ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንየሆዋ ኸም ኣቦኻ ጌርካ ዲኻ እትርእዮ፧

ንየሆዋ ኸም ኣቦኻ ጌርካ ዲኻ እትርእዮ፧

ንየሆዋ ኸም ኣቦኻ ጌርካ ዲኻ እትርእዮ፧

ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ “ጐይታይ፡ . . . ምጽላይ ምሀረና” ኢሉ ሓተተ፣ የሱስ ከኣ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ” ኢሎም ኪጽልዩ ነገሮም። (ሉቃ. 11:1, 2) የሱስ ንየሆዋ ኺጠቅስ ከሎ፡ “ዅሉ ዚኽእል፡” ‘መምህር፡’ ‘ፈጣሪ፡’ “ጥንታዊ ዝመዓልቱ፡” “ናይ ዘለኣለም ንጉስ” ዚብል መሳጢ መዓርግ ኪጥቀም ይኽእል ነበረ። (ዘፍ. 49:25፣ ኢሳ. 30:20፣ 40:28፣ ዳን. 7:9፣ 1 ጢሞ. 1:17) ኰይኑ ግን፡ ነታ “ኣቦ” እትብል ቃል እዩ ተጠቒሙ። ስለምንታይ፧ ምናልባት ነቲ ኻብ ኵሉ ዝለዓለ ኣካል፡ ሓደ ትሑት ቈልዓ ንፈቃር ኣቦኡ ብዚቐርበሉ መገዲ ኽንቀርቦ ስለ ዝደለየና ይኸውን።

ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ውልቀ-ሰባት ንኣምላኽ ከም ኣቦኦም ገይሮም ኪርእይዎ የጸግሞም እዩ። ሓንቲ ኣትሱኮ a ዝስማ ክርስትያን፡ “ድሕሪ ጥምቀተይ ንነዊሕ ዓመታት፡ ንየሆዋ ኸም ኣቦ ገይረ ብምርኣይ ናብኡ ክቐርብን ክጽልን ኣሸጊሩኒ ነበረ” ኢላ ተኣመነት። ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ክትገልጽ ከላ፡ “ኣቦይ ፈጺሙ ፍቕሪ ኣርእዩኒ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ” በለት።

ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ሓደ ሰብ ካብ ኣቦኡ ኺረኽቦ ዚጽበዮ ፍቕሪ እናነከየ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። (2 ጢሞ. 3:1, 3) ገሊኦም ውልቀ-ሰባት ከምቲ ናይ ኣትሱኮ ዓይነት ስምዒት እንተ ኣሕደሩ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ንየሆዋ ኸም ፈቃር ኣቦና ጌርና ኽንርእየሉ እንኽእል ዜዕግብ ምኽንያታት ስለ ዘሎና፡ ክንጸናናዕ ንኽእል ኢና።

የሆዋ—ፈቃር ወሃቢ

ንየሆዋ ኸም ኣቦና ጌርና ኽንርእዮ እንተ ደሊና፡ ፈለማ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦ ይግባእ። የሱስ፡ “ንወዲ ብጀካ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን፡ ነቦ ኸኣ ብጀካ ወድን እቲ ወዲ ኺገልጸሉ ዚፈቱን፡ ዚፈልጦ የልቦን” በለ። (ማቴ. 11:27) ነቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝገለጾ ነገራት እንተ ኣስተንቲንናሉ፡ የሆዋ እንታይ ዓይነት ኣቦ ምዃኑ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። የሱስ ብዛዕባ ኣቦኡ ዝገለጾ ነገራት ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧

የሱስ፡ የሆዋ ህይወት ከም ዝሃቦ ኺገልጽ ከሎ፡ ‘ብኣቦ ህያው ኰንኩ’ በለ። (ዮሃ. 6:57 ትርጕም 1990) ንሕና እውን እንተ ዀንና፡ ሳላ እቲ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ኢና ህይወት ረኺብና። (መዝ. 36:9፣ ግብ. 17:28) የሆዋ ንኻልኦት ህይወት ኪህቦም ዝደረኸቶ ፍቕሪ ደይኰነትን፧ እምበኣርከስ፡ ከምዚ ዓይነት ውህበት ስለ ዝሃበና፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ኸነፍቅሮ ይግባእ።

ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ከም ዘፍቅሮም ዘርኣየሉ ዝዓበየ መገዲ፡ እቲ ብመስዋእታዊ በጃ የሱስ ኣቢሉ ዘዳለዎ መሰናድዎ እዩ። እዚ ፍቕራዊ መሰናድዎ እዚ፡ ሓጥኣን ደቂ ሰብ በቲ ፍቑር ወዲ ኣምላኽ ኣቢሎም ምስ የሆዋ ድልዱል ርክብ ኪምስርቱ ኣጋጣሚ ኸፈተሎም። (ሮሜ 5:12፣ 1 ዮሃ. 4:9, 10) ብዘይካዚ፡ ሰማያዊ ኣቦና ንዝኣተዎ መብጽዓ ስለ ዚፍጽም፡ እቶም ዜፍቅርዎን ዚእዘዝዎን ሰባት ኣብ መወዳእታኡ “ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ” ኪረኽቡ እዮም።—ሮሜ 8:21

ሰማያዊ ኣቦና መዓልታዊ ‘ጸሓይ የብርቐልና’ እዩ። (ማቴ. 5:45) ሓቂ እዩ፡ ጸሓይ ንኽትበርቕ ኣይንጽልን ንኸውን። ኰይኑ ግን፡ ብርሃን ጸሓይ ኣዝዩ የድልየና እዩ፣ እቲ ኻብኣ ዚመጽእ ዜምውቕ ጸዳል ከኣ ኣዝዩ እዩ ዜሐጕሰና። ብዘይካዚ፡ ኣቦና ብስጋዊ ዜድልየና ዘበለ ኸይሓተትናዮ ዜማልኣልና መወዳድርቲ ዘይብሉ ወሃቢ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ንፍጥረቱ ብኸመይ ከም ዚሓልየሎም ንምዕዛብን ንምስትንታንን ግዜ ኽንምድብ ኣይግብኣናንዶ፧—ማቴ. 6:8, 26

‘ብለውሃት ዜዕቍብ’ ኣቦ

ኢሳይያስ ነቶም ጥንታውያን ህዝቢ ኣምላኽ፡ “ኣኽራን እኳ እንተ ዘበሉ፡ ኰረቢትውን ነነይ እንተ በሉ፡ ምሕረተይሲ ኻባኺ ኣይኪዘብልን፡ ኪዳን ሰላመይ ድማ ነነይ ኣይኪብልን እዩ፡ ይብል እቲ ዚርሕርሓልኪ [“ብለውሃት ዜዕቍበኪ፡” ዘ ባይብል ኢን ሊቪን ኢንግሊሽ] እግዚኣብሄር” በሎም። (ኢሳ. 54:10) የሱስ ኣብታ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት፡ ነቲ የሆዋ ብሓቂ ንህዝቡ ‘ብለውሃት ከም ዜዕቍብ’ ዚገልጽ ሓሳብ ዜራጕድ ጸሎት ኣቕረበ። ንደቀ መዛሙርቱ ብዚምልከት፡ “ንሳቶም . . . ኣብ ዓለም አለዉ፡ ኣነውን ናባኻ እመጽእ አሎኹ። ቅዱስ ኣቦይ፡ ነዞም ዝሀብካኒ፡ ከማና ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ብስምካ ሐልዎም” ኢሉ ጸለየ። (ዮሃ. 17:11, 14) ብሓቂ ድማ የሆዋ ንሰዓብቲ የሱስ ኣዕቊብዎም እዩ።

