ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ማርቆስ ‘ንዕዮ ዚጠቅም’

ማርቆስ ‘ንዕዮ ዚጠቅም’

ማርቆስ ‘ንዕዮ ዚጠቅም’

ታ ኣብ ኣንጾክያ ዝነበረት ጉባኤ እተወሰነ ጸገማት ኣጋጢምዋ ይፈልጥ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ኣብ መንጎ ሃዋርያ ጳውሎስን በርናባስን እተላዕለ ባእሲ ግን እተፈልየ እዩ ነይሩ። ክልቲኦም ሚስዮናዊ ጕዕዞ ኺገብሩ መዲቦም ነበሩ፣ ኰይኑ ግን፡ ንመን ከም ዚማልኡ ኺውስኑ ኸለዉ፡ “ኣብ መንጎኦም ባእሲ ዀነ።” (ግብ. 15:39) ብሰንኪ እዚ ስለ ዘይተሳነዩ ድማ፡ ነንበይኖም ከዱ። እቲ ባእሲ፡ ብሰሪ እቲ ማርቆስ ዝስሙ ሳልሳይ ሚስዮናዊ እዩ ተላዒሉ።

ማርቆስ መን እዩ ነይሩ፧ እዞም ክልተ ሃዋርያት ብዛዕባኡ ኸም ዝበኣሱ ዝገበሮምከ እንታይ እዩ፧ ነፍሲ ወከፎም ነናቶም ተሪር ኣረኣእያ ዝነበሮም ስለምንታይ እዮም፧ ጸኒሖምከ ነዚ ኣረኣእያኦም ቀይሮምዎዶ፧ ካብዚ ብዛዕባ ማርቆስ ዚገልጽ ጸብጻብ እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧

ኣብ የሩሳሌም ዝነበሮ ህይወት

ማርቆስ ካብ ሃብታም ኣይሁዳዊት ስድራ ቤት ዝመጸ ዀይኑ፡ ኣብ የሩሳሌም እዩ ዓብዩ። ንመጀመርታ ግዜ ብቐጥታ እተጠቕሰ፡ ኣብቲ ብዛዕባ እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚገልጽ ታሪኽ እዩ። ኣብ ከባቢ 44 ድ.ክ. መልኣኽ የሆዋ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ካብቲ ብሄሮድስ ኣግሪጳ ቐዳማይ ተኣሲሩሉ ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ ብተኣምራዊ መገዲ ምስ ኣውጽኦ፡ ጴጥሮስ ትኽ ኢሉ “ናብ ቤት ማርያም፡ ኣደ እቲ ማርቆስ ዚብሀል ዮሃንስ፡ መጸ። ኣብኡ ኸኣ ብዙሓት ተአኪቦም ይጽልዩ ነበሩ።”—ግብ. 12:1-12 a

ካብዚ ኽንርድኦ ኸም እንኽእል፡ እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ጉባኤ ኣብ እንዳ ኣዲኡ ንማርቆስ እያ እትእከብ ነይራ። እታ “ብዙሓት ተአኪቦም ይጽልዩ ነበሩ” እትብል ሓሳብ ድማ፡ እቲ ቤት ገፊሕ ምንባሩ ዚሕብር እዩ። ብዘይካዚ፡ ማርያም ኣደ ማርቆስ፡ ጴጥሮስ “ነቲ ማዕጾ ደገ” ዃሕዃሕ ምስ ኣበለ ዝኸፈተቶ ሮዳ ዝስማ ግዝእቲ ነበረታ። እዚ ዅሉ ዝርዝር ሓበሬታ፡ ማርያም ሃብታም ሰበይቲ ምንባራ ይሕብር። እቲ ቤት እውን እንተ ዀነ፡ ብስም ሰብኣያ ዘይኰነስ፡ ብስማ ስለ እተጸውዐ፡ ምናልባት መበለት ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ፣ ማርቆስ ድማ ገና ንእሽቶ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ግብ. 12:13

