ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሞገስ ኣምላኽ ከየጥፋእካ፡ ንዜጓንፈካ ለውጥታት ምኽኣሉ

ሞገስ ኣምላኽ ከየጥፋእካ፡ ንዜጓንፈካ ለውጥታት ምኽኣሉ

ሞገስ ኣምላኽ ከየጥፋእካ፡ ንዜጓንፈካ ለውጥታት ምኽኣሉ

ኣብ ህይወትካ ለውጥታት የጋጥመካዶ ኣሎ፧ ነዚ ለውጥታት እዚኸ ምቕባሉ ይኸብደካዶ ኣሎ፧ መብዛሕትና ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኣሕሊፍና ኢና፡ ወይ ብሕጂ ኸነሕልፍ ኢና። ገሊኦም ጥንቲ ዝነበሩ ናይ ሓቂ ኣብነታት፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ጠቓሚ ኪኸውን ዚኽእል ባህርያት ንኸነለሊ ኺሕግዙና ይኽእሉ እዮም።

ንኣብነት፡ ንዳዊትን ነቲ ኣብ ህይወቱ ዘጋጠሞ ሓያሎ ለውጥታትን እስከ ንርአ። ኣብ መጻኢ ንጉስ ንኪኸውን ኢሉ ሳሙኤል ኪቐብኦ ኸሎ፡ ገና ንእሽቶ ጓሳ እዩ ነይሩ። ብግዜ ንእስነቱ ኸኣ፡ ነቲ ጐልያድ ዝስሙ ዓርሞሸሽ ፍልስጥኤማዊ ኺገጥመሉ ፍቓደኛ ዀነ። (1 ሳሙ. 17:26-32, 42) ገና መንእሰይ ከሎ፡ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ንጉስ ሳኦል ንኺነብር ጻውዒት ቀረበሉ፡ ሓለቓ ሰራዊት እውን ኰነ። ዳዊት ነዚ ዅሉ ኣብ ህይወቱ ዘጋጠሞ ለውጥታት ኪግምቶ ኣይከኣለን ነይሩ፣ ነቲ ብድሕሪኡ ዜጋጥሞ እውን ኪግምቶ ኣይክእልን እዩ ነይሩ።

ድሕርዚ፡ ዳዊት ምስ ሳኦል ዝነበሮ ርክብ ኣመና ሓርፈፈ። (1 ሳሙ. 18:8, 9፣ 19:9, 10) ህይወቱ ምእንቲ ኼድሕን ኢሉ፡ ንእተወሰነ ዓመታት እናሃደመ ኺነብር ነይርዎ። ንጉስ እስራኤል ኰይኑ ምስ ነገሰ እውን ከይተረፈ፡ ብሕልፊ ምስ ዘመወን ነዚ ሓጢኣቱ ንምሽፋን ሰብ ምስ ኣቕተለን፡ ኣብ ህይወቱ ዓብዪ ለውጥታት ኣጋጢምዎ እዩ። ብሰንኪ እቲ ሓጢኣቱ፡ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤቱ ኽፉእ ነገራት ኣጋጠሞ። ሓደ ኻብቲ ዘጋጠሞ ነገራት፡ ወዱ ኣቤሴሎም ዝገበሮ ዕልዋ እዩ። (2 ሳሙ. 12:10-12፣ 15:1-14) ኰይኑ ግን፡ ዳዊት ካብቲ ብምዝማውን ሰብ ብምቕታልን ዝፈጸሞ ሓጢኣት ምስ ተነስሐ፡ የሆዋ ይቕረታ ገበረሉ፡ ከም ብሓድሽ ድማ ሞገስ ኣምላኽ ረኸበ።

ንዓኻ እውን ኣብ ህይወትካ ለውጥታት ኬጋጥመካ ይኽእል እዩ። ስእነት ጥዕና፡ ቍጠባዊ ጸገማት፡ ጸገማት ስድራ ቤት፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ተግባራትና፡ ኣብ ህይወትና ለውጥታት የምጽእ እዩ። ነዚ ለውጥታት እዚ ምእንቲ ኽንክእሎ፡ እንታይ ባህርያት እዩ ኺሕግዘና ዚኽእል፧

ትሕትና ትሕግዘና

ትሕትና ንምእዛዘ እውን ተጠቓልል እያ። ናይ ሓቂ ትሕትና፡ ንርእስናን ንኻልኦትን ካብቲ ግቡእ ንላዕሊ ኽብ ኣቢልና ኸይንርኢ ተኽእለና። ንባህርያትን ኣሳልጦታትን ካልኦት ስለ ዘይነቋናጽብ፡ እንታይነቶምን ተግባራቶምን ብዝሓሸ ኽንርድኦን ከነማስወሉን ንኽእል። ብዘይካዚ፡ ትሕትና እንተ ኣልያትና፡ ሓደ ነገር ስለምንታይ ከም ዘጋጠመናን ነቲ ነገር ብኸመይ ከም እንኽእሎን ክንርዳእ ንኽእል።

ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ዮናታን ወዲ ሳኦል ጽቡቕ ኣብነት ይዀነና እዩ። ሓደ እዋን፡ ካብ ቍጽጽሩ ወጻኢ ብዝዀነ ነገራት ኵነታቱ ተለወጠ። ሳሙኤል ንሳኦል፡ የሆዋ ነታ መንግስቲ ኸም ዚምንዝዖ ኺነግሮ ኸሎ፡ ዮናታን ንሳኦል ተኪኡ ኸም ዚነግስ ኣይሓበረን። (1 ሳሙ. 15:28፣ 16:1, 12, 13) ኣምላኽ ንዳዊት፡ ዚቕጽል ንጉስ እስራኤል ኪኸውን ኪሓርዮ ኸሎ፡ ንዮናታን ከም ዘይሓረዮ ንጹር ገበረ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ሳኦል ዘይእዙዝ ብምዃኑ፡ ኣብ ዮናታን ኣሉታዊ ጽልዋ ኣምጺኡ እዩ። ዮናታን በቲ ሳኦል ዝገበሮ ተሓታቲ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ንኣቦኡ ተኪኡ ኺነግስ ግን ኣይተሓርየን። (1 ሳሙ. 20:30, 31) እሞኸ እንታይ ገበረ፧ ጽቡቕ ዕድል ስለ ዘምለጦ፡ ንዳዊት ተቐይምዎ ወይ ቀኒኡሉ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ንዳዊት ኣጸቢቑ ዚዓብዮን ብተመክሮ ዚበልጾን እኳ እንተ ነበረ፡ ብተኣማንነት ደገፎ። (1 ሳሙ. 23:16-18) ትሕትናኡ፡ መኖም መለኮታዊ በረኸት ከም ዘለዎ ንኺርዳእ ሓገዘቶ፡ ‘ብዛዕባ ርእሱ ኸኣ ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኣይሓሰበን።’ (ሮሜ 12:3) ነቲ የሆዋ ኻብኡ ዚጽበዮ ነገራት ተረድኦ፣ ነቲ ኣብቲ ጕዳይ ዝገበሮ ውሳነ ድማ ተቐበሎ።

ልክዕ እዩ፡ ብዙሕ ለውጥታት ኬጋጥም ከሎ፡ ኣጸጋሚ ይኸውን እዩ። ኣብ ሓደ እዋን፡ ዮናታን ኣብ መንጎ ኽልተ ዚቐርብዎ ሰባት ተቓቒሩ ነበረ። እቲ ሓደ፡ እቲ ኣብ መጻኢ ንጉስ ኪኸውን ብየሆዋ እተሸመ ዓርኩ ዳዊት እዩ ነይሩ። እቲ ኻልእ ድማ፡ እቲ የሆዋ ዝነዓቖ ግን ከኣ ንጉስ ኰይኑ ዚገዝእ ዝነበረ ኣቦኡ ሳኦል እዩ ነይሩ። ኣብቲ ዅነታት እቲ፡ ዮናታን ሞገስ የሆዋ ኸይስእን ተጠንቂቑ ኺመላለስ ከሎ፡ ስምዒታዊ ውጥረት ኣጋጢምዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንዓና ዜጋጥመና ለውጥታት እውን፡ ጭንቀትን ሻቕሎትን የምጽኣልና ይኸውን። ነቲ የሆዋ ዘለዎ ኣረኣእያ ኽንርዳእ እንተ ፈቲንና ግን፡ ነቲ ለውጥታት ክኢልናዮ እናተመላለስና፡ ንዕኡ ብተኣማንነት ከነገልግሎ ንኽእል ኢና።

ኣገዳስነት ዓቕምኻ ምፍላጥ

ዓቕምኻ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ባህርይ እዚ፡ ካብ ትሕትና ይፍለ እዩ። ሓደ ትሑት ሰብ፡ ብልክዕ ዓቕሙ ዘይፈልጥ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ዳዊት ዓቕሙ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ንጉስ ኪኸውን ብየሆዋ እኳ እንተ ተሓርየ፡ ንሓያሎ ዓመታት ግን ኣብ ዝፋን ኪድይብ ኣይከኣለን። ንግስናኡ እተደናጐየሉ ምኽንያት፡ የሆዋ ኸም ዝገለጸሉ ዚሕብር ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይነንብብን ኢና። እዚ ነገር እዚ ዜበሳጩ ዚመስል እኳ እንተ ዀነ፡ ንዳዊት ግን ኣይረበሾን። ዓቕሙ ይፈልጥ ነበረ፣ እቲ ነቲ ዅነታት ዘፍቀዶ የሆዋ ኸኣ ነቲ ነገር ከም ዚቈጻጸሮ ይርዳእ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ዳዊት ህይወቱ ንኼድሕን ኢሉ እውን ከይተረፈ፡ ንሳኦል ኪቐትል ኣይደለየን፣ ንብጻዩ ኣቢሳይ እውን ከምኡ ኸይገብር ከልከሎ።—1 ሳሙ. 26:6-9

ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ጉባኤና ሓደ ዘይተረድኣና ነገር ወይ ብኣረኣእያና ጽቡቕ ጌርካ ዘይተታሕዘ ጕዳይ ኪህሉ ይኽእል እዩ። እሞኸ ዓቕምና ፈሊጥና፡ የሱስ ርእሲ እታ ጉባኤ ምዃኑን በቶም ኪመርሑ እተሸሙ ኣካል ሽማግለታት ገይሩ ኸም ዚዓይን ንቕበሎ ዲና፧ ሞገስ የሆዋ ምእንቲ ኸይንስእን፡ የሆዋ ባዕሉ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ንኺመርሓና ኽንጽበ ኸም ዘሎና ነስተውዕል ዲና፧ ከምዚ ምግባር ኣጸጋሚ እኳ እንተ ዀነ፡ ዓቕምና ፈሊጥና ብትዕግስቲ ንጽበ ዲና፧—ምሳ. 11:2

ዓቕሊ ኣወንታውያን ንኽንከውን ትሕግዘና

ዓቕሊ እንተ ኣልዩና፡ ልኡማት ንኸውን። ክንጕዳእ ከለና፡ ከይተበሳጨናን ከይተቐየምናን ብትዕግስቲ ንጾሮ። ዓቕሊ ብቐሊሉ እትጥረ ባህርይ ኣይኰነትን። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዓቃላት፡ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም” ይብል። (ማቴ. 5:5) ዓቕሊ ምስ ትሕትናን ዓቕምኻ ምፍላጥን ትተኣሳሰር እያ፣ ከም ሕያውነትን ልእመትን ዝኣመሰላ ባህርያት እውን ትሓቍፍ እያ። ሓደ ዓቃል ሰብ ንኺመሃርን ንኪቕረጽን ፍቓደኛ ስለ ዝዀነ፡ ብመንፈስ ይዓቢ እዩ።

ዓቕሊ ነቲ ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ለውጥታት ንኽንክእሎ ብኸመይ ትሕግዘና፧ ብዙሓት ሰባት ንዝዀነ ይኹን ለውጢ ብኣሉታዊ ዓይኒ ናይ ምርኣይ ዝንባለ ኸም ዘለዎም ኣስተብሂልካ ትኸውን። ከም ሓቂ ግን፡ የሆዋ በቲ ለውጥታት ገይሩ ኼሰልጥነና ይኽእል እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ሙሴ ኣብነት ይዀነና እዩ።

ሙሴ ወዲ 40 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ዚነኣድ ባህርያት ኣጥርዩ ነይሩ እዩ። ንህዝቢ ኣምላኽ ዚሕለቕን ጥቕሚ ርእሱ ዚስውእን ምዃኑ ኣርእዩ ነይሩ እዩ። (እብ. 11:24-26) ኰይኑ ግን፡ ንእስራኤል መሪሑ ኻብ ግብጺ ንኼውጽኦም ካብ የሆዋ ሓላፍነት ቅድሚ ምቕባሉ፡ ንዓቕሉ ዜጽሪ ለውጥታት ኬሕልፍ ነበሮ። ነቲ ኣብ ግብጺ ዝነበሮ ጕሉሕ ቦታ ሓዲጉ፡ ናብ ምድሪ ሚድያን ከይዱ፡ ን40 ዓመት ጓሳ ዀይኑ ኺነብር ነበሮ። እዚኸ እንታይ ኣፍረየሉ፧ ዝሓሸ ሰብ ኪኸውን ከኣለ። (ዘሁ. 12:3) ንመንፈሳዊ ነገራት፡ ቅድሚ ብሕታዊ ጥቕሙ ምስራዕ ተማህረ።

