ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ጻድቃን ከም ጸሓይ ኪበርሁ እዮም’

‘ጻድቃን ከም ጸሓይ ኪበርሁ እዮም’

‘ጻድቃን ከም ጸሓይ ኪበርሁ እዮም’

“ሽዑ ጻድቃን ኣብታ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ጸሓይ ኪበርሁ እዮም።” —ማቴ. 13:43

1. የሱስ እንታይ እተፈላለየ መዳያት መንግስቲ ኣምላኽ ንምጕላሕ እዩ ምሳሌታት እተጠቕመ፧

 የሱስ ክርስቶስ ንእተፈላለየ መዳያት መንግስቲ ኣምላኽ ንምግላጽ፡ ሓያሎ ምሳሌታት ወይ ምሳልያዊ ዛንታታት ተጠቒሙ እዩ። “ነቶም እኩባት ህዝቢ . . . ብምስላ ተዛረቦም እምበር፡ ብዘይ ምስላስ ኣይተዛረቦምን።” (ማቴ. 13:34) ኣብቲ ዘርኢ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ምዝራእ እተዛረቦ ምሳሌ፡ ልቢ ሰብ ነቲ መልእኽቲ ኣብ ምቕባል ዘለዎ ግደን ነቲ የሆዋ ኣብቲ መንፈሳዊ ዕቤት ዚጻወቶ ተራን ኣጕሊሑ እዩ። (ማር. 4:3-9, 26-29) ዕቤት ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ወትሩ ኣብ ፈለማ ዘይርአ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ዕቤት ዜደንቕ ከም ዚኸውን እውን ብምሳሌ ገሊጹ እዩ። (ማቴ. 13:31-33) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምላሽ ዚህቡ ዘበሉ ዅሎም፡ ብቑዓት ተገዛእቲ እታ መንግስቲ ኸም ዘይኰኑ ኣጕሊሑ እዩ።—ማቴ. 13:47-50 a

2. ኣብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌ እቲ ስርናይን ክርዳድን፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ንምንታይ የመልክት፧

2 ይኹን እምበር፡ ሓደ ኻብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌታት፡ ኣብ ምእካብ እቶም ምስ የሱስ ኣብ መንግስቱ ዚገዝኡ ሰባት ዜተኵር እዩ። እዚ ምሳሌ እዚ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምሳሌ እቲ ስርናይን ክርዳድን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ኰይኑ፡ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 13 ተመዝጊቡ ይርከብ። የሱስ ኣብ ካልእ ምሳሌ፡ እቲ ዚዝራእ ዘርኢ፡ “ቃል መንግስቲ” ኸም ዝዀነ እኳ እንተ ገለጸ፡ ኣብዚ ምሳሌ እዚ ግን እቲ ጽቡቕ ዘርኢ “ደቂ መንግስቲ” ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። (ማቴ. 13:19, 38) እዚ ቓላት እዚ፡ ንተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ን“ደቂ” ወይ ንወረስቲ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ዜመልክት።—ሮሜ 8:14-17፣ ገላትያ 4:6, 7 ኣንብብ።

