ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ ኣብ ህዝቅኤል 18:20 ዚርከብ “ውሉድ ኣበሳ ወላዲኡ ኣይኪጸውርን” ዚብል ሓሳብ፡ ምስቲ ኣብ ዘጸኣት 20:5 ዘሎ የሆዋ ን“ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ . . . ዝቐጽዕ” ምዃኑ ዚገልጽ ሓሳብ ኣይጋጮንዶ፧

ፈጺሙ ኣይጋጮን እዩ። የግዳስ፡ እቲ ሓደ ሓሳብ፡ ውልቀ-ሰባት ኣብ ዘለዎም ተሓታትነት ዜተኵር ኰይኑ፡ እቲ ኻልኣይ ግን ሓደ ሰብ ዝገበሮ ጌጋ ኣብ ዘርኡ ብዛዕባ ኺህልዎ ዚኽእል ሳዕቤን እዩ ዚገልጽ።

እቲ ኣብ ህዝቅኤል ምዕራፍ 18 ዚርከብ ሓሳብ፡ ብዛዕባ ውልቃዊ ተሓታትነት እዩ ኣጕሊሑ ዚገልጽ። ቍጽሪ 4፡ “እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ” ትብለና። እቲ ‘ቕንዕናን ጽድቅን ዚገብር’ ሰብከ፧ ንሱ “ብርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ።” (ህዝ. 18:5, 9) ስለዚ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ተሓታቲ ኪኸውን ኣብ ዚኽእለሉ ዕድመ ምስ በጽሐ፡ ‘ከከም መገዱ’ እዩ ዚፍረድ።—ህዝ. 18:30

እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ፡ ንቆራሕ እቲ ሌዋዊ ኣብ ዘጋጠሞ ነገር ተራእዩ እዩ። እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ኺጐዓዙ ኸለዉ፡ ቆራሕ በቲ ዝነበሮ ፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ኣይዓገበን። ነቲ ናይ ክህነት ሓላፍነታት ምእንቲ ኺረክብ፡ ምስ ካልኦት ሰባት ሓቢሩ ኻብቶም ወኪላት የሆዋ ዝነበሩ ሙሴን ኣሮንን ዓለወ። ብትዕቢት ነቲ ዘይግብኦም ሓላፍነት ኪረኽቡ ስለ ዝሃቀኑ፡ የሆዋ ኣጥፍኦም። (ዘሁ. 16:8-11, 31-33) ይኹን እምበር፡ ደቂ ቆራሕ ኣብቲ ዓመጽ ኣይተኻፈሉን። ስለዚ፡ ኣምላኽ ብሓጢኣት ኣቦኦም ተሓተትቲ ኣይገበሮምን። ንየሆዋ እሙናት ስለ ዝነበሩ ድማ፡ በቲ መዓት ኣይጠፍኡን።—ዘሁ. 26:10, 11

ብዛዕባ እቲ ሓደ ኽፋል ዓሰርተ ትእዛዛት ዝዀነ ኣብ ዘጸኣት 20:5 ዚርከብ መጠንቀቕታኸ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ንዘሎ ሓሳብ እስከ ንመርምሮ። የሆዋ ምስ ህዝቢ እስራኤል፡ ሕጊ ኺዳን ኣቘመ። እስራኤላውያን ነቲ ትእዛዛት ምስ ሰምዑ፡ “እግዚኣብሄር ዝበሎ ዅሉ ንገብር” ኢሎም መለሱ። (ዘጸ. 19:5-8) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ እቲ ህዝቢ ብምሉኡ ምስ የሆዋ ፍሉይ ርክብ መስረተ። ስለዚ፡ እተን ኣብ ዘጸኣት 20:5 ዚርከባ ቓላት ንብምሉኡ እቲ ህዝቢ ዚምልከታ እየን ነይረን።

እስራኤላውያን ንየሆዋ እሙናት ኣብ ዝዀኑሉ እዋን፡ ብዙሕ ጥቕምን በረኸትን ይረኽቡ ነበሩ። (ዘሌ. 26:3-8) ንየሆዋ ነጺጐም ደድሕሪ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኺስዕቡ ኸለዉ ግን፡ የሆዋ በረኸቱን ዕቝባኡን ስለ ዜልግስ፡ እቶም ህዝቢ መዓት የጋጥሞም ነበረ። (መሳ. 2:11-18) ሓቂ እዩ፡ እቶም ህዝቢ ንጣኦታት እናምለኹ ኽነሶም፡ ንጽህናኦም ዚሕልዉን ሕግታት ኣምላኽ ዜኽብሩን እተወሰኑ ሰባት ነይሮም እዮም። (1 ነገ. 19:14, 18) እቶም እሙናት ሰባት ብሰንኪ ሓጢኣት እቲ ህዝቢ ገለ ጸገማት የጋጥሞም ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ የሆዋ ግን ሳህሉ የርእዮም ነይሩ እዩ።

