ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብዚ ጽንኩር እዋን “ንጽህና ልቢ” ይሃሉኻ

ኣብዚ ጽንኩር እዋን “ንጽህና ልቢ” ይሃሉኻ

ኣብዚ ጽንኩር እዋን “ንጽህና ልቢ” ይሃሉኻ

ቪቶርዮ መሶሪ ዚበሃል ጋዜጠኛ ካቶሊክ፡ ላ ስታምፓ ኣብ እትበሃል ጋዜጣ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ቐረባ እዋናት ኣብ ቤተ-ክርስትያን ኢጣልያ ዘጋጠመ ጾታዊ ንውርምና ኣመልኪቱ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣብዛ ሎሚ ዘላ ቤተ-ክርስትያን ንጽህናኻ ምሕላው ሽግር ኰይኑ ኸም ዘሎ ዚከሓድ ኣይኰነን” በለ። ወሲኹ ድማ፡ “እዚ ጸገም እዚ፡ ነቲ ኻህናት ካብ መርዓ ኪኽልከሉ ዚእዝዝ ሕጊ ብምፍራስ እውን ኪፍታሕ ኣይክእልን እዩ፣ ከመይሲ፡ ናይዚ ጕዳይ እዚ 80 ሚእታዊት ነቶም ንሰብኡትን ንሕጻናትን ብምንዋር ዘይንቡር ጾታዊ ርክብ ዚፍጽሙ ኻህናት ዝሓቘፈ እዩ” በለ።

እከይ ምብዛሑ፡ ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” እዚ ስርዓት እዚ ንነብር ከም ዘለና ዜረጋግጽ ምልክት ምዃኑ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (2 ጢሞ. 3:1-5) ጸብጻብ ማዕከናት ዜና ኸም ዚሕብሮ፡ ስነ-ምግባራዊ ውድቀት ኣብ ሰባት ብሓፈሻ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብቶም ንርእሶም ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ገይሮም ዚርእዩ ሰባት እውን ኣሉታዊ ጽልዋ የሕድር ኣሎ። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ብልሹውን ርኹስን ልቢ ስለ ዘለዎም፡ ጽዩፍ ተግባራት ይገብሩ እዮም። (ኤፌ. 2:2) የሱስ፡ “ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ምንዝር፡ ስርቂ፡ ምስክር ሓሶት፡ ጸርፊ ይወጽእ እዩ” ኢሉ ኼጠንቅቕ እምበኣር ሓቁ እዩ። (ማቴ. 15:19) የሆዋ ኣምላኽ፡ ኣገልገልቱ፡ “ንጽህና ልቢ” ኺፈትዉ እዩ ዚደልዮም። (ምሳ. 22:11) እሞኸ ሓደ ክርስትያን ኣብዚ ጽንኩር እዋናት ንጽህና ልቢ ኺህልዎ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

“ንጽህና ልቢ” እንታይ ማለት እዩ፧

እታ “ልቢ” እትብል ቃል፡ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብምሳልያዊ መገዲ እያ እትጥቀስ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ከም ዝገለጾ፡ እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ንልቢ እተመልክት ቃል፡ “ንውሽጣዊ እንታይነት ሓደ ሰብ” እያ እተመልክት፣ ብዘይካዚ፡ ነቲ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎን ሃይማኖታዊ ህይወት እተሰረተሉን ስነ-ምግባራዊ ኣካይዳ ዚምንጭወሉን ማእከል” እውን ተጠቓልል እያ። ልብና ንውሽጣዊ እንታይነትና እዩ ዚውክል። እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ መወከሲ ጽሑፍ ከም ዜጕልሖ፡ የሆዋ ዚምርምሮን ኣኽቢሩ ዚርእዮን ነዚ እዩ።—1 ጴጥ. 3:4

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እተን “ንጹህ”ን “ጽሩይ”ን ዚብላ ቓላት፡ ብኣካላዊ መዳይ ጽሩይ ንዝዀነ ነገር ኬመልክታ ይኽእላ እየን። ኰይኑ ግን፡ ብስነ-ምግባራውን ብሃይማኖታውን መዳይ ንዘይተበከለ፡ ማለት ንዘይረስሐን ንዘይተበላሸወን ነገራት እውን የመልክታ እየን። የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ፡ “ጽሩያት ልቢ፡ . . . ብጹኣን እዮም” በለ። ከምዚ ኺብል ከሎ፡ ነቶም ውሽጦም ንጹሃት ዝዀኑ እዩ ዜመልክት ነይሩ። (ማቴ. 5:8) ፍቕሮምን ባህጎምን ድራኸኦምን ንጹህ እዩ። ንየሆዋ ፍቕርን ሞሳን ስለ ዘለዎም፡ ብምሉእ ልቦምን ብቕንዕናን የፍቅርዎ እዮም። (ሉቃ. 10:27) ከምዚ ዓይነት ንጽህና ኺህልወካ ደይኰንካን እትደሊ፧