ምሳሌ እቲ ስርናይን ክርዳድን

3. ኣብቲ ምሳሌ ተጠቒሱ ዘሎ ሰብ ዘጋጠሞ ጸገምን ነቲ ጸገም ብኸመይ ኪዋጽኣሉ ኸም ዝወሰነን ግለጽ።

3 እቲ ምሳሌ ኸምዚ ዚስዕብ ይንበብ፦ “መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራቱ ጸቡቕ ዘርኢ ዝዘርኤ ሰብ እያ እትመስል። እቶም ሰብ ደቂሶም ከለዉ፡ ጸላኢኡ መጸ፡ ኣብቲ ማእከል ስርናይ ድማ ክርዳድ ዘሪኡ ኸደ። ቈጽሉ ምስ ፈርዔን ፍረ ምስ ፈረየን ድማ፡ ሽዑ እቲ ኽርዳድ ተራእየ። ነቲ ብዓል ቤት ግዙኣቱ መጺኦም፤ ጐይታይ፡ ኣብ ግራትካስ ጽቡቕ ዘርኢዶ ዘሪእካ ኣይነበርካን፧ እዚ ኽርዳድ ደኣ ኻበይ መጸ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፤ ነዝስ ጸላኢ እዩ ዝገበሮ፡ በሎም። እቶም ግዙኣቱ ድማ፤ ኬድና ኽንአርዮዶ ትፈቱ ኢኻ፧ በልዎ። ንሱ በሎም፤ ኣይፋልኩምን፡ ክርዳድ ክትአርዩ ኸሎኹምሲ፡ ምስኡ ስርናይ ከይትምሕዉ። ክሳዕ ቀውዒ ብሓደ ይዕበዩ ሕደግዎም። ብጊዜ ቐውዒ ኸኣ ንዓጻዶ፤ ቅድም ነቲ ኽርዳድ፡ እረይዎ፡ ኪነድድ ድማ በብንዳእቲ እሰርዎ፡ ነቲ ስርናይ ግና ኣብ ቆፎይ አክብዎ፡ ክብሎም እየ።”—ማቴ. 13:24-30

4. (ሀ) እቲ ኣብቲ ምሳሌ ተጠቒሱ ዘሎ ሰብ መን እዩ፧ (ለ) የሱስ ነቲ ዘርኢ መዓስን ብኸመይን እዩ ኺዘርኦ ጀሚሩ፧

4 እቲ ኣብ ግራቱ ጽቡቕ ዘርኢ ዝዘርአ ሰብ መን እዩ፧ የሱስ ጸኒሑ ንደቀ መዛሙርቱ ኺገልጸሎም ከሎ፡ “እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ዚዘርእ፡ ወዲ ሰብ እዩ” በሎም። (ማቴ. 13:37) እቲ “ወዲ ሰብ” ዚበሃል የሱስ፡ ኣብቲ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ዘሕለፎ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን፡ ነታ ግራት ንዘርኢ ኣዳለዋ። (ማቴ. 8:20፣ 25:31፣ 26:64) ድሕሪኡ፡ ካብ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ንደሓር፡ ነቲ ጽቡቕ ዘርኢ፡ ማለት ነቶም “ደቂ መንግስቲ” ኺዘርእ ጀመረ። እምበኣር፡ እቲ ወኪል የሆዋ ዝዀነ የሱስ ኣብ ልዕሊ እቶም ደቀ መዛሙርቲ መንፈስ ቅዱስ ኬፍስስን ብእኡ ኣቢሉ ድማ ደቂ ኣምላኽ ኪዀኑ ኪቐብኦምን ምስ ጀመረ እዩ፡ እቲ ዘርኢ ኺዝራእ ተጀሚሩ ኪኸውን ዘለዎ። b (ግብ. 2:33) እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ዓበየን ፈረየን። ስለዚ፡ እዚ ጽቡቕ ዘርኢ እተዘርኣሉ ዕላማ፡ ንዅሎም እቶም ንየሱስ ኣብ መንግስቱ መዋርስቱን መጋዝእቱን ዚዀኑ ሰባት ንምእካብ እዩ ነይሩ።

5. እቲ ኣብቲ ምሳሌ ተጠቒሱ ዘሎ ጸላኢ መን እዩ፧ እቲ ኽርዳድከ ንመን የመልክት፧

5 እቲ ጸላኢ መን እዩ፧ እቲ ኽርዳድከ ንመን የመልክት፧ እቲ ጸላኢ፡ “ድያብሎስ” ከም ዝዀነ፡ የሱስ ገሊጹልና ኣሎ። እቲ ኽርዳድ ከኣ፡ “ደቂ እቲ ኽፉእ” ተባሂሉ ኣሎ። (ማቴ. 13:25, 38, 39) እቲ የሱስ ኣብዚ ጠቒስዎ ዘሎ ኽርዳድ፡ ቅድሚ ምፍራዩ ንስርናይ ዚመስል መርዛም ዓይነት ክርዳድ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ ነቶም ደቂ ኣምላኽ ኢና እናበሉ ናይ ሓቂ ፍረ ዘይፈርዩ ናይ ሓሶት ክርስትያናት ዚበቅዕ ተምሳል እዩ። እዞም ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ምዃኖም ዚዛረቡ ግቡዛት ክርስትያናት፡ ከም ሓቂ፡ ክፍሊ “ዘርኢ” ሰይጣን ድያብሎስ እዮም።—ዘፍ. 3:15

