ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“እቲ መንፈስን እታ መርዓትን፤ ንዓ፡ ይብሉ አለዉ”

“እቲ መንፈስን እታ መርዓትን፤ ንዓ፡ ይብሉ አለዉ”

“እቲ መንፈስን እታ መርዓትን፤ ንዓ፡ ይብሉ አለዉ”

“እቲ መንፈስን እታ መርዓትን፤ ንዓ፡ ይብሉ አለዉ። . . . ዝጸምኤ ኸኣ ይምጻእ፡ ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ።” —ራእ. 22:17

1, 2. ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና እንታይ ቦታ ኺህልዎ ኣለዎ፧ ስለምንታይከ፧

 ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና እንታይ ቦታ ኺህልዎ ኣለዎ፧ የሱስ ንሰዓብቱ፡ ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ኪደልዩ’ ኣተባብዖም፣ ከምኡ እንተ ገይሮም፡ ኣምላኽ ዜድልዮም ዘበለ ኸም ዜማልኣሎም ከኣ ነገሮም። (ማቴ. 6:25-33) ንመንግስቲ ኣምላኽ ምስ ኣዝያ ኽብርቲ ዕንቊ ኣመሳሰላ፣ ኣብቲ ምስላኡ ድማ ሓደ ነጋዳይ ነታ ዕንቊ ንምርካብ ‘ዘለዎ ዅሉ ኸም ዝሸጠ’ ገለጸ። (ማቴ. 13:45, 46) እሞኸ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ኣብ ህይወትና ዝለዓለ ቦታ ኺህልዎዶ ኣይግባእን፧

2 ኣብተን ክልተ ቀዳሞት ዓንቀጻት ከም ዝረኣናዮ፡ ኣብ ኣገልግሎት ብትብዓት ምዝራብናን ንቓል ኣምላኽ ብኽእለት ምጥቃምናን ብመንፈስ ኣምላኽ ከም እንምራሕ ዜርኢ እዩ። ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብቐጻሊ ንምዕያይ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ እውን መንፈስ ቅዱስ ኣገዳሲ ቦታ ኣለዎ። ብኸመይ፧

ንዅሉ ሰብ ዝቐረበ ዕድመ

3. ሰባት እንታይ ዓይነት ማይ ኪሰትዩ እዮም “ንዓ” ዚብል ዕድመ ቐሪቡሎም ዘሎ፧

3 ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ንዅሉ ሰብ ዕድመ ቐሪቡ ኣሎ። (ራእይ 22:17 ኣንብብ።) እዚ ዕድመ እዚ፡ ኣዝዩ ፍሉይ ዓይነት ማይ ብምስታይ ጽምእኻ ኸተርዊ ዚዕድም፡ “ንዓ” ዚብል ዕድመ እዩ። እዚ ማይ እዚ፡ ሃይድሮጅንን ኦክስጅንን ዝሓዘ ተራ ማይ ኣይኰነን። ማይ ንህይወት ኣገዳሲ እኳ እንተ ዀነ፡ የሱስ ነታ ኣብ ዔላ ዝረኸባ ሳምራዊት ሰበይቲ፡ “እቲ ኻብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዚሰቲ ግና፡ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ኣብኡ ንዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ ኪኸውን እዩ እምበር፡ ንዘለኣለም ኣይጸምእን እዩ” ኺብላ ኸሎ፡ ብዛዕባ እተፈልየ ዓይነት ማይ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። (ዮሃ. 4:14) እቲ ሰባት ኺሰትይዎ ተዓዲሞም ዘለዉ ፍሉይ ማይ፡ ዘለኣለማዊ ህይወት ዚህብ እዩ።

4. ማይ ህይወት ኣገዳሲ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ እዚ ማይ እዚኸ እንታይ እዩ ዜመልክት፧

4 ኣዳምን ሄዋንን ካብቲ ፈጣሪኦም ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ምስ ዓለዉ፡ እዚ ማይ እዚ ኣገዳሲ ዀነ። (ዘፍ. 2:16, 17፣ 3:1-6) እዞም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ካብ ገነት እተሰጉ፡ ኣዳም “ኢዱ ኸይዝርግሕ፡ ካብ ኦም ህይወት ወሲዱ ድማ ኸይበልዕ፡ ንዘለኣለም ከኣ ህያው ኰይኑ ኸይነብር” ተባሂሉ እዩ። (ዘፍ. 3:22) ኣዳም ኣቦ ደቂ ሰብ ስለ ዝዀነ፡ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓለፈ። (ሮሜ 5:12) እቲ ማይ ህይወት፡ ኣምላኽ ንእዙዛት ደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ናጻ ገይሩ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምሃብ ዝገበሮ መሰናድዎ እዩ ዜመልክት። መሰረት እዚ መሰናድዎ እዚ ኸኣ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ክርስቶስ እዩ።—ማቴ. 20:28፣ ዮሃ. 3:16፣ 1 ዮሃ. 4:9, 10

