ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓደ መጓሰ፡ ጓሳአን እውን ሓደ

ሓደ መጓሰ፡ ጓሳአን እውን ሓደ

ሓደ መጓሰ፡ ጓሳአን እውን ሓደ

“ንስኻትኩም ዝሰዐብኩምኒ . . . ኣብ ዓሰርተው ክልተ ዝፋን ተቐሚጥኩም ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ከም እትፈርዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።”—ማቴ. 19:28

1. የሆዋ ምስ ዘርኢ ኣብርሃም እንታይ ርክብ ነበሮ፧ እዚ ግን የሆዋ ንዅሎም ኣህዛብ ፈጺሙ ዕሽሽ ከም ዝበሎም ዘየመልክት ስለምንታይ እዩ፧

 የሆዋ ንኣብርሃም ይፈትዎ ስለ ዝነበረ፡ ንዘርኢ ኣብርሃም ፍቕሩ ኣርኣዮም። ንልዕሊ 15 ዘመን፡ ነቶም ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀኑ ህዝቢ እስራኤል ከም ሕሩያት ህዝቡ ገይሩ ይርእዮም ነበረ። (ዘዳግም 7:6 ኣንብብ።) ከምኡ ኺበሃል ከሎ ግን፡ የሆዋ ንኻልኦት ኣህዛብ ፈጺሙ ዕሽሽ ኢልዎም ነይሩ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንየሆዋ ኼምልኹ ዝደልዩ እስራኤላውያን ዘይኰኑ ኣህዛብ፡ ምስቶም ፍሉያት ህዝቡ ኺለግቡ ተፈቒዱሎም ነይሩ እዩ። እዞም እምነቶም ዝቐየሩ ወይ ጵሮሴሊታት፡ ክፍሊ እቲ ህዝቢ ኸም ዝዀኑ ጌርካ እዮም ዚረኣዩ ነይሮም። ከም ኣሕዋት ጌርካ እዮም ዚተሓዙ ነይሮም። (ዘሌ. 19:33, 34) ኵሉ ሕግታት የሆዋ ኺሕልዉ ኸኣ ትጽቢት ይግበረሎም ነይሩ።—ዘሌ. 24:22

2. የሱስ እንታይ ዜደንጹ ነገር እዩ እተዛረበ፧ እዚኸ እንታይ ሕቶታት የበግስ፧

2 ይኹን እምበር፡ የሱስ ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ “እታ መንግስቲ ኣምላኽ ካባኻትኩም ክትውሰድ፡ ፍሪኣ ንዚፈሪ ህዝቢውን ክትውሀብ እያ” ብምባል ዜደንጹ ነገር ነገሮም። (ማቴ. 21:43) ነቲ ሓድሽ ህዝቢ ዜቝሙ መን እዮም፧ ንሕናኸ በዚ ለውጢ እዚ እንጽሎ ብኸመይ ኢና፧

ሓድሽ ህዝቢ

3, 4. (ሀ) ሃዋርያ ጴጥሮስ ነዚ ሓድሽ ህዝቢ ብኸመይ ገለጾ፧ (ለ) ነዚ ሓድሽ ህዝቢ እዚ ዜቝሙ መን እዮም፧

3 ሃዋርያ ጴጥሮስ ነዚ ሓድሽ ህዝቢ ብንጹር ገሊጽዎ ኣሎ። ንክርስትያናት ብጾቱ ኸምዚ ዚስዕብ ኢሉ ጸሓፈሎም፦ “ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም።” (1 ጴጥ. 2:9) ከምቲ ብትንቢት እተነግረ፡ እቶም ንየሱስ ከም መሲሕ እተቐበልዎ ብስጋ ኣይሁድ ዝነበሩ ሰባት፡ ቀዳሞት ኣባላት እቲ ሓድሽ ህዝቢ ዀኑ። (ዳን. 9:27ሀ፣ ማቴ. 10:6) ድሕሪ ግዜ፡ ብዙሓት እስራኤላውያን ዘይኰኑ ሰባት ኣብቲ ሓድሽ ህዝቢ ስለ እተጠቓለሉ፡ ጴጥሮስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ንስኻትኩም ቀደም ህዝቢ ዘይነበርኩም፡ ሕጂ ግና ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም” በለ።—1 ጴጥ. 2:10