ማርቆስ ምስቶም ተኣኪቦም ዚጽልዩ ዝነበሩ ሰባት ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምስ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ከምኡውን ምስቶም ንኣገልግሎት የሱስ ዚምልከት ፍጻመታት ብዓይኖም ዝረኣዩ ሰባት ይፋለጥ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ምናልባት እውን የሱስ ኪተሓዝ ከሎ ደድሕሪኡ ኺስዕብ ዝፈተነ፡ ኪሕዝዎ ምስ ደለዩ ግን ጥራይ ዝባኑ ዝሃደመ ጐበዝ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ማር. 14:51, 52

ኣብታ ጉባኤ ዝረኸቦ ፍሉይ መሰላት

ማርቆስ ምስ ብሱላት ክርስትያናት ብምቅርራቡ፡ ብዙሕ ጥቕሚ ረኺቡ እዩ። ብመንፈስ ስለ ዝዓበየ፡ ኣቓልቦ እቶም ሓላፍነት ዝነበሮም ሰባት ሰሓበ። ኣብ ከባቢ 46 ድ.ክ. ጳውሎስን በርናባስን ነቲ ተላዒሉ ዝነበረ ጥሜት ዚኸውን “ረድኤት፡” ካብ ኣንጾክያ ናብ የሩሳሌም ምስ ኣብጽሑ፡ ንማርቆስ ትዅረት ገበሩሉ። ናብ ኣንጾክያ ኺምለሱ ኸለዉ ድማ፡ ምስኦም ተማልእዎ።—ግብ. 11:27-30፣ 12:25

ላዕለ ላዕሊ ንዜንብብ ሰብ፡ ኣብ መንጎ ጳውሎስን በርናባስን ማርቆስን ካብ መንፈሳዊ ርክብ ሓሊፉ፡ ካልእ ዋላ ሓንቲ ዜራኽቦም ነገር ከም ዘየለ ገይሩ ስለ ዚሓስብ፡ ንማርቆስ ምስኦም እተማልእዎ ብምኽንያት ክእለቱ ጥራይ ይመስሎ ይኸውን። ኰይኑ ግን፡ ሓንቲ ኻብተን ጳውሎስ ዝጸሓፈን መልእኽትታት፡ ማርቆስ ወዲ ሓው ኣቦኡ ንበርናባስ ምንባሩ ትሕብር እያ። (ቈሎ. 4:10) እዚ ኸኣ፡ ነቲ ምስ ማርቆስ ዚተሓሓዝ ስዒቡ ዘጋጠመ ፍጻመታት ንኽንርድኦ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።

ሓደ ዓመት ዚኸውን ምስ ሓለፈ፡ መንፈስ ቅዱስ ንጳውሎስን ንበርናባስን፡ ሚስዮናዊ ጕዕዞ ኺገብሩ መምርሒ ሃቦም። ካብ ኣንጾክያ ናብ ቆጵሮስ ኪኸዱ ኸለዉ ድማ፡ ነቲ ማርቆስ ዚበሃል ዮሃንስ “ኬገልግሎም” ወሰድዎ። (ግብ. 13:2-5) ምናልባት ጳውሎስን በርናባስን ኣገልግሎቶም ኪገብሩ ኸለዉ፡ ንጕዕዞ ዜድልዮም ነገራት ንኼማልኣሎም እዮም ወሲዶምዎ ኪዀኑ ዚኽእሉ።

ጳውሎስን በርናባስን ማርቆስን ብቆጵሮስ ኣቢሎም እናሰበኹ ናብ ንእሽቶ እስያ ገጾም ኣምርሑ። ኣብኡ ድማ እቲ ማርቆስ ዚበሃል ዮሃንስ ንጳውሎስ ዘጕሃዮ ውሳነ ገበረ። እቲ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ ኣብ ጴርጌ ምስ በጽሑ፡ “ዮሃንስ . . . ካባታቶም ተፈልዩ ናብ የሩሳሌም ተመልሰ።” (ግብ. 13:13) ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝገበረ ግን ኣይተገልጸን።