ሎሚ ኣምላኽ ካብ ውዲት ሰይጣን ዜዕቍበና፡ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ እዋናዊ ዝዀነ መንፈሳዊ ምግቢ ብምሃብ እዩ። (ማቴ. 24:45) ነቲ “ዅሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ” ዚብል ምኽሪ ምእንቲ ኽንእዘዞ፡ ነዚ ሓይሊ ዚህብ ምግቢ ኽንምገቦ ኣሎና። ንኣብነት፡ “ነቲ ናይቲ ኽፉእ ርሱን መንትግ” ከነጥፍኣሉ እንኽእል “ዋልታ እምነት” እስከ ንውሰድ። (ኤፌ. 6:11, 16) እዚ እምነት እዚ፡ ካብ መንፈሳዊ ሓደጋ የዕቍበና፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ንዓና ናይ ምዕቋብ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ኸኣ የርኢ።

እቲ ሰማያዊ ኣቦና ኣዝዩ ኸም ዚሓልየልና ብዝያዳ ንኽንፈልጥ፡ ወዲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኸሎ ብኸመይ ይመላለስ ከም ዝነበረ ኣዕሚቝና ኽንምርምር ኣሎና። ነቲ ኣብ ማርቆስ 10:13-16 ዚርከብ ጸብጻብ እስከ ንርአ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ሕደግዎም፡ ቈልዑ ናባይ ይምጽኡ” በሎም። እቶም ቈልዑ ናብኡ ምስ ተኣከቡ ድማ ሓቝፉ ባረኾም። እዞም ቈልዑ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ተሓጒሶም ኪዀኑ ኣለዎም! የሱስ፡ “እቲ ንኣይ ዝረአየ ነቦ ረአዮ” ስለ ዝበለ፡ እዚ ጸብጻብ እዚ፡ ኣምላኽ ናብኡ ኽንቀርብ ከም ዚደልየና ዚገልጽ እዩ።—ዮሃ. 14:9

የሆዋ ኣምላኽ ምንጪ ዘየቋርጽ ፍቕሪ እዩ። ብዘይካዚ፡ ናብኡ ኽንቀርብ ዚደሊ መወዳድርቲ ዘይብሉ ወሃብን መዕቈብን ኣምላኽ እዩ። (ያእ. 4:8) የሆዋ ዝበለጸ ኣቦ ምዃኑ እምበኣር ዜጠራጥር ኣይኰነን።

እንረኽቦ ጥቕሚ

ኣብቲ ፈቃርን ሓላዪን ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ምውካልና፡ ኣዝዩ እዩ ዚጠቕመና። (ምሳ. 3:5, 6) የሱስ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኣቦኡ ብምውካሉ ጥቕሚ ረኺቡ እዩ። ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣነን እቲ ዝለአኸኒ ኣቦን ኢና እምበር፡ በይነይ ኣይኰንኩን” በሎም። (ዮሃ. 8:16) የሆዋ ኸም ዚሕግዞ ወትሩ ይተኣማመን ነበረ። ንኣብነት፡ ምስ ተጠምቀ “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ” ዚብል ፍቕራዊ መረጋገጺ ኣቦኡ ረኸበ። (ማቴ. 3:15-17) ቀቅድሚ ሙማቱ ኸኣ፡ “ኣቦይ፡ ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኤማዕቍባ አሎኹ” በለ። (ሉቃ. 23:46) ኣብ ግዜ ሞቱ እውን እንተ ዀነ፡ የሱስ ኣብ ኣቦኡ ዝነበሮ ትውክልቲ ድልዱል ነበረ።