4 ጴጥሮስ ንመን እዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ ኣብ መጀመርታ መልእኽቱ፡ ኣምላኽ፡ “ንዘይሐልፍን ዘይረክስን ዘይጽምሉን ኣብ ሰማያት ተአርኒቡልኩም ዘሎ ርስቲ፡ ብናይ የሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ኻብ ምዉታት ብብዝሒ ምሕረቱ ንህያው ተስፋ ብሓድሽ [ወለደና]” ኢሉ ተዛሪቡ ኣሎ። (1 ጴጥ. 1:3, 4) ስለዚ፡ እዚ ሓድሽ ህዝቢ እዚ በቶም ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም ቅቡኣት ክርስትያናት ዝቘመ እዩ። ንሳቶም “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” እዮም። (ገላ. 6:16) ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ ዝረኣዮ ራእይ፡ እዞም መንፈሳውያን እስራኤላውያን ቍጽሮም 144,000 ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። ንሳቶም “ካህናት ኪዀኑ፡ ምስኡውን [ምስ የሱስ] ሽሕ ዓመት ኪነግሱ” ተባሂሎም፡ “ንኣምላኽን ነቲ ገንሸልን በዅራት ኪዀኑ፡ ካብ ደቂ ኣዳም እተዐደጉ እዮም።”—ራእ. 5:10፣ 7:4፣ 14:1, 4፣ 20:6፣ ያእ. 1:18

ካልኦትከ ይጠቓለሉ ድዮም፧

5. (ሀ) እታ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” እትብል መግለጺ ንመን እያ እተመልክት፧ (ለ) እታ “እስራኤል” እትብል ቃል፡ ኵሉ ሳዕ ውሱን ትርጕም ጥራይ ዘይብላ ስለምንታይ እያ፧

5 እምበኣር፡ እታ ኣብ ገላትያ 6:16 እትርከብ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” እትብል ሓረግ፡ ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ጥራይ ከም እተመልክት ንጹር እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል፡ ነቶም ቅቡኣት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኻልኦት ክርስትያናት ከም ዜመልክቱ ገይሩ እተጠቕመሎም ኣጋጣሚታት ኣሎዶ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብቲ የሱስ ንእሙናት ሃዋርያቱ እተዛረቦም ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ቃላት ይርከብ፦ “ኣብታ መንግስተይ ኣብ መኣደይ ምእንቲ ኽትበልዑን ክትሰትዩን፡ ኣብ ዝፋናት ተቐሚጥኩም ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርዱንሲ፡ ከምቲ ንኣይ ኣቦይ ዝመደበለይ፡ ንኣኻትኩም ከኣ ኣነ መንግስቲ መደብኩልኩም።” (ሉቃ. 22:28-30) እዚ ኸኣ “በታ ሓዳስ ዘመን” ወይ ብግዜ ዳግመ ፍጥረት፡ ማለት ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ እዩ ዚፍጸም።—ማቴዎስ 19:28 ትርጕም 1990 ኣንብብ።

6, 7. እቲ ኣብ ማቴዎስ 19:28 ኰነ ኣብ ሉቃስ 22:30 ዚርከብ “ዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል” ዚብል መግለጺ ንመን የመልክት፧