6. እቲ ኽርዳድ መዓስ እዩ ኪቕልቀል ጀሚሩ፧ ሽዑ እቶም ሰብ “ደቂሶም” ዝነበሩኸ ብኸመይ እዮም፧

6 እቶም ብኽርዳድ እተመሰሉ ክርስትያናት መዓስ እዮም ተቐልቂሎም፧ የሱስ፡ እቲ ኽርዳድ፡ “እቶም ሰብ ደቂሶም ከለዉ” ኸም እተዘርአ ገሊጹ ኣሎ። (ማቴ. 13:25) እዚ መዓስ እዩ ዀይኑ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሽማግለታት ኤፌሶን፡ “ኣነ ምስ ኣግለስኩ፡ ነቲ መጓሰ ዘይንሕፉ እኩያት ተዃሉ ኸም ዚአትዉኹም፡ እፈልጥ አሎኹ። ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ፡ ቄናን ነገር ዚምህሩ ኻባኻትኩም ኪትንስኡ እዮም” ኢሉ እተዛረቦም ቃላት ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። (ግብ. 20:29, 30) ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ጳውሎስ ነቶም ሽማግለታት ብመንፈስ ኪነቕሑ መዓዶም። እቶም ንኽሕደት ከም ‘መኸልከሊ’ ዀይኖም ዝነበሩ ሃዋርያት፡ ብሞት ምስ ደቀሱ፡ ብዙሓት ክርስትያናት ብመንፈስ ደቂሶም እዮም። (2 ተሰሎንቄ 2:3, 6-8 ኣንብብ።) እቲ ዓብዪ ኽሕደት ከኣ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ እዩ ጀሚሩ።

7. ገለ ኻብቲ ስርናይ ድዩ ናብ ክርዳድ ተቐዪሩ፧ ግለጽ።

7 የሱስ፡ እቲ ስርናይ ናብ ክርዳድ ከም ዚቕየር ዘይኰነስ፡ እቲ ኽርዳድ ኣብ መንጎ እቲ ስርናይ ከም ዚዝራእ እዩ ተዛሪቡ። ስለዚ፡ እዚ ምሳሌ እዚ ነቶም ካብ ሓቂ ዚወድቁ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዚገልጽ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ነቲ ሰይጣን ንእኩያት ሰባት ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንኼእቱ ደይ መደይ ኢሉ ዚገብሮ ጻዕሪ ዜጕልሕ እዩ። እቲ ናይ መወዳእታ ሃዋርያ ዝዀነ ዮሃንስ ኣሪጉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እዚ ኽሕደት እዚ ተጋሂዱ ነይሩ እዩ።—2 ጴጥ. 2:1-3፣ 1 ዮሃ. 2:18

“ክሳዕ ቀውዒ ብሓደ ይዕበዩ ሕደግዎም”

8, 9. (ሀ) እቶም ንየሱስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት፡ ነቲ እቲ ጐይታ ንግዙኣቱ ዝሃቦ መምርሒ ኺርድእዎ ዚኽእሉ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) እቲ ስርናይን ክርዳድን ብኸመይ እዩ ብሓደ ዓብዩ፧

8 እቶም ግዙኣት ናብ ጐይታኦም ከይዶም ብዛዕባ እቲ ጸገም ድሕሪ ምንጋር፡ “[ነቲ ኽርዳድ] ኬድና ኽንአርዮዶ ትፈቱ ኢኻ፧” በልዎ። (ማቴ. 13:27, 28) እቲ ዝሃቦም መልሲ ዜገርም ኪመስል ይኽእል እዩ። ክሳዕ ግዜ ቐውዒ፡ እቲ ስርናይን ክርዳድን ብሓደ ኺዓቢ ኺሓድግዎ ነገሮም። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነዚ ትእዛዝ እዚ ኺርድእዎ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ስርናይን ክርዳድን ምፍልላይ ኣጸጋሚ ምዃኑ ይፈልጥዎ ነይሮም እዮም። ኣብ ሕርሻ ተመክሮ ዘለዎም ሰባት እውን፡ ሰራውር ክርዳድ ምስ ሰራውር ስርናይ ከም ዚጠናነግ ይፈልጡ እዮም። c እቲ ጐይታ፡ ክሳዕ ቀውዒ ኺጽበዩ መምርሒ ምሃቡ እምበኣር ሓቁ እዩ!