5. ምንጪ እቲ “ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ” ዚብል ጻውዒት መን እዩ፧ ግለጽ።

5 ምንጪ እቲ “ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ” ዚብል ጻውዒት መን እዩ፧ እቲ ብየሱስ ኣቢሉ ንህይወት እተገብረ መሰናድዎታት “ከም ክሪስታል ዝምጽራዩ ርባ ማይ ህይወት” ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ፣ ኣብ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ ድማ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ኣብ ግብሪ ኺውዕል እዩ። እቲ ርባ “ኻብቲ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸልን ዝፋን” እዩ ዚወጽእ። (ራእ. 22:1) ስለዚ፡ እቲ ወሃብ ህይወት ዝዀነ የሆዋ፡ ምንጪ ማይ ህይወት እዩ። (መዝ. 36:9) በቲ “ገንሸል፡” ማለት ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ነቲ ማይ ከም እንረኽቦ ዝገበረ እውን ንሱ እዩ። (ዮሃ. 1:29) እቲ ርባ፡ ነቲ ኣዳም ብዘይምእዛዙ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ዝወረደ ጕድኣት ዜወግድ የሆዋ ዝገበሮ መሰናድዎ እዩ ዜመልክት። ስለዚ እምበኣር፡ ምንጪ እቲ “ንዓ” ዚብል ዕድመ፡ የሆዋ ኣምላኽ እዩ።

6. እቲ “ርባ ማይ ህይወት” ኪፈስስ ዝጀመረ መዓስ እዩ፧

6 እቲ “ርባ ማይ ህይወት” ምሉእ ብምሉእ ዚፈስስ ኣብ ግዜ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ እኳ እንተ ዀነ፡ ብ1914 እቲ “ገንሸል” ኣብ ሰማይ ምስ ነገሰ፡ ማለት “ብመዓልቲ ጐይታ” እዩ ኺፈስስ ጀሚሩ። (ራእ. 1:10) በዚ ኸምዚ ድማ ንህይወት ዚኸውን መሰናድዎ ብቐሊሉ ኺርከብ ከኣለ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መልእኽቲ ዜጠቓልል እዩ፣ ከመይሲ፡ እዚ መልእኽቲ እዚ ምስ “ማይ” ተመሳሲሉ ኣሎ። (ኤፌ. 5:26) እቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስማዕን ነቲ ብስራት ብምቕባልን ‘ማይ ህይወት ክትወስድ’ ዝቐረበ ዕድመ፡ ንዅሉ ሰብ ዜጠቓልል እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ መዓልቲ ጐይታ ነዚ ዕድመ እዚ ዜቕርብ ዘሎ መን እዩ፧

“እታ መርዓት” “ንዓ” ትብል

7. “ብመዓልቲ ጐይታ” ኣብ ፈለማ ነቲ “ንዓ” ዚብል ዕድመ ዘቕረበ መን እዩ፧ ንመንከ እዩ ቐሪቡ፧

7 ብመጀመርታ ነቲ “ንዓ” ዚብል ዕድመ ዘቕረቡ፡ ኣባላት ክፍሊ እታ መርዓት ዝዀኑ ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት እዮም። እዚ ዕድመ እዚ ንመን እዩ ቐሪቡ፧ መቸም እታ መርዓት ንገዛእ ርእሳ “ንዓ” ኸም ዘይትብል ግልጺ እዩ። እዚ ዕድመ እዚ፡ ኣብታ “ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ውግእ ድሕሪ ምክያዱ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ ተስፋ ንዚገብሩ ሰባት እዩ ቐሪቡሎም።—ራእይ 16:14, 16 ኣንብብ።