እተወሰነ ዓመታት ምስ ሓለፈ፡ ጳውሎስን በርናባስን ማርቆስን ናብ ኣንጾክያ ተመልሱ። እቶም ክልተ ሃዋርያት ነቶም መጀመርታ ዝሰበኹሎም ሰባት ተመሊሶም ንኺበጽሕዎም፡ ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞ ኺገብሩ ወሰኑ። በርናባስ ንወዲ ሓው ኣቦኡ ኺወስዶ እኳ እንተ ደለየ፡ ጳውሎስ ግን ነቲ ኣቐድም ኣቢሉ ሓዲግዎም እተመልሰ ማርቆስ ኪማልእዎ ኣይደለየን። ብሰንኪ እዚ ኸኣ፡ እቲ ኣብ መእተዊ እተገልጸ ባእሲ ተላዕለ። በርናባስ ንማርቆስ ሒዙ ናብ ዓዱ ቆጵሮስ ከደ፡ ጳውሎስ ከኣ ናብ ሶርያ ኸደ። (ግብ. 15:36-41) ጳውሎስን በርናባስን ነቲ ማርቆስ ዝገበሮ ውሳነ፡ ብእተፈላለየ መገዲ ኸም እተረድእዎ ንጹር እዩ።

ዕርቂ

ማርቆስ በዚ ኣዝዩ ኸም ዝጐሃየ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ እሙን ኣገልጋሊ ኻብ ምዃን ኣየቋረጸን። ምስ ጳውሎስ ካብ ዚፈላለዩ ድሕሪ 11 ወይ 12 ዓመት ኣቢሉ፡ ኣብ ታሪኽ ቀዳሞት ክርስትያናት እንደገና ተጠቒሱ ንረኽቦ ኢና። እሞ ኸኣ ምስ ዘይንጽበዮ ሰብ፡ ማለት ምስ ጳውሎስ ተጠቒሱ ኢና እንረኽቦ።

ኣብ 60-61 ድ.ክ. ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኸሎ፡ ነቲ ሕጂ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ዝዀነ ሓያሎ መልእኽትታት ጸሓፈ። ኣብታ ናብ ቈሎሴ ዝጸሓፋ መልእኽቲ ድማ ከምዚ በለ፦ “እቲ ምሳይ እተማረኸ ኣርስጠርኮስ ሰላም ይብለኩም አሎ፡ እቲ ብዛዕባኡ ትእዛዝ እተቐበልኩም ማርቆስ፡ ወዲ ሓው ኣቦኡ ንበርናባስ፡ ናባኻትኩም እንተ መጸ ኸኣ፡ ተቐበልዎ። . . . ንመንግስቲ ኣምላኽ ምሳይ ዜገልግሉ ንምጽንናዕውን ዚዀኑኒ ዘለዉ ሰብ ግዝረት፡ እዚኣቶም ጥራይ እዮም።”—ቈሎ. 4:10, 11

ከመይ ዝበለ ለውጢ ዀን እዩ! ዋላኳ ማርቆስ ንጳውሎስ ኣጕህይዎ እንተ ነበረ፡ ደሓር ግን ዓብዪ ግምት ዚወሃቦ መዓይይቱ ዀነ። ጳውሎስ እውን ንሰብ ቈሎሴ፡ ማርቆስ ናብኦም ኪመጽእ ከም ዚኽእል ነገሮም። ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ብጳውሎስ ተወኪሉ ኸይዱ ማለት እዩ።

ጳውሎስ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ንማርቆስ ብጌጋ ነቒፍዎ ነይሩ ማለት ድዩ፧ ማርቆስከ ኻብቲ እተዋህቦ ተግሳጽ ተጠቒሙዶ ይኸውን፧ ክልቲኡ እዚ ሓሳብ ቅኑዕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዝዀነ ዀይኑ ግን፡ ጳውሎስን ማርቆስን ምትዕራቖም፡ ብሱላት ሰባት ምንባሮም ዜርኢ እዩ። ነቲ ዝሓለፈ ረሲዖም ከኣ ብሓደ ይዓዩ ነበሩ። እዝስ ንዝዀነ ይኹን ምስ ክርስትያን ብጾቱ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ዘጋጠሞ ሰብ ዚኸውን ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ!