9 ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓያሎ ዘመናት፡ እተፈላለያ ሃይማኖታት ህዝበ-ክርስትያን—ፈለማ ናይ ሮማ ካቶሊክን ኣብያተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስን፡ ጸኒሐን ከኣ ሓያሎ ጕጅለታት ፕሮተስታንት—ብዙሕ ክርዳድ ኣፍርየን እየን። እዚ ኪኸውን ከሎ፡ ኣብታ ብግራት ተመሲላ ዘላ ዓለም፡ ሒደት ዘርኢ ናይ ሓቂ ስርናይ ተዘሪኡ እዩ። እቲ ኣብታ ምሳሌ ተጠቒሱ ዘሎ ብዓል ቤት፡ ክሳዕ እቲ ብተዛማዲ ዝሓጸረ ግዜ ቐውዒ ዚኣክል፡ ኣብቲ እቲ ዘርኢ ዚዓብየሉ ነዊሕ እዋን ብትዕግስቲ ተጸብዩ እዩ።

እቲ ነዊሕ ትጽቢት እተገብረሉ ግዜ ቐውዒ

10, 11. (ሀ) ግዜ ቐውዒ መዓስ እዩ፧ (ለ) እቲ ምሳልያዊ ስርናይ ከመይ ኢሉ እዩ ናብ ቆፎ የሆዋ ዚኣቱ ዘሎ፧

10 የሱስ፡ “እቲ ቐውዒ ድማ መወዳእታ ዓለም [“መደምደምታ ስርዓት፡” NW] እዩ፡ እቶም ዓጻዶ ኸኣ መላእኽቲ እዮም” በለ። (ማቴ. 13:39) ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት እዚ እኩይ ስርዓት እዚ፡ ደቂ መንግስቲ ኣምላኽ ተኣኪቦም እዮም፡ ካብቶም ብኽርዳድ እተመሰሉ እውን ተፈልዮም እዮም። ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ፡ “እቲ ፍርዲ ኣብ ቤት ኣምላኽ ዚጅምረሉ ጊዜ መጺኡ እዩ እሞ፡ ቅድም ኣባና ኻብ ዚጅምርሲ፡ እቶም ንወንጌል ኣምላኽ ዘይእዘዙ ደኣ መወዳእታኦም እንታይ ኪኸውን እዩ፧” ብምባል ይነግረና።—1 ጴጥ. 4:17

11 ዳሕሮት መዓልትታት ወይ “መደምደምታ ስርዓት” ምስ ጀመረ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እቲ ፍርዲ ኣብቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኢና ዚብሉ፡ ማለት ኣብቶም ብሓቂ “ደቂ መንግስቲ” ዘበሉ ዀነ “ደቂ እቲ ኽፉእ” ጀሚሩ እዩ። ኣብ መጀመርታ እቲ ቐውዒ፡ “ቅድም፡” ዓባይ ባቢሎን ወደቐት፣ ድሕሪኡ፡ ደቂ መንግስቲ ኣምላኽ ብሓባር ተኣከቡ። (ማቴ. 13:30) ኰይኑ ግን፡ እቲ ምሳልያዊ ስርናይ ከመይ ኢሉ እዩ ናብ ቆፎ የሆዋ ዚኣቱ ዘሎ፧ እዞም ንስርናይ ዜመልክቱ ሰባት፡ ሓደው ናብታ ሞገስን ዕቝባን ኣምላኽ ዚረኽቡላ ኸም ብሓድሽ ዝቘመት ክርስትያናዊት ጉባኤ ብምእካብ፡ ወይ ሰማያዊ ዓስቦም ብምርካብ እዮም ናብቲ ቖፎ ዚኣትዉ ዘለዉ።