6 ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት፡ እቶም 144,000 ኣብ ሰማይ ነገስታትን ካህናትን ፈራዶን ኰይኖም ኬገልግሉ እዮም። (ራእ. 20:4) ንመንከ እዮም ኪፈርዱን ኪገዝኡን፧ ኣብ ማቴዎስ 19:28 ኰነ ኣብ ሉቃስ 22:30፡ “ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል” ከም ዚፈርዱ ተነጊሩና ኣሎ። ኣብዘን ጥቕስታት እዚኣተን እቶም “ዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል” ንመን የመልክቱ፧ ንዅሎም እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም፡ ማለት ነቶም ኣብ መስዋእቲ የሱስ ዚኣምኑ ግን ከኣ ኣብቲ ናይ መንግስቲ ኽህነት ዘይጠቓለሉ ሰባት እዮም ዜመልክቱ። (ነገድ ሌዊ ምስቶም 12 ነገዳት ስጋውያን እስራኤላውያን ኣይጽብጸብን እዩ ነይሩ።) እቶም ኣብዚ ን12 ነገዳት እስራኤል ዜመልክቱ ሰባት፡ ካብ ክህነት እቶም 144,000 መንፈሳዊ ጥቕሚ ዚረኽቡ ሰባት እዮም። እዞም ካህናት ዘይኰኑ ተጠቀምቲ እውን ህዝቢ ኣምላኽ እዮም፣ ኣምላኽ እውን የፍቅሮምን ይቕበሎምን እዩ። ምስቶም ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቡ ምምስሳሎም ግቡእ እዩ።

7 ሃዋርያ ዮሃንስ፡ እቶም 144,000 ዝቝጽሮም መንፈሳውያን እስራኤላውያን ቅድሚ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ንሓዋሩ ኺሕተሙ ድሕሪ ምርኣዩ፡ “ካብ ኵሎም ኣህዛብ” ዝወጹ “ብዙሓት ሰብ” ርእዩ እዩ። (ራእ. 7:9) እዚኣቶም ነቲ ብርቱዕ ጸበባ ሰጊሮም ናብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ኪኣትዉ እዮም። ኣብኡ ኸኣ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ኻብ ሞት ዚትንስኡ ሰባት ኪጽምበርዎም እዮም። (ዮሃ. 5:28, 29፣ ራእ. 20:13) ኵሎም እዚኣቶም ነቶም ብየሱስን በቶም 144,000 መጋዝእቱን ዚፍረዱ ምሳልያውያን “ዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል” ኬቝሙ እዮም።—ግብ. 17:31፣ 24:15፣ ራእ. 20:12

8. እቲ በታ ዓመታዊ መዓልቲ ዕርቂ ዚግበር ዝነበረ ፍጻመታት ነቲ ኣብ መንጎ 144,000ን ኣብ መንጎ ዝተረፉ ደቂ ሰብን ዘሎ ርክብ ጽላሎት ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧

8 እቲ ኣብቲ ዓመታዊ መዓልቲ ዕርቂ ዚግበር ዝነበረ ነገር፡ ነዚ ኣብ መንጎ እቶም 144,000ን ኣብ መንጎ እቶም ዝተረፉ ደቂ ሰብን ዘሎ ርክብ ጽላሎት ይኸውን እዩ። (ዘሌ. 16:6-10) ብቐዳምነት፡ እቲ ሊቀ ኻህናት “ንርእሱን ንቤቱን” ሓደ ዝራብዕ ከም መስዋእቲ ሓጢኣት ገይሩ ኬቕርብ ነበሮ። ስለዚ ድማ፡ መስዋእቲ የሱስ ብቐዳምነት ነቶም ምስኡ ኣብ ሰማይ ዜገልግሉ፡ ኣባላት ቤቱ ዚዀኑ ንኡሳን ካህናት እዩ ዚጠቅም። ብዘይካዚ፡ ኣብቲ ጥንቲ ዚበዓል ዝነበረ መዓልቲ ዕርቂ፡ ንሓጢኣት ካልኦት እስራኤላውያን ክልተ ድቤላ ይቐርብ ነበረ። ኣብዚ ዅነት እዚ፡ እቶም ካህናት ነቶም 144,000 ኬመልክቱ ኸለዉ፡ እቶም ዝተረፉ እስራኤላውያን ንዅሎም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም እዮም ዜመልክቱ። እዚ ኣወዓዕላ እዚ፡ እተን ኣብ ማቴዎስ 19:28 ዚርከባ “ዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል” ዚብላ ቓላት፡ ነቶም ንኡሳን ካህናት ኰይኖም ዜገልግሉ ብመንፈስ እተቐብኡ ሰባት ዘይኰነስ፡ ንዅሎም እቶም ኣብ መስዋእቲ የሱስ ዚኣምኑ ኻልኦት ከም ዜመልክታ ይሕብር። a