ማርቆስ ዝገበሮ ጕዕዞ

ብዛዕባ እቲ ማርቆስ ዝኸዶ ቦታታት ከተንብብ ከለኻ፡ ብዙሕ ከም እተጓዕዘ ኽትፈልጥ ኢኻ። ፈለማ ኻብ የሩሳሌም ተበጊሱ ናብ ኣንጾክያ ኸደ፣ ካብኡ ኸኣ ብመርከብ ናብ ቆጵሮስን ጴርጌን ተጓዕዘ። ድሕሪኡ ናብ ሮሜ ኸደ። ካብኡ ጳውሎስ ናብ ቈሎሴ ኺልእኮ ደለየ። ኰይኑ ግን፡ ጕዕዞ ማርቆስ በዚ ኣይተዛዘመን።

ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብታ ኣብ ከባቢ 62 ክሳዕ 64 ድ.ክ. ዝጸሓፋ ናይ መጀመርታ መልእኽቱ፡ “ኣብ ባቢሎን ዘላ ማሕበርን ማርቆስ ወደይን ሰላም ይብሉኹም አለዉ” በለ። (1 ጴጥ. 5:13) ስለዚ፡ ማርቆስ ነቲ ቕድሚ ነዊሕ ዓመታት ኣብ እንዳ ኣዲኡ ዚእከብ ዝነበረ ሃዋርያ ንምግልጋል፡ ናብ ባቢሎን ተጓዒዙ ነይሩ እዩ።

ጳውሎስ ብ65 ድ.ክ. ኣብ ሮሜ ንኻልኣይ ሳዕ ኣብ እተኣስረሉ እዋን፡ ጢሞቴዎስ ካብ ኤፌሶን ናብኡ ኺመጽእ ኪጽሕፈሉ ኸሎ፡ ‘ንማርቆስ ተማልኣዮ’ በሎ። (2 ጢሞ. 4:11) ስለዚ፡ ማርቆስ ኣብ ኤፌሶን ነይሩ ማለት እዩ። ልክዕ ከምቲ ጳውሎስ ዝሓተቶ፡ ምስ ጢሞቴዎስ ናብ ሮሜ ኸይዱ ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣየጠራጥርን እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዚግበር ጕዕዞ ኣጸጋሚ ኽነሱ፡ ፍቓደኛ ዀይኑ ይጐዓዝ ነበረ።

ካልእ ፍሉይ መሰል

ማርቆስ ብመሪሕነት መንፈስ የሆዋ፡ ንሓንቲ ኻብተን ወንጌላት ናይ ምጽሓፍ ፍሉይ መሰል ረኸበ። እዛ ኻብ ወንጌል ማቴዎስ ቀጺላ እትርከብ መጽሓፍ፡ ንስም ጸሓፊኣ ኣይትጠቅስን እያ፣ ኰይኑ ግን፡ ብመሰረት ያታ፡ ማርቆስ ከም ዝጸሓፋን ነቲ ሓበሬታ ኻብ ጴጥሮስ ከም ዝረኸቦን እዩ ዚንገር። ጴጥሮስ ከኣ ነቲ ማርቆስ ዝመዝገቦ ብምሉኡ ብዓይኑ ርእይዎ እዩ።

ብዛዕባ ወንጌል ማርቆስ ምርምር ዝገበሩ ሰባት፡ ኣይሁድ ንዘይኰኑ ሰባት ከም ዝጸሓፋ እዮም ዚኣምኑ፣ ከመይሲ፡ ንልምድታት ኣይሁድ ዚገልጽ ጠቓሚ ሓሳባት ሂቡ ኣሎ። (ማር. 7:3፣ 14:12፣ 15:42) ብዘይካዚ፡ ነቲ ኣይሁድ ዘይኰኑ ኣንበብቲ ኺርድእዎ ዘይክእሉ ብኣረማይስጢ ዝቐረበ መግለጺታት ተርጒምዎ ኣሎ። (ማር. 3:17፣ 5:41፣ 7:11, 34፣ 15:22, 34) ብዙሕ ቃላት ላቲን ተጠቒሙን ንገሊኡ ቓላት ግሪኽኛ ብላቲን ገይሩ ገሊጽዎን ኣሎ። ሰልዲ ኣይሁድ ብሮማውያን ክንደይ ምዃኑ ድማ ገሊጹ እዩ። (ማር. 12:42) እዚ ነጥብታት እዚ፡ ምስቲ ማርቆስ ነታ ወንጌል ኣብ ሮሜ ዀይኑ ኸም ዝጸሓፋ ዚገልጽ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ያታ ዚሰማማዕ እዩ።