ሓደ ኻብቲ ዓቕሊ ሙሴ እተራእየሉ ኣጋጣሚ፡ የሆዋ ነቶም ዘይእዙዛት ህዝቢ ነጺጉ፡ ንሙሴ ሓያል ህዝቢ ኸም ዚገብሮ ምስ ነገሮ፡ ሙሴ ዝሃቦ ምላሽ እዩ። (ዘሁ. 14:11-20) ሙሴ ነቲ ህዝቢ ለመነሉ። ቀንዲ ዜተሓሳስቦ ጕዳይ፡ ስም ኣምላኽን ድሕንነት ኣሕዋቱን ደኣ እምበር፡ ብሕታዊ ጥቕሙ ዘይምዃኑ ኣብቲ ዘረባኡ ተራእዩ እዩ። ነቲ ህዝቢ ኸም መራሕን ማእከላይን ኰይኑ ዜገልግል፡ ዓቃል ሰብ እዩ ዜድሊ ነይሩ። ሚርያምን ኣሮንን ኣብ ሙሴ እኳ እንተ ኣጕረምረሙ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ብዛዕባ ሙሴ፡ “ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ዓቃል ነበረ” ኢሉ ይነግረና። (ዘሁ. 12:1-3, 9-15) ሙሴ ነቲ ነቐፌታኦም ብዓቕሊ ኽኢልዎ ኪኸውን ኣለዎ። ዓቃል እንተ ዘይከውን ነይሩ ግን፡ እንታይ ምረኸቦም፧

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ መንፈስ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ገሊኦም ሰባት ዓረፈ፡ ንሳቶም ድማ ተነበዩ። እቲ ኣገልጋሊ ሙሴ ዝነበረ እያሱ፡ እዞም እስራኤላውያን እዚኣቶም ዘይግቡእ ነገር ዚገብሩ ዝነበሩ ዀይኑ ተሰምዖ። ሙሴ ግን ነቲ ነገር ብኣረኣእያ የሆዋ ረኣዮ፡ ስልጣኑ ኸይስእን ድማ ኣይተጨነቐን። (ዘሁ. 11:26-29) ሙሴ ዓቃል እንተ ዘይከውን ነይሩ፡ ነዚ ኣብ መሰናድዎ የሆዋ እተገብረ ለውጢ ምተቐበሎዶ፧

ሙሴ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ዓብዪ ስልጣንን ሓላፍነትን ብግቡእ ኪጥቀመሉ ዝኸኣለ፡ ዓቃል ስለ ዝነበረ እዩ። የሆዋ ንሙሴ፡ ናብ ከረን ሆሬብ ኪድይብ ነገሮ። ድሕሪኡ፡ ሙሴ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ደው በለ፣ የሆዋ ድማ ብመልኣኽ ኣቢሉ ተዛረቦ፡ ማእከላይ እቲ ኺዳን ኪኸውን ድማ ሸሞ። ሙሴ ዓቃል ስለ ዝነበረ፡ ነዚ ንስልጣን ዚምልከት ዓብዪ ለውጢ ተቐበሎ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ እውን፡ ሞገስ ኣምላኽ ከም ዚስእን ዚገብሮ ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይገበረን።

ንዓና እውን እንተ ዀነ፡ ዓቕሊ ንዕቤትና ኣዝያ ኣገዳሲት እያ። ኵሎም እቶም ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት፡ ዓቃላት ኪዀኑ ኣለዎም። እዛ ባህርይ እዚኣ፡ ኣብ ህይወትና ለውጢ ኼጋጥመና ኸሎ ከይንዕበ፡ ብዛዕባ እቲ ዅነታት ድማ ግቡእ ኣረኣእያ ንኺህልወና ትሕግዘና እያ። እወ፡ ነቲ ዜጋጥመና ለውጥታት እንህቦ ምላሽ ኣገዳሲ እዩ። እሞኸ ነቲ ለውጥታት ክንቅበሎ ዲና፧ ምምሕያሽ ንኽንገብር ከም ዚሕግዝ ኣጋጣሚ ጌርና ዲና ኽንርእዮ፧ እቲ ዜጋጥመና ለውጥታት፡ ዓቕሊ ንኸነማዕብል ፍሉይ ኣጋጣሚ ኺፈጥረልና ይኽእል እዩ።

ኣብ ህይወትና ብተደጋጋሚ ለውጥታት የጋጥመና እዩ። ሓድሓደ ግዜ ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዜጋጥመና ኣይንርድኦን ንኸውን። ብሕታዊ ጸገማትን ስምዒታዊ ውጥረትን ንመንፈሳዊ ኣመለኻኽታና ኼመዛብሎ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ከም ትሕትናን ዓቕምኻ ምፍላጥን ዓቕልን ዝኣመሰለ ባህርያት፡ ሞገስ ኣምላኽ ከየጥፋእና ነቲ ለውጥታት ንኽንቅበሎ ይሕግዘና እዩ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ሓቂ ትሕትና፡ ንርእስና ኻብቲ ግቡእ ንላዕሊ ኽብ ኣቢልና ኸይንርኢ ተኽእለና

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ዓቕሊ ንዕቤትና ኣዝያ ኣገዳሲት እያ

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ሙሴ ንዓቕሉ ዜጽሪ ብድሆታት ኬሕልፍ ነበሮ