8. ቅቡኣት ክርስትያናት ካብ 1918 ኣትሒዞም ነቲ የሆዋ ዘቕረቦ ዕድመ ይዝርግሕዎ ምንባሮም ዚሕብር እንታይ እዩ፧

8 ቅቡኣት ሰዓብቲ ክርስቶስ ካብ 1918 ኣትሒዞም ነዚ ዕድመ እዚ ኬቕርቡ ጸኒሖም እዮም። ኣብታ ዓመት እቲኣ ዝቐረበ፡ “ሚልዮናት ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ፈጺሞም ኣይሞቱን ይዀኑ!” ዘርእስቱ ህዝባዊ መደረ፡ ንብዙሓት ሰባት ድሕሪ ኣርማጌዶን ኣብ ገነታዊት ምድሪ ኸም ዚነብሩ ተስፋ ሂብዎም እዩ። ብ1922 ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሰዳር ፖይንት፡ ኦሃዮ፡ ሕ.መ.ኣ. ኣብ ዝገበርዎ ዓብዪ ኣኼባ እተዋህበ መደረ ኸኣ፡ እቶም ሰማዕቲ ‘ብዛዕባ እቲ ንጉስን መንግስቱን ኪእውጁ’ ተተባብዑ። እዚ ምሕጽንታ እዚ፡ ተረፍ ኣባላት ክፍሊ እታ መርዓት ነቲ ዕድመ እቲ ንብዙሓት ሰባት ኪዝርግሕዎ ሓጊዝዎም እዩ። ናይ 15 መጋቢት 1929 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ባህ ዜብል ዕድመ” ዘርእስታ ኣብ ራእይ 22:17 እተመርኰሰት ዓንቀጽ ሒዛ ወጸት። እታ ዓንቀጽ ብኸፊል ከምዚ ትብል፦ “እቶም እሙናት ተረፍ ቅቡኣት ምስቲ [ልዑል] ኰይኖም ‘ንዓ’ ዚብል ዕድመ የቕርቡ ኣለዉ። እዚ መልእኽቲ እዚ ነቶም ጽድቅን ሓቅን ዚደልዩ ሰባት ኪስበኸሎም ኣለዎ። እዚ ኸኣ ሕጂ እዩ ኺግበር ዘለዎ።” ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ክፍሊ እታ መርዓት ነዚ ዕድመ እዚ የቕርቡ ኣለዉ።

“እቲ ዚሰምዕውን፤ ንዓ፡ ይበል”

9, 10. እቶም ነቲ ዕድመ ዝሰምዑ ሰባት ንኻልኦት “ንዓ” ዚብሉ ብኸመይ እዮም፧

9 ነቲ “ንዓ” ዚብል ዕድመ ብዛዕባ ዝሰምዑ ሰባትከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ንሳቶም እውን እንተ ዀኑ፡ “ንዓ” ኺብሉ ኣለዎም። ንኣብነት፡ እታ ናይ 1 ነሓሰ 1932 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 232 ከምዚ በለት፦ “እቶም ቅቡኣት ንዅሎም እቶም ኣብ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚካፈሉ ሰባት ኬተባብዕዎም ይግባእ። ከመይሲ፡ መልእኽቲ ጐይታ ንምንጋር ናይ ግድን ቅቡኣት ኪዀኑ ኣለዎም ማለት ኣይኰነን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ማይ ህይወት ናብቶም ካብ ኣርማጌዶን ድሒኖም ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚረኽቡ ሰባት ኬብጽሕዎ ኸም ዚኽእሉ ምፍላጦም የጸናንዖም እዩ።”

10 ናይ 15 ነሓሰ 1934 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 249፡ እቶም ነቲ ዕድመ ዝሰምዑ ሰባት፡ “ንዓ” ናይ ምባል ሓላፍነት ከም ዘለዎም ክትገልጽ ከላ ኸምዚ በለት፦ “እቶም ክፍሊ ዮናዳብ ዝዀኑ ሰባት ቅቡኣት መሰኻኽር የሆዋ እኳ እንተ ዘይኰኑ፡ ምስቶም ክፍሊ የሁ ዝዀኑ ቕቡኣት ኰይኖም፡ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩ ኣለዎም።” ብ1935 መንነት እቶም ኣብ ራእይ 7:9-17 እተጠቕሱ “ብዙሓት ሰብ” ተፈልጠ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣምላኽ ዘቕረቦ ዕድመ ኣብ ምዝርጋሕ ዓብዪ እጃም ነበሮ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ፡ እዞም ሕጂ ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን በጺሖም ዘለዉ ብዙሓት ሰብ ነቲ ዕድመ ምላሽ ይህቡሉ ኣለዉ። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሞሳ ሰሚዖም፡ ርእሶም ንኣምላኽ ይውፍዩ፣ ምስ ተጠምቁ ኸኣ ምስ ክፍሊ እታ መርዓት ኰይኖም ‘ካልኦት ሰባት ማይ ህይወት ብኸምኡ ንኺወስዱ’ ይዕድሙ።