12. እቲ ቐውዒ ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ እዩ ዚቕጽል፧

12 እቲ ፍርዲ ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ እዩ ዚቕጽል፧ የሱስ ን“ጊዜ” ቐውዒ ስለ ዝጠቐሰ፡ ንንውሕ ዝበለ እዋን ከም ዚቕጽል እዩ ዜመልክት። (ራእ. 14:15, 16) ኣባላት እቶም ቅቡኣት ብውልቂ ዚፍረዱሉ ፍርዲ፡ ኣብ ብምሉኡ እዚ ግዜ መወዳእታ ይቕጽል እዩ። ናይ መወዳእታ ማሕተም ክሳዕ ዚቕበሉ ኪቕጽል እዩ።—ራእ. 7:1-4

13. እቶም ብኽርዳድ እተመሰሉ መዐንቀፍትን ዓመጽትን ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧

13 ካብታ መንግስቲ ዚእከቡ መን እዮም፧ ንሳቶም መዐንቀፍትን ዓመጽትን ዝዀኑኸ ብኸመይ እዮም፧ (ማቴ. 13:41) እቶም ብኽርዳድ ተመሲሎም ዘለዉ ኣቕሽሽቲ ህዝበ-ክርስትያን፡ ንሓያሎ ዘመናት ሚልዮናት ሰባት ኣስሒቶም እዮም። ብኸም ዘለኣለማዊ መቕጻዕቲ ገሃነም እሳትን ምስጢረ ስላሴን ዝኣመሰለ ንኣምላኽ ዘየኽብር ትምህርትታት ገይሮም እዮም “መዓንቀፍቲ” ዚዀኑ። ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖት በቲ ኸም ዝሙት ዚቝጸር ምስ ዓለም ዘለዎም ዕርክነትን በቲ ኣብ ገሊኡ መዳያት ዝገበርዎ ነውራም ተግባራትን ኣቢሎም፡ ንመጓሰኦም ሕማቕ ኣብነት ኰይኖም እዮም። (ያእ. 4:4) ብዘይካዚ፡ ህዝበ-ክርስትያን ነቲ ኣብ ምእመናና ዚርአ ርኽሰት ዕሽሽ እናበለቶ ትኸይድ ኣላ። (ይሁዳ 4 ኣንብብ።) እዚ ዅሉ እናዀነ ኽነሱ፡ እቶም ብኽርዳድ እተመሰሉ ሰባት፡ ብደጊኦም ሃይማኖተኛታትን ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎምን መሲሎም ይረኣዩ እዮም። ደቂ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ካብቲ እቶም ብኽርዳድ እተመሰሉ ሰባት ዜምጽእዎ መዐንቀፊ ዝዀነ ጽልዋን ብልሹው ትምህርትታትን ምፍላዮም፡ ብሓቂ የሐጕሶም እዩ።

14. እቶም ብኽርዳድ እተመሰሉ ሰባት ብኸመይ እዮም ዚበኽዩን ኣስናኖም ዚሕርቅሙን፧

14 እቶም ብኽርዳድ እተመሰሉ ሰባት ብኸመይ እዮም ዚበኽዩን ኣስናኖም ዚሕርቅሙን፧ (ማቴ. 13:42) “ደቂ መንግስቲ” ነቶም ብመንፈሳዊ መዳይ መርዛማት ዝዀኑ ብኽርዳድ እተመሰሉ ሰባት ስለ ዜቃልዕዎም እዮም፡ “ደቂ እቲ ኽፉእ” ዚሳቐዩ። እቶም ብኽርዳድ እተመሰሉ ሰባት፡ እቲ ኻብ ኣባላት ቤተ-ክርስትያኖም ዚረኽብዎ ደገፍ እናነከየ ብምኻዱን ኣብ ልዕሊ እቶም ምእመናን ዝነበሮም ቍጽጽር ብምጥፋኡን እውን ጓሂኦም ይገልጹ እዮም።—ኢሳይያስ 65:13, 14 ኣንብብ።

15. እቶም ብኽርዳድ እተመሰሉ ሰባት ብሓዊ ዚነዱ ብኸመይ እዮም፧

15 እቲ ኽርዳድ ተኣኪቡ ብሓዊ ዚነድድ ብኸመይ እዩ፧ (ማቴ. 13:40) እዚ ተግባር እዚ፡ ኣብ መወዳእታኡ ነቲ ኽርዳድ ዜጋጥሞ ነገር ይሕብር። እቶም ብኽርዳድ እተመሰሉ ሰባት ብምሳልያዊ መገዲ ናብ እቶን ሓዊ ዚድርበዩ ምዃኖም፡ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ከም ዚጽበዮም የመልክት። (ራእ. 20:14፣ 21:8) እዞም ኣምሰሉታት ዝዀኑ ናይ ሓሶት ክርስትያናት፡ ኣብቲ ዓብዪ “መከራ” ኺጠፍኡ እዮም።—ማቴ. 24:21