9. እቶም ኣብቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ ቤተ መቕደስ ዝረኣዮ ራእይ ተጠቒሶም ዘለዉ ኻህናት ንመን የመልክቱ፧ እቶም ካህናት ዘይኰኑ እስራኤላውያንከ፧

9 ካልእ ኣብነት እውን ንርአ። ነብዪ ህዝቅኤል ብዛዕባ ቤተ መቕደስ የሆዋ ዚገልጽ ራእይ ረኣየ። (ህዝ.፡ ምዕ. 40-48) ኣብቲ ራእይ ከኣ፡ እቶም ካህናት እናመሃሩ፡ ካብ የሆዋ ድማ ምኽርን መአረምታን እናተቐበሉ፡ ኣብታ ቤተ መቕደስ ከም ዚሰርሑ ተሓቢሩ ኣሎ። (ህዝ. 44:23-31) ኣብ ርእሲኡ፡ ኣባላት እተፈላለዩ ነገዳት ንኼምልኹን መስዋእቲ ንኬቕርቡን ከም ዚመጹ ተገሊጹ ኣሎ። (ህዝ. 45:16, 17) ኣብዚ ራእይ እዚ፡ እቶም ካህናት ንቕቡኣት ኬመልክቱ ኸለዉ፡ እቶም ካህናት ዘይኰኑ ነገዳት እስራኤል ከኣ ነቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም እዮም ዜመልክቱ። እቶም ካህናት ኣብቲ ንጹህ ኣምልኾ መሪሕ ግደ እናተጻወቱ፡ ክልቲኦም ጕጅለታት ብስኒት ከም ዚሰርሑ ጐሊሑ ኣሎ።

10, 11. (ሀ) እንታይ ንእምነት ዜበራትዕ ቃላት የሱስ ኢና ኺፍጸም እንርኢ ዘሎና፧ (ለ) ብዛዕባ ኻልኦት ኣባጊዕ እንታይ ሕቶ እዩ ዚለዓል፧

10 የሱስ ብዛዕባ እተን ካብቲ ንቕቡኣት ሰዓብቱ ዜመልክት “ሒደት መጓሰ” ዘይኰና “ኻልኦት ኣባጊዕ” ተዛሪቡ እዩ። (ዮሃ. 10:16፣ ሉቃ. 12:32) “ንኣታተን ድማ ከምጽኤን እየ፡ ቃለይውን ኪሰምዓ እየን። ሓደ መጓሰ ኪዀና እየን ጓሳኤንውን ሓደ” ኸኣ በለ። እዘን ቃላት እዚኣተን ኪፍጸማ ምርኣይናስ፡ ክሳዕ ክንደይ ዜተባብዕ ኰን እዩ! ክልተ ጕጅለ፡ ማለት እቶም ንእሽቶ ጕጅለ ቕቡኣትን እቶም ካብቶም ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ ብዙሓት ሰብን ብሓደ ሓቢሮም ኣለዉ። (ዘካርያስ 8:23 ኣንብብ።) እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ብምሳልያዊ መገዲ ኣብቲ ውሽጣዊ ኣጸድ እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ዘየገልግሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብቲ ግዳማዊ ኣጸድ እታ ቤተ መቕደስ ግን የገልግሉ እዮም።

11 የሆዋ ነቶም ካህናት ዘይኰኑ ኣባላት ጥንታውያን እስራኤላውያን፡ ነዞም ካልኦት ኣባጊዕ ንምምልካት ዚጥቀመሎም ካብ ኰነ፡ እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ካብቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ኪወስዱ ይግባእዶ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ቐጺልና ኽንርእዮ ኢና።