“እቲ መንፈስ” “ንዓ” ይብል

11. ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዕዮ ስብከት እጃም ዝነበሮ ብኸመይ እዩ፧

11 የሱስ ኣብ ናዝሬት ኣብ ዚርከብ ቤት ጸሎት ኪሰብኽ ከሎ፡ ንጥቕላል ነብዪ ኢሳይያስ ገንጺሉ፡ “ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ፡ ንዕዉራት ምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ፡ ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄርውን ክሰብኽ ለአኸኒ” ዚብል ኣንበበ። ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣብ ገዛእ ርእሱ ብምውዓል፡ “እዚ ጽሑፍ እዚ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመ” በለ። (ሉቃ. 4:17-21) ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ እውን ንደቀ መዛሙርቱ፡ “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ፡ . . . ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም” በሎም። (ግብ. 1:8) እወ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ዕዮ ስብከት ኣብ ምዕያይ ዓብዪ እጃም ነበሮ።

12. ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣብዚ ግዜና ነቲ ዕድመ ኣብ ምዝርጋሕ እጃም ዜበርክት ብኸመይ እዩ፧

12 ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣብዚ ግዜና ነቲ ዕድመ ኣብ ምዝርጋሕ እጃም ዜበርክት ዘሎ ብኸመይ እዩ፧ የሆዋ ምንጪ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ነዚ መንፈስ እዚ ተጠቒሙ ኸኣ ንልብን ኣእምሮን ክፍሊ እታ መርዓት ብምኽፋት ነቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚርድእዎ ይገብሮም። ብዘይካዚ፡ እዚ መንፈስ እዚ፡ ነቲ ዕድመ ኺዝርግሑን ነቶም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎም ሰባት ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት ኪገልጹሎምን ይድርኾም። ብዛዕባ እቶም ነቲ ዕድመ ተቐቢሎም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ብምዃን ንኻልኦት ጻውዒት ዜቕርቡ ሰባትከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ እቲ መንፈስ ኣብኦም እውን ይዓዪ እዩ። ‘ብስም መንፈስ ቅዱስ’ እተጠምቁ ኸም ምዃኖም መጠን፡ ምስ መንፈስ ቅዱስ ይተሓባበሩን ኣብኡ ይውከሉን እዮም። (ማቴ. 28:19) እቶም ቅቡኣትን እቶም ቁጽሮም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ብዙሓት ሰብን ብዛዕባ ዚሰብክዎ መልእኽቲ እውን እሞ ሕሰብ። ነቲ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ዝገበረ እዩ። ስለዚ፡ እዚ ዕድመ እዚ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ እተዘርግሐ እዩ። ንሕና እውን ብመንፈስ ቅዱስ ኢና እንምራሕ። እዚ ምፍላጥና፡ ነቲ ዕድመ ንሰባት ኣብ ምንጋር ንዘሎና እጃም ዝጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