‘ንጹህ ልቢ’ ሒዝካ ምቕጻል ዘለዎ ብድሆ

ሓደ ኣገልጋሊ የሆዋ፡ “ንጹህ ዝኣእዳዉ” ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ንጹህ ዝልቡ” እውን ኪኸውን ኣለዎ። (መዝ. 24:3, 4) ሎሚ ግን ‘ንጹህ ልቢ’ ሒዝካ ምቕጻል፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ። ሰይጣንን እዛ ብእኡ እትግዛእ ዓለምን እቲ ዘይፍጹም ስጋናን ካብ የሆዋ ምእንቲ ኼርሕቑና ሓያል ጸቕጢ የውርዱልና እዮም። ነዚ ጸቕጢ እዚ ንኽንዋጽኣሉ፡ “ንጽህና ልቢ” ኺህልወናን ኣጽኒዕና ኽንሕዞን ኣሎና። ከምዚ እንተ ጌርና፡ ዕቝባ ኽንረክብን ኣዕሩኽ ኣምላኽ ክንከውንን ኢና። ንጹህ ልቢ ዓቂብና ኽንቅጽል እንኽእል ግን ብኸመይ ኢና፧

ኣብ እብራውያን 3:12፡ “ምናልባሽ ኣብ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ህያው ኣምላኽ ዜርሕቕ እኩይ ዘይአምን ልቢ ኸይህሉ፡ ተጠንቀቑ” ዚብል ምኽሪ ተዋሂቡና ኣሎ። “ዘይአምን ልቢ” እንተ ኣማዕቢልና፡ ‘ንጹህ ልቢ’ ሒዝና ኽንቅጽል ኣይንኽእልን ኢና። ሰይጣን ድያብሎስ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎና እምነት ንምድኻም፡ እንታይ ዓይነት ሓሳባት እዩ ዚነዝሕ፧ ክልሰ-ሓሳብ ፍልቀት፡ ከከም ሰቡ ዚቀያየር ስነ-ምግባራውን ሃይማኖታውን መለክዒታት፡ ከምኡውን ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚለዓል ጥርጣረታት ይጥቀም እዩ። ብኸምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ኣተሓሳስባ ኽንጽሎ የብልናን። (ቈሎ. 2:8) ነዚ መጥቃዕትታት እዚ ንኽንምክቶ ዚሕግዘና ቐንዲ መከላኸሊ፡ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ዓሚቝ ምስትንታንን እዩ። ቅኑዕ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ፡ ነቲ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕርን ነቲ ንነገራት ዚሕዘሉ መገዲ ዘሎና ምርዳእን የደልድሎ እዩ። ንናይ ሓሶት ኣተሓሳስባ ምእንቲ ኽንነጽጎን ነቲ ንጹህ ልቢ ሒዝና ንኽንቅጽል ዜኽእለና ኣብ የሆዋ ዘሎና እምነት ምእንቲ ኸነደልድሎን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቕርን ምርዳእን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።—1 ጢሞ. 1:3-5

ምስ ስጋዊ ባህግታት ክትቃለስ ከለኻ

‘ንጹህ ልቢ’ ሒዝና ኽንቅጽል ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ኺብድሃና ዚኽእል ካልእ ነገር፡ ንስጋዊ ነገራት ዘሎና ባህጊ እዩ። (1 ዮሃ. 2:15, 16) ሓደ ክርስትያን፡ ፍቕሪ ገንዘብ እንተ ኣለዎ ወይ ከኣ ሃብትን ስጋዊ ነገራትን ንምድላብ ባህጊ እንተ ኣሕዲሩ፡ ልቡ ኺበላሾን ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚጻረር ነገራት ኪፍጽምን ይኽእል እዩ። ገሊኦም ኣብ ስራሖም ዘይእሙናት ኰይኖም፡ ንኻልኦት ኣታሊሎም፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ዘይናቶም ገንዘብ ወይ ንብረት ሰሪቖም እዮም።—1 ጢሞ. 6:9, 10

በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ ንየሆዋ ኸይነጕህዮ ንጥንቀቕ፡ ፍትሒ ንፈቱ፡ ንጹህ ሕልና ኺህልወና ኸኣ ቈራጽነት ንገብር እንተ ዄንና፡ “ንጽህና ልቢ” ኸም እነፍቅር ከነርኢ ንኽእል ኢና። እዚ ፍቕሪ እዚ፡ ብዅሉ ደግነት [“ሓቀኛነት፡” NW] ክንነብር” ኪድርኸና እዩ። (እብ. 13:18) ሓቀኛታት ምዃንና ጽቡቕ ምስክርነት ኪህብ ይኽእል እዩ። ኤሚልዮ ዚበሃል ኣብ ሓደ ትካል ህዝባዊ መጓዓዝያ መራሕ መኪና ዀይኑ ዚዓዪ ኢጣልያዊ ናይ የሆዋ ምስክር፡ 470 ዩሮ (680 ዶላር ኣመሪካ) ዝሓዘት ቦርሳ ምስ ረኸበ፡ ንኣስራሒኡ ሃቦ፣ እቲ ኣስራሒኡ ኸኣ ነቲ ዝጠፍኣቶ ሰብ መለሰሉ። እቶም መሳርሕቱ በቲ ኤሚልዮ ዝገበሮ ነገር ተገረሙ፣ ገሊኦም ከኣ በቲ ዘርኣዮ ጠባይ ኣዝዮም ስለ እተተንከፉ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ኣሕደሩ፡ መጽናዕቲ እውን ጀመሩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ኣባላት ክልተ ስድራ ቤታት ዝዀኑ ሸውዓተ ሰባት፡ ሓቂ ተቐበሉ። እወ፡ ካብ ንጹህ ልቢ ተበጊስካ ብሓቀኛነት ምምልላስ፡ ካልኦት ንኣምላኽ ንኺውድስዎ ኺድርኾም ይኽእል እዩ።—ቲቶ. 2:10

ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዘሎ ቔናንን ርኹስን ኣረኣእያ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ንጹህ ልቢ ኺህልዎ ዚጽዕር ክርስትያን ኣሉታዊ ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ። ብዙሓት ሰባት ነቲ ቕድሚ ሓዳር ወይ ካብ ሓዳር ወጻኢ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ኰነ ንግብረ-ሶዶም ከም ንቡር ገይሮም ዚርእይዎ ምዃኖም፡ ንልቢ ሓደ ክርስትያን ኬበላሽዎ ይኽእል እዩ። ሓደ ጾታዊ ርኽሰት ዝፈጸመ ሰብ፡ ነቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ሓቢኡ ብግብዝና ኽልተ ዓይነት ህይወት ይመርሕ ይኸውን። ከምዚ ምግባር፡ ‘ንጹህ ልቢ’ ኸም ዘሎካ ዜርኢ ኸም ዘይኰነ ንጹር እዩ።

ጋብሪኤል ወዲ 15 ዓመት ከሎ እዩ ተጠሚቑ፣ ብኡንብኡ ኸኣ ፈላሚ ዀነ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ክበብ ለይታዊ ትልሂት ምስ ዘይጥዑያት ኣዕሩኽ ግዜ ኼሕልፍ ጀመረ። (መዝ. 26:4) ዘይስነ-ምግባራውን ግብዝና ዝመልኦን ዓይነት ህይወት ኪነብር ስለ ዝጀመረ፡ ካብ ክርትያናዊት ጉባኤ ተወገደ። እቲ የሆዋ ዝሃቦ ተግሳጽ፡ ኣርዚኑ ኸም ዚሓስብ ገበሮ። ጋብሪኤል ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ነቲ ቕድሚ ሕጂ ኣርዚነ ዘይርእዮ ዝነበርኩ ነገራት ክገብር ጀመርኩ። የሆዋ እንታይ ይብል ከም ዘሎ እናሓሰብኩ መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንበብኩ፡ ንቲኦክራስያዊ ጽሑፋት ድማ ብጥንቃቐ ኣጽናዕኩ። ብሕታዊ መጽናዕቲ ኽሳዕ ክንደይ ዚኽሕስን ዜዕግብን ኪኸውን ከም ዚኽእል፡ ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ልባዊ ጸሎትን ከኣ ክንደይ ዚኣክል ብርታዐ ኺርከብ ከም ዚኽእል ርእየ እየ” በለ። ሳላ እዚ ድማ፡ ነቲ ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራቱ ሓዲጉ፡ እንደገና ምስ የሆዋ ርክብ ኪምስርት ከኣለ።

