ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፕሮፓጋንዳ ሰይጣን ኣየስሕትካ

ፕሮፓጋንዳ ሰይጣን ኣየስሕትካ

ፕሮፓጋንዳ ሰይጣን ኣየስሕትካ

‘ኣይትተዓሸዉ። ኣምላኽኩም ኣየድሕነኩምን እዩ። ኢድኩም እንተ ዘይሂብኩም፡ ክትጠፍኡ ኢኹም!’ እዚ ሓሳብ እዚ፡ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ እቲ ልኡኽ ናይ ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶር ዝነበረ ራብሳቀ ንተቐማጦ የሩሳሌም እተዛረቦ መልእኽቲ እዩ። ሰራዊት እቲ ንጉስ ንይሁዳ ወሪሮምዋ ነበሩ። ቃላት እቲ ልኡኽ፡ ፍናን ህዝቢ የሩሳሌም ንምድኻምን ብፍርሂ ኢዶም ኪህቡ ንምግባርን ዝዓለመ እዩ ነይሩ።—2 ነገ. 18:28-35

ኣሶራውያን ብሕሰምን ጭካነን እዮም ዚፍለጡ ነይሮም። ንምሩኻቶም ብኸመይ ብጭካነ ኸም ዚሕዙ ብምግላጽ ንጸላእቶም የርዕዱ ነበሩ። ፊሊፕ ተይለር ዚበሃል ጸሓፍ ታሪኽ ከም ዝገለጾ፡ “ነቶም ዝሰዓርዎም ህዝብታት ንምቍጽጻርን ነቶም ጸላእቶም ኪዀኑ ዚኽእሉ ንምፍርራህን ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ዚፈጥር ስእሊ ብምጥቃም ራዕዲ ናይ ምፍጣር ፖሊሲ ነበሮም።” እወ፡ ፕሮፓጋንዳ ሓያል መሳርያ እዩ። ተይለር ከም ዝበሎ፡ “ንኣእምሮ እዩ ዜጥቅዕ።”

ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ “ቅልስና . . . ምስ መናፍስቲ እከይ [ካብ ኣምላኽ ምስ ዝዓለዉ መንፈሳውያን ፍጡራት] . . . እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን” ከም ዘይኰነ ይፈልጡ እዮም። (ኤፌ. 6:12) ሓለቓ እዞም መናፍስቲ እዚኣቶም ሰይጣን ድያብሎስ እዩ። ንሱ እውን እንተ ዀነ፡ ራዕዲ ዜስዕብ ፕሮፓጋንዳ እዩ ዚነዝሕ።

ሰይጣን ንንጽህና ነፍሲ ወከፍና ኼበላሽዎ ኸም ዚኽእል ተዛሪቡ እዩ። ብግዜ እቲ ኣበው ዝዀነ እዮብ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ፡ “ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ዘለዎ ዅሉ ይህብ እዩ” በሎ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ሓደ ሰብ ሓያል ጸቕጢ እንተ ወሪድዎ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ንኣምላኽ ዝነበሮ ንጽህና የበላሹ እዩ ዚብል ክሲ ኣቕረበ። (እዮ. 2:4) እሞኸ ሓቁ ድዩ፧ ሓደ ጸገም እንተ ኣጋጢሙና፡ ብህይወት ምእንቲ ኽንቅጽል ነቲ እንስዕቦ ስርዓታት ንጥሕሶ ዲና፧ ሰይጣን ከምኡ ኢልና ኸም እንሓስብ ኪገብረና እዩ ዚደሊ። ነዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ኣእምሮና ንምስራጽ ድማ ሰላሕታዊ ዝዀነ ፕሮፓጋንዳ እዩ ዚጥቀም። ንገለ ኻብዚ ሜላታትን ብኸመይ ክንዋጽኣሉ ኸም እንኽእልን እስከ ንርአ።

“ሓመድ ዝመሰረቶም”