“ንዕዮ ይጠቕመኒ እዩ”

ማርቆስ ኣብ ሮሜ ኸሎ፡ ነታ ወንጌል ጥራይ ኣይኰነን ጽሒፉ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ብዛዕባ ማርቆስ ኪጽሕፈሉ ኸሎ፡ “ተማልኣዮ፡ ምሳኻ ይምጻእ” ኢልዎ ኸም ዝነበረ ትዝክሮ ትኸውን። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ኢልዎ፧ ጳውሎስ፡ “ንዕዮ ይጠቕመኒ እዩ” ኢሉ ምኽንያቱ ገሊጹ ኣሎ።—2 ጢሞ. 4:11

እዛ ብመስርዕ ፍጻመታት ክትርአ ኸላ ማርቆስ እተጠቕሰላ ናይ መወዳእታ ጥቕሲ፡ ብዛዕባኡ ብዙሕ እያ እትገልጽ። ኣብታ ጉባኤ የገልግል ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ከም ሃዋርያ፡ ከም መራሒ፡ ወይ ከኣ ከም ነብዪ ዀይኑ ኣይተጠቕሰን። የግዳስ፡ ንዕዮ ኸም ዚጠቅም ኣገልጋሊ ዀይኑ እዩ ተጠቒሱ ዘሎ። ስለዚ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ቀቅድሚ ሞቱ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ካብ ማርቆስ ብዙሕ ሓገዝ ረኺቡ ኪኸውን ኣለዎ።

እዚ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ዚርከብ ሓጺር ሓበሬታ ብሓንሳእ ኪጠቓለል ከሎ፡ ማርቆስ ነቲ ብስራት ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓለም ናይ ምዝርጋሕ ቅንኣት ዝነበሮን ንኻልኦት ተሓጒሱ ዜገልግልን ሰብኣይ ምንባሩ እዩ ዚሕብር። ብርግጽ እምበኣር፡ ማርቆስ ስለ ዘይተሓለለ፡ ብዙሕ ፍሉይ መሰላት ረኸበ።

ንሕና እውን ከም ማርቆስ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ምዃንና መጠን፡ ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽ ቈራጽነት ከነርኢ ኣሎና። ገሌና ነቲ ብስራት ንምዝርጋሕ፡ ከም ማርቆስ ናብ ካልእ ቦታ ኽንግዕዝ ንኽእል ኢና። ኰይኑ ግን፡ መብዛሕትና ኸምኡ ኽንገብር ስለ ዘይንኽእል፡ ብኻልእ መገዲ ንማርቆስ ክንመስሎ ንኽእል ኢና። ልክዕ ከምቲ ንሱ ንክርስትያን ኣሕዋቱ ንምግልጋል ዝጸዓረ፡ ንሕና እውን ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ንኣምላኽ ኣብ ምግልጋል ዕዉታት ኪዀኑ ግብራዊ ብዝዀነ መገዲ ኽንሕግዞም ፍቓደኛታት ንኹን። ከምኡ እንተ ጌርና ድማ፡ በረኸት የሆዋ ኽንረክብ ኢና።—ምሳ. 3:27፣ 10:22፣ ገላ. 6:2

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ግዜ ማርቆስ ዝነበሩ ሰባት፡ ብእብራይስጢ ዀነ ብኻልእ ቋንቋ ኻልኣይ ስም ኪሕዙ ልሙድ እዩ ነይሩ። ናይ ማርቆስ ኣይሁዳዊ ስሙ ዮሃናን ዚብል ኰይኑ፡ ብትግርኛ ዮሃንስ ማለት እዩ። ብላቲን ድማ ማርኩስ ወይ ከኣ ማርቆስ እዩ።—ግብ. 12:25

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ካርታ/ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ገለ ኻብተን ማርቆስ ዝበጽሐን ከተማታት

ሮሜ

ኤፌሶን

ቈሎሴ

ጴርጌ

ኣንጾክያ (ናይ ሶርያ)

ቆጵሮስ

ባሕሪ መዲተራነያን

የሩሳሌም

ባቢሎን