ሓድሽ ኪዳን

12. የሆዋ እንታይ ሓድሽ መሰናድዎ እዩ ተነብዩ፧

12 የሆዋ ንህዝቡ ሓድሽ መሰናድዎ ኸም ዚገብረሎም ኪንበ ኸሎ፡ “ድሕሪ እዘን መዓልትታት እዚኣተን ምስ ቤት እስራኤል ዝአትዎ ኺዳንሲ እዚ ደኣ እዩ፤ ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር ኣብ ልቦም ከኣ ክጽሕፎ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ኪዀኑ እዮም” በለ። (ኤር. 31:31-33) እቲ የሆዋ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ መብጽዓ ግርማውን ነባርን ፍጻሜኡ ዚረክብ፡ በዚ ሓድሽ ኪዳን ኣቢሉ እዩ።—ዘፍጥረት 22:18 ኣንብብ።

13, 14. (ሀ) ተሳተፍቲ እቲ ሓድሽ ኪዳን መን እዮም፧ (ለ) ተጠቀምቲ መን እዮም፧ ነቲ ሓድሽ ኪዳን ‘ኣጽኒዖም’ ዚሕዝዎኸ ብኸመይ እዮም፧

13 የሱስ ኣብታ ድሮ ሞቱ ዝነበረት ለይቲ፡ “እዛ ጽዋእ እዚኣ እቲ ምእንታኹም ብዚፈስስ ዘሎ ደመይ እተገብረ ሓድሽ ኪዳን እያ” ኺብል ከሎ፡ ነዚ ሓድሽ ኪዳን እዩ ዜመልክት ነይሩ። (ሉቃ. 22:20፣ 1 ቈረ. 11:25) ኵሎም ክርስትያናት ኣብዚ ሓድሽ ኪዳን ይጠቓለሉ ድዮም፧ ኣይፋልን። ከምቶም በታ ምሸት እቲኣ ኻብታ ጽዋእ ዝሰተዩ ሃዋርያት ዝኣመሰሉ ገሊኦም ሰባት፡ ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ተሳተፍቲ እዮም። b የሱስ ምሳታቶም ካልእ ኪዳን ተኣታትዩ እዩ፣ እዚ ኸኣ ምስኡ ዀይኖም ኣብ መንግስቱ ንኺገዝኡ ዜኽእሎም እዩ። (ሉቃ. 22:28-30) እወ፡ ንሳቶም ንየሱስ፡ ኣብ መንግስቱ ኺሓብርዎ እዮም።—ሉቃ. 22:15, 16

14 እቶም ኣብ ትሕቲ መንግስቱ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ደኣኸ፧ ንሳቶም ተጠቀምቲ እቲ ሓድሽ ኪዳን እዮም። (ገላ. 3:8, 9) ተሳተፍቲ እኳ እንተ ዘይኰኑ፡ ኣድላዪ ብቕዓታት ብምምላእ፡ ነቲ ኺዳን ‘ኣጽኒዖም’ ይሕዙ እዮም። ነዚ ድማ ነብዪ ኢሳይያስ ከምዚ ኢሉ ተነብይዎ ነይሩ፦ “ነቶም ምእንቲ ኼገልግልዎ፡ ንስም እግዚኣብሄር ኬፍቅሩ፡ ባሮቱ ኪዀኑ ኢሎም ምስ እግዚኣብሄር ዝሐበሩ መጻእተኛታት፡ ሰንበት ከየፍርሱ ዚጥንቀቑ፡ ኪዳነይውን ዜጽንዑ ዅላቶም፡ ቤተይሲ ንዅሎም ህዝብታት ቤት ጸሎት ኪስመ እዩ እሞ፡ ንኣታቶም ናብ ቅዱስ ከረነይ ከምጽኦም፡ ኣብ ቤት ጸሎተይ ከኣ ከሐጕሶም እየ።”—ኢሳ. 56:6, 7

መን እዮም ኪወስዱ ዘለዎም፧

15, 16. (ሀ) ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ሓድሽ ኪዳን ምስ ምንታይ እዩ ኣተሓሒዝዎ፧ (ለ) እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ካብቲ ቕጫን ወይንን ኪወስዱ ዘይብሎም ስለምንታይ እዮም፧