ሰይጣን ብሓደ ኻብቶም ንእዮብ ኪበጽሕዎ ዝመጹ ሰለስተ ኣዕሩኽ፡ ማለት ብኤሊፋዝ ኣቢሉ፡ ደቂ ሰብ ነቲ ኻብኡ ዝወርዶም መጥቃዕቲ ኺጻወርዎ ኸም ዘይክእሉ ገለጸ። ኤሊፋዝ ንእዮብ ኪዛረቦ ኸሎ፡ ሰባት፡ “መሬት ዝቤቶም፡ ሓመድ ዝመሰረቶም፡ ከም ሓሰኻ ኺጭፍለቑ እዮም። ካብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ይቝረጹ፡ ንሓዋሩ ይጠፍኡ፡ ዚሐስቦውን የልቦን” በለ።—እዮ. 4:19, 20

ኣብ ካልእ ክፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ድማ ደቂ ሰብ ምስ ተሰባሪ “ኣቕሓ መሬት” ተመሳሲሎም ኣለዉ። (2 ቈረ. 4:7) ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ስለ ዝወረስና ድኹማት ኢና። (ሮሜ 5:12) ብሰሪ እዚ ኸኣ ንመጥቃዕትታት ሰይጣን ብርእስና ጥራይ ክንዋጽኣሉ ኣይንኽእልን። ይኹን እምበር፡ ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን ኣብቲ የሆዋ ዚህቦ ሓገዝ ክንውከል ንኽእል ኢና። ዋላ እውን ድኽመታት እንተ ሃለወና፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡራት ኢና። (ኢሳ. 43:4) ብተወሳኺ፡ የሆዋ ነቶም ዚሓትዎ መንፈስ ቅዱስ ይህቦም እዩ። (ሉቃ. 11:13) እቲ መንፈሱ ድማ፡ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ብምሃብ፡ ሰይጣን ንዜውርደልና ዝዀነ ይኹን መጥቃዕቲ ኽንጻወሮ የኽእለና። (2 ቈረ. 4:7፣ ፊል. 4:13) ‘ብእምነት ጸኒዕና’ ንድያብሎስ እንተ ተቓዊምናዮ፡ ኣምላኽ ኬሐይለናን ኬበርትዓናን እዩ። (1 ጴጥ. 5:8-10) ስለዚ እምበኣር፡ ንሰይጣን ድያብሎስ እንፈርሃሉ ምንም ምኽንያት የብልናን።

ሰብ ‘ንኣበሳ ይሰትዮ’

ኤሊፋዝ፡ “ሰብከ እንታይ እዩ ንጹህ ዚኸውን፧ ውሉድ ሰበይትስ ጻድቕ ዚኸውን መን እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። ነዚ መልሲ ኺህብ ከሎ ድማ፡ “እንሆ [ኣምላኽ] ነቶም ቅዱሳኑ እኳ ኣይአምኖምን፡ ሰማያትውን ኣብ ዓይኑስ ንጹህ ኣይኰነን። እቲ ንኣበሳ ኸም ማይ ዚሰትዮ ሰብ ደኣ ግዳ ክንደይ ኣዝዩ ፍንፉንን ብልሽውን እዩ” በለ። (እዮ. 15:14-16) ኤሊፋዝ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጻድቕ ሰብ ከም ዘየለ እዩ ንእዮብ ዚነግሮ ነይሩ። ድያብሎስ እውን ነቲ ሓደ ሰብ ዚስምዖ ኣሉታዊ ሓሳባት ይጥቀመሉ እዩ። ብዛዕባ ሕሉፍ ጌጋታትና ኽንጭነቕ፡ ንርእስና ኽንኵንን፡ ከምኡውን ይቕረ ኸም ዘይበሃለልና ጌርና ኽንሓስብ ይደሊ እዩ። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ኻብ ዓቕምና ንላዕሊ ኸም ዚጽበ፡ እቲ ርሕራሐኡን ይቕረታኡን ሓገዙን ድማ ብዙሕ ጥቕሚ ኸም ዘይብሉ ዀይኑ ኺስምዓና እዩ ዚደሊ።