እስራኤላውያን ንስርዓታት የሆዋ ብምጥሓስ ብዕሉግ ተግባራት ምስ ፈጸሙ፡ ስም የሆዋ ኣብ ቅድሚ ህዝብታት ኣደዳ ላግጺ ዀነ፣ ስለዚ ኸኣ የሆዋ ብባቢሎናውያን ኪማረኹ ብምፍቃድ ቀጽዖም። እቲ መቕጻዕቲ ኣብ ልዕሊ ውልቀ-ሰባትን ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝብን ዝወረደ እዩ ነይሩ። (ኤር. 52:3-11, 27) ሓጢኣት እስራኤላውያን ኣዝዩ ብዙሕ ምንባሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ፣ ብሰሪ እዚ ኸኣ ከምቲ ዘጸኣት 20:5 ዚብሎ፡ ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ወለዶታት ወይ ካብኡ ዚበዝሕ ወለዶታት በቲ ሕማቕ ተግባራት ኣቦታቶም ተጸልዮም እዮም።

ቃል ኣምላኽ፡ ብሰንኪ እቲ ወለዲ ዝገበርዎ ዘይቅኑዕ ተግባራት ብዛዕባ እተጸልዉ ስድራ ቤታት ዚገልጽ ጸብጻባት እውን ሒዙ ኣሎ። ኤሊ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ እቶም “ደቂ ብልያል” ዝነበሩ ብዕሉጋት ደቁ፡ ካህናት ኰይኖም ኪቕጽሉ ስለ ዝፈቐደሎም፡ ንየሆዋ ኣጕሃዮ። (1 ሳሙ. 2:12-16, 22-25) ካብ ንየሆዋ ንደቁ ስለ ዘኽበረ፡ ስድራ ቤቱ ሊቀ ኻህናት ካብ ምዃን ከም ዜቋርጹ ኣምላኽ ገለጸ፣ እዚ ኸኣ ካብቲ ኣብ መበል ራብዓይ ወለዶ ዝነበረ ኣብያታር ጀሚሩ ተፈጸመ። (1 ሳሙ. 2:29-36፣ 1 ነገ. 2:27) እቲ ኣብ ዘጸኣት 20:5 ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት፡ ኣብቲ ንገሓዚ ዘጋጠሞ ነገር እውን ተራእዩ እዩ። ካብቲ ንእማን ዝስሙ ኻብ ሕማሙ እተፈወሰ ሓለቓ ሰራዊት ሶርያ ስጋዊ ጥቕሚ ምእንቲ ኺረክብ ኢሉ፡ ነቲ ኸም ኣገልጋሊ ኤልሳእ መጠን ዝነበሮ ሓላፍነት ብግቡእ ስለ ዘይተጠቕመሉ፡ የሆዋ ፈረዶ። ብኤልሳእ ኣቢሉ ኸኣ፡ “እቲ ለምጺ ንእማን ንዘለኣለም ኣባኻን ኣብ ዘርእኻን ይልገብ” በሎ። (2 ነገ. 5:20-27) ስለዚ፡ ዘርኢ ገሓዚ ብሰንኪ ኣበሳ ኣቦኦም ተጸልዉ።

የሆዋ ፈጣርን ወሃብ ህይወትን ከም ምዃኑ መጠን፡ ፍትሓውን ቅኑዕን ዚበሃል መቕጻዕቲ ኣየናይ ምዃኑ ናይ ምውሳን መሰል ኣለዎ። እቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ኣብነታት ከም ዚሕብሮ፡ ውሉዳት፡ ሓጢኣት ኣቦታቶም ብዜምጽኦ ሕማቕ ሳዕቤናት ኪጽለዉ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ‘ንገዓር ሽጉራት ይሰምዕ’ እዩ፡ ናብኡ ኺምለሱ ንዚጽዕሩ ሰባት ድማ ስምረቱ የርእዮምን ብእተወሰነ መጠን ዕረፍቲ ኸም ዚረኽቡ ይገብርን እዩ።—እዮ. 34:28

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ቆራሕን እቶም ምስኡ ዝዓለዉ ሰባትን ብተግባራቶም ተሓተትቲ ዀኑ