15 እቶም ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን እቱዋት ዝዀኑ፡ ‘ናብ መቕደስ ንምእታው ትብዓት ኣለዎም።’ (እብራውያን 10:15-20 ኣንብብ።) ‘ዘይተንቀጥቅጥ መንግስቲ ዚቕበሉ’ እውን ንሳቶም እዮም። (እብ. 12:28) እቶም ካብታ ነቲ ሓድሽ ኪዳን እተመልክት “ጽዋእ” ኪሰትዩ ዚግብኦም እምበኣር፡ እቶም ምስ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ነገስታትን ካህናትን ዚዀኑ ጥራይ እዮም። እዞም ተሳተፍቲ እዚ ሓድሽ ኪዳን እዚ፡ እቶም ነቲ ገንሸል እተሓጽዩ ሰባት እዮም። (2 ቈረ. 11:2፣ ራእ. 21:2, 9) እቶም ኣብቲ ዓመታዊ በዓል ዝኽሪ ዚእከቡ ኻልኦት ሰባት ግን፡ ብኣኽብሮት ይዕዘቡ ደኣ እምበር፡ ካብቲ ቕጫን ወይንን ኣይወስዱን እዮም።

16 ጳውሎስ እውን፡ እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ካብቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ ቅጫን ወይንን ከም ዘይወስዱ ንኽንርዳእ ይሕግዘና እዩ። ንቕቡኣት ክርስትያናት፡ “እዛ እንጌራ እዚኣ ብትበልዕዋ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣውን ብትሰትይዋ መጠን፡ ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ፡ ሞቱ ትነግሩ ኢኹም” በሎም። (1 ቈረ. 11:26) ጐይታ መዓስ እዩ “ዚመጽእ”፧ ነቲ ናይ መወዳእታ ኣባል እቶም ብመርዓት እተመሰሉ ቕቡኣት፡ ናብ ሰማያዊ ቤቱ ኣብ ዚወስደሉ እዋን እዩ። (ዮሃ. 14:2, 3) እምበኣር፡ እቲ ኣብ ዓዓመት ዚኽበር ድራር ጐይታ ንሓዋሩ ኣይኰነን ኪበዓል። እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ “ዝተረፉ” ዘርኢ እታ ሰበይቲ፡ ብምሉኦም ሰማያዊ ዓስቦም ክሳዕ ዚረኽቡ፡ ካብዚ መኣዲ እዚ ኺካፈሉ እዮም። (ራእ. 12:17) እቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ዚነብሩ ኻብቲ ቕጫን ወይንን ኪወስዱ ዚግብኦም ነይሩ እንተ ዚኸውን ግን፡ እዚ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ መኣዲ ንዘለኣለም ኪቕጽል መድለየ።

“ህዝበይ ከኣ ኪዀኑ እዮም”

17, 18. እቲ ኣብ ህዝቅኤል 37:26, 27 እተመዝገበ ትንቢት ብኸመይ እዩ ዚፍጸም ዘሎ፧

17 የሆዋ ንሓድነት ህዝቡ በዘን ዚስዕባ ቓላት ገይሩ ተነብዩ ነይሩ እዩ፦ “ኪዳን ሰላም ክአትወሎም እየ፡ ዘለኣለማዊ ኺዳን ድማ ኪዀነሎም እዩ። ክተኽሎምን ከብዝሖምን እየ። መቕደሰይ ከኣ ንዘለኣለም ኣብ ማእከሎም ከቝሞ እየ። ማሕደረይ ምሳታቶም ኪኸውን እዩ፡ ኣነ ኸኣ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶምውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም።”—ህዝ. 37:26, 27

18 እዚ ዜደንቕ መብጽዓ ዝዀነ ክርስትያናዊ ኺዳን ሰላም ኪፍጸም ከሎ፡ ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽ ካብኡ ኺጥቀሙ እዮም። እወ፡ የሆዋ ንዅሎም እዙዛት ኣገልገልቱ ሰላም ከም ዚረኽቡ ውሕስነት ኣትዩሎም ኣሎ። ኣብ መንጎኦም ፍረ መንፈስ ብንጹር ይርአ እዩ። እቲ ኣብዚ ንክርስትያናዊ ንጹህ ኣምልኾ ዜመልክት መቕደሱ፡ ኣብ ማእከሎም እዩ ዘሎ። ንዅሉ ዓይነት ኣምልኾ ጣኦት ሓዲጎም፡ ንየሆዋ ጥራይ ስለ ዜምልኹ፡ ብሓቂ ህዝቡ ዀይኖም እዮም።