ሓቂ እዩ፡ ኵላትና ‘ሓጢእናን ክብሪ ኣምላኽ ስኢንናን’ ኢና። ዘይፍጹማት ሰባት ንፍጹም መለክዒታት የሆዋ ኼማልኡ ኣይክእሉን እዮም። (ሮሜ 3:23፣ 7:21-23) ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን፡ ኣብ ቅድሚኡ ዋጋ የብልናን ማለት ኣይኰነን። የሆዋ፡ እቲ “ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀል . . . ናይ ጥንቲ ተመን” ንሓጥእ ኵነታትና ኸም ዚጥቀመሉ ይፈልጥ እዩ። (ራእ. 12:9, 10) “ሓመድ ምዃንና” ኣብ ግምት ስለ ዜእቱ፡ “ኵሉ ጊዜ ኣይገንሕን” ወይ በደል ኣይኣርን እዩ።—መዝ. 103:8, 9, 14

ሓጥእ መገድና ሓዲግናን ካብ ልብና ተነሲሕናን ንየሆዋ እንተ ቐሪብናዮ፡ ንሱ “ኣዝዩ ይቕረ ይብል እዩ።” (ኢሳ. 55:7፣ መዝ. 51:17) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሓጢኣትኩም ከም ጁዅ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም በረድ ኪጽዕዱ . . . እዩ” ይብለና። (ኢሳ. 1:18) ስለዚ እምበኣር፡ ተስፋ ኸይቈረጽና ፍቓድ ኣምላኽ ንግበር።

ሓጥኣን ስለ ዝዀንና፡ ብርእስና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክንጸድቕ ኣይንኽእልን ኢና። ኣዳምን ሄዋንን ዘይፍጹማት ምስ ኰኑ፡ ንዕኦምን ንዘርኦምን ተዳልዩሎም ዝነበረ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣጥፍኡ። (ሮሜ 6:23) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኻብታ ንደቂ ሰብ ዘላቶ ሓያል ፍቕሪ ተላዒሉ፡ ኣብ መስዋእታዊ በጃ ወዱ የሱስ ክርስቶስ እምነት ብምሕዳር ናይ ሓጢኣት ይቕረታ ንኽንረክብ ዜኽእለና መሰናድዎ ገበረ። (ማቴ. 20:28፣ ዮሃ. 3:16) እዝስ ከመይ ዝበለ መርኣያ “ጸጋ” ኣምላኽ ኰን እዩ! (ቲቶ. 2:11) እወ፡ ሓጢኣትና ይቕረ ኺበሃለልና ይኽእል እዩ! እሞኸ ሰይጣን ኣንጻር እዚ ኸም እንሓስብ ኪገብረና ስለምንታይ ነፍቅደሉ፧

‘ስጋኡን ዓጽሙን ሃሰስ በሎ’

ሰይጣን፡ እዮብ ጥዕና እንተ ስኢኑ እምነቱ ኸም እትዳኸም ተዛረበ። ንየሆዋ ኸኣ፡ “ኣብ ገጽካ እንተ ዘይክሒዱካስ፡ ኢድካ ዘርጊሕካ ደሞ ስጋኡን ዓጽሙን ሃሰስ ኣይትብሎን” በሎ። (እዮ. 2:5) ስለዚ እምበኣር፡ ጸላኢ ኣምላኽ ብሰንኪ ሕማም ዘይንረብሕ ኰይኑ ኺስምዓና ኸሎ ኣዝዩ እዩ ዚሕጐስ።

ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኸምቲ ቕድሚ ሕጂ እንገብሮ ዝነበርና ጌርና ንዕኡ ኸነገልግሎ እንተ ዘይክኢልና እውን እንተ ዀነ፡ ኣይሓድገናን እዩ። ሓደ ዓርክና እንተ ተጐዲኡ ወይ ቈሲሉ፡ ከምቲ ቕድሚ ሕጂ ዝገብሮ ዝነበረ ኺገብር ብዘይ ምኽኣሉ ኣትሒትና ንርእዮ ዲና፧ ኣይፋልን። ብፍላይ ምእንቲ ጥቕምና ኺብል እንተ ተጐዲኡ፡ ነፍቅሮን ንከናኸኖን ኢና። የሆዋኸ ኻብዚ ንላዕሊ ደይኰነን ዚገብር፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ነቲ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘሎኹምን ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን” ይብለና።—እብ. 6:10

ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ብዛዕባ ንብዙሕ ዓመታት ንኣምልኾ የሆዋ ደጊፋ ኽትከውን እትኽእል “ሓንቲ ድኻ መበለት” ይዛረብ እዩ። የሱስ፡ ኣብ ሳጹን ምጽዋት “ክልተ ለብጦን ከተውድቕ ከላ” ምስ ረኣያ፡ ንዕኣ ይኹን ነቲ ዝገበረቶ ወፈያ ኣትሒቱ ርእይዎ ድዩ፧ ኣይፋሉን። የግዳስ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድጋፍ ዝከኣላ ስለ ዝገበረት፡ ንኢድዋ እዩ።—ሉቃ. 21:1-4

ብሰንኪ ዘይፍጽምና ዜጋጥመና እርጋን ወይ ሕማም ኣዝዩ ይኽበድ ብዘየገድስ ንጽህናና እንተ ሓሊና፡ እቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ፈጺሙ ኣይትንከፍን። ኣምላኽ፡ ብሰንኪ ጸገማት ንዕኡ ዜቕርብዎ ዝነበሩ ኣገልግሎት ስለ እተደረተ፡ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ፈጺሙ ኣይሓድጎምን እዩ።—መዝ. 71:9, 17, 18

“ቍራዕ ርእሲ” ግበሩ

ፕሮፓጋንዳ ሰይጣን ከየስሕተና ኽንጥንቀቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ። . . . ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ” ኢሉ ጸሓፈ። ሓደ ኻብዚ ኣጽዋር ኣምላኽ፡ “ናይ ምድሓን ቍራዕ ርእሲ” እዩ። (ኤፌ. 6:10, 11, 17) ፕሮፓጋንዳ ሰይጣን ሓደገኛ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነዚ ቝራዕ ርእሲ ሓንሳእ ምስ ገበርናዮ ኸነውጽኦ የብልናን። ቍራዕ ርእሲ፡ ንርእሲ ሓደ ዓቀይታይ የዕቍቦ ነበረ። ንዓና ድማ “ተስፋ ምድሓን፡” ማለት ብዛዕባ እታ እተደንቕ ሓዳስ ዓለም ዚገልጽ መብጽዓታት ኣምላኽ ከም ዚፍጸም ዘሎና ምትእምማን፡ ንኣእምሮና ኻብቲ ሰይጣን ዚነዝሖ ሓሶት ኬዕቍቦ ይኽእል እዩ። (1 ተሰ. 5:8) ስለዚ፡ እዛ ተስፋ እዚኣ ወትሩ ብርህቲ ምእንቲ ኽትኰነልና፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብትግሃት ከነጽንዕ ኣሎና።

እዮብ ነቲ ኻብ ሰይጣን ዝወረዶ ጭካነ ዝመልኦን ሃሳዪን መጥቃዕቲ ተጻወሮ። ኣብ ትንሳኤ ዝነበሮ እምነት ኣዝዩ ድልዱል ብምንባሩ፡ ሞት እውን ይኹን ኣየፍርሆን። የግዳስ፡ ንየሆዋ፡ “ንስኻ ምጸዋዕካኒ፡ ኣነውን ምመለስኩልካ ነይረ፡ ነቲ ተግባር ኢድካ ምናፈቕካዮ ኔርካ” በሎ። (እዮ. 14:15) ንጽህናኡ ሓልዩ እንተ ሞይቱ፡ ኣምላኽ ብምኽንያት እቲ ንእሙናት ኣገልገልቱ ዘለዎ ፍቕሪ ኻብ ሞት ከም ዜተንስኦ ይተኣማመን ነበረ።

ንሕና እውን ኣብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከምዚ ዓይነት እምንቶ ኺህልወና ኣለዎ። የሆዋ ንዝዀነ ይኹን ካብ ሰይጣን ኰነ ኻብ ተወከልቱ ዚወርደና መጥቃዕቲ ኼወግዶ ይኽእል እዩ። ጳውሎስ እውን እንተ ዀነ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ፦ “ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።”—1 ቈረ. 10:13

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ነቲ ብተኣማንነት እትገብሮ ኣገልግሎት ኣኽቢሩ ይርእዮ

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ነቲ ቝራዕ ርእሲ ሓንሳእ ምስ ገበርካዮ ኣይተውጽኣዮ