“ከም ጸሓይ ኪበርሁ እዮም”

16, 17. ሚልክያስ ብዛዕባ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ እንታይ ኢሉ እዩ ተነብዩ፧ እዚኸ ብኸመይ ኪፍጸም ጀሚሩ፧

16 እቶም ብስርናይ እተመሰሉ ሰባት ‘ከም ጸሓይ ዚበርሁ’ መዓስ እዮም፧ (ማቴ. 13:43) ሚልክያስ ብዛዕባ እታ መቕደስ ኣምላኽ እትጸርየሉ እዋን ከምዚ ኢሉ ተነበየ፦ “ብኡብኡ ኸኣ እቲ እትደልይዎ ጐይታ ናብ መቕደሱ ኺመጽእ እዩ፡ እቲ እትናፍቕዎ መልኣኽ ቃል ኪዳን እንሆ፡ ይመጽእ አሎ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ግናኸ ንሱ ከም ናይ ኰላዒ ሓውን ከም ናይ ሓጻቢ ሳሙናን እዩ እሞ፡ ነታ መዓልቲ ምምጻኡ መን ይጽመማ፧ ንሱ ኺግለጽ ከሎስ፡ መን ይቐውም፧ ንሱ ኸኣ ነቲ ብሩር ኪዅልዕን ኬጽርን ኪቕመጥ እዩ። ንደቂ ሌዊ ኼጽርዮም፡ ከም ወርቅን ብሩርን ከኣ ኪዅልዖም እዩ፡ ንሳቶምውን ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ብጽድቂ ኺስውኡሉ እዮም።”—ሚል. 3:1-3

17 እዚ ትንቢት እዚ፡ ኣብዚ ግዜና ኻብ 1918 ኣትሒዙ ኺፍጸም ጀሚሩ ኪኸውን ኣለዎ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሆዋ ምስቲ “መልኣኽ ቃል ኪዳን” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ብሓባር ኰይኑ፡ ነታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ኪምርምራ መጸ። እቲ ናይ ምንጻህ ዕዮ ምስ ተዛዘመ እንታይ ከም ዚኸውን፡ ሚልክያስ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ይነግረና፦ “ንስኻትኩም ድማ ከም ብሓድሽ ነቲ ኣብ መንጎ ጻድቕን ረሲእን፡ ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዚግዝኦን ዘይግዝኦን ዘሎ ምፍልላይ ክትርእዩ ኢኹም።” (ሚል. 3:18) እቶም ሓድሽ ሓይሊ ዝረኸቡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንጥፈታቶም ምውሳኾም፡ ግዜ ቐውዒ ኸም ዝጀመረ ዚሕብር እዩ።

18. ዳንኤል ኣብዚ ግዜና እንታይ ከም ዚኸውን እዩ እተነበየ፧

18 ነብዪ ዳንኤል ብዛዕባ እዚ ግዜና፡ “እቶም ጠቢባን ከም ምንጽብራቕ ጠፈር፡ እቶም ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዚመርሑ ኸኣ ከም ከዋኽብቲ ንዘለኣለም ኣለም ኪበርሁ እዮም” ኢሉ ተነበየ። (ዳን. 12:3) እቶም ደሚቖም ዚበርሁ መን እዮም፧ ካብቶም ኣብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌ እቲ ስርናይን ክርዳድን ብናይ ሓቂ ስርናይ እተመሰሉ ቕቡኣት ክርስትያናት ሓሊፎም ካልኦት ኪዀኑ ኣይክእሉን እዮም! እቶም እናወሰኹ ዚኸዱ ዘለዉ ኣባጊዕ መሰል ዝዀኑ ብዙሓት ሰብ፡ እቶም ብኽርዳድ እተመሰሉ ናይ ሓሶት ክርስትያናት ‘ካብታ መንግስቲ ተኣኪቦም’ ይወጹ ኸም ዘለዉ ብንጹር ይርእዩ ኣለዉ። እዞም ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪዀኑ ተስፋ ዘለዎም ሰባት ምስቶም ተረፍ መንፈሳውያን እስራኤል ብምልጋቦም፡ ኣብዛ ጸልማት ዝወረሳ ዓለም እዚኣ ብርሃኖም የብርሁ ኣለዉ።—ዘካ. 8:23፣ ማቴ. 5:14-16፣ ፊል. 2:15