ንሕና እውን ተመሳሳሊ ነገር ክንገብር ንኽእል ኢና። የሆዋ ኣብ ጐድንና እንተ ኣልዩ እሞ እንታይ እዩ ኼፍርሃና፧ (መዝ. 118:6) እታ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰት ኣትሱኮ፡ ጸገማት ኬጋጥማ ኸሎ ባዕላ ኽትዋጽኣሉ ትጽዕር ነበረት። ደሓር ግን ብዛዕባ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ምስ ሰማያዊ ኣቦኡ ዝነበሮ ድልዱል ርክብ ኣጽንዐት። ውጽኢቱኸ እንታይ ነበረ፧ ኣትሱኮ፡ “ኣቦ ምህላውን ኣብኡ ምውካልን እንታይ ማለት ምዃኑ ተመሃርኩ። ናይ ሓቂ ሰላምን ሓጐስን ከኣ ረኸብኩ። ብሓቂ እምበኣር፡ ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ክንጭነቕ ኣየድልየናን እዩ” በለት።

ንየሆዋ ኸም ኣቦና ጌርና ምርኣይና እንታይ ካልእ ጥቕሚ እዩ ዜምጽኣልና፧ ቈልዑ ንወለዶም የፍቅርዎምን ኬሐጕስዎም ይደልዩን እዮም። ወዲ ኣምላኽ እውን እንተ ዀነ፡ ብፍቕሪ ተደሪኹ፡ ‘ኵሉ ሳዕ ንኣቦኡ ባህ ዜብሎ ይገብር ነበረ።’ (ዮሃ. 8:29) ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ በቲ ንሰማያዊ ኣቦና ዘሎና ፍቕሪ ተደሪኽና፡ ብጥበብ ክንመላለስን ‘ከነመስግኖን’ ንኽእል ኢና።—ማቴ. 11:25፣ ዮሃ. 5:19

‘ብየማነይቲ ኢድና ዚሕዘና’ ኣቦ

ሰማያዊ ኣቦና፡ “መጸናንዒ፡” ማለት መንፈስ ቅዱስ እውን ይህበና እዩ። የሱስ ብዛዕባ እዚ “መጸናንዒ” ወይ ሓጋዚ ኺዛረብ ከሎ፡ “ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ” በለ። (ዮሃ. 14:15-17፣ 16:12, 13) ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ሰማያዊ ኣቦና ዝያዳ ምርዳእ ከም ዚህልወና ኺገብር ይኽእል እዩ። ነቲ ምስ “ጽኑዕ ዕርድታት” ዚመሳሰል ኣቐዲሙ ዝነበረና ግጉይ ወይ ጠዋይ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ንኸነፍርሶ እውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ‘ንዅሉ ኣእምሮ ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኾ።’ (2 ቈረ. 10:4, 5) ስለዚ፡ የሆዋ ነቲ “መጸናንዒ” ምእንቲ ኺህበና ንለምኖ፣ ‘እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ንዚልምንዎ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ከም ዚህቦም’ ከኣ ንተኣማመን። (ሉቃ. 11:13) መንፈስ ቅዱስ ናብ የሆዋ ብዝያዳ ኽንቀርብ ንኺሕግዘና ምጽላይ እውን ግቡእ እዩ።

ሓደ ቘልዓ ንኢድ ኣቦኡ ሒዙ ኪኸይድ ከሎ ድሕንነት ስለ ዚስምዖ፡ ኣይፈርህን እዩ። ንስኻ እውን ንየሆዋ ኸም ኣቦኻ ጌርካ ትርእዮ እንተ ዄንካ፡ ኣብዚ ዚስዕብ ቃላት ክትተኣማመን ትኽእል ኢኻ፦ “ኣነ ንየማነይቲ ኢድካ ዝሕዝ፡ ኣይትፍራህ፡ ክድግፈካ እየ፡ ዝብል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።” (ኢሳ. 41:13) ምስ ኣምላኽ ንዘለኣለም ናይ ‘ምምልላስ’ ፍሉይ መሰል ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። (ሚክ. 6:8) ስለዚ እምበኣር፡ ፍቓድ ኣምላኽ ግበር፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ንየሆዋ ኸም ኣቦኻ ጌርካ ኻብ ምርኣይ ዚርከብ ፍቕርን ሓጐስን ድሕንነትን ክትረክብ ኢኻ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ስም ተቐዪሩ እዩ።