ብዜዕግብ መርትዖ ደግፎ። እቲ ሓሳብካ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ ኪኸውን ኣለዎ። ዝዀነ ይኹን መግለጺ ኸይሃብካ ኽልተ ወይ ሰለስተ ጥቕስታት ብቕልጡፍ ኣብ ክንዲ እተንብብ፡ ሓንቲ ጥቕሲ ጠቒስካ ነቲ ኣብኣ ዚርከብ ነጥቢ ምግላጽን ምብራህን ዝሓሸ እዩ። ተወሳኺ መርትዖ ምጥቃም፡ ‘ንኸናፍርካ ዜእምን ትምህርቲ ይውስኸሉ።’ (ምሳ. 16:23) ሓድሓደ እዋን፡ ምርምር ጌርካ ተወሳኺ ሓበሬታ ምቕራብ ኣድላዪ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ጓል 93 ዓመት ሰበይቲ፡ ብዛዕባ ዘይትመውት ነፍሲ ዚገልጽ ትምህርቲ ስለምንታይ ልሙድ ከም ዝዀነ ኽትፈልጥ ደልያ ነበረት። እቲ ሰረተ-እምነት ምንጩ እንታይ ከም ዝዀነን ኣብ መብዛሕትአን ሃይማኖታት ዓለም ብኸመይ ከም ዝኣተወን ምስ ተረድአት ድማ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ነፍሲ ዚምህሮ ትምህርቲ ንኽትኣምነሉ ሓገዛ። b

ንቓል ኣምላኽ ወትሩ ብኽእለት ተጠቐመሉ

18, 19. ነቲ “ናይ መንፈስ ሰይፊ” ብኽእለት ክትጥቀመሉ ዘሎካ ስለምንታይ እዩ፧

18 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ እዩ” ይብል። እኩያት ሰባት ድማ ናብ ዝገደደ ዅነታት ይበጽሑ ኣለዉ። (1 ቈረ. 7:31፣ 2 ጢሞ. 3:13) ስለዚ፡ “ናይ መንፈስ ሰይፊ . . . ማለት ቃል ኣምላኽ” ተጠቒምና ነቲ “ጽኑዕ ዕርድታት” ምፍራስና ኣገዳሲ እዩ።

19 እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘሎናን ነቲ ሓያል መልእኽቱ ብምጥቃም ንናይ ሓሶት ትምህርትታት ምሒና ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ክንሕግዞም ምኽኣልናን ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዜሐጕሰና! ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መልእኽቲ ዚሕይል ዝዀነ ይኹን እተዓርደ ነገር የልቦን። ስለዚ እምበኣር፡ ኣብቲ ኣምላኽ ዝሃበና ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ክትካፈል ከለኻ፡ ነቲ “ናይ መንፈስ ሰይፊ” ብኽእለት ክትጥቀመሉ ጻዕሪ ግበር።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ ድሕረ-ባይታ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መጻሕፍቲ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብተን “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ” ሓቅነቱ እተረጋገጸን ጠቓምን እዩ ዘርእስተን ብሮሹራት ከምኡውን ኣብተን ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ብተኸታታሊ ዝወጻ “ቃል የሆዋ ህያው እዩ” ዘርእስተን ዓንቀጻት ክትውከስ ትኽእል ኢኻ።

b ኣብታ ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧ ዘርእስታ ብሮሹር ካብ ገጽ 5-16 ርአ።

እንታይ ተማሂርካ፧

• ቃል ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ እዩ መስለጢ፧

• ‘ንቓል ኣምላኽ ብቕንዕና ኸነማቕል’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መልእኽቲ፡ ነቲ “ጽኑዕ ዕርድታት” እንታይ እዩ ዚገብሮ፧

• ኣብ ኣገልግሎት ነቲ ንኻልኦት ናይ ምርዳእ ክእለትካ ኸተመሓይሾ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ንቓል ኣምላኽ ብኸመይ ብዜእምን መገዲ ኽትጥቀመሉ ትኽእል፧

ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽብሮት ከም ዚህልዎም ግበር

ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣብርሃዮ

ልቢ ብዚትንክፍ መገዲ ዜእምን መርትዖ ኣቕርብ

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ

ነቲ “ናይ መንፈስ ሰይፊ” ብውጽኢታዊ መገዲ ተጠቐመሉ