19, 20. እቶም “ደቂ መንግስቲ” እንታይ እዮም ብሃንቀውታ ዚጽበዩ ዘለዉ፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽከ ብዛዕባ እንታይ ክንመያየጥ ኢና፧

19 ሎሚ፡ እቶም “ደቂ መንግስቲ” ነቲ ኽቡር ሰማያዊ ዓስቦም ብሃንቀውታ ይጽበዩ ኣለዉ። (ሮሜ 8:18, 19፣ 1 ቈረ. 15:53፣ ፊል. 1:21-24) እቲ ግዜ እቲ ኽሳዕ ዚኣክል ግን፡ ካብቶም “ደቂ እቲ ኽፉእ” እተፈልዩ ዀይኖም፡ ብተኣማንነት ደሚቖም ኪበርሁ ኣለዎም። (ማቴ. 13:38፣ ራእ. 2:10) ኣብዚ ግዜና፡ እቲ ንኽርዳድ ‘ካብታ መንግስቲ ናይ ምእካብ’ ምሳልያዊ ዕዮ ኽንርእዮ ምኽኣልናስ፡ ክሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ!

20 እንተዀነ ግን፡ ኣብ መንጎ እቶም ደቂ መንግስቲ ኣምላኽን ኣብ መንጎ እቶም ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ተስፋ ዘለዎም እናበዝሑ ዚኸዱ ዘለዉ ብዙሓት ሰብን እንታይ ርክብ እዩ ዘሎ፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኽትምልሳ እያ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብዛዕባ እዚ ምሳሌታት ዝርዝር መግለጺ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 15 ሓምለ 2008 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 12-21 ርአ።

b ኣብዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ፡ ምዝራእ ኪበሃል ከሎ፡ ነቲ ጸኒሖም ቅቡኣት ክርስትያናት ዚዀኑ ሓደስቲ ሰባት ንምምጻእ ዜገልግል ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ዜመልክት ኣይኰነን። የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣብታ ግራት ዚዝራእ ጽቡቕ ዘርኢ፡ “ደቂ መንግስቲ ኪዀኑ እዮም” ዘይኰነስ፡ “ደቂ መንግስቲ እዮም” እዩ ዝበለ። እቲ ናይ ምዝራእ ተግባር፡ ነቶም ደቂ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብታ ብግራት እተመሰለት ዓለም ንምቕባእ ዚግበር ተግባር የመልክት።

c ሰራውር ክርዳድ ምስ ሰራውር ስርናይ ኣጸቢቑ ስለ ዚጠናነግ፡ ቅድሚ ቐውዒ ንምምሓዉ ዚግበር ጻዕሪ፡ ንገሊኡ ስርናይ እውን ኪልክም ይኽእል እዩ።—ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ፡ 1ይ ጥራዝ፡ ገጽ 1178 ርአ።

ትዝክሮዶ፧

ኣብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌ እቲ ስርናይን ክርዳድን፡ እዚ ዚስዕብ ኣብቲ ምሳሌ ተጠቒሱ ዚርከብ ነገራት እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

እቲ ጽቡቕ ዘርኢ

እቲ ዘርኢ ዝዘርአ ሰብ

እቲ ናይ ምዝራእ ተግባር

እቲ ጸላኢ

እቲ ኽርዳድ

እቲ ግዜ ቐውዒ

እቲ ቖፎ

እቲ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን

እቲ እቶን ሓዊ

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ኣትሒዙ፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ኺዝራእ ጀመረ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ሕጂ፡ እቲ ምሳልያዊ ስርናይ ናብ ቆፎ የሆዋ ይኣቱ ኣሎ

[ምንጪ ስእሊ]

Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.