“ንዓ” ይብሉ ኣለዉ

13. “እቲ መንፈስን እታ መርዓትን፤ ንዓ፡ ይብሉ አለዉ” ዚብል መግለጺ እንታይ የመልክት፧

13 “እቲ መንፈስን እታ መርዓትን” “ንዓ” ጥራይ ኣይኰኑን ዚብሉ። የግዳስ፡ እታ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ዘላ ግሲ፡ ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ ቐጻሊ ንዝዀነ ተግባር እያ እተመልክት። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ቐጻሊ ዝዀነ ተግባር ንምጕላሕ፡ “ይብሉ ኣለዉ” ዚብል መግለጺ ዚጥቀም። እዚ ኸኣ እቲ ኣምላኽ ዘቕረቦ ዕድመ ብቐጻሊ ኺዝርጋሕ ከም ዘለዎ ዚሕብር እዩ። ነቲ ዕድመ ሰሚዖም እተቐበልዎ ሰባትከ እንታይ ኪገብሩ ይግባእ፧ ንሶም እውን “ንዓ” ኺብሉ ኣለዎም። እቶም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ዝዀኑ ብዙሓት ሰብ ‘ኣብ መቕደስ የሆዋ ለይትን መዓልትን ከም ዜገልግልዎ’ ተገሊጹ ኣሎ። (ራእ. 7:9, 15) “ለይትን መዓልትን የገልግልዎ” ኺበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (ሉቃስ 2:36, 37፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:31፣ 2 ተሰሎንቄ 3:8 ኣንብብ።) እታ ብዕድመ ደፊኣ ዝነበረት ነብዪት ሃናን ሃዋርያ ጳውሎስን ዝሓደግዎ ኣብነት፡ ‘ለይትን መዓልትን ምግልጋል’ ኪበሃል ከሎ ብቐጻልን ብትግሃትን ኣገልግሎትና ምፍጻም ከም ዜመልክት ዜርኢ እዩ።

14, 15. ዳንኤል፡ ንየሆዋ ብቐጻሊ ዚቐርብ ኣምልኾ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

14 ነብዪ ዳንኤል እውን፡ ኣምልኾና ብቐጻሊ ምክያድ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣርእዩ እዩ። (ዳንኤል 6:4-10, 16 ኣንብብ።) ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ከም ዚድርበ እናፈለጠ ኽነሱ፡ ንሓደ ወርሒ እውን እንተ ዀነ፡ ነቲ መንፈሳዊ ልማዱ፡ ማለት “ከምቲ ቐደም ዚገብሮ ዝነበረ ሰለስተ ሳዕ ኣብ መዓልቲ” ናብ ኣምላኽ ምጽላይ ኣየቋረጸን። እዝስ እቲ ንየሆዋ ብቐጻሊ ዚቐርብ ኣምልኾ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ዜርኢ ደይኰነን፧—ማቴ. 5:16

15 ዳንኤል ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ሓንቲ ለይቲ ምስ ሓደረ፡ እቲ ንጉስ ናብኡ መጺኡ፡ “ኣታ ዳንኤል ባርያ ህያው ኣምላኽ፡ እቲ ዅሉ ጊዜ እተገልግሎ ኣምላኽካስ ካብ ኣናብስ ኬናግፈካዶ ኸአለ፧” ኢሉ ሓተቶ። ዳንኤል ከኣ፡ “ዎ ንጉስ፡ ንዘለኣለም ህያው ኩን። ዎ ንጉስ፡ ኣብ ቅድሚኡ ንጹህ ኰይነ ተረኺበ እየ፡ ኣብ ቅድሜኻ ኸኣ ኣይበደልኩን እሞ፡ ኣምላኸይ መልኣኹ ልኢኹ፡ ኣፍ ኣናብስ ዐጸወ፡ ከቶውን ኣይጐድኡንን” ኢሉ መለሰሉ። ዳንኤል “ኵሉ ጊዜ፡” ማለት ብቐጻሊ ስለ ዘገልገለ፡ የሆዋ ባሪኽዎ እዩ።—ዳን. 6:19-22

16. እቲ ዳንኤል ዝሓደጎ ኣብነት፡ ኣብ ኣገልግሎት ብዛዕባ ዘሎና ተሳትፎ እንታይ ዓይነት ሕቶታት ከም እንሓትት እዩ ዚገብረና፧

16 ዳንኤል ንመንፈሳዊ ልማዱ ዕሽሽ ካብ ምባል ኪመውት መረጸ። ንሕናኸ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብቐጻሊ ንምስባኽ ከመይ ዝበለ መስዋእትታት ንገብር ኣለና፧ ኣብ መጻኢኸ መስዋእትታት ንምግባር ፍቓደኛታት ክንከውን ዲና፧ ብዛዕባ የሆዋ ንኻልኦት ከይተዛረብና ሓንቲ ወርሒ እውን ትኹን ክትሓልፍ የብላን! ብዝከኣለና መጠን ሰሙናዊ ኣብ ኣገልግሎት ክንካፈል ጻዕሪ ኽንገብርዶ ኣይግብኣናን፧ ኣካላዊ ጸገማት እንተ ሃልዩና እሞ ኣብ ወርሒ 15 ደቒቕ ጥራይ ክንምስክር ንኽእል እንተ ዄንና፡ ነዚ ጸብጻብ ክንህበሉ ኣሎና። ስለምንታይ፧ ምስቲ መንፈስን ምስታ መርዓትን ብቐጻሊ “ንዓ” ኽንብል ባህጊ ስለ ዘሎና እዩ። እወ፡ ስሩዓት ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክንከውን ዝከኣለና ኽንገብር ንደሊ ኢና።