19, 20. ኣብቶም የሆዋ “ህዝበይ” ኢሉ ዚጽውዖም መን ተጠቓሊሎም ኣለዉ፧ እቲ ሓድሽ ኪዳንከ እንታይ እዩ ገይሩ ዘሎ፧

19 ነዚ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ጕጅለ ዘሎ ሓድነት ክንርኢ ምኽኣልናስ ክሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ! እቶም እናበዝሑ ዚኸዱ ብዙሓት ሰብ ሰማያዊ ተስፋ እኳ እንተ ዘይብሎም፡ ምስቶም ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም ምሕባሮም ግን የሐብኖም እዩ። ምስ ናይ ኣምላኽ እስራኤል ለጊቦም እዮም። ከምኡ ብምግባሮም ከኣ፡ ምስቶም የሆዋ፡ “ህዝበይ” ኢሉ ዚጽውዖም እዮም ዚጽብጸቡ። “በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት ህዝብታት ናብ እግዚኣብሄር ኪሐብሩ፡ ህዝበይ ከኣ ኪዀኑ እዮም” ዚብል ትንቢት እውን ኣባታቶም ይፍጸም እዩ።—ዘካ. 2:11፣ 8:21፣ ኢሳይያስ 65:22፣ ራእይ 21:3, 4 ኣንብብ።

20 የሆዋ በቲ ሓድሽ ኪዳን ኣቢሉ ነዚ ይገብሮ ኣሎ። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ብመንፈስ መጻእተኛታት ዝዀኑ ሰባት፡ ክፍሊ እቲ ሞገስ የሆዋ ዝረኸበ ህዝቢ ዀይኖም ኣለዉ። (ሚክ. 4:1-5) በቲ ኺዳን ኣቢሎም ንዚረኽብዎ መሰናድዎታት ብምቕባልን ኬማልእዎ ንዜድልዮም ብቕዓታት ብምሕላውን፡ ነቲ ኺዳን ኣጽኒዖም ንምሓዝ ቈሪጾም ኣለዉ። (ኢሳ. 56:6, 7) ከምኡ ብምግባሮም፡ ንሳቶምን እቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤልን ብሓባር፡ ቀጻሊ ሰላም ዜምጽኦ በረኸት ይረኽቡ እዮም። ንስኻ እውን ሕጅን ንሓዋሩን ተኻፋሊ እዚ በረኸት እዚ ይግበርካ!

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብተመሳሳሊ፡ እቶም ቅቡኣት ብቐዳምነት “ማሕበር” ወይ ጉባኤ ተባሂሉ ይዝረበሎም እዩ። (እብ. 12:23) ይኹን እምበር፡ እታ “ማሕበር” ወይ ጉባኤ እትብል ቃል ካልእ ትርጕም ብምሓዝ፡ ተስፋኦም ብዘየገድስ ንዅሎም ክርስትያናት ከተመልክት ትኽእል እያ።—ናይ 15 ሚያዝያ 2007 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 21-23 ርአ።

b የሱስ ማእከላይ እቲ ኺዳን ደኣ እምበር፡ ተሳታፊ ኣይኰነን። ማእከላይ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ካብቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ከም ዘይወሰደ ፍሉጥ እዩ።

ትዝክሮዶ፧

• እቶም በቶም 144,000 ዚፍረዱ “ዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል” መን እዮም፧

• እቶም ቅቡኣትን እቶም ካልኦት ኣባጊዕን ምስቲ ሓድሽ ኪዳን እንታይ ርክብ ኣለዎም፧

• ካብቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ ቅጫን ወይንን ኪወስዱ ዚግብኦም ኵሎም ክርስትያናት ድዮም፧

• ኣብዚ ግዜና እንታይ ሓድነት ከም ዚህሉ እዩ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ግራፍ/ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ብዙሓት ምስ ናይ ኣምላኽ እስራኤል ብሓባር ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ

7,313,173

4,017,213

1,483,430

373,430

1950 1970 1990 2009