ሎሚ፡ ጋብሪኤልን ሰበይቱን ፈለምቲ ዀይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ሓደ ሰብ፡ መጽሓፍ ቅዱስን እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዘዳለዎ ጽሑፋትን ምስ ዜጽንዕ፡ ንጹህ ልቢ ኺህልዎን ንዘይስነ-ምግባራዊ ነገራት ኪነጽጎን ከም ዚኽእል፡ ካብቲ ናይ ጋብሪኤል ተመክሮ ኽንመሃር ንኽእል ኢና።—ማቴ. 24:45፣ መዝ. 143:10

ኣብ ትሕቲ ፈተና፡ “ንጽህና ልቢ” ምሕላው

ገሊኦም ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ብሰንኪ ኻብ ተጻረርቲ ዚወርድ ጸቕጢ፡ ቍጠባዊ ጸገም፡ ሕዱር ሕማም ሕልናኦም ዓሪብዎም እዩ። ሓድሓደ ግዜ ድማ፡ ስምዒቶም ብኣሉታዊ ነገራት ይድቈስ እዩ። ንጉስ ዳዊት እውን ከይተረፈ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኣሕሊፉ እዩ፣ “መንፈሰይ ኣብ ውሽጠይ ይደክም፡ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ይስምብድ አሎ” ድማ በለ። (መዝ. 143:4) ነቲ ዅነታት ኪዋጽኣሉ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንዕኡን ንኣገልገልቱን ዝገበረሎም ምድሓን ምስትንታኑ እዩ ጠቒምዎ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ምእንቲ እቲ ዓብዪ ስሙ ኢሉ ዝገበሮ ነገር የስተንትን ነበረ። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ ግብርታት ኣምላኽ ብቐጻሊ ይሓስብ ነይሩ እዩ። (መዝ. 143:5) ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ ብዛዕባ ፈጣሪና ዀነ ብዛዕባ እቲ ዝገበረልናን ሕጂ እውን ዚገብረልና ዘሎን ነገራት ምስትንታንና፡ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

ምስ እንብደል ወይ ከም እተበደልና ዀይኑ ምስ ዚስምዓና፡ ንምረር ንኸውን። ነቲ ዅነታት ብተደጋጋሚ ንሓስበሉ እንተ ዄንና፡ ብዛዕባ ኣሕዋትና ኣሉታዊ ስምዒት ከም እነሕድር ኪገብር ይኽእል እዩ። ብሰንኪ እዚ ድማ፡ ርእስና ንፈሊ፡ ንኻልኦት እውን ብዙሕ ተገዳስነት ኣይነርእዮምን ንኸውን። ይኹን እምበር፡ ከምኡ ምግባርና ምስቲ “ንጽህና ልቢ” ኺህልወና ዘሎና ባህጊ ኣይቃዶን እዩ። ስለዚ፡ “ንጽህና ልቢ” ምህላው ኪበሃል ከሎ፡ ነቲ ምስ ኣሕዋትና ዘሎና ርክብ እውን ዜጠቓልል እዩ።

ናይ ሓቂ ክርስትያናት “ንጽህና ልቢ” ስለ እነፍቅር፡ ኣብዛ ብስነ-ምግባር ዝያዳ እናተበላሸወት እትኸይድ ዘላ ዓለም፡ ፍሉያት ኴንና ኢና እንርአ። ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባር ውሽጣዊ ሰላም ስለ እንረክብ፡ ዝሓሸ ህይወት ይህልወና። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ምስቲ “ንጹህ ልቢ” ንዘለዎም ሰባት ዚፈቱ ፈጣሪና የሆዋ ኣምላኽ ናይ ቀረባ ዕርክነት ንምስርት። (መዝ. 73:1) እወ፡ ካብ መንጎ እቶም ሕጉሳት ከም ዚዀኑ እተነግረሎም ሰባት ክንከውን ንኽእል ኢና፣ ከመይሲ፡ ከምቲ የሱስ እተመባጽዖ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣምላኽ ነቶም “ንጽህና ልቢ” ዜፍቅሩ ሰባት ኬድሕኖም ከሎ ኺርእዩ እዮም።—ማቴ. 5:8