17. ነቲ የሆዋ ዘቕረቦ ዕድመ ንኻልኦት ብምንጋር ዝመጸ ኼምልጠና ዘይብሉ ኣጋጣሚታት ኣየናይ እዩ፧

17 ነቲ የሆዋ ዘቕረቦ ዕድመ፡ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ክንካፈል ከለና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ንኻልኦት ክንነግሮም ኣሎና። ኣብ ዕዳጋ፡ ኣብ ጕዕዞ፡ ኣብ ምዝንጋዕ፡ ኣብ ስራሕ፡ ወይ ከኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ነቶም ዝጸምኡ ሰባት፡ ‘ንዑ፡ ማይ ህይወት ብኸምኡ ውሰዱ’ ዚብል ዕድመ ኸነቕርበሎምሲ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ! ዋላ እውን ሰበ-ስልጣን ነቲ ዕዮ ስብከትና እንተ ኣገድዎ፡ ኣብ ሓደ እዋን ንነፍሲ ወከፍ ቤት ብዘይምዅሕኳሕ ወይ ከኣ ዝያዳ ኣብ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ብምትኳር ብጥበብ ኣገልግሎትና ንቕጽል ኢና።

ወትሩ “ንዓ” በል

18, 19. ነቲ መዓይይቲ ኣምላኽ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ከም እተኽብሮ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧

18 ንልዕሊ ተስዓ ዓመት፡ እቲ መንፈስን እታ መርዓትን፡ ማይ ህይወት ንዚደሊ ዘበለ ሰብ “ንዓ” ኺብሉ ጸኒሖም እዮም። ንስኻኸ ነዚ ባህ ዜብል ዕድመ ሰሚዕካዮዶ፧ ሰሚዕካዮ እንተ ዄንካ፡ ንስኻ እውን ንኻልኦት ክትዕድሞም ተተባቢዕካ ኣለኻ።

19 እቲ የሆዋ ዜቕርቦ ፍቕራዊ ዕድመ ኽሳዕ መዓስ ከም ዚቕጽል ዘይንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና፡ ከም መዓይይቲ ኣምላኽ መጠን ግን ምስኡ ሓቢርና “ንዓ” ኽንብል ኣሎና። (1 ቈረ. 3:6, 9) እዝስ ከመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ! እምበኣር፡ “ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና” ብምቕራብ ነዚ ፍሉይ መሰል እዚ ኣኽቢርና ንርኣዮ። (እብ. 13:15) እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘሎና ምስቶም ክፍሊ እታ መርዓት ኴንና፡ ወትሩ “ንዓ” ንበል! ብዙሓት ሰባት ነቲ ‘ማይ ህይወት ብኸምኡ ኺወስዱ’ ኸኣ ንምነ!

እንታይ ተማሂርካ፧

• እቲ “ንዓ” ዚብል ዕድመ ንመን እዩ ቐሪቡ፧

• ምንጪ እቲ “ንዓ” ዚብል ዕድመ የሆዋ እዩ እንብል ስለምንታይ ኢና፧

• መንፈስ ቅዱስ ነቲ “ንዓ” ዚብል ዕድመ ኣብ ምዝርጋሕ እንታይ እጃም ኣለዎ፧

• ኣብ ኣገልግሎት ስሩዓት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ሰሌዳ/ስእልታት]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ወትሩ “ንዓ” በል

1914

5,100 ኣስፋሕቲ

1918

ብዙሓት ሰባት ኣብታ ገነታዊት ምድሪ ኺነብሩ እዮም

1922

“ብዛዕባ እቲ ንጉስን መንግስቱን ኣውጁ፡ ኣውጁ፡ ኣውጁ”

1929

እቶም እሙናት ተረፍ፡ “ንዓ” ይብሉ

1932

እቲ “ንዓ” ዚብል ዕድመ፡ ቅቡኣት ንዘይኰኑ ሰባት እውን ቀረበ

1934

ክፍሊ ዮናዳብ ንኺሰብኩ ተዓደሙ

1935

መንነት “ብዙሓት ሰብ” ተፈልጠ

2009

7,313,173 ኣስፋሕቲ